ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ኣብ መጀመርታ ዘሕለፎ ናብራ ስድራቤት

የሱስ ኣብ መጀመርታ ዘሕለፎ ናብራ ስድራቤት

ምዕራፍ 9

የሱስ ኣብ መጀመርታ ዘሕለፎ ናብራ ስድራቤት

የሱስ ኣብ ናዝሬት ክዓቢ ከሎ እታ ከተማ ንእሽቶ: ብዙሕ ኣገዳሲት ዘይኰነት ኢያ ነይራ። ካብቲ ምልኩዕ ዝነበረ ስንጭሮ ናይ ይዝርኤል ብዙሕ ከይርሓቐት: ኣብቲ ዅድዅዶታት ዝመልኦ ከባቢ ገሊላ ኢያ ትርከብ።

ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ካብ ግብጺ ከምጽእዎ ከለዉ ዳርጋ ወዲ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኢዩ ነይሩ: ንማርያም እንኮ ወዳ ከም ዝነበረ ኸኣ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንነዊሕ ግዜ ግን ኣይቀጸለን። ድሕሪ ገለ ግዜ ያእቆብ: ዮሴፍ: ስምኦን: ከምኡውን ይሁዳ ተወልዱ: ዮሴፍን ማርያምን ኣዋልድ እውን ወሊዶም ኢዮም። ኣብ መወዳእትኡ: የሱስ ብውሕዱ ሽዱሽተ ንኣሽቱ ኣሕዋትን ኣሓትን ነይሮሞ ክኸውን ኣለዎ።

የሱስ ካልኦት ኣዝማድ እውን ነይሮሞ ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ይሁዳ ዝቕመጥ ካብኡ ዝዓቢ ወዲ ሓትንኡ ዮሃንስ ድሮ ፈሊጥና ኣለና። ኣብ ጥቕኦም ኣብ ገሊላ እትነብር ግን እታ ሓፍቲ ማርያም ምዃና ርዱእ ዝዀነ ሰሎሜ ኣላ። ሰሎሜ ንዘብዴዎስ ተመርዓወት: ስለዚ እቶም ክልተ ደቆም ያእቆብን ዮሃንስን እውን ደቂ ሓትንኡ ኢዮም ማለት ኢዩ። የሱስ ክዓቢ ከሎ ምስ እዞም ኣወዳት እዚኣቶም ብዙሕ ግዜ ምሕላፉን ዘይምሕላፉን ኣይንፈልጥን ኢና: ድሓር ግን ናይ ቀረባ ብጾቱ ኰይኖም ኢዮም።

ዮሴፍ ነታ እናዐበየት ትኸይድ ዝነበረት ስድራቤቱ ንምእላይ ኣበርቲዑ ክዓዪ ነበሮ። ጸራቢ ኢዩ ነይሩ። ዮሴፍ ንየሱስ ከም ወዱ ኢዩ ኣዕብይዎ: ስለዚ የሱስ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ ተጸውዐ። ዮሴፍ ጸራባይ ንኽኸውን ንየሱስ ማሃሮ: ንሱ እውን ጽቡቕ ገይሩ ኣጽንዐ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ሰባት ደሓር “እቲ ጸራቢ” ኢሎም ዝጸውዕዎ።

ናብራ ስድራቤት ዮሴፍ ምስ ኣምልኾ የሆዋ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። ዮሴፍን ማርያምን ምስ ሕጊ ኣምላኽ ብምስምማዕ ንደቆም ‘ኣብ ኮፍ ምባሎም: ኣብ መገዲ ክኸዱ ከለዉ: ኣብ በጥ ምባሎምን ኣብ ምትንስኦምን’ መንፈሳዊ ትምህርቲ ይምህርዎም ነበሩ። ኣብ ናዝሬት ቤት ጸሎት ነይሩ ኢዩ: ዮሴፍውን ስርዓታዊ ኰይኑ ንስድራቤቱ ኣብኡ ይወስዶም ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ንምኻድ ኵሉ ግዜ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ ኣጸቢቖም ይሕጐስሉ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ማቴዎስ 13:⁠55, 56፣ 27:⁠56፣ ማርቆስ 15:⁠40፣ 6:⁠3፣ ዘዳግም 6:⁠6⁠-​9

▪ የሱስ ብውሕዱ ክንደይ ካብኡ ዝንእሱ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢዮም ነይሮሞ: ስም ናይ ገለ ካብኦም መን ኢዩ፧

▪ ኣጸቢቖም ፍሉጣት ዝዀኑ ሰለስተ ደቂ ሓትንኡ ንየሱስ መነ መን ኢዮም፧

▪ እናዓበየ ምስ ከደ የሱስ እንታይ ስራሕ ኢዩ ዝሓዘ: ስለምንታይከ፧

▪ ዮሴፍ ንስድራቤቱ እንታይ ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ኢዩ ሂብዎም፧