ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት

የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት

ምዕራፍ 24

የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት

የሱስ ኣብታ ምስቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቅፍርናሆም ዘሕለፋ መዓልቲ ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ኢዩ ነይሩ: ንዅሎም እቶም ህዝቢ ዘምጽኡሉ ሕሙማት ብምሕዋይ ከኣ ደምደማ። ንብሕቱ ዝዀነሉ ግዜ ኣይረኸበን።

ሕጂ ንጽብሒቱ ንግሆ ኢዩ ዘሎ። ገና ጸልማት ከሎ የሱስ ተንሲኡ ንደገ ወጸ። ንበይኑ ኰይኑ ናብ ኣቡኡ ክጽልየሉ ኣብ ዝኽእል ጽምው ቦታ ከደ። እቲ ናይ የሱስ ብሑትነት ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን: ምኽንያቱ ጴጥሮስን እቶም ካልኦትን ከም ዘየለ ምስ ረኣዩ ክደልይዎ ወጹ።

ንየሱስ ምስ ረኸብዎ ኸኣ ጴጥሮስ “ኵሎም እምበር ይደልዩኻ አለዉ” በሎ። ህዝቢ ቅፍርናሆም የሱስ ምስኦም ክጸንሕ ኢዮም ዝደልይዎ። ብሓቂ ነቲ ዝገበረሎም የማስውሉ ኢዮም! የሱስ ግን ቀንዲ መምጽኢኡ ከምዚ ዝበለ ተኣምራታዊ ምፍዋስ ንምግባር ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧

ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ምእንቲዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ: ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ: ንዑናይ ንኺድ” ኢሉ መለሰሎም። ዋላ እኳ እቶም ሰባት ክጸንሕ እንተ ገደድዎ የሱስ ግን “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በሎም።

እወ: የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ብፍላይ ብዛዕባ እታ ንስም ኣቡኡ እትቕድስ ከምኡውን ንዅሉ ናይ ደቅሰብ ግድላት ነባሪ መፍትሒ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽሰብኽ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብኣምላኽ ከም እተላእከ ንኸረጋግጽ የሱስ ተኣምራታዊ ምፍዋስ ገበረ። ብተመሳሳሊ መገዲ ሙሴ ቅድሚ ብዙሕ ክፍለ⁠-​ዘበናት ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃኑ ንምስክርነት ዝዀኖ ተኣምራታት ገይሩ ኢዩ።

ሕጂ የሱስ ኣብ ካልእ ዓድታት ክሰብኽ ካብ ቅፍርናሆም ምስ ወጸ: እቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ከዱ። እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ጴጥሮስን ሓዉ እንድርያስን ከምኡውን ዮሃንስን ሓዉ ያእቆብን ኢዮም። እታ ቅድሚኣ ዝነበረት ሰሙን ምስ የሱስ ዝገሹ ናይ መጀመርታ መተዓይይቱ ክዀኑ ከም እተዓደሙ ትዝክሮ ኢኻ።

እቲ የሱስ ምስቶም ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ንገሊላ እናሰበኸ ዝገበሮ ዙረት ዕዉት ኢዩ ነይሩ! አረ ናይቲ ንጥፈታቱ ጸብጻብሲ ክሳዕ ሶርያ እውን ከይተረፈ ኢዩ ተሰሚዑ። ካብ ገሊላ: ይሁዳ: ከምኡውን ስግር ርባ ዮርዳኖስ ብዙሕ ህዝቢ ንየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ሰዓቦም። ማርቆስ 1:⁠35⁠-​39፣ ሉቃስ 4:⁠42, 43፣ ማቴዎስ 4:⁠23⁠-​25፣ ዘጸኣት 4:⁠1⁠-​9, 30, 31

▪ የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ትሑዝ ኰይኑ ምስ ወዓለ ንጽብሒቱ እንታይ ተፈጸመ፧

▪ የሱስ ናብ ምድሪ እተላእከ ስለምንታይ ኢዩ: እቲ ዝገበሮ ተኣምራታትከ እንታይ ዕላማ ነበሮ፧

▪ ኣብቲ ኣብ ገሊላ እናሰበኸ ዝገበሮ ዙረት ምስ የሱስ ዝኸዱ መን ኢዮም: እቲ ናይ የሱስ ንጥፈትከ እንታይ ምላሽ ረኸበ፧