ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ኣብ ያሪኮ ኰይኑ ይምህር

የሱስ ኣብ ያሪኮ ኰይኑ ይምህር

ምዕራፍ 99

የሱስ ኣብ ያሪኮ ኰይኑ ይምህር

ድሕሪ ሓጺር ግዜ የሱስን እቶም ምስኡ ዝጓዓዙ ዝነበሩን ኣብታ ካብ የሩሳሌም ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዕዞ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ያሪኮ በጽሑ። ከተማ ያሪኮ ክልተ ኢያ: ኣብ መንጎ እታ ጥንታዊት ናይ ኣይሁድ ከተማን እታ ሓዳስ ናይ ሮማውያን ከተማን ሓደ ኪሎ ሜትርን ፈረቓን ኣቢሉ ዝኸውን ርሕቀት ኣሎ። እቶም ህዝቢ ካብታ ጥንታዊት ከተማ ወጺኦም ናብታ ሓዳስ ከተማ ገጾም ክቐርቡ ከለዉ ክልተ ዕዉራት ድምጺ ሰምዑ። ሓደ ካብቶም ዕዉራት ሽሙ በርጢሜዎስ ኢዩ ነይሩ።

የሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ በርጢሜዎስን እቲ ብጻዩን ዓው ኢሎም “ጐይታይ ወዲ ዳዊት: ምሐረና” ኢሎም ጨርሑ። እቶም ህዝቢ ብጭከና ስቕ በሉ ምስ በልዎም ንሳቶም ግን መሊሶም ድምጾም ዓው ኣቢሎም “ጐይታይ ወዲ ዳዊት ምሐረና” እናበሉ ጨደሩ።

የሱስ ነቲ ጭራሕ ምራሕ ሰሚዑ ደው በለ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኸኣ ነቶም ዝጭድሩ ዝነበሩ ናብኡ ከምጽእዎም ሓተቶም። እዚኣቶም ከኣ ናብቶም ዕዉራት ለመንቲ ከይዶም ንሓደ ካብኦም “ኣጆኻ: ተንስእ: ይጽውዓካ አሎ” በልዎ። እቲ ሰብኣይ ብሓጐስ ነቲ ባርኖሱ ደርብዩ ደው በለ ናብ የሱስ ከኣ ከደ።

የሱስ ድማ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ክልተ ዕዉራት ከኣ “ጐይታይ: ኣዒንትና ኪኽፈታ” በልዎ።

የሱስ ብድንጋጽ ተለዓዒሉ ኣዒንቶም ተንከፎም። ብመሰረት ናይ ማርቆስ ጸብጻብ የሱስ ንሓደ ካብኣቶም “ኪድ: እምነትካ ኣሕወየትካ” በሎ። እቶም ዕዉራት ከኣ ብኡንብኡ ረኣዩ: ብዘይ ጥርጥር ከኣ ክልቲኦም ንኣምላኽ ክውድሱ ጀመሩ። ኵሎም እቶም ሰባት እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ: ንሳቶም እውን ንኣምላኽ ወደስዎ። በርጢሜዎስን እቲ ብጻዩን ከይተደናጐዩ ንየሱስ ክስዕብዎ ጀመሩ።

የሱስ ብያሪኮ ክሓልፍ ከሎ እቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ህዝቢ ኣዝዮም በዝሑ። ኵሉ ሰብ ነቲ ኣዒንቲ እቶም ዕዉራት ሰባት ዘሕወየ ሰብኣይ ክርኢ ደለየ። እቶም ህዝቢ ንየሱስ ብዅሉ ወገን ይደፋፍእዎ ነበሩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ገሊኦም ሰባት ነዛ ዓይኖም እኳ ትኹን ክርእይዎ ኣይከኣሉን። ካብዚኣቶም እቲ ናይቶም ኣብ ያሪኮን ከባቢኣን ዘለዉ ግብሪ ዘኽፍሉ ሰባት ሓለቓ ዝነበረ ዘኬዎስ ኢዩ። ኣዝዩ ሓጺር ስለ ዝነበረ እቲ ዝኸውን ዝነበረ ነገራት ክርኢ ኣይከኣለን።

ስለዚ ዘኬዎስ በቲ የሱስ ዝሓልፈሉ መገዲ ኣቐዲሙ ከይዱ ኣብ ሳግላ ሓዀረ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዀይኑ ንዅሉ ጽቡቕ ገይሩ ክርእዮ ይኽእል ኢዩ። እቲ ህዝቢ እናቐረበ ምስ መጸ የሱስ ናብቲ ኦም እናጠመተ “ዘኬዎስ: ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ: ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ። ዘኬዎስ እናተሓጐሰ ካብቲ ኦም ወሪዱ ነቲ ክቡር ጋሽኡ ዝኸውን ነገራት ንምድላው ናብ ቤቱ ተቐላጠፈ።

ይኹን እምበር: እቶም ሰባት ነቲ ዘጋጠመ ነገር ምስ ረኣዩ ኵሎም ኣዕዘምዘሙ። የሱስ ጋሻ ኰይኑ ናብ ቤት ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ክኸይድ ዘይግቡእ ገይሮም ርኣይዎ። ዘኬዎስ ዝሃብተመ ካብቲ ናይ መኽፈል ግብሪ ስርሑ ብምትላል ገንዘብ ስለ ዝወስድ ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ሰዓብዎ: ኣብ ቤት ዘኬዎስ ምስ ኣተወ ኸኣ “ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል አተወ” እናበሉ ኣጕረምረሙ። ይኹን እምበር: የሱስ ዘኬዎስ ክናሳሕ ከም ዝኽእል ኣስተብሂሉሉ ኢዩ። ዘኬዎስ ተንሲኡ “ጐይታይ: እንሆ: ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ: ገለ ዝዐመጽክዎ እንተሎውን: ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” ብምባሉ ንየሱስ ኣየሕፈሮን።

ዘኬዎስ ፍርቂ ንብረቱ ንድኻታት ብምሃቡን እቲ ፍርቂ ኸኣ ነቶም ዝዓመጾም ኣርባዕተ ዕጽፊ ገይሩ ንምኽፋል ብምሃቡ ነስሕኡ ናይ ሓቂ ምንባሩ የርኢ። ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝወሰደ ካብቲ ናይ ግብሪ መኽፈሊ መዛግብቱ ክረኽቦ ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ምስቲ ‘ሰብ በጊዕ እንተ ሰረቐ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሓስ’ ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ንምስምማዕ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝኸፍል መሓለ።

የሱስ “ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕን እዩ ዝመጸ እሞ: ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ: ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ” ብምባሉ በቲ ዘኬዎስ ንንብረቱ ንምክፍፋል እተጠቕመሉ ኣገባብ ተሓጒሱ ኢዩ።

ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ በቲ ናይቲ ሓሻሺ ወዲ ዛንታ ገይሩ ኵነታት ናይ ሓደ ‘ዝጠፍአ’ ሰብ ኣብርሀ። ሕጂ ኸኣ እዚ ብሓቂ ኣብ ህይወት ዘጋጠመ ኣብነት ናይ ሓደ ጠፊኡ ዝነበረ እተረኽበ ኢዩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዝስዕብዎም ዝነበሩ ሰባትን ብዛዕባ እቲ የሱስ ንኸም ዘኬዎስ ዝበሉ ሰባት ዝገብረሎም ቈላሕታ እኳ እንተ ኣዕዘምዘሙን ኣጕረምረሙን: የሱስ ነቶም ዝጠፍኡ ደቂ ኣብርሃም ምድላይን ምድሓንን ቀጸለ። ማቴዎስ 20:⁠29-34፣ ማርቆስ 10:⁠46-52፣ ሉቃስ 18:⁠35–19:⁠10፣ ዘጸኣት 22:⁠1

▪ የሱስ ነቶም ዕዉራት ለመንቲ ኣበየናይ ቦታ ኢዩ ረኺብዎም ዝኸውን: እንታይከ ገበረሎም፧

▪ ዘኬዎስ መን ኢዩ: ኣብ ኦም ዝሓዀረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ዘኬዎስ ከም እተናስሐ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ካብቲ የሱስ ምስ ዘኬዎስ ዝገበሮ ርክብ እንታይ ኢና እንማሃር፧