ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ እንደገና ናብ የሩሳሌም ገጹ የምርሕ

የሱስ እንደገና ናብ የሩሳሌም ገጹ የምርሕ

ምዕራፍ 82

የሱስ እንደገና ናብ የሩሳሌም ገጹ የምርሕ

ነዊሕ ከይጸንሐ የሱስ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናማሃረ እንደገና ኣብቲ መገዲ ነበረ። ኣብቲ ካብ ይሁዳ ርባ ዮርዳኖስ ሰጊርካ ዝርከብ ኣውራጃ ጴርያ ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ። እቲ ክኸዶ ዝመደቦ ዓዲ ግን የሩሳሌም ኢዩ።

ሓደ ሰብኣይ “ጐይታይ: ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧” ኢሉ ከም ዝሓትት ዝገበሮ: ምናልባት እቲ ዝድሕኑ ሒደት ጥራይ ኢዮም ዝብል ናይ ኣይሁድ ፍልስፍና ኢዩ ዝኸውን። የሱስ “በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ [ተቓለሱ ወይ ከኣ ተሳቐዩ ማለት ኢዩ]” ኢሉ ብምምላሱ: ሰባት ብዛዕባ እቲ ንምድሓን ዘድልዮም ነገር ከም ዝሓስቡ ገበሮም።

ከምቲ የሱስ ቀጺሉ ዝበሎ ከምዚ ዝበለ ገድሊ ህጹጽ ኢዩ ምኽንያቱ “ብዙሓት ኪአትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም: እብለኩም አሎኹ” በሎም። ስለምንታይ ኢዩ ዘይኰነሎም፧ ሓንሳእ ‘ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ: ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ክብሉ ክጅምሩ፤ ጐይታይ: ጐይታይ: ክፈተልና: እናበሉ ማዕጾ ዃሕኳሕ ከብሉ ኢዮም። ንሱ ኸኣ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ: ኢሉ ኺመልሰሎም ኢዩ’ ብምባል ገለጸ።

እቶም ኣብ ደገ እተዓጽዉ ኣብቲ ንዕኦም ዝጥዕም ግዜ ከም ዝመጹ ርዱእ ኢዩ። ሽዑ ግን እቲ ናይ ኣጋጣሚ ኣፍ ደገ ክዕጾን ክሽጐርን ኢዩ። እቲ ኣጋጣሚ ዘይጥዕሞም እኳ እንተነበረ ንኽኣትዉ ግን ኣቐዲሞም ክመጹ ኢዩ ነይርዎም። ብሓቂ ነቶም ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወቶም ቀንዲ ንኽገብርዎ ዘዕጠጥዩ ሰባት: ዘሕዝን ውጽኢት ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ!

እቶም የሱስ ከገልግሎም እተላእከ ኣይሁድ ብሓፈሻ ክርኣዩ ከለዉ: ነዚ ኣምላኽ ዘዳለዎ ዘገርም ኣጋጣሚ ናይ ድሕነት ከይቅበሉ ኣብዮም ኢዮም። ስለዚ የሱስ ናብ ደገ ምስ ተደርበዩ ክበኽዩን ኣስናኖም ክሕርቅሙን ምዃኖም ተዛረበ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ካብ ኵሎም ኣህዛብ ‘ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ዝመጹ’ ሰባት ‘ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።’

የሱስ ቀጺሉ “እንሆ ድማ: ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት [እቶም ዝጽልኡ ዘይኣይሁዳውያንን ጭቁናት ኣይሁድን] አለዉ: ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞትውን [እቶም ብስጋውን ሃይማኖታውን መገዲ ዝጠዓሞም ኣይሁድ] አለዉ” በሎም። ከምዚኦም ዝበሉ ሃካያትን ዘየመስግኑን ሰባት እቲ ዳሕሮት ምዃኖም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ፈጺሞም ኣይህልዉን ኢዮም ማለት ኢዩ።

ፈሪሳውያን ከኣ መጺኦም “ሄሮድስ [ኣንጢጳስ] ኪቐትለካ ይደሊ አሎ እሞ: ውጻእ: ካብዚ ኣግልስ” በልዎ። ምናልባት የሱስ ካብቲ ቦታ እቲ ንኸልግስ ብምባል እዚ ወረ እዚ ሄሮድስ ባዕሉ ዝጀመሮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሄሮድስ ከምቲ ንዮሃንስ መጥምቕ ዝቐተሎ ካልኣይ ነብዪ ኣምላኽ ኣብ ምቕታል ኢዱ ከየእቱ ፈሪሑ ነይሩ ይኸውን። የሱስ ግን ነቶም ፈሪሳውያን “ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፤ እንሆ: ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ: ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እው[ድ]እ አሎኹ” በልዋ በሎም።

ኣብኡ ዝነበሮ ዕዮ ድሕሪ ምውድኡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ገጹ ተጓዕዘ: ምኽንያቱ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ‘ነብዪ ብዘይ ኣብ የሩሳሌም [ኣብ ካልእ ቦታ] ኣይቕተልን ኢዩ።’ ስለምንታይ ኢዩ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ክቕተል ትጽቢት ዝግበር፧ ምኽንያቱ የሩሳሌም እቶም 71 ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሳንሄድሪን ዝርከቡላ ከምኡውን ናይ እንስሳ መስዋእቲ ዝግበረላ ርእሲ ከተማ ኢያ። ስለዚ “ገንሸል ኣምላኽ” ኣብ የሩሳሌም እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ቦታ ክቕተል ቅቡል ኣይኰነን።

የሱስ ከምዚ ብምባል ሓዘኑ ገለጸ:- “የሩሳሌም: የሩሳሌም: ንነብያት እትቐትሊ: ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ: ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕ ንደቅኺ ክእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም። እንሆ: ቤትኩም ክትዖኑ እያ።” እታ ሃገር ንወዲ ኣምላኽ ብዘይምቕባላ ንጥፍኣት ተፈርደት!

የሱስ ናብ የሩሳሌም ገጹ ክኸይድ ከሎ ኣብ ቤት ሓደ ሓለቓ ፈሪሳውያን ተዓደመ። ሰንበት ኢዩ ነይሩ: ምናልባት ኣእዳውን ኣእጋሩን ማይ ብምምዓጉ ብሕበጥ ዝሳቐ ዝነበረ ሰብኣይ: ኣብኡ ስለ ዝነበረ እቶም ሰባት ነቲ የሱስ ዝገብሮ ኣጸቢቖም ይዕዘብዎ ነበሩ። የሱስ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ከምዚ ብምባል ሓተቶም:- “ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧”

ዋላ ሓደ ኣይመለሰሉን። ስለዚ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ኣሕውዩ ሰደዶ። ካብኡ ኸኣ “ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቐ: ብኡንብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን አሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። ሕጂ እውን ዝመለሰሉ ሰብ ኣይነበረን። ሉቃስ 13:⁠22–14:⁠6፣ ዮሃንስ 1:⁠29

▪ የሱስ ንድሕነት እንታይ ከም ዘድሊ ኢዩ ዘርኣየ: ብዙሓት ኣብ ደገ ዝዕጸዉ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ እቶም ቀዳሞት ዝዀኑ “ዳሕሮት” መን ኢዮም: እቶም ዳሕሮት ዝዀኑ ‘ቀዳሞትከ’ መን ኢዮም፧

▪ ሄሮድስ ንየሱስ ክቐትሎ ደልዩ እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ነብዪ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ክቕተል ቅቡል ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧