ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ካብኡ ዝደልዮ ፈጸመ

የሱስ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ካብኡ ዝደልዮ ፈጸመ

ምዕራፍ 133

የሱስ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ካብኡ ዝደልዮ ፈጸመ

እቲ ተዋጋኢ ዝዀነ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ንሰይጣንን ነታ እክይቲ ዓለሙን ምስ ኣልገሶም ንኽንሕጐስ ኣየ ከመይ ዝበለ ምኽንያት ኰን ኢዩ ዘሎና! ኣብ መወዳእትኡ እቲ ሰላማዊ ዝዀነ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክጅምር ኢዩ!

ብመሪሕነት የሱስን እቶም መናግስቱን ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ሰባት ነቲ ካብቲ ቅዱስ ውግእ ዝተረፈ ዑናታት ከጽርይዎ ኢዮም። እቶም ምድራውያን ደሓንቲ ንገለ ግዜ ደቂ ይወልዱ ይዀኑ ኢዮም: እዚኣቶም እውን ንምድሪ ናብ ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ ንምልዋጥ ኣብ ዝግበር ባህ ዘብል ናይ ልምዓት ዕዮ ክካፈሉ ኢዮም።

ኣብቲ ግዜኡ ኸኣ የሱስ ንማእለያ ዘይብሎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ መቓብር ብምትንሳእ ናብዛ ጽብቕቲ ገነት ከእትዎም ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ንሱ ባዕሉ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኺወጹ እዮም” ብምባል ውሕስነት ዝሃቦ ንምፍጻም ክገብሮ ኢዩ።

እቲ ቅድም ገባር ክፉእ ዝነበረ ኣብቲ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ ኸኣ ኣብ ጐድኑ ዝሞተ ኣብ መንጎ እቶም የሱስ ዘተንስኦም ክህሉ ኢዩ። የሱስ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ ከም እተመባጽዓሉ ዘክር። እቲ ሰብኣይ ምስ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ንኽገዝእ ናብ ሰማይ ኣይከይድን ኢዩ: ወይ ድማ የሱስ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ምስኡ ንምንባር እንደገና ሰብ ኣይከውንን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ የሱስ ነቲ ቅድም ገባር ክፉእ ዝነበረ ኣብ ገነት ከም ዝትንስእ ብምግባሩ ከምኡውን ኣብዛ እትቕጽል ገጽ ዘሎ ስእሊ ከም ዝገልጾ ብስጋውን መንፈሳውን ዘድልዮ ነገራት ብምሕላይ ኢዩ ምስኡ ዝኸውን።

ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮት ናይ የሱስ ብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራቤት​—⁠እቶም ደሓንቲ ኣርማጌዶን: ደቆም: እቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ዝእዘዝዎ ሰባት​—⁠ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ክበጽሑ ኢዮም። የሆዋ በቲ ንጉስ ዝዀነ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መገዲ ምስ ደቅሰብ ክነብር ኢዩ። ከምቲ ዮሃንስ ካብ ሰማይ ዝሰምዖ ድምጺ ኸኣ ‘ኣምላኽ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን ኢዩ።’ ኣብ ምድሪ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይክሳቐን ወይ ኣይክሓምምን ኢዩ።

እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ምስ ተወድአ: እቲ ኵነታት ከምቲ ኣምላኽ መጀመርታ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣዳምን ሄዋንን ክነግሮም ከሎ ክፈርዩን ንምድሪ ክመልእዋን ዝመደቦ ክኸውን ኢዩ። እወ: ምድሪ ብጻድቃን ዝዀኑ ፍጹማት ሰባት ክትመልእ ኢያ። እዚ ከምኡ ዝኸውን ከኣ ጥቕሚ ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ንዅሉ ሰብ ስለ ዝውዕል ኢዩ። እቲ ብሓጢኣት ኣዳም ዝመጸ ሞት ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ!

በዚ ኸምዚ የሱስ እቲ የሆዋ ካብኡ ዝደልዮ ኵሉ ነገር ክፍጽም ኢዩ። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት እታ መንግስትን ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ስድራቤትን ንኣቡኡ ከረክቦ ኢዩ። ሽዑ ኣምላኽ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብቲ ከም ሞት ዝመስል ንጥፈት ዘይብሉ መዓሙቕ ከውጽኦም ኢዩ። ንምንታይ ዕላማ፧

ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ገነት ዝነብሩ ናይ እምነት ፈተና ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ሰባት ኢዮም። ቅድሚ ሙማቶም መብጽዓታት ኣምላኽ ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ኣብኡ እምነት ከርእዩ ኣይክእሉን ኢዮም። ደሓር ምስ ተንስኡን ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተማህሩን ከኣ ኣብ ገነት ብዘይ ተቓውሞ ንኣምላኽ ምግልጋል ቀሊል ኢዩ። ሰይጣን ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ከቋርጾም ክፍትን ኣጋጣሚ እንተ ተዋሂብዎ ግን ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ይዀኑ ድዮም፧ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላሽ ሰይጣን ክፍታሕ ኢዩ።

እቲ ንዮሃንስ እተዋህቦ ራእይ ከም ዝሕብሮ ብድሕሪ እቲ የሱስ ዝገዝኣሉ ሽሕ ዓመት: ሰይጣን ንብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ንኸርሕቖም ክዕወት ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። ደሓር ግን እቲ ናይ መጨረሽታ ፈተና ምስ ተወድአ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን: ኵሎም እቶም ከስሕቶም ዝኸኣለ ሰባትን ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቶም ምሉእ ብምሉእ እተፈተኑ እሙናት ደሓንቲ በረኸታት ናይቲ ሰማያዊ ኣቡኦም እናኣስተማቐሩ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም።

የሱስ እቲ ግርማዊ ዝዀነ ዕላማታት የሆዋ ኣብ ምፍጻም ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርዎ: ንድሕሪ ሕጂ እውን ዓቢ ግደ ከም ዝህልዎ ንጹር ኢዩ። በቲ ከም ናይ ኣምላኽ ሰማያዊ ንጉስ መጠን ዝገብሮ ኵሉ: ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ መጻኢ ኢና እነስተማቕር። እንተዀነ ግን: ሰብ ኰይኑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝገበሮ ኵሉ ክንርስዖ ኣይንኽእልን ኢና።

የሱስ ብፍቓዱ ናብ ምድሪ መጺኡ ብዛዕባ ኣቡኡ መሃረና። ብዘይካ እዚ ኸኣ ኣብነት ናይቲ ክቡር ባህርያት ኣምላኽ እውን ኰይኑ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ትብዓቱ: ስብእነቱ: መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበቡ: ከም መምህር መጠን ዘለዎ ሓለፍ ዝበለ ክእለት: ፍርሒ ዘይብሉ መሪሕነቱ: ከምኡውን እቲ ለዋህ ድንጋጹን ሓልዮትን ክንሓስብ ከሎና ልብና ይትንከፍ ኢዩ። ነቲ ንሕና ህይወት ክንረኽበሉ እንኽእል በጅነት ከቕርብ ከሎ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሳቐየ እንተ ዘኪርና ብርግጽ ልብና ንኸነማስዎ ይለዓዓል ኢዩ!

ብሓቂ እምበኣር ታሪኽ ህይወት የሱስ ምስ ኣጽናዕና ኣየ ከመይ ዝበለ ባህርያት ዘለዎ ሰብኣይ ኢና ርኢና! ዕብየቱ ፍሉጥን ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለን ኢዩ። ነቲ “እንሆ: እቲ ሰብኣይ” ዝብል ናይቲ ሮማዊ ገዛኢ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ቃላት ክንደግም ኢና እንደፋፋእ። እወ: ብሓቂ “እቲ ሰብኣይ:” ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ኢዩ!​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ነቲ ናይ በጅነታዊ መስዋእቱ ምድላዋት ብምቕባል: እቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ጾር ከልግሰልና: የሱስ ከኣ “ኣቦ ዘለኣለም” ክዀነና ኢዩ። ኵሎም እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኽቡ ሰባት: ብዛዕባ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እውን ፍልጠት ክረኽቡ ኣለዎም። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምንባብካን ምጽናዕካን ነዚ ከምዚ ዝበለ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ንኽትረክብ እትሕግዘካ ይግበሮ! 1 ዮሃንስ 2:⁠17፣ 1:⁠7፣ ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 3:⁠16፣ 17:⁠3፣ 19:⁠5፣ ሉቃስ 23:⁠43፣ ዘፍጥረት 1:⁠28፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠24-28፣ ራእይ 20:⁠1-3, 6-10፣ 21:⁠3, 4፣ ኢሳይያስ 9:⁠6

▪ ዘሐጕስ መጻኢ ናይቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑን ደቆምን እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

▪ ብዘይካ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑን ደቆምን ኣብ ገነት መን ክህሉ ኢዩ: የሱስከ ብኸመይ ኢዩ ምስኦም ዝኸውን፧

▪ ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት እቲ ኵነታት ከመይ ክኸውን ኢዩ: የሱስከ ሽዑ እንታይ ክገብር ኢዩ፧

▪ ሰይጣን ካብ መዓሙቝ ዝፍታሕ ስለምንታይ ኢዩ: ኣብ መወዳእትኡኸ ንዕኡን ነቶም ዝስዕብዎን እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧

▪ የሱስ “ኣቦ ዘለኣለም” ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧