ይቕረ ምባል ዝገልጽ ትምህርቲ
ምዕራፍ 64
ይቕረ ምባል ዝገልጽ ትምህርቲ
የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ገና ኣብታ ኣብ ቅፍርናሆም እትርከብ ቤት ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝለዓል ሽግር ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ኢዮም ክመያየጡ ጸኒሖም: ስለዚ ኸኣ ጴጥሮስ “ጐይታይ: ሓወይ እንተ በደለንስ: ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧” ኢሉ ሓተተ። ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መማህራን ክሳዕ ሰለስተ ሳዕ ምሕረት ክግበር ኣለዎ ይብሉ ስለ ዝነበሩ ጴጥሮስ “ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” ክብል ከሎ ንገዛእ ርእሱ ይቕረ ብምባል ለጋስ ገይሩ ሓሲብዋ ክኸውን ኣለዎ።
እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝበለ በደል ምምዝጋብ ንርእሱ ጌጋ ኢዩ። የሱስ ከኣ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር: ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ ንጴጥሮስ ኣረሞ። ጴጥሮስ ንሓዉ ክገብረሉ ዘለዎ ምሕረት ክቝጸር ከም ዘይብሉ ኢዩ የሱስ ዘርእዮ ዘሎ።
መሓርቲ ክዀኑ ዘለዎም ግዴታ ንኸረድኦም ኢሉ የሱስ ሓንቲ ምሳሌ ነገሮም። እቲ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ምስ ባሮቱ ክጸባጸብ ዝደሊ ንጉስ ኢዩ። ንሓደ 60,000,000 ዲናር ዝእውዶ ባርያ ናብኡ ኣምጽእሉ። ክኸፍሎ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ: እቲ ንጉስ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ክሽየጡ እሞ እቲ ዕዳ ክኽፈል ኣዘዘ።
ሽዑ እቲ ባርያ ኣብ እግሪ እቲ ንጉስ ወዲቑ ከምዚ ብምባል ለመነ:- “ጐይታይ: ተዐገሰኒ: ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ።”
እቲ ጐይትኡ ኸኣ ደንገጸሉ እሞ ብምሕረት ነቲ ዝነበሮ ብዙሕ ዕዳ ሓደገሉ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ባርያ ንሓደ 100 ዲናር ዝእውዶ ብጻዩ ባርያ ረኸቦ እሞ: ነቲ ብጻዩ ባርያ “ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ” ኢሉ ከም ዝሓነቖ የሱስ ተዛረበ።
እቲ ብጻዩ ባርያ ግን ገንዘብ ኣይነበሮን። ስለዚ ኣብ እግሪ እቲ ዘለቅሖ ባርያ ወዲቑ “ተዐገሰኒ: ኵሉ ኽፈድየካ እየ” ኢሉ ለመኖ። እቲ ባርያ ከም ጐይትኡ መሓሪ ኣይነበረን: ስለዚ ነቲ ብጻዩ ባርያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።
እቶም ነዚ ዝረኣዩ ካልኦት ባሮት እቲ ዝዀነ ነገር ከይዶም ንጐይትኦም ነገርዎ። ብሕርቃን ከኣ ነቲ ባርያ ጸውዖ። “ኣታ ኽፉእ ባርያ: ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ: ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ አይምተገብአካን፧” በሎ። እቲ ጐይታ ኸኣ ኰርዩ ነቲ ዘይምሕር ባርያ ዕድኡ ክሳዕ ዝኸፍል ናብ ማእሰርቲ ሰደዶ።
ካብኡ የሱስ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” ብምባል ደምደመ።
ኣየ ከመይ ዝበለ ንይቕረ ምባል ዝምልከት ሰናይ ትምህርቲ ኢዩ! ምስቲ ኣምላኽ ንዓና ይቕረ ዝበለልና ሓጢኣት ክርአ ኸሎ: ክርስትያን ኣሕዋትና ኣባና ዝፍጽምዎ ዝዀነ ኣበሳ ብሓቂ ንእሽቶ ኢዩ። ብተወሳኺ የሆዋ ኣምላኽ ኣሽሓት ግዜ ይቕረ ኢሉልና ኢዩ። አረ መብዛሕትኡ ግዜስ እቲ ኣንጻር ኣምላኽ እንፍጽሞ ሓጢኣት ኣይነስተብህለሉን ኢና። ስለዚ ንኣሕዋትና: ዋላ ንኽንቅየሞም ቅቡል ዝዀነ ምኽንያት እንተ ሃለወና: ሒደት ግዜ ክንምሕሮም ኣይንኽእንልዶ፧ ከምቲ የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ዝማሃሮ: ኣምላኽ ‘ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝሓደግናሎም: በደልና ክሓድገልና’ ምዃኑ ዘክር። ማቴዎስ 18:21-35፣ 6:12፣ ቈሎሴ 3:13
▪ ጴጥሮስ ንሓዉ ይቕረ ብዛዕባ ምባል ንኽሓትት ዝደፋፍኦ እንታይ ኢዩ: ንሓደ ሰብ ሸውዓተ ግዜ ይቕረ ምባል ብዙሕ ምዃኑ ገይሩ ክርእዮ ዝኸኣለኸ ስለምንታይ ይኸውን፧
▪ እቲ ንጉስ ነቲ ባርያ ዘቕረቦ ልመና ዝሃቦ ምላሽ ካብቲ እቲ ባርያ ንናይ ብጻዩ ባርያ ልመና ዝሃቦ ምላሽ ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧
▪ ካብ ናይ የሱስ ምሳሌ እንታይ ኢና እንማሃር፧