ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዮሃንስ መገዲ ይጸርግ

ዮሃንስ መገዲ ይጸርግ

ምዕራፍ 11

ዮሃንስ መገዲ ይጸርግ

ካብቲ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኰይኑ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበሩ መማህራን ዝሓተሉ ዝነበረ ግዜ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ሓለፈ። ጽድያ ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ: ኵሉ ሰብ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገማግም ርባ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከባ ኵለን ዓድታት ዝሰብኽ ዝነበረ ዮሃንስ ወዲ ሓትንኡ ንየሱስ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ዮሃንስ ብትርኢትን ብኣዘራርባን ብሓቂ ዝማርኽ ሰብኣይ ኢዩ። ክዳኑ ጸጕሪ ገመል: ዕጣቕ ሕቝኡ ኸኣ ፈልቊ ኢዩ ነይሩ። መግቡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ። መልእኽቱኸ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ: ተነስሑ” ዝብል ኢዩ ነይሩ።

እዚ መልእኽቲ እዚ ነቶም ሰማዕቱ ኣሐጐሶም። ብዙሓት ክንስሑ ከም ዘድልዮም እዚ ማለት ከኣ ነቲ ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ክልውጡ እሞ: ነቲ ዝሓለፈ ኣነባብርኦም ከም ዘየድሊ ገይሮም ብምውሳድ ክነጽግዎ ከም ዘለዎም ተገንዘቡ። ስለዚ ካብ ኵሉ ከባቢ ዮርዳኖስ: ካብ የሩሳሌም እውን ከይተረፈ ሰባት ብብዝሒ ናብ ዮሃንስ መጹ: ንሱ ኸኣ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብምጥላቕ ኣጠመቖም። ስለምንታይ፧

እቶም ሰባት ኣንጻር ናይ ኣምላኽ ሕጊ ኪዳን ብምሕጥኦም ልባዊ ነስሓ ከም ዘርኣዩ ንምምልካት ወይ ኣፍልጦ ንምሃብ ኢዩ ዮሃንስ ዘጠምቖም ነይሩ። ስለዚ ገሊኦም ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ናብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ መጹ ዮሃንስ ኰነኖም። “ኣቱም ውሉድ ኣትማን” ኢሉ ጸውዖም። ቀጺሉ ኸኣ “ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ብልብኹም: ኣብርሃም ኣቦ አሎና: ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ: ንኣምላኸ ከም ዚከአሎ: እብለኩም አሎኹ። ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ። እምብኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ: ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ” በሎም።

ዮሃንስ ብዙሕ ቈላሕታ ስለ እተገብሮ እቶም ኣይሁድ ካህናትን ሌዋውያንን ናብኡ ለኣኹ። ንሳቶም ከኣ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

ዮሃንስ “ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን” ኢሉ ተኣመነ።

ንሳቶም ከኣ “መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

ንሱ ኸኣ “ኣይኰንኩን” ኢሉ መለሰሎም።

“እቲ ነብዪ ዲኻ፧”

“ኣይኰንኩን።”

ስለዚ “መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ: ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧” ብምባል ኣጥቢቖም ሓተትዎ።

ዮሃንስ “ኣነስ: ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፤ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ: ዝበሎ: ኣብ በረኻ ዚእ​ውጅ ድምጺ እየ” በሎም።

“ክርስቶስ: ወይ ኤልያስ: ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ: ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

ንሱ ኸኣ “ኣነ ብማይ ኤጥ​ምቕ አሎኹ: ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ . . . ድሕረይ ዚመጽእ: ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰ።

ዮሃንስ እቶም ህዝቢ ነቲ ንጉስ ዝኸውን መሲሕ ንኽቕበልዎ ልቦም ብምድላው ኢዩ መገዲ ዝጸርግ ነይሩ። ብዛዕብኡ ዮሃንስ “እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ: ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን” በለ። ዮሃንስ እቲ ‘ድሕረይ ዝመጽእ: ንሱ ቅድመይ ነይሩ ኢዩ: ንሱ ቕድመይ ኰነ’ እውን ኢሉ ኢዩ።

ስለዚ እቲ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” ዝብል መልእኽቲ ናይ ዮሃንስ: ኣገልግሎት ናይቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምጅማር ገጹ ከም ዘሎ ዝእውጅ ኢዩ ነይሩ። ዮሃንስ 1:⁠6⁠-​8, 15⁠-​28፣ ማቴዎስ 3:⁠1⁠-​12፣ ሉቃስ 3:⁠1⁠-​18፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠4

▪ ዮሃንስ እንታይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ፧

▪ ስለምንታይ ኢዩ ዮሃንስ ሰባት ዘጠምቕ ዝነበረ፧

▪ ዮሃንስ እታ መንግስቲ ቀሪባ ኢያ ክብል ዝኽእል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧