ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧
ምዕራፍ 38
ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧
እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ዝጸንሐ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ ምትንሳእ ወዲ እታ ኣብ ናይን እትርከብ መበለት ሰምዐ። ዮሃንስ ግን እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ብቐጥታ ካብ የሱስ ክሰምዖ ደለየ: ስለዚ “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሎም ንኽሓትዎ ክልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሰደደ።
ዮሃንስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ንየሱስ ከጠምቖ ኸሎ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ የሱስ ክወርድ ስለ ዝረኣየን ድምጺ ኣምላኽ ስለ ዝሰምዐን ከምዚ ኢሉ ምሕታቱ ዘደንጹ ይመስል ይኸውን። ንገሊኦም ሰባት እዚ ሕቶ እዚ ዮሃንስ እምነቱ ደኺማ ነይራ ኢሎም ከም ዝድምድሙ ይገብሮም ይኸውን። እንተዀነ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ዮሃንስ ክጠራጠር ጀሚሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን የሱስ ከምቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝገበሮ ብዛዕብኡ ክብ ኣቢሉ ኣይምተዛረበን። ዮሃንስ እዚ ሕቶ እዚ ዝሓተተ ደኣ ስለምንታይ ኢዩ፧
ዮሃንስ: የሱስ ባዕሉ እቲ መሲሕ ምዃኑ ከረጋግጸሉ ጥራይ ኢዩ ደልዩ ነይሩ ዝኸውን። እዚ ኸኣ ዮሃንስ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐ ብምንባሩ ኣጸቢቑ ዘበራትዖ ኢዩ። ሕቶ ናይ ዮሃንስ ግን ካብኡ ንላዕሊ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ብንጹር ነቲ እቲ መሲሕ ክገብሮ ኢዩ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ነገራት ንምፍጻም ካልእ ዝመጽእ እንተድኣ ኣልዩ ኢዩ ክፈልጥ ደልዩ።
ብመሰረት እቲ ዮሃንስ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ንጉስን መድሓንን ክኸውን ኢዩ። ይኹን እምበር: ዮሃንስ ድሕሪ ጥምቀት የሱስ ንብዙሕ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ዮሃንስ ‘እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘቕውም ንስኻ ዲኻ ወይስ ነቲ ብዛዕባ ክብሪ ናይቲ መሲሕ ዝነግር ዘደንቕ ትንቢታት ዝፍጽም ካልእ ክመጽእ ክንጽበ ኢና፧’ ብምባል ይሓቶ ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ‘ከመይ ደኣ ኣነ እቲ ዝመጽእ ኢየ’ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝነግሮም: ኣብታ ሰዓት እቲኣ ንብዙሓት ሰባት ካብ እተፈላለየ ዓይነት ሕማማት ብምሕዋይ ጕሉሕ መርኣያ ገበረ። ብድሕርዚ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ “ዕዉራት ይርእዩ: ሓንካሳት ይኸዱ: ለምጻማት ይነጽሁ: ጸማማት ይሰምዑ: ምዉታት ይትንስኡ አለው: ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ አሎ እሞ: ኪዱ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ” በሎም።
ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ዮሃንስ ሕቶ የሱስ ካብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ንላዕሊ ክገብር ምናልባት እውን ንዮሃንስ ሓራ ከውጽእ ይጽበ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝእምት። ይኹን እምበር: የሱስ ንዮሃንስ ካብቲ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራታት ንላዕሊ ከይጽበ ኢዩ ዝነግሮ ዘሎ።
ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ምስ ከዱ: የሱስ ናብቶም ህዝቢ ምልስ ኢሉ: ዮሃንስ እቲ የሆዋ ኣብ ሚልክያስ 3:1 ኣቐዲሙ እተዘርበሉ ‘ልኡኽ’ ከምኡውን እቲ ኣብ ሚልክያስ 4:5, 6 እተዘርበሉ ኤልያስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ ኸኣ ዮሃንስ ከምቶም ቅድም ዝነበሩ ነብያት ከም ዝዀነ ብምዝራብ ነኣዶ: ከምዚ ብምባል ከኣ ገለጸ:- “ብሓቂ እብለኩም አለኹ: ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ። ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ: ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ አለዉ።”
የሱስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቲ እቲ ካብ ዮሃንስ ዝንእስ ካብኡ ዝዓቢ ምዃኑ ስለ ዝገለጸ ኣብኡ ከም ዘይህሉ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ። ዮሃንስ ንየሱስ መገዲ ጸረገሉ: እንተዀነ ግን: ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ንኽገዝኡ ኪዳን ወይ ከኣ ስምምዕ ቅድሚ ምግባሩ ኢዩ ሞይቱ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ኣብቲ ሰማያዊ መንግስቲ ዮሃንስ ምስኡ ከም ዘይህሉ እተዛረበ። ኣብ ክንድኡስ ዮሃንስ ምድራዊ ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ክኽውን። ሉቃስ 7:18-30፣ ማቴዎስ 11:2-15
▪ ዮሃንስ እቲ ክመጽእ ዘለዎ የሱስ እንተ ዀይኑ ወይ ከኣ ካልእ ክጽበዩ እንተ ዀይኖም ዝሓተተ ስለምንታይ ኢዩ፧
▪ ዮሃንስ ዝፈጸሞ ትንቢታት ኣየናይ ምዃኑ ኢዩ የሱስ እተዛረበ፧
▪ ዮሃንስ መጥምቕ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧