ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሉዋት ኩኑ!

ድሉዋት ኩኑ!

ምዕራፍ 78

ድሉዋት ኩኑ!

ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ስስዐ ድሕሪ ምዝራቡን: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸአ ንስጋዊ ነገራት ዘይግቡእ ኣትኵሮ ከይገብሩሉ ድሕሪ ምጥንቃቑን የሱስ “ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ” ብምባል ምትብባዕ ሃበ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝህልዉ ብተዛማዲ ሒደት ቍጽሪ (ጸኒሑ 144,000 ምዃኖም ተፈልጠ) ጥራይ ምዃኖም ኢዩ ገሊጹ። መብዛሕትኦም ካብቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኽቡ ምድራውያን ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ ኢዮም ዝዀኑ።

እታ “መንግስቲ” ኣየ ከመይ ዝበለት እተደንቕ ህያብ ኰን ኢያ! እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዛ መንግስቲ ምስ ረኸቡ ክህብዎ ዘለዎም ምላሽ ከመይ ክኸውን ከም ዝግብኦ ክገልጽ ከሎ የሱስ “ጥሪትኩም ሽጡ: ምጽዋትውን ሀቡ” በሎም። እወ: ጥሪቶም ብመንፈሳዊ መገዲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክጥቀሙሉ ይግባእ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ዘይጐድል መዝገብ ኣብ ሰማያት ይዓቝሩ።’

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ ክመጽእ ከሎ ድሉዋት ኰይኖም ክጸንሕዎ መዓዶም። ከምዚ በሎም:- “ሓቛቑኹም ዕጡቕ: መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። ንስኻትኩም: ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ: መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ: ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም: ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ: ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም: ቀሪቡውን ኸም ዜገልግሎም: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

ኣብዚ ምሳሌ እዚ እቶም ባሮት ጐይትኦም ክመጽእ ከሎ ድሉዋት ኰይኖም ከም ዝጸንሕዎ ክዳውንቶም ብምዕጣቖምን ዘይቲ ዝመልአ መብራህቲ ሒዞም ድማ ክሳዕ ለይቲ ዕዮኦም ክፍጽሙ ብምጽንሖምን ተራእዩ ኣሎ። የሱስ ‘ኣብ ካልአይቲ [ካብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ] ወይስ ሳልሰይቲ [ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ] ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም: እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም’ በለ።

እቲ ጐይታ ነቶም ባሮቱ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ዓስቦም ይህቦም። ኣብ መኣዲ የቐምጦም እሞ ከገልግሎም ከኣ ይጅምር። ከም ባሮት ዘይኰነስ ከም እሙናት ኣዕሩኽ ኢዩ ዝርእዮም። ክሳዕ ለይቲ ጐይትኦም ክመጽእ እናተጸበዩ ብቐጻሊ ብምግልጋሎም ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ዓስቢ ኰን ኢዮም ተቐቢሎም! የሱስ “ንስኻትኩም ድማ: ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ደምደመ።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ሽዑ ጴጥሮስ “ጐይታይ: እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘሎኻ ወይስ ንዅሉ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ዝምልሰሉ የሱስ ካልእ ምሳሌ ሃቦ። “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ: ቀለቦም በብግዚኡ ኺህቦም: ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ: ከምዚ እናገበረ ዝጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም።

እቲ “ጐይታ” የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እቲ “መጋቢ” ኸኣ ነቶም “ሒደት መጓሰ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ደቀ መዛሙርቱ ብጕጅለ ደረጃ ኢዩ ዘመልክት፣ “ስድራ ቤቱ” ኸኣ እቶም ሰማያዊ መንግስቲ ናይ ምርካብ ተስፋ ዘለዎም 144,000 ክዀኑ ከለዉ: ኣብዚ ኣገላልጻ እዚ ግን ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ዝዓይዎ ኢዩ ዘጕልሕ። እቲ እሙን መጋቢ ዝሽየመሉ “ጥሪት” ከኣ እቲ ነቶም ምድራውያን ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ እውን ዘጠቓልል ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይቲ ጐይታ ንጉሳዊ ንብረት ኢዩ።

ነቲ ምሳሌ ብምቕጻል ኵሎም ኣባላት ናይቲ መጋቢ ወይ ባርያ እሙናት ከም ዘይኰኑ ኣመልከተ። ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “እቲ ባርያ ብልቡ፤ ምእታው ጐይታይ ይድንጒ እዩ: እንተ በለ ግና: ምግራፍ እቶም ገላዉን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር: ጐይታ እቲ ባርያ እቲ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ: ብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእ . . . ብዙሕ መግረፍቲ ክግረፍ ኢዩ።”

የሱስ ምምጽኡ ንኣይሁድ ጸላዕላዕ ዘብል ግዜ ከም ዝዀኖም ኣስተብሃለ: ምኽንያቱ ገሊኦም ንትምህርቱ ይቕበልዎ ገሊኦም ከኣ ይነጽግዎ ነበሩ። ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብማይ ተጠሚቑ ነበረ: ሕጂ ግን ብሞት ዝጥመቐሉ ግዜ እናቐረበ ስለ ዝኸይድ ዘሎ “ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይጸበኒ” በለ።

እዚ ነገራት እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምባሉ የሱስ እንደገና ነቶም ህዝቢ ክዛረቦም ጀመረ። ነቲ ግልጺ ዝዀነ መርትዖ ናይ መንነቱን ሒዝዎ ዘሎ ትርጕምን ንምቕባል ብትሪ ስለ ዝኣበዩ ሓዘነ። “ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም: ሽዑ፤ ዝናም ኪዘንም እዩ: ትብሉ ኢኹም: ከምኡ ኸኣ ይኸውን። ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፤ ሃሩር ኪኸውን እዩ: ትብሉ: ከምኡ ድማ ይኸውን። ኣቱም ግቡዛት: ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ: ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧” በሎም። ሉቃስ 12:⁠32-59

▪ ነቲ “ሒደት መጓሰ” ዘቝሙ ክንደይ ኢዮም: እንታይ ኢዮምከ ዝረኽቡ፧

▪ የሱስ ኣገልገልቱ ድሉዋት ክዀኑ ከም ዘድልዮም ብኸመይ ኣጕልሐ፧

▪ ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ እቲ “ጐይታ:” እቲ “መጋቢ:” “ስድራ ቤቱ:” ከምኡውን እቲ “ጥሪት” መን ኢዮም፧