ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድምጺ ኣምላኽ ንሳልሳይ ግዜ ተሰምዐ

ድምጺ ኣምላኽ ንሳልሳይ ግዜ ተሰምዐ

ምዕራፍ 104

ድምጺ ኣምላኽ ንሳልሳይ ግዜ ተሰምዐ

የሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ከሎ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዘጋጥሞ ሞት ተጨነቐ። እቲ ቀንዲ ኣሻቒልዎ ዘሎ ድማ ስም ኣቡኡ ዝትንክፍ ጕዳይ ስለ ዝዀነ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ “ኣቦ: ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ጸለየ።

ሽዑ “ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ: ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰምዐ።

እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ተገረሙ። ገሊኦም ‘መልኣኽ ተዛረቦ’ በሉ። ካልኦት ከኣ ነጕዲ ኢዩ በሉ። ብሓቂ ግን የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ እተዛረበ! ይኹን እምበር: ንየሱስ ብዝምልከት ድምጺ ኣምላኽ ዝስማዕ ዘሎ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ እዋን ጥምቀት የሱስ ኣምላኽ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ክብሎ ከሎ ዮሃንስ መጥምቕ ሰሚዑ ኢዩ። መሊሱ እታ ዓሚ ዝነበረት ፋስካ ምስ ሓለፈት ድማ ድሕሪ ገለ እዋን ያእቆብ: ዮሃንስ: ከምኡውን ጴጥሮስ የሱስ ኣብ ቅድሚኦም ትርኢቱ ምስ ተለወጠ ኣምላኽ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ክብል ከሎ ሰምዕዎ። ሕጂ ኸኣ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ 10 ኒሳን ኣርባዕተ መዓልቲ ቅድሚ የሱስ ሙማቱ ድምጺ ኣምላኽ እንደገና ብሰባት ተሰምዐ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን የሆዋ ብዙሓት ሰብ ከም ዝሰምዕዎ ገይሩ ኢዩ ተዛሪቡ!

የሱስ “እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር: ምእንታይ ኣይኰነን” በሎም። እዚ ኸኣ የሱስ: ወዲ ኣምላኽን እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕን ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። የሱስ ቀጺሉ “ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ” በለ። እቲ የሱስ ብተኣማንነት ዘሕለፎ ህይወት: ብሓቂ እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ‘ንወጻኢ ክድርበ:’ ክጠፍእ ዝግብኦ ምዃኑ ኢዩ ዘረጋግጽ።

እቲ ቀሪቡ ዝነበረ ሞቱ እንታይ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ንምምልካት “ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ: ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” በለ። የሱስ ስለ ዝሞተ ተሳዒሩ ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ ብእኡ ኣቢሉ ኢዩ ካልኦት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ ናብኡ ዝስሕቦም።

እቶም ህዝቢ ግን “ንሕናስ: ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ: ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፤ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ: እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧” በልዎ።

መብዛሕትኦም ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ እውን ሓዊስካ እቲ ዅሉ መርትዖታት ረኺቦም ከለዉ: የሱስ እቲ ናይ ሓቂ ወዲ ሰብ: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ኣይኣመኑን። ከምቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ በዓል ዳስ ዝገበሮ ሕጂ እውን የሱስ ንገዛእ ርእሱ ከም “ብርሃን” ተዛረበላ: ነቶም ሰማዕቱ ኸኣ “ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ: ብርሃን ከሎኩም: ብብርሃን እመኑ” በሎም። እዚ ነገራት እዚ ድሕሪ ምባሉ የሱስ ከይዱ ተሓብአ: ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝነበረት ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።

ኣይሁድ ንየሱስ ዘይምእማኖም መፈጸምታ ናይቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ‘እቶም ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ ኣዒንቶም ዘይርኢ ልቦም ከኣ እተደፍነ ህዝቢ’ እተነበዮ ኢዩ። ኢሳይያስ ብራእይ ነቲ ሰማያዊ ኣጸድ የሆዋን የሱስ እውን ከምቲ ቅድሚ ሰብ ኰይኑ ምምጽኡ ዝነበሮ ግርማን ምስ የሆዋ ከሎ ረኣየ። እንተዀነ ግን: እቶም ኣይሁድ ንመፈጸምታ ናይቲ ኢሳይያስ ዝጸሓፎ ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ መድሓኒ ምዃኑ ዝገልጽ መርትዖታት ብትዕቢት ነጸግዎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብዙሓት ሰባት: እቶም መኳንንቲ (እቶም ኣባላት ናይ ኣይሁድ ላዕላይ ቤት ፍርዲ: ሳንሄድሪን) እውን ሓዊስካ ብሓቂ ብየሱስ ኣመኑ። ኒቆዲሞስን ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ካብዚኣቶም ኢዮም። እዞም ገዛእቲ እዚኣቶም እንተ ወሓደ ንግዜኡ እምነቶም ኣይገለጹን: ምኽንያቱ ካብቲ ኣብ ቤት ጸሎት ዝነበሮም ቦታ ከልግሱ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። እዞም ከምዚኦም ዝበሉስ ኣየ ክንደይ ኰን ኢዩ ሓሊፍዎም!

የሱስ ቀጺሉ “ብኣይ ዚአምን በቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ብኣይ ኣይኰነን ዚአምን። ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለአኸኒውን ይርእዮ። . . . ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር: ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ: ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ: ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። . . . እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል: ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ” በሎም።

የሆዋ እቶም ብየሱስ ዝኣምኑ ምእንቲ ክድሕኑ ንየሱስ ክልእኽ ዝደፋፍኦ: እቲ ንናይ ደቅሰብ ዓለም ዘለዎ ፍቕሪ ኢዩ። ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንየሱስ ክዛረቦ ዝማሃሮ ነገራት ብምእዛዞምን ዘይምእዛዞምን ኢዩ ድሕነቶም ዝውሰን። እቲ ፍርዲ ኣብታ “ዳሕረይቲ መዓልቲ:” ኣብ እዋን ናይ የሱስ ሽሓዊ ግዝኣት ኢዩ ዝኸውን።

የሱስ “ኣነስ: እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር: ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ: እሞ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ: ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ” በሎም። ዮሃንስ 12:⁠28-50፣ 19:⁠38, 39፣ ማቴዎስ 3:⁠17፣ 17:⁠5፣ ኢሳይያስ 6:⁠1, 8-10

▪ ምስ የሱስ እተተሓሓዘ ኣብ ኣየኖት ሰለስተ ኣጋጣሚታት ኢዩ ድምጺ ኣምላኽ እተሰምዐ፧

▪ ነብዪ ኢሳይያስ ንግርማ የሱስ ብኸመይ ኢዩ ርእይዎ፧

▪ እቶም ብየሱስ ዝኣመኑ መኳንንቲ መን ኢዮም: ብግህዶ ዘይተቐበልዎ ግን ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ እታ “ዳሕረይቲ መዓልቲ” እንታይ ኢያ: ሽዑኸ ሰባት ዝፍረዱ ብምንታይ መሰረት ኢዮም፧