ጕዕዞ ናብ የሩሳሌም
ምዕራፍ 10
ጕዕዞ ናብ የሩሳሌም
እዋኑ ጽድያ ኢዩ። ዮሴፍን ስድራቤቱን ምስ ኣዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን ኰይኖም ኣብ እዋን ጽድያ በዓል ፋስጋ ንምብዓል ዓመት ዓመት ናብ የሩሳሌም ዝጓዓዝሉ ግዜ ኢዩ። ነቲ ዳርጋ 100 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ጕዕዞ ክጅምሩ ከለዉ ከምቲ ልሙድ ተሓጒሶም ኢዮም። ሕጂ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኢዩ ኰይኑ ዘሎ: ነቲ በዓል ከኣ ፍልይ ብዝበለ ተገዳስነት ኢዩ ዝጽበዮ።
ንየሱስን ስድራቤቱን በዓል ፋስጋ ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። ነቲ ከም ክፍሊ እዋን ፋስጋ ገይሮም ዝርእይዎ ቀጺሉ ዘሎ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ እውን ኣብኡ ኢዮም ዝቕንዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ጕዕዞ ብምሉኡ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝጸንሕዎ እውን ሓዊስካ ካብ ናዝሬት ዳርጋ ክልተ ቕነ ኢዩ ዝወስደሎም። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ግን ብምኽንያት የሱስ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ወሲዱሎም።
እቲ ሽግር ካብ የሩሳሌም ክምለሱ ኸለዉ ኢዩ ተፈሊጡ። ዮሴፍን ማርያምን የሱስ ምስቶም ምስኦም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሎ ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም። ኣብቲ ንምሕዳር ዘዕረፍሉ ቦታ ግን ኣይረኸብዎን: ምስቶም ምስኦም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብጾቶም ከይህሉ ኸኣ ደለይዎ። ፈጺሞም ኣይረኸብዎን። ስለዚ ዮሴፍን ማርያምን ንዕኡ ንምድላይ ናብ የሩሳሌም ንድሕሪት ተመልሱ።
ምሉእ መዓልቲ ደለይዎ ግን ኣይረኸብዎን። ኣብታ ካልኣይቲ መዓልቲ እውን ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብቲ ቤት መቕደስ ከዱ። ኣብኡ ኣብ ሓደ ካብቲ ኣደራሻት የሱስ ኣብ ማእከል እቶም ናይ ኣይሁድ መማህራን ኮፍ ኢሉ ክሰምዖምን ክሓቶምን ረኸብዎ።
ማርያም ከኣ “በል ወደይ: ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ: ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና” በለቶ።
የሱስ ኣበይ ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ብዘይምፍላጦም ተገረመ። “ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም።
የሱስ ስድራቤቱ ነዚ ስለምንታይ ከም ዘይፈልጥዎ ክርድኦ ኣይከኣለን። ሽዑ የሱስ ምስ ስድርኡ ናብ ቤቱ ተመልሰ ይእዘዞም ከኣ ነበረ። ብጥበብን ብኣካላዊ ዕቤትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰባትን ስምረት ብምርካብ እናዓበየ ከደ። እወ: የሱስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምድላይ ጥራይ ዘይኰነስ ንወለዱ ኣብ ምኽባር እውን ሰናይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉ። ሉቃስ 2:40-52፣ 22:7
▪ የሱስ ኵሉ ግዜ ኣብ እዋን ጽድያ ምስ ስድራቤቱ እንታይ ጕዕዞ ኢዩ ዝገብር ዝነበረ: ርሕቀቱኸ ክንደይ ኢዩ፧
▪ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ እንታይ ኢዩ ዘጋጠመ፧
▪ የሱስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉሎም፧