ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥምቀት የሱስ

ጥምቀት የሱስ

ምዕራፍ 12

ጥምቀት የሱስ

ዮሃንስ ክሰብኽ ምስ ጀመረ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ: እቲ ሽዑ ወዲ 30 ዓመት ዝዀነ የሱስ ኣብ ዮርዳኖስ ናብ ዮሃንስ መጸ። እንታይ ክገብር፧ ክበጽሖ ድዩ፧ ስራሕ ናይ ዮሃንስ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ንኽፈልጥ ጥራይ ድዩ፧ ኣይኰነን: የሱስ ንዮሃንስ ከጠምቖ ሓተቶ።

ብኡንብኡ ዮሃንስ “ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ: ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” ብምባል ኣበዮ። ዮሃንስ እቲ ወዲ ሓትንኡ የሱስ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ምኽንያቱ ዮሃንስ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ ማርያም ንየሱስ ጥንስቲ ኰይና ክትበጽሖም ምስ ከደት ብሓጐስ ተሰራሲሩ ኢዩ! ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሃንስ ደሓር ከም ዝነገረቶ ኣየጠራጥርን ኢዩ። መልኣኽ ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ምብሳሩ: ከምኡውን እቲ የሱስ እተወልደሉ ለይቲ ነቶም ጓሶት መላእኽቲ ከም እተራእይዎም እውን ነጊራቶ ክትከውን ትኽእል ኢያ።

ስለዚ ዮሃንስ ንየሱስ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጥምቀት ንየሱስ ከም ዘይከውን ከኣ ዮሃንስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝናስሑ ኢዩ: የሱስ ግን ሓጢኣት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: ዮሃንስ እኳ እንተኣበየ የሱስ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ: ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ” ብምባል ግዲ በሎ።

የሱስ ክጥመቕ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ናይ የሱስ ጥምቀት ካብ ሓጢኣት ምንሳሕ ማለት ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ናብ ኣቡኡ ከም ዘቕረባ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። የሱስ ጸራባይ ኢዩ ነይሩ: ሕጂ ግን ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝለኣኾ ኣገልግሎት ዝፍጽመሉ ግዜ ኣብ ምጅማሩ ኢዩ። ዮሃንስ ንየሱስ ከጠምቖ ከሎስ ዘይልሙድ ነገር ክፍጸም ዝጽበ ዝነበረዶ ይመስለካ፧

ዮሃንስ ጸኒሑ “እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፤ እቲ: መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ: ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጠምቕ ኢሉኒ” ብምባል ጸብጻብ የቕርብ። ስለዚ ዮሃንስ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ንሱ ዘጠምቖ ክወርድ ኢዩ ዝጽበ ነይሩ። ስለዚ የሱስ ካብቲ ማይ ክወጽእ ከሎ “መንፈስ ኣምላኽ . . . ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ” ከሎ ምርኣዩ ዮሃንስ ኣይተገረመን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

የሱስ ክጥመቕ ከሎ ግን ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ተፈጺሙ። ‘ሰማያት ተኸፊቱሉ’ ኢዩ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ክጥመቕ ከሎ እቲ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበሮ ህይወት ናይ ምዝካር ተኽእሎ ተመሊሱሉ ማለት ከም ዝዀነ ንጹር ኢዩ። ስለዚ ሕጂ የሱስ ነቲ ከም መንፈሳዊ ወዲ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ህይወት: እቲ ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝዛረቦ ዝነበረ ነገራት እውን ሓዊስካ ምሉእ ብምሉእ ክዝክሮ ይኽእል ማለት ኢዩ።

ብተወሳኺ: ኣብ ግዜ ጥምቀቱ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ:” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰምዐ። ናይ መን ድምጺ ኢዩ፧ ናይ የሱስ ድምጺ ድዩ፧ ብፍጹም ኣይኰነን! ናይ ኣምላኽ ድምጺ ኢዩ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ድኣምበር ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዝብልዎ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ።

ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም: የሱስ እውን ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። ወደ መዝሙር ሉቃስ ናይ የሱስ ጥምቀት ድሕሪ ምግላጽ “የሱስ ባዕሉ ኺምህር ምስ ጀመረ: ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ: ወዲ ኤሊ: . . . ወዲ ዳዊት: . . . ወዲ ኣብርሃም: . . . ወዲ ኖህ: . . . ወዲ ኣዳም: ወዲ ኣምላኽ” ብምባል ጸሓፈ።

ልክዕ ከምቲ ኣዳም ሰብኣዊ “ወዲ ኣምላኽ” ዝነበረ የሱስ ከኣ ከምኡ ኢዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምዃኑ ናይ የሱስ ህይወት እናመርመርና ክንከይድ ከሎና ክግለጽ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ግዜ ጥምቀቱ የሱስ መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ብምዃን ምስ ኣምላኽ ሓድሽ ዝምድና ኢዩ ፈጢሩ። ኣምላኽ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ኣብ ክንዲ እቶም እተዀነኑ ሰባት ንዘለኣለም ዝኸውን መስዋእቲ ገይሩ ንኽህብ ዝገብሮ ጕዕዞ ከም ዝጅምር ብምግባር: ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ እዋን ጥምቀቱ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ሰማይ ንኽምለስ ጸውዖ። ማቴዎስ 3:⁠13⁠-​17፣ ሉቃስ 3:⁠21⁠-​38፣ 1:⁠34⁠-​36, 44፣ 2:⁠10⁠-​14፣ ዮሃንስ 1:⁠32⁠-​34፣ እብራውያን 10:⁠5⁠-​9

▪ የሱስ ንዮሃንስ ጋሻ ዘይኰኖ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ሓጢኣት ዘይፈጸመ ክነሱ የሱስ እተጠምቀ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ ዝፈልጦ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው: መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ የሱስ ክወርድ ከሎ ብምርኣዩ ክግረም ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧