ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ቅዱስ— መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ

መንፈስ ቅዱስ— መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ

መንፈስ ቅዱስ​—መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ

ብመሰረት ሰረተ-እምነት ስላሴ: መንፈስ ቅዱስ ማዕረ ኣቦን ወድን ዝዀነ ሳልሳይ ኣካል ናይ ኣምላኽ ኢዩ። እታ ኣወር ኦርቶዶክስ ክርስችያን ፈይዝ (ናይ ኦርቶዶክስ ክርስትያናዊ እምነትና) እትበሃል መጽሓፍ “መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ኣምላኽ ኢዩ” ትብል።

ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት “መንፈስ” ንምምልካት ብተደጋጋሚ እትዝውተር ቃል እታ “ትንፋስ: ንፋስ: መንፈስ” ዝትርጕማ ሩ’ዋሕ እትብል ቃል ኢያ። ኣብ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ: ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዋ ፕኖይ’ማ እትብል ቃል ኢያ እትዝውተር። እዘን ቃላት እዚኣተን መንፈስ ቅዱስ ክፍሊ ናይ ስላሴ ምዃኑ የመልክታዶ ኢየን፧

መስለጢ ሓይሊ

መጽሓፍ ቅዱስ: “መንፈስ ቅዱስ” ዝብል ቃል ክጥቀም ከሎ የሆዋ ኣምላኽ ንእተፈላለየ ዕላማታቱ ንምስላጥ ዝጥቀመሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘሎ ሓይሊ ኢዩ ዘመልክት። ንብዙሕ ዕዮታት ከሳልጥ ዝኽእል ሓይሊ ኤለክትሪክ ክምሰል ይኽእል ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት 1:⁠2 “መንፈስ (ናይ እብራይስጢ ሩ’ዋሕ) ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ” ኢሉ የዘንቱ። ኣብዚ መንፈስ ኣምላኽ እቲ ንምድሪ ቅርጺ ንምትሓዝ ዝዓዪ ዝነበረ መስለጢ ሓይሉ ኢዩ።

ኣምላኽ ነቶም ዘገልግሉዎ ዝያዳ ንኽምህሮም ብመንፈሱ ኢዩ ዝጥቀም። ዳዊት “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ: ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ: ሰናይ መንፈስካ [ሩ’ዋሕ] ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 143:​10) 70 ክኢላታት ሰባት ንሙሴ ክሕግዝዎ ምስ ተመዘዙ: ኣምላኽ ንሙሴ ከምዚ ዝስዕብ በሎ:- “ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ [ሩ’ዋሕ] ክወስድ እየ: ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከንብር እየ።”​—⁠ዘሁልቍ 11:​17

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ናይ ኣምላኽ ሰባት ኢዮም “ብመንፈስ ቅዱስ (ብግሪኽ ብፕኖይ’ማ) ተመሪሖም” ዝጸሓፍዎ። (2 ጴጥሮስ 1:​20,21) በዚ መገዲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ብግሪኽኛ “ቴ.ኦ’ፕኖያ.ስቶስ” ትርጉሙ “ኣምላኽ ዘተንፈሶ” ማለት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​16) መንፈስ ቅዱስ ንገለ ሰባት ራእይ ንኽርእዩ ወይ ትንቢታዊ ሕልምታት ንኽሓልሙ ድማ መሪሑዎም ኢዩ።​—⁠2 ሳሙኤል 23:​2፣ ዮኤል 2:​28, 29፣ ሉቃስ 1:​67፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:​16፣ 2:​32, 33

መንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ንበረኻ ክኸይድ ደሪኹዎ ኢዩ። (ማርቆስ 1:​12) መንፈስ ኣብ ውሽጢ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣትዩ ከም ዝብርትዑ ዝገብሮም: ልክዕ ከም ሓዊ ኢዩ ነይሩ። ኣበርቲዖም ከምኡውን ብትብዓት ንኽዛረቡ ኣኽኢልዎም ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 3:​8፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:​55–60፣ 18:​25፣ ሮሜ 12:​11፣ 1 ተሰሎንቄ 5:​19

ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣህዛብን ፍርዱ የውርድ ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:​27, 28፣ 59:​18, 19) መንፈስ ኣምላኽ ንሰባት ንምሕጋዝ ይኹን ንምጽራር ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ክበጽሕ እውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠መዝሙር 139:​7–12

“ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ”

መንፈስ ኣምላኽ ነቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉዎ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ክህቦም እውን ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:​7) እዚ ሓይሊ እዚ ንዘጋጥሞም ናይ እምነት ፈተናታት ክጽመሙ ወይ ድማ ክገብሩዎ ዘይክእሉ ነገራት ንኽገብሩ የኽእሎም።

ንኣብነት: ብዛዕባ ሳምሶን መሳፍንቲ 14:​6 ጀሩሳሌም ባይብል ከምዚ ይብል:- “መንፈስ እግዚኣብሄር ያህወህ: ከኣ ወረዶ: ኣብ ኢዱ ገለ እኳ ዜብሉ ኽነሱ: ነቲ ኣንበሳ ንማሕስእ ከም ዚሰላልዕ ሰላልዖ።” ሓደ መለኮታዊ ኣካል ኣብ ሳምሶን ኣትዩ ወይ ንኣካላቱ ተቘጻጺሩ ከምቲ ዝገበሮ ንኽገብር ኣኽኢልዎ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: ብሓቂ “እቲ ናይ ጐይታ ሓይሊ ኢዩ ንሳምሶን ኣበርቲዕዎ።”​—⁠ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን

መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ምስ ተጠምቀ መንፈስ ቅዱስ ከም ቅርጺ ሰብ ዘይኰነስ ከም ርግቢ ኰይኑ ወሪድዎ ኢዩ ዝብል። (ማርቆስ 1:​10) እዚ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ እዚ ንየሱስ ሕሙማት ከሕውን ምዉታት ከተንስእን ኣኽኣሎ። እዚ ኸኣ ከምቲ ሉቃስ 5:​17 “ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ [ምስ የሱስ] ነበረ” ዝብሎ ኢዩ።

መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ተኣምራት ንኽገብሩ ሓይሊ ሂብዎም ኢዩ። ግብሪ ሃዋርያት 2:​1-4 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጴንጠቆስጠ ብሓንሳእ ተኣኪቦም ከለዉ “ብድንገት . . . ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ: . . . ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም: መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ” ኢላ ተዘንቱ።

ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ንየሱስን ንኻልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ተራ ሰባት ክገብሩዎ ዘይክእሉ ተግባር ንኽገብሩ ሓይሊ ሂብዎም ኢዩ።

ኣካል ኣይኰነን

ይኹን እምበር: ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ኣካል ገይሩ ዝዛረበሉ ጥቕስታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየሎንዶ፧ እወ: እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኤድሞንድ ፎርትማን ብዛዕባ እዚ ኣብታ ዘ ትሪዩን ጎድ (እቲ ስላሴኣዊ ኣምላኽ) እትበሃል መጽሓፍ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል:- “ሽሕ’ኳ እዚ መንፈስ እዚ ዝበዝሕ ግዜ ንኣካል ብዘመልክት ስያመታት እንተ ተጸውዐ: እቶም ቅዱሳት ጸሓፍቲ [ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት] ነዚ መንፈስ እዚ ከም ሓደ ፍሉይ ኣካል ገይሮም ከም ዘየቕረቡዎ ብሩህ ኢዩ።”

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓደ ነገር ከም ኣካል ጌርካ ክትዛረበሉ ልሙድ ኢዩ። ጥበብ ደቂ ከም ዘለዋ ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 7:​35) ሓጢኣትን ሞትን እውን ነገስታት ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ሮሜ 5:​14, 21) እቲ ዘ ኒው ኤንግሊሽ ባይብል ንሓጢኣት ከም ሓደ ንቃየል ኣብ ኣፍ ደገ ዝቃጸዎ እኩይ መንፈስ ገይሩ ብምጥቃስ ኣብ ዘፍጥረት 4:​7 “ሓጢኣት ኣብ ማዕጾ ዝቃጾ ጋኔን ኢያ” ይብል። እንተዀነ ግን: ሓጢኣት መንፈሳዊ ኣካል ኣይኰነን፣ ከምኡ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ኣካል ገይርካ ስለ እተዘርበሉስ መንፈሳዊ ኣካል ኢዩ ማለት ኣይኰነን።

ብተመሳሳሊ: ኣብ 1 ዮሃንስ 5:⁠6-8 ድማ መንፈስ ጥራይ ዘይኰነስ “ማይን ደምን” እውን “ዚምስክሩ” ተባሂሎም ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ማይን ደምን ብርግጽ ኣካላት ኣይኰኑን: ከምኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እዚ ብምስምማዕ: ን“መንፈስ ቅዱስ” ብሓፈሻ ምስ ከም በዓል ማይን ሓውን ብምምስሳል ኣካል ከም ዘይኰነ ገይሩ ኢዩ ዝዛረበሉ። (ማቴዎስ 3:​11፣ ማርቆስ 1:​8) ሰባት ብወይኒ ዘይኰነስ ብመንፈስ ቅዱስ ክመልኡ ከም ዘለዎም ይዛረብ። (ኤፌሶን 5:​18) ከምቲ ብጥበብን እምነትን ሓጐስን ዝመልኡ ብመንፈስ ቅዱስውን ከም ዝመልኡ ገይሩ ይዛረበሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 6:​3፣ 11:​24፣ 13:​52) ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:​6 ድማ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ባህርያት መንፈስ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ቃል ብቓሉ ኣካል እንተዝኸውን ነይሩ ከምዚ ዝበለ መግለጺታት ልሙድ ኣይምዀነን ነይሩ።

ከምኡ ድማ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት መንፈስ ከም ዝዛረብ ክገልጽ ከሎ: ካልእ ጥቕስታት ከኣ እዚ ብሰባት ወይ ብመላእኽቲ ኣቢሉ እተገብረ ምዃኑ ይገልጽ። (ማቴዎስ 10:​19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:​24, 25፣ 28:​25፣ እብራውያን 2:​2) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ናይ መንፈስ ዕዮ ከምቲ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ርሑቕ ዘሎ ሰብ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ናይ ረድዮ ማዕበል ኢዩ ዝምሰል።

ኣብ ማቴዎስ 28:​19 “ብስም . . . መንፈስ ቅዱስን” ዝብል ንረክብ። እንተዀነ ግን: እታ “ስም” እትብል ቃል ኣብ ቋንቋ ግሪኽ ይኹን እንግሊዝኛ ኵሉ ግዜ ንብሕታዊ ስም ጥራይ እትውዕል ኣይኰነትን። ንኣብነት: “ብስም ሕጊ” ክንብል ከሎና ንሰብ ኣይኰንናን እንጠቅስ ዘሎና። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ሕጊ ዝውክሎ ነገር ወይ ስልጣን ኢና እነመልክት ዘሎና። እታ ብሮበርትሰን እተዳለወት ዎርድ ፒክቸርስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ ሰብዓ-ሰገድን ፓፒሩን ንሓይሊ ወይ ንስልጣን ብስም (ኦኖማ ) ምጽዋዕ ልሙድ ኢዩ።” ስለዚ ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ’ ማለት ካብ ኣምላኽ ምዃኑን ብመለኮታዊ ፍቓድ ከም ዝሰርሕን ዘርኢ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስልጣን ኢዩ።

እቲ “ደጋፊ”

የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ ከም “መጸናንዒ [“ደጋፊ:” ትሓዓ ]” ገይሩ ብምዝራብ: ክምህረኩም: ክመርሓኩም: ከምኡውን ክዛረበኩም ኢዩ በለ። (ዮሃንስ 14:​16, 26፣ 16:​13) እታ “ደጋፊ” ንምባል እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል (ፓ.ራ’ክሌ.ቶስ ) ብናይ ተባዕታይ ጾታ ኢያ ኣትያ ዘላ። ስለዚ የሱስ እቲ “ደጋፊ” ክገብሮ ዘለዎ ነገራት ከመልክት ከሎ ድማ ብናይ ተባዕታይ ጾታ ብሕታዊ ተውላጠ ስም ኢዩ ተጠቒሙ። (ዮሃንስ 16:​7, 8) በቲ ሓደ ወገን ድማ: ንመንፈስ (ፕኖይ’ማ ) ንምምልካት ግኡዝ ጾታ ዘመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ክጥቀም ከሎ: እታ ንግኡዝ እተመልክት “ኢት” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ኢዩ ዝጥቀም።

ከምቲ እቲ ናይ ካቶሊክ ኒው ኣመሪካን ባይብል ንዮሃንስ 14:⁠17 ኣመልኪቱ እተኣመኖ: “እታ ን‘መንፈስ’ እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ግኡዝ ጾታ ኢዩ ዘለዋ: ከምኡውን ኣብ እንግሊዝኛ ብሕታዊ ተውላጠ ስም ዘመልክቱ (‘ንሱ:’ ‘ናቱ:’ ‘ንዕኡ’) ክንጥቀም ከሎና: ዝበዝሑ ናይ ግሪኽ በዅሪ ጽሑፋት (ማኑስክሪፕትስ) ግን ‘ኢት ’ ኢዮም ዝጥቀሙ።” መብዛሕትኦም ኣመንቲ ስላሴ ዝዀኑ ተርጐምቲ ነዚ ሓቂ እዚ ይሓብእዎ ኢዮም።

ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ምስታ ኣብ ዮሃንስ 16:​7, 8 ዘላ ፓ.ራ’ክሌ.ቶስ ብምትሕሓዝ ተባዕታይ ጾታ ዘመልክት ብሕታዊ ተውላጠ ስም ክጥቀም ከሎ ነቲ ናይ ሰዋስው ሕጊ ንምኽባር ድኣምበር ሰረተ-እምነት ንምግላጽ ኣይኰነን።

ናይ ስላሴ ክፍሊ ኣይኰነን

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ሳልሳይ ኣካል ናይ ስላሴ ኢዩ ዝብል ሓሳባት ከም ዘይድግፎ ብዙሓት ምንጭታት ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ንኣብነት:-

ዘ ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ:- “ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ሳልሳይ ኣካል ከም ዘሎ ዘመልክት ንጹር መሐበሪ ኣይንረክብን ኢና።”

ናይ ካቶሊክ ሃይማኖታዊ ምሁር ፎርትማን:- “ኣይሁድ ንመንፈስ ቅዱስ ፈጺሞም ከም ኣካል ቈጺሮምዎ ኣይፈልጡን ኢዮም፣ ዝዀነ ይኹን ናይ ብሉይ ኪዳን ጸሓፊ ድማ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ዝገልጽ መርትዖ እውን የሎን። . . . መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ሳይኖፕቲክስ [ወንጌላት] ከምኡውን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት መብዛሕትኡ ግዜ ከም መለኮታዊ ሓይሊ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ።”

እቲ ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔዲያ:- “ብሉይ ኪዳን ንመንፈስ ኣምላኽ ብግልጺ ከም ኣካል ገይሩ ኣይወስዶን ኢዩ። . . . ብሓጺሩ መንፈስ ኣምላኽ ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ከም ዝዀነ ኰይኑ እኳ እንተቐረበ: እስትንፋስ ያህወህ ኣብ ወጻኢ ከም ዝዓዪ ንምግላጽ ጥራይ ኢዩ።” ከምዚ እውን ይብል:- “መብዛሕትኡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጥቕስታት ንመንፈስ ኣምላኽ ከም ገለ ነገር ድኣምበር ከም ሓደ ኣካል ገይሩ ኣይጠቕሶን ኢዩ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ መንጎ መንፈስን ሓይሊ ኣምላኽን ዘሎ ምምስሳል ዝርአ ኢዩ።”​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ኤ ካቶሊክ ዲክሽነሪ (ናይ ካቶሊክ መዝገበ⁠-ቃላት):- “ብሓፈሻኡ: ሓድሽ ኪዳን ልክዕ ከምቲ ናይ ብሉይ ኪዳን መንፈስ ቅዱስ መለኮታዊ ሓይሊ ወይ ብርታዐ ምዃኑ ኢዩ ዝዛረብ።”

ስለዚ: እቶም ኣይሁድ ይኹኑ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ንመንፈስ ቅዱስ ከም ክፍሊ ናይ ስላሴ ገይሮም ኣይረኣይዎን። ትምህርቲ ስላሴ ዘበናት ጸኒሑ ዝመጸ ኢዩ። ከምቲ ኤ ካቶሊክ ዲክሽነሪ (ናይ ካቶሊክ መዝገበ⁠-ቃላት) ዝገልጾ “እቲ ሳልሳይ ኣካል ብ362 ኣብ እተገብረ ናይ ኣሌክሳንድርያ ዋዕላ ኢዩ ኣትዩ . . . ኣብ መወዳእታ ድማ ብ381 ብዋዕላ ናይ ኮስታንቲኖፓል ኣቢሉ ኢዩ ኣትዩ:” እዚ ድማ ገለ ሰለስተን ፈረቓን ዘበናት ድሕሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመንፈስ ቅዱስ ምምልኦም ማለት ኢዩ!

እምበኣር: መንፈስ ቅዱስ ፈጺሙ ኣካል ኣይኰነን: ክፍሊ ናይ ስላሴ እውን ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ: ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝጥቀመሉ መስለጢ ሓይሊ ኢዩ። ማዕረ ኣምላኽ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ኵሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከምኡውን ኣብ ትሕቲኡ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብሓፈሻኡ: ሓድሽ ኪዳን ልክዕ ከምቲ ናይ ብሉይ ኪዳን መንፈስ ቅዱስ መለኮታዊ ሓይሊ ወይ ብርታዐ ምዃኑ ኢዩ ዝዛረብ” ​—⁠ኤ ካቶሊክ ዲክሽነሪ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእልታት]

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ መንፈስ ቅዱስ ከም ርግቢ ኰይኑ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ካልእ አጋጣሚ ከኣ ከም ልሳን ሓዊ ኰይኑ ተራእዩ ኢዩ​—⁠ከም ኣካል ኰይኑ ግን ፈጺሙ ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ