ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን እንታይ ይብል፧

ብዛዕባ ስላሴ ኣቐዲሞም ዋላ ሓንቲ ሓሳባት ዘይብሎም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምስ ዘንብብዋ: ባዕሎም ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ክበጽሑ ምኸኣሉዶ፧ ፈጺሞም ኣይክእሉን ኢዮም።

ሓደ ብቕንዕና ዘንብብ ሰብ ኣምላኽ ዝለዓለ: ፈጣሪ: ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል ድማ እተፈልየን ንበይኑን ምዃኑ: የሱስ ድማ ኣብቲ ከም ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ ግዜውን ከይተረፈ እተፈልየን ንበይኑን: እተፈጥረ ኣካል: ናይ ኣምላኽ ሓጋዚ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ምኸኣለ።

ኣምላኽ ሓደ እምበር ሰለስተ ኣይኰነን

እቲ ኣምላኽ ሓደ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ሞኖተይዝም [ሓደ ኣምላኽ ኣሎ ዝብል እምነት] ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያናት ስርዓት ታሪኽ ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ኤል. ኤል. ፐይን: ሞኖተይዝም በቲ ዝጸረየ መልክዑ ንትምህርቲ ስላሴ ከም ዘየፍቅድ ይሕብር:- “እቲ ብሉይ ኪዳን ብጽኑዕ ሞኖተይስቲክ ኢዩ። ኣምላኽ ሓደ ንጽል ኣካል ኢዩ። እቲ ኣብኡ . . . ስላሴ ኣሎ ዝብል ሓሳባት ድማ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ።”

የሱስ ናብ ምድሪ ድሕሪ ምምጽኡኸ ካብ ሞኖተይዝም [ሓደ ኣምላኽ ካብ ምእማን] እተገብረ ለውጢ ነይሩዶ፧ ፐይን ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “በዚ ነጥቢ እዚ ዝመጸ ኣብ መንጎ እቲ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ምንም ፍልልይ የሎን። እቲ ናይ ሞኖተይዝም እምነት ቀጺሉ ኢዩ። የሱስ በቶም ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳት ጽሑፋት ዝኣምኑ ኣይሁዳውያን ወለዱ ልምምድ ዝወሰደ: ኣይሁዳዊ ኢዩ ነይሩ። ትምህርቱ ብቐንዱ ናይ ኣይሁዳውያን እምነት ኢዩ፣ ብርግጽ ሓድሽ ወንጌል ኢዩ ነይሩ: ሓድሽ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ግን ኣይነበረን። . . . ነቲ ናይ ኣይሁድ እምነት ሞኖተይዝም:- ‘ዎ እስራኤል: ስማዕ: እግዚአብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር ኢዩ’ ዝብል ዓቢ መጽሓፍ ድማ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ገይሩ ተቐበሎ።”

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ኣብ ዘዳግም 6:​4 ኢየን ዝርከባ። እታ ናይ ካቶሊክ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል ከምዚ ትንበብ:- “እስራኤል ስማዕ: ያህወህ ኣምላኽና: ሓደ ያህወህ ኢዩ።” a ስዋስዋዊ ኣገባብ ናይዛ ቍጽሪ እዚኣ እታ “ሓደ” እትብል ንውልቂ ድኣምበር ንኻልእ ምእንቲ ከይተመልክት ንብዙሕ ዘመልክት ገላጺ ቃል የብላን።

እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ: ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ድሕሪ ምምጽኡ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እንታይነት ኣምላኽ ዝዀነ ለውጢ ከም ዘሎ ዋላ ሓንቲ ኣይሓበረን። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ።”​—⁠ገላትያ 3:​20፣ ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 8:​4-6 ርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምልእታ ኣሽሓት ዝኸውን ግዜ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ከም ዝዀነ ተነጊርሉ ኣሎ። ክዛረብ ከሎ እውን ከም ሓደ ዘይከፋፈል ኣካል ኢዩ ዝዛረብ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ንላዕሊ ንጹር ክኸውን ኣይክእል ኢዩ። ከምቲ ኣምላኽ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” ትሓዓ ] እየ: ስመይ እዚኣ እያ: ክብረተይ ከኣ ንኻልእ: . . . ኣይህብን እየ” ዝበሎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 42:​8 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) “ኣነ ያህወህ ኣምላኽካ እየ . . . ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልዉኻ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ዘጸኣት 20:​2, 3 ጀሩሳሌም ባይብል

ኵሎም እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ እተደረኹ ጸሓፍቲ: ኣምላኽ ብሓቂ ሰለስተ እንተድኣ ዀይኑ ስለምንታይ ኢዮም ከም ሓደ ኣካል ገይሮም እተዛረብሉ፧ እዝስ ንሰባት ምግጋይ እንተዘይኰይኑ ንምንታይ ዕላማ የገልግል፧ ብርግጽ እምበኣር: ኣምላኽ ብሰለስተ ኣካላት ዝቘመ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ብዛዕባ እዚ ጥርጥር ምእንቲ ከይህሉ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱሱ ዝጸሓፉ ሰባት ብዙሕ ግዜ ከም ዝጠቕስዎ ብምግባር ንጹር ምገበሮ ነይሩ። እንተ ወሓደ እቶም ምስ ወዲ ኣምላኽ ብቐጥታ ርክብ ዝነበሮም ናይ ክርስትያን ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ጸሓፍቲ ከምኡ ምገበሩ ነይሮም። እንተዀነ ግን ከምኡ ኣይገበሩን።

ኣብ ክንድኡ ግን: ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ብንጹር ዝጸሓፍዎ ኣምላኽ ሓደ ኣካል​—⁠ፍሉይ ዝመዓራረዮ ዘይብሉ: ዘይተኸፋፈለ ኣካል ምዃኑ ኢዩ:- “እግዚአብሄር [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ኣነ እየ: ካልእ የልቦን: ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን: . . . ካልእውን ከቶ የልቦን።” (ኢሳይያስ 45:⁠5) “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል [ኢኻ]።”​—⁠መዝሙር 83:​18

ብብዙሓት ኣካላት ዝቘመ ኣምላኽ ኣይኰነን

የሱስ ንኣምላኽ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 17:​3) ንኣምላኽ ከም ብብዙሓት ኣካላት ዝቘመ ኣምላኽ ገይሩ ፈጺሙ ጠቒስዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብጀካ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል ኵሉ ዝኽእል ተባሂሉ ዘይተጸውዐ። እንተዘይኰይኑ ግን: ትርጕም ናይታ “ዅሉ ዚኽእል” እትብል ቃል ክዛባዕ ኢዩ። ካብ ኵሉ ዝለዓለ የሆዋ በይኑ ጥራይ ስለ ዝዀነ: የሱስ ይኹን መንፈስ ቅዱስ ከምኡ ተባሂሎም ኣይተጸውዑን። ኣብ ዘፍጥረት 17:⁠1 ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ።” ዘጸኣት 18:⁠11 ድማ ‘እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ይዓቢ’ ትብል።

ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ ’ኤሎ’ (ኣምላኽ [god]) እትብል ቃል ክትግለጽ ከላ ክልተ ንብዙሕ ዘመልክት መልክዕ ኢዩ ዘለዋ: ንሳተን ድማ: ኤሎ.ሂም’ (ኣማልኽቲ [gods]) ከምኡውን ’ኤሎ.ሄህ ’ (ናይ . . . ኣማልኽቲ [gods of]) ዝብላ ኢየን። እዘን ንብዙሕ ዘመልክታ መልክዓት ብሓፈሻ ኣብ የሆዋ ዝውዕላ ኢየን: በቲ ንንጽል ዘመልክት “ኣምላኽ [God]” ዝብል ድማ ኢየን ዝትርጐማ። እዘን ንብዙሕ ዘመልክታ መልክዓት ንስላሴ ዘመልክታ ድየን፧ ኣይፋለንን: ኣየመልክታን ኢየን። ኣብታ ኤ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል (ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት) እትበሃል መጽሓፍ ዊልያም ስሚዝ ከምዚ ይብል:- “[’ኤሎ.ሂም ’] ኣብ ኣምላኽ ዘለዉ ናይ ስላሴ ኣካላት ዝውዕል ኢዩ ዝብል ናይ ሕልሚ ሓሳባት ሕጂ ኣብ መንጎ ምሁራት ዝድግፎ ኣይረክብን ኢዩ። እዚ ከምቲ ብዛዕባ ሰዋስው ዘጽንዑ ሰባት ዝብልዎ ናይ ክብሪ ዘመልክት ኢዩ ወይ ድማ ናይ መለኮታዊ ሓይሊ ምልኣት: ናይቲ ብኣምላኽ ዝርአ ሓይሊ ድምር ኢዩ።”

እቲ ዘ ኣመሪካን ጆርናል ኦቭ ሰሜቲክ ላንጔጅስ ኤንድ ሊትረቸርስ ዝበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ ’ኤሎ.ሂም’ ከምዚ ይብል:- “ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ብናይ ንጽል ግሳዊ ተሳሓቢ ዘመልክት ኢያ ተተርጒማ ዘላ: ከምኡውን ንጽል ገላጺ ኢያ እትወስድ።” ንመረድኢ: እታ ’ኤሎ’ሂም እትብል ቃል ንባዕላ ኣብቲ ናይ ፍጥረት ጸብጻብ 35 ግዜ ተጠቒሳ ኣላ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎን ዝገበሮን ክትልጽ ከላ ድማ ንጽል ኰይና ኢያ ኣትያ ዘላ። (ዘፍጥረት 1:​1–2:​4) ስለዚ: እታ ጽሕፍቲ ከምዚ ኢላ ትድምድም:- “[’ኤሎ.ሂም’] ዕቤትን ክብርን ብምምልካት ናይ ብዙሕ ኣጋናኒ ገይርካ ክትግለጽ ኣለዋ።”

’ኤሎ.ሂም’ ማለት “ኣማልኽቲ” [gods] ድኣምበር “ኣካላት” ማለት ኣይኰነን። ስለዚ እቶም እዛ ቃል እዚኣ ኣብ ስላሴ እትውዕል ኢያ ኢሎም ዝካትዑ ሰባት: ካብ ሓደ ኣምላኽ ንላዕሊ ዘምልኹ: ፖሊተይስትስ: ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ ኣብ ስላሴ ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣለዉ ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዳርጋ ኵሎም ደገፍቲ ስላሴ: ስላሴ ካብ እተፈላለዩ ሰለስተ ኣማልኽቲ ዝቘመ ኢዩ ዝብል ሓሳባት ይነጽግዎ ኢዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ጣኦት ከመልክት ከሎ እውን ነተን ’ኤሎ.ሂም’ ከምኡውን ’ኤሎ.ሄህ’ ዝብላ ቃላት ይጥቀም ኢዩ። (ዘጸኣት 12:​12፣ 20:​23) እንተዀነ ግን: ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ከምቲ ፍልስጥኤማውያን “ንዳጎን ኣምላኾም [’ኤሎ.ሄህ’]” ኢሎም ዝጸውዕዎ ንሓደ ናይ ሓሶት ኣምላኽ እውን ክውዕል ይኽእል ኢዩ። (መሳፍንቲ 16:​23, 24) በዓል እውን “ኣምላኽ [’ኤሎ.ሂም’]” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (1 ነገስት 18:​27) ብተወሳኺ ድማ: እታ ስያመ እቲኣ ንሰባት እውን ትውዕል ኢያ። (መዝሙር 82:​1, 6) ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ፈርኦንን “ኣምላኽ” [’ኤሎ.ሂም’] ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 4:⁠16፣ 7:⁠1

ስለዚ: ’ኤሎ.ሂም’ ከምኡውን ’ኤሎ.ሄህ’ ዝብላ ስያመታት ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ: ንሰባት እውን ከይተረፈ: ክንጥቀመለን ከሎና ነፍሲ ወከፎም ብዙሓት ኣማልኽቲ ኢዮም ነይሮም ማለት ከም ዘይኰነ ግልጺ ኢዩ፣ ኣብ የሆዋ እውን ነዛ ’ኤሎ.ሂም ’ ወይ ’ኤሎ.ሄህ ’ እትብል ቃል ክንጥቀም ከሎና: ብፍላይ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ መርትዖታት ናይዚ ኣርእስቲ እዚ ምስ ረአና: ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣካል ኣሎ ማለት ኣይኰነን።

የሱስ እተፈልየ ፍጥረት ኢዩ

ሽሕ’ኳ ኣምላኽ ነቲ ሓይሊ ህይወት ናይ የሱስ ናብ ማህጸን ማርያም ስለ ዘመሓላለፎ ፍጹም እንተ ነበረ: የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ሰብ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 1:​18–25) እንተዀነ ግን: ከምኡ ኢሉ ኣይኰነን ጀሚሩ። ባዕሉ እውን “ኻብ ሰማይ ዝወረደ” ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:​13) ስለዚ ጸኒሑ ነቶም ሰዓብቱ “ወዲ ሰብ [የሱስ] ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ: ከመይ ኢዩ፧” እንተበሎም ዘገርም ኣይኰነን።​—⁠ዮሃንስ 6:​62

ስለዚ: የሱስ ቅድሚ ናብ ምድሪ ምምጽኡ ኣብ ሰማይ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዅሉ ዝኽእል ስላሴኣዊ ዝዀነ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዘለዉ ኣካላት ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: ምኽንያቱ ከም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ: የሱስ ልክዕ ከምቲ መላእኽቲ ብኣምላኽ እተፈጥሩ መንፈሳውያን ፍጡራት ዝዀኑ: ንሱ እውን እተፈጥረ መንፈሳዊ ኣካል ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር የርኢ ኢዩ። እቶም መላእኽቲ ይኹኑ የሱስ: ቅድሚ ምፍጣሮም ኣብ ህላዌ ኣይነበሩን።

የሱስ: ኣብቲ ከም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ ግዜ ‘በዅሪ ዅሉ ፍጥረት’ ኢዩ ነይሩ። (ቈሎሴ 1:⁠15) “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ኢዩ ነይሩ። (ራእይ 3:⁠14) እታ “መጀመርታ” [ብግሪኽ ኣር⁠.⁠ክሄ’] እትብል ቃል የሱስ ናይ ፍጥረት ኣምላኽ ‘ጀማሪ’ ኢዩ ተባሂላ ክትትርጐም ኣይትኽእልን ኢያ። ዮሃንስ ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋቱ ካብ 20 ግዜ ንላዕሊ ዝኸውን እተፈላለየ መልክዕ ናይዛ ኣር.ክሄ’ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ተጠቒሙ ኣሎ: እዚ ድማ እቲ ልሙድ ዝዀነ “መጀመርታ” ዝብል ትርጕም ኢዩ። እወ: የሱስ ከም መጀመርታ ናይቶም ዘይረኣዩ ፍጥረታት ኣምላኽ ኰይኑ ብኣምላኽ እተፈጥረ ኢዩ።

እዚ ምስቲ የሱስ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብ“ጥበብ” ተመሲልሉ ዘሎ መግለጺ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዛመድ ኣስተብህል:- “እግዚኣብሄር [“ያህወህ:” ኒው ጀሩሳሌም ባይብል] ኣብ መጀመርታ መገዱ: ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ። ኣኽራን ከይተሰረተ: ቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ። ንምድርን ንጐልጐልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከይገበሮ።” (ምሳሌ 8:​12, 22, 25, 26) እዛ “ጥበብ” እትብል ቃል ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ንምግላጽ ክትኣቱ ከላ: ዝበዝሑ ምሁራት ድማ ነቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ መንፈሳዊ ፍጥረት ንምምልካት እትጠቅም ናይ ኣበሃህላ ኣገባብ ምዃና ይሰማምዑ ኢዮም።

ኣብቲ ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ ግዜ የሱስ ከም “ጥበብ” ኰይኑ “ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ [ምስ ኣምላኽ] ነበርኩ” ኢሉ ኣሎ። (ምሳሌ 8:⁠30) ምስቲ ከም ቀንዲ ሰራሕተኛ መጠን ዝነበሮ ግደ ብምስምማዕ ቈሎሴ 1:​16 ብዛዕባ የሱስ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ: . . . ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ” ትብል።

ስለዚ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ በዚ ካብኡ ዝንእስ ብጻዩ: ቀንዲ ሰራሕተኛ ኣቢሉ ኢዩ ንዅሉ ካልእ ነገራት ፈጢርዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኵነታት ብኸምዚ ዝስዕብ ይድምድሞ:- “ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ: ኣቦ: አሎና: ኵሉ ብእኡ ዚኸውን . . . ሓደ ጐይታውን: የሱስ ክርስቶስ: አሎና።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠1 ቈረንቶስ 8:​6

ኣምላኽ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ዝበሎ ድማ ብዘይ ውልውል ነዚ ቀንዲ ሰራሕተኛ እዚ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:​26) ገለ ሰባት ‘ብመልክዕና ኸም ምስልና ንግበር’ ስለ ዝብል ንብዙሕ ዘመልክታ “ብመልክዕና:” “ኸም ምስልና” ከምኡውን “ንግበር” ብምጥቃሱ ንስላሴ ዘመልክት ኢዩ ይብሉ። እንተዀነ ግን: ‘ንገዛእ ርእስና ዝኸውን ገለ ነገር ንግበር’ ክትብል ከሎኻ: ሓደ ሰብ እተፈላለዩ ኣካላት ከም ሓደ ኰይኖም ኣብ ውሽጥኻ ከም ዘለዉ ገይሩ ኣይርድኦን ኢዩ። እዚ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣካላት ብሓባር ሓደ ነገር ክሰርሑ ኢዮም ማለት ኢዩ። ስለዚ: ኣምላኽ እውን “ብመልክዕና:” “ኸም ምስልና:” ከምኡውን “ንግበር” ክብል ከሎ ንኻልእ ኣካል: ነቲ በዅሪ መንፈሳዊ ፍጥረቱ: ነቲ ቀንዲ ሰራሕተኛ: ነቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረ የሱስ ኢዩ ዝዛረቦ ነይሩ።

ኣምላኽ ክፍተን ይኽእል ድዩ፧

ኣብ ማቴዎስ 4:⁠1 የሱስ ‘ብድያብሎስ ከም እተፈተነ’ ተገሊጹ ኣሎ። ንየሱስ “መንግስታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ምስ ኣርኣዮ ሰይጣን “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ: እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። (ማቴዎስ 4:​8, 9) ሰይጣን ንየሱስ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ንኸጥፍእ ኢዩ ዝፈተኖ።

የሱስ ኣምላኽ እንተድኣ ነይሩ ግን እዚ እንታይ ዝዓይነቱ ናይ ተኣማንነት ፈተና ኢዩ፧ ኣምላኽ ኣንጻር ገዛእ ርእሱ ክዓሉ ይኽእልዶ፧ ኣይፋሉን: መላእኽትን ሰባትን ግን ኣንጻር ኣምላኽ ክዓልዉ ይኽእሉ ኢዮም: ዓልዮም ድማ ኢዮም። እቲ ናይ የሱስ ፈተና ተቐባልነት ዝህልዎ: ንሱ ኣምላኽ ዘይኰነስ ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጻ ምርጫ ዘለዎ እተፈለየ ኣካል: ከምቲ መላእኽቲ ወይ ሰባት ዝገበርዎ ድማ: እንተድኣ ደልዩ ኣንጻር ኣምላኽ ክዓሉ ዝኽእል ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ።

ብኻልእ ወገን ክርአ ኸሎ ኸኣ: ኣምላኽ ሓጢኡ ንገዛእ ርእሱ ዘይእሙን ክኸውን ዘይሕሰብ ኢዩ። “ግብሩ ፍጹም እዩ: . . . ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።” (ዘዳግም 32:​4) ስለዚ የሱስ ኣምላኽ ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣይምተፈተነን ነይሩ።​—⁠ያእቆብ 1:​13

የሱስ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ: ዘይእሙን ክኸውን ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ: ጽሑፍ አሎ እሞ: ኪድ ርሐቕ: ሰይጣን” ብምባል ቃል ዝሕሉ ኰይኑ ተረኽበ።​—⁠ማቴዎስ 4:​10

እቲ በጅነትከ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧

ሓደ ካብቲ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ቀንዲ ምኽንያታት እውን እንተዀነ ምስ ትምህርቲ ስላሴ ብቐጥታ ዝጻረር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን: እቲ ሰብ: ክርስቶስ የሱስ: ሓደ በይኑ እዩ። . . . ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ [“ተመዓራራዪ በጅነት:” ትሓዓ ] ሀበ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:​5, 6

የሱስ ከይዛየደ ከይጐደለ: ፍጹም ሰብ ኰይኑ ነቲ ብልክዕ ኣብ ምድሪ ብፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ናይ ምንባር ኣዳም ዘጠፍኦ መሰል ንምትካእ በጃ ኰነ። ስለዚ የሱስ በቲ “ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ: ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዳሕራይ ኣዳም” ተባሂሉ ክጽዋዕ ብቑዕ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:​22, 45) እቲ በቲ መለኮታዊ ፍትሒ ዝድለ ጐደሎ ይኹን ዝያዳ ዘይብሉ “ተመዓራራዪ በጅነት” እቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ናይ የሱስ ኢዩ ነይሩ። ናይ ሰብኣዊ ፍትሒ መሰረታዊ ስርዓት እውን ከምኡ ኢዩ: እቲ ዝኽፈል ዋጋ ነቲ እተፈጸመ በደል ዝበቅዕ ክኸውን ኣለዎ።

ይኹን እምበር: የሱስ ክፍሊ ናይ ኣምላኽ እንተድኣ ነይሩ: እቲ ዋጋ በጅነት ካብቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝሓቶ ብዘይመጠን ዝለዓለ ምዀነ ነይሩ። (ዘጸኣት 21:​23–25፣ ዘሌዋውያን 24:​19–21) ኣብ ገነት ዝሓጥአ: እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ ኣዳም ጥራይ ድኣምበር ኣምላኽ ኣይኰነን ዝሓጥአ። ስለዚ: እቲ በጅነት ብሓቂ ምስ ፍትሒ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ምእንቲ ክኸውን: ማዕረ እቲ ዝጠፍአ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ፍጹም ዝዀነ ሰብ: “ዳሕራይ ኣዳም” ኢዩ። ስለዚ: ኣምላኽ ንየሱስ ከም በጃ ገይሩ ናብ ምድሪ ክሰዶ ከሎ ነቲ ፍትሒ ከም ዝፍጸም ብምግባር “ኻብ መላእኽቲ . . . እተታሕተ” ገይሩ ዝለኣኾ ፍጹም ሰብ ድኣምበር: ሓደ ስጋ ዝለበሰ ኣካል: ኣምላኽ ከሎ ሰብ ዝዀነ: ኣይኰነን ነይሩ። (እብራውያን 2:​9፣ ምስ መዝሙር 8:​5, 6 ኣረኣእዮ።) ዝዀነ ይኹን ናይ ኣምላኽ ክፍሊ​—⁠ኣቦ: ወዲ: ወይ መንፈስ ቅዱስ​—⁠ከመይ ኢሉ ካብ መላእኽቲ ዝተሓተ ክኸውን ይኽእል፧

ከመይ ኢሉ ኢዩ “ሓደ ወዲ” ዝኸውን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “ሓደ ወዲ” ኣምላኽ ኢሉ ይጽውዖ። (ዮሃንስ 1:​14፣ 3:​16, 18፣ 1 ዮሃንስ 4:​9) ኣመንቲ ስላሴ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ስለዝዀነ ወዲ ኣምላኽ እውን ዘለኣለማዊ ኢዩ ይብሉ። ግን ሓደ ኣካል ውሉድ ኰይኑ ከብቅዕ ከመይ ኢሉ መሰታ ኣቦኡ ክኸውን ይኽእል፧

ኣመንቲ ስላሴ እቲ “ሓደ ወዲ” ዝብል ኣብ የሱስ ክውዕል ከሎ ምስቲ ኣብ መዝገበ-ቃላት ዘሎ መግለጺ ናይታ “ምውላድ” እትብል​—⁠“ከም ኣቦ መጠን ምፍራይ” (ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮሊገይት ዲክሽነሪ) ዝትርጕማ​—⁠ሓደ ኣይኰነን ኢሎም ኢዮም ዝዛረቡ። ኣብ የሱስ ክትውዕል ከላ “መጀመርታ ዘይብሉ ርክብ”: ከይተወልደ ከም ወዲ ጥራይ ዝህሉ ርክብ ማለት ኢያ ይብሉ። (ቫይንስ ኤክስፖዚተሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒውስታመንት ዎርድስ) እዝስ ምኽንያታዊ ኰይኑዶ ይስመዓካ፧ ሓደ ሰብኣይ ከይወለደ ወዲ ክህልዎ ይኽእልዶ፧

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ኢዩ ነቲ ይስሃቅ ምስ ኣብርሃም ዝነበሮ ርክብ ክገልጽ ከሎ ነዛ “ሓደ ወዲ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እዚኣ (ከምቲ ቫይን ብዘይ ገለ መግለጺ ተቐቢልዋ ዘሎ) እተጠቕመ፧ እብራውያን 11:​17 ንይስሃቅ ከም “ሓደ ወዱ” ንኣብርሃም ገይራ ተዛሪባትሉ ኣላ። ኣብዚ ንይስሃቅ ዝምልከት ጕዳይ: ሓደ ወዱ ዝዀነ ብግዜ ወይ ብመዓርግ ማዕሪኡ ስለ ዝነበረ ዘይኰነስ በቲ ልሙድ መገዲ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ የሱስን ይስሃቅን ውዒላ ዘላ “ሓደ ወዲ” እትብል ናይ ግሪኽ መሰረታዊት ቃል ካብታ “ጥራይ” ዝትርጕማ ኖስ እትብል ቃል ዝመጸት ሞ.ኖ.ጀ.ነስ ’ ክትከውን ከላ ከምኡውን እታ “ምፍራይ” “ምዃን (ኣብ ህላዌ ምምጻእ)” ዝትርጕማ ጂ’ኖ.ማይ እትብል ሱር ቃል ኢያ ብምባል እቲ ናይ ስትሮንግ ኤግዞሆስቲቭ ኮንኮርዳንስ ዝበሃል መጽሓፍ ይገልጽ። ስለዚ ሞ.ኖ.ጀ.ነስ’ “ሓደ በይኑ እተወልደ: ሓደ ወዲ: ማለት ሓደ እንኮ ቈልዓ” ተባሂላ ክትግለጽ ትኽእል ኢያ።​—⁠ኤ ግሪክ ኤንድ ኤንግሊሽ ሌክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት: ብኢ. ሮቢንሶን እተዳለወ።

እቲ ብጌርሃርድ ኪተል እተዳለወ ቴዎሎጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ዝብል መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “[ሞ.ኖ.ጂ.ነስ ’] ማለት ‘እንኮ ዘርኢ’​—⁠ብዘይ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ማለት ኢዩ።” እዚ መጽሓፍ እዚ ብዛዕባ ዮሃንስ 1:​18፣ 3:​16, 18፣ ከምኡውን 1 ዮሃንስ 4:​9 ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ናይ የሱስ ዝምድና ምስቲ እንኮ ቈልዓ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ ኣይኰነን ተመሳሲሉ ዘሎ። ከምቲ ሓደ ወዲ ምስ ኣቦ ዘለዎ ዝምድና ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።”

ስለዚ የሱስ: እቲ ሓደ ወዲ: ንህይወቱ መጀመርያ ኣለዋ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ብልክዕ ወላዲኡ ወይ ድማ ከምቲ ኣብርሃም ወዲ ብምውላዱ ምድራዊ ኣቦ ዝዀነ: ኣቦ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 11:​17) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንክርስቶስ “ኣቦኡ” ከም ዝዀነ ገይሩ ክዛረበሉ ከሎ ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት ኢዮም ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ዝዓበየ ኢዩ። የሱስ ድማ ብግዜ: ብመዓርግ: ብሓይሊ: ከምኡውን ብፍልጠት ዝነኣሰ ኢዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ ሰማይ እተፈጥረ መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ጥራይ ከም ዘይኰነ ምስ ዝፈልጥ: እታ “ሓደ ወዲ” እትብል ስያመ ስለምንታይ ኣብዚ ከም እንጥቀመላ ግልጺ ክዀነሉ ይኽእል ኢዩ። ካልኦት ዘይቍጸሩ መንፈሳውያን ኣካላት: መላእኽቲ እውን ልክዕ ከምቲ ኣዳም ዝነበሮ “ደቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም ኣለዉ: ምኽንያቱ እቲ ሓይሊ ህይወቶም ካብቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ ኢዩ። (እዮብ 38:​7፣ መዝሙር 36:​9፣ ሉቃስ 3:​38) እንተዀነ ግን: ኵሎም እዚኣቶም በቲ ብቐጥታ ብኢድ የሆዋ እተፈጥረ “ሓደ ወዲ” ኣቢሎም ኢዮም ተፈጢሮም።​—⁠ቈሎሴ 1:​15–17

የሱስ ከም ኣምላኽ ድዩ ዝርአ ነይሩ፧

የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ: ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ሓደ እኳ ይኹን እቲ ወዲ ዝዀነ ኣምላኽ ዝብል ሓሳባት ኣይነበሮን። እቶም ‘ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ዝኣምኑ’ ኣጋንንቲ እውን ከይተረፈ ካብቲ ኣብ መንፈሳዊ ግዝኣት ዝነበሮም ተመኵሮ: የሱስ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ድማ ብልክዕ ንየሱስ ከም ሓደ እተፈልየ “ወዲ ኣምላኽ” ኢሎም ጸውዕዎ። (ያእቆብ 2:​19፣ ማቴዎስ 8:​29) የሱስ ምስ ሞተ እውን እቶም ሓለውቲ ዝነበሩ ኣረማውያን ወተሃደራት ሮሜ እቲ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ዝሰምዕዎ ሓቂ ምዃኑ: ማለት የሱስ ኣምላኽ ዘይኰነስ “ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” ብምባሎም ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 27:⁠54

ስለዚ: እታ “ወዲ ኣምላኽ” እትብል ሓረግ የሱስ እተፈልየ እተፈጥረ ኣካል ድኣምበር: ሓደ ክፍሊ ናይ ስላሴ ከም ዝዀነ ኣይኰነትን እተመልክት። ዮሃንስ 1:⁠18 “ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን” ስለ እትብል: የሱስ ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ ባዕሉ ኣምላኽ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን ንየሱስ ከም ‘ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይ’ ደኣምበር ከም ኣምላኽ ገይሮም ኣይረኣይዎን። (1 ጢሞቴዎስ 2:​5) ማእከላይ ሓደ ካብቶም መንጎኛ ዘድልዮም ዘሎ ክልተ ኣካላት እተፈልየ ስለ ዝዀነ: የሱስ ካብቶም ዘተዓርቖም ዘሎ ምስ ሓዲኦም ከም ኣካል ኰይኑ ክህሉ ዝጋጮ ሓሳባት ኢዩ። እዚ ንሓደ ዘይኰንካዮ ነገር ኣምሲልካ ምዕያይ ማለት ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣምላኽን የሱስን ዘሎ ዝምድና ክነግር ከሎ ንጹርን ዘይለዋወጥን ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ በይኑ ኵሉ ዝኽእል ኢዩ። ነቲ ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ የሱስ ድማ ብቐጥታ ፈጠሮ። ስለዚ ድማ: የሱስ መጀመርታ ኣለዎ ከምኡውን ብሓይልን ብዘለኣለምነትን ምስ ኣምላኽ ፈጺሙ ማዕረ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስም ኣምላኽ ኣብ ገለ ትርጕማት “ያህወህ” ክበሃል ከሎ: ኣብ ካልኦት ከኣ “ጂሆቫ” ይበሃል።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሱስ ብኣምላኽ እተፈጥረ ብምዃኑ ብግዜ: ብሓይሊ: ከምኡውን ብፍልጠት ካልኣይ ቦታ ኢዩ ዝሕዝ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ብኣምላኽ እተፈጥረ: መጀመርታ ናይቶም ዘይረኣዩ ፍጥረታት ኣምላኽ ኰይኑ ይነብር ምንባሩ ተዛሪቡ ኢዩ