ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧

ብሓቂ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧

ብሓቂ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧

ስላሴ ሓቂ ነይሩ እንተዝኸውን: ብንጹርን ብተደጋጋምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሃለወ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ከምቲ እቶም ሃዋርያት ዘረጋገጽዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንደቅሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝገልጸላ መጽሓፍ ኢያ። ከምኡውን ንኣምላኽ በቲ ቅቡል መገዲ ምእንቲ ከነምልኾ ክንፈልጦ ስለ ዘድልየና: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ መን ምዃኑ ክነግር ከሎ ንጹር ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ኣመንቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ሓቅነት ዘለዎ ናይ ኣምላኽ ራእይ ገይሮም ኢዮም ተቐቢሎምዎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ እምነቶም መሰረት: ናይ መወዳእታ በዓል ስልጣን ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ሰባት ምስ ሰበኸሎም: “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ [“ቅዱሳት:” ትሓዓ ] ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:​10, 11

ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ፍሉጣት ናይ ኣምላኽ ሰባት ከም ዝለዓለ በዓል-ስልጣን ገይሮም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣየናይ ኢዩ፧ ግብሪ ሃዋርያት 17:​2, 3 ከምዚ ኢላ ትነግረና:- “ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ: . . . ብጽሑፋት [“ብቕዱሳት ጽሑፋት:” ትሓዓ ] ምሳታቶም ተዛራረበ . . . [ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት] እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ።”

የሱስ እውን ክምህር ከሎ: ብተደጋጋሚ “ጽሑፍ እዩ” እናበለ ብምጥቃስ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ትምህርቱ መሰረት ብምግባሩ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። “እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ [“ቅዱሳት:” ትሓዓ ] ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።”​—⁠ማቴዎስ 4:​4, 7፣ ሉቃስ 24:​27

ስለዚ የሱስ: ጳውሎስ: ከምኡውን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ኣመንቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም መሰረት ናይ ትምህርቶም ገይሮም ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ‘እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ከም ዝጠቅም’ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17፣ ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 4:​6፣ 1 ተሰሎንቄ 2:​13፣ 2 ጴጥሮስ 1:​20, 21 ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ‘ዘቕንዕ’ ስለ ዝዀነ: ንሓደ ከም ስላሴ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ተባሂሉ ዝሕሰብ ትምህርቲ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ብዛዕባኡ ሓበሬታ ክገልጽ ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ናይ ሃይማኖት ምሁራትን ጸሓፍቲ ታሪኽን ስላሴ ብሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኢዩ ይብሉዶ ኢዮም፧

“ስላሴ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎዶ ኢዩ፧

ሓንቲ ናይ ፕሮቴስታንት ጽሕፍቲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትገልጽ:- “እታ ስላሴ እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን ኢያ። . . . ክሳዕ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን እውን ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ሃይማኖት ብወግዒ ቦታ ኣይነበራን።” (ዘ ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሸነሪ) ሓደ ናይ ካቶሊክ ዝለዓለ መወከሲ ድማ: ስላሴ “ብቐጥታን ብልክዕን እተነግረ ቃል ኣምላኽ . . . ኣይኰነን” ይብል።​—⁠ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔዲያ

እቲ ዘ ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓሳባት ይህብ:- “እዞም ሰለስተ መለኮታውያን ኣካላት እዚኣቶም ብሓደ ምዃኖም ዘመልክት ሓንቲ እኳ ትኹን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት የለን። እታ [ትሪ ’ያስ] (እታ ትሪኒታስ እትብል ናይ ላቲን ቃል እተተርጐመትላ) እትብል ቃል ንመጀመርያ ግዜ ዳርጋ ብ180 ዓ.ም. ብግዜ ቴዎፍሎስ ናይ ኣንጾክያ ኢያ ተጀሚራ። . . . ብድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሓ በታ ትሪኒታስ እትብል ናይ ላቲን ኣቃውማ ኣብ ግዜ ተርቱልያን ተቐልቀለት።”

ይኹን እምበር: እዚ እውን ተርቱልያን ስላሴ ይምህር ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ኣይኰነን። ንኣብነት: እቲ ትሪኒታስ​—⁠ኤ ቴኦሎጂካል ኤንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዘ ሆሊ ትሪኒቲ ዝብል ናይ ካቶሊክ ጽሑፍ: ገለ ካብቶም ናይ ተርቱልያን ቃላት ጸኒሖም ካልኦት ሰባት ንስላሴ ንምግላጽ ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ይገልጽ። ድሕሪኡ ከምዚ ኢሉ የጠንቅቕ:- “ይኹን እምበር: እቶም ቃላት ንናይ ኣመንቲ ስላሴ ትምህርቲ ሃይማኖት ዘመልክቱ ስለ ዘይኰኑ ብሃወኽ መደምደምታ ክወሃብ ኣይከኣልን ኢዩ።”

ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝህቦ ምስክርነት

እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትርከብ እኳ እንተዀነት: እንተ ወሓደ ንትምህርቲ ስላሴ ብንጹር ዝምህር ሓሳብከ ኣሎዶ፧ ንኣብነት: ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት (“ብሉይ ኪዳን”) ብዛዕባ ስላሴ እንታይ ይገልጽ፧

እቲ ዘ ኤንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ከምዚ ኢሉ ይእመን:- “ሎሚ ብዛዕባ ሃይማኖት እተማህሩ ሰባት ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ስላሴ ዝገልጽ ሓሳብ ከም ዘይብሉ ይሰማምዑ ኢዮም።” እቲ ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ ድማ “ብሉይ ኪዳን ናይ ቅዱስ ስላሴ ሰረተ⁠-​እምነት ኣይምህርን ኢዩ” ይብል።

ብተመሳሳሊ መገዲ: ጀስዊት ኤድሞንድ ፎርትማን ኣብታ ዘ ትሪዩን ጎድ (እቲ ስላሴኣዊ ኣምላኽ) እትበሃል መጽሓፉ ከምዚ ኢሉ ይእመን:- “ኣብ ብሉይ ኪዳን . . . ኣምላኽ: ወዲ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ስላሴኣዊ ኣምላኽ ከም ዘሎ ብግልጺ ይኹን ንዕኡ ዘመልክት ሓሳባት የለን። . . . ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጸሓፊ ኣብ ኣምላኽ [ስላሴ] ይህሉ ይኸውን ኢሉ ዝጠርጠረ ከም ዘሎ መረጋገጺ የለን። . . . [ኣብቲ “ብሉይ ኪዳን”] ናይ ኣካላት ስላሴ ዝገልጽ ሓሳባት ወይ ንዕኡ ዘመልክት ነገር: ወይ ‘ረቀቕቲ ምልክታት’ ክትረክብ ኢልካ ምፍታን ክንዮ እቲ ጽሑፍን ክንዮ ዕላማ ናይቶም ቅዱሳት ጸሓፍትን ምኻድ ኢዩ” ኢሉ ተኣመነ።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ንቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ምምርማር እውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ኢዩ ዝህብ። ስለዚ ኣብተን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ሓቅነት ዘለዎ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘቑማ ናይ መጀመርያ 39 መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ንጹር ዝዀነ ናይ ስላሴ ትምህርቲ የሎን።

ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝህቦ ምስክርነት

ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽከ (“ሓድሽ ኪዳን”) ብዛዕባ ስላሴ ብሓቂ ይዛረብዶ ኢዩ፧

እቲ ዘ ኤንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ከምዚ ይብል:- “ናይ ሃይማኖት ምሁራት ሰረተ-እምነት ስላሴ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን ብንጹር ከም ዘየሎ ይሰማምዑ ኢዮም።”

ጀስዊት ፎርትማን ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍቲ . . . ሓደ ስሩዕ ወይ ስርዓት ዝሓዘ ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ: ኣብ ሓደ ኣምላኽ ሰለስተ ማዕረ ዝዀኑ መለኮታውያን ኣካላት ከም ዘለዉ ዝገልጽ ብሩህ ዝዀነ ትምህርቲ ኣይህቡናን ኢዮም። . . . ከምኡውን ሰለስተ እተፈላለዩ መለኮታዊ ህይወትን ዕዮን ዘለዎም ኣብ ሓደ ኣምላኽ እተጠምሩ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ናይ ስላሴ ሰረተ⁠-​እምነት እውን ኣይንረክብን ኢና።”

እቲ ዘ ኒው ኤንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “እታ ስላሴ እትብል ቃል ትኹን ግልጺ ዝዀነ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን የሎን።”

ቤርንሃርድ ሎዚ ኣብታ ኤ ሾርት ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያን ዶክትሪን (ሓጺር ዛንታ ሰረተ-እምነት ክርስትና) እትበሃል መጽሓፉ “ኣብ ሓድሽ ኪዳን እንተድኣ መጺእና: ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓሳባት ኣይንረክብን ኢና” ይብል።

እቲ ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ እውን ብተመሳሳሊ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ሓድሽ ኪዳን: ዝማዕበለ ሰረተ-እምነት ስላሴ የብሉን። ‘መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ማዕርነት ዘለዎም ምዃኖም ዘርኢ መግለጺ የብሉን’ [ናይ ፕሮቴስታንት ናይ ሃይማኖት ምሁር ካርት ባርዝ ዝበሎ]።”

ናይ ያለ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሶር ኢ. ዋሽበርን ሆፕኪንስ ከምዚ ኢሉ የረጋግጽ:- “የሱስን ጳውሎስን ንሰረተ-እምነት ስላሴ ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም፣ . . . ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ኣይበሉን።”​—⁠ኦሪጅን ኤንድ ኢቮሊሽን ኦቭ ረሊጅን

ጸሓፍ ታሪኽ ኣርተር ዊግል ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ፈጺሙ ኣይጠቐሰን: እታ ‘ስላሴ’ እትብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣይትርከብን ኢያ። እዚ ሓሳባት እዚ 300 ዓመት ድሕሪ ሞት ጐይታና ኢዩ ብቤተ-ክርስትያን ተቐባልነት ዝረኸበ።”​—⁠ዘ ፓጋኒዝም ኢን ኣወር ክርስችያኒቲ

ስለዚ: እተን 39 ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ይኹና እተን ብመንፈስ እተጻሕፋ 27 ናይ ክርስትያን ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት: ብዛዕባ ትምህርቲ ስላሴ ዝገልጽ ንጹር ትምህርቲ ኣይህባናን ኢየን።

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባኡ ይምህሩዶ ነይሮም ኢዮም፧

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ስላሴ ይምህሩዶ ነይሮም ኢዮም፧ ጸሓፍቲ ታሪኽን ናይ ሃይማኖት ምሁራትን ዝሃብዎ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣስተብህለሉ:-

“ከምዚ ሕጂ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት ሰፊሑ ዘሎ: ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ኣብ ናይ ጥንቲ ክርስትና ብሩህ ዝዀነ ነገር ኣይነበረን።”​—⁠ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ

“ይኹን እምበር: መጀመርያ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ [ስላሴ] ሓሳባት ኣብ እምነቶም ዝውዕል ገይሮም ኣይወስድዎን ኢዮም ነይሮም። ወፈያኦም ንኣምላኽ ኣቦን ንወዲ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስን ጥራይ ኢዮም ዝህቡ ነይሮም: ንመንፈስ ቅዱስ ድማ . . . ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም፣ እንተዀነ ግን: እዞም ሰለስተ እዚኣቶም ናይ ሓቂ ስላሴ: ማዕረን ኣብ ሓደ ዝሓበሩን ምዃኖም ዝገልጽ ሓሳባት ኣይነበረን።”​—⁠ዘ ፓጋኒዝም ኢን ኣወር ክርስችያኒቲ

“ኣብ መጀመርታ ናይ ክርስትያን እምነት ብስላሴ ዝኣምን ኣይነበረን . . . ኣብ ሓድሽ ኪዳንን ኣብ ካልኦት ናይ ቀዳሞት ክርስትያን መጽሓፍትን ከም እተራእየ ኣብ እዋን ሃዋርያት ይኹን ኣብ እዋን ንኡሳን ሃዋርያት እዚ እምነት እዚ ኣይነበረን።”​—⁠ኤንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ኤቲክስ

“እቲ ‘ሓደ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ኣካላት’ ዝብል ስርዓት ቅድሚ መወዳእታ ናይ 4ይ ክፍለ-ዘበን ጸኒዑ ኣይተሰረተን ነይሩ: ብርግጽ ድማ ኣብቲ ናይ ክርስትያን ናብራን ናይ እምነት መግለጺኡን ምሉእ ብምሉእ ኣይተወሃሃደን ነይሩ . . . ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሃዋርያት ኣቦታት እዚ ትምህርቲ እዚ ብኣእምሮ ዝሕሰብ ወይ ዝግመት እውን ኣይነበረን።”​—⁠ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ

እቶም ናይ ኣንት-ኒሰን ኣቦታት እንታይ ኢሎም ከም ዝማሃሩ

ይ ኣንት-ኒሰን ኣቦታት ኣብቲ ናይ መጀመርያ ክፍለ⁠-​­ዘበናት ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ከም ሓለፍ ዝበሉ ናይ ሃይማኖት መምህራን ኢዮም ዝፍለጡ ነይሮም። እቲ ዝማሃርዎ ድማ ኣገዳሲ ኢዩ።

እቲ ኣብ ከባቢ 165 ከ.ኣ.ዘ. ዝሞተ ጃስቲን ማርቲር: ነቲ ከም ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ የሱስ ካብቲ “ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ” ፍሉይ ዝዀነ እተፈጥረ መልኣኽ ኢሉ ጸውዖ። የሱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝትሕት ከምኡውን “እቲ ፈጣሪ ክገብሮን ክብሎን ዘፍቀደሉ . . . እንተዘይኰይኑ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይገበረ” ተዛረበ።

እቲ ኣብ ከባቢ 200 ከ.ኣ.ዘ. ዝሞተ ኢራንዩስ እውን እቲ ከም ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ የሱስ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ህላዌ ከም ዝነበሮን ትሕቲ ኣምላኽ ድማ ከም ዝዀነን ተዛረበ። የሱስ ምስቲ “ካብ ኵሉ ዝለዓለ: ብጀካኡ ድማ ካልእ ዘየሎ” “ሓደ ሓቀኛን በይኑን ኣምላኽ” ማዕረ ከም ዘይኰነ ኣርኣየ።

እቲ ኣብ ከባቢ 215 ከ.ኣ.ዘ. ዝሞተ ናይ ኣለክሳንድርያ ክለመንት ድማ ንኣምላኽ “ዘይተፈጥረ: ዘይጠፍእ: ከምኡውን ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ” ኢሉ ጸውዖ። እቲ ወዲ ካብቲ “ንበይኑ ጥራይ ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ቀጺሉ ዘሎ” ድኣምበር ማዕሪኡ ኣይኰነን በለ።

እቲ ኣብ ከባቢ 230 ከ.ኣ.ዘ. ዝሞተ ተርቱልያን ከኣ ብዛዕባ ልዕልነት ኣምላኽ መሃረ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ኣምላኽ ዝዓቢ ስለ ዝዀነ እቲ ኣቦ ካብቲ ውሉድ (ካልእ ኣካል) እተፈልየ ኢዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ዝወልድ ካብቲ ዝውለድ እተፈልየ ኢዩ፣ እቲ ዝልእኽ ድማ ካብ ዝለኣኽ እተፈልየ ኢዩ።” ከምኡውን “እቲ ወዲ ዘይነበረሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ። . . . ቅድሚ ዅሉ ነገራት ኣምላኽ በይኑ ኢዩ ነይሩ” በለ።

እቲ ኣብ ከባቢ 235 ከ.ኣ.ዘ. ዝሞተ ሂፖሊተስ ከኣ “እቲ ሓደ ኣምላኽ: እቲ ናይ መጀመርያን በይኑን: እቲ ሰራሕን ጐይታን ናይ ኵሉ:” ዝዀነ ኣምላኽ “መሰታ ዘይብሉ [ብዕድመ ማዕሪኡ ዘይብሉ]: . . . ንሱ ሓደ በይኑ ኢዩ፣ ብድሌቱ ነቶም ዘይነበሩ” ንኸም በዓል እቲ ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበረ ፍጡር የሱስ ዝኣመሰሉ: “ከም ዝህልዉ ዝገበረ” ኢዩ በለ።

እቲ ኣብ ከባቢ 250 ከ.ኣ.ዘ. ዝሞተ ኦሪገን “እቲ ኣቦን ወድን ክልተ ነገራት ኢዮም . . . ብህላዌኦም እውን ክልተ እዮም” ከምኡውን “ምስ ኣቦ ክወዳደር ከሎ [እቲ ወዲ] ንእሽቶ ብርሃን ኢዩ” በለ።

ኣልቫን ላምሶን ነቲ ታሪኻዊ መርትዖታት ብምእካብ ኣብታ ዘ ቸርች ኦቭ ዘ ፈርስት ስሪ ሰንችሪስ (እታ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ሰለስተ ክፍለ-ዘበናት ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን) እትበሃል መጽሓፉ “እዚ ዘሎ ፍሉጥ ዝዀነ ዘመናዊ ሰረተ-እምነት ስላሴ . . . ካብቲ ናይ ጃስቲን [እቲ ሰማእት] ዘረባ ምንም ደገፍ የብሉን:- እዚ ትዕዝብቲ እዚ ድማ ናብ ኵሎም እቶም ናይ ኣንት⁠-ኒሰን ኣቦታት: ናብቶም ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ሰለስተ ዘበናት ጸኒሖም ዝመጹ ጸሓፍቲ: ተዘርጊሑ ይኸውን ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ብዛዕባ ኣቦ: ወዲ: ከምኡውን . . . መንፈስ ቅዱስ ይዛረቡ ኢዮም: እንተዀነ ግን: ብዝዀነ ይኹን በዚ ሕጂ ዝእመነሉ ዘሎ መገዲ ከም ማዕረ: ከም ትርጕም ዘለዎ ኣሃዛዊ ሕጊ: ሰለስተ ኣብ ሓደ ኢሎም ኣይኰኑን ዝጠቕስዎም ነይሮም። እቲ ኣንጻር ናይዚ ኢዩ ሓቂ።”

ስለዚ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽን ዝህቦ ምስክርነት ስላሴ ኣብ ኵሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜያትን ብድሕሪኡ ድማ ንብዙሕ ዘበናትን ይፍለጥ ከም ዘይነበረ ንጹር ዝገብሮ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጸሓፊ ኣብ ኣምላኽ ስላሴ ይህሉ ይኸውን ኢዩ ኢሉ ከም ዝጠርጠረ ዘመልክት ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ የሎን።​—⁠ዘ ትሪዩን ጎድ