ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ በቲ ዝደልዮ መገዲ ገይርካ ኣምልኮ

ንኣምላኽ በቲ ዝደልዮ መገዲ ገይርካ ኣምልኮ

ንኣምላኽ በቲ ዝደልዮ መገዲ ገይርካ ኣምልኮ

የሱስ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ከሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:​3) እንታይ ዓይነት ፍልጠት፧ “[ኣምላኽ] ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ [“ርጡብ:” ትሓዓ ] ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:​4) እቲ ዘ ኣምፕሊፋይድ ባይብል ነታ ዳሕረይቲ ሓረግ ብኸምዚ ዝስዕብ ይትርጕማ:- “ነቲ [መለኮታዊ] ሓቂ ብጥንቃቐ ከምኡውን ብልክዕ ፍለጦ።”

ስለዚ ኣምላኽ ምስቲ መለኮታዊ ሓቂ ብምስምማዕ ንእኡን ንዕላማኡን ብልክዕ ክንፈልጦ ይደልየና ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ: ምንጪ ናይዚ ሓቂ እዚ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:​17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17) ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ብልክዕ እንታይ ከም ዝብል ምስ ፈለጡ ከምቶም ኣብ ሮሜ 10:​2, 3 ተጠቒሶም ዘሎዉ ሰባት: “ብፍልጠት [“ርጡብ ፍልጠት” ትሓዓ ] ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት [ኣለዎም]” እተባህለሎም ካብ ምዃን ከምልጡ ኢዮም። ወይ ድማ ከምቲ የሱስ “ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ” ዝበሎም ሳምራውያን ኣይክዀኑን ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 4:​22

ስለዚ እምበኣር: ስምረት ኣምላኽ ንደሊ እንተድኣ ኴንና ንገዛእ ርእስና ከምዚ ኢልና ንሕተታ:- “ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ ብኸመይ ኢዩኸ ክምለኽ ዝደሊ፧ ዕላማታቱ ኣየኖት ኢዮም: ምሳታቶምከ ብኸመይ ኢና ክንሰማማዕ ዝግብኣና፧ እቲ ርጡብ ፍልጠት ሓቂ: ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ቅኑዕ መልሲ ይህበና ኢዩ። ድሕርዚ ድማ ንኣምላኽ በቲ ዝደልዮ መገዲ ገይርና ከነምልኾ ንኽእል ኢና።

ንኣምላኽ ምሕሳር

ኣምላኽ “ነቶም ዜኽብሩኒ ኤኽብሮም” ይብል። (1 ሳሙኤል 2:​30) ዝዀነ ይኹን ካልእ ማዕሬኻ ኢዩ ምስ እንብሎ ንኣምላኽ የኽብሮዶ፧ ከምቲ ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ ዝብሎ ንማርያም “ወላዲት ኣምላኽ” ከምኡውን “ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡራቱን . . . ዘላ መማለዲት” ኢልካ ምጽዋዕስ የኽብሮዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ንኣምላኽ ጸርፊ ኢዩ። ዝመዓራረዮ ዋላ ሓደ የለን፣ የሱስ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ ድማ ኣምላኽ ስጋዊት ኣደ የብሉን። ኣምላኽ ንየሱስ ‘ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝኸውን ሓደ ማእከላይ’ ገይሩ ስለ ዝመዘዘ ድማ “መማለዲ” ዝበሃል የሎን።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:​5፣ 1 ዮሃንስ 2:​1, 2

እቲ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ኣጠራጣሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ: ነቲ ሰባት ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሓቀኛ ቦታ ዘለዎም ምርዳእ ኣደናጊርዎን ኣዳኺምዎን ኢዩ። ንሰባት ነቲ ኣድማሳዊ ልዑል: የሆዋ ኣምላኽ: ብልክዕ ካብ ምፍላጥን: ከምቲ ዝደልዮ ድማ ከየምልኽዎን ከልኪልዎም ኣሎ። ከምቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ሃንስ ኩንግ “ስለምንታይ ኢዩ ሓደ ሰብ ነቲ ሓድነትን ፍሉይነትን ናይ ኣምላኽ ዘዳኽምን ባዶ ዝገብርን ጥራይ ክነሱ ናብቲ ሓድነቱን ፍሉይነቱን ገለ ነገር ክውስኽ ዝደሊ፧” ዝበሎ ኢዩ። ናይ ስላሴ እምነት ድማ ልክዕ ከምዚ ኢዩ ገይሩ።

እቶም ኣብ ስላሴ ዝኣምኑ ሰባት “ንኣምላኽ ኣብ [“ርጡብ:” ትሓዓ] ፍልጠቶም ኪሕዝዎ [ኣይቋጸርዎን]።” (ሮሜ 1:​28) እታ ቍጽሪ ከምዚ እውን ትብል ኢያ:- “ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም።” ካብ ቁጽሪ 29 ክሳዕ 31 ተጠቒሱ ዘሎ ከም ‘ቅትለት: ባእሲ: ጠለምቲ: ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብሎም: ዘይድንግጹ’ ዝኣመሰለ ገለ ካብቲ “ዘይንቡር” ተግባራት ይዝርዝር። እዞም ነገራት እዚኣቶም ድማ በተን ንትምህርቲ ስላሴ ዝቕበላ ሃይማኖታት ዝግበር ኢዩ።

ንኣብነት: ኣመንቲ ስላሴ ነቶም ንሰረተ-እምነት ስላሴ ዝነጸጉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣሳዲዶምዎም ኢዮም: አረ ቀቲሎምዎም እውን ኢዮም። ካብኡ ሓሊፎምውን ካልእ ዝገደደ ገይሮም ኢዮም። ኣብ ግዜ ውግእ ነቶም ከምኦም ዝኣመሰሉ ኣመንቲ ስላሴ ብጾቶም ቀቲሎምዎም ኢዮም። ካቶሊክ ንካቶሊክ: ኦርቶዶክስ ንኦርቶዶክስ: ፕሮቴስታንት ንፕሮቴስታንት: እሞ ኸኣ ኵሎም ብስም ሓደ ዓይነት ስላሴ ኣምላኽ: ምቕታል ካብዚ ንላዕሊ “ዘይንቡር” ነገር እንታይ ክህሉ ይኽእል፧

እንተዀነ ግን: የሱስ ብግልጺ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:​35 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ቃል ኣምላኽ ነዚ ብምስፋሕ “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን: ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ” ይብል። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነቶም ንመንፈሳውያን ኣሕዋቶም ዝቐትሉ ምስቲ “ኻብ እኩይ [ሰይጣን] ዝነበረ: ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል” ኣመሳሲልዎም ኣሎ።​—⁠1 ዮሃንስ 3:​10–12

ስለዚ ድማ: እዚ ዘደናግር ሰረተ-እምነታት ምምሃር ሕጊ ኣምላኽ ናብ ዝጥሕስ ተግባራት ኢዩ ዘምርሕ። ብርግጽ ከኣ እቲ ኣብ ምልእቲ ህዝበ-ክርስትያን ኣጋጢሙ ዘሎ ኵነታት ከምቲ ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝዀነ ወዲ ደንማርክ ሶረን ኬርከጋርድ “ህዝበ-ክርስትያን ከይተፈለጣ ካብ ክርስትና ርሒቓ ኣላ” ዝበሎ ኢዩ።

ናይ ህዝበ-ክርስትያን መንፈሳዊ ኵነታት ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ: ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ” ብምባል ዝጸሓፎ ዝሰማማዕ ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 1:​16

ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ኣብ መወዳእታ ምስ ኣብጽሖ እዛ ኣብ ስላሴ እትኣምን ህዝበ-ክርስትያን ክትሕተት ኢያ። ብምኽንያት እቲ ዝገበረቶ ንኣምላኽ ዘሕስር ተግባራትን ሰረተ-እምነታትን ድማ ከቢድ ፍርዲ ክወርዳ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:​14, 34፣ 25:​31-34, 41, 46፣ ራእይ 17:​1-6, 16፣ 18:​1-8, 20, 24፣ 19:​17-21

ንስላሴ ንጸጎ

ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓቅታት ምልምማጥ ዝበሃል የሎን። ስለዚ ድማ: ንኣምላኽ ከምቲ ዝደልዮ ገይርካ ምምላኽ ማለት ንሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ምንጻግ ማለት ኢዩ። ምስቲ እቶም ነብያትን የሱስን ሃዋርያትን ከምኡውን ቀዳሞት ክርስትያናትን ዝኣምንዎን ዝምህርዎን ዝነበሩ ነገር ዝጋጮ ኢዩ። ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ኢልዎ ዘሎ ሓሳባት ዝጋጮ ኢዩ። ስለዚ ድማ: ከምዚ ኢሉ ይምዕድ:- “ኣነ በይነይ ኣምላኽ ምዃነይን ዝመሳሰለኒ ድማ ከም ዘየሎን ፍለጡ።”​—⁠ኢሳይያስ 46:⁠9: ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን።

ናይ ኣምላኽ ድሌታት ብዛዕባኡ ዘደናግርን ምስጢር ዝዀነን ነገራት ብምግባር ኣይኰነን ዝማላእ። ኣብ ክንድኡስ: ሰባት ዝያዳ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን እተደናገሩ ክዀኑ ከለዉ: ነቲ ጸላኢ ኣምላኽ: ሰይጣን ድያብሎስ: ‘ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ’ ዝያዳ ዝምችእ ኢዩ ዝኸውን። እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ‘ንሓሳባት እቶም ዘይኣምኑ ከዕውር’ ባዕሉ ዘምጽኦ ነገራት ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:​4) እዚ ናይ ስላሴ ሰረተ⁠-​እምነት ንጥቕሚ ናይቶም ኣቕሽሽቲ እውን ይውዕል ኢዩ: ምኽንያቱ ንሳቶም ነቲ ትምህርቲ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ጥራይ ክርድእዎ ዝኽእሉ ነገር ገይሮም ስለ ዘቕርብዎ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዘለዎም ምቍጽጻር ንምጽናዕ ይጠቕሞም ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 8:​44 ርአ።

ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዓቢ ዕረፍቲ ዘምጽእ ኢዩ። ካብቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝጋጮ ትምህርትታትን ካብተን ዝኸሓዳ ማሕበራትን ናጻ ይገብረና ኢዩ። ከምቲ የሱስ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዝበሎ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 8:​32

ንኣምላኽ ከም ዝለዓለ ኣካል ገይርና ብምኽባርን በቲ ንሱ ዝደልዮ ብምምላኽን: ካብቲ ኣብ ልዕሊ ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ከምጽኦ ዘለዎ ፍርዲ ከነምልጥ ንኽእል ኢና። ነቲ እዚ ኣገባብ እዚ ምስ ተወድአ ማለት “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝብል ጥቕሲ ምስ ተፈጸመ ክህሉ ዘለዎ ስምረት ኣምላኽ ብተስፋ ክንጽበ ንኽእል ኢና።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠17

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እዛ ናይ ዘበናት ዕድመ ዘለዋ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ቅርጺ: ስላሴ “ንድንግል” ማርያም ዘውዲ ክደፍኡላ ከለው ተርኢ። እምነት ስላሴ ንማርያም ከም ቅድስቲ “ወላዲት ኣምላኽ” ጌርካ ናብ ምኽባር መርሐ