ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ልዕሊ የሱስ ድዩ፧
ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ልዕሊ የሱስ ድዩ፧
የሱስ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ኣይፍለጥን ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ርእሱ ዝበሎ ነገራት—ብሓይሊ: ብፍልጠት: ብዕድመ—ማዕረ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኢዩ ዘርኢ ነይሩ።
ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ናይ ህላዌኡ: ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ: ዘረባኡን ጠባዩን ትሕቲ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ ነይሩ። ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ዝለዓለ ኢዩ: እቲ ብኣምላኽ እተፈጥረ የሱስ ድማ ዝተሓተ ኢዩ።
የሱስ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ኢዩ
የሱስ ንርእሱ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ፍጡር ከም ዝዀነን: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎ: ዘምልኾ ዮሃንስ 17:3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ ዮሃንስ 20:17 ንማርያም መግደላዊት “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ” በላ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:3 “ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ . . . ይባረኽ” ብምባል ነዚ ርክብ እዚ አረጋጊጽዎ ኢዩ። የሱስ ኣምላኽ: ኣቦኡ: ስለ ዘለዎ ንርእሱ እቲ ኣምላኽ እቲ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።
ኣምላኽ: “ኣቦ” ኢሉ ዝጽውዖ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ የርኢ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ናብቲ ኣቦ ዝዀነ ኣምላኽ ክጽሊ ከሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ [ኢኻ]” በለ። (ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስን ኣምላኽን እተፈላለዩ ምዃኖም ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይበለን። ከምዚ ይብል:- “ንኣናስ . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ: ኣቦ: አሎና: . . . ሓደ ጐይታውን: የሱስ ክርስቶስ: አሎና።” (1 ቈረንቶስ 8:6) እቲ ሃዋርያ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን” ኢሉ ክጠቅስ ከሎ ነዚ ፍልልይ እዚ ኣርእዩ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:21) ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ የሱስን መላእኽትን ኣብ ሰማይ ካብ ንሓድሕዶም እተፈላለዩ ኣካላት ምዃኖም እተዛረበ: ኣምላኽን የሱስን ድማ ከምኡ እተፈላለዩ ኢዮም።
እተን ኣብ ዮሃንስ 8:17, 18 ዘለዋ ናይ የሱስ ቃላት ድማ ኣገደስቲ ኢየን። ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ አሎ። ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ: እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ።” ኣብዚ የሱስ: ንሱን ኣቦን: ማለት እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ: ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት ምዃኖም ኢዩ ዘርኢ ዘሎ: ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ ከመይ ኢሎም ብሓቂ ክልተ መሰኻኽር ክህልዉ ይኽእሉ፧
ብተወሳኺ የሱስ “ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን” ክብል ከሎ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ኣካል ምዃኑ ኣርኣየ። (ማርቆስ 10:18) ስለዚ የሱስ እዚ ክብል ከሎ: ዝዀነ ካልእ ኣካል: ንሱ ባዕሉ እውን እንተዀነ: ከም ኣምላኽ ዝኣመሰለ ሰናይ ከም ዘየለ ኢዩ እተዛረበ። ስለዚ ኣምላኽ ካብ የሱስ ብዝፈልዮ መገዲ ሰናይ ኢዩ።
ናይ ኣምላኽ እዙዝ ኣገልጋሊ
የሱስ ብተደጋጋሚ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ይዛረብ ነይሩ ኢዩ:- “ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን።” (ዮሃንስ 5:19) “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።” (ዮሃንስ 6:38) “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን።” (ዮሃንስ 7:16) እቲ ዝልእኽ ካብቲ ዝልኣኽ ዝዓቢዶ ኸይኰነ፧
እዚ ዝምድና እዚ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝሃቦ ምስላ ብግልጺ በሪሁ ኣሎ። ንኣምላኽ: ኣቦኡ: በቲ ኣርሒቑ ዝገሸ እሞ ነቲ ወይኒ ድማ ክዓይዎ ኢሉ ነቶም ንናይ ኣይሁድ ቤተ ክህነት ዝምሰሉ ዓየይቲ ዝገደፈሎም ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ መሲልዎ ኣሎ። ጸኒሑ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ገለ ካብቲ ፍረ ወይኒ ከምጽኣሉ ንባርያኡ ለኣኾ: እቶም ዓየይቲ ግና ነቲ ባርያ ቀጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ። ድሕሪኡ እቲ ዋና ካልእ ባርያ ሰደደ: ሳልሳይ እውን ሰደደ: ክልቲኦም ግን ሓደ ዓይነት ኣቀባብላ ኣጋጠሞም። ኣብ መወዳእታ እቲ ዋና “ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ [የሱስ] ደኣ ኽሰደድ: ንእኡስ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ” በለ። እቶም ብልሽዋት ዓየይቲ ግና “እዚ እቲ ወራሲ እዩ: እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ኪኸውንሲ: ንዑ ንቕተሎ: ኢሎም . . . ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ።” (ሉቃስ 20:9–16) ስለዚ ከምቲ ሓደ ኣቦ ነቲ እዙዝ ውሉዱ ዝልእኽ: የሱስ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብር ብኣምላኽ ከም እተላእከ ብምግላጹ ቦታኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁ ኢዩ።
ሰዓብቲ የሱስ: ማዕረ ኣምላኽ ዘይኰነስ ከም እዙዝ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። “ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ [“ኣገልጋሊኻ:” ስታንዳርድ ቨርሽን: ካቶሊክ ኤድሽን ] የሱስ ክርስቶስ . . . ብስም እቲ ቅዱስ [“ኣገልጋሊኻ:” ስታንዳርድ ቨርሽን: ካቶሊክ ኤድሽን ] የሱስ . . . ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን” ብምባል ናብ ኣምላኽ ጸለዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:23, 27, 30
ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ዝለዓለ ኢዩ
ኣብቲ ናይ መጀመርያ ኣገልግሎት የሱስ: ካብቲ ናይ ጥምቀት ማይ ክወጽእ ከሎ: ድምጺ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ከምዚ በለ:- “ብእኡ ዝሰመርኩ [“ኣነ ዝሰመርክዎ:” ትሓዓ ] ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ።” (ማቴዎስ 3:16, 17) ኣምላኽ ከምዚ ክብል ከሎ ንሱ ባዕሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ወዲ: ንገዛእ ርእሱ ሰሚሩ: ንገዛእ ርእሱ ልኢኹ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: እቲ ፈጣሪ ዝዀነ ኣምላኽ: ከም ዝለዓለ ኣካል መጠን: ንሓደ ዝተሓተ: ወዱ የሱስ: ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዕዮ ክዓዪ ከም ዝሰመሮ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።
የሱስ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” ክብል ከሎ ናይ ኣቦኡ ልዕልነት ኣርእዩ ኢዩ። (ሉቃስ 4:18) ምቕባእ ማለት ብሓደ ዝለዓለ ኣካል: ነቲ ድሮ ስልጣን ዘይነበሮ ስልጣን ወይ ሓላፍነት ምሃብ ማለት ኢዩ። ኣብዚ እምበኣር ኣምላኽ ንየሱስ ቅድሚ ሽዑ ዘይነበሮ ስልጣን ብምሃብ ስለ ዝቐብኦ: ዝለዓለ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።
እታ ኣደ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ዝነበረት ሰበይቲ ናብ የሱስ መጺኣ መንግስቲ ምስ ሓዝካ እዞም ክልተ ደቀይ ሓደ ብየማንካ ሓደ ብጸጋምካ ክዀኑ ኢላ ምስ ለመነቶ: የሱስ ኣቦኡ ዝለዓለ ምዃኑ ብብሩህ ኣርእዩ ኢዩ። የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ [ኣምላኽ] ዘዳለወሎም እዩ እምበር: ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ።” (ማቴዎስ 20:23) የሱስ እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነይሩ እንተ ዝኸውን ነቲ ቦታ ባዕሉ ምሃቦም ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ክህቦም ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ ቦታ ምሃብ ናይ ኣምላኽ ኢዩ: የሱስ ከኣ ኣምላኽ ኣይኰነን።
የሱስ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸሎት እንተ ርኤናውን ቦታኡ ዝተሓተ ምዃኑ ዘርኢ ጽቡቕ ኣብነት ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ኣጋ ሞቱ “ኣቦይ: ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ: ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” ኢሉ ብምጽላይ ልዕሊኡ መን ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። (ሉቃስ 22:42) ናብ መን ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ፧ ንገለ ክፍሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ናብ ሓደ ፍቓዱ ዝዓበየ: ፍቓዱ ድማ ካብ ናቱ ፍቓድ እተፈልየ ክኸውን ዝኽእል: እቲ ንበይኑ ጥራይ ‘ነዛ ጽዋእ እዚኣ ከሕልፋ’ ዝኽእል: ካብኡ ድማ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ: ኣቦኡ ኣምላኽ ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ።
ድሕርዚ የሱስ ጥቓ ሞት ምስ ቀረበ “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ” ኢሉ ጨርሐ። (ማርቆስ 15:34) የሱስ ናብ መን ኢዩ ዝጭርሕ ዝነበረ፧ ናብ ገዛእ ርእሱ ድዩ ወይስ ናብ ገለ ክፍሊ ናይ ገዛእ ርእሱ፧ ብርግጽ እቲ “ኣምላኸይ” ዝብል ኣውያት ካብ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ዝዀነ ኣካል ዝወጽእ ኣይኰነን። የሱስ ኣምላኽ እንተድኣ ኰይኑ ድማ ብመን ድኣ ኢዩ ተሓዲጉ፧ ብገዛእ ርእሱ ድዩ ተሓዲጉ፧ ከምዚ ምባል ትርጕም የብሉን። የሱስ ከምዚ እውን ኢሉ ኢዩ:- “ኣቦይ: ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ።” (ሉቃስ 23:46) የሱስ ኣምላኽ እንተድኣ ነይሩ ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ንገዛእ ርእሱ ንኣቦ ከማዕቍባ ዝነበሮ፧
የሱስ ምስ ሞተ: ሰለስተ መዓልቲ ኣቢሉ ዝኸውን ኣብ መቓብር ነይሩ ኢዩ። ኣምላኽ እንተድኣ ነይሩ እቲ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ቅዱሰይ: . . . ንሕና ኣይንመውትን [“ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ:” ትሓዓ ]” ዝብል ኣብ ኣንባቆም 1:12 ዘሎ ሓሳባት ጌጋ ኢዩ ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ከም ዝሞተ: ኣብቲ መቓብር ድማ ካብ ህላዌ ኣቋሪጹ ከም ዝነበረ ይዛረብ ኢዩ። ንየሱስከ ካብ ምዉታት መን ኣተንስኦ፧ ብሓቂ ሞይቱ እንተድኣ ነይሩ: ባዕሉ ክትንስእ ኣይክእልን ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ እንተድኣ ብሓቂ ዘይሞተ ኰይኑ: እቲ ናይ ተምሳል ሞት ነቲ ኣዳም ዝገበሮ ሓጢኣት ዝኸውን በጅነት ክኸፍል ኣይክእልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: በቲ ናይ ሓቂ ሞቱ ገይሩ ዋጋ ናይቲ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ከፊሉዎ ኢዩ። ስለዚ “ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ [ንየሱስ] ኣተንስኦ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:24) እቲ ዝለዓለ: እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ: ነቲ ዝነኣሰ: ኣገልጋሊኡ የሱስ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።
የሱስ ንሰባት ካብ ምዉታት ከም ምትንሳእ ዝኣመሰለ ትእምርቲ ክገብር ክእለት ስለ ዝነበሮስ ኣምላኽ ምንባሩ የመልክት ድዩ፧ እቶም ሃዋርያት ከምኡውን ነብያት ዝነበሩ ኤልያስን ኤልሳእን እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ሓይሊ ነይሩዎም ኢዩ: እዚ ግን ልዕሊ እቶም ካልኦት ሰባት ክገብሮም ኣይከኣለን። ብድሕሪኦም ኰይኑ ይድግፎም ከም ዝነበረ ንኸርኢ ኣምላኽ
ንነብያት: ንየሱስ: ከምኡውን ንሃዋርያት ትእምርቲ ክገብሩ ሓይሊ ሂብዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ሓይሊ እዚ ንዝዀነ ይኹን ካብኣቶም ክፍሊ ናይቲ ንብዙሕ ዘመልክት ኣምላኽ ኣይገበሮምን።የሱስ ውሱን ፍልጠት ኢዩ ነይርዎ
የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክንበ ኸሎ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር: መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” በለ። (ማርቆስ 13:32) የሱስ ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ዝዀነ ወዲ እንተ ዝኸውን ነይሩ: እቲ ኣቦ ዝፈልጦ ምፈለጠ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ እቲ ኣምላኽ ዝፈልጦ ኣይፈለጠን።
ብተመሳሳሊ ድማ: ኣብ እብራውያን 5:8 ብዛዕባ የሱስ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ” ዝብል ነንብብ። ኣምላኽ ዝማሃሮ ነገር ነይርዎ ኢልናዶ ክንሓስብ ንኽእል ኢና፧ ኣይፋሉን ኣምላኽ ኣይማሃርን ኢዩ: የሱስ ግን እቲ ኣምላኽ ዝፈልጦ ኵሉ ስለ ዘይፈልጥ ተማሂሩ ኢዩ። ኣምላኽ ክማሃሮ ዘየድልዮ—ምእዛዝ—ክማሃር ኣድልይዎ ኢዩ። ኣምላኽ ፈጺሙ ንዝዀነ ይኹን ክእዘዝ ኣየድልዮን ኢዩ።
የሱስ ምስ ኣምላኽ ክኸውን ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ከደ እውን ኣብ መንጎ እቲ ኣምላኽ ዝፈልጦን የሱስ ዝፈልጦን ፍልልይ ነይሩ ኢዩ። እተን ናይ መጀመርያ ቃላት ናይታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ መጽሓፍ ኣስተብህለለን:- “ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ።” (ራእይ 1:1) የሱስ ባዕሉ ክፍሊ ናይ ኣምላኽ እንተ ዝነብር: ብሓደ ካልእ ናይ ኣምላኽ ክፍሊ ዝዀነ ኣካል: ራእይ ክወሃብ የድልዮዶ ኢዩ፧ ኣምላኽ ኵሉ ስለ ዝፈልጥ ንሱ እውን ብዛዕባኡ ኵሉ ነገር ምፈለጠ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ ኣይፈለጠን።
የሱስ ትሕቲ ኣምላኽ ምዃኑ ቀጺሉ ኢዩ።
የሱስ ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህላወን ኣብ ምድሪ ከሎን ትሕቲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ትንሳኤኡ እውን ትሕቲ ኣምላኽ: ካልኣይ ቦታ ዘለዎ ኰይኑ ኢዩ ቀጺሉ።
ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ክዛረቡ ከለዉ: ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን: ነቶም ናይ ኣይሁድ መጋባእያ “ኣምላኽ ንእኡ [የሱስ] . . . ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ” በሉዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:31) ጳውሎስ እውን “ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ” በለ። (ፊልጲ 2:9) የሱስ ኣምላኽ እንተድኣ ነይሩ ከመይ ኢሉ ኢዩ ካብቲ ድሮ ዝነበሮ ቦታ ልዕል በለ ክበሃል ዝከኣል፧ ክፍሊ ናይ ስላሴ ነይሩ እንተዝኸውን ድሮ ልዕል ዝበለ ቦታ ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። ልዕል ቅድሚ ምባሉ ማዕረ ኣምላኽ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ: እንደገና ልዕል ምባሉስ ልዕሊ ኣምላኽ ኰይኑ ማለት ኢዩ።
ጳውሎስ እውን “ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና ናብኣ ናብታ ሰማይ” ኣተወ ኢሉ ኣሎ። (እብራውያን 9:24) ኣብ ቅድሚ ሓደ ካልእ ኣካል እንተድኣ ቀሪብካስ ከመይ ኢልካ ንስኻ እቲ ኣካል እቲ ትኸውን፧ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብኡ እተፈለኻ ካልእ ኣካል ክትከውን ኣሎካ።
ብተመሳሳሊ ድማ: እስጢፋኖስ እቲ ሰማእት ብዳርባ እምኒ ቀቅድሚ ምቕታሉ “ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ . . . ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:55) ብግልጺ: ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት ድኣምበር መንፈስ ቅዱስ: ወይ ሓደ ብስላሴ ዝቘመ ኣምላኽ ኣይኰነን ዝረኣየ።
ኣብ ራእይ 4:8 ክሳዕ 5:7 ዘሎ ጸብጻብ እውን ኣምላኽ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ተቐሚጡ ይርአ: የሱስ ግን ኣብኡ ኣይነበረን። ካብ የማናይ ኢድ ኣምላኽ ነቲ ጥቕላል ክወስድ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ ነበሮ። እዚ ድማ የሱስ ኣብ ሰማይ ከሎ እውን ኣምላኽ ዘይኰነስ ካብኡ እተፈልየ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ።
ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምስምማዕ: እታ አብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከተማ ማንቸስተር እትሕተም ቡለቲን ኦቭ ዘ ጆን ራይላንድስ ላይብረሪ ከምዚ ትብል:- “የሱስ ድሕሪ ምትንስኡ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ህይወት: ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝነበሮ ናይቲ ምድራዊ የሱስ ህይወት ዝኣመሰለ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ብሕታዊ ኣካል ኢዩ ነይሩ። ምስ ኣምላኽ ብምርእኣይ ክወዳደር ከሎ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊ መንግስቲ ዘሎ ካልእ ሰማያዊ ኣካል: ከምቶም መላእኽቲ—ዋላ እኳ ከም ወዲ ኣምላኽ መጠን ካብቶም መላእኽቲ ዝልዕል መዓርግን እተፈልየ ቦታን እንተለዎ—እተፈልየ ኣካል ኢዩ።”—ምስ ፊልጲ 2:11 ኣረኣእዮ።
እታ ቡለቲን ወሲኻ ከምዚ ትብል:- “ይኹን እምበር: እቲ የሱስ ከም ሰማያዊ ክርስቶስ መጠን ዘለዎ ህይወትን ዕዮን ምስ ኣምላኽ ብማዕርግ ሓደ ኢዩ ከምኡውን ምሉእ ኣምላኽ ኢዩ ማለት ኣይኰነን ወይ ከምኡ ዓይነት ሓሳባት ኣየመልክትን ኢዩ። ኣንጻር ናይዚ እኳ ድኣ: ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ንሰማያዊ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዘመልክት ሓሳብ ክልቲኦም እተፈላለዩ ከምኡውን ንሱ ትሕቲ ኣምላኽ ምዃኑን ብግልጺ ኢዩ ዘርኢ።”
ኣብቲ ንመጻኢ ግዜ ኣብ ሰማይ ዘለዎ ዘለኣለማዊ 1 ቈረንቶስ 15:24, 28
ህይወት: የሱስ እተፈልየን ትሕት ዝበለ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ምዃኑ ክቕጽል ኢዩ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ ገይሩ ይገልጾ:- “[የሱስ ኣብ ሰማይ] እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ: ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። . . . ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን: ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።”—የሱስ ፈጺሙ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዝህቦ ሓሳባት ንጹር ኢዩ። እቲ ዅሉ ዝኽእል: የሆዋ: ካብ የሱስ እተፈልየ ኣካል ጥራይ ዘይኰነስ ኵሉ ግዜ ልዕሊኡ ኢዩ። የሱስ ኵሉ ግዜ ከም እተፈልየ ኣካል: ትሑት ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኰይኑ ኢዩ ዝጥቀስ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ከምቲ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ” ዝዀነ “ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ” ኢዩ ዝብል። (1 ቈረንቶስ 11:3) ስለዚ ድማ ኢዩ የሱስ ባዕሉ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” ዝበለ።—ዮሃንስ 14:28
እቲ ሓቂ እምበኣር: የሱስ ኣምላኽ ኣይኰነን ፈጺሙ ድማ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዚ ድማ ቍጽሮም እናወሰኹ ብዝኸዱ ዘለዉ ምሁራት ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ከምቲ ናይ ራይላንድ ቡለቲን ዝገለጸቶ ኢዩ:- “እቲ ሓቂ ክግለጽ ስለ ዘለዎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምርምር ኣብዚ መወዳእታ ሰላሳ ኣርብዓ ዓመታት ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዝና ዘለዎም ናይ ብሉይ ኪዳን ምሁራት: የሱስ . . . ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ፈጺሙ ኣሚኑ ኣይፈልጥን ኣብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝበጽሑ ገይርዎም ኢዩ።”
እታ ቡለቲን ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ከምዚ ትብል:- “ስለዚ: ከም ክርስቶስ: ወዲ ሰብ: ወዲ ኣምላኽ ከምኡውን ጐይታ ዝኣመሰለ ናይ ክብሪ መዓርጋት [ንየሱስ] ክህብዎ ከለዉ: እዚ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ዘመልክት ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ዕዮ ከም ዝገበረ ዘርኢ ናይ ኣዘራርባ መገዲ ኢዩ።”
አረ ገለ ሃይማኖታውያን ምሁራትሲ እቲ የሱስ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል ሓሳባት ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ምስክርነት ዝጻረር ምዃኑ ይእመኑ ኢዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ዝለዓለ: የሱስ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ኣገልጋሊ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
‘ናይ ሓድሽ ኪዳን ምርምር ንብዙሓት ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምሁራት የሱስ ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ፈጺሙ ኣሚኑ ኣይፈልጥን ኣብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝበጽሑ ገይርዎም ኢዩ።’—ቡለቲን ኦቭ ዘ ጆን ራይላንድስ ላይብረሪ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነቶም ኣይሁድ “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” በሎም —ዮሃንስ 6:38
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ፧” ኢሉ ክጭርሕ ከሎ ገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ፈጺሙ ኣይኣመነን