ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ንስላሴ “ዝድግፉ ጥቕስታት” ዝበሃሉኸ፧

እቶም ንስላሴ “ዝድግፉ ጥቕስታት” ዝበሃሉኸ፧

እቶም ንስላሴ “ዝድግፉ ጥቕስታት” ዝበሃሉኸ፧

ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ንስላሴ ዝድግፍ መረጋገጺ ኣለዎም ይበሃል። ይኹን እምበር: ከምዚኣቶም ዝበሉ ጥቕስታት ከነንብብ ከሎና መጽሓፍ ቅዱሳውን ታሪኻውን መርትዖ ንስላሴ ከም ዘይድግፎ ክንዝክር ኣሎና።

ዝዀነ ይኹን ከም መረጋገጺ ዝቐርብ ጥቕሲ: ምስቲ ዘይለዋወጥ ናይ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ብምስምማዕ ክንርድኦ ኣሎና። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ጥቕስታት ትርጕም በቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ቍጽርታት ገይርካ ኢዩ ክበርህ ዝኽእል።

ሰለስተ ኣብ ሓደ

ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፔድያ ሰለስተ ንስላሴ “ዝድግፉ ጥቕስታት” የቕርብ: እንተዀነ ግን ከምዚ ኢሉ ድማ ይእመን:- “ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ኣብ ብሉይ ኪዳን የሎን። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ እቲ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ መርትዖ ኣብ ናይ ጳውሎስ መልእኽትታት: ብፍላይ ኣብ 2 ቈረ 13.13 [ኣብ ገለ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ቍጽሪ 14]: ከምኡውን 1 ቈረ 12.4–6 ኢዩ ዝርከብ። ኣብተን ወንጌላት ድማ እታ ሓንቲ መርትዖ ናይ ስላሴ ብግልጺ ኣብታ ኣብ ማቴ 28.⁠19 ዘላ ናይ ጥምቀት ስርዓት ጥራይ ኢያ እትርከብ።”

ኣብቲ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል: እቶም ሰለስተ ኣካላት ኣብተን ጥቕስታት ብኸምዚ ዝስዕብ ተጠቒሶም ኣለዉ። ካልኣይ ቈረንቶስ 13:⁠13 (14) ነቶም ሰለስተ ከምዚ ዝስዕብ ገይራ ብሓንሳብ ተቐምጦም:- “ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን።” ቀዳማይ ቈረንቶስ 12:​4–6 ከኣ ከምዚ ትብል:- “እምበኣርከ ውህበት በበይኑ ኢዩ: መንፈስ ግና ሓደ ንሱ ኢዩ: ብዙሕ ዓይነት ኣገባባት ኣገልግሎት ኣሎ: ኵሉ ግዜ ግን ሓደ ጐይታ ኢዩ ዘሎ። እተፈላለየ ብዙሕ ዓይነት ንጥፈታት ኣሎ: እቲ ኣብ ኵሎም ኵሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ ኢዩ።” ማቴዎስ 28:​19 ድማ ከምዚ ትንበብ:- “ስለዚ ኺዱ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”

እዘን ጥቕስታት እዚኣተንሲ ኣምላኽን ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ሰለስቲኦም ብኣካል: ብሓይሊ: ብዘለኣለምነት ማዕረ ዝዀኑ ናይ ስላሴ ኣምላኽ ከም ዘቝሙ ዘመልክታ ድየን፧ ኣይፋለንን: ኣየመልክታን ኢየን: ኣብ ክንድኡስ ልክዕ ናይ ሰለስተ ሰባት ኣስማት ከም እኒ ፍጹም: ኣርኣያ: ከምኡውን ሰመረ ዝበሃል ኢዩ ተመዝጊቡ ዘሎ እምበር ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ከም ዘለዉ ዘመልክት ጥቕሲ ኣይኰነን።

እቲ ብማክሊንቶክን ብስትሮንግ እተዳለወ ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢቢሊካል ቴኦሎጂካል ኤንድ ኤክለስያስቲካል ሊትረቸር: ከምዚ ዝዓይነቱ ኣጠቓቕሳ “ሰለስተ እተሰምዩ ነገራት ከም ዘለዉ ጥራይ ኢዩ ዝሕብር . . . እንተዀነ ግን: እዚ ንርእሱ: ሰለስቲኦም ኣብ ሓደ መለኮታዊ ባህርይ ከም ዝምደቡ ከምኡውን ማዕረ ዝዀነ መለኮታዊ ክብሪ ከም ዘለዎም ኣየረጋግጽን ኢዩ” ብምባል ይእመን።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምንጪ ሽሕ’ኳ ደጋፊ ናይ ስላሴ እንተዀነ: ብዛዕባ 2 ቈረንቶስ 13:​13 (14) ከምዚ ይብል:- “ማዕረ ስልጣን ወይ ሕደ ባህርይ ኣለዎም ኢልና ብልክዕ ክንድምድም ኣይንኽእልን ኢና።” ብዛዕባ ማቴዎስ 28:​18–20 ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ይኹን እምበር: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ክትውሰድ ከላ ናይቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ሰለስተ ነገራት መንነት: ወይ ብዛዕባ ማዕርነቶም ወይ መለኮታውነቶም ብፍሉጥ እተረጋግጽ ኣይኰነትን።”

የሱስ ክጥመቕ ከሎ እውን ኣምላኽ: የሱስ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ተጠቒሶም ኣለዉ። የሱስ “መንፈስ ኣምላኽ . . . ከም ርግቢ ወሪዱ: ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ርኣየ።” (ማቴዎስ 3:​16) ይኹን እምበር: እዛ ጥቕሲ እዚኣ: ሰለስቲኦም ሓደ ኢዮም ኣይትብልን ኢያ። ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ብዙሕ ግዜ ሰለስቲኦም ብሓንሳብ ተጠቒሶም ኣለዉ: እዚ ግን ንሰለስቲኦም ሓደ ኣይገብሮምን ኢዩ። ጴጥሮስ: ዮሃንስ: ከምኡውን ያእቆብ ድማ ሰለስቲኦም ተጠቒሶም ኣለዉ: እዚ እውን እንተዀነ: ንሰለስቲኦም ሓደ ኣይገብሮምን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: የሱስ ክጥመቕ ከሎ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ምውራዱ ክሳዕ ሽዑ የሱስ ብመንፈስ ከም ዘይተቐብአ ዘርኢ ኢዩ። ከምዚ እንተድአ ኰይኑ: ከመይ ገይሩ ደኣ ክፍሊ ናይ ስላሴን ምስ መንፈስ ቅዱስ ድማ ማዕረ ዀይኑ ዝነብር ዝነበረ ክኸውን ዝኽእል፧

ካልእ ነዞም ሰለስተ ብሓንሳብ ገይሩ ዝዛረበሎም ጥቕሲ ድማ ኣብ ገለ ናይ ቅድም ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:​7 ኢዩ። ይኹን እምበር: እዞም ቃላት እዚኣቶም ድሓር እተወሰኹ ድአምበር ብመሰረቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይነበሩ ምሁራት ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። ብዙሓት ዘመናውያን ተርጐምቲ ነዚ ናይ ሓሶት ጥቕሲ እዚ ኣውጺኦምዎ ኢዮም።

ካልኦት “ዝድግፉ ጥቕስታት” ዝበሃሉ ኣብ መንጎ ክልተ ዘሎ ዝምድና ማለት ኣብ መንጎ ኣቦን የሱስን ጥራይ ዝገልጹ ኢዮም።

“ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና”

እዛ ኣብ ዮሃንስ 10:​30 እትርከብ ጥቕሲ ሽሕ’ኳ ብዛዕባ ሳልሳይ ኣካል ዘይትጠቅስ እንተዀነት ኵሉ ግዜ ንስላሴ ትድግፍ ኢያ ተባሂላ ኢያ እትጥቀስ። ይኹን እምበር: የሱስ ምስ ኣቦኡ “ሓደ” ኢና ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ባዕሉ ኣርእዩ ኢዩ። ኣብ ዮሃንስ 17:​21, 22 ብዛዕባ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣምላኽ “ዎ ኣቦይ: ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ። . . . ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና:​—⁠ኣነ ኣባታቶም: ንስኻውን ኣባይ:​—⁠ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ” ኢሉ ጸለየ። የሱስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ንጽል ኣካል ክዀኑ ድዩ ዝጽሊ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: የሱስ ከምዚ ክብል ከሎ ከምቲ ንሱን ኣምላኽን ብሓሳብን ብዕላማን ሕብረት ዝነበሮም ንሳቶም ድማ ከምኡ ሕብረት ክህልዎም ኢዩ ዝጽሊ ነይሩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 1:​10 እውን ርአ።

ኣብ 1 ቈረንቶስ 3:6, 8 ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ . . . እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዐብሱ የብሎም [“ክልቲኦም ሓደ ኢዮም” ትሓዓ ]።” ጳውሎስ ከምዚ ክብል ከሎ ንሱን ኣጵሎስን ኣብ ሓደ ኣካል ዘለዉ ክልተ ሰባት ነይሮም ማለቱ ኣይነበረን፣ ብዕላማ ሓደ ኰይኖም ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝገለጸ። እታ ጳውሎስ ን“ሓደ” ንምምልካት እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል (ሄን) ግኡዝ ኢያ: ቃል ብቓሉ ድማ ኣብ ምትሕብባር ዘሎ ሓድነት ዘመልክት “ሓደ (ነገር)” ማለት ኢያ። ምስታ የሱስ ነቲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎም ዝምድና ንምግላጽ ኣብ ዮሃንስ 10:⁠30 እተጠቕመላ ቃል ሕደ ኢያ። ምስታ ኣብ ዮሃንስ 17:⁠21, 22 ዘላ የሱስ እተጠቕመላ ቃል እውን ሕደ ኢያ። ስለዚ ነታ “ሓደ” (ሄን) እትብል ቃል ክጥቀመላ ከሎ: ብዛዕባ ናይ ሓሳብን ዕላማን ሓድነት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ጆን ካልቪን (ኣብ ስላሴ ዝኣምን ዝነበረ ሰብ) ብዛዕባ ዮሃንስ 10:​30 ኣብታ ኮሜንቴሪ ኦን ዘ ጐስፐል ኣኮርዲንግ ቱ ጆን እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “እቶም ናይ ቀደም ሰባት: ክርስቶስ . . . ምስ ኣቦኡ ሓደ ኣካል ምዃኖም ንምርግጋጽ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብጌጋ ተጠቒሞምላ ኢዮም። ኣብዚ የሱስ ነቲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ስምምዕ ንምግላጽ ድኣ ኢዩ ተዛሪቡ እምበር ብዛዕባ ሓድነት ናይ ኣካል ኣይኰነን እተዛረበ።”

ኣብቲ ድሕሪ ዮሃንስ 10:​30 ዝርከብ ቍጽርታት ዘሎ ሓሳባት እንተ ርኢና: የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንኸረድእ ኢሉ ከም ዘይኰነ ኣትሪሩ ተዛሪቡ ኢዩ። ነቶም ብጌጋ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ ብምብጻሕ ብእምኒ ክቐትልዎ ዝደለዩ ኣይሁድ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለአኾ ግዳ: ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም: ከመይ ኢልኩም፤ ትጻረፍ አሎኻ: ትብሉኒ አሎኹም፧” (ዮሃንስ 10:​31–36) የሱስ ወዲ ኣምላኽ ድኣምበር: ፈጺሙ እቲ ኣምላኽ ዝዀነ ወዲ ኢየ ኣይበለን።

‘ርእሱ ምስ ኣምላኽ ኣምዓራርዩ ድዩ፧’

ካልእ ንስላሴ ዝድግፍ ተባሂሉ ዝቐርብ ጥቕሲ ድማ ዮሃንስ 5:​18 ኢዩ። እታ ጥቕሲ እቶም ኣይሁዳውያን (ልክዕ ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 10:​31–36 ተጠቒሱ ዘሎ) “ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትሉዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ” ትብል።

ርእሱ ምስ ኣምላኽ ኣመዓራርዩ ዝበለ ግን መን ኢዩ፧ የሱስ ኣይኰነን ከምኡ ዝበለ። ኣብታ ደድሕሪኣ ዘላ ቍጽሪ (ቍጽሪ 19) ንገዛእ ርእሱ ካብዚ ክሲ እዚ ክከላኸል ከሎ ከምዚ በለ:- “የሱስ መሊሱ በሎም፤ . . . ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን።”

ከምዚ ብምባሉ የሱስ ነቶም ኣይሁድ ንሱ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ ድማ ምንም ክገብር ከም ዘይክእል ኣርኣዮም።ማዕረ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኰይኑ ከብቅዕ: ግን “ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር” ዘይክእል ሓደ ኣካል ክትሓስብ ምኸኣልካዶ፧ (ምስ ዳንኤል 4:​34, 35 ኣረኣእዮ።) እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ: እቲ ኣብ ከባቢ ክልቲአን ጥቕስታት ማለት ዮሃንስ 5:​18 ከምኡውን 10:​30 ዘሎ ሓሳባት: ነቶም ከምዞም ሎሚ ዘለዉ ኣመንቲ ስላሴ ዝገብርዎ ዘለዉ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ጌጋ ዝዀነ መደምደምታ ብምግባር ንዘቕረብሉ ናይ ሓሶት ክሲ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ ዘርኢ!

‘ማዕረ ኣምላኽ ድዩ፧’

እቲ ናይ 1609 ካቶሊክ ዱዋይ ቨርሽን ብዛዕባ የሱስ ኣብ ፊልጲ 2:​6 ከምዚ ይብል:- “ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይርአዮን” ይብል። እቲ ናይ 1611 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን እውን ዳርጋ ሓደ ዓይነት ሓሳባት ኢዩ ዘለዎ። ብዙሓት ከምዚኣቶም ዝበሉ ጥቕስታት ጌና ገለ ሰባት ነቲ የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል ሓሳባት ንምድጋፍ ይጥቀምሎም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ካልኦት ተርጐምቲ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብኸመይ ከም ዝተርጐምዋ ርአ:-

1869:- “መልክዕ ኣምላኽ ዘለዎ ክነሱ: ነዚ ግን ምስ ኣምላኽ ማዕረ ንምዃን ኢሉ ኣይተጠቐመሉን።”​—⁠ዘ ኒው ተስታሰመንት ብጂ. ኣር. ኖየስ

1965:– “ንሱ​—⁠ብሓቂ መለኮታዊ ባህሪ ዘለዎ!​—⁠ብርእሰ-ተኣማንነት ተለዓዒሉ ንገዛእ ርእሱ ማዕረ ኣምላኽ ገይርዋ ፈጺሙ ኣይፈልጥን ኢዩ።”​—⁠ዳስ ኖየ ተስታመንት ሪቫይዝድ ኤድሽን ብፍረደሪክ ፕፋፍሊን

1968:– “ሽሕ’ኳ መልክዕ ኣምላኽ እንተለዎ ብናይ ርእሱ ስስዐ ተደሪኹ ንነፍሱ ማዕረ ኣምላኽ ገይሩ ኣይወሰዳን።”​—⁠ላ ቢቢያ ኮንኮርዳታ

1976:– “ኵሉ ግዜ ባህሪ ኣምላኽ ኣለዎ: እንተዀነ ግን: ብሓይሊ ማዕረ ኣምላኽ ክኸውን ኣሎኒ ኢሉ ክፍትን ኣይሓሰበን።”​—⁠ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን

1984:– “ሽሕ’ኳ መልክዕ ኣምላኽ ሒዙ ይነብር እንተነበረ: መንዚዐ ማዕረ ኣምላኽ ክኸውን ኢየ ንዝብል ሓሳብ ግን ግምት ኣይህበሉን ኢዩ ነይሩ።”​—⁠ኒው ዎርልድ ትራንዝለሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ

1985:– “ንሱ መልክዕ ኣምላኽ ዘለዎ ክነሱ: ምስ ኣምላኽ ማዕረ ምዃን ዝምንጠል ነገር ገይሩ ኣይሓሰቦን።”​—⁠ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል

ይኹን እምበር: ገሊኣቶም እዚ ኣዝዩ ልክዕ ዝዀነ ትርጕማት እውን ከይተረፈ (1) የሱስ ድሮ ማዕረ ኣምላኽ ኢዩ: ነዚ ግን ክጸቕጠሉ ከም ዘይደለየ ወይ (2) ድሮ ማዕሪኡ ስለ ዝዀነ ማዕረ ንምዃን ክመጣጠር ከም ዘየድለዮ: ኢዩ ዘመልክት ኢሎም ይዛረቡ።

ብዛዕባ እዚ: ራልፍ ማርቲን ኣብታ ዘ ኢፒስትል ኦቭ ፖል ቱ ዘ ፊሊፕያንስ እትበሃል ጽሕፍቲ ነታ ናይ ግሪኽ በዅሪ ቃል ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል:- “ይኹን እምበር እቲ መልእኽቲ ናይታ ግሲ ካብቲ ‘ምሓዝ:’ ‘ብሓይሊ ምምንዛዕ:’ ‘ኣጥቢቕካ ምሓዝ’ ዝብል ናይ ሓቂ ትርጕማ እተፈልየ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣጠራጣሪ ኢዩ።” እቲ ዘ ኤክስፖዚቲሪ ግሪክ ተስታመንት እውን ከምዚ ይብል:- “እታ ἁρπάζω [ሃር. ዞ] እትብል ቃል ትኹን ናታ ዘርኢ: ‘ከም ዋንነት ምሓዝ’ ‘ምዕቃብ’ ዝብል ትርጕም ሒዛ እትርከበሉ ዝዀነ ሓሳባት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ብልክዕ ‘ምሓዝ’ ‘ብሓይሊ ምምንዛዕ’ ዝብል ትርጕም ዘለዋ ኢያ እትመስል። ስለዚ ካብቲ ‘ምሓዝ’: ዝብል ሓቀኛ ትርጕማ ናብ ሓደ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ‘ኣጽኒዕካ ምሓዝ’ ዝብል ትርጕም ምቕያር ዝከኣል ኣይኰነን።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ነገራት: እቶም ከም በዓል ድዋይ ከምኡውን ኪንግ ጀምስ ዝኣመሰሉ ተርጐምቲ: ነቲ ናይ ኣመንቲ ስላሴ ዕላማ ንምድጋፍ ክብሉ ነቲ ሕጊ ከም ዝጠወይዎ ግልጺ ኢዩ። እቲ ብቛንቋ ግሪኽ እተጻሕፈ ኣብ ፊልጲ 2:​6 ዘሎ ሓሳባት ብልክዕ ክንበብ ከሎ የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ምዃን ግቡእ ኢዩ ኢሉ ዘይኰነስ ብኣንጻሩ ማዕረ ኣምላኽ ምዃን ግቡእ ኣይኰነን ኢሉ ይሓስብ ከም ዝነበረ ኢዩ ብግልጺ ዝነግረና።

እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ቍጽርታት (ፊልጲ 2:ቁጽሪ 3-5, 7, 8 ድዋይ) ምስ እነንብቦ ፊልጲ 2:ንቍጽሪ 6 ብኸመይ ክንርድኣ ከም ዘሎና ብሩህ ይገብሮ ኢዩ። ሰብ ፊልጲ ‘ብትሕትና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ’ ብምባል ኢዮም ተማዒዶም። ሽዑ ጳውሎስ ብትሕትና ዝመጸ የሱስ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ከም ዝዀነ ጠቐሶ:- “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።” ኣየናይ “ሓሳብ” ኢዩ፧ ‘ማዕረ ኣምላኽ ምዃን ከም ምምንዛዕ ጌርካ ዘይምርኣይ ማለት ድዩ’፧ ኣይፋሉን: እዝስ ኣንጻር ናይቲ እተዋህበ ሓሳባት ኢዩ! ኣብ ክንድኡስ የሱስ ‘እቲ ንኣምላኽ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ዝረኣዮ’ ፈጺሙ ‘ማዕረ ኣምላኽ ንምዃን ከም ዘይመጣጠር:’ ኣብ ክንድኡስ “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት እኳ ድኣ . . . ተኣዘዘ።”

ብርግጽ: እዚ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ክብሎ ደልዩ ዘሎ ብልክዕ ዘንጸባርቕ: የሱስ ክርስቶስ: ነቲ ልዕሊኡን ፈጣሪኡን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብትሕትና ዘርኣዮ ምእዛዝ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ።

“ኣነ ኢየ”

ብዙሓት ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣብነት ዘ ጀሩሳሌም ባይብል: የሱስ ኣብ ዮሃንስ 8:​58 “ቅድሚ ኣብርሃም ኣነ ኢየ” ከም ዝበለ ተዛሪቦም ኣለዉ። ከምቲ ኣመንቲ ስላሴ ዘረጋግጽዎ የሱስ “ኣነ ኢየ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ከም ዝነበረ ድዩ ዝምህር ነይሩ፧ ኣብቲ ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ትርጕም ኣብ ዘጸኣት 3: 14 “ኣምላኽ ንሙሴ እቲ ኣነ ኢየ ኣነ ኢየ” ስለ ዝበሎ የሱስ: ከምቲ ዝብልዎ: እቲ ኣብ ናይ እብራውያን ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ የሆዋ ኢዩ ማለት ድዩ፧

ኣብ ዘጸኣት 3: 14 (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ዘላ “ኣነ ኢየ” እትብል ሓረግ ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዘሎን ነቲ እተመባጽዖ ድማ ከም ዝፍጽምን እተመልክት መዓርግ ኢያ። እቲ ብዶክተር ጀይ. ኤች. ሄርጽ እተጻሕፈ ዘ ፔንታቱክ ኤንድ ሃፍቶራህ እተባህለ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ሓረግ እዚኣ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ነቶም ኣብ ትሕቲ ባርነት ዝነበሩ እስራኤላውያን ትርጕም ናይታ ሓረግ ‘ዋላ እኳ ጌና ሓይሉ እንተ ዘየርኣየኩም: ሓይሉ ከርእየኩም ኢዩ፣ ንሱ ዘለኣለማዊ ኢዩ ብርግጽ ድማ ክብጀወኩም ኢዩ’ ማለት ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ዘመናውያን ተርጐምቲ: [ንዘጸኣት 3: 14] ክትርጕሙ ከለዉ ነቲ ራሺ [ብዛዕባ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ መጽሓፍ ቅዱስን ታልሙድን ርእይቶ ዝህብ ምሁር] ‘ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን ኢየ ’ ኢሉ ዝተርጐሞ ኢዮም ዝስዕቡ።”

እቲ ኣብ ዮሃንስ 8:​58 ዘሎ መግለጺ ካብቲ ኣብ ዘጸኣት 3:​14 ዘሎ እተፈልየ ኢዩ። የሱስ ክዛረብ ከሎ ከም ስም ወይ መዓርግ ኣይኰነን ተጠቒሙላ: ኣብ ክንድኡስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ይነብር ከም ዝነበረ ንምግላጽ ኢዩ ተጠቒሙላ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ካልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕታማት ንዮሃንስ 8:​58 ብኸመይ ከም ዝተርጐምዋ ኣስተብህል:⁠-

1869:– “ቅድሚ ኣብርሃም ምንባሩ ኣነ እነብር ነይረ ኢየ።” ዘ ኒው ተስታመንት ብጂ. ኣር. ኖየስ

1935:– “ቅድሚ ኣብርሃም ምውላዱ ኣነ እነብር ነይረ ኢየ!” ዘ ባይብል​—⁠ኣን አመሪካን ትራንስሌሽን: ብጄ. ኤም. ፒ. ስሚዝን ከምኡውን ኢ. ጄ. ጉድስፒድ

1965:– “ቅድሚ ኣብርሃም ምውላዱ ኣነ ድሮ ኣነ ኢየ ነይረ።” ዳስ ኖየ ቴስታመንት ብዮርግ ዚንክ

1981:- “ኣብርሃም ከይተወልደ ከሎ ኣነ ብህይወት ነይረ ኢየ!” ዘ ሲምፕል ኢንግሊሽ ባይብል

1984:– “ኣብርሃም ኣብ ህላወ ቅድሚ ምምጽኡ ኣነ ነይረ ኢየ።” ኒው ዎርልድ ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ

ስለዚ: እቲ ናይ ሓቂ ትርጕም ናይታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል እቲ ናይ ኣምላኽ “በዅሪ” ፍጡር: የሱስ: ኣብርሃም ቅድሚ ምውላዱ ኣቐዲሙ ይነብር ከም ዝነበረ እተርኢ ኢያ።​—⁠ቈሎሴ 1:​15፣ ምሳሌ 8:​22, 23, 30፣ ራእይ 3:​14

ሕጅውን እቲ ሓሳባት: እቲ ልክዕ ምርዳእ እዚ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣይሁዳውያን ከምቲ ንሳቶም ዝበልዎ ወዲ 50 ዓመት ዘይመልአስ ‘ንኣብርሃም ርእየዮ ኢየ’ ብምባሉ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ደልዮም ነበሩ። (ዮሃ 8ቁጽሪ 57) በዚ ድማ የሱስ እቲ ናይ ሓቂ ዕድሜኡ ክገልጸሎም ግዲ ዀኖ። ስለዚ “ኣብርሃም ከይተወልደ ከሎ ኣነ ብህይወት ነይረ ኢየ!” ብምባል ነገሮም።​—⁠ዘ ሲምፕል ኢንግሊሽ ባይብል

“እቲ ቃል ኣምላኽ ነበረ”

ዮሃንስ 1:⁠1 ኣብ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ከምዚ ትንበብ:- “ቃል ብመጀመርታ ነበረ: እቲ ቃል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ: እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ ነበረ።” ኣመንቲ ስላሴ “እቲ ቃል” (ብግሪኽ ሆ ሎ’ጎስ): ከም የሱስ ኰይኑ ኣብ ምድሪ መጺኡ ዝነበረ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢዩ ይብሉ።

ይኹን እምበር: ሕጂውን እቲ ኣብ ከባቢ ናይቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ልክዕ ዝዀነ ምርዳእ ንምርካብ ይሕግዘና ኢዩ። ኪንግ ጀምስ ቨርሽን እውን ከይተረፈ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቃል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሓደ “ምስ” ካልእ ኣካል ዘሎ ሰብ ንሱ እቲ ኣካል ባዕሉ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ምስ እዚ ብምስምማዕ: እቲ ብጀስዊት ጆሴፍ ኤ. ፊጽማየር እተዳለወ ጆርናል ኦቭ ቢብሊካል ሊተረቸር: ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ ዮሃንስ 1:⁠1 ዘሎ “እቲ:” ኣምላኽ ማለት ከም ዝዀነ እንተድኣ ተወሲዱ: ምስቲ ቃል ምስ ኣምላኽ ነበረ ዝብል “ኣቐዲሙ ዘሎ ምሉእ ሓረግ ኣንጻር ኢዩ ዝኸውን።”

ካልኦት ትርጕማት እውን ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብኸመይ ከም ዝተርጐምዋ ኣስተብህል:-

1808:– “እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ (a god) ነበረ።” ዘ ኒውስታመንት ኢን ኣን ኢምፕሩቭድ ቨርሽን ኣፖን ዘ ቤስስ ኦቭ ኣርክቢሾፕ ኒውካምስ ኒው ትራንስሌሽን:- ዊዝ ኤ ኮሬክትድ ቴክስት

1864:– “ኣምላኽ (a god) ድማ እቲ ቃል ነበረ።” ዘ ኢምፋቲክ ዳይግሎት: ኢንተርሊንያር ሪዲንግ ብቤንጃሚን ዊልሰን

1928:– “እቲ ቃል ድማ ሓደ መለኮታዊ ኣካል ነበረ።” ላ ቢብለ ዱ ሴንቴኔር: ሌቫንዥል ሴሎን ዦን: ብሞሪስ ጎጌል

1935:– “እቲ ቃል ድማ መለኮታዊ ነበረ።” ዘ ባይብል​—⁠ኣን ኣመሪካን ትራንስሌሽን: ብጀይ. ኤም. ፒ. ስሚዝ ከምኡውን ኢ. ጀይ. ጉድስፒድ

1946:- “እቲ ቃል ድማ ሓደ መለኮታዊ ዓይነት ነበረ።” ዳስ ኖየ ቴስታመንት ብሉድቪግ ቲመ

1950:- “እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ (a god) ነበረ።” ኒው ዎርልድ ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ክርስችያን ግሪክ ስክሪፕቸርስ

1958:- “እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ (a God) ነበረ።” ዘ ኒው ተስታመንት ብጀምስ ኤል. ቶማኔክ

1975:– “እቲ ቃል ኣምላኽ (a god) (ወይ መለኮታዊ ዓይነት) ነበረ።” ዳስ ኤቫንጌሊዩም ናኽ ዮሃንስ ብዚግፍሪድ ሹልጽ

1978:– “እቲ ሎጎስ ኣምላኽ መሰል ዓይነት ነበረ።” ዳስ ኤቫንጌሊዩም ናኽ ዮሃነስ: ብዮሃነስ ሽናይደር

ኣብ ዮሃንስ 1:​1 እዛ ቴ.ኦስ’ (ኣምላኽ) እትብል ናይ ግሪኽ ስም ክልተ ግዜ ተጠቒሳ ኣላ። እታ ቀዳመይቲ ነቲ ቃል ምስኡ ዝነበረ (“ከምኡውን እቲ ቃል [ጎስ] ምስ ኣምላኽ [ከም ቴ.ኦስ’ ዓይነት] ዝነበረ”) ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እተመልክት ኢያ። እዛ ቀዳመይቲ ቴኦ.ስ ንሓደ እተፈልየ መንነት ዘመልክት: ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ (“እቲ ቃል ድማ ምስ [እቲ] ኣምላኽ [with the God] ነበረ”) እተመልክት: ቶን (እቲ) ዝብል ናይ ቋንቋ ግሪኽ ውሱን ኣመልካቲ ስም ብቕድሚኣ ኣለዋ።

በቲ ሓደ ወገን ከኣ: ነታ ኣብ ዮሃንስ 1:​1 ዘላ ካልኣይቲ ቴ.ኦስ’ ብቕድሚኣ ኣመልካቲ ስም የብላን። ስለዚ ቃል ብቓሉ ክትርጐም ከሎ “እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ (god) ነበረ” ኢዩ ዝንበብ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ትርጕማት ነዛ ካልኣይቲ ቴ.ኦስ’ (ናይ ስም ተሳሓቢ) ከም “መለኮታዊ” “ኣምላኽ መሰል” ወይ “ኣምላኽ (a god)” ኢሎም ተርጒሞምዋ ከም ዘለዉ ርኢናዮ ኢና። በየናይ ስልጣን ኢዮም ነዚ ዝገብርዎ፧

እቲ ኮይን ዝበሃል ቋንቋ ግሪኽ ውሱን ኣመልካቲ ስም “ዘ” (the) ኣለዎ: ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም ዘመልክት “ኤ” ወይ “ኣን” (a, an) ግን የብሉን። ስለዚ ሓደ ናይ ስም ተሰሓቢ ቅድሚኡ ውሱን ኣመልካቲ ስም እንተድኣ ዘይብሉ: ከከምቲ ትሕዝቶኡ ዘይውሱን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እቲ ጆርናል ኦቭ ቢብሊካል ሊትረቸር “ሓደ ኣናርትሮስ ፕረዲከይት [ኣመልካቲ ስም ዘይብሉ ናይ ስም ተሰሓቢ] ቀቅድሚ ግሲ ምስ ዝቕመጥ: ብመጀመርያ ናይ ኩነታት ደረጃ ገላጺ ኢዩ” ይብል። ከምቲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጆርናል ዝገልጾ: እዚ ነቲ ሎ’ጎስ ምስ ኣምላኽ (a god) ከተመሳስሎ ከም ዝከኣል ዘመልክት ኢዩ። ብዛዕባ ዮሃንስ 1:⁠1 እውን ከምዚ ይብል:- “እቲ ናይ ስም ተሰሓቢ ኣዝዩ ናይ ምግላጽ ሓይሊ ዘለዎ ብምዃኑ: እቲ ስም [ቴ.ኦስ’] ከም ውሱን ገይርካ ክውሰድ ኣይከኣልን ኢዩ።”

ስለዚ ዮሃንስ 1:1 ዓይነት ናይታ ቃል ማለት “መለኮታዊ” “ኣምላኽ መሰል” “ኣምላኽ (a god)” ማለት ከም ዝዀነ እተጕልሕ ድኣምበር: እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ኣይኰነትን እተርኢ። እዚ ድማ ምስቲ የሱስ: ኣብዚ ከም ኣፈኛ ናይ ኣምላኽ ኰይኑ ክሰርሕ ከሎ “እቲ ቃል” ተባሂሉ ዘሎ: በቲ ልዕሊኡ ዘሎ: ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ናብ ምድሪ እተላእከ ደጋፊ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ዝተረፈ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰማማዕ ኢዩ።

ዳርጋ ኵሎም ተርጕምቲ ናይ ካልእ ቋንቋታት ብተደጋጋሚ ነቲ ምስ ዮሃንስ 1:⁠1 ዝመሳሰል ኣሰራርዓ ዘለዎ ናይ ግሪኽ ምሉእ ሓሳባት ክትርጕሙ ከለዉ ነዛ “ኤ” [a] እትብል ናይ እንግሊዘኛ ኣመልካቲት ስም: የእትዮምዋ ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ኣብ ማርቆስ 6:​49 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ባሕረ ባሕሪ ክኸይድ ምስ ረኣይዎ “መንፈስ [a spirit] መሰሎም” ይብል። ኣብቲ ኮይን ዝበሃል ናይ ግሪኽ ቋንቋ: ቅድሚ እታ መንፈስ “ኤ” [a] ዝብል የሎን። እንተዀነ ግን: ዳርጋ ኣብ ኵሉ ናይ ካልኦት ቋንቋታት ትርጕማት ነቲ ሓሳባት ምስቲ ትሕዝቶኡ ንምስምማዕ “ኤ” [a] ተወሲኹዎ ኣሎ። ብተመሳሳሊ መገዲውን: ዮሃንስ 1:​1 እቲ ቃል ምስ ኣምላኽ ነበረ ስለ እትብል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ [GOD] ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ኣብ ክንድኡስ “[a god]” ወይ “መለኮታዊ” ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ክዳሎ ከሎ ዝዓየየ: ብዛዕባ ሃይማኖት ዘጽንዕን ምሁርን ጆሴፍ ሄንሪ ታየር ብሓጺሩ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ቃል መለኮታዊ ደኣምበር: ባዕሉ እቲ ቐንዲ መለኮት ኣይነበረን።” ጃስዊት ጆን ኤል. ሜክኬንዚ ድማ ኣብታ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዮሃ 1:​1 ብጥብቂ . . . ‘እቲ ቃል ሓደ መለኮት ነበረ’ ተባሂላ ክትትርጐም ኣለዋ።”

ሕጊ ምጥሓስ ድዩ፧

ገለ ሰባት ግን ከምዚ ዝበለ ትርጕማት ነቲ ብ1933 በቲ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ምሁር ኤ. ሲ. ኮልውል እተጻሕፈ ኮይን ዝበሃል ቋንቋ ግሪኽ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ስዋስው ሕጊ ዝጥሕስ ኢዩ ይብሉ። ንሱ ኣብ ቋንቋ ግሪኽ ሓደ ናይ ስም ተስሓቢ “ንግሲ ስዒቡ ክመጽእ ከሎ [ውሱን] ኣመልካቲ ስም ኣለዎ፣ ቅድሚ እቲ ግሲ ክመጽእ ከሎ ግን [ውሱን] ኣመልካቲ ስም የብሉን” በለ። ከምዚ ክብል ከሎ ሓደ ናይ ስም ተስሓቢ ቅድሚ ግሲ ክመጽእ ከሎ እቲ ናይ እንግሊዝኛ ውሱን ኣመልካቲ ስም “ዘ” (the) ብቕድሚኡ ከም ዘለዎ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ ማለቱ ኢዩ። ኣብ ዮሃንስ 1:​1 ኣብታ ካልኣይቲ ስም (ቴ.ኦስ’ ) እቲ ናይ ስም ተሰሓቢ ቅድሚ እቲ ግሲ ኢዩ ዘሎ​—⁠“እቲ ቃል ድማ [ቴ.ኦስ’] ኢዩ ነይሩ።” ስለዚ ኮልውል ዮሃንስ 1:⁠1 “[እቲ] ኣምላኽ (the God) ድማ እቲ ቃል ነበረ” ተባሂሉ ክንበብ ኣለዎ ኢሉ ይዛረብ።

ይኹን እምበር: ኣብ ዮሃንስ 8:​44 ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘለዋ ክልተ ኣብነታት ተመልከት። ኣብኡ የሱስ ብዛዕባ ድያብሎስ “ቀታል ነፍሲ ነበረ” (That one was a manslayer) ከምኡውን “ንሱ ሓሳዊ እዩ” (he is a lair) ይብል። ልክዕ ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 1:​1 ዘሎ: ኣብ ቋንቋ ግሪኽ እተን ናይ ስም ተሰሓብቲ (“ቀታሊ” ከምኡውን “ሓሳዊ”) ነተን ግስታት (“ነበረ” ከምኡውን “እዩ”) ይቕድምአን ኢየን። ኣብ ናይ ኮይን ቋንቋ ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም ስለ ዘየለ ኣብ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ስም ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም የለን። እንተዀነ ግን: ናይ ግሪኽ ሰዋስው እቲ ትሕዝቶን ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም ከተእቱ ስለ ዝግደድ ብዙሓት ትርጕማት ነታ “ኤ” (a) እትብል ቃል የእትየን ኣለዋ።​—⁠ኣብ ማርቆስ 11:​32፣ ዮሃንስ 4:​19፣ 6:​70፣ 9:​17፣ 10:​1፣ 12:​6 እውን ርአ።

ኮልውል “እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ሓሳባት ክደልዮ ከሎ እቲ ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም “ኤ” ወይ ከአ “ኣን” (a, an) ይኣቱ ኢዩ” ስለ ዝበለ ነቲ ንናይ ስም ተሰሓቢ ዝምልከት ሓሳባት ኣፍልጦ ክህበሉ ኣለዎ። እቲ ሓሳባት ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም ዘድልዮ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ሓሳባት ተርጐምቲ ቅድሚ እቲ ስም ዘይተወሰነ ኣመልካቲ ስም ክውስኽሉ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ እውን ተኣሚኑ ኢዩ።

እቲ ኣብ ዮሃንስ 1:​1 ዘሎ ሓሳባት ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም የድልዮ ድዩ፧ እወ የድልዮ ኢዩ: ምኽንያቱ ናይ ብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ የሱስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ዘርኢ ኢዩ። ስለዚ እቲ ተርጓሚ: ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት በቲ ናይ ኮልውል ኣጠራጣሪ ናይ ሰዋስው ሕጊ ዘይኰነስ በቲ ትሕዝቶ ክምራሕ ኣለዎ። ኣብ ብዙሓት ትርጕማት ናይ ዮሃንስ 1:⁠1 ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት እዚ ዘይውሱን ኣመልካቲ ስም “ኤ” (a) ምእታዉ: ብዙሓት ምሁራትን መጽሓፍ ቅዱስን ምስዚ ከምዚ ዝበለ ዘይተረጋገጸ ሕጊ ከም ዘይሰማምዑ ዘርኢ ኢዩ።

ኣይጋጮን ኢዩ

የሱስ ክርስቶስ “ኣምላኽ (a god)” ኢዩ ምባልሲ: ምስቲ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዘሎ ዝብል ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ድዩ፧ ኣይጋጮን ኢዩ: ምኽንያቱ ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ስያመ ንሓያላት ፍጡራት ንምጽዋዕ ይጥቀመላ ኢዩ። መዝሙር 8:​5 ከምዚ ትንበብ:- “ካብቶም ኣምላኽ መሰል [ብእብራይስጢ ’ኤሎ.ሂም’]” መላእኽቲ “ቍሩብ ኣንኣስካዮ [ሰብ ገበርካዮ]።” (ትሓዓ) የሱስ ነቲ እቶም ኣይሁድ ኣምላኽ ኢየ ኢልካ ኢሎም ዘቕረብሉ ክሲ መልሲ ክህብ ከሎ ‘ሕጎም ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም’ ሰብኣውያን ፈራዶ: ንምግላጽ ነታ “ኣማልኽቲ” እትብል ቃል ከም ዝጥቀም ገለጸ። (ዮሃንስ 10:​34, 35፣ መዝሙር 82:​1–6) ሰይጣን እውን ከይተረፈ ኣብ 2 ቈረንቶስ 4:​4 “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።

የሱስ ካብ ናይ መላእኽቲ: ካብ ናይ ዘይፍጹማት ሰባት: ወይ ካብ ናይ ሰይጣን ዝልዕል ቦታ ኣለዎ። እዞም ሓያላት ኣካላት እዚኣቶም ከም “ኣማልኽቲ” ካብ ተጠቕሱ ብርግጽ የሱስ ከምኡ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ: “ኣምላኽ (a god)” ድማ ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ዝመጸ ፍሉይ ስልጣኑ: የሱስ “ብርቱዕ ኣምላኽ” ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 1:​1፣ ኢሳይያስ 9:​6

እንተዀነ ግን: እታ ንየሱስ እተመልክት “ብርቱዕ ኣምላኽ” እትብል ስያመ ብዓበይቲ ፊደላት [Mighty God] ክትጽሓፍ ከላ ብገለ መገዲ ማዕረ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይተመልክትንዶ ኢያ፧ ፈጺማ ኣይተመልክትን ኢያ። ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚኣ እተነበየ ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ የሱስ ዝጽዋዓለን ኣስማት ክትከውን ብምባል ጥራይ ኢዩ: እዚ ከምዚ ዝበለ ኣስማት ድማ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ብዓበይቲ ፊደል ክጽሓፍ ኣለዎ። ዋላ’ኳ የሱስ “ብርቱዕ” [Mighty] ተባሂሉ እንተተጸውዐ: ጌና ግን “ኵሉ ዝኽእል” [Almighty] ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ሓደ ጥራይ ኢዩ። ኣማልኽቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ካብ ናቱ ዝትሕት ቦታ ዘለዎም ኣካላት እንተዘይህልዉ ነይሮም ግን ንየሆዋ “ኵሉ ዝኽእል” [Almighty] ኢልካ ምጽዋዑ ክሳዕ ክንድቲ ዘገድስ ኣይምዀነን ነይሩ።

እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሕተም ቡለቲን ኦቭ ዘ ጆን ራይላንድስ ላይብረሪ ብመሰረት ኣበሃህላ ናይቲ ካቶሊካዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር ካርል ራነር: ቴ.ኦስ’ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ኣብ ዮሃንስ 1:​1 ንክርስቶስ ኢዩ ዘመልክት: “ኣብ ዋላ ሓንቲ ካብዚኣተን ግን ‘ቴኦስ’ እትብል ቃል ንየሱስ ምስቲ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ ሓድሽ ኪዳን ‘ሆ ቴኦስ’ ማለት ልዑል ኣምላኽ: ከተመሳስል ኢላ ኣይተጠቕሰትን” ብምባል ይገልጽ። እቲ ቡለቲን ወሲኹ “እቶም ጸሓፍቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን: እሙናት ሰባት ንየሱስ ከም ‘ኣምላኽ’ ኣፍልጦ ክህቡሉ ኣለዎም ኢሎም ዝኣምኑ እንተድኣ ዀይኖም: ንምንታይ ደኣ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ብግልጺ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘየሎ፧” ይብል።

ብዛዕባቲ ሃዋርያ ቶማስ ኣብ ዮሃንስ 20:​28 ንየሱስ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ዝበሎኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃል፧ ንቶማስ: ብፍላይ ሽዑ በቲ ዝርኣዮ ትኣምራት ተተንኪፉ ከምዚ ክብል ከሎ: የሱስ ንዕኡ ብሓቂ “ኣምላኽ (a god)” ኢዩ ነይሩ። ገለ ምሁራት ብዛዕባዚ ሓሳብ ክህቡ ከለዉ: ቶማስ በቲ ግዜ እቲ ስምዒት ዘለዎ ናይ ምግራም መግለጺ ክህብ ከሎ ንየሱስ ኢዩ እተዛረቦ: እንተዀነ ግን ናብ ኣምላኽ [God] ኢዩ ዘቕርቦ ነይሩ ኢሎም ሓሳብ ይህቡ። እዚ ይኹን እቲ: ቶማስ: የሱስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮን: ምኽንያቱ ንሱን ካልኦት ኵሎም ደቀ መዛሙርትን: የሱስ የሆዋ በይኑ ‘እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ’ ክምህር ድኣምበር: ፈጺሙ ኣነ ማዕረ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ክዛረብ ሰሚዖምዎ ኣይፈልጡን ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 17:​3

ሕጂ እውን: ነዚ ንኽንርድኦ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ኢዩ ዝሕግዘና። ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ እቲ ዝተንስአ የሱስ ንማርያም መግደላዊት ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ” ኢላ ክትነግሮም ነገራ። (ዮሃንስ 20:​17) የሱስ ዋላ እኳ ከም ሓያል መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ድሮ ተንሲኡ እንተ ነበረ: ጌና ግን የሆዋ ኣምላኹ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ: ኣብ ክብሩ ምስ ተቐመጠ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ኣምላኸይ ኢሉ ምጽዋዕ ቀጺልዎ ኢዩ።​—⁠ራእይ 1:⁠5, 6፣ 3:​2, 12

ድሕሪ እታ ቶማስ ናይ ምግራም ቃላት እተዛረበላ ጥቕሲ: ሰለስተ ቍጽርታት ሰጊርና ማለት ኣብ ዮሃንስ 20:​31: መጽሓፍ ቅዱስ ወሲኹ ነቲ ኵነታት ኸምዚ ዝስዕብ ገይሩ ዝያዳ የብርሆ:- “የሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ: . . . እዩ እዚ እተጻሕፈ” ድኣምበር ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይኰነን ዝገልጽ። ቃል ብቓሉ “ወዲ” ማለት: ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ባህርያዊ ኣቦን ወድን ዘሎ ነገር ኢዩ: ከም ሓደ ምስጢራዊ ክፍሊ ናይቲ ቀንዲ ኣምላኽ ስላሴ ማለት ኣይኰነን።

ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ክሰማማዕ ኣለዎ

ብዙሓት ካልኦት ንስላሴ ዝድግፉ ጥቕስታት ኣለዉ ይበሃል። እንተዀነ ግን: እዚኣቶም ከምቶም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ጥቕስታት ብጥንቃቐ ምስ ዝምርመሩ ብሓቂ ንስላሴ ዝድግፉ ኣይኰኑን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጥቕስታት: ንዝዀነ ይኹን ንስላሴ ይድግፍ ዝበሃል ጥቕሲ ክንርኢ ከሎና: እቲ ትርጕም ናይቲ ጥቕሲ ምስቲ ዘይለዋወጥ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠የሆዋ ኣምላኽ ንበይኑ ዝለዓለ ምዃኑ ዝገልጽ ትምህርቲ​—⁠ዝሰማማዕ ድዩ፧ ኢልና ንኽንሓትት ኣብነት ኢዮም ዝዀኑና። እንተድኣ ዘይሰማማዕ ኰይኑ: እቲ ትርጕም ጌጋ ኢዩ ማለት ኢዩ፧

ድሓር ከኣ ኣምላኽ: የሱስ: መንፈስ ቅዱስ ኣብ ገለ ምስጢራዊ ኣምላኽ ሓደ ኢዮም ዝብል ዋላ ሓደ “ዝድግፍ ጥቕሲ” እውን ይኹን ከም ዘየለ ክንዝክር ከድልየና ኢዩ። ሰለስቲኦም ብኣካል: ብሓይሊ: ከምኡውን ብዘለኣለምነት ሓደ ኢዮም ዝብል ዋላ ሓደ ጥቕሲ እውን ይኹን የሎን። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ: የሆዋ: ከም ንበይኑ ዝለዓለ: የሱስ ድማ ከም እተፈጥረ ወዱ: መንፈስ ቅዱስ ድማ ከም መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ገይሩ ክገልጽ ከሎ ኣይለዋወጥን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቶም ጥንታውያን ሰባት [ንዮሃንስ 10:⁠30] ክርስቶስ . . . ምስ ኣቦ ሓደ ኣካል ከም ዝዀነ ንምርግጋጽ ብጌጋ ተጠቒሞምላ ኢዮም።”​—⁠ኮሜንቴሪ ኦን ዘ ጎስፐል ኣኮርዲንግ ቱ ጆን: ብጆን ካልቪን

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓደ “ምስ” ካልእ ኣካል ዘሎ ሰብ ንሱ እቲ ኣካል ባዕሉ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ቃል መለኮታዊ ድኣምበር: ባዕሉ እቲ ቐንዲ መለኮት ኣይነበረን” ​—⁠ጆሴፍ ሄንሪ ታየር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእልታት]

የሱስ ልክዕ ከምቲ ንሱን ኣቦኡን “ሓደ” ዝዀኑ: ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኵሎም ሓደ” ክዀኑ ናብ ኣምላኽ ጸለየ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንኣይሁድ ‘ኣቦኡ ክገብሮ ዝረኣዮ እምበር ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ክገብር ከም ዘይክኣሎ’ ብምንጋር ማዕረ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ኣርኣዮም

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእልታት]

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት: ንመላእኽቲ: ንሰይጣን እውን ከይተረፈ “ኣማልኽቲ” ወይ ሓያላት ኢሉ ካብ ጸወዖም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝለዓለ የሱስ ብልክዕ “ኣምላኽ (a god)” ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ