ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖትካ ብሓቂ ወሳኒ ኢዩ

ሃይማኖትካ ብሓቂ ወሳኒ ኢዩ

ምዕራፍ 3

ሃይማኖትካ ብሓቂ ወሳኒ ኢዩ

1. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ፧

 ‘ሃይማኖት ዘበለ ኵሉ ጽቡቕ ኢዩ’ ዝብሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ‘ናብ ሓደ ቦታ ዘብጽሓ እተፋላለያ መገድታት ኢየን’ ይብሉ። እዚ ሓቂ እንተደኣ ዀይኑስ: ኵለን ሃይማኖት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡላት ኢየን ማለት ስለ ዝዀነ ሃይማኖትካ ክሳዕ ክንድዚ ወሳንነት ኣይምሃለዎን። እሞኸ ኵለን ሃይማኖታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡላት ድየን፧

2. (ሀ) ፈሪሳውያን ንየሱስ ብኸመይ ተቐበልዎ፧ (ለ) ፈሪሳውያን ኣቦና ኢዩ ዝብልዎ ዝነበሩ ንመን ኢዮም፧

2 የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ መጺኡ ኸሎ ፈሪሳውያን ዝባሃሉ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ነበሩ። ንሳቶም ሓደ ናይ ኣምልኾ ኣገባብ ኣቝሞም ስለ ዝነበሩ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎም ይመስሎም ነበረ። ምስናይ’ዚ ግን እዞም ፈሪሳውያን እዚኦም ንየሱስ ክቐትልዎ ይሓስቡ ነበሩ! ስለዚ ድማ ኢዩ የሱስ “ንስኻትኩ⁠ምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣሎኹም” ዝበሎም። ንሳቶም ከኣ “ሓደ ኣቦ ኣሎና: ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ” ኢሎም መለስሉ።​—⁠ዮሃንስ 8:​41

3. የሱስ ብዛዕባ ኣቦ ፈሪሳውያን እንታይ በለ፧

3 ኣምላኽሲ ብሓቂዶ ኣቦኦም ኢዩ ነይሩ፧ ኣም​ላኽ ነቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ሃይማኖትዶ ተቐቢልዎ ኢዩ፧ ያእ ኣይፋ⁠ሉን! ምንም እኳ ፈሪሳውያን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኢዶም እንተ ነበረ: ብእኡ ተመሪሖም ዝመላለሱውን ይመስሎም እንተነበረስ: ብድያብሎስ ስሒቶም ኢዮም ነይሮም። ስለዚውን የሱስ ከምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብ⁠ሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ . . . ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። . . . ሓሳዊ እዩ እሞ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።”​—⁠ዮሃንስ 8:​44

4. የሱስ ንሃይማኖት ፈሪሳውያን ብኸመይ ረኣዮ፧

4 እቲ ፈሪሳውያን ሒዞምዎ ዝነበሩ ሃይማኖት እምበኣር ብርግጽ ናይ ሓሶት ኢዩ ነይሩ። ንኣምላኽ ዘይኰነስ: ንረብሓ ድያብሎስ ኢዩ ዘገልግል ነይሩ። የሱስ ነቲ ሃይማኖቶም ኣብ ክንዲ ብጽቡቕ ዝምልከቶ ኰነኖ። ነቶም ፈሪሳውያን መራሕቲ ሃይማኖትውን ከምዚ በሎም:- “መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ: ንርእስኹም ኣይትኣትውዋን: ነቶም ኪአትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪአትዉ ኣይትሓድግዎምን ኢኹም።” (ማቴዎስ 23:​13) ኣምልኾኦም ናይ ሓሶት ስለ ዝነበረ ድማ: የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ግቡዛትን መርዛማት ኣትማንን በሎም። ብምኽንያት እቲ እኩይ መገዶም ድማ ኣብ መገዲ ጥፍኣት ከም ዝነበሩ ተዛረበ።​—⁠ማቴዎስ 23:​25-33

5. ከመይ ገይሩ ኢዩ የሱስ እዘን ብዙሓት ሃይማኖታትሲ ናብ ሓደ ቦታ ዘብጽሓ እተፈላለያ መገድታት ከም ዘይኰና ዘርኣየ፧

5 ስለዚ የሱስ ክርስቶስ ኵለን ሃይማኖታትሲ ብእተፈላለየ መገዲ ገይረን ናብ ሓደ ናይ ድሕነት ቦታ ዘብጸሓ ኢየን ኢሉ ፈጺሙ ኣይማሃረን። የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ ከምዚ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም።” (ማቴዎስ 7:​13, 14) ሰባት ንኣምላኽ በታ ቅንዕቲ መገዲ ገይሮም ስለ ዘየምልኽዎ: ብመገዲ ጥፍኣት ኣቢሎም ይመላለሱ ኣለዉ። እቶም መገዲ ህይወት ሒዞም ዘለዉ ግን ሒደት ጥራይ ኢዮም።

6. ነቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ዝነበረ ኣምልኾ ርኢና እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

6 ነቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገብሮ ዝነበረ ምምልላስ ምርኣይ ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዝሰምሮ መገዲ ጌርካ ምምላኹ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ኢና ብግልጺ ክንርዳእ እንኽእል። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ክርሕቁ ኣጠንቂቑዎም ነበረ። (ዘዳግም 7:​25) እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣህዛብ ደቆም ንኣማልኽቶም ይስውኡሎም ነበሩ: ከምኡውን ብዕሉግ ጾታዊ ርኸሰትን ግብረ ሶዶምን ይፍጽሙ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 18:​20–30) ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍንፉን ተግባራት ክርሕቑ ኣዘዞም። ንትእዛዙ ኣፍሪ⁠ሶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምስ ዘምልኹ እውን ይቐጽዖም ነበረ። (እያሱ 24:​20፣ ኢሳይያስ 63:​10) ስለዚ ሃይማኖቶም ብሓቂ ወሳኒ ኢዩ ነይሩ።

ሎሚ ዘሎ ናይ ሓሶት ሃይማኖትከ፧

7, 8. (ሀ) ኣብቲ ናይ ዓለም ውግኣት ሃይማኖት እንታይ ቦታ ነበሮ፧ (ለ) ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሃይማኖታት ኣብቲ ግዜ ውግእ ዝገበርኦ ተግባር ከመይ ይስምዖ ኢልካ ትሐስብ፧

7 ብዛዕባ እዘን ሎሚ ዘለዋ ብኣማእታት ዝቑጸራ ሃይማኖታትከ እንታይ ክንብል ኢና፧ ብስም ሃይማኖት ዝግበር ዘሎ ሓያለይ ነገራት ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብሉ ትሰማምዓሉ ትኸውን። ኣብቲ በዚ ቀረባ ግዜ እተገብረ ናይ ዓለም ውግኣት: ሚልዮናት ሰባትውን ርኢዮምዎስ ጌናውን ብህይወቶም ዘለዉ: ብኽልቲኡ ወገን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ምእመናኖም ክቃተሉ ኣተባቢዖም ኢዮም። ኣቡን ናይ ከተማ ለንደን “ንጀርመናውያን ቅተልዎም​—⁠ቅተልዎም” በለ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ጳጳስ ናይ ከተማ ኮሎን ነቶም ጀርመናውያን:- “ንኽብርን ዕብየትን ሃገርኩም ኢልኩም ክሳዕ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ደምኩም ክትዋግኡ ብስም ኣምላኽ ንእዝዘኩም ኣሎና” በሎም።

8 በዚ ከምዚ ድማ ካቶሊክ ንካቶሊክ ከምኡውን ፕሮተስታንት ንኸምኦም ፕሮተስታንት ብስምረት ናይ መራሕቲ ሃይማኖቶም: ተቓቲሎም ኢዮም። ሃሪ ኤመርሰን ፎስዲክ እተባህለ ቀሺ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትናውን ከይተረፈ ናይ ውግእ ሰንደቕ ዕላማታት ሰቒልና ኣሎና . . . ብሓደ ኩርናዕ ኣፍና ነቲ መስፍን ሰላም ንውድስ: በቲ ካልኣይ ኩርናዕ ኸኣ ንውግእ ክብሪ ንህብ።” ኣምላኽሲ ብዛዕባ ሓንቲ ብፍቓዱ እመላለስ ኣሎኹ እናበለት ንውግእ ክብሪ እትህብ ሃይማኖት ከመይ ይስምዖ ምበልካ፧

9. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ብኣባላት እተፈላለያ ሃይማኖታት እተፈጸመ ገበናትሲ ብዙሓት ሰባት ከመይ ተሰሚዑዎም፧ (ለ) ሓንቲ ሃይማኖት ንገዛእ ርእሳ ክፍሊ ዓለም ክትገብራ ከላስ እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም ዘሎና፧

9 ኣብ ታረኽ ብሰንኪ እቲ በቶም ኣባላት ናይዘን በበይነን ዝዀና ሃይማኖታት ብስም ኣምላኽ እተፈጸመ ገበናት: እንሆ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሎሚ ካብ ኣምላኽን ክርስቶስን ርሒቖም ይርከቡ ኣለዉ። ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኣስላምን እተገብረ ናይ መስቀላውያን ውግእ ዝበሃል: ከምኡውን እቲ ኣብ መንጎ ኣስላምን ሂንዱን: ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ፕሮተስታንትን እተፈጸመ ኣሰቃቒ ሃይማኖታዊ ውግኣት ንኣምላኽ ይወቕስዎ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ብስም ክርስቶስ እተፈጸመ ቅትለትን ካቶሊክ ኣብ ልዕሊ ተቓወምታ ዝፈጸመቶ ኣሰቃቒ መቕጻዕትታትን ይጠቕሱ። ዋላ’ኳ እዞም ተሓተትቲ ናይዚ ኩሉ ዓመጻ ዝዀኑ መራሕቲ ሃይማኖት: ኣምላኽ ኣቦና ኢዩ እንተ በሉ: ልክዕ ከምቶም ክርስቶስ ዝዀነኖም ፈሪሳውያን ደቂ ድያብሎስዶ ኣይኰኑን፧ ሰይጣን ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝዀነ ነቲ ህዝብታት ዓለም ዝኽተልዎ ዘለዉ ሃይማኖታትውን ከይተረፈ ንሱ ኢዩ ዝቈጻጸሮ ዘሎዶ ኣይምበልናን፧​— 2⁠ቈረንቶስ 4:​4፣ ራእይ 12:​9

10. ገለ ካብቲ ብስም ሃይማኖት ዝግበር ንስኻ ዘይትሰማምዓሉ ነገራት እንታይ ኣሎ፧

10 ብዘይ ጥርጥር ሎሚ ቅኑዕ ኰይኑ ዘይስምዓካ ብስም ሃይማኖት ዝግበር ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ብናብራኦም ብዕሉጋት ክነሶም ሕፉራት ኣባላት ናይ ቤተክርስትያን ኰይኖም ዝረኣዩ ሰባት ከም ዘለዉ ወርትግ ትሰምዕ ትኸውን። ብዘይ እዚውን ሓያለይ ብዘይ ጽፈት ዝመላለሱ ኣብታ ቤተ ክርስትያንውን ቅቡላት ኰይኖም ዝነብሩ መራሕቲ ሃይማኖት ከም ዘለዉ ትፈልጥ ትኸውን። ገለ መራሕቲ ሃይማኖት: ግብረ ሰዶም ከምኡውን ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምግባር ጌጋ ኣይኰነን ዝብሉውን ኣለዉ። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ከም ዘይብል ትፈልጥ ትኸውን። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣበሳ ስለ ዝወደቑ እኳ ደኣ ኣምላኽ ብሞት ቀጺዕዎም ኢዩ። ሰዶምን ጎሞራንውን በዚ ምኽንያት እዚ ኢየን እተደምሰሳ። (ይሁዳ 7) ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ንዅለን ዘመናውያን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከምኡ ገይሩ ከጥፍአን ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዘን ሃይማኖታት እዚኤን ከም ሓንቲ ምስ “ነገስታት ምድሪ” ዝመንዘረት ኣመንዝራ ሰበይቲ ተመሲለን ኣለዋ።​—⁠ራእይ 17:​1, 2, 16

ኣምላኽ ዝሰምሮ ኣምልኾ

11. ኣምልኾና ብኣምላኽ ቅቡል ኰይኑ ምእንቲ ክርከብሲ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘድልየና፧

11 ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ስምረቱ ካብ ዘይህበን ንገዛእ ርእስና ከምዚ ኢልና ክንውከሳ ይግባእ:- ‘ ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዝደልዮ ዓይነት ኣምልኾ ገይረ ድየ ዘምልኾ ዘሎኹ፧’ በቲ ንሱ ዝሰምሮ መገዲ ነምልኾ እንተሎናኸ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ እዚ ኢዩ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢሉ ክውስን ዝኽእልሲ ኣምላኽ ደኣ እምበር ሰብ ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኰይኑ ምእንቲ ክርከብሲ ኣብቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ክኸውን ይግብኦ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ: ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ” ዝበሎ ክስምዓና ይግብኦ።​—⁠ሮሜ 3:​3, 4

12. የሱስ ኣምልኾ ፈሪሳውያን ስምረት ኣምላኽ የብሉን ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከምዚ ኣይስምዖምን ኢዩ ነይሩ። ንሳቶም ኣብ ክንዲ ብቓል ኣምላኽ ተመሪሖም ዝኸዱስ ባዕላቶም ብዝሰርዕዎ እምነትን ልምድታትን ኢዮም ዝመላለሱ ነይሮም። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ የሱስ ከምዚ በሎም:- “ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። ኣቱም ግቡዛት: ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ: ከምዚ ኢሉ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ ንኸንቱ የምልኹኒ።” (ማቴዎስ 15:​1–9፣ ኢሳይያስ 29:​13) እምበኣር ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ንደሊ እንተደኣ ኴንና: እቲ እንኣምኖ ዘበለ ኵሉ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ዝሰማማዕ ምዃኑ ከነረጋግጽ የድልየና።

13. ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ክንረክብሲ የሱስ እንታይ ክንገብር ከም ዝግባኣና ኢዩ እተዛረበ፧

13 ብክርስቶስ ንኣምን ኢና ኢልና ከነብቅዕሲ: ንዓና ቅኑዕ መሲሉ እተራእየና ክንገብር እኹል ኣይኰነን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነ ክንፈልጥ ብግዲ ኣድላዪ ኢዩ። ነዚውን የሱስ በቲ ኣብ ከረን ኰይኑ ዝሃቦ ዝርርብ ከምዚ ብምባል ገሊጹዎ ኢዩ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ ዝብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን።”​—⁠ማቴዎስ 7:​21 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

14. “ሰናይ ግብሪ” እኳ እንተ ገበርና የሱስ ከም “ገበርቲ ዓመጻ” ገይሩ ክርእየና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

14 “ሰናይ ግብሪ” ኢዩ ኢልና እንኣምኖ ንገብር ንህሉ ንኸውን። ነዚውን ብስም ክርስቶስ ንገብሮ ንህሉ። እንተዀነ ግን ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዘይመሊእና እዚ ዅሉ ከንቱ ኢዩ። ኣብ ቦታ ናይቶም ክርስቶስ ቀጺሉ ኣብቲ ዝርርቡ ዝጠቐሶም ክንከውን ኢና ማለት ኢዩ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን: ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን: ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ: ክብሎም እየ።” (ማቴዎስ 7:​22, 23) እወ: ንዓና ቅኑዕ መሲሉ ዝረኣየና ተግባራት ክንፍጽም ንኽእል ኢና​—⁠ሰባትውን ብግብርና ከመስግኑና አረ ክውድሱና ይኽእሉ​—⁠የግዳ እቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ኢዩ ዝብሎ እንተደኣ ዘይጌርናስ ካብቶም የሱስ “ገበርቲ ዓመጻ” ዝበሎም ክንከውን ኢና።

15. ኣብ ጥንታዊት ቤርያ ዝነበሩ ሰባት ዝወሰድዎ ስጕምቲ ክንስዕብ ጥበባዊ ዝኸውን ስለምን​ታይ ኢዩ፧

15 ሎሚ እምበኣር ብዙሓት ሃይማኖታት ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይገብራ: እታ ሒዝናያ ዘሎና ሃይማኖታዊት ማሕበር እትህቦ ትምህርቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ ኢዩ: ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። ሓንቲ ሃይማኖት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እትጥቀም ጥራይ ኵሉ እቲ እትምህሮን እትገብሮን ዘበለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘሎ መረጋገጺ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ምህላዉን ዘይምህላዉን ባዕልና ክንምርምሮ ኣድላዪ ኢዩ። እቶም ኣብ ከተማ ቤርያ ዝነበሩ ሰባት: ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትና ምስ ሰበኸሎም እቲ ንሱ ዝብሎም ዝነበረ ሓቂ ምዃኑ ንኸረጋግጹ ኢሎም ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምምርማሮም ተናኢዶም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:​10, 11) እታ ስምረት ኣምላኽ ዘለዋ ሃይማኖትሲ ብኹሉንትንኣ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ክትሰማማዕ ይግብኣ እም⁠በር ንገለ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢላ ነቲ ዝተረፈ ኸኣ ክትነጽጎ የብላን።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

ቅንዕና ጥራይ እኹል ኣይኰነን

16. ሓደ ሰብ ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ክረክብሲ: ቅንዕና ጥራይ ኣኻሊ ከም ዘይኰነ ንኸርኢ የሱስ እንታይ በለ፧

16 ‘ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ እኳ ጌጋ እንተዀነስ: ብቕንዕና ዝኣምኖ ብምዃኑኸ ስምረት ኣምላኽ ክረክብዶ ኣይምኸኣለን፧’ ኢሉ ዝሓትት ሰብ ይህሉ ይኸውን። ዝገብርዎ ዘበለ ቅኑዕ ከም ዝዀነ እኳ ዝኣምኑሉ እንተነበሩስ የሱስ ን“ገበርቲ ዓመጻ” ከም ዘይቅበሎም መሃረ። (ማቴዎስ 7:​22, 23) ስለዚ ድማ ቅንዕና ንበይኑውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኣይኰነን። ሓደ ግዜ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ” በሎም። (ዮሃንስ 16:​2) ከምዚኦም ዝበሉ ቀተልቲ ናይ ክርስትያናት: ከምኡ ብምግባሮም: ብቕንዕና ንኣምላኽ የገልግሉ ከም ዝነበሩ ይኣምኑ ነይሮም ይዀኑ: ንኣምላኽ የገልግልዎ ከም ዘይነበሩ ግን ንጹር ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ዝገበርዎ ኣይሰምሮን ኢዩ።

17. ጳውሎስ ቅኑዕ እኳ እንተ ነበረስ: ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ንርእሱ ክርስትና ከይተቐበለ ከሎ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ሰሚሩ ነይሩ ኢዩ። ቀጺሉውን ብዙሓት ካልኦት ክርስትያን ዝቐትለሉ መገዲ ደለየ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:​1፣ 9:​1, 2) ጳውሎስ ባዕሉ ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን . . . ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ: ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ።” (ገላትያ 1:​13, 14) እወ: ጳውሎስ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ: እዚ ግን ንሃይማኖቱ ቅንዕቲ ኣይገበራን።

18. (ሀ) ጳውሎስ ንክርስትያናት ከሳጕጎም ከሎ ሃይማኖቱ እንታይ ነበረ፧ (ለ) ጳውሎስን እቶም በቲ ግዜኡ ዝነበሩ ካልኦት ሰባትን ሃይማኖቶም ክልውጡ ዘድለዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

18 በቲ ግዜ እቲ ጳውሎስ ኣባል ናይታ ንየሱስ ክርስቶስ ዘይተቐበለቶ: ንርእሳውን ብኣምላኽ እተነጽገት ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​36, 40፣ ምሳሌ 14:​12) ስለዚ ጳውሎስ ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ክረክብ ሃይማኖቱ ክቕይር ነበሮ። ድሕርዚውን ብዛዕባ እቶም “ንኣምላኽ ቅንኣት” ዝነበሮም​—⁠ቅኑዓት ክነሶም ሒዞምዎ ዝነበሩ ሃይማኖት ግና ኣብ ርጡብ ፍልጠት ዕላማ ኣምላኽ እተሰረተ ብዘይምንባሩ: ስምረት ኣምላኽ ዝሰኣኑ ጸሓፈ።​—⁠ሮሜ 10:​2, 3

19. ሓቂ ነቲ በበይኑ ዝዀነ ትምህርቲ ሃይማኖት ከም ዘይሓቕፎ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧

19 ሓቂ: ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ በበይኑ ዝዀነ ትምህርቲ ሃይማኖት ኣይትሓቝፎን ኢያ። ንኣብነት: ሰባት ምስ ሞቱ ህያው ኰይና እትነብር ነፍሲ ኣላቶም ወይ ከኣ የብሎምን። ምድሪውን ንዘለኣለም ክትነብር ኢያ ወይ ድማ ኣይክትነብርን ኢያ። ከምኡውን ኣምላኽ ንረሲእነት ከጥፍኦ ኢዩ ወይ ድማ ኣይከጥፍኦን ኢዩ። እዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዙሕ እምነታትን ቅኑዕ ኢዩ ወይ ከኣ ጌጋ ኢዩ። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ዘይሰማማዕ ከሎስ ክልተ ዓይነት ሓቂ ክህሉ ኣይኽእልን ኢዩ። ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ጥራይ ኢዩ ሓቂ ዝኸውን እምበር: ክልቲኡ ሓቂ ኣይከውንን ኢዩ። ሓደ ነገር ብርግጽ ጌጋ እንተዀይኑ: ብቕንዕና ምእማኑን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ነቲ ነገር ቅኑዕ ኣይገብሮን ኢዩ።

20. ብዛዕባ ሃይማኖት ዝመጸኸ: ከመይ ጌርና ኢና ነታ ቅንዕቲ “ናይ መገዲ ካርታ” ክንስዕባ እንኽእል፧

20 እቲ እትኣምነሉ ዘሎኻ ጌጋ ከም ዝዀነ መረጋገጺ እንተዝቐርበልካስ ከመይ ኰን ምተሰማዓካ፧ ንኣብነት: ብመኪና ጌርካ ናብ ሓደ ንመጀመርታኻ እትገሸሉ ቦታ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ጌርካ’ሞ ሕሰብ። ናይ መገዲ ካርታ ኣሎካ ግናኸ ግዜ ወሲድካ ብጥንቃቐ ኣይረኣኻዮን። ሓደ ሰብ ግን በየናይ ኣቢልካ ክትከይድ ከም ዘለካ ሓቢሩልካ ኣሎ። ቃሉ ብቕንዕና ኣሚንካውን እቲ ዝሓበረልካ መገዲ ቅኑዕ ኢዩ ኢልካ ወሰድካዮ። ግናኸ ጌጋ ዀነ ንበል። ሓደ ካልእ ሰብ ነቲ ጌጋኻ እንተ ዝነግረካስ: እንታይ ምበልካ፧ በታ ናትካ ናይ መገዲ ካርታ ገይሩ ኣበየናይ ግጉይ መገዲ ከም ዘሎኻ እንተ ዘርእየካኸ እንታይ ምገበርካ፧ ትዕቢት ወይ ህልኽዶ ኣብ ጌጋ ከም ዘሎኻ ንኸይትእመን ምኸልከለካ፧ እምበኣርከስ መጽሓፍ ቅዱስካ መርሚርካ እትኸዶ ዘሎኻ ሃይማኖታዊ መገዲ ጌጋ ከም ዝዀነ እንተ ፈለጥካስ: መገድኻ ንምቕያር ፍቓደኛ ደኣ ዅን። ካብታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ገፋሕ መገዲ ኣልግስ: ናብታ ናብ ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ኸኣ እቶ!

ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ

21. (ሀ) ኣብ ርእሲ እቲ ንሓቂ ምፍላጥ: እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧ (ለ) ገለ ካብቲ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገራት ኣምላኽ ዘይቅበሎ ምዃኑ እንተ ፈሊጥካስ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

21 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ቃል ሓቂ ክንፈልጦ ኣድላዪ ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓቂ ፈሊጥካ ንኣምላኽ ብሓቂ እንተ ዘየምሊኽካዮ : ፍልጠትካ ከንቱ ኢዩ። (ዮሃንስ 4:​24) ብሓቂ ምምልላስን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርን ኢዩ ዘድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ኢዩ ዝብል። (ያእቆብ 2:​26) ስለዚውን ንኣምላኽ ምእንቲ ከተሐጕሶ ሃይማኖትካ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ እትሰማማዕ ጥራይ ክትከውን ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወትውን ኣብ ግብሪ እተውዕል ክትከውን ኣለዋ። ስለዚ ኣምላኽ ጌጋ ዝብሎ ትገብር ከም ዘሎኻ እንተ ትፈልጥሲ: ንኽትልውጥ ፍቓደኛዶ ምዀንካ፧

22. ብሓቀኛ ሃይማኖት እንተደኣ ንመላለስ ኴንናስ ሕጅን ንዝመጽእን እንታይ ጥቕሚ ንረኽበሉ፧

22 ፍቓድ ኣምላኽ እንተደኣ ጌርካ ዓቢ በረኸት ኢዩ ተዳልዩልካ ዘሎ። ሕጂውን ከይተረፈ ክትረብሕ ኢኻ። በታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምምልላስ ዝሓሸ ሰብ ይገብረካ​—⁠ዝሓሸ ሰብኣይ: በዓል እንዳ ወይ ኣቦ ትኸውን: ዝሓሸት ሰበይቲ: ብዓልቲ ቤት ወይ ኣደ ትዀኒ: ዝሓሸ ውሉድ ትኸውን። ኣምላኻዊ ባህርያት ስለ እተፍርየልካ ኣብ መንጎ ካልኦት ፍልይ ኢልካ ክትርአ ዘኽእለካ ቅኑዕ ተግባራት ትገብር። ካብዚ ብዝበለጸ ግን: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ምድራዊት ገነት: ተሓጕስካ: ብፍጹም ጥዕና ንዘለኣለም ክትነብር ዘኽእለካ በረኸት ክትቅበል ኢኻ። (2 ጴጥሮስ 3:​13) ምንም ዘጠራጥር ነገር የብሉን​—⁠ሃይማኖትካ ብሓቂ ወሳኒ ኢዩ!

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ንየሱስ ክቐትሉ ዝህቅኑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ድዮም ዘገልግሉ ነይሮም፧

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ስእልታት]

የሱስ: መብዛሕትኦም ሰባት ኣብታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ርሕብቲ መገዲ ኢዮም ዘለዉ በለ። ኣብታ ጸባብ መገዲ ህይወት ዘለዉ ሒደት ጥራይ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ስእሊ]

“ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ . . . በቲ ግብሮም [ግና] ይኽሕድዎ አለዉ።” —⁠ቲቶስ 1:16

ብቓል

ብተግባር

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ብምኽንያት ናይ ሃይማኖት ፍልልይ: ንወደ መዝሙር እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ኸለዉ ጳውሎስ ምስኦም ሓበረ

[ኣብ ገጽ 33 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጌጋ መገዲ እንተ ትህሉ: ትዕቢት ወይ ህልኽዶ ጌጋኻ ንኸይትእመን ምኸልከለካ፧