ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መወዳእታ ዓለም” ቀሪቡ ኢዩ!

“መወዳእታ ዓለም” ቀሪቡ ኢዩ!

ምዕራፍ 18

“መወዳእታ ዓለም” ቀሪቡ ኢዩ!

1. ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ግዝኣቱ ከም ዝጀመረስ እቶም ምድራውያን ሰዓብቱ ብኸመይ ኢዮም ዝፈልጡ፧

 የሱስ ክርስቶስ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ካብ ሰማይ ደርብዩ ግዝኣቱ ምስ ጀመረ መወዳእታ ናይ ሰይጣንን ናይዚ እኩይ ኣገባብን ምቕራቡ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። (ራእይ 12:7–12) እዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቲ ክርስቶስ ደኣኸ ነቲ ብኣዒንቶም ዘይርአ ኣብ ሰማይ እተፈጸመ ኵነታት ከመይ ገይሮም ክፈልጥዎ ይኽእሉ፧ ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ኣብ ስልጣን ዝፋኑ ከም ዝመጸን “መወዳእታ ዓለም” እውን ከም ዝቐረበንሲ ከመይ ገይሮም ክፈልጥዎ ይኽእሉ፧ እቲ የሱስ ዝሃቦ “ምልክት” ይፍጸም እንተደኣ ኣልዩ ብምዕዛብ ክፈልጥዎ ይኽእሉ ኢዮም።

2. ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝሓተትዎ ሕቶ እንታይ ኢዩ፧

2 የሱስ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ ካብቶም ሃዋርያቱ ኣርባዕተ ናብኡ ቐሪቦም “ምልክት” ክህቦም ሓተትዎ። እቲ ብሚልዮናት ሰባት እተነበ ሽዑ ዝሓተትዎ ሕቶውን ኣብ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ከምዚ ኢዩ ዝብል:- “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና።” (ማቴዎስ 24:​3) እሞኸ እዘን “ምምጻእካን” ከምኡውን “መወዳእታ ዓለምን” ዝብላ ቃላት ከመይ ዝበለ ትርጕም ዝሓዛ ኢየን፧

3. (ሀ) እተን “ምምጻእካን” ከምኡ ኸኣ “መወዳእታ ዓለምን” ዝብላ ቃላት እንታይ ትርጕም ዝሓዛ ኢየን፧ (ለ) ቅኑዕ ትርጕም ናይዘን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝሓተትወን ቃላት ደኣ ከመይ ዝበላ ኢየን፧

3 እዛ “ምምጻእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቃል ካብታ ብግሪኽ ፓሩስያ እትብል ቃል ዝመጸት ኢያ: ትርጕማ ድማ “ህላዌ” ማለት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ነቲ “ምልክት” ምስ ርአና ክርስቶስ ክንርእዮ እኳ ዘይንኽእል እንተ ዀንናስ ዛጊት ኣብ ዝፋን ስልጣኑ ከም ዝመጸ ዝሕብረልና ኢዩ። እታ “መወዳእታ ዓለም” እትብል ሓሳባት ተደናግር ኢያ። መወዳእታ ናይ ምድሪ ማለት ኣይኰነን: የግዳ እዚ እኩይ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝውድኣሉ ግዜ ማለት ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ስለዚ እምበኣር እቲ ሃዋርያት ዘቕረቡዎ ሕቶ ንጹር ብዝዀነ መገዲ “እዚ መኣዝ ክኸውን ኢዩ፧ ምልክት ህላዌኻን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን እንታይ ኢዩ፧ እስከ ንገረና” ዝብል ኢዩ ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 24:3 ትርጕም ሓዳስ ዓለም

4. (ሀ) እቲ የሱስ ዝሃቦ “ምልክት” እንታይን እንታይን ዝሓዘ ኢዩ፧ (ለ) በየናይ መገዲ ኢዩ እቲ “ምልክት” ምስ ኣሰር ኣጻብዕ ዝመሳሰል፧

4 የሱስ “ምልክት” ኢሉ ብዛዕባ ሓደ ፍጻሜ ጥራይ ኣይኰነን ተዛሪቡ። የግዳ ብዙሕ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍጻሜታትን ኵነታትን ከም ዝኸውን ኢዩ ተዛሪቡ። ብዘይካ ማቴዎስ ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስውን በተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ክኸውን ዘለዎ ተወሰኽቲ ፍጻሜታት ጽሒፎም ኣለዉ። እዚ ዅሉ ብትንቢት እተነግረሉ ኵነታትሲ በተን እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሎም ዝጸውዕወን እዋናት ዝፍጸም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1–5፣ 2 ጴጥሮስ 3:​3, 4) እዚ ፍጻሜታት እዚ ልክዕ ከምቲ ኣሰር ኣጻብዕ ናይ ሓደ ሰብ ምስ ናይ ካልእ ፈጺሙ ዘይመሳሰል: ከምኡ ክኸውን ኢዩ። “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ገዛእ ርእሰን ምልክታት ወይ ፍጻሜታት ዝሓዛ ኢየን። እዚ ድማ ምስ ዝዀነ ካልእ እዋን ዘይመሳሰል “ኣሰር ኣጻብዕ” ማለት ኢዩ።

5, 6. ነዘን ኣብዚ ዝስዕብ ገጻት ተዘርዚረን ዘለዋ 11 ፍጻሜታት ናይተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ምስ ኣንበብካስ ብዛዕባ “መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ’ዚ” እንታይ ትርዳእ፧

5 ኣብ ምዕራፍ 16 ናይዚ መጽሓፍ እዚ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖታት ብምምርማር ክርስቶስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ኰይኑ ክገዝእ ከም ዝጀመረ ተረዲእና ኢና። ሕጂ ድማ ነቶም ንህላዌ ክርስቶስ ዝዕጅቡ በበይኖም ዝዀኑ “ምልክታት” ከምኡውን ካልእ “በተን ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ እኩይ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ኣብ መወዳእታኡ ዝበጽሓሉ መሐበሪታት ብጥንቃቐ ኣስተብህለሉ። ነቲ ብትንቢት እተነግረሉ ነገራት ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ኣርባዕተ ገጻት ክትምርምረን ከሎኻ ድማ እዞም ነገራት እዚኣቶም ከመይ ኢሎም ካብ 1914 ኣትሒዞም ይፍጸሙ ከም ዘለዉ ኣስተውዕለሎም።

“ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል ኢዩ።”ማቴዎስ 24:7

እዚ “ምልክት” እዚ ካብ 1914 ኣትሒዙ ክፍጸም ከም ዝረኣኻዮ ፍሉጥ ኢዩ! በዛ ዓመት እዚኣ ኢዩ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረ። ከምኡ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ኲናትውን ኣብ ዛንታ ዓለም ከቶ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ጠቕላላዊ ውግእ ኢዩ ነይሩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ኵሉ እቲ ቅድሚ 1914 ን2400 ዓመታት እተገብረ ዓበይቲ ውግኣት እቲ ዝበርትዐ ኢዩ ነይሩ። እቲ ውግእ ምስ ተወድአ 21 ዓመታት ጥራይ ጸኒሑ ኸኣ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተጀመረ። እዚ ውግእ እዚ ዘምጽኦ ዕንወት ካብ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ብኣርባዕተ ኢድ እተዓጻጸፈ ኢዩ ነይሩ።

ዘስካሕክሕ ውግኣት ቀጺሎም ኢዮም። ካብቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1945 እተወድኣሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ብዘላ ዓለም በብእዋኑ 150 ውግኣት ተገይሩስ 25 ሚልዮን ሰባትውን ተቐቲሎም ኢዮም። ኣብ ገለ ቦታታት ናይዛ ዓለም ንመዓልቲ ብገምጋም 12 ውግኣት ተኻይዱ ኢዩ። ብዘይዚውን ካልእ ናይ ዓለም ውግእ ከይልዓል ቀጻሊ ስግኣት ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ንበይና ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን 12 ግዜ ተዓጻጺፉ ከጽንቶም ዝኽእል ዝኣክል ኑክልየራዊ ኣጽዋር ኣለዋ።

“ጥሜት” ኪኸውን ኢዩ።ማቴዎስ 24:7

ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዛንታ ደቅሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥሜት ኰነ። ኣብ ሰሜን ቻይና ጥራይ ብምኽንያት ጥሜት ኣብ መዓልቲ 15, 000 ሰባት ይሞቱ ነበሩ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን ዋሕዲ መግቢ ዝበኣሰ ኢዩ ዝዀነ። ሽዑ ሓደ ርብዒ ዝኣኽሉ ህዝቢ ዓለም ኣደዳ ጥሜት ኰኑ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ህዝብታት ምድሪ ዋሕዲ መግቢ ጸገም ኰይኑ​ዎም ኣሎ።

እታ ኒውዮርክ ታይምስ ጋዜጣ ኣብቲ ብ1967 ዘውጽኣቶ ጽሑፋ “ሎሚ ኣብ ሓንቲ ዘይማዕበለት ሃገር ብምኽንያት ጕድለት እተመጣጠነ መግቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 8.6 ካልኢት ሓደ ሰብ ይመውት ኣሎ” በለት። ገና እውን ኣብ ዓመት ዓመት ብምኽንያት ጥሜት 50 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ! ብ1980 ርብዒ ህዝቢ ዓለም (1, 000, 000, 000 ሰባት) መግቢ ብምስኣኖም ኣደዳ ጥሜት ኰይኖም ነበሩ። ኣብቲ መግቢ ብብዝሒ ዝርከበሉ ቦታታትውን ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ድኽነቶም መግቢ ክዕድጉ ኣይከኣሉን።

“ኣብ በቦታኡ ድማ ፌራ . . . ኪኸውን ኢዩ።”​—ሉቃስ 21:⁠11

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ ድማ እቶም ሽዑ ብናይ ስፓንሽ ፍሉ ዝሞቱ ሰባት ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ዛንታ ወዲ ሰብ ብሕማም ተላገብ ዝሞቱ ኣዝዮም ዝበዝሑ ኢዮም ነይሮም። እቶም ሽዑ ዝሞቱ ሰባት 21 ሚልዮን ዝዀኑ ኢዮም ነይሮም! ሕጂውን ከይተረፈ ሕማምን ፌራን ኣብ ዓለም ይልሕም ኢዩ ዘሎ። ኣብ ዓመት–ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኢዮም ብሕማም ልብን መንሽሮን ዝሞቱ ዘለዉ። ከምኡውን ሕማም መውስቦ ብፍጥነት የስፋሕፍሕ ኢዩ ዘሎ። ካልእ ብርቱዕ ሕማማት ከም ዓሶን ረስንን ዑረት ዓይንን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብሕልፊ እኳ ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ሃገራት ደቡብ ኣመሪካን የስፋሕፍሕ ኣሎ።

“ኣብ በቦታኡ ድማ . . . ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ኪኸውን ኢዩ።ማቴዎስ 24:7

እቲ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዝዀነ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብቲ ብቕድሚ እዛ ዓመት እዚኣ ዝነበረ ኣብ ዛንታ እተመዝገበ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዩ ዝበዝሐ ኢዩ። ካብ 856 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 1914 ን1, 000 ዓመት ዝኣክል ግዜ 24 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ጥራይ ክፍጸም ከሎ ብሰንኩ 1, 973, 000 ዝኣኽሉ ሰባት ሞቱ። ኣብዘን ካብ 1915 ክሳዕ 1978 ዘለዋ 63 ዓመታት ግን 43 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀይኑስ ብሰንኩውን 1, 600, 000 ሰባት ሞይቶም ኢዮም።

‘ብዝሒ ዓመጻ’​—ማቴዎስ 24:​12

ካብ ብዙሕ ወገናት ዓለም ብዝቐርብ ጸብጻብ ሎሚ ምጥሓስ ሕግን ገበናትን እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ከም ቅትለትን ንደቀንስትዮ ምግሳስን ዝበሉ ናይ ጭከና ገበናት ይገኑ ኢዮም ዘለዉ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ከቢድ ገበን ይፍጸም። ኣብ ሓያለይ ቦታታትውን ብቐትሪ ከይተረፈ ኣብ መገድታት ተኣማሚንካ ብድሓን ንኽትከይድ ዘስግእ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ምሸት ሰባት ደገ ምኻድ ስለ ዘፍርሖም ኣብ እተሸጐረን እተሓጽረን ኣባይቶም ኢዮም ኮፍ ዝብሉ።

“መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ”​—ሉቃስ 21:​11

ኣብ ህይወት ሰባት ሎሚ ፍርሂ እቲ ዝዓበየ ስምዒት ኸይኰነ ኣይተርፍን ኢዩ። እታ ቐዳመይቲ ኣቶሚክ ቦምብ ምስ ተተኰሰት ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ናይ ኣቶም ሊቅ ሃሮልድ ሲ. ኡረይ ከምዚ ዝብል ቃል ኣስምዐ:- “ብፍርሂ ክንበልዕ: ብፍርሂ ክንድቅስ: ብፍርሂ ክንነብር ብፍርሂውን ክንመውት ኢና።” እዚ ኣብ መብዛሕ​ትኦም ደቅሰብ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ኵሉ ግዜ ዘሎ ናይ ኣቶሚክ ውግእ ከይለዓል ዝብል ፍርሂ ጥራይውን ኣይኰነን። ሰባት ካብ ገበን: ምምራዝ: ሕማም: ናይ ገንዘብ ውድቐትን ካልእ ንድሕነቶምን ህይወቶምን ዘስግእ ነገራትን ይፈርሁ ኣለዉ።

“ንወለዶሞ ዘይእዘዙ”2 ጢሞቴዎስ 3:​2

ሎሚ ወለዲ ንደቆም ክቈጻጸርዎም ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ኢዮም በጺሖም ዘለዉ። መንእሰያት ንዅሉ ስልጣን ኢዮም ምእዛዝ ዝኣብዩ ዘለዉ። ኵለን እዘን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ድማ በቲ መንእሰያት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ገበናት መዓት ወሪዱወን ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እኳ ደኣ ዳርጋ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ኣባታተን ዘሎ ዓበይቲ ገበናት በቶም ካብ 10 ክሳዕ 17 ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኢዩ ዝፍጸም። ከም እኒ ቕትለት: ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ: ምኽታር: ስርቂ: ጕሕልነትን ስርቂ ማኪናን ዝኣመሰለ ዅሉ ቈልዑ ኢዮም ዝገብርዎ ዘለዉ። ኣብ ዛንታ ወድሰብ ንወለዲ ዘይምእዛዝ ከም ናይ ሎሚ ገይሩ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

“ፈተውቲ ገንዘብ”2 ጢሞቴዎስ 3:2

ሎሚ ኣብ ዝኸድካዮ ሰባት ኣብ ስስዕቲ ጥሒሎም ትርእዮም። ብዙሓት ገንዘብ ንኽረኽቡ ኢሎም ዘይገብርዎ ነገር የብሎምን። ይሰርቁ: አረ ይቐትሉውን። ስሱዓት ሰባት ነቲ ዝሰርሕዎን ዝሸጥዎን ኣቑሑ ንሰባት ዘሕምሞም ወይ ዝቐትሎም ምዃኑ እናፈለጡ ኣቑሑቶም ንመሸጣ ኣብ ዕዳጋ ከቕርብዎ ልሙድ ኢዩ። ሎሚ ሰባት ብጋህዲ ይኹን ወይ ድማ ብኣነባብራኦም ንገንዘብ ‘ኣምላኸይ’ ይብልዎ ኣለዉ።

“ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዝፈትዉ”2 ጢሞቴዎስ 3:​4

ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት እቲ ንርእሶም ወይ ንስድራኦም ባህ ዘብል እምበር ንኣምላኽ ባህ ዘብል ኣይገብሩን ኢዮም። ብፍላይ እኳ ደኣ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነቲ ንኣኣቶም ዘደስቶም: ብኣምላኽ ግን እተኾነነ ነገራት ከም እኒ ምንዝር: ዝሙት: ስኽራን: ሓሽሽ ምዝውታርን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ የሐጕስ ኢዩ ዝበሃል ነገርን ኢዮም ዘዘውትሩ ዘለዉ። ንርእሱ ነቲ ጌጋ ዘይብሉ ተድላታትውን ከይተረፈ ካብ ንኣምላኽ ምፍላጥን ምግልጋልን ዝግበር ጻዕሪ ዝያዳ ቀዳምነት ይህብዎ።

“መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ።”2 ጢሞቴዎስ 3:​5

ናይ ዓለም መራሕቲ ዀነ ወይ ተራ ሰባት ብግዳሞም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ከም ዝዀኑ ኢዮም ዘምስሉ። ቤተ ክርስትያን ይኸዱ: ቅዳሴ ይሰምዑ ከምኡውን ንሃይማኖታዊ ነገራት ዘድሊ ገንዘብ የዋጽኡ ይዀኑ። ኣብ መንግስታት እውን ገለ ሓላፍነት ተዋሂቡዎም ክሽየሙ ኸለዉ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዶም የንብሩ ይዀኑ። እዚ ዅሉ ግን “መልክዕ ኣምልኾ” ጥራይ ኰይኑ ኢዩ ዝተርፍ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ከም እተዛረበሉ ድማ ሎሚ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ህይወት ናይ ብዙሓት ሰባት ዋጋ ዘይብሉ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ሰናይ ንምግባር ዝድርኾም ሓይሊ የብሎምን።

“መጥፋእቲ ምድሪ”​—ራእይ 11:​18

እነስተንፍሶ ኣየር: እንሰትዮ ማይ: ከምኡውን መግብና ዝበቑለሉ መሬት ይምረዝ ኢዩ ዘሎ። ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝዀነ ኢዩ እቲ ባሪ ኮሞነር እተባህለ ሊቅ ከምዚ ኢሉ ዘጠንቅቕ:- “እቲ ንምድሪ ዝምርዛ ዘሎ ነገራት ልጓም ተገይርዎ እንተደኣ ዘይተገቲኡስ ኣብ መወዳእታኡ ምድሪ ደቅሰባት ንኽነብሩላ ዘይትበቅዕ ገይሩ ከበላሽዋ ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን።”

6 ነዚ ኣብ ላዕሊ ተባሂሉ ዘሎ መርሚርካስ እቲ ክርስቶስ ዝሃቦ “ምልክት” ከምኡውን ደቀ መዛሙርቱ እተነበይዎ ነገራትን ኵሉ ይፍጸም ከም ዘሎዶ ብገሃድ ይረአ ኣየሎን፧ ኻልእ ብዙሕ መረድኢ እኳ እንተ ኣሎናስ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጸብጺቡ ዘሎ ፍጻሜታት ጥራይ ኣብተን መጽሓፍ ቅዱስ እተዛረበለን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና እኹል ሓበሬታ ኢዩ።

7. (ሀ) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህላዌ ክርስቶስን “ዳሕሮት መዓልታት”ን ዝሃቦ ትንቢታት ፍሉይ ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣንጻር እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ ናይ ዓለም መራሕቲ ቀቅድሚ 1914 እንታይ ክፍጸም ኢሎም ኢዮም እተነበዩ፧

7 ገለ ሰባት ግን:- ‘እዚ ከም ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ዛንታ ደቅሰብ ከየቋረጸ እናተፈጸመ ዝመጸ እንድዩ፧’ ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ነገራት እዚ ከም ዝፍጸም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ዝፍጸም እውን ኣመልኪቱ ኢዩ። ብዘይዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ እዚ ነገራት እዝስ ኣብቶም ብ1914 ብህይወቶም ዝጸንሑ ወለዶ ከም ዝፍጸም ኣፍሊጡ ኢዩ። እንተዀነ ግን ምርኡያት ናይ ዓለም መራሕቲ 1914 ከይኣተወት ከላ እንታይ እናበሉ ኢዮም ዝንበዩ ዝነበሩ፧ ናይ ዓለም ሰላም ዘተስፉ ኵነታት ከም ሎሚ ሃልዩ ኣይፈልጥን ኢዮም ዝብሉ ነይሮም። እንተዀነ ግን እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ተዛሪቡሉ ዝነበረ ዘሰንብድ ሽግራት መዓልቱ ሓልዩ ደኣ ብ1914 ደበኽ በለ! ሎሚ ናይ ዓለም መራሕቲ 1914 ኣብ ዛንታ ነጥበ–መቐይሮ ከም ዝዀነት እኳ ደኣ ይዛረቡላ ኣለዉ።

8. (ሀ) የሱስ ነየናይ ወለዶ ኢዩ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክርእይዎ ኢዮም ዝበሎም፧ (ለ) ስለዚኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

8 የሱስ ብዛዕባ እቲ ካብ 1914 ኣትሒዙ እተፈጸመ ነገራት ምስ ተነበየ ቀጺሉውን:- ‘እዚ ዅሉ ክሳዕ ዚኸውን [መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ሓዊስካ] እዚ ወለዶ እዚ ኣይሓልፍን ኢዩ’ በሎም። (ማቴዎስ 24:​34, 14) ብዛዕባ ኣየናይ ወለዶ ኢዩ የሱስ እተዛረበ፧ ብዛዕባ እቶም ብ1914 ብህይወቶም ዝጸንሑ ሰባት ኢዩ እተዛረበ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ሎሚ ኣሪጎም ኢዮም ዘለዉ። እንተዀነ ግን ገለ ኻባታቶምውን ብህይወቶም ጸኒሖም መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ’ዚ ክርእይዎ ኢዮም። ሕጂ ድማ ብዝቐልጠፈ ግዜ እዚ ዅሉ እኩይ ነገራት ከምኡውን ኵሎም እኩያት ሰባት ብሃንደበት ኣርማጌዶን መጺኣ ከም እተጥፍኦም ኣርጊጽና ንፈልጥ ኢና።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 149 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናይቲ ዘይርአ ህላዌ ኣብ ስልጣን መንግስቱ ዝርአ መረጋገጺ ነገሮም

[ኣብ ገጽ 154 ዘሎ ስእሊ]

1914—ኣርማጌዶን

ገለ ካብቶም ናይ 1914 ወለዶ: መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክርእይዎ ኢዮም: ክድሕኑ ድማ ኢዮም