ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓልቲ ፍርድን ብድሕሪኡን

መዓልቲ ፍርድን ብድሕሪኡን

ምዕራፍ 21

መዓልቲ ፍርድን ብድሕሪኡን

1. ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ዘሎ ልሙድ ርእይቶ እንታይ ኢዩ፧

 መዓልቲ ፍርዲ ክበሃል ከሎስ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ዓይነት ሓሳብ ኢዩ ዝመጸካ፧ ገለ ሰባት ሓደ ዓቢ ዝፋን ከም ዘሎ እሞ ብዙሓት ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ሰባት ድማ ተሰሪዖም ኣብ ቅድሚኡ ይቘሙ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ብቕድሚ እቲ ዝፋን ይሓልፍ እሞ በቲ ኣብ መዝገብ ፍርዲውን ተጽሒፉ ዘሎ ዝሓለፈ ተግባራቱ ይፍረድ። ብመሰረት እቲ ዝገበሮ ነገራት ከኣ እቲ ሰብ ንሰማይ ወይ ንገሃነም ሓዊ ይፍረድ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።

2. (ሀ) እቲ ንመዓልቲ ፍርዲ ዝሰርዐ መን ኢዩ፧ (ለ) ፈራዲ ክኸውን ዝሸሞ ንመን ኢዩ፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ካብዚ እተፈልየ ሓሳብ ኢዩ ዝህበሉ። እዛ መዓልቲ እዚኣ እተርዕድን እተፍርህን መዓልቲ ኣይኰነትን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብል ነስተብህል:- “[ኣምላኽ ብሓደ ዝሸሞ ሰብኣይ ገይሩ ትሓዓ] ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ [ኣሎ]።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:​31) እዚ ብኣምላኽ እተሾመ ፈራዲ ድማ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ።

3. (ሀ) ክርስቶስ ኣብ ፍርዱ ቅኑዕ ከም ዝኸውን ርግጸኛታት እንኸውን ከመይ ኢልና ኢና፧ (ለ) ብመሰረት እንታይ ኢዮም ሰባት ዝፍረዱ፧

3 ክርስቶስ ቅኑዕን ፍትሐኛን ፈራዲ ከም ዝኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኢሳይያስ 11:​3, 4 ዘሎ ትንቢት ነዚ የረጋግጸልና። ስለዚ ክርስቶስ ከምቲ ልሙድ ዝዀነ ኣረኣእያ ንሰባት በቲ ዝፈጸምዎ ሕሉፍ ኣበሳ: መብዛሕትኡ ብድንቁርና ዝገበርዎ: ኣይኰነን ዝፈርዶም። መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ምስ ሞተ ካብ ዝዀነ ሓጢኣት ናጻ ከም ዝኸውን ኢዩ ዝገልጾ። ከምዚውን ይንበብ:- “እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ።” (ሮሜ 6:​7) እዚ ማለት ድማ ሓደ ሰብ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ብዝፍጽሞ ኣበሳ ደኣ እምበር በቲ ቅድሚ ሞቱ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣይፍረድን ኢዩ።

4. (ሀ) መዓልቲ ፍርዲ ክንደይ ንውሓት ኢዩ ዘለዋ፧ (ለ) ምስ ክርስቶስ ፈራዶ ዝዀኑ መን ኢዮም፧

4 ስለዚ እምበኣር: መዓልቲ ፍርዲ ቃል ብቓሉ 24 ሰዓታት ዘለዋ መዓልቲ ማለት ኣይኰነትን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ዝፈርዱ ክዛረብ ከሎ ነዚ ነገር’ዚ ኣነጺሩ ገሊጹዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 6:​1–3) እቲ ጸሓፊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ዝፋናት ድማ ርኤኹ: ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፣ ፍርዲውን ተዋህቦም” ይብል። እዞም ፈራዶ እዚኣቶም ድማ እቶም እሙናት ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ መጽሓፍ ቅዱስውን “ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ” ዝብሎም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር መዓልቲ ፍርዲ ናይ 1, 000 ዓመታት ንውሓት ዘለዋ ኢያ። እዚኣተን እተን ክርስቶስን እቶም 144, 000 እሙናት ቅቡኣት ሰዓብቱን ከም “ሓድሽ ሰማያት” ኰይኖም ነቲ “ሓድሽ ምድሪ” ዝገዝኡለን 1,000 ዓመታት ኢየን።​—⁠ራእይ 20:​4, 6፣ 2 ጴጥሮስ 3:​13

5, 6. (ሀ) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍ መዝሙር ንመዓልቲ ፍርዲ ከመይ ገይሩ ኢዩ ገሊጹዋ ዘሎ፧ (ለ) ኣብ ግዜ መዓልቲ ፍርዲ ህይወት ኣብ ምድሪ እንታይ ክመስል ኢዩ፧

5 ነዘን ገጻት እዚኣተን እሞ ኣስተውዕለለን። መዓልቲ ፍርዲ ንደቅሰብ እተደንቕ ከም እትኸውን ገለ ቁሩብ ሓሳብ ዝህባ ኢየን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ክቡር ዝዀነ መዓልቲ ክጽሕፍ ከሎ “ይመጽእ: ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ: ንዓለም ብጽድቂ: ነህዛብ ብሓቂ: ኺፈርድ እዩ እሞ: መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም: ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሄር እልል ኪብሉ እዮም” ይብል።​—⁠መዝሙር 96:​12, 13

6 ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ሰባት ንምድሪ ኣብ ገነት ንኽልውጡዋ ክዓዩ ኢዮም። ኣብዛ ገነት እዚኣ ንምዉታት ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ኢዮም። (ሉቃስ 23:​43) ንነዊሕ ግዜ ብሞት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራቤታት እንደገና ብሓደ ክተሓቛቘፉ ኸለዉስ ኣየ ኽንደይ ዘሐጕስ ክኸውን ኢዩ! ኣየ እወ: ብሰላም ክትነብር: ምሉእ ጥዕና ክህልወካ ከምኡውን ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ መምርሒ እናተቐበልካ ክትነብርሲ ኽንደይ ኰን ዘሐጕስ ኢዩ! መጽሓፍ ቅዱስ “ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር: እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ” ይብል። (ኢሳይያስ 26:​9) ብመዓልቲ ፍርዲ ኵሎም ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ክማሃሩ ኢዮም: ንኽእዘዝዎን ከገልግልዎን ድማ ዝኣክል ግዜ ክረኽቡ ኢዮም።

7. ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እቶም ንኣምላኽ ከገልግሉ ዝወስኑ ሰባትን እቶም ዝኣብዩን እንታይ ክጓነፎም ኢዩ፧

7 ኣብ ከምዚ ዝበለ ገነታዊ ኵነታት ኢዮም የሱስ ክርስቶስን እቶም 144, 000 መናግስቱን ንደቅሰብ ዝፈርድዎም። እቶም ንየሆዋ ንኸገልግሉ ዝወሰኑ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። ገለ ሰባት ግን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝበለጸ ናብራ እውን ንኣምላኸ ካብ ምግልጋል ክኣብዩ ኢዮም። ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ “ንረሲእ እንተ ራሕራሕካሉ: ጽድቂ ኣይምሀርን። ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር።” (ኢሳይያስ 26:​10) ስለዚ እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እኩያት ሰባት ካብ መገዶም ክምለሱ ጽድቂውን ክማሃሩ ዝኣክል ኣጋጣሚ ምስ ተዋህቦም ክጠፍኡ ኢዮም። አረ ገሊኦምሲ መዓልቲ ፍርዲ ቅድሚ ምውዳኣ ኪሞቱ ኢዮም። (ኢሳይያስ 65:​20) ነታ ገነታዊት ምድሪ ንኸባላሽውዋ ወይ ንኽጽይቕዋ ክጸንሑ ኣይክፍቀደሎምን ኢዩ።

8. ስነ–ምግባራዊ ኩነታት ናይ ሰብ ሰዶም ከመይ ኢዩ ነይሩ፧

8 በታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ክትትንስእ ብሓቂ ዓቢ መሰል ኢዩ። እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ነዚ መሰል እዚ ዝረኽቡ ኵሎም ከም ዘይኰኑ ይሕብረልና። እስከ ንሰብ ጥንታዊት ሰዶም ከም ኣብነት ገይርካ ውሰዶም። ሰብ ሰዶም ምስቶም ናብ ቤት ሎጥ “ዝኣተዉ ሰባት” ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ከም ዝደለዩ መጽሓፍ ቅዱስ የዘንቱ። እቲ ርኹስ ተግባሮም ሕሉፍ ስለ ዝነበረ ብትኣምራታዊ መንገዲ ብዑረት ተወቒዖም እኳ ክነሶም ናብ ቤት ኣትዮም ምስቶም ኣጋይሽ ጾታዊ ርክብ ምእንቲ ክፍጽሙ ጌና “ነቲ ኣፍ ደገ ክረኽቡ ይደኽሙ ነበሩ።”​—⁠ዘፍጥረት 19:​4–11

9, 10. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ናይቶም እኩያት ሰብ ሰዶም እንታይ ይሕብር፧

9 ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣዝዮም እኩያት ሰባትሲ በታ መዓልቲ ፍርዲ ትንሳኤ ክረኽቡ ድዮም፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ብግልጺ ከም ዘይትንስኡ ኢዩ ዝሕብር። ንኣብነት: ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበረ ይሁዳ: ብመንፈስ ተመሪሑ ቅድም ብዛዕባ እቶም ኣዋልድ ሰብ ከእትዉ ኢሎም ሰማያዊ ሰፈሮም ዝሓደጉ መላእኽቲ ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ “ከምኡውን ሰዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን: ከማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ: በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ” በለ። (ይሁዳ 6, 7፣ ዘፍጥረት 6:​1, 2) እወ: ሰብ ሰዶምን እቶም ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ከተማታት ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባትን በቲ ዝፈጸምዎ ሕሉፍ ርኽሰት ፈጺሞም ዘይትንስኡሉ ጥፍኣት ኢዮም ረኺቦም።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:​4–6, 9, 10

10 የሱስ እውን ሰብ ሰዶም ምናልባት ትንሳኤ ክህልዎም ከም ዘይክእል ሓቢሩ ኢዩ። ብዛዕባ ቅፍርናሆም ሓንቲ ካብተን ተኣምራት ዝገበረለን ከተማታት ክዛረብ ከሎ “እዚ ኣባኺ [ኣብ ቅፍርናሆም] እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሰዶም ከም ዝቐልል እብለኩም አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 11:​22–24) ኣብዚ የሱስ ካብኣቶም ነቶም ንትንሳኤ ከም ዘይበቕዑ: እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝፈልጥዎም: ናይ ጥንቲ ሰብ ሰዶም ይቐልል ብምባል ናይ ሰብ ቅፍርናሆም ኣበሳ ዝገደደ ምዃኑ ኢዩ ዘጋነነ።

11. ብመዓልቲ ፍርድስ ካብ ነቶም “ሓጥኣን” ነቶም “ጻድቃን” ዝቐለለ ዝኸውን ስለምን​ታይ ኢዩ፧

11 እምበኣርከስ ኣነባብራና ትንሳኤ ዘውህብ ኰይኑ ምእንቲ ክርከብ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ይግባኣና። እንተዀነ ግና: ከምዚ ዝስዕብ ሕቶታትውን ክልዓል ይኽእል ኢዩ:- ንገሊኦም ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ጽድቂ ተማሂሮም ንምግባሩ ካብ ካልኦት ዝያዳ የሸግሮምዶ ዀን ይኸውን፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ:- ከም እኒ ኣብርሃም: ይስሃቅ: እዮብ: ዴቦራ: ሩትን ዳንኤልን ዝኣመሰሉ ‘ጻድቃናት’ ቅድሚ ሞቶም ንምጽኣት ናይቲ መሲህ ኣማዕድዮም ይጥምቱ ኢዮም ነይሮም። ብመዓልቲ ፍርዲ ኸኣ ብዛዕባኡ ክማሃሩን ኣብ ሰማይ ይገዝእ ከም ዘሎውን ክፈልጡንሲ ክሳዕ ክንደይ ክሕጐሱ ኢዮም! ስለዚ ካብቶም ዝትንስኡ “ሓጥኣንሲ” ነዞም ‘ጻድቃናት’ እዚኣቶም ኢዩ ጽድቂ ንምግባር ኣዝዩ ዝቐለለ ዝኸውን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

ትንሳኤ ‘ህይወትን ፍርድን’

12. ብመሰረት ዮሃንስ 5:​28–30 መን ኢዮም እቶም “ትንሳኤ ህይወት” ዝረኽቡ: መንከ ኢዮም “ትንሳኤ ፍርዲ” ዝቕበሉ፧

12 የሱስ ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ኣብ [ናይ ዝኽሪ ትሓዓ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም። . . . ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ።” (ዮሃንስ 5:​28–30 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እዚ “ትንሳኤ ህይወት” እዚ እንታይ ኢዩ: “ትንሳኤ ፍርዲ”ኸ እንታይ ኢዩ፧ መንከ ኢዩ እቲ ዝቕበሎም፧

13. ንሓደ ሰብ “ትንሳኤ ህይወት” ምቕባል ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧

13 ምዉታት ካብ መቓብር ክትንስኡ ኸለዉ በቲ ዝሓለፈ ኣበሳኦም ከም ዘይፍረዱ ብግልጺ ተረዲእናዮ ኣሎና። የግዳ በቲ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ዝገበርዎ ደኣ ኢዮም ዝፍረዱ። ስለዚውን የሱስ “ሰናይ ዝገበሩ” ከምኡ ኸኣ “እኩይ ዝገበሩ” ክብሎም ከሎስ ነቲ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ዝገብርዎ ሰናይ ግብርን እኩይ ግብርን ማለቱ ኢዩ። ብምኽንያት ናይቲ ዝገብርዎ ሰናይ ነገራት ኣብ መወዳእታ ናይቲ 1,000 ዓመት መዓልቲ ፍርዲ: ዝበዝሑ ካብቶም ዝትንስኡ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ክግስግሱ ኢዮም። ስለዚ ካብ ሞት ምምላሶምሲ ን“ትንሳኤ ህይወት” ምዃኑ ከረጋግጹ ኢዮም: ምኽንያቱ ሓጢኣት ዘይብላ ፍጽምቲ ህይወት ስለ ዝረኽቡ ኢዩ።

14. ንሓደ ሰብ “ትንሳኤ ፍርዲ” ምቕባል ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧

14 በቲ ሓደ መገዲ ድማ እቶም ብመዓልቲ ፍርዲ ‘እኩይ ወይ ጽዩፍ ነገር ዝገብሩ’ ሰባትከ እንታይ ክዀኑ ኢዮም፧ ካብ ሞት ምምላሶም ናብ “ትንሳኤ ፍርዲ” ምዃኑ ከረጋግጹ ኢዮም። እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ማለት ፍርዲ ወይ ኩነኔ ናይ ሞት ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መንጎ ወይ ከኣ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ፍርዲ ክጠፍኡ ኢዮም። እቲ ምኽንያት ድማ ግብሮም እኩይ ስለዝዀነ: ተማሂሮም ድማ ጽድቂ ምግባር ስለ ዝኣበዩ ኢዩ።

መዓልቲ ፍርዲ ዝጅምረሉ ግዜ

15. መዓልቲ ፍርዲ ቀቅድሚ ምጅማሩ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

15 ሃዋርያ ዮሃንስ ቀቅድሚ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ ከም ዝፍጸም ብራእይ ተገልጸሉ። ከምዚ ኢሉውን ጸሐፈ:- “ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ . . . ምዉታት ድማ ዓበይትን ናኣሽቱን: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ . . . እቶም ምዉታት ድማ . . . ተፈርዱ።” (ራእይ 20:​11, 12 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) መዓልቲ ፍርዲ ቅድሚ ምጅማሩ እምበኣር እዚ ሕጂ ዘሎ ‘ብምድርን ሰማይን’ ዝቘመ ኣገባብ ከልግስ ኢዩ። እቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ክድሕኑ ኸለዉ ኵሎም እኩያት ግን ብኣርማጌዶን ክጠፍኡ ኢዮም።​—⁠1 ዮሃንስ 2:​17

16. (ሀ) ብዘይካ እቶም ምዉታትከ መን ካልኦት ኢዮም ብመዓልቲ ፍርዲ ዝፍረዱ፧ (ለ) ብመሰረት እንታይከ ኢዮም ዝፍረዱ፧

16 እቶም ዝትንስኡ “ምዉታት” ጥራይውን ኣይኰኑን ብመዓልቲ ፍርዲ ዝፍረዱ። እቶም ንኣርማጌዶን “ብህይወቶም” እተሳገሩን ዝወለድዎም ደቅን እውን ከይተረፉ ክፍረዱ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 4:​1) ዮሃንስ ኣብቲ ራእይኡ ብምንታይ ከም ዝፍረዱውን ርእዩ ኢዩ። “መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ” ኢሉ ይጽሕፍ። “እቶም ምዉታት ድማ: ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።”​—⁠ራእይ 20:​12, 13

17. እቲ “ምዉታትን” “ህያዋንን” ዝፍረድሉ “መጻሕፍቲ” እንታይ ኢዩ፧

17 እቲ ብእኡ መሰረት “ምዉታትን” “ህያዋንን” ዝፍረዱሉ እተገንጸለ “መጻሕፍቲ” እንታይ ኢዩ፧ እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጂ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሰኽቲ ከም ዝዀኑ ርዱእ ኢዩ። እዚኣቶም ሕግታትን መምርሒታትን ናይ የሆዋ ዝሓዙ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶም ጽሑፋት ወይ ከኣ መጻሕፍቲ ኢዮም። ነዚ ጽሑፍ’ዚ ብምንባብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ ኢዮም። ሽዑ ኵሎም ሰባት ብመሰረት እቲ ኣብዚ “መጻሕፍቲ” እዚ ዘሎ ሕግታትን ትእዛዛትን ክፍረዱ ኢዮም። እቶም ንትሕዝቶ ናይዚ መጻሕፍቲ’ዚ ዝእዘዙ ሰባት ካብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጅነት ክጥቀሙ ኢዮም: በብቑሩብ ከኣ ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ክበጽሑ ኢዮም።

18. (ሀ) ኣብ መወዳእታ ናይቲ መዓልቲ ፍርዲ ኵነታት ከመይ ክኸውን ኢዩ፧ (ለ) ከመይ ኢሎም ኢዮም ኣብ መወዳእታ ናይተን 1, 000 ዓመት “ምዉታት” ህያዋን ዝዀኑ፧

18 ኣብ መወዳእታ ናይተን 1, 000 ዓመት መዓልቲ ፍርዲ ሓደ እኳ ኣብ ምድሪ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዝመውት ኣይክህሉን ኢዩ። ብሓቂ ሽዑ ዅሉ ምሉእ ብምሉእ ህይወት ክረክብ ኢዩ። ነዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ “እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና [ብዘይ እቶም ንሰማይ ዝኸዱ 144, 000] እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን” ዝበለ። (ራእይ 20:​5) ኣብዚ እቲ “እቶም ዝተረፉ ምዉታት” ክብል ከሎስ ካልኦት ኣብ መወዳእታ ናይተን 1, 000 ዓመት መዓልቲ ፍርዲ ዝትንስኡ ኣለዉ ማለት ኣይኰነን። የግዳ ኣብ ሰብኣዊ ፍጽምና ስለ ዝበጽሑስ ኵሎም ምሉእ ህይወት ረኺቦም ማለት ኢዩ። ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ዝነበሮም ፍጹም ኵነታት ክህልዎም ማለት ኢዩ። ድሕርዚ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

ድሕሪ መዓልቲ ፍርዲ

19. ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ ክገብር ኢዩ፧

19 የሱስ ክርስቶስ ንዅሉ እቲ ኣቦኡ ክገብሮ ዝኣዘዞ ምስ ፈጸመ ‘ነታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ክውፍያ እዩ።’ እዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ናይተን 1, 000 ዓመት መዓልቲ ፍርዲ ኢዩ ዝኸውን። ሽዑ ኵሎም ጸላእቲ ከልግሱ ኢዮም። እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ድማ እቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሞት ኢዩ። እዚውን ኽጠፍእ ኢዩ! ድሕሪዚ ድማ እታ መንግስቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ትኸውን። ባዕሉውን ብቐጥታ ንጉስ ኰይኑ የመሓድር።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:​24–28

20. (ሀ) የሆዋ ናይ መን ኣስማት ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ከም ዝጸሓፍ ንኽውስን እንታይ ኢዩ ዝገብር፧ (ለ) ስለምንታይከ ኢዩ እቲ ኣብ መወዳእታ ንሰባት ክወርዶም ዘለዎ ፈተና ግቡእ ኢዩ ክበሃል ዝኽእል፧

20 የሆዋ ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ናይ መን ኣስማት ከም ዝጸሓፍ ዝውስን ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ (ራእይ 20:​12, 15) ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ብዝወርድ ፈተና ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ፈተና ምስ በጽሖም ከመይ ኢሎም ከም ዝወደቑ: እዮብ ግን ፈተና ምስ ወረዶ ከመይ ገይሩ ንጽህናኡ ከም ዝሓለወ ዘክር። እቶም ክሳዕ መወዳእታ ናይተን 1, 000 ዓመት ዝነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ግን እምነቶም ኣይክፍተንን ኢዩ። ቅድሚ ትንሳኤኦም ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ገለ ፍልጠት ኣይነበሮምን። ንሳቶምሲ “ሓጥኣን” ክፍሊ ናይዚ እኩይ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ኢዮም ነይሮም። ድሕሪ ትንሳኤኦም ኣብ ገነት ብዘይ ናይ ድያብሎስ ምጽራር ንየሆዋ ምግልጋል ኣይከሸግሮምን ኢዩ። እንተዀነ ግን እዞም ኣብ ፍጽምና ዝበጽሑ ብቢልዮናትውን ዝቑጸሩ ሰባት ሰይጣን ጠጠው ንኸብሎም ኣጋጣሚ እንተ ዝወሃቦስ ንየሆዋ ምግልጋል ምቐጸሉዶ፧ ሰይጣን ንዓኣቶምከ ከምቲ ነቶም ፍጹማት ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበሮምዶ ኽገብሮም ምኸኣለ፧

21. (ሀ) ከመይ ገይሩ ኢዩ የሆዋ ሰባት ከም ዝፍተኑ ዝገብር፧ (ለ) እቲ ፈተና ምስ ተወድአኸ ኵሎም እቶም ኣብኡ እትዋት ዝዀኑ እንታይ ክዀኑ ኢዮም፧

21 ነዚ ከምዚ ዝበለ ሕቶ ንኸደቅስ ኢሉ የሆዋ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብቲ ን1, 000 ዓመት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ መዓሙቕ ክፈትሖም ኢዩ። ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ንገለ ሰባት ካብ የሆዋ ከም ዝርሕቁ ንምግባር ዕዉት ከም ዝኸውን ኢዩ ዘርኢ። እዚኣቶምውን ብዝሖም “ከም ሑጻ ባሕሪ” ኢዩ: እዚ ማለት ድማ ማእለያ የብሎምን። ድሕሪ እዚ ፈተና’ዚ ድማ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሎም እቶም ነቲ ፈተና ዘይተዋጽእሉ ሰባትን ኣብቲ ምሳልያዊ “ቀላይ ሓዊ” ካልኣይ (ዘለኣለማዊ) ሞት ክድርበዩ ኢዮም። (ራእይ 20:​7–10, 15) እቶም ስሞም ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” እተረኽቡ ግን ኣብታ ውቅብቲ ምድራዊት ገነት ክነብሩ ኢዮም። ኣስማቶም ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ብምጽሓፉ ኸኣ የሆዋ ጻድቕ ዝዀነ ልብን ኣእምሮን ኣካልን ከም ዘለዎም እሞ: ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩውን ብቑዓት ምዃኖም ይፈርዶም ማለት ኢዩ።

ናይዚ ዘሎናዮ ኣገባብ መዓልቲ ፍርዲ

22. መዓልቲ ፍርድን እቲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወርድ ፈተናን ንምርኣይ ክንበቅዕ: ሕጂ ካብ ምንታይ ክንድሕን ይግብኣና፧

22 ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ ኣብተን 1, 000 ዓመት ክኸውን ዘለዎ ነገራት ይሕብረልና ኢዩ። ከምኡውን ብዛዕባ ንዝመጽእ ክኸውን ዘለዎ ክንፈርሕ ምኽንያት ከም ዘይብልና የርኢ። እቲ ሕቶ ግን:- ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣዳልዩዎ ዘሎ ሰናይ ነገራት ንኸተስተማቕሮ ኣብኡ ክትርከብ ዲኻ፧ ንኽትርከብ እምበኣር ካብቲ ሕጂ ክወርድ ዘለዎ መዓልቲ ፍርዲ ማለት ‘መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣትን ናይቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት’ ክትድሕን ኣሎካ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:​7

23. (ሀ) ኣብ ከመይ ዝበለ ክልተ ጕጅለ ኢዮም ሰባት ሎሚ ዝፈላለዩ ዘለዉ፧ (ለ) ንነፍሲ ወከፍ ጕጅለኸ እንታይ ከጋጥሞ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

23 እወ: ካብታ ክርስቶስ ተመሊሱ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ እተቀመጠላ ግዜ ጀሚሩ ኵሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኢዮም ኣትዮም ዘለዉ። እዚ ናይ ሕጂ “መዓልቲ ፍርዲ” ድማ ቅድሚ እተን ናይ 1, 000 ዓመት መዓልቲ ፍርዲ ምጅማረን ዝፍጸም ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ፍርዲ እቶም ከም “ኣጣል” ዝዀኑ ንክርስቶስ ብጸጋሙ እቶም “ኣባጊዕ” ድማ ብየማኑ ዀይኖም ይፈላለዩ ኣለዉ። እቶም “ኣጣል” ነቶም ቅቡኣት “ኣሕዋት” ክርስቶስ ናብቲ ንኣምላኽ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ስለ ዘይደገፍዎም ክጠፍኡ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም “ኣጣል” እዚኣቶም ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት እኩያትን ኣብቲ ዘይቅኑዕ መገዶም ድማ ተረርትን ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም። እቶም “ኣባጊዕ” ግን ‘ንኣሕዋት’ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ስለ ዝድግፍዎም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ህይወት ብምርካብ ክባረኹ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 25:​31, 46

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 178 ዘሎ ስእልታት]

የሱስ ብመዓልቲ ፍርዲ ንሰብ ሰዶም ይቐልል ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧