መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
ምዕራፍ 5
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
1. ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሓበሬታ ይህበና ኢዩ ኢልና ክንኣምን ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ ገለ ሓበሬታ ሂቡናዶ ኣሎ፧ እንታይ ከም ዝገበረን እንታይ ንኽገብርውን ዕላማ ከም ዘለዎንዶ ነጊሩና ኢዩ፧ ሓደ ደቁ ዘፍቅር ኣቦ ንደቁ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዝነግሮም። ርኢናዮ ከም ዘሎናውን የሆዋ ብሓቂ ፈቃር ኣቦ ኢዩ።
2. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንኽነግረና እተጠቕመሉ ዝበለጸ መገድስ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እዚኸ ከመይ ዘበለ ሕቶታት የልዕል፧
2 ከመይ ገይሩ ኢዩ የሆዋ ነዞም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ናይዛ ምድርን ከምኡ ኸኣ ኣብ በበይኑ ዝዀነ ግዜታት ዝነበሩን ዝነብሩውን ዘለውን ደቅሰብ ሓበሬታ ክህቦም ዝኽእል፧ ነዚ ብዝበለጸ መገዲ ክገብሮ ዝኽእል ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፍ ገይሩ: ንዅሎም ሰባትውን ከም ዝበጽሖም ብምግባር ኢዩ። እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝበለ ካብ ኣምላኽ እተዋህበ መጽሓፍ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝመሳሰል ካልእ መጽሓፍ የልቦን
3. መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለጸ መጽሓፍ ዝገብሮ ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ እንተዀይኑ: ካብ ኵሉ እተጻሕፈ ዘበለ መጽሓፍቲ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ክኸውን ኢና እንጽበዮ። እሞኸ ኸምኡ ድዩ፧ እወ: ከምኡ ምዃኑ ዘረድእ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ቀዳማይ ነገር ብዕድመ እንተ ርኤና ናይ ጥንቲ ኢዩ: እቲ ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ቃል ኣምላኽ: ቅድሚ ቀረባ ግዜ ክጽሓፍ ኢልካ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ኣይኰነንዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ 3,500 ዓመታት ይገብር ኢዩ ብቛንቋ እብራይስጢ ክጽሓፍ ዝጀመረ። ልዕሊ 2,200 ዓመታት ይገብርውን: ናብ ካልእ ቋንቋታት ክትርጐም ጀመረ። ሎሚ ዳርጋ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘሎ ኵሉ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ በብቛንቋኡ ከንብብ ይኽእል ኢዩ።
4. ብዝሒ ናይ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ካልእ መጻሕፍቲ ብኸመይ ይነጻጸር፧
4 ከም ብዝሒ መጠን እንተደኣ ርኢናውን ኣብ ዓለም ካብ እተጻሕፉ መጻሕፍቲ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝወዳደር መጽሓፍ የለን። ሓደ መጽሓፍ “ዕዳጋ ረኺቡ” ንኽበሃል ብኣሽሓት ቅዳሕ ጥራይ ምስ ዝሕተም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብብዙሕ ሚልዮናት ኢዩ ዝሕተም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ብኣሻሕ ሚልዮናት ኢዩ ተሓቲሙ! ኣብ ብዘላ ምድሪ: ኣብቲ ምሕድግ ዝበለ ቦታ እውን ከይተረፈ: መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣተዎ ቦታ ዳርጋ ኣይርከብን ኢዩ። እቲ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ከምዚ ክኸውንዶ ኣይኰነን እትጽበዮ፧
5. መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ እንታይ ጻዕሪ ኢዩ እተገብረ፧
5 ነዚ ዓቢ ምዝርጋሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ዝበለጸ ዝገብሮ ድማ: ጸላእቲ ከጥፍእዎ ምፍታኖም ኢዩ። እንተዀነ ግን ሓደ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ: በቶም ወኪላት ናይ ድያብሎስ መጥቃዕቲ ክበጽሖዶ ኣይንጽበን ኢና፧ እዚ ተፈጺሙ ኢዩ። ሓደ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ምንዳድ ልሙድ ኢዩ ነይሩ: አረ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ እተረኽበ እኳ ደኣ ብሞት ኢዩ ዝቕጻዕ ዝነበረ።
6. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንኸመይ ዝበሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ኢዩ መልሲ ዝህበሎም፧ (ለ) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዝጸሓፍዎ ሓበሬታ ካብ መን ከም እተቐበልዎ ኢዮም ዝዛረቡ፧
6 ሓደ ካብ ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ኵልና ክንፈልጦ ዘድልየና ኣገዳሲ ነገራት ዝሓዘ ክኸውን ኢኻ እትጽበዮ። ገለ ካብቶም ንሱ ዝምልሶም ሕቶታት ‘ ህይወት ካበይ ኢያ መጺኣ፧’ ‘ኣብ ምድሪ ናይ ምንባርና ዕላማ እንታይ ኢዩ፧’ ‘ንመጻኢ ግዜ ተነቢሩልና ዘሎ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብሉ ኢዮም። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታ ቃል የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ባዕሉ እቲ መጽሓፍውን: ኣነጺሩ ይነግረና። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስውን ከምዚ ይብል:- “መንፈስ [የሆዋ ትሓዓ ] ብኣይ ተዛረበ: ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ።” (2 ሳሙኤል 23:2) ሓደ ኻልእ ጸሓፊውን:- “ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ . . . ኢዩ” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16 ትሓዓ ) መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ካብ መስከረ: እዚ ሓቂ እንተደኣ ኰይኑ ንኽትፈልጥ ኢልካ ምምርማሩስ ጥበብዶ ኣይኰነን፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጻሕፈ
7. (ሀ) ንመጽሓፍ ቅዱስ መን ጸሓፎ፧ (ለ) ከመይ ኢሉ ደኣ ኢዩ ናይ ኣምላኽ ክበሃል ዝከኣል፧
7 ‘መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብሰባት እተጻሕፈ ክነሱስ ከመይ ኢልካ ኢዩ ካብ ኣምላኽ ክበሃል ዝከኣል፧’ ኢልካ ትጥይቕ ትኸውን። ሓቂ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ 40 ዝዀኑ ሰብኡት ተሳቲፎም ኢዮም። ብጀካ እተን ኣምላኽ ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ኣብ ጽላት እምኒ ዝጸሓፈን ዓሰርተ ትእዛዛትሲ: ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ በዞም ሰብኡት እዚኦም ኢዩ ተጻሒፉ። (ዘጸኣት 31:18) እንተዀነ ግን እዚ ነቲ ዝጽሓፍዎ ቃል ናይ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣየንእሶን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስውን ባዕሉ “ሰባት ኢዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ” ይብል። (2 ጴጥሮስ 1:21 ትሓዓ ) እወ: ከምቲ ኣምላኽ በቲ ሓያል ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ሰማይን ምድርን ኵሉ እቲ ህያው ዝዀነ ፍጥረታትን ዝደኰነ: ከምኡውን በዚ መንፈስ እዚ ገይሩ ኢዩ ነዚ መጽሓፍ እዚ ዘጽሓፎ።
8, 9. መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘጽሓፎ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል ሎሚ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ዘሎና፧
8 በዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ደራሲ: ንሱ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ: ጥራይ ኢዩ ዘለዎ ማለት ኢዩ። ከምቲ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ደብዳበኡ በታ ጸሓፊቱ ገይሩ ዘጽሕፎ ከምኡውን ኣምላኽ ሓሳቡ ብሰባት ገይሩ ኢዩ ኣጽሒፍዎ። እታ ጸሓፊት ነታ ደብዳበ እኳ እንተ ጸሓፈታ: ኵሉ እቲ ሓሳብ ናይቲ ዘጽሓፋ ኣካያዲ ስራሕ ኢዩ። ስለዚውን እታ ደብዳበ ናቱ ደኣምበር ናይታ ጸሓፊት ኣይኰነትን: ብተመሳሳሊ መገዲውን መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ደኣ እምበር ናይቶም ዝጽሓፍዎ ሰባት ኣይኰነን።
9 ኣእምሮ ናይ ሰብ ዝፈጠረ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ነእምሮ ኣገልገልቱ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ብምሃብ ከም ዝጽሕፉ ክገብሮ: ብርግጽ ኣይከብዶን ኢዩ። ሎሚውን እንተ ርኤና ሓደ ሰብ ኣብ ቤቱ ከሎ ካብ ርሑቕ ቦታ ብረድዮ ወይ ብተለቪዥን መልእኽቲ ክመጾ ይኽእል። እቲ ድምጺ ወይ ስእሊ ድማ በቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ባህርያዊ ሕጊ ገይሩ ኢዩ ነዊሕ ዝጕዓዝ። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ካብቲ ዝነብረሉ ርሑቕ ቦታ: ማለት ካብ ሰማያት: ንስድራ ቤት ደቅሰብ ዝኸውን ሓበሬታ ኽጽሕፉ ንሰባት ክመርሖም ከም ዝኽእል: ምርድኡ ቀሊል ኢዩ።
10. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ዝኣኽሉ መጽሓፍቲ ዝሓዘ ኢዩ: ኣብ ውሽጢ ክንደይ ዝኣክል ግዜኸ ኢዩ ተወዲኡ፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡኸ ከመይ ዝበለ ኣርእስቲ ኢዩ ዘሎ፧
10 ፍረ ናይዚ ድማ ሓደ ድንቂ ዝዀነ መጽሓፍ ተጻሕፈ። መጽሓፍ ቅዱስ 66 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ኢዩ። እታ ብቛንቋ እንግሊዝ “ባይብል” እትብል ቃል ካብታ ብግሪኽ “ቢብሊያ:” ትርጕማ ኸኣ “ንኣሽቱ መጻሕፍቲ” እትብል ቃል ዝመጸት ኢያ። እዘን መጻሕፍቲ ወይ መልእኽትታት እዚአን ክጽሓፋ ካብ 1, 600 ዓመት ንላዕሊ ወሲደን ኢየን: እዚ ኸኣ ካብ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 98 ከ.ኣ.ዘ. ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ዅሉ ጽሑፋት እዚ ደራሲኡ ሓደ ብምዃኑ ነንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብ ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ፍረ ነገር ሓደ ዓይነት ኢዩ: እዚ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኵነታት በታ መንግስቱ ገይሩ ክመልስ ከም ዝዀነ ኢዩ። እታ ቐዳመይቲ መጽሓፍ ማለት ዘፍጥረት ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣምላኽ እተገብረ ዕልወት እታ ገነታዊት ቤት ብኸመይ ከም ዝጠፍአት ክትገልጽ ከላ: እታ ኣብ መወዳእታ ዘላ መጽሓፍ ራእይ ድማ ምድሪ እንደገና ብግዝኣት ኣምላኽ ከመይ ኢላ ገነት ከም እትኸውን ትገልጽ።—ዘፍጥረት 3:19, 23፣ ራእይ 12:3, 4
11. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርያ በየኖት ቋንቋታት ኢዩ ተጻሒፉ ዝነበረ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንታይ ክልተ ቀንዲ ክፍልታት ኢዩ ዝኽፈል፧ ሓደ ምዃኖም ግን ብኸመይ የርእዩ፧
11 እተን ቀዳሞት 39 መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብእብራይስጢ ክጽሓፋ ኸለዋ ገለ ክፍልታተን ግን ብኣረማይስጢ ኢዩ ተጻሒፉ። እተን ዝተረፋ 27 መጻሕፍቲ ግን ብቛንቋ ግሪኽ ኢየን ተጻሒፈን: ምኽንያቱ ኸኣ እዚ ቋንቋ እዚ በቲ የሱስን ደቂ መዛሙርቱን ዝነበርሉ ግዜ ናይ ሓባር ቋንቋ ኢዩ ነይሩ። እዚ ክልተ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብግቡእ “ናይ እብራይስጢ ጽሑፋትን” “ናይ ግሪኽ ጽሑፋትን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክልቲኡ እዚ ክፍልታት እዚውን ኣብ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ምዃኑ ንኸርኢ ናይ ግሪኽ ጽሑፋት ካብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ገለ 320 ግዜ ክጠቅስ ከሎ: 570 ዝዀኑ ጥቕስታት ድማ ሓበሬታ ንምሃብ ሓሳባቶም ጥራይ ብምጥቃስ ተጻሒፎም ይርከቡ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ከም ዝበጽሕ ምግባር
12. ስለምንታይ ኢዩ የሆዋ ብዙሕ ቅዳሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዳሎ ዝገበረ፧
12 እቲ በዅሪ ጽሑፋት ጥራይ እንተ ዝህሉስ: ኵሎም ሰባት ከመይ ገይሮም ቃል ኣምላኽ ከንብቡ ምኽኣሉ፧ ኣይምኽኣሉን። ስለዚ ድማ ኢዩ የሆዋ ቅድሓት ናይቲ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ በዅሪ ጽሑፋት ከም ዝባዛሕ ዝገበረ። (ዘዳግም 17:18) ንኣብነት እዝራ “ኣብቲ [የሆዋ ትሓዓ ]ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ፍጡን ጸሓፊ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (እዝራ 7:6) ናይ ግሪኽ ጽሑፋት እውን ብኣሽሓት ቅዳሓት ተጻሒፉ ኢዩ።
13. (ሀ) መብዛሕትኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከንብቡስ እንታይ ኣድለየ፧ (ለ) ቀዳማይ ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ተገብረ፧
13 እብራይስጢ ወይ ከኣ ግሪኽ ተንብብ ዲኻ፧ ንኽልቲኡ ዘይትፈልጦ እንተዀንካ: እቲ ብኢድ እተጻሕፈ ገሊኡ እውን ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ጥንታዊ ጽሑፋት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ኣይኰነልካን ኢዩ። ስለዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸተንብብ ካልኦት በቲ እትፈልጦ ቋንቋ ክትርጕሙልካ የድሊ። እዚ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም: ብዙሓት ሰባት ቃል ኣምላኽ ንኸንብቡ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ንኣብነት 300 ዓመት ቅድሚ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ግዜ: ግሪኽ ብዙሓት ሰባት ዝዛረብሉ ቋንቋ ስለ ዝነበረ: ጽሑፋት እብራይስጢ ካብ 280 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ክትርጐም ጀመረ። እዚ ጥንታዊ ትርጕም’ዚ ድማ “ሰብዓ ሰገድ” ተባህለ።
14.(ሀ) ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይትርጐም እተቓለሱስ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጻዕሮም ከንቱ ዀይኑ ከም ዝተረፈኸ ብኸመይ ይፍለጥ፧
14 ድሕሪ ሓያለይ ግዜውን ላቲን ናይ ብዙሓት ሰባት ናይ ሓባር ቋንቋ ስለ ዝዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ብላቲን ተተርጐመ። ዘበናት እናሓለፈ ብዝኸደ ግን: ላቲን ዝዛረቡ ሰባት እናወሓዱ ከዱ። ድሕርዚ ብዙሓት ብእተፈላለየ ቋንቋታት ከም እኒ ዓረብ: ፈረንሳ: ቋንቋ እስጳኛ: ፖርቱጋል: ጥልያን: ጀርመን: እንግሊዝ: ክዛረቡ ጀመሩ። ንገለ ግዝያት ናይ ካቶሊክ መራሕቲ ሃይማኖት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቋንቋ ናይቶም ተራ ህዝቢ ንኸይትበጽሕ ብዙሕ ተቓሊሶም ኢዮም። ሕሉፍ ሓሊፎምውን መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ንእተረኽቡ ሰባት ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒሎም ብሓዊ ኣንዲዶምዎም ኢዮም። ከምኡ መግበሪኦም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርቶምን እኩይ ተግባራቶምን ዘቃልዖ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ግዜ ብዝሓለፈ መጠን ግን ቃልሲ ናይቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከንቱ ኰይኑ ስለ ዝተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ክትርጐምን ብብዝሒውን ክዕደል ጀመረ። ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ወይ ክፋሉ ካብ 2, 000 ቋንቋታት ንላዕሊ ክንበብ ተኻኢሉ ኢዩ!
15. ስለምንታይ ኢዩ ሓድሽ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወካ ጽቡቕ ዝኸውን፧
15 ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ድማ ብሓደ ቋንቋ ጥራይ ክነሱ ብዙሕ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክህሉ ከኣለ። ንኣብነት ብቛንቋ እንግሊዝ ጥራይሲ ብደርዘናት ዝቑጸር ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ሓደ ጥራይዶ ኣይምኣኸለን፧ ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ ሓደ ቋንቋ ኣብቲ ቃላቱ ብዙሕ ለውጥታት ኢዩ ዝገብር። ከምኡ ስለ ዝዀነ እኳ እቲ ቐደም እተተርጐመ ምስቲ ሓድሽ ትርጕም እንተ ኣነጻጸርካዮ ብዙሕ ናይ ቋንቋ ለውጥታት ትረኽበሉ። ኵሉ ግዜ ዳርጋ ሓደ ዓይነት ሓሳብ እኳ ዘመሓላልፉ እንተዀኑ: እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተሓትመ ትርጕማት ብሓፈሽኡ ንኽትርድኦ ቅልል ዝበለ ኢዩ። ስለዚ እዚ ሓድሽ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ልሙድን ብቐሊሉ ክትርድኦ እትኽእልን ዘመናዊ ቋንቋ ስለ እተዳለወ መመስገንቲ ክንከውን ንኽእል ኢና።
መጽሓፍ ቅዱስ ለውጢዶ ገይሩ ኢዩ፧
16. ስለምንታይ ኢዮም ገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ተለዊጡ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ፧
16 ‘ከመይ ጌርና ኢናኸ እዚ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ እቶም ናይ ጥንቲ ጽሓፍቲ ካብ ኣምላኽ እተቐበልዎ ሓበሬታ ዝሓዘ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣማእታት አረ ኣሽሓት ዓመታት መመሊሶም ክቕድሑ ከለውስ ገለ ጌጋታት ኣይኣተዎን ድዩ፧ እወ: እዚ ጌጋታት እዚ ተረኺቡስ ኣብዚ ዘመናዊ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ተኣሪሙ ኢዩ። እዚ ሕጂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓበሬታ ልክዕ ከምቲ እቶም ቀዳሞት ጸሓፍቲ ካብ ኣምላኽ ተቐቢሎም ዝጸሓፍዎ ኢዩ ዘሎ። ነዚኸ እንታይ መረጋገጺ ኣለዎ፧
17. መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይተለወጠ ዘረጋግጽ ከመይ ዝበለ መርትዖ ኣሎና፧
17 ኣብ መንጎ እቲ ካብ 1947 ክሳዕ 1955 ዝነበረ ዓመታት: እቶም ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕሉላት ተባሂሎም ዝፍለጡ ጽሑፋት ተረኺቦም ኢዮም። ኣብ መንጎ እዞም ናይ ጥንቲ ጥቕሉላት እዚኣቶም ድማ ገለ ቅዳሓት ናይ ጽሑፋት እብራይስጢ ጸኒሖም ኢዮም። ዕድሚኦም እውን ካብ 100 ክሳዕ 200 ዓመት ቅድሚ ልደት የሱስ ከም ዝነበረ ተፈልጠ። ሓደ ኻብዚ ጥቕሉላት እዚ ድማ ቅዳሕ ናይ ትንቢት ኢሳይያስ ኢዩ። እዚ ቅድሚ ምርካቡ: እቲ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ ብዕድመ ዝዓበየ ቅዳሕ ናይ ትንቢት ኢሳይያስ ዳርጋ 1, 000 ዓመት ድሕሪ ልደት የሱስ እተጻሕፈ ኢዩ ነይሩ። እዚ ክልቲኡ ቅድሓት ናይ ትንቢት ኢሳይያስ ምስ ተነጻጸረ ድማ ኣብ መንጎኦም ገለ ውሑድ ፍልልይ: መብዛሕትኡ ኸኣ ሒደት ለውጢ ናይ ፊደላት ጥራይ ኢዩ ነይሩ! እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ካብ 1, 000 ዓመታት ንላዕሊ እተገብረ ምቕዳሕሲ: ዓቢ ለውጢ ከም ዘይተገብረ ኢዩ ዝሕብር!
18. (ሀ) ከመይ ኢሉ ኢዩ እቲ ጸሓፈቲ ዝገበርዎ ጌጋታት እተኣረመ፧ (ለ) ብዛዕባ ሓቅነት ናይ ጽሑፋት ግሪኽከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧
18 ሎሚ ካብ 1, 700 ንላዕሊ ዝዀኑ ጥንታውያን ቅዳሓት ናይቶም እተፈላለዩ ክፋላት ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ኣለውና። ነዞም ብዙሓት ናይ ጥንቲ ቅድሓት እዚኦም ብጥንቃቐ ብምንጽጻር ድማ: ነቲ እቶም ጸሓፍቲ ክቐድሑ ኸለው ዝገበርዎ ንኣሽቱ ጌጋታት እኳ: ረኺብካ ክእረም ይከኣል ኢዩ። ከምኡውን ብኣሽሓት ዝቑጸር ጥንታዊ ቅዳሓት ናይ ጽሑፋት ግሪኽ ተረኺቡ ኣሎ: አረ ገሊኡስ እኳ ደኣ በቲ የሱስን ሃዋርያቱን ዝነበርሉ ዘበን እተጻሕፈ ኢዩ። ሰር ፍረድሪክ ከንዮን ከም ዝበሎ ድማ:- “እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ብሓቂ ከምቲ መጀመርታ እተጻሕፎ ኰይኑ በጺሑናዶ ይኸውን፧ ዝብል ጥርጠራ ሎሚ መሰረቱ ፈጺሙ ኣልጊሱ ኢዩ።”—ዘ ባይብል ኤንድ ኣርኬዮሎጂ ገጽ 288, 289።
19. (ሀ) ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ንምውሳኽ ፈተነ ከም እተገብረ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) 1 ዮሃንስ 5:7 ከምቲ ኣብ ገለ ትርጕማት ተተርጒምዎ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 እዚ ክብሃል ከሎ ግን ንቓል ኣምላኽ ንምልዋጥ ፈተነ ኣይተገብረን ማለት ኣይኰነን። ተፈቲኑ ኢዩ። ሓደ ኻብቲ ርኡይ ኣብነት እኳ 1 ዮሃንስ 5:7 ኢዩ። ኣብታ ናይ 1611 ሕታም ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይንበብ:- “እቶም ኣብ ሰማይ ዝምስክሩ ሰለስተ ኢዮም: ንሳቶም ከኣ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ኢዮም ሰለስቲኦም ከኣ ሓደ ኢዮም።” እንተዀነ ግን እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ዝዀነ ጽሑፍ ናይተን ቀዳሞት ቅዳሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺመን ኣይርከባን ኢየን። ብሓደ ንትምህርቲ ስላሴ ክድግፍ ዝደሊ ዝነበረ ሰብ ኢየን ተወሲኸን። እዘን ቃላት እዚአን ናይ ሓቂ ክፍሊ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ዘይኰና ግልጺ ስለ ዝዀነ: መአረምታ ተገይሩስ ሕጂ ኣብ ሓድሽ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከባን ኢየን።
20. መጽሓፍ ቅዱስ ብጽሩይ ከም እተመሓላለፈልና ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት እንኸውን፧
20 ስለዚ እምበኣር ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበሬታኡ ከምቲ ቅድም እተጻሕፎ ኣይኰነን ዘሎ ዝብል ሰብ እንተደኣ ኣሊዩ ዀይኑስ: ብዛዕባ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ጭብጥታት ዘይፈልጥ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንቓሉ ካብቲ ቀዳሕቲ ዝገብርዎ ጌጋታት ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቶም ኣብ ልዕሊኡ ወሰኽ ንምግባር ዝፈተኑውን ከይተረፈ ሓልይዎ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስውን ኣምላኽ ነዚ ቅዱስ ቃሉ ክሳዕ እዚ ሎሚ ዘሎናዮ ግዜ ብጽሩዩ ከም ዘትሓላልፈልና ተመባጺዑልና ኢዩ።—መዝሙር 12:6, 7፣ ዳንኤል 12:4፣ 1 ጴጥሮስ 1:24, 25፣ ራእይ 22:18, 19
መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ሓቂ ድዩ፧
21. የሱስ ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧
21 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቀሪቡ ክጽሊ ኸሎ “ቃልካ ሓቂ ኢዩ” በሎ። (ዮሃንስ 17:17) እንተዀነ ግን እቲ ጭብጥታት ነዚ ይድግፎ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ምስ ዝምርመርከ: ብርግጽ ሓቂ ኰይኑዶ ምረኸብናዮ፧ ናይ ታሪኽ ተማሃሮ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ከለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ልክዕነቱ የደንጽዎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክረጋገጽ ዝኽእል ንጹር ኣስማትን ዝርዝራትን ሒዙ ይርከብ። እስኪ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ኣብነታት ንርኣዮ።
22-25. መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ታሪኽ ከም ዝሓዘ ዘረድእ እንታይ ሒደት ኣብነታት ኣሎ፧
22 ኣብዛ ኣብ ካርናክ ናይ ግብጺ እትርከብ መንደቕ ቤት መቕደስ ዘሎ ስእልን ጽሕፈትን እሞ ተመልከት። እቲ ዳርጋ 3, 000 ዓመት ይገብር በቲ ንጉስ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ዝገዝኣሉ ዝነበረ ግዜ ፈርኦን ሺሻቕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይሁዳ ዝገበሮ ዓወት ይነግረና። እዚ ዛንታ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስውን ይርከብ ኢዩ።—1 ነገስት 14:25, 26
23 ነቲ ናይ ሞኣባውያን እምኒውን ንመልከቶ። ብቐንዱ ኣብ ቤተ መዘክር ናይ ሉቭር ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ከርአ ይከኣል ኢዩ። ኣብኡ ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ካብ እስራኤል ከም ዝዓለወ ነንብብ። እዚ ዛንታ’ዚ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኣሎ።—2 ነገስት 1:1፣ 3:4–27
24 ሓጽቢ ናይ ሰሊሆምን መእተዊ ናይቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ 533 ሜትሮ ዝቑመቱ መስኖን ኣብዚ ብየማናይ ጫፍ ክርአ ይክኣል። ኣብዚ ዘበንና ብዙሓት ገየሽቲ ንየሩሳሌም ክበጽሑ ከለዉ በዚ መስኖ እዚ ሓሊፎም ኢዮም። ህላዌ ናይዚ መስኖ እዚ ንርእሱ ሓቅነት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘረጋግጽ ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 2, 500 ዓመት ይገብር ንጉስ ህዝቅያስ ንምንጪ ማያቱ ካብ ወራር ናይ ጸላኢ ክከላኸል ክብል ነዚ መስኖ እዚ ከም ዝሃነጸ ይገልጽ ኢዩ።—2 ነገስት 20:20፣ 2 ዜና መዋእል 32:2–4, 30
25 ኣብቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቤተ መዘክር እንተደኣ ኼድና ናይ ናቦኒደስ ጸብጻብ ፍጻሜታት ንረክብ: ናቱ ቅዳሕውን ብሸነኽ የማን ክርአ ይክኣል። ኣብኡ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዝብሎ ውድቀት ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ተዘንቲዩ ኣሎ። (ዳንኤል 5:30, 31) መጽሓፍ ቅዱስ ግን በቲ ግዜ እቲ ንጉስ ባቢሎን በልሻጽር ከም ዝነበረ ኢዩ ዘዘንቱ። ጸብጻብ ፍጻሜታት ናቦኒደስ ግን በልሻጽር ዝብል ስም ፈጺሙ ኣይጠቅስን ኢዩ። ሓደ ግዜ እኳ ኵሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ፍሉጣት ናይ ጥንቲ ጽሑፋት እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ባቢሎን ናቦኒደስ ከም ዝነበረ ይዛረቡ ነይሮም። ስለዚ ገለ ኻብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣይኰነን ዝብሉ: በልሻጽር ዝበሃል ንጉስ ፈጺሙ ከም ዘይነበረ: ስለዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ግጉይ ከም ዝዀነ ይዛረቡ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ግን በልሻጽር ወዲ ናቦኒደስ ከም ዝዀነን: በቲ ግዜ እቲውን ኣብ ባቢሎን መናግስቲ ኣቦኡ ዀይኑ ይገዝእ ከም ዝነበረን ዘረጋግጽ ጥንታዊ ጽሑፋት ተረኺቡ ኢዩ! እወ: ማእለያ ዘይብሉ ኣብነታት ከም ዝምስክሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ሓቂ ኢዩ።
26. መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ ፍልጠት ዝመጸውን ርጡብ ምዃኑ ብኸመይ ክንርዳእ ንኽእል፧
26 ይኹን ደኣምበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን ሒዙ ዘሎ። ኵሉ እቲ ኣብኡ ተባሂሉ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ናይ ስነ ፍልጠት ጉዳይ እተዛረቦ ከይተረፈ እውን ቅኑዕ ኢዩ። ክልተ ኣብነታት ጥራይ እስከ ንርአ:- ኣብቲ ጥንታዊ ግዜ ሰባት ምድሪ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝርኤ ገዚፍ ነገር ከም እተቐመጠት ይመስሎም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ምስ እዚ ዘሎ ናይ ስነ ፍልጠት መርትዖታት ብዝሰማማዕ መገዲ: ኣምላኽ ‘ ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ ከም ዘንጠልጠላ’ ይነግረና። (እዮብ 26:7) ብዘይዚውን ከምቲ ሰባት ምድሪ ጸፋሕ ኢያ ኢሎም ዝኣምንዎ ዝነበሩ ዘይኰነስ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ኣብ ‘ልዕሊ እታ ከባብ ምድሪ ይቕመጥ’ ይብል።—ኢሳይያስ 40:22 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።
27. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረድእ እንታይ ጽኑዕ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) ጽሑፋት እብራይስጢኸ ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ እንታይ ትንቢታት ኢዮም ብልክዕ እተዛረቡ፧
27 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዝነግረና ዝዓበየ መረጋገጺ ድማ: እቲ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ እተዛረቦ ዘገርም ጸብጻብ ናይ ትንቢታት ኢዩ። ኣቐዲሙ እቲ ታሪኽ ከይተፈጸመ ኸሎ ብልክዕ ገይሩ ዝነግር ደቅሰብ ዘዳለውዎ መጽሓፍ የሎን: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ይነግረና ኢዩ። ልክዕ ዝዀነ ትንቢታት: እወ: ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ክውን ታሪኽ ሒዙ ይርከብ። ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ትንቢታቱ ድማ ብዛዕባ ምምጻእ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኢዩ። ጽሑፋት እብራይስጢ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ ርግጸኛ ብዝዀነ መገዲ ገይሩ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ቤትልሄም ከም ዝውለድ: ካብ ሓንቲ ድንግልውን ከም ዝውለድ: ብ30 ቅርሺ ከም ዝከሓድ: ምስ ዓመጽቲ ከም ዝቑጸር: ካብ ኣዕጽምቱ ሓንቲ እኳ ከም ዘይትስበር: ንኽዳውንቱ ዕጫ ከም ዘውድቕሉን ካልእ ብዙሕ ከምኡ ዝኣመሰለ ዝርዝር እውን ተዛሪቡሉ ኢዩ።—ሚክያስ 5:2፣ ማቴዎስ 2:3–9፣ ኢሳይያስ 7:14፣ ማቴዎስ 1:22, 23፣ ዘካርያስ 11:12, 13፣ ማቴዎስ 27:3–5፣ ኢሳይያስ 53:12፣ ሉቃስ 22:37, 52፣ 23:32, 33፣ መዝሙር 34:20፣ ዮሃንስ 19:36፣ መዝሙር 22:18፣ ማቴዎስ 27:35
28. (ሀ) ስለምንታይ ኢና እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጌናውን ዘይተፈጸመ ትንቢታት ክፍጸም ከም ዝዀነ ክንተኣማመን እንኽእል፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር እንተ ቀጺልካ እንታይ ኢዩ ከእምነካ ዝኽእል፧
28 ኣብ መጀመርያ ምዕራፍ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ከም እተዛራረብናሉ: መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሎሚ ዘሎ ኣረጊት ኣገባብ ጠፊኡ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ኣገባብውን ኣብ ቦታኡ ከም ዝትካእ ይነግረና። (ማቴዎስ 24:3–14፣ 2 ጴጥሮስ 3:7, 13) ኣብዚ ገና ብሕጂ ክፍጸሙ ዘለዎም ትንቢታትሲ ክንትኣማመንዶ ንኽእል ኢና፧ ሓደ ሰብ ሚእቲ ግዜ ዝኣክል ሓቂ ነጊሩካስ ሕጂ ሓድሽ ነገር እንተ ዝነግረካ ኣልዕል ኣቢልካዶ ምጠርጠርካዮ፧ ገለ ጌጋ ዘይረኸብካሉ ክንስኻስ ሕጂዶ ክትጥርጥሮ ምኸኣልካ፧ ከምዚ ምግባርሲ ዘይምስትውዓል ኢዩ! ብተመሳሳሊ መገዲውን ነቲ ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ሂቡና ዘሎ መብጽዓታት ክንወላወለሉ ምኽንያት የብልናን። ከመይሲ ቃሉ እሙን ኢዩ! (ቲቶስ 1:2) መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ምስ እትቕጽል: ብመሰረት እቲ ኣብኡ ዘሎ መርትዖታት: ንስኻውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ክትኣምነሉ ኢኻ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 49 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ሓደ ሓላፊ ደብዳበ ንምጽሓፍ ጸሓፊት ዝጥቀም: ኣምላኽ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ሰባት ተጠቕመ
[ኣብ ገጽ 50 ዘሎ ስእሊ]
ገለ መራሕቲ ሃይማኖት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተራ ህዝቢ ንኸይትበጽሕ ብዙሕ ተቓሊሶም ኢዮም: አረ ሒዞማ ንእተረኽቡውን ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒሎም ብሓዊ ኣንዲዶምዎም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 52, 53 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላል ናይ ኢሳይያስ
[ኣብ ገጽ 54, 55 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ካርናክ: ግብጺ ዝርከብ መንደቕ ቤት መቕደስ
[ኣብ ገጽ 55 ዘሎ ስእሊ]
ጽላት እምኒ ሞኣባውያን
[ኣብ ገጽ 55 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ናቦኒደስ ጸብጻብ ፍጻሜ
[ኣብ ገጽ 55 ዘሎ ስእሊ]
ናብ ናይ ህዝቅያስ መስኖ ዘእቱ ኣፍ ደገን ርባ ስሊሆምን