ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምምላስ ክርስቶስ—ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧

ምምላስ ክርስቶስ—ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧

ምዕራፍ 17

ምምላስ ክርስቶስ​—​ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧

1.(ሀ) ክርስቶስ እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ምምላስ ክርስቶስ ንምንታይ ኣድለየ፧

 “ተመሊሰ ክመጽእ እየ።” (ዮሃንስ 14:3) እዘን ቃላት እዚኣተን የሱስ ክርስቶስ በታ ቅድሚ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ ንሃዋርያቱ ዝሃቦም መብጽዓ ኢየን። ሰባት ነቲ ክርስቶስ ብሓይሊ መንግስቱ መጺኡ ዝህቦ ሰላምን ጥዕናን ህይወትን ከም ሎሚ ገይሩ ኣድልይዎም ከም ዘይፈልጥ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። እንተዀነ ግን ክርስቶስ ብኸመይ ኢዩ ዝምለስ፧ መን ኢዩ ዝርእዮ: ብኸመይ ዝበለ መገዲኸ፧

2. (ሀ) ክርስቶስ ምስ ተመልሰ ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ: ሃዋርያት እውን ሓዊስካ: ኣበይ ንኽነብሩ ኢዩ ዝወስዶም፧ (ለ) ኣብኡኸ ከመይ ዝበለ ኣካል ኢዩ ዝህልዎም፧

2 ክርስቶስ ምስ ተመልሰ ኣብ ምድሪ ክነብር ኣይመጽእን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ እቶም መናግስቱ ዝዀኑ ምስኡ ኣብ ሰማይ ክነብሩ ክውሰዱ ኢዮም። የሱስ ንሃዋርያቱ “ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” በሎም። (ዮሃንስ 14:3) ስለዚ ክርስቶስ ምስ ተመልሰ እቶም ንሰማይ ዝውሰዱ ሰባት መንፈሳውያን ኣካላት ስለ ዝዀኑስ ንየሱስ ኣብ መንፈሳዊ ክብሩ ክርእይዎ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:44) እቶም ዝተረፉ ንሰማይ ዘይከዱ ሰባትከ ንክርስቶስ ምስ ተመልሰ ክርእይዎ ድዮም፧

ከም ሰብ ኰይኑ ዘይምለሰሉ ምኽንያት

3. ሰባት ንክርስቶስ ክርእይዎ ከም ዘይክእሉስ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ፧

3 በታ ምሸት እቲኣ የሱስ ንሃዋርያቱ “ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ” በሎም። (ዮሃንስ 14:19 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እቲ “ዓለም” ዝብል ንደቅሰብ ኢዩ ዘመልክት። ኣብዚ የሱስ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ድሕሪ ንሰማይ ምዕራጉ ከም ዘይርእዩዎ ኢዩ ኣነጺሩ ዝገለጸ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ:- “ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና: ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።”​—⁠2 ቈረንቶስ 5:16

4. ክርስቶስ ከም ሓደ ዘይርአ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ከም ዝምለስ ዘርእየና እን​ታይ ኢዩ፧

4 ብዙሓት ሰባት ግን የሱስ ከምቲ ክመውት ከሎ ዝነበሮ: ስጋ ለቢሱ ከም ዝምለስ እሞ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ክርእይዎ ከም ዝዀኑ ኢዮም ዝኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ክርስቶስ ብኽብሩ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ከም ዝመጽእ እሞ “ኣብ ዝፋን ክብሩ” ከም ዝቕመጥ ይነግር። (ማቴዎስ 25:​31) ክርስቶስ ከም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድራዊ ዝፋን ዝቕመጥ እንተ ደኣ ዀይኑ ግን መዓርጉ ካብ መላእኽቲ ክትሕት ኢዩ። ንሱ ግን ካብ ኵሎም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ዝለዓለ ሓይልን ክብርን ለቢሱ ስለ ዝመጽእሲ: ልክዕ ከምኣቶም ኣይክርአን ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:8–11

5. ክርስቶስ ስጋ ለቢሱ ዘይምለስ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ብኻልእ ሸነኽ ግና 1, 900 ዓመታት ይገብር የሱስ ርእሱ ኣትሒቱ ሰብ ክኸውን ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። ነታ ፍጽምቲ ስጋዊት ህይወቱ ምእንታና ኢሉ ንበጅነት ከሕልፋ ኣድልይዎ ነበረ። ነዚውን የሱስ ሓደ ግዜ ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።” (ዮሃንስ 6:51) በዚ ኸኣ የሱስ ስጋዊ ኣካሉ ንደቅሰብ ኢሉ መስዋእቲ ሃበ። እዚ መስዋእቲ እዚኸ ክሳዕ መዓስ ኢዩ ዝሰርሕ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚአክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና።” (እብራውያን 10:10) ክርስቶስ ነታ ስጋኡ ምእንቲ ህይወት ዓለም ስለ ዝሃባ ሰብ ንክኸውን ኢሉ ፈጺሙ እንደገና ኣይለብሳን ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ፈጺሙ: እቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝሰውኦ: ሰብኣዊ ኣካል ሒዙ ኣይመጽእን ኢዩ።

ስጋዊ ኣካል ንሰማይ ኣይተወስደን

6. ብዙሓት ሰባት ክርስቶስ ስጋዊ ኣካሉ ሒዙ ንሰማይ ከም ዝዓረገ ገይሮም ዝኣምኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

6 እንተዀነ ግና: ብዙሓት ሰባት ክርስቶስ ስጋዊ ኣካሉ ንሰማይ ከም ዝወሰዶ ኢዮም ዝኣምኑ። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ስጋዊ ኣካሉ ኣብታ እተቐ⁠ብረላ ቦታ ስለ ዘይተረኽበ ነዚ ከም መርትዖ ገይሮም የቕርብዎ። (ማርቆስ 16:5–7) ከምኡውን የሱስ ድሕሪ ሞቱ ህያው ከም ዝዀነ ንኸርእዮም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ስጋዊ ኣካል ለቢሱ ይርኣዮም ነበረ። ሓደ ግዜስ እኳ ደኣ ንሃዋርያ ቶማስ ከም ዝተንስአ ንኸእምኖ ኢሉ ኣብቲ ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ሽንካር: ኢዱ ከም ዘእቱ ገይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 20:24–27) እዚኸ ክርስቶስ ነታ ክመውት ከሎ ዝነበረቶ ስጋዊት ኣካል ሒዙ ከም ዝተንስአ ዘረጋግጽዶ ኸይኰነ፧

7. ክርስቶስ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ንሰማይ ከም ዝዓረገ ዘረጋግጸልና እንታይ ኣሎ፧

7 ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ከምዚ ኢዩ ዝብል:- “ክርስቶስ . . . ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ: ብስጋ ሞተ: ብመንፈስ ግን ህያው ኰነ።” (1 ጴጥሮስ 3:18 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ደምን ስጋን ዝለበሱ ሰባት ኣብ ሰማይ ክነብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ስጋዊ ኣካል ይዝራእ: መንፈሳዊ ኣካል ይትንስእ። [ትሓዓ] . . . ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ክወርስ ኣይከኣሎን እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:44–50 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎም መንፈሳውያን ጥራይ ኢዮም ኣብ ሰማይ ክነብሩ ዝኽ⁠እሉ።

8. እቲ ሰብኣዊ ስጋ ክርስቶስ እንታይ ኰነ፧

8 እሞ ስጋ ክርስቶስ ደኣ እንታይ ኰነ፧ ነቶም ደቀ መዛሙርቱኸ እቲ መቓብር ጥራዩዶ ኣይኰነን ዝጸንሖም፧ ኣምላኽ ነቲ ስጋኡ ስለ ዘግዓዞ ኣብኡ ኣይጸንሖምን። ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ከምኡ ዝገበረ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ትንቢት ንኽፍጸም ኢዩ። (መዝሙር 16:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ከምቲ ቅድሚኡ ንስጋ ሙሴ ከም ዘይርከብ ዝገበሮ ከምኡውን የሆዋ ስጋ ክርስቶስ ከም ዘይርከብ ገበረ። (ዘዳግም 34:​5, 6) ብዘይዚውን ኣብቲ እዋን እቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምሉእ መንፈሳዊ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮም: ስጋ ክርስቶስ ኣብቲ መቓብሩ እንተ ዝጸንሖም ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ክርድኦም ኣይምኸኣለን ነይሩ።

9. ከመይ ገይሩ ኢዩ ቶማስ ኢዱ ናብቲ ኣሰር ሽንካር ናይቲ ስጋ ለቢሱ ዝተንስአ ክርስቶስ ከእቱ ዝኸኣለ፧

9 ሃዋርያ ቶማስ ኢዱ ኣብ ጐድኒ የሱስ ዝነበረ ኣሰር ሽንካር ከእቱ ካብ ከኣለ ደኣ የሱስ ምስታ ኣብ ዕጸይቲ እተሸንከረት ስጋኡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ዘመልክትዶ ኸይኰነ፧ ኣይፋሉን: የሱስ ከምቲ ቅድም መላእኽቲ ዝለብስዎ ዝነበሩ ስጋ ኢዩ ለቢሱ። ንቶማስ ንሱ መን ምዃኑ ንኸእምኖ ኢሉ ኢዩ ሽንካር ዘለዎ ስጋ ለቢሱ እተራእዮ። ከምቶም ኣብርሃም ዘአንገዶም መላእኽቲ ክበልዕን ክሰትን ዝኽእል ሰብ ኰይኑ ኢዩ እተራእዮም።​—⁠ዘፍጥረት 18:​8፣ እብራውያን 13:​2

10. የሱስ እተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ስጋ ይለብስ ከም ዝነበረ እንታይ የር​እየና፧

10 ንቶማስ ነታ ክመውት ከሎ ዝነበረቶ ስጋኡ እትመስል ለቢሱ ክርኣዮ ኸሎ: ነቶም ሰዓብቱውን እተፈላለየ ስጋ እናለበሰ ኢዩ ዝርኣዮም ዝነበረ። ስለዚ እኳ ደኣ ኢያ ማርያም መግደላዊት ብመጀመርታ የሱስ ሓላው ኣታኽልቲ መሲሉዋ ዝነበረ። ካልእ ግዜውን ደቀ መዛሙርቱ ንመጀመርታ ርእይ ኣቢሎም ከለልይዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታትውን ብመልክዑን ትርኢቱን ዘይኰነስ በቲ ዘውጽኦ ቃልን ዝገብሮ ተግባራትን ኢዮም ዘለልዩዎ ዝነበሩ።​—⁠ዮሃንስ 20:​14–16፣ 21:​6, 7፣ ሉቃስ 24:​30, 31

11, 12. (ሀ) ብኸመይ ዝበለ ኣገ​ባብከ ኢዩ ክርስቶስ ካብ ምድሪ ዝኸደ፧ (ለ) ስለዚ ብኸመይ ዝበለ ኣገ​ባብ ኢና ምምላስ ክርስቶስ እንጽበዮ፧

11 የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንደቀ መዛሙርቱ ስጋ ለቢሱ ነ40 መዓልትታት ተራእዮም (ግብሪ ሃዋርያት 1:​3) ድሕርዚ ድማ ንሰማይ ከደ። ገለ ሰባት ግን ከምዚ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ:- ‘እቶም ሽዑ ኣብኡ ዝነበሩ ክልተ መላእኽቲ ንሃዋርያት ክርስቶስ “ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” ኢሎምዶ ከይነገርዎም፧’ (ግብሪ ሃዋርያት 1:​11) እወ: ኢሎምዎም ኢዮም። እቲ ኣብዚ ክትርድኦ ዘሎካ ግን “ከምኡ ገይሩ ኸኣ” ኢዮም ዝበልዎም እምበር ከምቲ ለቢሱዎ ዘሎ ኣካል ኰይኑ ክመጽእ ኢዩ ኣይበልዎምን። ናይ የሱስ ምዕራግከ ከመይ ኢዩ ዝነበረ፧ ህዝቢ ከይርኣዮ ኢዩ ዝዓረገ። ሃዋርያቱ ጥራይ ኢዮም ዝፈልጡ ነይሮም። ዓለም ኣይፈለጠቶን።

12 መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ከመይ ገይሩ ንሃዋርያቱ ገዲፉዎም ንሰማይ ከም ዝዓረገ ዝሃቦ መግለጺ እስከ ነስተብህለሉ:- “እናረአይዎ ዐረገ: ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ።” (ግብሪ ሃዋርያት 1:​9) ስለዚ እምበኣር የሱስ ንሰማይ ክዓርግ ምስ ጀመረ: ሃዋርያቱ ብዓይነ ስጋ ክርእዩዎ ምስ ጸንሑ ካብ ኣዒንቶም ተኸወለ። ክርእይዎ ከኣ ኣይከኣሉን። ድሕሪዚ መንፈሳዊ ኣካል ለቢሱ ንሰማይ ዓረገ። (1 ጴጥሮስ 3:​18) ስለዚ እምበኣር ምምላሱውን ብዘይርአ መንፈሳዊ ኣካል ኢዩ ዝኸውን።

ብዅለን ኣዒንቲ ብኸመይ ከም ዝርአ

13. ነተን ክርስቶስ ብደበና ክመጽእ ከሎ ‘ኵለን ኣዒንቲ ክርእይኦ እየን’ ዝብላ ቓላትሲ ብኸመይ ኢና እንርድአን፧

13 እተን ኣብ ራእይ 1:7 ዘለዋ ቃላት ደኣ ብኸመይ ኢና ክንርድአን ዘሎና፧ ኣብኡ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ኢዩ ጽሒፉ ዘሎ:- “እንሆ: ብደበና ይመጽእ አሎ: ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእዩዎ ኢዮም: ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽይሉ እዮም።” (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ክርእዩዎ ኢዮም ኢሉ ገሊጹዎ ዘሎስ ናይ ዓይነ ስጋ ምርኣይ ዘይኰነስ ብዓይነ ሕሊና ምርኣይ ወይ ምግንዛብ ማለት ኢዩ። ንኣብነት ንሓደ ሰብ ከተረድኦ ከሎኻ ብዓይኒ ዝርአ ነገር ዘየሎ ክነሱ “ርአ’ሞ” ትብሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ” ይብል። (ኤፌሶን 1:​18) ስለዚ እምበኣር ‘ኵለን ኣዒንቲ ክርእይኦ እየን’ ማለትሲ ሰባት ሽዑ ክርስቶስ ከም ዝመጸ ክፈልጡ ወይ ክርድኡ ኢዮም ማለት ኢዩ።

14. (ሀ) መን ኢዮም እቶም “ዝወግእዎ” ተባሂሎም ዘለዉ፧ (ለ) ስለምንታይከ ኢዩ ኣብ መወዳእታ ህላዌ ክርስቶስ ምስ ተረድኡ ብርቱዕ ሓዘን ዝኸውን፧

14 እቶም ሽዑ ንየሱስ “ዝወግእዎ” ሕጂ ኣብ ምድሪ ብህይወት የለዉን። ስለዚ ነዞም ሕጂ ንዘመናውያን ሰዓብቲ ክርስቶስ ብምጕዳእ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ዝመስልዎም ሰባት ኢዩ ዘመልክት። (ማቴዎስ 25:​40, 45) ክርስቶስ ነዞም ከምዚ ዝበሉ እኩያት ሰባት ዘጥፍኣሉ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ። ብዛዕባ እዚውን ከሎ ጌና መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኢዩ። ፍርዲ ጥፍኣት ክወርዶም ከሎ ድማ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ “ክርእዩ” ወይ ከስተውዕሉ ኢዮም። ሓዘኖምውን ዓቢ ክኸውን ኢዩ!

ክርስቶስ ናብ ምድሪ ድዩ ዝምለስ፧

15. እታ ‘ምምላስ’ እትብል ቃልከ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢና ብዙሕ ግዜ እንጥቀመላ፧

15 ምምላስ ክብሃል ከሎ ቃል ብቓሉ ሓደ ሰብ ናብ ሓደ ቦታ ይምለስ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ሓሚሙ ዝነበረ ሰብ ‘ጥዕንኡ ተመሊሱሉ’ ይብሃል። ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ዝነበረ ገዛኢውን ‘ኣብ ስልጣን ተመሊሱ’ ይብሃል። ብተመሳሳሊ ኸኣ ኣምላኽ ንኣብርሃም “ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ ኢዩ” በሎ። (ዘፍጥረት 18:​14፣ 21:​1) ኣብዚ እቲ የሆዋ ኽምለሰካ ኢየ ዝበሎ: ቃል ብቓሉ ክምለስ ማለት ዘይኰነስ ንሳራ ክዝክራ እሞ እቲ ኣተስፍይዋ ዝነበረውን ክገብሮ ከም ዝዀነ ዘመልክት ኢዩ።

16. (ሀ) ብኸመይ ኢዩ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዝምለስ፧ (ለ) መዓስከ ኢዩ ክርስቶስ እተመልሰ: ሽዑኸ እንታይ ኰነ፧

16 ብተመሳሳሊ ድማ ምምላስ ክርስቶስ ቃል ብቓሉ ኣብ ምድሪ ክምለስ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ ግን: ስልጣን ንግስናኡ ሒዙ ቆላሕታኡ ናብ ምድሪ ኽገብር ማለት ኢዩ። ነዚ ንኽገብር ድማ ሰማያዊ ዝፋኑ ገዲፉ ናብ ምድሪ ክወርድ ኣየድልዮን ኢዩ። ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖታት 1914 ከ.ኣ.ዘ. እታ ክርስቶስ ተመሊሱ ግዝኣቱ ዝጀምረላ ኣምላኽ ዝመደባ ግዜ ከም ዝዀነት ተረዲእና ኣሎና። ሽዑ ኢዩ እቲ ኣብ ሰማይ ዓው ዝበለ ድምጺ “ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ” ክብል ከሎ እተሰምዐ።​—⁠ራእይ 12:10

17. ክርስቶስ ክምለስ ከሎ ካብ ዘይርአኸ ከም እተመልሰ ምእንቲ ክንፈልጥ እንታይ ሂቡና ኣሎ፧

17 ምምላስ ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ካብ ኰነ: ርግጽ ከም ዝዀነ ዘረድእ መገዲ ደዀን ይህሉ፧ እወ ኣሎ። ክርስቶስ ባዕሉ ብዘይርአ መገዲ ከም ዝመጸን መወዳእታ ዓለምውን ከም ዝቐረበን ክንፈልጠሉ እንኽእል ዝርአ “ምልክት” ሂቡ ኢዩ። ነዚ “ምልክት” እዚ እምበኣር ንመርምሮ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 142 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ ስጋኡ ንመስዋእቲ ሂቡ ኢዩ። ንዕኡ መሊሱ ወሲዱ ሰብ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 144, 145 ዘሎ ስእልታት]

ስለምንታይ ኢያ ማርያም መግደላዊት የሱስ ምስ ተንስአ ጋግያቶ ሓላው ኣታኽልቲ ዝመሰላ፧

እቲ ዝተንስአ የሱስ ኣበየናይ ስጋዊ ኣካል ኢዩ ንቶማስ ኢዱ ከእቱ ዝነገሮ፧

[ኣብ ገጽ 147 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ ከምቲ ካብ ምድሪ ክዓርግ ከሎ ዝነበሮ ኣገባብ ብኸምኡ ክምለስ ኢዩ። ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ ዓሪጉ፧