ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ናይ ሰይጣን ዓለምዶ ወይስ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ፧

ምስ ናይ ሰይጣን ዓለምዶ ወይስ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ፧

ምዕራፍ 25

ምስ ናይ ሰይጣን ዓለምዶ ወይስ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ፧

1. ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ምዃንካ ዝምስክር እንታይ ኢዩ፧

 ምስ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ሓድሽ ኣገባብዶ ኢኻ: ክመጽእከ ትደልዮዶ፧ ኣንጻር ሰይጣን ዲኻ: እዚ ግዝኣቱኸ ክውዳእ ትደሊዶ፧ ነዘን ክልተ ሕቶታት እዚኣተን እወ ኢልካ ትምልሸለን ትኸውን። እዚ ግን እኹል ድዩ፧ ካብ ቃላት ተግባር ይዛረብ ዝብል ናይ ቀደም ምስላ ኣሎ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ትኣምነሉ እንተደኣ ኴንካ: እቲ ኣብ ናብራ ህይወትካ እተርእዮ ምምልላስ ኢዩ ዝምስክረልካ።​—⁠ማቴዎስ 7:​21–23፣ 15:​7, 8

2. (ሀ) እቶም ከነገልግሎም እንኽእል ክልተ ጐይቶት መን ኢዮም፧ (ለ) ናይ መን ባሮት ወይ ኣገልገልቲ ምዃንና ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧

2 ኣነባብራኻ ካብ ኽልተ ጐይቶት ንሓዲኦም ጥራይ ኢዩ ከሐጕስ ዝኽእል። ንየሆዋ ኣምላኽ ወይ ድማ ንሰይጣን ድያብሎስ ኢኻ እተገልግል። ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መሰረታዊ ስርዓት ነዚ ነገር’ዚ ንኽንግንዘብ ይድግፈና። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ንምእዛዙ ባሮቱ ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ: . . . ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” (ሮሜ 6:​16) ንመን ኢኻ እትእዘዝ፧ ፍቓድ መን ኢኻ እትመልእ፧ እንታይ ከም እትምልሽ ብዘየገድስ ነዚ እኩይ መገድታት ናይ ዓለም ትኽተል እንተደኣ ኣሊኻስ ነቲ ሓቀኛ የሆዋ ኣምላኽ ተገልግሎ ከም ዘየሎኻ ፍለጥ።

ናይ ሰይጣን ዓለም እንታይ ኢያ፧

3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝብሎ ንመን ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ጸሎቱ ኣብ ሞንጎ ዓለምን ደቀ መዛሙርቱን ፍልልይ ከም ዘሎ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘርኣየ፧

3 የሱስ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ። ሃዋርያ ዮሃንስ ደማ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ” ኣላ በለ። (ዮሃንስ 12:​31፣ 1 ዮሃንስ 5:​19) የሱስ ጸሎቱ ናብ ኣምላኽ ከቕርብ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከም ክፍሊ እዛ ዓለም እዚኣ ገይሩ ከም ዘይጸብጸቦም ኣስተብህል። ከምዚ በለ:- “ኣነ ምእንትኦም [ደቀ መዛሙርቱ] እልምን ኣሎኹ። . . . እምበር: ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:​9, 16፣ 15:​18, 19 ሰያፍ ጽሑፍ ናታና።) እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ርእሶም ካብ ዓለም ክፈልዩ ከም ዘለዎም የረድእ።

4. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 3:​16 “ዓለም” እትብል ቃል ንመን እያ እተመልክት፧ (ለ) ሰዓብቱ ክፍለዩዋ ዘለዎም “ዓለም” እንታይ ኢያ፧

4 የሱስ “ዓለም” ክብል ከሎስ ንመን ኢዩ ዘመልክት ነይሩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ዓለም” እትብል ቃል ሓድሓደ ግዜ ንጠቕላላ ደቅሰብ ኢያ እተመልክት። ኣምላኽ ንወዱ ህይወቱ በጃ ዓለም ማለት ደቅሰብ ምእንቲ ክውፍያ ለኣኾ። (ዮሃንስ 3:​16) ምስናይ’ዚ ግን ሰይጣን ንመብዛሕትኦም ካብ ደቅሰብ ኣንጻር ኣምላኽ ኣመሓዲርዎም ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝበሃል እዚ ካብ ማሕበር ኣምላኽ ርሒቑ ዝርከብ እተመሓደረ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢዩ። እቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢዮም ርእሶም ክፈልዩ ዘለዎም።​—⁠ያእቆብ 1:​27

5. ሓደ ዓቢ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ እንታይ ኢዩ፧

5 እቲ ናይ ሰይጣን ዓለም​—⁠እቲ እተመሓደረ ሰብኣዊ ሕብረተሰቡ​—⁠ንሓድሕዱ ብእተኣሳሰረ እተፈላለየ ክፍልታት እተሰረተ ኢዩ። ሓደ ኣገዳሲ ክፍሊ ድማ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ሓንቲ “ዓባይ ኣመንዝራ” ወይ ፋይቶት “ዓባይ ባቢሎን” ዝብል ስም ዝሓዘት ኰይና ኢያ ተገሊጻ ዘላ። “ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ” ስለ ዘለዋ ድማ ናይ ዓለም ሃጸይ ኢያ። (ራእይ 17:​1, 5, 18) እንተዀነ ግን ዓባይ ባቢሎን ሓንቲ ሃይማኖታዊት ናይ ዓለም ሃጸይ ምዃና ብኸመይ ትፍለጥ፧

6, 7. (ሀ) ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታዊት ሃጸይ ምዃና እንታይ የረጋግጸልና፧ (ለ) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ፖለቲካውያን መንግስታት እንታይ ርክብ ኢዩ ዘለዋ፧

6 “ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም” ስለ እተባህለ ዓባይ ባቢሎን ሓንቲ ፖለቲካዊት ናይ ዓለም ሃጸይ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ። “ነጋዶ” ኣብ ማዕዶ ደው ኢሎም በቲ ዝወርዳ ጥፍኣት ስለ ዝሓዝኑላ ኸኣ ናይ ዓለም ናይ ንግዲ ሃጸይ ኣይኰነትን። (ራእይ 17:​2፣ 18:​15) የግዳ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም” ስለ ዝብላ: ብርግጽ ሓንቲ ሃይማኖታዊት ሃጸይ ኢያ።​—⁠ራእይ 18:​23

7 ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታዊት ሃጸይ ምዃና ዘረጋግጽ ምስቲ “ኣራዊት” ዘለዋ ዝምድና ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ኣራዊት እዚኣቶም ንፖለቲካውያን መንግስታት ኢዮም ዝምሰሉ። (ዳንኤል 8:​20, 21) ንዓባይ ባቢሎን “ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ . . . ቐዪሕ ኣራዊት” እተቐመጠት ገይሩ ኢዩ ዝገልጻ። ስለዚ ነቲ “ኣራዊት” ወይ ንመንግስታት ዓለም ኣብ ድላያ ክትጠማዝዞም እያ እትህቅን። (ራእይ 17:​3) ኣብ ዛንታ ዓለም እንተ ርአናውን ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኣትዩ ንመንግስታት ዓለም እንታይ ክገብሩ ከም ዝግብኦም ኣዚዙ ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር “ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ” ኢያ።​—⁠ራእይ 17:​18

8. ካልእ ዝዓበየ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ኰይኑ ዘሎ እንታይ ኢዩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ ብምንታይ ተመሲሉ ኣሎ፧

8 እዞም ፖለቲካውያን መንግስታት ድማ ካልእ ዓብዪ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም የቝሙ። ድሮ ከም ዝርአናዮ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ኣራዊት ኢዮም ተመሲሎም ዘለዉ። (ዳንኤል 7:​1–8, 17, 23) እዞም ኣራዊት መሰል ዝዀኑ መንግስታት ስልጣኖም ካብ ሰይጣን ከም ዝቕበልዎ ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ሓደ “ዓሰርተ ቐርንን ሾብዓተ ርእስን: . . . ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። . . . እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሃቦ” ኢሉ ዝጸሓፎ ራእይ ንረኽቦ። (ራእይ 13:​1, 2፣ 12:​9) እዘን መንግስታት ወይ ምምሕዳራት እዚኣተን ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዝዀና ዝሕብር ዝያዳ መረጋገጺ ኸኣ: ሰይጣን ንየሱስ መንግስታት ዓለም ክህበካ ኢሉ ምፍታኑ ኢዩ። ሰይጣን ገዛኢአን እንተ ዘይከውን ነይሩ ከምኡ ኣይምበለን።​—⁠ማቴዎስ 4:​8, 9

9. (ሀ) ሓደ ኻልእ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ ራእይ 18:​11 ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) ሰይጣን ይመርሖ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ እንታይ ኢዩ ዝገብርን ዘማዕብልን ዘሎ፧

9 ሓደ ኻልእ ምርኡይ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ 18:​11 “ነጋዶ ምድሪ” ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ ስሱዕን ጨቋንን ኣገባብ ንግዲ ኢዩ። እዚ ናይ ንግዲ ኣገባብ’ዚ ነቲ ዘፍርዮ ነገራት ሰባት ዘየድልዮም ክነሱ: አረ ብዘይ ብእኡ ክነብሩ ዝኽእሉ ክንሶም ንኽረኽብዎ ስሱዕ ባህጊ ከም ዘሕድሩ ይገብሮም። እዚ ስሱዕ ኣገባብ ንግዲ’ዚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት መግቢ ዓዲጎም ከይዕንገሉ ኢዶም ስለ ዝሓጽሮም ብጥሜት ተዓጺፎም እናሞቱ መግቢ ኣብ ማዕከናት ይድልብ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንዅሎም ደቅሰብ ከጽንት ዝኽእል ኣጽዋር ውግእ ንረብሓ ተሰሪሑ ንመኽሰብ ይሽየጥ። በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ንግዲ ምስቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ፖለቲካውያን መንግስታትን ሓቢሩ ስሰዐን ገበንን ዘስካሕክሕ ውግእን የማዕብል ኣሎ።

10, 11. (ሀ) ካልእ መልክዕ ናይ ሰይጣን ዓለም እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዚ ነገር’ዚ ምእንቲ ከይንጽምበር እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ኢዩ ዘሎና፧

10 እቲ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዘሎ እተመሓደረ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ብሓቂ እኩይን ብልሽውን ኢዩ። ነቲ ጻድቕ ሕግታት ኣምላኽ ይቃወሞ። ከምኡውን ብዅሉ ዓይነት ብዕሉግ ተግባራት ዝመልአ ኢዩ። ስለዚ ካልእ መልክዕ ናይ ሰይጣን ዓለም ቀይዲ በተኽ ዝዀነ ኣነባብራን ብዕሉግ መገድታትን ኢዩ ክበሃል ይከኣል። በዚ ምኽንያት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ንክርስትያናት ካብቲ ኣህዛብ ዘዘውትርዎ ርኹስ ተግባራት ክሕለዉ ኣጠንቀቕዎም።​—⁠ኤፌሶን 2:​1–3፣ 4:​17–19፣ 1 ጴጥሮስ 4:​3, 4

11 ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ክርስትያናት ካብቲ እኩይ ባህግታትን ብዕሉግ መገድታት ዓለምን ክሕለዉ ከም ዘድልዮም ኣጕልሐ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:​15, 16 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ወዲ መዝሙር ያእቆብ እውን እቲ “ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” በለ።​—⁠ያእቆብ 4:​4

ክፍሊ ዓለም ምዃን ብኸመይ ይውገድ

12, 13. (ሀ) የሱስ: ክርስትያናት ኣብ ዓለም ክነብሩ ከም ዘለዎም ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገለጸ፧ (ለ) ኣብ ዓለም እናነበርካ ካብኡ ክትፍለ ከመይ ጌርካ ይከኣል፧

12 ክርስትያናት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክሳዕ ዘላስ ኣብኣ ኽነብሩ ግድን ኢዩ። የሱስውን ናብ ኣቦኡ ክጽሊ ኸሎ “ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ” ብምባል ኣብርሆ። ቀጺሉ ግን የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:​15, 16) ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እናነበርካኸ ከመይ ጌርካ ኢኻ ካብኣ ክትፍለ ዝከኣል፧

13 መቸም ኣብ ማእከል እዚ እተመሓደረ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢኻ እትነብር ዘሎኻ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ገሊኦም ኣመንዝራታትን ስሱዓትን ካልኦት ከኣ እኩይ ተግባራት ዝገብሩን ኢዮም። ምሳታቶም ትሰርሕ: ምሳታቶም ትማሃር: ምሳታቶም ትበልዕ ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ተግባራት ትሓብሮም ትኸውን። (1 ቈረንቶስ 5:​9, 10) ከምቲ ኣምላኽ ዘፍቅሮም ንስኻውን ከተፍቅሮም ኣሎካ። (ዮሃንስ 3:​16) እንተዀነ ግን ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ነቲ ዝፍጽምዎ እኩይ ተግባራት ኣየፍቅርን ኢዩ። ንኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ነቲ ናይ ህይወቶም ሸቶታትን ኣይስዕቦን ኢዩ። ኣብቲ ብልሽው ሃይማኖቶምን ፖለቲካኦምን ግደ የብሉን። ሰሪሑ ንኽነብር ኢሉ ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም እኳ እንተ ኣተወ ኣብ ዘይቅኑዕ ናይ ንግዲ ተግባራት ኣይኣቱን ኢዩ: ከምኡውን ስጋዊ ሃብቲ ምድላብ ናይ ህይወቱ ቀንዲ ሸቶ ኣይኰነን። ንናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ደጋፊ ስለ ዝዀነ ድማ ሕማቕ ዕርክነት ናይቶም ምስ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑ የርሕቕ። (1 ቈረንቶስ 15:​33፣ መዝሙር 1:​1፣ 26:​3–6, 9, 10) በዚ ኸምዚውን ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ይነብር ግናኸ ካብኣ ፍሉይ ኢዩ።

14. ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ እንተደኣ ኴንካ ነየናይ ትእዛዝ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ እትእዘዝ፧

14 ንስኻኸ ከመይ ኢኻ፧ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ክትከውንዶ ትደሊ ኢኻ፧ ወይስ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ኢኻ፧ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ እንተደኣ ኴንካ ካብ ዓለምን ካብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖታን ክትፍለ ኢኻ። ነቲ “ኣቱም ህዝበይ: . . . ካብኣ [ካብ ዓባይ ባቢሎን] ውጹ” ዝብል ትእዛዝ ድማ ክትስዕብ ኢኻ። (ራእይ 18:​4) ይኹን እምበር ካብ ዓባይ ባቢሎን: ካብዛ ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምውጻእ ማለትሲ ካብተን ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ማሕበራት ምውጻእ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ እቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ናይ ዓለም ዘይምሕባር ማለት እውን ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:​14–18

15. (ሀ) ኣብ ክንዲ ልደት የሱስ እንታይ ከኽብሩ ኢዮም ክርስትያናት እተኣዘዙ፧ (ለ) የሱስ በቲ ቈራሪ ግዜ ክረምቲ ክውለድ ከም ዘይክእል እንታይ መረድኢ ኣሎና፧ (ሐ) 25 ታሕሳስ ልደት የሱስ እትበዓላ መዓልቲ ኰይና እተመርጸት ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ኣብዚ ግዜ’ዚ ልደት ሓንቲ ዓባይ ሃይማኖታዊት በዓል ኢያ። ዛንታ ግን እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነዛ በዓል እዚኣ ከም ዘየኽብርዋ የርኢ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንመዓልቲ ልደቱ ዘይኰነስ ንሞቱ ከኽብሩ ኢዩ ዝኣዘዞም። (1 ቈረንቶስ 11:​24–26) እቲ ሓቂ ድማ 25 ታሕሳስ ክርስቶስ እተወልደላ ዕለት ኣይኰነትን። ክትከውን ድማ ኣይትኽእልን ኢያ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ በታ የሱስ እተወልደላ ለይቲ ጓሶት ማሎም ኣብ መሮር የብልዑ ነይሮም ኢዩ ዝብለና። ሽዑ ቈራርን ማይ ዝሃርመሉ ግዜ ክረምትን ስለ ዝነበረ ኣብኡ ክህልዉ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 2:​8–12) ሰባት ን25 ታሕሳስ ዕለት ልደት ናይ የሱስ ክትከውን ዝመረጹላ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ህዝቢ ሮሜ ከም ናይ ሳተርን ድግስ ኢሎም ዘኽብርዋ ምውላድ ናይ ጻሓይ ዘብዕሉላ ኢያ ነይራ።”

16. (ሀ) ከመይ ዝበለ ካልእ ልሙድ ሃይማኖታዊ በዓላት ኢዩ ዘይክርስትያናዊ ምንጪ ዘለዎ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ልደትን ፋስጋን ዘየብዕሉ ብምንታይ ምኽንያት ኢዮም፧

16 ፋስጋ ሓንቲ ኻልእ ዓባይ ሃይማኖታዊት በዓል እያ። እቲ ቅዱስ ሰሙን ዝበሃል ኣብ ገሊኤን ሃገራት ናይ ደቡብ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ኢዩ። እንተዀነ ግን እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ፋስጋ እውን እንተዀነ ኣየብዓሉን። ንሳውን ካብቲ ክርስትያናዊ ዘይኰነ በዓላት ኢዩ መሰረታ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ኣከባብራ በዓል ፋስጋ ሓበሬታ ኣይንረክብን ኢና።” ልደት ይኹን ፋስጋ በዓላት ክርስትያናት እንተዘይኰና: ምንጨንውን ካብ ኣምለኽቲ ሓሰውቲ ኣማልኽቲ እንተዀነ ብሓቂ የገድስ ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሒደ[ት] ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ የብኵዖ እዩ” ብምባል እቲ ሓቂ ምስቲ ሓሶት ከይንሓዋውሶ ኢዩ ዘጠንቀቐ። (ገላትያ 5:​9) ጳውሎስ ንገለ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ንክርስትያናት ብኣምላኽ እተደምሰሰሎም ብሕጊ ሙሴ ዝሕሎ ዝነበረ መዓልትታት ምብዓል ጌጋ ከም ዝዀነ ነገሮም። (ገላትያ 4:​10, 11) ሎሚኸ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቲ ምንጩ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነ: ኣምላኽ እውን ክኽበር ዘይኣዘዞ በዓላት ክርሕቁ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኸውን!

17. (ሀ) ንኽብሪ ውሩያት ሰባትን ንሃገርን ኢልካ ዝኽበር በዓላት እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ክስዕብዎ ዝግብኦም መገዲ ከመይ ገይሩ ይሕብር፧

17 ካልእ በዓላት ናይ ዓለም ከኣ ንውሩያት ሰባት ዘኽብር ኢዩ። ካልእውን ንሃገራት ወይ ዓለማዊ ማሕበራት የኽብርን ልዕል የብልን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ናይ ኣምላኽ ክብሪ ንሰብ ከይንህብ ወይ ነቲ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ዝኽእል ሰብኣውያን ማሕበራት ክፍጽሙልና ከይንውከሎም የጠንቅቐና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:​25, 26፣ 12:​21–23፣ ራእይ 19:​10፣ ኤርምያስ 17:5–7) ስለዚ እቲ ንሰባት ወይ ሰብኣዊ ማሕበራት ዘኽብር በዓላት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይቃዶን ኢዩ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኸኣ ኣይሳተፉዎን ኢዮም።​—⁠ሮሜ 12:⁠2

18. (ሀ) እንታይ ዝኽበሩ ወይ ዝምለኹ ነገራት ኢዮም ሰባት ዝሰርሑ፧ (ለ) ሕጊ ኣምላኽከ ብዛዕባ ንሓደ ነገር ናይ ኣምልኾ ክብሪ ምሃብ እንታይ ይብል፧

18 ሰባት ሓያለይ ነገራት ብኢድ ሰሪሖም: ህዝቢ ኸኣ ከኽብርዎም ወይ ከምልኽዎም ይእዝዙ። ገለ ካብዚኦም ብሓጺን ወይ ብዕጸይቲ እተገብሩ ኢዮም። ካልኦት ከኣ ብጨርቂ ይግበሩ እሞ: ናይ ገለ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ዝነብር ምስሊ ይስፈየሎም ወይ ይስኣለሎም። ሓንቲ ሃገር ንህዝባ ኸምዚ ንዝኣመሰለ ኣቕሓ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ኣምልኾ ክብሪ ንኽህብ ሕጊ ተውጽእ ትኸውን። ሕጊ ኣምላኽ ግን ኣገልገልቱ ከምኡ ክገብሩ ከም ዘይግብኦም ይዛረብ። (ዘጸኣት 20:4, 5፣ ማቴዎስ 4:​10) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧

19. (ሀ) ንጉስ ባቢሎን ኵሎም ሰባት እንታይ ንኽገብሩ ኢዩ ዝኣዘዘ፧ (ለ) ክርስትያናት ናይ መን ኣርኣያ እንተ ተኸተሉ ኢዮም ሰናይ ዝገብሩ፧

19 ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ንጉስ ነቡካድነጻር ሓደ ገዚፍ ምስሊ ወርቂ ኣቚሙ ኵሉ ሰብ ክሰግደሉ ኣዘዘ። ‘ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ ግና ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ክድርበ እዩ’ ኢሉውን ኣወጀ። መጽሓፍ ቅዱስ ሲድራቕን ሚሳቕን ዓብድ–ኔጎን እተባህሉ ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት ንትእዛዝ እቲ ንጉስ ከም ዝኣበዩ ይነግረና። ስለምንታይ ኢዮም ዝኣበዩ፧ ኣምልኾ ዝሓትት ስለ ዝዀነ፣ ኣምልኾኦም ከኣ ንየሆዋ ጥራይ ኢዩ ዝግባእ። ኣምላኽ ነቲ ዝገበርዎ ሰመሮ: ካብ ቁጥዓ እቲ ንጉስ እውን ኣድሓኖም። ነቡካድነጻርውን እዞም ኣገልግልቲ የሆዋ ነቲ ሃገር ሓደገኛታት ከም ዘይኰኑ ረኣየ እሞ ነጻነቶም ዝሕሉ ሕጊ ድማ ሰርዐ። (ዳንኤል 3:​1–30) ናይዞም መንእሰያት ተኣማንነት ኣየደንቐካንዶ፧ ምስቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ከም ዝዀንካኸ ንዅሉ ሕጊ ኣምላኽ ብምእዛዝዶ መርኣኻዮ፧​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:​29

20. ሰይጣን ብኸመይ ዝበለ ብልሓታት ገይሩ ኢዩ ነቲ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽ ንኽንጥሕሶ ዝፍትነና፧

20 ሰይጣን ንየሆዋ ከነገልግሎ ፈጺሙ ከም ዘይደልየና ፍሉጥ ኢዩ። ንእኡ ከነገልግል ኢዩ ዝደልየና። ነቲ እንእዘዞ ንእኡ ባሮቱ ክንከውን ከም እንኽእል ስለ ዝፈልጥ ድማ ድላዩ ንኽንገብር ኢዩ ዝህቅን። (ሮሜ 6:​16) ሰይጣን ብእተፈላለየ ብልሓት ከም እኒ ተለቪዥን: ፊልም: ብገሊኡ ዓይነት ሳዕስዒትን ብዕሉግ ጽሑፋትን ገይሩ ዘይተመርዓዉ ሰባት ጾታዊ ርክብ ኽፍጽሙ: ከምኡውን ዝሙት የተባብዕ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ቅቡልን ግቡእን ይመስል ይኸውን። ይኹን እምበር ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ኢዩ። (እብራውያን 13:​4፣ ኤፌሶን 5:​3–5) እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ዝውዕል ሰብ ድማ ምስ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዝዀነ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ።

21. እንታይ ካልእ ተግባራት ኢዮም ሓደ ሰብ ኣብኣቶም እንተደኣ ተጸሚዱስ ምስ ናይ ሰይጣን ዓለም ምዃኑ ዘርኢ፧

21 ናይ ሰይጣን ዓለም ልሙድ ዝገበሮም: እንተዀነ ግን ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ዝዀኑ ካልኦት ተግባራት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኦም ብኣልኮላዊ መስተ ምስካር ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:​9, 10) ኻልእ እውን ከም ማሪዋና: ሂሮይን ዝኣመሰሉ ሓሽሽ ባህ ንኽብለካ ኢልካ ምጥቃምን ትምባኾ ምዝውታርን ኢዩ። እዚ ነገራት’ዚ ድማ ንኣካላትካ ዝጐድእን ዘይንጹህን ኢዩ። ንእኡ ምዝውታር ማለት ድማ ነቲ “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ምግሃስ ከም ዝዀነ ግሁድ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:​1) እቲ ትምባኾ ዘትክኽ ሰብ ከኣ ጥዕና ናይቶም ኣብ ጥቓኡ ዝርከቡ ሰባት: ነቲ ትኪ ብምስትንፋሶም: ክጐድኦም ስለ ዝኽእልሲ ነቲ ሓደ ክርስትያን ንብጻዩ ከፍቅር ዝእዝዝ ሕጊ ኣምላኽ ይግህሶ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 22:​39

22. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደም እንታይ ይብል፧ (ለ) ደም ምትሕልላፍ ካብ “ምብላዕ” ዘይፍለ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ‘ካብ ደም ምኽልካል’ ማለት ፈጺምካ ኣብ ኣካላት ኣይተእቱ ማለት ከም ዝዀነ ዘረድእ እንታይ ኣሎ፧

22 ሓደ ኻልእ ኣብ ሓያለይ ወገናት ዓለም ልሙድ ዝዀነ ተግባር ድማ ደም ምብላዕ ኢዩ። ተሓሪዶም ደሞም ኣጸቢቑ ዘይተጸንቀቐ እንስሳታትን ከምኡውን ደሞም ኣብ ኣቕሓ ተቐቢልካ ምብላዕን ልሙድ ኢዩ። ይኹን እምበር ሕጊ ኣምላኽ ምብላዕ ደም ይኽልክል ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:​3, 4፣ ዘሌዋውያን 17:​10) ብዛዕባ ደም ምትሕልላፍከ ደኣ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ገለ ሰባት ደም ምትሕልላፍ ከም “ምብላዕ” ኣይኰነን ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግን ሓደ ሕሙም ብኣፉ ገለ መግቢ ክወስድ ምስ ዘይክእል: ሓኪም ከምቲ ደም ንምትሕልላፍ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ገይሩ ክምገብ ኣይእዝዝንዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ኢሉ ኢዩ ዝእዝዘና። (ግብሪ ሃዋርያት 15:​20, 29) እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሓደ ሓኪም ካብ ኣልኮል እንተ ዝኽልክለካስ ብኣፍካ ኣይትወሰዶ: ትኽ ኢልካ ብመትንታትካ ግን ከተተሓላልፎ ትኽእል ኢኻ ማለቱዶ ኢዩ፧ ብፍጹም ኣይኰነን! ስለዚ እምበኣር ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ማለት ድማ ብዝዀነ መገዲ ደም ኣብ ኣካላትኩም ፈጺምኩም ኣይተእትዉ ማለት ኢዩ።

23. (ሀ) ክትገብሮ ዝግብኣካ ውሳኔ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ እትወስዶ ውሳኔኸ እንታይ የርኢ፧

23 ንየሆዋ ኣምላኽ ምስቲ ሓድሽ ኣገባቡ ደኣ እምበር: ካብዛ ዓለም እዚኣ ከም ዘይኰንካ ከተርእዮ ከድልየካ ኢዩ። እዚ ንምግባር ውሳኔ የድሊ። እቲ ክትገብሮ ዘድልየካ ውሳኔ ኸኣ ንየሆዋ ከተገልግልን ፍቓዱውን ክትመልእን ኢዩ። ከምቶም ገለ ብጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝነበርዎ: ክትወላወል ኣይትኽእልን ኢኻ። (1 ነገስት 18:​21) ምኽንያቱ ድማ ንየሆዋ ዘይተገልግል እንተ​ደኣ ኣሊኻ ንሰይጣን ኢኻ እተገልግል ዘሎኻ ማለት ኢዩ። ኣነ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ኢየ ትብል ትኸውን: ጠባይካኸ እንታይ ይብል፧ ምስ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ምዃን ማለት ካብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝኹንኖ: ኣብቲ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ኣገባብውን ፈጺሙ ዘይህሉ እኩይ ተግባራት ምርሓቕ ማለት ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 209 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ዘይጸለየሉ ደቀ መዛሙርቱውን ክፍሊ ናቱ ዘይኰኑ ዓለም እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 211 ዘሎ ስእልታት]

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓሶት ሃይማኖት ንሓንቲ ዝሰኸረት ኣመንዝራ: ንመንግስታት ዓለም ከኣ በቲ ተወጢሓቶ ዘላ ኣራዊት ይምስሎ

ቀይዲ በተኸ ኴንካ ምንባር ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ምዃን ኢዩ። እዚ ስሱዕ ኣገባብ ናይ ንግዲ ድማ ቀንዲ ክፍሊ ናቱ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 213 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ እተወልደሉ ግዜ ጓሶት ማሎም ሒዞም ብለይቲ ኣብ በረኻ ስለ ዝነበሩ: ብ25 ታሕሳስ ተወሊዱ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 214 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ በቲ ንጉስ ዝቘመ ምስሊ ምስጋድ ኣብዮም። ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ከጋጥመካ ኸሎ እንታይ ምገበርካ፧