ሲኦል እንታይ ዓይነት ቦታ ኢዩ፧
ምዕራፍ 9
ሲኦል እንታይ ዓይነት ቦታ ኢዩ፧
1. ሃይማኖታት ብዛዕባ ሲኦል እንታይ ይምህራ፧
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሃይማኖታቶም: ሲኦል ሰባት ዝሳቐይሉ ቦታ ከም ዝዀነ ገይረን ኢየን ምሂረናኦም። ኣብ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ተገሊጹ ከም ዘሎውን “ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሲኦል . . . ዘለኣለማዊ: ስቓዩውን መወዳእታ ዘይብሉ ኢላ ኢያ እትምህር።” እዛ ኤንሳይክሎፔድያ እዚኣ ቀጺላውን እዚ ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ እዚ “በቶም ብዙሓት ዓቃባውያን ጕጅለታት ፕሮተስታንት እውን ቅቡል ኰይኑ ይዝውተር ኢዩ ዘሎ” ትብል። ከምኡ ድማ ሰዓብቲ ሂንዱ: ሰዓብቲ ቡድሃ: መሓመዳውያን እውን ሲኦል ቦታ ስቓይ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝምህሩ። በዚ ትምህርቲ እዚ እተማህሩ ሰባት: ብዙሕ ግዜ: ሲኦል ክሳዕ ክንድዚ ሕማቕ እንተዀይኑስ ብዛዕባኡ ዘይምዝራብ ይሓይሽ እንተ በሉስ ኣየገርምን ኢዩ።
2. ብዛዕባ ንቘልዑ ብሓዊ ምንዳድ ኣምላኽ እንታይ ተሰምዖ፧
2 ብዛዕባ’ዚ ነገር እዚውን ከምዚ ኢልና ክንሓትት ንኽእል:- እዚ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽዶ ከምዚ ዝበለ ቦታ ስቓይ ፈጢሩ ኢዩ፧ ደቂ እስራኤል ኣብነት ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ ስዒቦም ንደቆም ብሓዊ ከሕልፉ ምስ ጀመሩ ኣረኣእያ ኣምላኽ እንታይ ነበረ፧ ኣብ ቃሉ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣነ ከቶ ዘይአዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ: ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ: በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ።”—ኤርምያስ 7:31 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።
3. ኣምላኽ ንሰባት የሳቒ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታውን ጥቕሳውን ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ብዛዕባ እዚ እስከ ሕሰብ። ኣምላኽ ደቅሰብ ኣብ ሓዊ ክጥበሱ ኣብ ሓሳቡ ካብ ዘይነብርሲ ነቶም ዘየገልግልዎ ሰባት ዝኸውን ዝነድድ ሲኦል ፈጢሩ ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊዶ ይመስለካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 4:8) ሓደ ፈቃር ኣምላኽከ ብሓቂዶ ንሰባት ንዘለኣለም የሳቕዮም ኢዩ፧ ንስኻኸ ከምኡዶ ምገበርካ፧ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ምፍላጥና ናብ ቃሉ ተመሊስና ሲኦል እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ክድርኸና ይግብኦ። ናብኡ ዝኸዱ መን ኢዮም: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜኸ፧
ሺኦልን ሃዴስን
4. (ሀ) ኣየኖት ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽን ቃላት ኢየን “ሲኦል” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ፧ (ለ) እታ ሽኦል እትብል ቃልከ ኣብታ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን እንታይ ተባሂላ ኢያ ተተርጒማ ዘላ፧
4 ወብስተርስ ዲክሽነሪ እታ ብቋንቋ እንግሊዝ “ሄል” እትብል ቃል ብእብራይስጢ ሺኦል ብግሪኽውን ሃደስ ከም ዝዀነት ትገልጽ። ኣብቲ ናይ ጀርመን መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ክንዲ “ሄል” እታ ሆኤል እትብል ቃል ኢያ ኣትያ ዘላ: ብፖርቱጋል ኢንፈርኖ: ብእስጳኛ ኢንፊየርኖ: ብፈረንሳ ድማ አንፈር ትብሃል። እቶም ንኣውቶራይዝድ ቨርሽን ወይ ከኣ ንኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዝተርጐሙ ናይ እንግሊዝኛ ተርጐምቲ ነታ ሽኦል እትብል ቃል 31 ግዜ “ሄል :” 31 ግዜ “መቓብር :” 3 ግዜውን “ጉድጓድ” ኢሎም ተርጒሞማ ኣለዉ። እታ ናይ ካቶሊክ ዱወይ ቨርሽን ድማ ንሽኦል 64 ግዜ “ሄል” ኢላ ተርጒማታ ኣላ። ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት (ብልምዲ “ሓድሽ ኪዳን” ዝበሃል): ኪንግ ጀምስ ቨርሽን : ነታ ሃደስ እትብል ቃል ኣብ ዓሰርቲአን እትርከበን ቦታታት “ሄል” ኢላ ተርጒማተን ኣላ።—ማቴዎስ 11:23፣ 16:18፣ ሉቃስ 10:15፣ 16:23፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:27, 31፣ ራእይ 1:18፣ 6:8፣ 20:13, 14
5. ብዛዕባ ሽኦልን ሃደስን እንታይ ዝብል ሕቶ ኢዩ ዝለዓል፧
5 እቲ ዝልዓል ሕቶ እምበኣር:- ሽኦል ወይ ሃደስ እንታይ ዓይነት ቦታ ኢዩ፧ እቲ ብእብራይስጢ ሽኦል ዝብል ቃል ኣብቲ ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ብሰለስተ በበይኑ መገዲ ምትርጓሙስ ሄል : መቓብር : ጕድጓድ ሓደ ከም ዝዀነ ኢዩ ዘመልክት። ሲኦል ተራ መቓብር ናይ ደቅሰብ ማለት ካብ ኰነ: ሓዊ ዘለዎ ቦታ ስቓይ እውን ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሽኦልን ሃደስን መቓብር ድዩ ወይሰ ቦታ ስቓይ፧
6. (ሀ) ሽኦልን ሃደስን ሓደ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ የርኢ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ሃደስ ኣትዩ ምንባሩ: እንታይ የረድእ፧
6 ነዚ ሕቶ’ዚ ቅድሚ ምምላሽና: እቲ ብእብራይስጢ ሽኦል ብግሪኽ ድማ ሃደስ ዝብል ቃላት: ሓደ ዓይነት ትርጕም ከም ዘለዎ ነብርሃዮ። ኣብዚ ቀጺሉ ዘሎ ገጽ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት: መዝሙር 16:10 ከምኡውን ኣብ ናይ ክርስቲያን ግሪኽ ጽሑፋት: ግብሪ ሃዋርያት 2:31 ብምንንጽጻር ክንርእዮ ንኽእል። ግብሪ ሃዋርያት 2:31 ካብ መዝሙር 16:10 ጠቒሱ ክዛረብ ከሎ ነታ ብእብራይስጢ ሺኦል ተባሂላ ዘላ ብግሪኽ ሃደስ ኢሉ ተርጒምዋ ከም ዘሎ ተዓዘብ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሃደስ ወይ “ሲኦል” ኣትዩ ከም ዝነበረውን ተዓዘብ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣብ ናይ ሲኦል ሓዊ ኣሳቕዩዎ ኢዩ ኢልናዶ ክንኣምን ኢና፧ ኣይንኣምንን! የሱስ ኣብ መቓብር ኢዩ ነይሩ።
7, 8. እቲ ብዛዕባ ያእቆብን ዮሴፍ ወዱን: ከምኡውን ብዛዕባ እዮብ ተባሂሉ ዘሎስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሽኦል ቦታ ስቓይ ከም ዘይኰነ ዘረድኣና፧
7 ያእቆብ እቲ ዘፍቅሮ ወዱ ዝሞተ መሲሉዎ ብሓዘን ምስ ተዀምተረ ከምዚ በለ:- “ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ።” (ዘፍጥረት 37:35) እንተዀነ ግን ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ነታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ሽኦል እትብል ቃል “መቓብር” ኢሉ ተርጒሙዋ ኣሎ: ኣብታ ናይ ዱወይ ቨርሽን ግን እዛ ቓል እዚኣ “ሲኦል” ተባሂላ ኣትያ ኣላ። ህድእ ኢልካ እስከ ሕሰብ። ያእቆብ ዮሴፍ ወዱ ንዘለኣለም ኣብ ዝሳቐየሉ ቦታ ስቓይ ከም ዝኣተወ እሞ ንሱውን ኣብኡ ክረኽቦ ኢሉ ክኸይድ ከም ዝደሊዶ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ፧ ወይ ከኣ እቲ ፍቁር ወዱ ሞይቱ ኣብ መቓብር ከም ዘሎ ተረዲእዎ ንሱውን ከም ወዱ ክመውት ኢዩ ዝደለየ፧
8 እወ: ሕያዎት ሰባት ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሲኦል ይኸዱ ኢዮም። ንኣብነት እዮብ እቲ ሕያዋይ ሰብ ብዙሕ ምስ ተሳቐየ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ቀሪቡ “ኣብ ሲኦል [ኪንግ ጀምስ “መቓብር”: ዱወይ ቨርሽን ከኣ “ሲኦል”] እንተ ትሐብኣኒ: መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ: ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ” በለ። (እዮብ 14:13) እስከ ሕስብ እሞ ኣብለሉ:- ሽኦል ቦታ ሓውን ስቓይን እንተ ዝኸውን ኣምላኽ ክሳዕ ዝዝክሮዶ እዮብ ኣብኡ ክጸንሕ ምደለየ፧ ብግልጺ እምበኣር እዮብ ካብ ስቓዩ ምእንቲ ኽዓርፍ ኢሉ: ሞይቱ ናብ መቓብር ክኸይድ ኢዩ ዝደለየ።
9. (ሀ) ኵነታት ናይቶም ኣብ ሺኦል ዘለዉ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ስለዚ እምበኣር ሽኦልን ሃደስን እንታይ ኢዮም፧
9 እዛ ሽኦል እትብል ቃል ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ እትርከበሉ ቦታታት: ምስ ህይወት: ዕዮ ወይ ስቓይ ፈጺማ ኣይትተሓሓዝን ኢያ። ኣብ ክንድኡ ግን ብዙሕ ግዜ ምስ ሞትን ስቕ ምባልን ኢያ እትተሓሓዝ። ንኣብነት ብዛዕባ እቲ “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [ኪንግ ጀምስ ቨርሽን “መቓብር” ድዋይ ቨርሽን “ሲኦል”] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ” ዝብል ኣብ መክብብ 9:10 ዘሎ እሞ ሕሰበሉ። ስለዚ መልሱ ግሉጽ ኢዩ። ሽኦልን ሃደስን ቦታ ስቓይ ዘይኰ ነስ ደቅሰብ ዝኸድሉ ተራ መቓብር ኢዩ ዘመልክት። (መዝሙር 139:8) ሕያዎት ሰባት ይዅኑ እኩያት ሰባት ናብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሲኦል ኢዮም ዝኸዱ።
ካብ ሲኦል ምውጻእ
10, 11. ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ክነሱስ ኣብ ሲኦል ኰይነ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ሰባት ካብ ሲኦል ክወጹዶ ይኽእሉ ኢዮም፧ እስኪ ዛንታ ናይ ዮናስ ንርኣዮ። ዮናስ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ምእንቲ ከይመውት ኢሉ ኣምላኽ ሓደ ዓቢ ዓሳ ከም ዝውሕጦ ምስ ገበረ: ዮናስ ድማ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ዀይኑ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ: ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል [ኣብ ኪንግ ጀምስ ከምኡውን ዱወይ ቨርሽን “ሲኦል”] ኰይነ ኣእዌኹ: ንሳኻውን ድምጸይ ሰማዕካ።”—ዮናስ 2:3
11 ዮናስ “ካብ ከብዲ ሲኦል” ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ ከብዲ ዓሳ ሓዊ ዘለዎ ቦታ ስቓይ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን ከብዲ እቲ ዓሳ ንዮናስ መቓብሩ ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ። የሱስ ክርስቶስ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ:- “ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ: ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ስለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ” በለ።—ማቴዎስ 12:40
12. (ሀ) እቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ክወጹ ከም ዝኽእሉ ከመይ ዝበለ መረድኢ ኢዩ ዘሎና፧ (ለ) “ሲኦል” ማለት “መቓብር” ማለት ከም ዝዀነኸ እንታይ ካልእ መርትዖ ኢዩ ዘሎና፧
12 የሱስ ሞይቱ ንሰለስተ መዓልቲውን ኣብ መቓብር ገይሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባኡ ከምዚ ይብል:- “ነፍሱ ኣብ ሲኦል ኣይተረፈትን . . . ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲኡዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:31, 32 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ከምኡውን ዮናስ ብትእዛዝ ኣምላኽ ካብ ሲኦል: ማለት ካብቲ መቓብሩ ክኸውን ዝነበሮ ከብዲ ዓሳ: ኣተንስኦ። እዚ ኸኣ እቲ ዓሳ ናብ ንቑጽ ምድሪ ምስ ተፍኦ ኰነ። እወ: ሰባት ካብ ሲኦል ክወጹ ይኽእሉ ኢዮም! እቲ ተዋሂቡና ዘሎ ልብኻ ዘምውቕ ተስፋ እኳ ሲኦል (ሃደስ) ምዉታቱ ክህብ ጥርሑ እውን ክኸውን ዝብል ኢዩ። እዚ ራእይ 20:13 ብምንባብ ክርአ ይክኣል: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልን [ሃደስን] እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።”—ኪንግ ጀምስ ቨርሽን
ገሃነምን ቀላይ ሓውን
13. እንታይ 12 ሳዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ ኣብቲ ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን “ሄል” (ሲኦል) ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ፧
13 ገለ ሰብ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገሃነም ሓውን ቀላይ ሓውን ይዛረብ ኢዩ። እዝስ ሲኦል ቦታ ስቓይ ከም ዝዀነ ኣየረጋግጽንዶ፧’ ብምባል ይቃወም ይኸውን። ርግጽ ኢዩ ኣብ ገሊኡ ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዝኣመሰሉ ብዛዕባ “ገሃነም ሓውን” ከምኡውን ‘ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ ካብ እትድርበ’ ይብል ኢዩ። (ማቴዎስ 5:22፣ ማርቆስ 9:45) ትርጕም ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ነታ ገሃነም እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ንምትርጓም “ሄል” (ሲኦል) ኢሉ እተጠቕመሉ ዅሉ ዅሉ 12 ጥቕስታት ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት ኣሎ። እታ ሃደስ እትብል ቃል “ሲኦል” ተባሂላ ክትርጐም ከላ መቓብር ማለት ካብ ኰነት ገሃነምከ ብርግጽ ቦታ ስቓይ ድዩ፧
14. ገሃነም እንታይ ኢዩ: ኣብኡኸ እንታይ ይግበር ነበረ፧
14 እተን ብእብራይስጢ ሽኦል: ብግሪኽ ድማ ሃደስ ዝብላ ቃላት ትርጕመን መቓብር ከም ዝዀነ ግሉጽ ኢዩ። ገሃነም ደኣ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ ጽሑፋት እብራይ ስጢ እንተ ርኤና ገሃነም ማለት “ለሰ ደቂ ሂኖም” ማለት ኢዩ። ሂኖም ድማ ስም እቲ ብወጻኢ ቀጽሪ የሩሳሌም ዝርከብ ዝነበረ እሞ እስራኤላውያን ከኣ ደቆም ብሓዊ ኣንዲዶም ዝስውእሉ ዝነበሩ ለሰ ኢዩ። ብግዜኡ ድማ እቲ ሕያዋይ ንጉስ ዮስያስ ነዚ ለሰ እዚ ንኸምኡ ዝኣመሰለ ፍንፉን ተግባራት ዘይምችእ ወይ ዘይጥዕም ገበሮ። (2 ነገስት 23:10) ብድሕሪኡ እቲ ለሰ መአከብ ጐሓፍ ኰነ።
15. (ሀ) ኣብቲ የሱስ ዝነበረሉ ግዜኸ ገሃነም ንምንታይ ይጥቀምሉ ነበሩ፧ (ለ) እንታይከ ኢዩ ኣብኡ ፈጺሙ ዘይድርበ ዝነበረ፧
15 ስለዚ በቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ ገሃነም መአከብ ጐሓፍ ናይ ከተማ የሩሳሌም ኢዩ ዝነበረ። እቲ ጐሓፍ ምእንቲ ክቃጸልውን ዲን ብምውሳኽ እቲ ሓዊ ከም ዘየቋርጽ ይግበር ነበረ። ስሚዝስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ቀዳማይ ጥራዝ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “መአከብ ጐሓፍ ናይታ ኸተማ ኢዩ ነይሩ: ኣብኡውን ሬሳ ናይ ገበነኛታት ሰባትን ገምቢ ናይ እንስሳን ከምኡውን ዝዀነ ኻልእ ርስሓትን ይድርበዮ ነበረ።” ዝዀነ ህያው ፍጡር ግን ኣብኡ ኣይድርበን ኢዩ ነይሩ።
16. ገሃነም ንናይ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ምሳሌ ትውዕል ከም ዝነበረት ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ኣሎ፧
16 ተቐማጦ ኸተማ የሩሳሌም ቦታ መጕሓፊኦም ኣዐርዮም ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ የሱስ ነቶም እኩያት መራሕቲ ሃይማኖት “ኣቱም ኣትማን: ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን: ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” ክብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ ከም ዝዀነ ተረዲእዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 23:33) ኣብዚ የሱስ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ክሳቐዩ ኢዮም ማለቱ ከም ዘይኰነ ግሉጽ ኢዩ። ኣምላኽ ደቂ እስራኤል ነቲ ፍንፉን ተግባሮም ማለት ደቆም እናሰምዑ ብህይወቶም ኣብቲ ለሰ ከንድድዎም ከለዉስ ኣነ ዘይሓሰብኩዎ በለ! ስለዚ እምበኣር የሱስ ገሃነም: ንናይ ዘለኣለም ጥፍኣት እትበቅዕ ምሳሌ ገይሩ ተጠቒሙላ ከም ዘሎ ግሉጽ ኢዩ። እቶም እኩያት መራሕቲ ሃይማኖት ንትንሳኤ ከም ዘይበቕዑ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። እቶም ንየሱስ ክዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ድማ: እቶም ኣብ ገሃነም ዝኣትዉስ: ልክዕ ከምቲ ጐሓፍ: ንዘለኣለም ከም ዝጠፍኡ ይርድእዎ ነይሮም ኢዮም።
17. “ቀላይ ሓዊ” እንታይ ኢዩ: ብዛዕባ’ዚኸ ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ፧
17 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ “ቀላይ ሓዊ” ደኣ እንታይ ኢዩ፧ እዚውን ንገሃነም ዝመሳሰል ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። ኣብኡ እናተፈለጠካ እትሳቐየሉ ቦታ ዘይኰነስ ዘለኣለማዊ ሞት ወይ ጥፍኣት ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብ ራእይ 20:14 ብዛዕባ’ዚ እንታይ ከም ዝብል እሞ ንርአ “ሞትን ሲኦልንውን [ብኪንግ ጀምስ ቨርሽንን ዱወይ ቨርሽንን ሲኦል] ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ።” ( ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እወ ቀላይ ሓዊ ማለት እምበኣር “ካልኣይ ሞት:” ትንሳኤ ፈጺ ምካ ዘይርከቦ ሞት ማለት ኢዩ። እዚ “ቀላይ” እዚ ምሳልያዊ ቦታ ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ: ምኽንያቱ ድማ ኣብኡ ሞትን ሲኦልን (ሃደስ) ተደርብዮም ኢዮም። ሞትን ሲኦልን ቃል ብቓሉ ክነዱ ከም ዘይክእሉውን ፍሉጥ ኢዩ። ንሓዋሩ ግን ከልግሱ ወይ ክጠፍኡ ይኽእሉ ኢዮም ክጠፍኡውን ኢዮም።
18. ድያብሎስ ንዘለኣለም ኣብቲ “ቀላይ ሓዊ” ክሳቐ ኢዩ ዝብል ኣዛራርባ እንታይ ማለት ኢዩ፧
18 ገለ ሰብ ድማ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ዲያብሎስ ኣብቲ ቀላይ ሓዊ ክሳቐ ኢዩ ይብልዶ ከይኰነ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። (ራእይ 20:10) እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ በቲ የሱስ ኣብዛ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ “መሳቐይቲ” ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። ከምቲ የሱስ ብምስላ ገይሩ ብዛዕባ ሓደ ሰብኣይ ክዛረብ ከሎ “ጐይታኡ ኾርዩ: ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ: ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ” በለ። (ማቴዎስ 18:34 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) እቶም ኣብቲ “ቀላይ ሓዊ” ዝድርበዩ ኣብቲ ትንሳኤ ዘይብሉ “ካልኣይ ሞት” ዝኣትዉ ስለ ዝዀኑስ: ብኻልእ ኣዘራርባ ብሞት ንዘለኣለም ተኣሲሮም ኣለዉ ማለት ኢዩ። ልክዕ ከም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓለውቲ እሱራት (መሳቐይቲ): ንዘለኣለም ሞይቶም ይተርፉ ማለት ኢዩ። እቶም እኩያት ቃል ብቓሉ ኣይሳቐዩን ኢዮም: ምኽንያቱ ርኢናዮ ከም ዘሎና ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ካብ ህላዌ ፈጺሙ ኢዩ ዘቋርጽ። ገለ እኳ ኣይፈልጥን ኢዩ።
ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይን
19. እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እተዛረቦ ምሳሌ ከም ዝዀነ ብኸመይ ንፈልጥ፧
19 የሱስ ኣብ ሓንቲ ካብተን ምሳሌታቱ “እቲ ድኻ ምስ ሞተ: መላእኽቲ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ: ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ: ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ: ንኣልኣዛርውን ኣብ ሑቕፉ ረአዮ” ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ (ሉቃስ 16:19–31) ርኢናዮ ከም ዘሎና እታ “ሃደስ” እትብል ቃል ናይ ደቅሰብ መቓብር ደኣ እምበር: ቦታ ስቓይ ስለ ዘይተመልክት: የሱስ ኣብዚ ምሳሌ ወይ ዛንታ ይነግር ከም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ደኣ እምበር ቃል ብቓሉ ከም ዘይነበረ ነዚ ተወሳኺ መርትዖ እዚ ተመልከት:- ሲኦል ክሳዕ ክንድዚ ምስ ሰማይ ጥቓ–ንጥቓ ዀይኑስ ተዘራሪብካ እትሰማማዓሉ ቦታ ድዩ፧ ብዘይዚውን እቲ ሃብታም ሰብኣይ ኣብቲ ቃል ብቓሉ ዝነድድ ቀላይ ሓዊ ነይሩ እንተደኣ ዀይኑኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብርሃም ንኣልኣዛር ልኢኹ በጻብዑ ገይሩ ማይ ኣንጠብጢቡ ልሳኑ ከዝሕለሉ ዝኽእል፧ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ደኣ እንታይ ማለት ኢዩ፧
20. ኣብቲ ምሳሌ (ሀ) እቲ ሃብታም ሰብኣይ (ለ) ኣልኣዛር (ሐ) ሞት ናይ ነፍሲ ወከፎም (መ) ስቓይ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ: እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
20 ኣብቲ ምሳሌ: እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነቶም ትዕቢተኛታት ንየሱስ ዘይተቐበልዎን ደሓርውን ዝቐተልዎ መራሕቲ ሃይማኖት ይምሰል። ኣልኣዛር ከኣ ነቶም ተራ እሞ ንወዲ ኣምላኽውን ዝተቐበልዎ ሰባት ይምሰል። ሞት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ድማ ለውጢ ናይቲ ዝነበሮም ኵነታት የመልክት። እዚ ለውጢ እዚ ድማ የሱስ ነቶም ተረሲዖም ዝነበሩ ንኣልኣዛር ዝመስሉ ሰባት ብመንፈስ ምስ መገቦም እሞ ስምረት ናይቲ ዝዓበየ ኣብርሃም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽውን ምስ ረኸቡ ኢዩ እተፈጸመ። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ሞጐስ ኣምላኽ ብዘይምርካቦም “ሞቱ”። ድርቡያት ብምዃኖም: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ጕዶም ምስ ቀልዕዎም ተሳቐዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:51–57) ስለዚ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ገለ ምዉታት ሰባት ኣብቲ ቃል ብቓሉ ሓዊ ዘለዎ ሲኦል ኣትዮም ይሳቐዩ ኢዮም ኢሉ ኣይምህርን ኢዩ።
መንፈስ ድያብሎስ ዘለዎም ትምህርትታት
21. (ሀ) ድያብሎስ ከመይ ዝበለ ሓሶት ኢዩ ነዚሑ ዘሎ፧ (ለ) ትምህርቲ ናይ መንጽሂ ቦታ: ሓሶት ከም ዝዀነ ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት እንኸውን፧
21 ድያብሎስ ኢዩ ንሄዋን “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዝበላ። (ዘፍጥረት 3:4፣ ራእይ 12:9) እንተ ዀነ ግን ሞተት ደኣ: ካብኣውን ገለ ህያው ኰይኑ ዝቐጸለ ኽፍሊ ኣይነበረን። ድሕሪ ሞትሲ ነፍሲ ህያው ኰይና ትቕጽል ኢያ ዝብል ትምህርቲ: ድያብሎስ ዝጀመሮ ሓሶት ኢዩ። እቲ ነፍሲ እቶም እኩያትሲ ኣብ ሲኦል ወይ መንጽሂ ቦታ ትሳቐ ኢያ ዝብልውን ድያብሎስ ዝነዝሖ ወረ ሓሶት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ገለ እኳ ከም ዘይፈልጡ ብግልጺ ስለ ዘርኢ እዞም ትምህርትታት እዚኣቶም ሓቂ ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። አረ እታ “መንጽሂ ቦታ” እትብል ቃል ኰነ ወይ ሓሳቡ ፈጺሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን ኢዩ።
22. (ሀ) ካብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ (ለ) እዚ ፍልጠት እዚኸ ንዓኻ ብኸመይ ተንኪፉካ፧
22 ሲኦል (ሽኦል ወይ ሃደስ) ምዉታት ዓሪፎም ብተስፋ ዝጽበይሉ ቦታ ከም ዝዀነ ርኢና ኣሎና። ሰናይ ዝገብሩን እኩያትን ሰባት ድማ: ትንሳኤ ንኽጽበዩ ናብኡ ይኸዱ። ከምኡውን ገሃነም ቦታ ስቓይ ዘይኰነስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ምሳሌ ምዃኑ ተማሂርና ኣሎና። እቲ “ቀላይ ሓዊ” ተባሂሉ ዘሎውን ቃል ብቓሉ ናይ ሓዊ ቦታ ዘይኰነስ ነቲ ትንሳኤ ዘይብሉ “ካልኣይ ሞት” ዘመልክት ኢዩ። ሲኦል ድማ ቦታ ስቓይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ ድማ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮን ልብን ናይ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣትዩ ኣይፈልጥን። ብተወሳኺውን ሓደ ሰብ ንቑሩብ ዓመታት ኣብ ምድሪ በዲሉ ኢዩ ኢልካ ንዘለኣለም ከተሳቕዮስ ፍትሓዊ ኣይኰነን። ብዛዕባ ምዉታት ኣነጺርካ ኵሉ ምፍላጥ ኣየ ክንደይ ሰናይ ኢዩ! ብሓቂ ንሓደ ሰብ ካብ ፍርህን ማሪትን ናጻ ከውጽኦ ይኽእል ኢዩ።—ዮሃንስ 8:32
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 83 ዘሎ ሳጹን]
እታ “ሺኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃልን እታ “ሃደስ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃልን ትርጕመን ሓደ ኢዩ
ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን
10. ንነፍሰይ
ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን፣
ቅዱስካውን ጥፍኣት ክርኢ
ኣይትፈቅድን ኢኻ።
31 ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ: ነፍሱ ኣብ ሃደስ ከም ዘይትተርፍ: ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ: ተዛረበ።
[ኣብ ገጽ 84, 85 ዘሎ ስእሊ]
ዮናስ ዓሳ ምስ ወሓጦ ስለምንታይ ኢዩ “ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ” ዝበለ፧
[ኣብ ገጽ 86 ዘሎ ስእሊ]
ገሃነም ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ዝርከብ ስንጭሮ ኢዩ። ከም ናይ ዘለኣለም ሞት ምሳሌ ኰይኑ ይፍለጥ ነበረ