ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ንእከይ ዘፍቀደ፧

ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ንእከይ ዘፍቀደ፧

ምዕራፍ 11

ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ንእከይ ዘፍቀደ፧

1. (ሀ) ሎሚ ኵነታት ምድሪ ከመይ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ገለ ሰባትከ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝወቕሱ፧

 ኣብ ዓለም ኣብ ዝኸድካዮ ቦታ ገበንን ጽልእን ሽግርን ኢዩ ዝርአ ዘሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቶም ቅኑዓት ኢዮም ዝሳቐዩ። ገለ ሰባት ንኣምላኽ ይወቕስዎ። ‘ኣምላኽ እንተደኣ ኣልዩስ ስለምንታይ ነዚ እኩይ ነገራት ኣብ ሰባት ክወርድ ዘፍቅድ፧’ ክብሉ ይኽእሉ።

2. (ሀ) እኩይ ተግባራት ዝገብሩ ዘለዉ መን ኢዮም፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስቓያትከ መብዛሕትኡ ብኸመይ ክውገድ ምተኻእለ ነይሩ፧

2 እንተዀነ ግና ነዚ ኵሉ እኩይ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝፍጽምዎ ዘለዉስ መን ኢዮም፧ ሰባት ባዕላቶም ደኣ እምበር ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንእከይ ግብሪ ይኹንኖ ኢዩ። ሰባት ንሕጊ ኣምላኽ ተኣዚዞም ዝመላለሱ እንተዝዀኑ መብዛሕትኡ እዚ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ስቓይ ኣይምሃለወን ነይሩ። ኣምላኽ ክንፋቐር ኢዩ ዝእዝዘና። ንዅሉ እቲ ንሰብ ዘሳቒ ግብረ እከይ ከም እኒ ቅትለት: ስርቂ: ምንዝር: ስስዐ: ስኽራን ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእን ከይንፍጽም ኣዚዙና ኢዩ። (ሮሜ 13:​9፣ ኤፌሶን 5:​3, 18) ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን መስተንክር ዝዀነ ኣእምሮን ኣካላትን ከም ዝህልዎም ከምኡውን ህይወት ምሉእ ብምሉእ ክሕጐሱላ ከም ዝኽእሉ ገይሩ ፈጠሮም። ንሳቶም ኰነ ወይስ ደቆም ኣብ ስቓይ ወይ ጸገም ክወድቁ ፈጺሙ ድላዩ ኣይነበረን።

3. (ሀ) ነዚ ዘሎ እከይ ተሓተቲ መን ኢዮም፧ (ለ) ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ሰይጣን ዘምጽኣሎም ፈተና ክቃወምዎ ይኽእሉ ከም ዝነበሩ እንታይ የርኢ፧

3 እቲ ኣብ ምድሪ እከይ ዝጀመረ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ። እንተዀነ ግና ኣዳምን ሄዋንን እውን ተሓተቲ ኢዮም። ድያብሎስ ክፍትኖም ከሎ ክቃወምዎ ዘይኽሉ ኣዝዮም ድኹማት ኣይነበሩን። ዳሕራይ: ከምቲ እቲ ፍጹም ሰብ የሱስ: ንሰይጣን “ኪድ ርሓቕ” ዝበሎ ንሳቶምውን ከምኡ ገይሮም ከባርርዎ ምኸኣሉ ነይሮም። (ማቴዎስ 4:​10) ከምኡ ግን ኣይገበሩን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፍጽምናኦም ኣጥፍኡ። ብሰንኮም ከኣ ዘርኦም ብምልኡ: ንሕናውን ከይተረፈ: ዘይፍጽምና ወረሰ: እዚ ድማ ሕማም: ጓሂ ከምኡውን ሞት ኣስዓበ። (ሮሜ 5:​12) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ንእከይ ክቕጽል ዘፍቀደ፧

4. ሓደ ፈቃር ኣምላኽ እከይ ንግዜኡ ከም ዘፍቅድ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኣሎ፧

4 ሓደ ሰብ ምናልባት ኣብ መጀመርያ: ኣምላኽ ነዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝወረደ ስቅያት ንኸፍቅድ: ፈጺሙ ብቑዕ ምኽንያት ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። እሞ ኣብ ከምኡ ዝበለ መደምደምታ ምብጻሕ ቅኑዕዶ ዀን ይኸውን፧ ወለዲ ዝፈትዉዎም ደቆም መጥባሕቲ ዘድልዮ ሕማም ምስ ዘጋጥሞም: ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ብዘሳቒ መጥባሕቲ ክሳቐዩ ከለዉ ትም ኢሎም ይርእዩዎምዶ ኸይኰኑ፧ እወ: ግዝያዊ ስቓይ ምፍቃድ ብዙሕ ግዜ እቶም ደቂ ንደሓር ዝበለጸ ጥዕና ንኽረኽቡ የኽእሎም ኢዩ። ኣምላኽ ነዚ እከይ ብምፍቃዱኸ ከመይ ዝበለ ሰናይ ፍረ ኢዩ ተረኺቡ ዘሎ፧

ክድቅስ ዘለዎ ኣገዳሲ ክርክር

5. (ሀ) ከመይ ኢሉ ኢዩ ሰይጣን ንኣምላኽ እተጻረሮ፧ (ለ) ሰይጣን ንሄዋን እንታይ ኢሉ ኢዩ ዘተስፈዋ፧

5 እቲ ኣብ ገነት ኤደን ኣንጻር ኣምላኽ እተገብረ ዕልወት ሓደ ኣገዳሲ ክርክር ወይ ሕቶ ኣላዓለ። ኣምላኽ ንእከይ ስለምንታይ ከም ዘፍቀዶ ምእንቲ ክንርዳእ ድማ ነዚ ነገር’ዚ ክንምርምሮ ኣሎና። የሆዋ ንኣዳም ፍረ ናይ ሓንቲ ኣብ ገነት እትርከብ ዝነበረት ኦም ከይበልዕ ኣዚዙዎ ነበረ። ኣዳም እንተደኣ በሊዑ እንታይ ክኸውን ኢዩ ነይርዎ፧ ኣምላኽ “ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 2:​17) እንተዀነ ግና ሰይጣን ኣንጻር ናይ’ዚ ተዛረበ። ንሱ ንሄዋን ሰበይቲ ኣዳም ካብታ እተኸልከለት ኦም ኽትበልዕ ኣተባብዓ። ሰይጣን “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። ቀጺሉውን “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” ኢሉ ንሄዋን ነገራ።​—⁠ዘፍጥረት 3:​1–5

6. (ሀ) ሄዋን ንኣምላኽ ዘይተኣዘዘት ስለምንታይ ኢያ፧ (ለ) ካብታ እተኸልከለት ኦም ምብላዕ እንታይ ማለት ኢዩ፧

6 ሄዋን ንኣምላኽ ብዘይምእዛዝ በልዐት። ስለምንታይ፧ ንሰይጣን ስለ ዝኣመነቶ ኢዩ። ብስስዐ ተደሪኻ ንኣምላኽ ብዘይ ምእዛዛ ጥቕሚ ትረክብ መሰላ። ድሕሪ ደጊም ንሳ ወይ ከኣ ኣዳም ብኣምላኽ ከም ዘይሕተቱ: ደጊም ንሕግታቱ ምእዛዝ ከም ዘየድልዮም: ንገዛእ ርእሶም ኣየናይ “ጽቡቕ” ኣየናይ ኸኣ “ክፉእ” ከም ዝዀነ ክውስኑ ከም ዝኽእሉ ገይራ ሓሰበት። ኣዳምውን ንሄዋን ሰዓባ እሞ በልዐ። ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ብዛዕባ እቲ ሰብ ብመጀመርታ ኣንጻር ኣምላኽ ዝገበሮ ሓጢኣት ኣብቲ እግረ–ጽሑፍ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ጽቡቕን ክፉእን ንገዛእ ርእሱ ናይ ምውሳንን ምስኡ ናይ ምስምማዕን ስልጣን ኢዩ: እዚ ኸኣ ምሉእ ስነ–ምግባራዊ ሓርነት ምድላይ ኢዩ . . . እቲ ናይ መጀመሪያ ሓጢኣት ንሉዓላዊነት ኣምላኽ ምጥቃዕ ኢዩ ነይሩ።” እዚ ኸኣ ብርግጽ ነቲ ኣምላኽ ናይ ሰባት ፍጹም ገዛኢ ወይ ከኣ ዝለዓለ ንምዃን ዘለዎ መሰል ምጥቃዕ ኢዩ ነይሩ።

7. (ሀ) ሰብ ብዘይ ምእዛዙ ከመይ ዝበለ ክርክር ተላዕለ፧ (ለ) ምስ እዚ ክርክር እዚ እተተሓሓዘ እንታይ ሕቶታት ኢዮም መልሲ ዘድልዮም፧

7 ኣዳምን ሄዋንን ካብታ እተኸልከለት ፍረ ኦም ብምብልዖም ንርእሶም ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ወጹ። “ጽቡቕ” ወይ “ክፉእ” እንታይ ምዃኑ ባዕሎም ንምውሳን ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ከዱ። ስለዚ ድማ እቲ እተላዕለ ኣገዳሲ ክርክር ወይ ሕቶ “ኣምላኽሲ በይኑ ፍጹም ገዛኢ ደቅሰብ ክኸውን መሰል ኣለዎዶ፧ ” ዝብል ነበረ። ብኻልእ ኣዘራርባ: እቲ ንሰባት ጽቡቕን ክፉእን ክውስነሎም ዘለዎ የሆዋ ድዩ፧ ንሱ በይኑ ድዩ ብዛዕባ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ጠባይ ዝውስን፧ ወይስ ሰብ ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ገይሩ ከመሓድር ይኽእል ኢዩ፧ ናይ መን ኣገዛዝኣኸ ኢዩ እቲ ዝበለጸ፧ ደቅሰብ ብዘይ ናይ የሆዋ መሪሕነት ኣብ ትሕቲ እቲ ዘይርአ መሪሕነት ናይ ሰይጣን ኰይኖም በሳልጦ ከመሓድሩ ይኽእሉ ድዮም፧ ወይስ ኣብ ምድሪ ነባሪ ሰላም እተምጽእ ቅንዕቲ መንግስቲ ንምምስራትሲ ናይ ኣምላኽ መሪሕነት የድሊ ኢዩ፧ ኵሎም ከምዚ ዝበሉ ሕቶታት: ኣብቲ ኣብ ሉዓላዊነት ኣምላኽ ማለት ኣብቲ ሓደን በይኑን ገዛኢ ናይ ደቅሰብ ንምዃን ዘለዎ መሰል እተገብረ መጥቃዕቲ ተላዒሎም ነይሮም ኢዮም።

8. የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብኡንብኡ ዘየጥፍኦም ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ልክዕ ኢዩ: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ሰለስተ ከሓድቲ በቲ ክሕደት እተፈጸመሉ ግዜ ብኡንብኡ ከጥፍኦም ምኸኣለ ነይሩ። ካብ ሰይጣን ወይ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዝሕይል ዘተሓታትት ኣይኰነን። ንዓኣቶም ብምጥፋእ ግን እቲ ነገር ብዝበለጸ መገዲ ክዓርፍ ኣይምኸኣለን። ንኣብነት ነቲ ሰባትሲ ብዘይ ረዲኤት ኣምላኽ ብጽቡቕ ክመሓደሩ ምኸኣሉዶ ዀን ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይምተረኽበሉን። ስለዚ ነቲ እተላዕለ ኣገዳሲ ክርክር ንኸደቅስ የሆዋ ዝኣክል ግዜ ኣፍቀደ።

ነቲ ክርክር ምድቃስ

9, 10. ሰባት ብዘይ መሪሕነት ኣምላኽ ክመሓደሩ ብምህቃኖም እንታይ ኣፍረየሎም፧

9 ሕጂ እቲ ግዜ ሓሊፉ ኢዩ: እቲ ፍረኸ እንታይ ኰነ፧ ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ ኣብዘን ዝሓለፋ 6, 000 ዓመታት ናይ ታሪኽ: ደቅሰብ ብዘይ መሪሕነት ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ንምምሕዳር ተዓዊቶምዶ፧ ሰባት ንበረኸትን ሓጐስን ናይ ኵሉ እትኸውን መንግስቲ ኣቚሞምዶ፧ ወይስ ጸብጻብ ናይ ታሪኽ እቲ ነቢ ኤርምያስ ‘እቲ ዚመላለስ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ኢሉ እተዛረቦ ቃል ሓቂ ከም ዝዀነ ኢዩ ዘርኣየ፧​—⁠ኤርምያስ 10:​23

10 ኣብ ብምሉኡ ዛንታ ናይ ደቅሰብ እንተደኣ ርኢና ዘይተፈተነ ዓይነት ምምሕዳር የለን። እንተ ዀነ ግን ሓደ እኳ ኻብቲ ዝፈተንዎ ዓይነት ኣመሓዳድራስ ነቶም ዝገዝእዎም ሰባት ደሓንን ናይ ሓቂ ሓጐስን ዘምጽአ ፈጺሙ የለን። ገለ ሰባት ነዚ ናይ ምዕባለ ጮራታት ይጠቕሱ ይዀኑ። እሞ ሎሚ እቲ ቅድም ዝነበረ ቀስትን ፍላጻን ብኣቶሚክ ቦምብ ስለ እተተክአ ከምኡውን ሕጂ ዓለም ካልእ ውግእ ዓለም ከይለዓል ኣብ እትፈርሃሉ ዘላ ግዜ ሓደ ሰብ ምዕብልና ተረኺቡ ኢሉዶ ክዛረብ ይኽእል ኢዩ፧ ሰባት ኣብ ወርሒ ክንቀሳቐሱ እናኸኣሉ ኣብ ምድሪ ግን ኣብ ንሓድሕዶም ብሰላም ክነብሩ ካብ ዘይክእሉስ እንታይ ምዕባሌኡ ክበሃል ይከኣል፧ ሰባት ጽቡቕ ኣባይቲ ሰሪሖም ጠጢሖም ክነብርሉ ዘኽእሎም እተፈላለየ ኣቑሑውን እንተ መልእዎ እቶም ኣብአን ዝነብሩ ስድራቤታት ግን ብሽግራት ኣብ ንሓድሕዶም እተፈላለዩ እንተደኣ ዀይኖም እንታይ ሰናይ ኣለዎ፧ እቲ ኣብ ፈቐዶ መገድታት ዝግበር እምባጋሮ: ናይ ጥሪትን ህይወትን ምጥፋእ ከምኡውን ብዝሒ ዓመጻስ ዘሐብን ነገራት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! እዚ ግን ፍረ ናይቲ ደቅሰብ ካብ መሪሕነት ኣምላኽ ርሒቖም ብርእሶም ክመሓደሩ ምድላዮም ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 19:​3

11. ብርግጽ እምበኣር ንሰባት እንታይ ኢዩ ዘድልዮም፧

11 እቲ መርትዖ ንዅሉ ግልጺ ክኸውን ኣለዎ። ሰብ ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ንገዛእ ርእሱ ንኸመሓድር ዝገበሮ ጻዕሪ ዓቢ ውድቀት ኢዩ ኣምጺኡ። ብዙሕ ናይ ሰብ ስቅያት ኢዩ ኣስዒቡ። መጽሓፍ ቅዱስ እኳ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ይገዝእ” ኢዩ ዝብለና። (መክብብ 8:​9 ትሓዓ ) እምበኣር: ሰባት ጉዳያቶም ንኸመሓድሩስ ብሓቂ መሪሕነት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ንሰብ ማይ ክሰትን መግቢ ክበልዕን ከም ዘድልዮ ገይሩ ዝፈጠሮ ከምኡውን ሕግታት ኣምላኽ ክእዘዝ ከም ዘድልዮ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎ። ልክዕ ከምቲ ንኣካላቱ ዘድልዮ መግብን ማይን ሸለል እንተኣ ኢሉ ስቓይ ዘኸትል: ንሕጋጋት ኣምላኽ እንተደኣ ነጺግዎ ድማ ኣብ ጸገም ኢዩ ዝወድቕ።​—⁠ምሳሌ 3:​5, 6

ስለምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ ጸኒሑ፧

12. ኣምላኽ ነዚ ክርክር’ዚ ንኸደቅሶ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እንተዀነ ግና ሓደ ሰብ ‘ስለምንታይ ደኣ ኢዩ ኣምላኽ ነዚ ክርክር ንኸደቅስ ብዙሕ ግዜ: ዳርጋ 6, 000 ዓመታት ዝኣክል ክቕጽል ዘፍቀደ፧ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ ከይሓለፈ ኣቐዲሙ ብጽቡቕ ከደቅሶዶ ኣይመኸኣለን፧’ ይብል ይኸውን። ኣይፋሉን። ኣምላኽ ኣቐዲሙ እንተ ዝውድኦስ ደቅሰብ ዝኣክል ናይ ፈተነ ግዜ ኣይረኸቡን ዝብል ክሲ ምተላዕለ ነይሩ። እቲ ነገር ግን: ሰባት ንድሌት ናይ ኵሎም ተገዛእታ እተማልእ መንግስቲ ንኸማዕብሉ ከምኡውን ንብልጽግና ናይ ኵሎም ዝጠቅም ሳይንሳዊ ምህዞታት ንኽገብሩ ዝኣክል ግዜ ረኺቦም ኢዮም። ደቅሰብ በዚ ዝሓለፈ ዘበናት ዳርጋ ኵሉ ዓይነት መንግስቲ ፈቲኖም ኢዮም። ብስነ–ፍልጠት በጺሖምዎ ዘለዉ ምዕባለ ድማ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ኢዩ። ንሓይሊ ኣቶም ብምጥቃም ናብ ወርሒ ተጓዕዙ። እቲ ፍረኸ እንታይ ኰነ፧ ንበረኸት ደቅሰብ ዝኸውን ሓደ ዓብን ሓድሽን ኣገባብዶ ኣምጺኦም ኢዮም፧

13. (ሀ) እዚ ዅሉ ናይ ደቅሰብ ምዕባለ ናይ ስነ–ፍልጠት እናሃለወ: ኵነታት ዓለም ሎሚ ከመይ ኣሎ፧ (ለ) እዚኸ ብግልጺ እንታይ ዘመልክት ኢዩ፧

13 ዘይሕሰብ ኢዩ! ኣብ ክንድኡስ ካብቲ ናይ ቀደም ዝበኣሰ ጓህን ሽግርን ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ብሕልፊ እኳ ደኣ ሎሚ ገበን: ምምራዝ: ውግእ: ናይ ስድራ ቤት ምብትታን ካልእ ጸገማትን ኣብ ሓደገኛ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ ሊቃውንቲ ህላዌ ደቅሰብ ዘስግእ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ። እወ: ዳርጋ ድሕሪ 6, 000 ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ምፍታንን ብሳይንሳዊ “ምዕብልና” እውን ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ድሕሪ ምብጻሕን ደቅሰብ ገዛእ ርእሶም ዘጥፍእሉ ኵነታት ኢዩ ተጋጢምዎም ዘሎ! እምበኣርከስ ሰባት ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ገዛእ ርእሶም ከመሓድሩ ከም ዘይክእሉ ክሳዕ ክንደይ ግሉጽ ኢዩ! ኣምላኽ ነዚ ነገር’ዚ ንምድቃስ ዝኣክል ግዜ ኣይሃበን ኢሉ ከመኻኒ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን።

14. ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ካልኣይ ኣገዳሲ ክርክር ንኽንምርምሮ ክንተባብዕ ዝግብኣና ስለምን​ታይ ኢና፧

14 ብርግጽ እምበኣር: ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ኰይኖም ንኽንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ዘበናት እከይ ክገብሩ ዘፍቀደሎም እኹል ምኽንያት ኣለዎ። ሰይጣን ብምዕላዉ ኻልእ ንምድቃሱ ግዜ ዘድልዮ ክርክርውን ኣልዓለ። ነዚ ክርክር’ዚ ብምምርማር ድማ ኣምላኽ ንእከይ ስለምንታይ ከም ዘፍቀደ ብዝያዳ ኽንርድኦ ይሕግዘና። እዚ ክርክር እዚ: ንዓኻውን ብብሕትኻ ዝትንክፈካ ስለ ዝዀነ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ክትግደሰሉ ይግብኣካ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 100 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ዘቐንዙ መጥባሕቲ ክግበረሉ ክፈቅድ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ኣምላኽ ድማ ሰባት ንግዜኡ ክሳቐዩ ከፍቅድ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 101 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳምን ሄዋንን ነታ እተኸልከለት ፍረ ብምብልዖም ንግዝኣት ኣምላኽ ጠንጢኖም ብናቶም ሓሳብ ባዕላቶም ጽቡቕን ክፉእን ክውስኑ ጀመሩ

[ኣብ ገጽ 103 ዘሎ ስእሊ]

ሰብ ልክዕ ከምቲ መግቢ ንኽበልዕን ማይ ንኽሰትን ድላይ ከም ዘለዎ ኰይኑ እተፈጥረ: ናይ ኣምላኽ መሪሕነትውን ከም ዘድልዮ ኰይኑ ኢዩ ተፈጢሩ