ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ

ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ

ምዕራፍ 26

ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ

1. እንታይ ክልተ ነገራት ኢዩ ክርስትያናት ክቃለስዎ ዘለዎም፧

 እዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ክሳዕ ዘሎ ክርስትያናት ካብቲ እኩይ ጽልዋኡ ናጻ ምእንቲ ክዀኑ ክቃለሱ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንፍሕሶ [ጐራሕ ተግባራት] ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 6:​11–18) እንተዀነ ግን ቅልስና ምስ ሰይጣንን ዓለሙን ጥራይ ኣይኰነን: ምስቲ እከይ ንምግባር ኣባና ሓዲሩ ዘሎ ድልየትውን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ይብል።​—⁠ዘፍጥረት 8:​21፣ ሮሜ 5:​12

2. (ሀ) ብዙሕ ግዜ ጌጋ ንምግባር ብርቱዕ ባህጊ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ስለምንታይ ኢና ንጌጋ ባህጊ ክንቃለሶ ዘሎና፧

2 ብሰንኪ እቲ ካብ ኣዳም እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ: ዝወረስናዮ ሓጢኣት ልብና እከይ ንምግባር ይብህግ ኢዩ። ነዚ ባህጊ እዚ እንተደኣ ገይርናዮ ድማ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይክንረክብን ኢና። ስለዚ ቅኑዕ ንኽንገብር ክንቃለስ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንርእሱውን ከምዚ ዝበለ ቃልሲ ስለ ዝነበሮ ኢዩ “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ: ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ” ዝበለ። (ሮሜ 7:​21–23) ንስኻውን እዚ ቃልሲ እዚ ከቢድ ኰይኑ ረኺብካዮ ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ውሽጥኻ ብርቱዕ ምስሕሓብ የጋጥመካ ይኸውን። ሽዑኸ እንታይ ኢኻ እትውስን፧

3. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ከመይ ዝበለ ውሽጣዊ ቃልሲ ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) ብዙሓት ሰባት ሰናይ ክገብሩ እናደለዩ እከይ ምግባሮም እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኢዩ ዝግለጽ፧

3 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምስ ፍጹም ዝዀነ ኵነታት ኣብ ምድሪ ንኽንነብር ዝሃበና ዘገርም ተስፋ ዛጊት ፈሊጥካዮ ኣሎኻ። ነዚ መብጽዓታት እዚ ትኣምኖ ከምኡውን እዚ ሰናይ ነገራት’ዚ ትብህጎ ኢኻ። ስለዚውን ንኣምላኽ እንተደኣ ኣገልጊልካዮ ንሓዋሩ ንጥቕምኻ ከም ዝዀነ ትፈልጥ ኢኻ። ብልብኻ ግን ምናልባት ነቲ እኩይ ከም ዝዀነ እትፈልጦ ነገራት ክትገብር ትብህግ ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ ክትምንዝር: ክትሰርቕ ወይ ድማ ኣብ ገለ እኩይ ተግባራት ንኽትሳተፍ ብርቱዕ ባህጊ ይሓድረካ ይኸውን። ገሊኦም ሰባት ነዛ መጽሓፍ እዚኣ እናጽንዑ ክንሶም እዚ ኣበሳታት’ዚውን ብኣምላኽ እተዀነነ ምዃኑ እናፈለጡ ኣብዚ ተግባራት እዚ ይውዕሉ ይዀኑ። ሰናይ ክገብሩ እናደለዩ ነቲ እከይ ምግባሮም እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፣ መንከ የስተውዕሎ፧” ዝብሎ ሓቂ ከም ዝዀነ የረጋግጹ።​—⁠ኤርምያስ 17:​9

ኣብቲ ቃልሲ ክትዕወት ይከኣል ኢዩ

4. (ሀ) ኣብቲ ቃልሲ ክትዕወት ወይ ከይትዕወትሲ ናይ መን ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ክትዕወት እንታይ የድሊ፧

4 እዚ ማለት ግን ሓደ ሰብ ነቲ እከይ ንምግባር ዘለዎ ባህጊ ክቋጻጸሮ ኣይክእልን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ብሓቂ ትደሊ እንተደኣ ኴንካ ልብኻ በቲ ቅኑዕ መገዲ ምእንቲ ክመርሓካ ከተበርትዖ ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ካባኻ ኢዩ። (መዝሙር 26:​1, 11) ዋላ ሓደ ካልእ ተቓሊሱ ክዕወተልካ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ቅድሚ ዅሉ ነቲ ህያው ዝገብር ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምውሳድ ቀጽል። (ዮሃንስ 17:​3) እንተዀነ ግን እዚ ፍልጠት’ዚ ኣብ ኣእምሮኻ ካብ ምውህላል ንላዕሊ ኢዩ ዝድለ። ኣብ ልቢውን ክኣቱ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ እትማሃሮ ዘሎኻ ዓሚቝ ስምዒት ከሕድረልካ እሞ ኣብ ግብሪውን ከም እተውዕሎ ክድርኸካ ኣለዎ።

5. ንሕግታት ኣምላኽ ልባዊ ሞሳ ክትህበሉ እትኽእል ከመይ ገይርካ ኢኻ፧

5 እንተዀነ ግን ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሕግታት ኣምላኽ ልባዊ ሞሳ ክትህበሉ እትኽእል፧ ብዛዕባኡ ከተስተንትን ወይ ከኣ ኣዕሙቕ ኣቢልካ ክትሓስብ ኣሎካ። ንኣብነት እስኪ ንርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- “ንኣምላኽ ምእዛዝ ብሓቂ እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘምጽእ፧” ድሕርዚውን ንናብራ ናይቶም ንሕግታቱ ሸለል ዝበልዎ ሰባት ርአ። ንኣብነት ሓንቲ ጓል 19 ዓመት ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ንሰለስተ ግዜ ዝኣክል ሕማም መውስቦ ሓዘኒ። እታ ናይ መወዳእታ ዝሓመምክዋ ድማ ማህጸነይ ብመጥባሕቲ ስለ ዘውጽኡለይ እቲ ናይ ምውላድ መሰለይ ኣጥፊአ።” ሰባት ንሕጊ ኣምላኽ ብዘይምእዛዞም ዝወርዶም እተፈላለየ መግደራ ክትርኢ ኸሎኻስ ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ። (2 ሳሙኤል 13:​1–19) ሓንቲ ኣብ ምንዝር ዝወደቐት ሰበይቲውን ብምሕዛን ከምዚ ትብል:- “ክንድቲ ብዘይምእዛዘይ ዝመጽእ ስቓይን ስምዒታዊ ውድቀትን ኣይከውንን ኢዩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ሕጂ እሳቐ ኣሎኹ።”

6. (ሀ) እቲ ብኣበሳ ዝርከብ ሓጐስ ከንቱ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሙሴ ኣብ ግብጺ ከመይ ዝበለ ናብራ ከሕልፍ ምኸኣለ ነይሩ፧

6 እንተዀነ ግን ገለ ሰባት ምንዝርን ስኽራንን ሓሽሽ ምውሳድንሲ ዘሐጕስ ኢዩ ይብልዎ። እዚ ዘሐጕስ ዝበሃል ግን ግዝያዊ ጥራይ ኢዩ። ኣይትጋገ: ካብቲ ነባሪ ሓጐስ ዘምጽኣልካ መገዲ ከይትዘብል ተጠንቀቕ። ብዛዕባ እቲ “ወዲ ጓል ፈርኦን” ኰይኑ ዝዓበየ ሙሴ ዘክር። ኣብ ሃብቲ ቤተ መንግስቲ ጥንታዊት ግብጺ ኢዩ ዝነብር ዝነበረ። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ: ምስ ዓበየ “ካብ ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሓረየ” ይብል። (እብራውያን 11:​24, 25 ሱያፍ ጽሑፍ ናትና) እቲ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ብዕሉግን ስድን ናብራስ ዘደስት ወይውን ባህ ዘብል ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። እሞ ሙሴ ደኣ ካብዚ ዅሉ ዝረሓቐ ስለምንታይ ኢዩ፧

7. ሙሴ ኣብቲ ናይ ግብጺ ቤተ መንግስቲ “ካብ ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎ” ጠንጢንዎ ክኸይድ ዝመረጸ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ሙሴ ከምኡ ዘግበሮ ንየሆዋ ኣምላኽ ይኣምን ስለ ዝነበረ ኢዩ። ካብቲ ንግዜኡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ግብጺ ብሓጥያት ባህ ክብሎ ዝኽእል ካልእ ዝበለጸ ነገር ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ናብቲ ዓስቢ ይጥምት” ነበረ። ሙሴ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ነገራት የስተንትንን ኣዕሚቝ ይሓስብን ነበረ። ኣብቲ ጽድቃዊ ሓድሽ ኣገባብ ንምፍጣር ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ይኣምን ነበረ። በቲ የሆዋ ንሰባት ዘርእዮም ፍቕርን ሓልዮትን ድማ ልቡ ተተንከፈ። ሙሴ ብዛዕባ የሆዋ ሰሚዑ ወይ ኣንቢቡ ጥራይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” ኢዩ ዝብሎ። (እብራውያን 11:​26, 27 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) ንሙሴ የሆዋን እቲ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝሃቦ መብጽዓታትን ርግጽ ኢዮም ነይሮም።

8. (ሀ) ኣብቲ ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ንኽንዕወት እንታይ የድልየና፧ (ለ) እንታይ ብሓደ መንእሰይ እተገልጸ ኣረኣእያ ኢዩ ጥበባዊ ዝኸውን፧

8 ንዓኻኸ ከምኡ ድዩ፧ ንየሆዋ ከም ሓደ ህያው ኣካልን ዘፍቅረካ ኣቦን ጌርካዶ ኢኻ እትርእዮ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ዝሃቦ ተስፋታት ከተንብብ ከሎኻ: ተኻፋሊ ናይዚ በረኸታትዚ ከም ዝዀንካ ገይርካዶ ንርእስኻ ትሓስባ፧ (ካብ ገጽ 156 ክሳብ 162 ተመልከት።) ነቲ እከይ ንኽንገብር ብዅሉ ወገናት ዝመጸና ጸቕጢ ምእንቲ ክንዋጽኣሉ ምስ የሆዋ ጥብቂ ዝምድና ክህልወና ይግባእ። ከምቲ ሙሴ ዝገበሮ ንሕናውን ‘ናብቲ ዓስቢ ክንጥምት ኣሎና።’ ሓደ 20 ዓመት ዝዕድሜኡ መንእሰይ ናይ ምንዝር ፈተና ምስ ኣጋጠሞ ኣረኣእያ ናይ ሙሴ ነበሮ። ከምዚ ይብል:- “እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋይ ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ንሒደት ናይ ብዕልግና ግዜ ኣየጥፍኦን።” እዝስ ክህልወካ ዝግብኦ ቅኑዕ ኣተሓሳስባዶ ኣይኰነን፧

ካብ ጌጋ ናይ ካልኦት ምምሃር

9. ንጉስ ዳዊት ኣብቲ ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ዘይተዓወተ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

9 ኣብዚ ቃልሲ እዚ ከምቲ ሓደ ግዜ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ሓለዋኻ ፈጺምካ ክትሓድግ የብልካን። ዳዊት ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ይጥምት ነበረ። ኣማዕድዩ ነታ መልክዔኛ ባትሴባ ክትሕጸብ ከላ ረኣያ። ኣብ ልቡ ክፉእ ባህጊ ከይሓደሮ ኸሎ ኣብ ክንዲ ዘልግስ ምጥማታ ቀጸለ። ምስ ባትሴባ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ዝነበሮ ባህጊ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ኣብ ቤተ መንግስቱ ከምጽኡዋ ኣዘዘ። ጸኒሑ ኸኣ ስለ ዝጠነሰት ነቲ ዝፈጸምዎ ዝሙት ክኸዋውሎ ስለ ዘይከኣለ ንሰብኣያ ኣብ ዓውዲ ውግእ ከም ዝቕተል ገበረ።​—⁠2 ሳሙኤል 11:​1-17

10. (ሀ) ዳዊት ሓጢኣቱ ብኸመይ ተቐጽዓሉ፧ (ለ) ንዳዊት ካብ ኣብ ዝሙት ምውዳቕ እንታይ ክከላኸለሉ ምኸኣለ ነይሩ፧

10 እዚ ብሓቂ ብርቱዕ ኣበሳ ኢዩ ነይሩ። ዳዊትውን ብእኡ ምኽንያት ተሳቐየ። በቲ ዝፈጸሞ ብዙሕ ጕህዩ ጥራይ ዘይኰነስ የሆዋ እውን ኣብ ቤቱ ሽግር ብምውራድ ነቲ ዝተረፈ ህይወቱ ቀጺዑዎ ኢዩ። (መዝሙር 51:​3, 4፣ 2 ሳሙኤል 12:​10–12) ዳዊት ልቡ ካብቲ ንሱ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ዝያዳ ጠባሪ ኢዩ ነይሩ: እቲ ግጉይ ባህግታቱ ሓየሎ። ጸኒሑውን ከምዚ በለ:- “እንሆ: ብኣበሳ ተወለድኩ: እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።” (መዝሙር 51:​5) እንተዀነ ግን እቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ኣበሳ ኣቐዲሙ ክገትኦ ምኸኣለ ነይሩ። እቲ ንእኡ ኣብ ጸገም ዘውደቖ ተኲሩ ብምጥማቱ ኢዩ: ነቲ ጾታዊ ባህጉ ንሰበይቲ ካልእ ሰብኣይ ከም ዘዕብዮ ዝገበሮ ኵነታት ኣየወገዶን።

11. (ሀ) ካብ ናይ ዳዊት ተመኵሮ እንታይ ክንማሃር ይግብኣና፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ተግባራት ኢዩ “ስጋዊ ፍትወት” ከላዕል ዝኽእል፧ (ሐ) ሓደ መንእሰይ ከም ዝበሎኸ ሓደ ጥበበኛ ሰብ እንታይ ኢዩ ዘርሕቕ፧

11 ካብቲ ናይ ዳዊት ተመኵሮ ነቲ ዘይግቡእ ዝዀነ ጾታዊ ስምዒት ከለዓዕል ዝኽእል ኵነታት ክንጥንቀቐሉ ክንማሃር ይግብኣና። ንኣብነት እቲ እተንብቦ መጻሕፍትን እትርእዮ መደባት ተለቪዥንን ፊልምታትን ንጾታዊ ርክብ ዘጕልሕ ምስ ዝኸውን እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ ጾታዊ ስምዒት ከም ዝለዓል ፍሉጥ ኢዩ: ስለዚ ካብቲ “ፍትወት ስጋ” ከላዕል ዝኽእል ተግባራትን መዛናግዕን ርሓቕ። (ቈሎሴ 3:​5፣ 1 ተሰሎንቄ 4:​3–5፣ ኤፌሶን 5:​3–5) ኣብ ምንዝር ክመርሓካ ምስ ዝኽእል ሰብ ኣይትሕበር። ሓደ 17 ዓመት ዝዕድሜኡ መንእሰይ ልቦና ብዘለዎ ኣዘራርባ ገይሩ ከምዚ በለ:- “ኵሉ ሰብ ‘ነፍስና መዓስ ከም እንገትእ ንፈልጥ ኢና’ ክብል ይኽ⁠እል ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ሓደ ሰብ ይፈ⁠ልጥ ይኸውን። ይኹን ደኣ እምበር ክንደይ ኢዮም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ፧ እቲ ዝሓሸስ ነቲ ኵነታት ምርሓቑ ኢዩ።”

12. እንታይ ናይ ዮሴፍ ኣብነት ኢዩ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዝግብኣና፧

12 ዳዊት ኣብነት ናይ ዮሴፍ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነይሩ እንተ ዝኸውንሲ: ነቲ ከቢድ ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቶ ኣይምገበሮን ነይሩ። ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ኣዛዝ ቤት ጶጢፋር ተሸይሙ ይነብር ነበረ። ጶጢፋር ምስ ወጸ: እታ ብጾታዊ ርክብ ጽልልቲ ዝነበረት ሰበይቱ ነቲ ምልኩዕ ዮሴፍ ከተስድዖ ኢላ ‘ምሳይ ደቅስ ትብሎ’ ነበረት። ዮሴፍ ግን ኣበየ። ሓደ መዓልቲ ግን ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ምሳይ ደቅስ በለቶ። ዮሴፍ ግን ክዳኑ ሓዲጉላ ሃደመ። ልቡ ኣጽኒዑ ብኸመይ ንጾታዊ ባህጉ ከም ዘዕግብ ዘይኰነስ: ከመይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ኰይኑ ከም ዝርከብ ኢዩ ዝሓስብ ዝነበረ። ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧”​—⁠ዘፍጥረት 39:​7–12

ንኽትዕወት ዘድልየካ ደገፍ

13, 14. (ሀ) ኣብዚ ቃልሲ እዚ ንኽትዕወት እንታይ የድሊ፧ (ለ) እቶም ኣብ ከተማ ቈረንቶስ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ለውጢ ኢዮም ዘርኣዩ፧ (ሐ) ጳውሎስን ቲቶስንከ ከመይ ዝበሉ ሰባት ኢዮም ነይሮም፧

13 ኣብዚ ቃልሲ እዚ ምእንቲ ክትዕወት: ልብኻ ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምልኣዮ እሞ ብእኡ ክትመላለስ ድማ ክትድረኽ ኢኻ። ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብምሕባር ኣባል ናይታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ክትከውን ከድልየካ ኢዩ። ብሓገዛ ኸኣ: ዋላ’ኳ ኣብ እኩይ ተግባራት እንተ ጠለቕካ: ክትልወጥ ትኽእል ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነብሩ ዝነበሩ እሞ እተለወጡ ሰባት ከምዚ ኢሉ ጸሐፈ:- “ኣይትስሐቱ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም: ግናኸ . . . ተሐጺብኩምን: ተቐዲስኩምን ኢኹም።”​—⁠1 ቈረንቶስ 6:​9–11 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

14 እስኪ ሕስብ ኣብለሉ! ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣመንዝራታት: ግብሪ ሶዶም ዝገብሩ: ዘመውቲ: ሰረቕትን ሰካራትን ኢዮም ነይሮም። እታ ክርስትያናዊት ማሕበር ደገፋ ስለ ዝሃበቶም ግን ተለወጡ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንርእሱውን ሕማቕ ተግባራት ዝገብር ዝነበረ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:​15) ነቲ ክርስ⁠ትያን ብጻዩ ቲቶስ:- “ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ: ዘይእዙዛት: ግጉያት: ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና” ኢና ነይርና እናበለ ጸሓፈሉ።​—⁠ቲቶስ 3:⁠3

15. (ሀ) ቅኑዕ ንምግባር ንጳውሎስ ቀሊል ከም ዘይነበረ እንታይ የረድኣና፧ (ለ) ካብቲ ናይ ጳውሎስ ኣብነት እንታይ ኢና እንማሃር፧

15 ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነኸ ቅኑዕ ንምግባር ቀሊል ኰይኑዶ ረኺቡዎ ይኸውን፧ ያእ ኣይፋሉን። ጳውሎስ ካብቲ ቅድም ባርያኡ ዀይኑ ዝግዝኦ ዝነበረ ግጉይ ባህግታትን ሓጐስን ንኽርሕቕ ኢሉ ምሉእ ህይወቱ ተቓሊሱ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንኻልኦት እናሰበኽኩ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።” (1 ቈረንቶስ 9:​27) ጳውሎስ ‘ቀጻዕ’ ነፍሱ ኢዩ ነይሩ። ኣካላቱ እከይ ክገብር እንተ ደለየ’ኳ: ነቲ ቅኑዕ ንኽገብር ገዛእ ርእሱ ይግድድ ነበረ። ንስኻውን ከምቲ ጳውሎስ ዝገብሮ ዝነበረ እንተ ገበርካ ኣብዚ ቃልሲ እዚ ክትዕወት ኢኻ።

16. ከመይ ዝበለ ዘመናዊ ኣብነታት ኢዩ ኣብቲ ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ክንዕወት ዝሕግዘና፧

16 ንገለ ካብቲ ዝነበረካ ሕማቕ ልምድታት ክትገድፎ የሸግረካ እንተደኣ ሃልዩ ኣብቲ ዝመጽእ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሳተፍ። ሽዑ በቲ ንጹህ ጠባይን ሓጐስን ናይቶም ተሳተፍቲ ከም እትግረም ኣየጠራጥርን ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ስብሰባ እትርእዮም ሰባትውን ቅድም ክፍሊ ናይዛ ምንዝር: ዝሙት: ስኽራን: ግብሪ ሶዶም: ሽጋራ ምትካኽ: እጸዋት ምዝውታር: ምስራቕ: ምድልሓቕ: ሓሶት: ምጥላዕ ልሙድ ዝዀነላ ዓለም ኢዮም ነይሮም። ብዙሓት ካብኦም ቅድም ነዚ ነገራት እዚ ይገብሩ ነበሩ። (1 ጴጥሮስ 4:​3, 4) ከምኡውን ከይደንጐኻ ክግበር ዘለዎ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓብር ከሎኻ: ኣብ መንጎ እቶም ምስ እዚ እትቃለሶ ዘሎኻ ተማሳሳሊ ሕማቕ ልምድታትን ባህግታትን ንኽዋጽእሉ እተቓለሱ ሰባት ክትከውን ኢኻ። ስለዚ ትባዕ! ንሳቶም ኣብቲ ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ይዕወቱ ኣለዉ። ንስኻውን ብረዲኤት ኣምላኽ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ።

17. (ሀ) ኣብቲ ቃልሲ ምእንቲ ክንዕወት እንታይ ሕብረት ኢዩ ዘድልየና፧ (ለ) ንዘሎካ ጸገማት ካብ መን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፧

17 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንገለ ግዜ ትገብር እንተደኣ ኣሊኻ ኣብቲ መንግስቲ ኣዳራሽ ዝግበር ኣኼባታት ከም እተሳተፍካ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ ምምጻእ ቀጻሊ ልምዲ ግበሮ። ኵልና ካብ ከምዚ ዝበለ ክርስትያናዊ ሕብረት ዝርከብ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ የድልየና ኢዩ። (እብራውያን 10:​24, 25) ምስቶም “ሽማግሌታት” ጉባኤ እውን ተላለ። ሓላፍነቶም ‘ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ምጕሳይ እዩ።’ (1 ጴጥሮስ 5:​1–3፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:​28) ንገለ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ዝዀነ ልምድታት ኽት​ዋጽኣሎም ሓገዝ እንተደኣ ደሊኻ ናብኦም ንምቕራብ ኣይተድሓርሕር። ፈቃራትን ሕያዎትን ሓለይትን ከም ዝዀኑውን ክትርእዮም ኢኻ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠7, 8

18. ከመይ ዝበለ መጻኢ ተስፋ ኢዩ ኣብቲ ቃልሲ ክንቅጽል ዘበርትዓና፧

18 እከይ ንምግባር ጸቕጢ ኣሎና: እዚ ኸኣ ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓጢኣት እውን ኢዩ። ስለዚ ንኣምላኽ እሙን ምዃን መዓልታዊ ቃልሲ ኢዩ። እዚ ቃልሲ እዚ ንዘለኣለም ዘይቅጽል ምዃኑ ግን ክንደይ ሰናይ ኢዩ! ሰይጣን ድሕሪ ቀረባ ግዜ ከልግስ ብዘላ እዛ ግዝኣቱ ዝዀነት ዓለምውን ክትጠፍእ ኢያ። ብድሕርዚ: ኣብቲ ክመጽእ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ: ንናብራና ቀሊል ዝገብር ጻድቕ ኵነታት ክህሉ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኵሉ ኣሰር ናይ ሓጢኣት ክጠፍእ: ብድሕሪኡውን እዚ ከቢድ ዝዀነ ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ ኣይክህሉን ኢዩ።

19. ንየሆዋ ከተሐጕስ ዝከኣለካ ክትጽዕር ፍቓደኛ ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ተነቢሩ ዘሎ በረኸታት ኵሉ ግዜ ሕሰብ። እወ: ‘ነታ ተስፋ ምድሓን ከም ቁራዕ ርእሲ ኣእትዋ።’ (1 ተሰሎንቄ 5:​8) ኣረኣእያና ከምታ “ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረለይን ዘተስፈወንን እሓስብ። ዕሽሽ ኣይበለንን። ብብዙሕ መገዲ ኢዩ ባሪኹኒ። ንሰናየይ ጥራይ ከም ዝሓስብ እፈልጥ ኢየ: ኣነውን ከሐጕሶ ኢየ ዝደሊ። ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብዙሕ ጻዕሪ ክግበሮ ይግባእ” ዝበለት መንእሰይ ክኸውን ኣለዎ። ብተኣማንነት ጽድቂ እንተደኣ ጌርና ነቲ የሆዋ ነቶም ዘፍቅሮም ‘እተዛረበሎም ኵሉ ቃል’ ክንረኽቦ ኢና።​—⁠እያሱ 21:​45

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 219 ዘሎ ስእሊ]

ስለምንታይ ኢዩ ሙሴ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ምንባር ምቾት ከለዎ ጠንጢንዎ ዝኸደ፧

[ኣብ ገጽ 220, 221 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ነቲ ናብ ብዕልግና ዝመርሖ ኵነታት ኣየወገዶን: ምጥማት ደኣ ቀጸለ

[ኣብ ገጽ 222 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ካብቲ ብሰበይቲ ጶጢፋር ዝገጠሞ ናይ ብዕልግና ፈተና ሃደመ