ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃን

ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃን

ምዕራፍ 15

ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃን

1, 2. ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትከውን እንታይ የድልየካ፧

 ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ክትነብርዶ ምደሌኻ፧ ዝዀነ ይኹን ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ነዚ ሕቶ’ዚ እወ ኢሉ ኢዩ ዝምልሸሉ። ባህ ዘብል በረኸታት ክህሉ ኢዩ። ካብኡ ተኻፋሊ ምእንቲ ክትከውን ኢልካ ግን ኢድካ ኣልዒልካ ‘እወ ኣነ ግዙእ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን እደሊ እየ’ ምባል እኹል ኣይኰነን። ካብኡ ንላዕሊ ዘድሊ ኣሎ።

2 ንኣብነት: ዜጋ ናይ ካልእ ሃገር ክትከውን ትደሊ ትኸውን። ከምኡ ንኽትገብር እቶም ገዛእቲ ናይታ ሃገር ዘውጽእዎ ብቕዓታት ከተማልእ የድልየካ። የግዳ እዚ ቅድሚ ምግባርካ: እቲ ከተማልኦ ዘድልየካ ብቕዓታት እንታይ ምዃኑ ክትማሃሮ ይግብኣካ። ብተመሳሰሊ መገዲ ድማ: ኣምላኽ ካብቶም ተገዛእቲ ናይታ መንግስቱ ክዀኑ ዝደልዩ ዝጽበዮ ብቕዓታት ክትማሃር ይግብኣካ። ድሕር’ዚ ነዞም ብቕዓታት እዚኣቶም ከተማልእ ከድልየካ ኢዩ።

ፍልጠት ኣድላዪ ኢዩ

3. ሓደ ካብቲ ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ዘኽእለካ ብቕዓትሲ እንታይ ኢዩ፧

3 ተገዛኢ ናይ መንግስቲ አምላኽ ንምዃን ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብቕዓት “ቋንቋ” ናይታ መንግስቲ ምፍላጥ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምኽንያታዊ ኢዩ። ገለ ሰብኣውያን መንግስታት እቶም ሓደስቲ ዜጋታተን ቋንቋ ናይ ሃገረን ክዛረቡ ይደልያኦም ኢየን። እቶም ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ረኺቦም ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ደኣ ከመይ ዝበለ “ቋንቋ” ኢዮም ክማሃሩ ዝግብኦም፧

4. ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ “ጽሩይ ቋንቋ” ኢዮም ክማሃሩ ዝግብኦም፧

4 የሆዋ ብዛዕባ እዚ ነገር’ዚ ኣብ ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል እስከ ነስተብህል:- “ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ [ቋንቋ ትሓዓ] ክመልሰሎም እየ።” (ጸፎንያስ 3:​9) እዚ “ጽሩይ ቋንቋ” ተባሂሉ ዘሎ ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኢዩ። ብፍላይ እኳ እቲ ሓቂ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትከውን ፍልጠት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን እታ መንግስቱን ብምጥራይ ነዚ “ቋንቋ” እዚ ክትማሃሮ ይግብኣካ።​—⁠ቈሎሴ 1:​9, 10፣ ምሳሌ 2:​1–5

5. (ሀ) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢና ክንፈልጥ ዘሎና፧ (ለ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብከ እንታይ ፍልጠት ክህልወና የድሊ፧

5 ገሊአን ሰብኣውያን መንግስታት ነቶም ዜግነት ዝህብኦም ሰባት ታሪኽ ናይ መንግስተንን ብዛዕባ ኣሰራርሓአንን ክፈልጡ ይደልያኦም ኢየን። ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ትደሊ እንተደኣ ኴንካውን ብተመሳሳሊ መገዲ ከምዚ ዝበለ ነገራት ብዛዕባኣ ክትፈልጥ ይግብኣካ። እዚ ፍልጠት’ዚ ድማ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ናብ ኣቦኡ ቐሪቡ ክጽሊ ኸሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 17:​3

6. (ሀ) ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክምልስሉ ዘለዎም ገለ ሕቶታት እንታይ ኢዮም፧ (ለ) ንስኻኸ ክትምልሸሎምዶ ምኸኣልካ፧

6 ነተን ቀዳሞት ምዕራፋት ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣጽኒዕካየን እንተደኣ ኴንካስ: ድሮ ዝበዝሕ ናይዚ ኣድላዪ ፍልጠት እዚ ረኺብካ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። እሞኸ ነዚ ፍልጠት እዚ ሒዝካዮዶ ኣሎኻ፧ ነዚ ከም ዝረኸብካ ንምርግጋጽ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ብምምላስ ኣርኢ፧ ኣምላኽ: ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዘለዎ ዕላማ መጀመርታ ዝጠቐሰ መዓስ ኢዩ፧ ገለ ኻብቶም ምድራውያን ተገዛእታ ንክዀኑ ተስፋ ዝገበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽከ ብዓል መን ኢዮም፧ መንግስቲ ኣምላኽከ ክንደይ ዝኣኽሉ ገዛእቲ ወይ ነገስታት ኢዮም ዝህልዉዋ፧ ኣበይ ኰይኖምከ ኢዮም እዞም ነገስታት እዚኣቶም ዝገዝኡ፧ መንከ ኢዮም እቶም ነገስታት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክዀኑ መጀመርታ እተሓርዩ፧ የሱስ ሓደ ሕያዋይ ንጉስ ከም ዝኸውንከ ብኸመይ ኣርኣየ፧ ይኹን እምበር ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነ ካልእ ዘድሊውን ኣሎ።

ጽድቃዊ ጠባይ ኣድላዪ ኢዩ

7. መንግስታት ሰብ ኣብቲ ናይ ዜግነት ብቕዓታት ብዝምልከት ዝፈላለያ ብኸመይ ኢየን፧

7 ሎሚ መንግስታት እቶም ሓደስቲ ዜጋታት ከማልእዎ ዝደልያኦም መምዘኒ ናይ ጠባይ ኣለወን። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ በዓልቲ ቤት ጥራይ ከምኡውን ሓንቲ ሰበይቲ ሓደ በዓል ቤት ጥራይ ክህልዎም ይደልያኦም ይዀና። ካልኦት መንግስታት ድማ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ሕግታት ክህልወን ይኽእል። ንዜጋታተን ካብ ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ንላዕሊ ክህልዎም የፍቅዳሎም። እቶም ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ከመይ ዝበለ ጠባይ ኢዩ ክህልዎም ዝድለ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ መርዓ ቕኑዕ ኢዩ ዝብሎኸ እንታይ ኢዩ፧

8. (ሀ) ስርዓት ኣምላኽ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዝሙት እንታይ ማለት ኢዩ: ኣምላኽከ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧

8 የሆዋ ብመጀመርታ ንኣዳም ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ብምሃቡ ስርዓት መርዓ ኣቚሙ ኢዩ። ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።” (ዘፍጥረት 2:​21–24) የሱስ እዚ ስርዓት’ዚ ክርስትያናት ክኽተልዎ ዝግብኦም ከም ዝዀነ ገሊጹዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 19:​4–6) ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ስለ ዝዀኑ ሓዲኦም ምስ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጽም መርዓኦም የርክስዎ። እዚ ድማ ዝሙት ኢዩ ዝብሃል: ኣምላኽ ድማ ንዘመውቲ ክቐጽዖም ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 13:​4፣ ሚልክያስ 3:​5

9. (ሀ) ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ከይተመርዓዉ ጾታዊ ርክብ ዝገብሩ ሰባት እንታይ ይብል፧ (ለ) ምንዝር እንታይ ማለት ኢዩ፧

9 ብኻልእ መገዲ ድማ: ከይተመርዓዉ ተኣኻኺቦም ዝነብሩ ጾታዊ ርክብ እውን ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ። ዝዀነ ዀይኑ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝበለ ርክብ ናይ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ንመፈተኒ ኢሉ ኣይሰርዖን። ስለዚ እውን ከይተመርዓኻ ተኣኻኺብካ ምንባር ኣብ ቅድሚ እቲ ንመርዓ ዝሰርዐ ኣምላኽ ሓጢኣት ኢዩ። እዚ ድማ ምንዝር ኢዩ ዝበሃል። ምንዝር ድማ ምስ ዘይተመርዓኻዮ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስውን “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ ኢዩ . . . ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ” ኢዩ ዝብል። (1 ተሰሎንቄ 4:​3–5) ስለዚ እምበኣር ሓደ ዘይተመርዓወ ሰብ ምስ ዝዀነ ይዅን ጾታዊ ርክብ ክገብር ጌጋ ኢዩ።

10. ከመይ ዝበሉ ካልኦት ናይ ጾታዊ ርክብ ተግባራት ኢዮም ኣንጻር ሕግታት ኣምላኽ ዝዀኑ፧

10 ሎሚ ሰብኡት ምስ ከማታቶም ሰብኡት ኣንስቲውን ምስ ከማታተን ኣንስቲ ጾታዊ ርክብ ኣብ ንሓድሕዶም ይፍጽሙ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግብረ–ሶዶማውያን ይበሃሉ። ሓድሓደ ግዜውን እተን ግብረ ሰዶም ዝገብራ ኣንስቲ ለዝብያንስ ይብሃላ። ቃል ኣምላኽ ግን ነዚ ግብሪ እዚ ጌጋ ከምኡውን “ዘነውር” ኢሉዎ ኣሎ። (ሮሜ 1:​26, 27) ብዘይዚውን ሓደ ሰብ ምስ እንስሳ ብስጋ ክራኸብ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ክልኩል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 18:​23) እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክነብር ዝደሊ ሰብ እምበኣር ካብዚ ብዕሉግ ተግባራት’ዚ ክርሕቕ ኣለዎ።

11. (ሀ) ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ካብ ከመይ ዝበሉ ጥዕናኻ ክጐድኡ ዝኽእሉ ተግባራት ኢዮም ክርሕቁ ዘለዎም፧

11 ወይኒ: ቢራ: ወይ ኣልኮላዊ መስተ መጢንካ ምስ ዝስተ ንሕጊ ኣምላኽ ዝጻረር ኣይኰነን። ወዮ እኳ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ወይኒ እንተ ሰቴኻስ ንጥዕናኻ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝነግር። (መዝሙር 104:​15፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:​23) ምስካር ኰነ ወይ ኣብቲ ሰባት ስዲ ተለቒቖም ብዕሉግ ተግባራት ዘርእይሉ ድግስ ምስታፍ ግን: ሕጊ ኣምላኽ ዝጻረሮ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:​18፣ 1 ጴጥሮስ 4:​3, 4) ሎሚ ሰባት ኰነ ኢሎም ምእንቲ ክሰኽሩ ወይ “ሸገግ” ክብሉስ ዘስክር ድሩቕ መስተ ምስታይ ጥራይ ዘይኰነስ እተፈላለዩ ሓሽሻት ይወስዱ ኢዮም። ባህ ንኽብሎም ኢሎምውን ማሪዋናን ትምባኾን የትክኹ: ካልኦት ድማ ቤተልናት እተባህለ ሓሽሽን ከምኡውን ናይ ጫት ኣቑጽልትን ይሓይኩ። እዚ ነገራት’ዚ ግን ንኣካላቶም የርክስ ንጥዕናኦምውን ይጐድኦም። ስለዚ እምበኣር ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኽትከውን ትደሊ እንተደኣ ኴንካስ ካብዚ ጐዳኢ ነገራት’ዚ ክትርሕቕ ይግብኣካ።​—⁠2 ቈረንቶስ 7:​1

12. (ሀ) ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ዝዀኑ ገለ ናይ ቅጥፈት ተግባራት እንታይ ኢዮም፧ (ለ) ሓደ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ተግባራት ዝነበረ ሰብ ስምረት ኣምላኽ ክረክብ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

12 መንግስታት ሰብ ንገበነኛታት ከም ሓደስቲ ዜጋታት ክቕበልኦም ከም ዘይደልያ ፍሉጥ ኢዩ። የሆዋ እውን ዝለዓለ ደረጃ ናይ ኣቃውማ ኣለዎ። “ብኹሉ ነገራት እሙናት ኴንና ክንነብር” ኢዩ ዝደልየና። (እብራውያን 13:​18 ትሓዓ) ሰባት ንሕጊ ኣምላኽ ዘይሕልዉ እንተደኣ ኰይኖም: ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቱ ክነብሩ ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። ሎሚ ሰባት ቅኑዓት ከም ዝዀኑ መሲሎም ይረኣዩ: እንተዀነ ግን ብዙሕ ሕግታት ኢዮም ዝጥሕሱ። ይኹን ደኣ እምበር ኣምላኽ ዅሉ ክርኢ ዝኽእል ኢዩ። ሓደ እኳ ክጥብሮ ዝኽእል የልቦን። (እብራውያን 4:​13፣ ምሳሌ 15:​3፣ ገላትያ 6:​7, 8) ስለዚውን የሆዋ ነቶም ስርቅን ሓሶትን ዝኣመሰሉ ገበናት እናፈጸሙ ሕጉ ዘፍርሱ ሰባት ዜጋታት ናይታ መንግስቱ ክዀኑ ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። (ኤፌሶን 4:​25, 28፣ ራእይ 21:​8) ምስናይዚ ግን ኣምላኽ ትዕግስተኛን መሓርን ኢዩ። ስለዚ ዓመጸኛ ካብቲ እኩይ ግብሩ ተመሊሱ ሰናይ ምስ ዝገብር ኣምላኽ ይቕበሎ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 55:​7

13. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሕግታት ሰብኣውያን መንግስታት እንታይ ኣረኣእያ ክህልዎም ይግባእ፧

13 ብዛዕባ ሕግታት ናይ ሰብኣውያን መንግስታት ምሕላውከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ መንግስታት ደቅሰብ ክሳዕ ዘለዋስ ኣምላኽ ኣገልገልቱ ነቶም ኣብ ልዕሊኦም “ስልጣን” ዘለዎም ክግዝእዎም ኢዩ ዝደሊ። ዋላ’ኳ እቲ ግብሪ ብዙሕ: እቲ ሰብውን ነቲ መዓላ ናይቲ ገንዘብ ዘይሰማምዓሉ እንተዀነ: ክኽፈሎም ኢዩ ዝግባእ። ሕግታት ናይ መንግስቲ እውን ክኸብር ኣለዎ። (ሮሜ 13:​1, 7፣ ቲቶስ 3:​1) እቲ ሕግታቶም ንሕጊ ኣምላኽ ከተፍርስ ዝእዝዝ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ ክትቅበሎ ዘይብልካ። ኣብዚ ኵነታት እዚ ከምቲ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ዝበልዎ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29

14. ብዛዕባ ክብሪ ህይወት ኣረኣእያ ናይ ኣምላኽ ከም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

14 ኣምላኽ ንህይወት ብዓቢ ክብሪ ኢዩ ዝርእዮ። እቶም ተገዛእቲ ናይታ መንግስቱ ክዀኑ ዝደልዩ ሰባትውን ነዚ ኽርድእዎ ይግባእ። ቅትለት ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ፍሉጥ ኢዩ። ጽልኢውን ብዙሕ ግዜ ናብ ምቕታል ዝመርሕ ስለ ዝዀነ እቲ ንብጻዩ ኣዘውቲሩ ዝጸልኦ ሰብ ንሱ ተገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (1 ዮሃንስ 3:​15) ስለዚ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ 2:​4 ኣጽዋር ኣልዒልና ንብጻይና ከይንቐትል ሂቡና ዘሎ ትእዛዝ ክንሕልዎ ይግብኣና። ቃል ኣምላኽ ህይወት ናይቲ ጌና ዘይተወልደ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቡር ከም ዝዀነ ይነግረና። (ዘጸኣት 21:​22, 23፣ መዝሙር 127:​3) ምስናይዚ ግን ዓመት–ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸር ምንጻል ጥንሲ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ህይወት ምጥፋእ ብሕጊ ኣምላኽ እተኸልከለ ኢዩ፣ ከመይሲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል ህያው ሰብ ስለ ዝዀነ ክቕተል ኣይግብኦን ኢዩ።

15. ንኸመይ ዝበለ በቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ እተዋህበ ትእዛዛት ኢዮም ኵሎም ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ ክሕልዉዎ ዘለዎም፧

15 ብዘይዚውን እቶም ግዙኣት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ካብ እከይን ብዕሉግ ተግባራትን ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ ኢዩ ዝድለዮም። ንኻልኦት ሕያውነት ከርእዩን ሰናይ ነገራትውን ክገብሩሎምን ክጽዕቱ ኣለዎም። በቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ እተዋህቦም “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልዩዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ዝብል ኣምላኻዊ ሕጊ ተመሪሖም ክመላለሱ ኣለዎም። (ማቴዎስ 7:​12) ክርስቶስ ንሰባት ፍቕሪ ብምርኣዩ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ። ህይወቱውን ከይተረፈ ምእንቲ ደቅሰብ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ: ከምኡውን ንሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም [ተፋቐሩ]” ኢሉ ኣዘዞም። (ዮሃንስ 13:​34፣ 1 ዮሃንስ 3:​16) ከምዚ ዝበለ ስስዐ ዘይብሉ ፍቕርን ንሰብ ይጥዓሞ ዝብል መንፈስን ኢዩ: ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ምንባር ሓጐስ ዝመልኦ ከም ዝኸውን ዝገብሮ።​—⁠ያእቆብ 2:​8

16, 17. (ሀ) ከምቲ ኣምላኽ ዝደልየና ኴንና ምእንቲ ክንርከብ ኣብ ህይወትና ለውጢ ክንገብር እንታይ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና፧ (ለ) ዘድሊ ለውጢ ክንገብር ከም እንኽእል ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

16 ሰባት ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን እቲ ዝድለዮም ብቕዓታት ምእንቲ ከማልኡ ኣብ ኣነባብራኦም ለውጢ ክገብሩ ከም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ኤፌሶን 4:​20–24) ንስኻኸ እዚ ለውጢ እዚ ከተርኢዶ ትጽዕር ኣሎኻ፧ ክትጽዕረሉ ብሓቂ ኣድላዪ ኢዩ! ስለምንታይከ ይመስለካ፧ ንቕሩብ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ ሰብ መንግስቲ ዝሓሸ ህይወት ረኺብካ ክትነብር ማለት ኣይኰነን። የግዳስ ኣብ ትሕቲ እታ ብኣምላኽ እትመሓደር መንግስቲ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ምሉእ ጥዕና ረኺብካ ክትነብር ኢኻ!

17 ሕጂውን ኣብዚ ኣገባብ’ዚ እንተደኣ እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ጌርካስ ተሓጒስካ ክትነብር ኢኻ። ለውጢ ግን ክትገብር ኣሎካ። ብዙሓት ንሰብ ዝጸልኡን ስሱዓትን ዝነበሩ ተለዊጦም ኢዮም። ከምኡውን ቅድም ኣመንዝራታት: ዘመውቲ: ግብረ–ሰዶም ዝፍጽሙ: ሰካራት: ቀተልቲ: ሰረቕቲ: ሓሽሽ ዘዘውትሩ: ትምባኾውን ዘትክኹ ዝነበሩ ኣነባብራኦም ለዊጦም ኢዮም። ክሰልጦም ዝኸኣለ ድማ ብዙሕ ስለ ዝጸዓሩን ኣምላኽውን ረድኤቱ ስለ ዝሃቦምን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:​9–11፣ ቈሎሴ 3:​5–9) ስለዚ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ኴንካ ንኽትርከብ ዓቢ ለውጢ ክትገብር ዘድልየካ እንተደኣ ኰይኑ ኣጆኻ: ከይተሓለልካ ተቓለስ: ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ!

ንመንግስቲ ኣምላኽ ተኣማንነት ምርኣይ

18. ብኸመይ ዝበለ ፍሉይ መገዲ ኢዩ ኣምላኽ ነታ መንግስቱ ናይ ተኣማንነት ደገፍ ክንህባ ዝደልየና፧

18 የሆዋ ኣምላኽ ግዙኣቱ ነታ መንግስቱ ብተኣማንነት ደገፎም ክህቡዋ ምጽባዩስ ከገርመና ኣይግብኦን። መንግስታት ሰብውን ካብ ዜጋታተን ከምኡ ኢየን ዝደልያ። በየናይ ፍልይ ዝበለ መገዲ ኢዩኸ ኣምላኽ እሙን ደገፍ ክውሃቦ ዝደሊ፧ ተገዛእቱ ኣጽዋር ኣልዒሎም ነታ መንግስቱ ክዋግኡላ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንድኡስ ከምቲ የሱስ ክርስቶስን እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱን ዝገብሩዎ ዝነበሩ ደኣ እሙናት ኣፈኛታት ወይ ከኣ ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ኣምላኽ ክዀኑ ኢዩ ዝደልዮም። (ማቴዎስ 4:​17፣ 10:​5–7፣ 24:​14) የሆዋ ኵሎም ሰባት እታ መንግስቱ እንታይ ከም ዝዀነትን ንሽግራት ወድሰብ ከመይ ገይራ ከም እትፈትሖን ክፈልጡ ይደልዮም ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ካብ ቃል ኣምላኽ እተማሃርካዮ ነገራት ንኣዝማድካን ንኣዕሩኽካን ንኻልኦትንዶ ኣካፊልካዮም ትፈልጥ፧ ኣምላኽ ከምኡ ክትገብር ኢዩ ዝደልየካ።​—⁠ሮሜ 10:​10፣ 1 ጴጥሮስ 3:​15

19. (ሀ) ኻልኦት ብስራት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ከሎናስ ተቓውሞ ከጋጥመና እንጽበ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንኸመይ ዝበሉ ሕቶታትከ ኢኻ ክትምልሸሎም ዘሎካ፧

19 ክርስቶስን እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱን ዝበዝሕ ግዜ ተጻራርነት የጋጥሞም ስለ ዝነበረስ ንኻልኦት ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ክነግርዎም ከለዉ ትብዓት የድልዮም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:​41, 42) ሎሚውን ከምኡ ኢዩ። እዛ ግዝኣት ድያብሎስ ዝዀነት ዓለም እቲ ብስራት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክስበኽ ኣይትደልዮን ኢያ። ስለዚ ድማ እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ይልዓል:- ኣበይ ኢዩ መትከልካ፧ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙን ኴንካ ደገፍካ ክትህባ ዲኻ፧ የሆዋ: መወዳእታ ከይመጸ ኸሎ ንሰባት ብዛዕባ እታ መንግስቲ ሰፊሕ ምስክርነት ክዋሃቦም ኢዩ ዝደሊ። ንስኻኸ ኣብቲ ስብከት እጃምካዶ ከተበርክት ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 128 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዛእቲ ዝዀኑ ብዛዕባኣ ፍልጠት ክህልዎም ይግባእ

[ኣብ ገጽ 131 ዘሎ ስእልታት]

ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዛእቲ ካብቲ ኣምላኽ ዝኾነኖ ተግባራት ክርሕቁ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 133 ዘሎ ስእሊ]

ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባኣ ንኻልኦት ክነግሩ ኣለዎም