ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምልላያ

ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምልላያ

ምዕራፍ 22

ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምልላያ

1. ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ሓቀኛ ሃይማኖት ሒዞም ዝነበሩ መን ኢዮም፧

 ኣብቲ ቐዳማይ ዘበን ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ሒዞም ዝመላለሱ ዝነበሩ ሰባት እንታዎት ከም ዝነበሩ ንምፍላጥ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝነበሩ ኢዮም። ኵሎም ናይ ሓንቲ ክርስትያናዊት ማሕበር ኣባላት ኢዮም ነይሮም። ሎሚኸ ከመይ ኢዩ፧ እቶም ሓቀኛ ሃይማኖት ዝሓዙኸ ብኸመይ ክልለዩ ይኽእሉ፧

2. እቶም ሓቀኛ ሃይማኖት ዝሓዙ ሰባትከ ብኸመይ ኢዮም ክልለዩ ዝኽእሉ፧

2 የሱስ ከመይ ገይርና ከነለልዮም ከም እንኽእል ክገልጽ ከሎ:- “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። . . . ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። . . . እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” በለ። (ማቴዎስ 7:​16–20) እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ፍረ ከፍርዩ ኢኻ እትጽበዮም፧ ሕጂኸ እንታይ ኢዮም ክብሉን ክገብሩን ዝግብኦም፧

ስም ኣምላኽ ምቕዳስ

3, 4. (ሀ) ኣብታ ናይ የሱስ ጸሎት እታ ቀዳመይቲ ልመና እንታይ ኢያ ነይራ፧ (ለ) ከመይ ገይሩ ኢዩ የሱስ ስም ኣምላኽ ዝቐደሰ፧

3 እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ናይ ኣምላኽ ተግባራቶም ምስቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ናይ ኣብነት ጸሎት ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ የሱስ ኣብታ ጸሎት ዝጠቐሶ ቐዳማይ ነገር “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ዝብል ኢዩ። ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ድማ “ስምካ ብቕድስና ይተሓዝ” ኢሉ ይትርጕሞ። (ማቴዎስ 6:​9 ጀሩሳሌም ባይብል) ስም ኣምላኽ ምቕዳስ ወይ ብቕድስና ምሓዝ እንታይ ማለት ኢዩ፧ የሱስከ ነዚ ብኸመይ ገበሮ፧

4 የሱስ ብጸሎት ናብ ኣቦኡ ቀሪቡ “ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም” ብምባሉ ነዛ ስም እዚኣ ከም ዝቐደሳ ኣርኣየ። (ዮሃንስ 17:​6) እወ: የሱስ ነታ የሆዋ እትብል ስም ኣምላኽ ሰባት ከም ዝፈልጡዋ ገይሩ ኢዩ። ነዛ ስም እዚኣ ካብ ምልዓል ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። የሱስ እዛ ስም እዚኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ክትከብር ዕላማ ኣቦኡ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እዛ ስም እዚኣ ከም እትእወጅን ከም እትቕደስን ብምግባሩ ኣርኣያ ገዲፉልና ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 12:​28፣ ኢሳይያስ 12:4,5

5. (ሀ) ብኸመይ እያ እታ ክርስትያናዊት ማሕበር ምስ ስም ኣምላኽ እተተሓሓዘት፧ (ለ) ድሕነት ንኽንረክብ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

5 ህላዌ ናይታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ማሕበር ንርእሱ ምስ ስም ኣምላኽ እተተሓሓዘ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ . . . ከም ዝበጽሖም” ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:​14) ስለዚ ሓቀኛታት ህዝቢ ኣምላኽ ነዛ ስም እዚኣ ክቕድስዋን ኣብ ብዘላ ምድሪውን ከፍልጥዋን ኢዩ ዝግብኦም። መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ስለ ዝብል: ምፍላጥ ናይዛ ስም እዚኣ ንድሕነት ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 10:​13, 14

6. (ሀ) ኣብያተ ክርስትያናት ብጠቕላላ ንስም ኣምላኽዶ ይቕድሳ ኣለዋ ኢየን፧ (ለ) ንስም ኣምላኽ ዝምስክሩ ሰባትከ ኣለዉዶ፧

6 ሎሚ ደኣ መን ኢዮም ነዛ ስም እዚኣ እናቐደሱ ኣብ ብዘላ ምድሪውን ዘፍልጡዋ ዘለዉ፧ ኣብያተ ክርስትያናት ብጠቕላልአን ንስም የሆዋ ፈጺመን ኣይጥቀማሉን ኢየን። አረ ገሊአንሲ ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማተን ኣውጺአንኦ ኢየን። እንተዀነ ግን ስም የሆዋ እናጠቐስካ ምስ ጐረባብትኻ እንተ ትዛረብ: ካበየነየቲ ማሕበር ከም ዝዀንካ ምገመቱ ይመስለካ፧ በዚ ነገር’ዚ ብሓቂ ኣብነት ናይ የሱስ ተኸቲሉ ዝመላለስ ሓደ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ህይወቶም ቀንዲ ዕላማ ድማ ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ንኣምላኽ ምግልጋልን ብዛዕባ ስሙውን ምምስካርን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንርእሶም በቲ ጥቕሳዊ ስም “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ተባሂሎም ይጽውዑ ኣለዉ።​—⁠ኢሳይያስ 43:​10–12

መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ

7. የሱስ ኣገዳስነት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኣርኣየ፧

7 ኣብታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ጸሎት ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ መንግስቲ ኣምላኽውን ጠቒሱ ኢዩ። ንሰባት ከምዚ ኢሎም ክጽልዩ መሃሮም:- “መንግስትኻ ትምጻእ።” (ማቴዎስ 6:​10) የሱስ ንጸገማት ደቅሰብ ቀንጢጣ ከተጥፍኣሎም እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነት ደጋጊሙ እናኣትረረ ይነግሮም ነበረ። ንሱን ሃዋርያቱን ንሰባት ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ “ዓድታትን” ካብ “ቤት ናብ ቤትን” እናኸዱ ይሰብኩሎም ነበሩ። (ሉቃስ 8:​1፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:​42፣ 20:​20) ናይ ስብከቶምን ትምህርቶምን ቀንዲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ ነይራ።

8. የሱስ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ቀንዲ መልእኽቲ ናይቶም ዘለዉ ሰዓብቱ እንታይ ከም ዝዀነ ብኸመይ ኣርኣየ፧

8 ኣብዚ ግዜናኸ፧ ቀንዲ ትምህርቲ ናይታ ናይ ኣምላኽ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ማሕበር እንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ክንበ ኸሎ የሱስ ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:​14) ስለዚ ሎሚውን ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ቀንዲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ።

9. ሎሚ ብስራት ናይታ መንግስቲ ዝሰብኩ ዘሎዉ ሰባት ኣየኖት ኢዮም፧

9 እስኪ ንርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ሓደ ሰብ ኣብ ኣፍ ደገ ቤትካ መጺኡ እታ ናይ ደቅሰብ ሓቀኛ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነት ምስ ዝነግረካ ናይ ኣየነይቲ ማሕበር ኣባል ኢዩ ምበልካዮ፧ ብጀካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ኣባላትዶ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተዛሪቦምኻ ይፈልጡ ኢዮም፧ እንታይ ምዃና ዝፈልጡ’ኳ ሒደት ኢዮም! ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ፈጺሞም ኣፎም ኣይከፍቱን ኢዮም። እንተዀነ ግና እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዓለም እተንቀጥቅጥ ወረ ኢያ ኰይና ዘላ። ነቢ ዳንኤል እዛ መንግስቲ እዚኣ ‘ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍአንን ንሳ በይና ግን ንዘለኣለም ንምድሪ ክትገዝኣ ከም ዝዀነት’ ተነበየ።​—⁠ዳንኤል 2:​44

ንቓል ኣምላኽ ዝግብኦ ክብሪ ምሃብ

10. የሱስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንቓል ኣምላኽ ክብሪ ዘርኣየ፧

10 እቶም ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ዝልለይሉ ካልእ መገዲውን እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎዎም ኣረኣእያ ኢዩ። የሱስ ንቓል ኣምላኽ ወርትግ ክብሪ ይህብ ነበረ። ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ከም ዝለዓለ በዓል ስልጣን ገይሩ ይጠቕሶ ነበረ። (ማቴዎስ 4:​4, 7, 10፣ 19:​4–6) ከምኡውን የሱስ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዑ ብምምልላሱ ንቓል ኣምላኽ ኣኽቢሩዎ ኢዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ኣቃሊሉዎ ኣይፈልጥን። ኣብ ክንድኡ ግን ነቶም ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምህሩን ነቲ ኻብኡ ዝርከብ ትምህርቲውን ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ብምእታው ከድክምዎ ዝደልዩን ሰባት ይኹንኖም ነበረ።​—⁠ማርቆስ 7:​9–13

11. መብዛሕትኡ ግዜ ቤተ ክርስትያናት: ንቓል ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ርእይቶ ኢዩ ዘለወን፧

11 በዚኸ ሃይማኖታት ናይ ህዝበ ክርስትያን ነቲ ክርስቶስ ዝሓደጎ ኣርኣያዶ ስዒበን ኢየን፧ ንመጽሓፍ ቅዱስከ ዕሙቕ ዝበለ ክብሪዶ የርእያ ኢየን፧ ሎሚ ሓያሎ ካህናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘንትዩ ዘሎ፣ ናይ ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕ: ብመዓልታት ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ: ብዛዕባ ዮናስን እቲ ዓቢ ዓሳን: ካልእን ኣይኣምንሉን ኢዮም። ብተወሳኺውን ሰብ ብቐጥታ ብኣምላኽ ተፈጢሩ ዘይኰነስ ብፍልቀት ኢዩ መጺኡ ኢሎም ይኣምኑ። ከምዚ ብምግባሮምከ ቃል ኣምላኽ ንክኽበርዶ የተባብዑ ኣለዉ ኢዮም፧ ብተወሳኺ ድማ ገለ መራሕቲ ቤተ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሞንጎ ወድን ጓልን ቅድሚ መርዓ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ጌጋ ከም ዘይኰነ ወይ ከኣ ግብረ ሰዶምን ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓውን ንቡር ኢዩ ይብልዎ። እሞኸ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መምርሒኦም ገይሮም ክጥቀምሉ የተባብዕዎም ኣለዉዶ ምበልካ፧ ብርግጽ ነቲ ወዲ ኣምላኽን ሃዋርያቱን ዝገደፉሎም ኣርኣያ ኣይክተልዎን ኢዮም ዘለዉ።​—⁠ማቴዎስ 15:​18, 19፣ ሮሜ 1:​24–27

12. (ሀ) ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎምውን ኣምልኾኦም ንኣምላኽ ዘየሐጕሶ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ፈትዮም እከይ ዝገብሩ ሰባት እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘለዎም ኣባልነት ዝቕጽል እንተደኣ ኰይኑ እንታይ ኢልና ኢና እንድምድም፧

12 ገሊኦም ናይ ቤተ ክርስትያን ኣባላት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕዙን ይማሃርሉን እውን ኢዮም፣ ኣነባብራኦም እንተ ረአኻ ግን ንመምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኽተልዎ ኢዩ ዘርኢ። ብዛዕባ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- ‘ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ: በቲ ግብሮም [ግን] ይኽሕድዎ።’ (ቲቶስ 1:​16፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​5) እቶም ኣባላት ቑማር ዝጻወቱ: ዝሰኽሩ ከምኡውን ካልእ ኣበሳታት እናፈጸሙ: ገና ድማ ንጡፋት ኣባላት ናይቲ ቤተ ክርስትያን ምስ ዝዀኑ እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧ እታ ንሳቶም ዘለዉዋ ሃይማኖታዊት ማሕበር ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብላ ዘረጋግጽ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:11–13

13. ሓደ ሰብ እቲ ሃይማኖቱ እትህቦ ትምህርቲ ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ኰይኑ ምስ ዝረኽቦ እንታይ ከቢድ ውሳኔ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧

13 ነቲ ዝሓለፈ ምዕራፋት ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣተሓሓዝካ እንተደኣ መርሚርካዮ ኴንካ ድሮ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መሰረታዊ ትምህርቲ ተገንዚብካዮ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ትምህርቲ ናይታ ዘሎኻያ ሃይማኖት ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ምስ ዝኸውንከ እንታይ ይኹን፧ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ኢኻ ዘሎኻ። እዚ ድማ ነቲ ሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክትቅበል ወይ ድማ ንእኡ ነጺግካ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይድግፎ ትምህርቲ ክትቅበል ንምውሳን ዘሎ ጸገም ኢዩ። እቲ እትገብሮ ግን ናትካ ውሳኔ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ስለዚ: ንዅሉ ተጠንቂቕካ ከተማዛዝኖ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ እትውስኖ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ኣቃውማን ከምኡውን ነቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንኽትነብር ዘሎካ ተስፋን ዝትንክፎ ስለ ዝዀነ ኢዩ።

ካብ ዓለም ምፍላይ

14. (ሀ) ካልእ መለለዪ ናይ ሓቀኛ ሃይማኖት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ነዚ ብቕዓት እዚ ከማልኡ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ሓደ ካልእ ነቶም ሰዓብቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ከተለልየሉ ዘኽእለካ ድማ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ካብ ዓለም ዘይምዃኖም ኢዩ።’ (ዮሃንስ 17:​14) እዚ ማለት ከኣ እቶም ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ካብዛ ብልሽውቲ ዓለምን ጉዳያታን ፍሉያት ኢዮም። የሱስ ክርስቶስ ፖለቲካዊ ገዛኢ ንኸይከውን ኣብይዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 6:​15) መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን ድያብሎስ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ከም ዝብሎ እንተደኣ ዘኪርካ ካብ ዓለም ምፍላይ ስለምንታይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ክትርዳእ ኢኻ። (ዮሃንስ 12:​31፣ 2 ቈረንቶስ 4:​4) እቲ ጉዳይ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ “ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ።​—⁠ያእቆብ 4:​4

15. (ሀ) እተን እትሓብረን ሃይማኖታት ብሓቂዶ ‘ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰናን’ ኢየን፧ (ለ) ነዚ ብቕዓት እዚ እተማልኦ ሃይማኖት ትፈልጥዶ፧

15 እተን ኣብ ከባቢኻ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ነዚ ጉዳይ እዚ የቕልባሉ ምዃነን እቲ ክዉን ነገራት የርኢ ድዩ፧ እቶም ካህናት ከምኡውን ኣባላት ናይተን ማሕበራት ብሓቂ ‘ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰኑን’ ድዮም፧ ወይስ ኣብ ሃገራውነትን ፖለቲካን ከምኡውን ኣብ ደርባዊ ቃልስታት ናይዛ ዓለም እዚኣን ጠሊቖም ኢዮም ዘለዉ፧ ንጥፈታት ናይ ቤተ ክርስትያናት ግሉጽ ስለ ዝዀነ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ምምላሽ ዘጸግም ኣይኰነን። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትርእዮ ቀሊል ኢዩ። ከምዚ ብምግባርካ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ካብ ዓለምን ካብቲ ፖለቲካዊ ጕዳያትን ካብቲ ስሱዕን ዘይጽፉፍን ዓመጽ ዝመልኦን መገድታት ብምርሓቕ ኣስኣሰር እቲ የሱስን እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱን ዝገደፍሎም ኣርኣያ ብሓቂ ይኽተሉ ከም ዘለዉ ከተስተውዕሎ ኢኻ።​—⁠1 ዮሃንስ 2:​15–17

ኣብ ንሓድሕዶም ይፋቐሩ

16. እቶም ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክልለይሉ ዝኽእሉ ዝዓበየ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

16 እቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ክልለይሉ ዝኽእሉ ዝዓበየ መገዲ ድማ በቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ፍቕሪ ኢዩ። የሱስ “ነንሕድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:​35) እተን እትፈልጠን ሃይማኖታት ከምዚ ዝበለ ፍቕሪዶ የንጸባርቓ ኢየን፧ ንኣብነት: እተን ዝነብሩለን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ምስ ዝዋግኣ እንታይ ኰን ይገብሩ ይዀኑ፧

17. ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ኣባላተንን በቲ ኣብ ነንሓድሕዶም ፍቕሪ ብምርኣይ ከማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት ብኸመይ ይምዘኑ፧

17 መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ከም ዝፍጸም ትፈልጦ ኢኻ። ኣባላት ናይተን እተፈላለያ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ዓለማውያን መራሕቶም ብዝሃብዎም ትእዛዝ ኣብ ዓውዲ ኲናት ወሪዶም ምስቶም ከም ናቶም እምነት ዘለዎም: ደቂ እታ ሓንቲ ሃገር ይተሓራረዱ። በዚ ኸምዚውን ካቶሊክ ንካቶሊክ: ፕሮተስታንት ንፕሮተስታንት: ኣስላማይ ከኣ ነስላማይ ይቃተሉ። ከምዚ ዝበለ መገዲ: ምስ ቓል ኣምላኽ ዝሰማማዕን ብሓቂ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ዘንጸባርቕንዶ ይመስለካ፧​—⁠1 ዮሃንስ 3:​10–12

18. ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ኣብዚ ንሓድሕድካ ፍቕሪ ናይ ምርኣይ ጉዳይ ብኸመይ ይምዘኑ፧

18 ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ኣብ ነንሕድሕዶም ፍቕሪ ብምርኣይ ብኸመይ ይምዘኑ፧ ብመገዲ ዓለማውያን ሃይማኖታት ኣይ⁠መላለሱን ኢዮም። ንኣመንቲ ብጾቶምውን ኣብ ዓውዲ ኲናት ኣይሓርዱን ኢዮም። “ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ” እናበሉ እውን ንሓደ ኻልእ ዜግነት: ቀቢላ ወይ ዓሌት ዘለዎ ሓዎም ብምጽላእ ብሓሶት ኣይነብሩን ኢዮም። (1 ዮሃንስ 4:​20, 21) እንተዀነ ግና ንፍቕሮም ብኻልእ መገዲ ገይሮምውን ይገልጽዎ ኢዮም። ብኸመይ፧ በቲ ምስ ብጾቶም ዘርእይዎ ሰናይ ኣካይዳን ከምኡ ድማ በቲ ካልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ንኽማሃሩ ዝገብርዎ ጻዕርን ኢዩ።​—⁠ገላትያ 6:​10

ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት

19. ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ጥራይ ኣላ ምባል ክዉንን ጥቕሳውን ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

19 ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ጥራይ ክትህሉ ርዱእ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር: ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን” ዝብል ጥቕሲ ዝሰማማዕ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 14:​33) መጽሓፍ ቅዱስውን “ሓንቲ እምነት” ጥራይ ከም ዘላ ኢዩ ዝምስክር። (ኤፌሶን 4:​5) እሞኸ ደኣ ሎሚ ሓቀኛ ኣምልኾ ዘቝሙ መን ኢዮም፧

20. (ሀ) ብመሰረት እቲ መረጋገጺታት: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሎሚ ዘለዉ ሓቃኛታት ኣምለኽቲ ኢላ እተመልክተሎም ንመን ኢያ፧ (ለ) ንስኻኸ ነዚ ትኣምነሉ ዲኻ፧ (ሐ) ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፋለጠሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

20 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ካብ ምባል ሰገጥ ኣይንብልን ኢና። ባዕልኻ ምእንቲ ከተረጋግጽ ድማ ምሳታቶም ክትላለ ንዕድመካ ኣሎና። ብዝበለጸ ነዚ ክትገብረሉ እትኽእል ድማ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝእከብሉ መንግስቲ ኣደራሽ ምሳታቶም ብምእካብ ኢዩ። ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ሒዝካ እንተደኣ ተመላሊስካ ሕጂ ዓቢ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልካ ከምኡውን ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኽትነብር ዘኽእለካ መገዲ ዝኸፍተልካ ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘርኢ ከምዚ ዝበለ ምምርማር ክትገብር ዋጋ ዘለዎ ኢዩ። (ዘዳግም 30:​19, 20) ነዚ ንኽትገብር ብልቢ ንዕድመካ ኣሎና። ስለምንታይ እሞ ሕጂ ዘይት​ምር⁠ምሮ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 185 ዘሎ ስእሊ]

ንሓደ ሰብ ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን እንተ ተዘራርቦ: ክፍሊ ናይ ኣየነይቲ ሃይማኖት ከም ዝዀንካ ገይሮም ምወሰዱኻ፧

[ኣብ ገጽ 186 ዘሎ ስእልታት]

ሓደ ሰብ ብቓል ኣምላኽ ዘይነብር እንተደኣ ኰይኑስ የኽብሮ ኣሎዶ ክበሃል ይከኣል፧

[ኣብ ገጽ 188, 189 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ፖለቲካዊ መራሒ ምዃን ኣበየ

[ኣብ ገጽ 190 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ክትካፈል ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣሎኻ፧