ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን

ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን

ምዕራፍ 1

ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን

1, 2. ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ተሓጕሶም ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም ኢልካ ምእማንሲ ኣሸጋሪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

 ተሓጕስካ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ምንባር: ንሓጺር ግዜውን ይኹን ፈጺሙ ዝከኣል ኣይመስልን ኢዩ። ምኽንያቱ​—⁠ካብቲ ዘሎ ጸገማት ሒደት ንምጥ​ቃስ⁠—⁠ሕማም: እርጋን: ጥሜትን ዓመጻን ንናብራ ናይ ሰብ ኣሸጋሪ ገይርዎ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ምዝራብሲ ነቲ ሓቂ ምእንቲ ከይትርኢ ኢልካ ኣዒንትኻ ምዕማት ማለት ኢዩ ትብል ትኸውን። ብዛዕብኡ ምዝራብውን ግዜኻ ብኸንቱ ምጥፋእ ኢዩ እምበር: እዝስ ሕልሚ ኢዩ ዝብል ስምዒትውን ይህልወካ ይኸውን።

2 ብዘይጥርጥር ብዙሓት ሰባት ምስዚ ኣበሃህላ እዚ ይሰማምዑ ኢዮም። ከመይ ጌርና ደኣ ኢና ኣረጋጊጽና ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ክንብል እንኽእል፧ ስለምንታይ ኢና ናይ ዘልኣለም ህይወት ሕልሚ ከም ዘይኰነ ክንኣምን እንኽእል፧

ዘእምነና ምኽንያት

3. ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ምድሪ ተሓጕሶም ክነብሩ ከም ዝደልዮም ዘርኢ እንታይ ኣሎ፧

3 እቲ ልዕሊ ኵሉ ዝዀነ ሓያል: ኵሉውን ዝኽእል ኣምላኽ: ንምድሪ ምስ ኵሉ እቲ ንኣና ዘድልየና ዘበለ ነገራት ገይሩ ስለ ዘዳለወልና ኢና እንኣምን። ምድሪ ንዓና እትበቅዕ ፍጽምቲ ገይሩ ኢዩ ደኲኑልና! ኣብዛ ምድራዊት ቤቶም ምሉእ ብምሉእ ተሓጒሶም ንዘለኣለም ብህይወት ክነብሩ ዝኽእሉ ገይሩ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ።​—⁠መዝሙር 115:⁠16

4. ሊቃውንቲ ብዛዕባ ኣካላት ሰብ ንዘለኣለም ክነብር ከም እተደኰነ ዘርኢ እንታይ ተማሂሮም፧

4 ሊቃውንቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ኣካላትና በብግዜኡ ናይ ምሕዳስ ሓይሊ ከም ዘለዎ ይፈልጡ ኢዮም። ዋህዮታት ኣካላትና ከከም ኣድላይነቱ ብዘደንቕ መገዲ ይትክኡ ወይ ከኣ ይሕደሱ። እዚ ናይ ርእሰ–ምሕዳስ መስርሕ እዚውን ንዘለኣለም ዝቕጽል ኢዩ ዝመስል። ይኹን ደኣምበር ኣይቅጽልን ኢዩ ዘሎ። እዚ ኸኣ ሊቃ⁠ውንቲ ክገልጽዎ ዘይከ⁠ኣሉ ነገር ኢዩ። ሰባት ስለምንታይ ከም ዝኣርጉ ምሉእ ብምሉእ ክርድእዎ ኣይከኣሉን። ሰባት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እንተ​ዝነብሩስ ንዘለኣለም ክነብሩ ምኸኣሉ ነይሮም ይብሉ።​—⁠መዝሙር 139: 14

5. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ይብል፧

5 ይኹን እምበር ሰባት ኣብ ምድሪ ተሓጕሶም ንዘለኣለም ክነብሩስ ብሓቂ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ፧ እንተደኣ ዕላማኡ ዀይኑስ ንዘለኣለም ምንባር ትምኒት ወይ ሕልሚ ኣይኰ​ነን⁠—​ብርግጽ ክፍጸም ኢዩ! እቲ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዝነ​ግር መጽ​ሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ እንታይ ይብል፧ ንኣ⁠ምላኽ:- “እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን” ይብሎ: ወሲኹውን: “ዘጽንዓን ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እም​በር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ይብል።​—⁠ኢሳይያስ 45: 18 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

6. (ሀ) ሎሚ ኵነታት ምድሪ እንታይ ይመስል ኣሎ፧ (ለ) ኣምላኽከ ከምኡ ክኸውን ድዩ ድላዩ ነይሩ፧

6 ሎሚ ምድሪ ማሕደር ሰብ ኰይና ዘላስ ከምቲ ኣም⁠ላኽ ኣቐዲሙ ሓሊንዎ ዝነበረ መገዲዶ ይመስለካ፧ ሰባት ኣብ ብዘሎ ወገናት ምድሪ ይነብሩ ከም ዘለዉ ፍሉጥ ኢዩ። እንተ⁠ዀነ ግዳ ከምቲ ፈጣሪኦም ዝሓለነሎም መገዲ: ከም ሓደ ስድራ⁠ቤት ተጠርኒፎም ብሓጎስ ይነብሩዶ ኣለዉ ኢዮም፧ ሎሚ ዓለም እንተድኣ ርኢናያስ ኣብ ንሓድሕዳ ተፈላልያ ኢያ ዘላ። ጽልኢ ኣሎ። ገበን ኣሎ። ውግእ ኣሎ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየትን ሕማምን ኰይኖም ኣለዉ። ካልኦት⁠ውን ብዛዕባ ቤትን ስራሕን ወጻኢታትን በብመ⁠ዓልቱ ይጭነቑ ኣለዉ። ዋላ ሓንቲ ካብዚ ነገራት እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ክብሪ ኣየምጽእን ኢዩ። እምበኣር ምድሪ ከምቲ ብመጀመርታ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝሓለኖ መገዲ ማሕደር ሰብ ኰይና ከም ዘየላ ንጹር ኢዩ።

7. ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠረ ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ እንታይ ነበረ፧

7 ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም: ብሕጉስ ህይወት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ድላዩ ስለ ዝነበረ ኣብ ምድራዊት ገነት ኣንበሮም። ዕላማኡ ድማ ንብዘላ ምድሪ ኣብ ገነት ምልዋጥ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣብቲ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኹዋን” ኢሉ ዝሃቦም መምርሒ ይርአ። (ዘፍጥረት 1:​28) እወ: ዕላማ ኣምላኽሲ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ብዘላ ምድሪ ብሓንቲ ጽድቃዊት ስድራ ደቅሰብ ክትመልእ እሞ ኵላቶም እውን ብሓጐስን ሰላምን ክነብሩ ኢዩ ነይሩ።

8. ዋላ’ኳ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣይተኣዘዝዎ እምበር: ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ከም ዘይተለወጠ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

8 ምንም እኳ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንኣምላኽ ብዘይምእዛዞም ንዘለኣለም ክነብሩ ዘይበቕዑ ኰይኖም እንተ ተረኽቡስ: ኣምላኽ ግን ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓንጸጾ ዕላማ ኣይለወጦን። ናይ ግድን ክፍጸም ኢዩ! (ኢሳይያስ 55:​11) መጽሓፍ ቅዱስ ‘‘ጻድቃን [ንምድሪ ትሓዓ] ኪወርስዋ ኣብኣውን ንዘለአለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ተስፋ ይህብ። (መዝሙር 37:​29 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ: ኣምላኽ ነቶም ዘገልግልዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብ ምድላው ከም ዝገበረ ይዛረብ።​—⁠ዮሃንስ 3:14–16, 36፣ ኢሳይያስ 25:​8፣ ራእይ 21:​3, 4

ባህጊ ናይ ምንባር​—⁠ኣበይ፧

9. (ሀ) ሰባት ብባህሪኦም እንታይ ባህጊ ኢዩ ዘሎዎም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ኣእምሮ ሰብ ኣንበረ’ ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

9 ንዘለኣለም ክንነብር ዕላማ ኣምላኽ ብምዃኑስ ብሓቂ ክንሕጐስ ንኽ​እል ኢና። ሕስብ እሞ ኣብሎ: እቲ ውሳኔ ናትካ ነይሩ እንተ ዝኸውንሲ በየነይቲ ዕለት ኽትመውት ምሓሬኻ፧ በዛ መዓልቲ እዚኣ ክትብል ኣይምኸኣልካን: ኣይኰነንዶ፧ ንሞት ኣይትደልያን ኢኻ: ዝዀነ ምጡን ጥዕና ዘለዎ ካልእ ጥዑይ ሰብውን ኣይደልያን ኢዩ። ኣምላኽ ድል​የት ናይ ምንባር እምበር ድልየት ናይ ሙማት ዘሎና ገይሩ ኣይፈጠረናን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንሰባት ብኸመይ ከም ዝፈጠሮም ክዛረብ ከሎ “ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ኣእምሮ ሰብ ኣንበሮ” ይብል። (መክብብ 3:​11 ባይንግተን ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ) እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብሓፈሻ ክርአ ከሎ ኵሉ ሰብ ንዘለኣለም ከየቋ​ረጸ ክነብር ደኣ እምበር ክመውት ኣይደልን ኢዩ። ሰባት ከይሞቱ ክነብሩ ባህጊ ስለ ዘለዎም እኳ እንሆ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ብጕብዝናኦም ንዘለኣለም ከንብሮም ዝኽእል መገዲ ሃሰስ ይብሉ ኣለዉ።

10. (ሀ) ኣበይ ኢዩ ሰብ ብባህሪኡ ንዘለኣለም ክነብር ዝፈቱ፧ (ለ) ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከንብረና ኢዩ ኢልና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣበይከ ኢዮም ሰባት ብባህሪኦም ንዘለኣለም ክነብሩ ዝደልዩ፧ ኣብቲ ዝለመድዎ ኣብ ምድሪ ኢዮም ክነብሩ ዝደልዩ። ሰብ ንምድሪ: ምድሪ እውን ንሰብ ኢያ ተፈጢራ። (ዘፍጥረት 2:​8, 9, 15) መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ኢዩ ዝብል። (መዝሙር 104:​5) ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብር ካብ ተፈጥረትሲ ሰብውን ንዘለኣለም ክነብር ኣለዎ። እዚ ፈቃር ኣምላኽ እዚ ንሰባት ባህጊ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ልቦም ኣሕዲሩ ፈጢሩዎም ከብቅዕሲ ነዚ ባህጊ እዚ ከይፈጸመ ክገድፎ ዘይመስል ኢዩ!​—⁠1 ዮሃንስ 4:​8፣ መዝሙር 133:​3

ደስ ዝብለካ ዓይነት ናብራ

11. መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባትሲ ንዘለኣለም ምስ ምሉእ ጥዕና ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ንኸርኢ እንታይ ይብል፧

11 ነዛ ቀጺላ ዘላ ገጽ እሞ ተመልከታ። ከመይ ዝበለ ናብራ ዀን ኢዮም እዞም ሰባት ዘስተማቕሩ ዘለዉ፧ ሓደ ካባታቶም ክትከውንከ ምፈቶኻዶ፧ እወ ከመይ ደኣ! ምበ⁠ልካ። ተመልከት እሞ: ትርኢቶም ጥዑያትን ኣጕባዝን ኢዮም! እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣሽሓት ዓመታት ዝገበሩ ኢዮም እንተ ዝብሉኻስ ምኣመንካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረጊት ኣብ ግዜ ጕብዝናኡ ክምለስ: ሕሙም ክጥዒ ከምኡውን ሓንካስ: ዕውር: ጸማም: ዓባስ ኵሎም እንደገና ክጥዕዩ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝነግረና። የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ መጺኡ ኸሎ ንሕሙማት ብምሕዋይ ሓያሎ ተኣምራት ፈጺሙ ኢዩ። ከምኡ ብምግባሩውን ኣብቲ ክመጽእ ቀሪቡ ዘሎ ግርማዊ እዋን ህያዋን ዘበሉ ኵሎም ከመይ ኢሎም ፍጹም ጥዕና ክረኽቡ ምዃኖም ኢዩ ዘርኢ ነይሩ።​—⁠እዮብ 33:​25፣ ኢሳይያስ 33:​24፣ 35:​5, 6፣ ማቴዎስ 15:​30, 31

12. ኣብዘን ስእልታት እንታይ ኵነታት ኢና እንርኢ፧

12 እዝስ ክንደይ ደስ ዘብል ናይ ኣታኽልቲ ቤት ምዃኑ እሞ ርኣዮ! ከምቲ ክርስቶስ ዘተስፈዎ: ነቲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይምእዛዞም ዘጥፍእዎ ገነት ኢዩ ዝመስል። (ሉቃስ 23:​43) ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰላምን ስምረትንውን ኣስተብህለሉ እሞ። በበይኑ ዝዓሌቶም ሰባት​—⁠ጸለምትን ጸዓዱን ብጫን​—⁠ከም ሓንቲ ስድራ ኰይኖም ይነብሩ ኣለዉ። አረ እንስሳታትውን ከይተረፉ ሰላማውያን ኢዮም። እቲ ምስቲ ኣንበሳ ዝጻወት ዘሎ ቈልዓ ርኣዮ። ይኹን እምበር ዘፍርሕ ነገር የለን። ብዛዕባ እዚውን ፈጣሪ “ተዅላ ምስ ዕየት ክሰፍር ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሓቢሮም ኪውዕሉ ንእ⁠ሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። . . . ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት እዩ” ኢሉ ተዛረበ።​—⁠ኢሳይያስ 11:​6–9

13. ዕላማታት ኣምላኽ ምስ ተፈጸመ ካብ ገጽ ምድሪ ዝጠፍእ እንታይ ኢዩ፧

13 ኣብቲ ኣምላኽ ንሰባት ዓሊምዎ ዘሎ ገነት ኵሉ እቲ ከሐጕሰና ዝኽእል ምኽንያታት ክህሉ ኢዩ። ምድሪ ጥዑም ዝብላዕ ነገራት ብብዝሒ ከተፍሪ ኢያ። ሓደ እኳ ዝጠሚ ኣይክህሉን ኢዩ። (መዝሙር 72:​16፣ 67:​6) ውግእ: ገበን: ዓመጽ: ከምኡውን ጽልእን ስስዐን ግዜኦም ዘሕለፉ ክዀኑ ኢዮም። እወ: ንዘለኣለም ኣይክህልዉን ኢዮም! (መዝሙር 46:​8, 9፣ 37:​9–11) እዚ ዅሉ ከም ዚኸውንከ ትኣምንዶ፧

14. ኣምላኽ ንስቓይ መወዳእታ ከም ዝገብረሉ ዘእምነካ እንታይ ኢዩ፧

14 ሕስብ እሞ ኣብሎ: ክእለት እንተ ዝህልወካስ ዅሉ እቲ ንሰባት ዘሳቕዮም ዘሎ ነገራትዶ መወዳእታ ኣይምገበርካሉን፧ ኵሉ እቲ ሰባት ብልቦም ሃረር ዝብልዎ ኩነታትከ መምጻእካሎምዶ፧ ብዘይጥርጥር መምጻእካሎም ኔርካ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ነዚ ብርግጽ ክገብሮ ኢዩ። ድልየትናን ባህግናን ከማልኣልና ኢዩ: ምኽንያቱ ድማ ኣብ መዝሙር 145:​16 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ክዛረብ ከሎ “ኢድካ ትኸፍት እሞ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ይብል። እዚ ግን መዓስ ኢዩ ዝኸውን፧

ዓበይቲ በረኸታት ቀሪቡ ኢዩ

15. (ሀ) መወዳእታ ዓለም ንምድሪ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ነቶም እኩያት ሰባት እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ሐ) ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ሰባትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧

15 እዚ ሰናይ በረኸታት እዚ ኣብ ምድሪ ንምፍጻም ኣምላኽ ንእከይን እኩያትን ከጥፍኦም ምዃኑ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ነቶም ዘገልግልዎ ግን ዑቕባ ኰይኑ ከድሕኖም ኢዩ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሓልፍ እያ ፍትወታ ኸኣ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢዩ ዝብል። (1 ዮሃንስ 2:​17) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ለውጢ ዀን ኪኸውን ኢዩ! መወዳእታ ዓለም ማለት ድማ መወዳእታ ናይዛ ምድርና ማለት ኣይኰነን። የግዳ ከምቲ ብመዓልትታት ኖህ ብዘላ ዓለም ብማይ ኣይሂ ክትጠፍእ ከላ ዝዀኖ: ሕጂውን ጥፍኣት ናይ ሰባትን ኣገባብ ናብራኦምን ጥራይ ማለት ኢዩ። እቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ግን ካብቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ኪድሕኑ ኢዮም። ድሕሪ እዚ ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ: ካብ ኵሎም እቶም ክጎድእዎምን ክጭቁንዎምን ዝደልዩ ሓራ ኰይኖም ክነብሩ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:​3, 37–39፣ ምሳሌ 2:​21, 22

16. ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኢዩ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧

16 ሓደ ሰብ ግን ‘ኵነታት ከም እንርእዮ ዘሎና እናገደደ ደኣ እምበር እናተመሓየሸ ይኸይድ የለን። እዚ ዓቢ ለውጢ እዚ ክመጽእ ከም ዝቐረበ ደኣ ከመይ ኢልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧’ ይብል ይኸውን። የሱስ ክርስቶስ ነቶም ንመጻኢ ግዜ ክስዕቡዎ ዘለዎም ደቀ መዛሙርቱ: ነቲ ምልክታት ብምርኣይ እታ ኣምላኽ ንዓለም ዘጥፍኣላ መዓልቲ ከም ዝቐረበት ፈሊጦም ምእንቲ ክጽበዩዋስ ኣቐዲሙ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ብትንቢት ዝነገሮም። የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ’ዚ ክዛረብ ከሎ ምልክቱ ዓበይቲ ውግኣት: ዋሕዲ መግቢ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ብዝሒ ዓመጻ: ክፍጸም ፍቕሪውን ክትዝሕል ከም ዝዀነት ተነበየ። (ማቴዎስ 24:​3–12) ብዘይ’ዚውን መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ክፉእ ዘበን ከም ዚመጽእ” ይነግረና። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1–5) እሞኸ ኣብዚ ግዜ እዚ እነሕልፎ ዘሎናስ እዚ ኵነታት እዚዶ ኣይኰነን፧

17. እቶም ኵነታት ዓለም ዝዕዘቡ ሰባት ብዛዕባ’ዚ ግዜና እንታይ ኢሎም ኢዮም ተዛሪቦም ዘለዉ፧

17 ሓያለይ ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ዘጽንዑ ሰባት ኣብ ዓለም ሓደ ዓቢ ለውጢ ክመጽእ ከም ዝዀነ ይነግሩ። ንኣብነት: ኣሰናዳኢ ናይ ሚያሚ ሕ.መ.ኣ. ሄራልድ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ሓደ ቕሩብ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ነቲ ዝሓለፈ ናይ መዓት ፍጻመታት ርእዩ: ሎሚ ዓለም ኣብ ድርኩኺት ናይ ሓደ ታሪኻዊ ለውጢ ከም ዘላ ምርኣይ ኣየሽግሮን ኢዩ። . . . ንኣናባብራ ናይ ሰባት ንዘለኣለም ክልውጦ ኢዩ።” ብተማሳሳሊ እቲ ሉዊ መምፎርድ እተባህለ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ድማ ከምዚ በለ:- “ስልጣኔ እናኣንቈልቈለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ . . . ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ስልጣኔ ከንቈልቍል ከሎ ብተዛማዲ ናይ ውሱን ቦታታት ተርእዮ ጥራይ ኢዩ ነይሩ . . . ሎሚ ኣብዚ ዓለም ብዘመናዊ መራኸቢታት ዝያዳ ተቐራሪባን ሓንቲ ኰይናትሉ ዘላ ግዜን ስልጣኔ ከንቈልቍል ከሎ ብዘላ እታ ፕላኔት ትወድቕ።”

18. (ሀ) ኵነታት ዓለም ብዛዕባ መጻኢ ግዜ እንታይ የመልክት፧ (ለ) ነዘን ሕጂ ዘለዋ መንግስታት እንታይ ክትክአን ኢዩ፧

18 እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵነታት ንርእሱ፣ ኣብቲ እዚ ኣገባብ እዚ ብምሉኡ ዝጠፍኣሉ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ኢዩ ዘርኢ። እወ: ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ኣምላኽ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኣጥፊኡ ንምድሪ ከጽርያ ኢዩ። (ራእይ 11:​18) ነዞም ሎሚ ንዓለም ዝገዝእዋ ዘለዉ መንግስታት ብምጥፋእ ምድሪ በታ ብጽድቂ እትገዝእ መንግስቱ ገይሩ ከመሓድራ ኢዩ። ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ክጽልዩ ኸኣ ኢዩ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም።​—⁠ዳንኤል 2:​44፣ ማቴዎስ 6:​9, 10

19. ንዘለኣለም ክንነብር ንደሊ እንተድኣ ኴንና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

19 ህይወት እትፈቱ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ክትነብር ትደሊ እንተ ደኣ ኴንካ: ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን እቲ ዝደልዮን ርጡብ ፍልጠት ንምሓዝ ተቓላጠፍ። የሱስ ክርስቶስ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ቀሪቡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:​3) ንዘለኣለም ምንባር ንኽእል ምዃንና: ሕልሚ ከም ዘይኰነ ምፍላጥናስ ክንደይ ዘሐጕስ ኢዩ! እንተዀነ ግን እዚ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ሰናይ በረኸታት ምእንቲ ክንረኽቦ ብዛዕባ ሓደ ነዚ በረኸት እዚ ከይንረክብ ዝጽዕር ጸላኢ ክንፈልጥ ከድልየና ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽሲ ዓለም ከምዚ ክትከውን ድዩ ኣሚሙ ነይሩ፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምሉእ ስእሊ]