ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘለኣለም ንምንባር ክትገብሮ ዝግብኣካ

ንዘለኣለም ንምንባር ክትገብሮ ዝግብኣካ

ምዕራፍ 30

ንዘለኣለም ንምንባር ክትገብሮ ዝግብኣካ

1. (ሀ) እንታይ ክልተ መገድታት ኢየን ተኸፊተናልካ ዘሎዋ፧ (ለ) ከመይ ገይርካ ነታ ቅንዕቲ ክትመርጽ ምኸኣልካ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ሓደ ድንቂ ዝዀነ ውህበት: ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብቲ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ኣገባብ ሂቡካ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:​13) ኣብኡ ንኽትነብር ግን ሕጂ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባርካ እተመርኰሰ ኢዩ። እዛ ሎሚ ዘላ እክይቲ ዓለምን ኵሉ እቲ ክፍሊ ናታን ክሓልፍ ኢዩ: “እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:​17) ስለዚ ኸኣ ካብዘን ክልተ መገዲ ሓንቲአን ክትመርጽ ኣሎካ። ሓንቲአን ንመገዲ ሞት እታ ሓንቲ ኸኣ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢየን ዝመርሓ። (ዘዳግም 30:​19, 20) ነየነይተን ኢኻ እትመርጽ፧

2. (ሀ) ናይ ሓቂ እምነት እንተደአ አልያትካ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ እትኸውን፧ (ለ) ከምቲ ውሉድ ነቲ ፈቃር ኣቦኡ ዝኣምኖ ገይርካ ንኣምላኽ እንተ ኣመንካዮ ንኸተገልግሎ ዝሕግዘካ ብኸመይ ኢዩ፧

2 ህይወት ከም ዝመረጽካ ብኸመይ ተርኢ፧ ብመጀመርታ ንየሆዋን ነቲ ዝሃበና ተስፋታትን እምነት ክህልወካ ይግባእ። ኣምላኽ ከም ዘሎን “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ኣጸቢቕካዶ ትኣምን ኢኻ፧ (እብራውያን 11:​6) ከምቲ ሓደ ወዲ ወይ ሓንቲ ጓል ነቲ ፈቃርን ምሕረተኛን ኣቦኦም ዝኣምንዎ ንስኻውን ከምኡ ገይርካ ንኣምላኽ እመኖ። (መዝሙር 103:​13, 14፣ ምሳሌ 3:​11, 12) ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት እንተደኣ ኣልያትካ ምኽርታቱ ጥበብ ከም ዝዀነ መገድታቱውን ዋላ’ኳ ሓድሓደ ግዜ ብምሉኡ ንምስትውዓሉ ዝጽግመካ እንተዀነ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ኣይክትወላወልን ኢኻ።

3. (ሀ) ኣብ ርእሲ እምነት ካልእ እንታይ ተወሳኺ ኢዩ ዘድሊ፧ (ለ) ህይወት ከም ዝመረጽካ ከተርኢ እንታይ ተግባራት ክትገብር የድሊ፧

3 ዝዀነ ዀይኑ ካብ እምነት ንላዕሊ ይድለ ኢዩ። እቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ናይ ሓቂ ስምዒት እንታይ ከም ዝዀነ ብግብሪ ከተርእዮ ኣሎካ። (ያእቆብ 2:​20, 26) በቲ ቅድሚ ሕጂ ቅኑዕ ካብ ምግባር ዘርኣኻዮ ስንፍና ከም እተጠዓስካ ዘርኢ ግብሪዶ ገይርካ ኣሎኻ፧ ናብራኻ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ንክኸውን ንኽትናሳሕ ወይ ከኣ ለውጢ ንኽትገብር ተደሪኽካዶ፧ ነቲ ቅድም ዝነበረካ ግጉይ መገዲ ገዲፍካ ተመሊስካ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ክትነብር ጀሚርካዶ ኣሎኻ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 3:​19፣ 17:​30) እዚ ተግባራት እዚ: ህይወት ሓሪኻ ከም ዘሎኻ የርኢ።

ወፈያን ጥምቀትን

4. (ሀ) ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትገብር ክድርኸካ ዝግብኦ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንኣምላኽ ከተገልግሎ ከም እትደሊ ምስ ወሰንካ እንታይ ክትገብር ኢዩ ግቡእ ዝኸውን፧

4 ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ህይወት ክትሓሪ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ፧ ምምሳው ክድርኸካ ይግባእ። ሕስብ እሞ ኣብለሉ:- የሆዋ ካብ ሕማም: ስቓይ ከምኡውን ካብ ሞትውን ከይተረፈ ሓራ እትዀነሉ መገዲ ከፊቱልካ ኣሎ! ከምኡ ድማ በቲ ኽቡር ውህበት ወዱ ገይሩ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ መወዳእታ ዘይብሉ መገዲ ህይወት ሂቡካ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 6:​19, 20፣ 7:​23፣ ዮሃንስ 3:​16) ፍቕሪ የሆዋ ብወገንካ ንኸተፍቅሮ ምስ ዝድርኸካ እንታይ ኽትገብር ኢዩ ዝግብኣካ፧ (1 ዮሃንስ 4:​9, 10፣ 5:​2, 3) ብስም የሱስ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ቀሪብካ ንኸተገልግሎ ፍታውካ ከም ዝዀነን ናቱውን ከም ዝዀንካን ክትነግሮ ኣሎካ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ወፍያ። እዚ ናይ ብሕትኻ ጉዳይ ኢዩ። ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ክውስነልካ ከቶ ኣይክእልን ኢዩ።

5. (ሀ) ወፈያኻ ንኣምላኽ ምስ ገበርካ እንታይ ክትገብር ኢዩ ዝጽበየካ፧ (ለ) ከምቲ ወፈያኻ ንኽትነብር እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዘሎካ፧

5 ወፈያኻ ንኣምላኽ ምስ ገበርካ: ንሱ ኸኣ ብእኡ ክትነብር ኢዩ ዝጽበየካ። ስለዚ እምበኣር ብህይወት ክሳዕ ዘሎኻ ኣብዚ ውሳኔ ወይ ወፈያ እዚ ብምጽናዕ ዝኣቶኻዮ ቃል እትሕሉ ከም ዝዀንካ ኣርኢ። (መዝሙር 50:​14) ምስታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ጠቢቕካ እንተ ተመላሊስካ በቶም ብሓጐስ ፍቕራዊ ምትብባዕን ደገፍን ዝህቡ ክርስትያናት ኣሕዋት ክትሕገዝ ትኽእል ኢኻ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:11

6. (ሀ) ህይወትካ ንኣምላኽ ምስ ወፌኻ ብድሕሪኡ ኣድላዪ ዝኸውን ስጕምቲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ትርጕም ናይ ጥምቀት እንታይ ኢዩ፧

6 ይኹን እምበር: ካብቲ ብብሕትኻ ንየሆዋ ናቱ ኽትከውን ከም እትደሊ ዝነገርካዮ ንላዕሊ ክትገብሮ ዝግብኣካ ነገር ኣሎ። ንኣምላኽ ንኸተገልግል ወፈያ ከም ዝገበርካ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ከተርእዮ ከድልየካ ኢዩ። ነዚኸ ብኸመይ ትገብሮ፧ ኣብ ማይ ብምጥማቕ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ማይ ጥምቀት ከኣ ሓደ ሰብ ህይወቱ ንየሆዋ ከም ዝወፈየ ከምኡውን ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር ገዛእ ርእሱ የቕርብ ከም ዘሎን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘርእየሉ ኢዩ።

7. (ሀ) የሱስ ንክርስትያናት እንታይ ኣብነት ኢዩ ሂብዎም ዘሎ፧ (ለ) እቲ ብየሱስ እተኣዘዘ ጥምቀት ንሕጻናት ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ጥምቀት ናይ ማይ ኣገዳሲ ነገር ከም ዝዀነ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ክርአ ይከኣል። የሱስ ነቦኡ ፍቓድካ ክገብር ኢለ መጺአ ኣሎኹ ጥራይ ኣይኰነን ዝበሎ። (እብራውያን 10:​7) ከም ሰባኺ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልግሎቱ ዝጅምረሉ ግዜ ክቀራርብ ከሎ: ገዛእ ርእሱ ኣብ የሆዋ ኣቕረባ እሞ ብማይ ተጠምቀ። (ማቴዎስ 3:​13–17) ነቲ መርኣያ የሱስ ባዕሉ ስለ ዘቘሞ እቶም ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ክገብሩ ገዛእ ርእሶም ናብኡ ዝወፈዩ ዘበሉውን ብማይ ክጥመቑ ይግብኦም። (1 ጴጥሮስ 2:​21፣ 3:​21) የሱስ ንሰዓብቱ ካብ ብዘላ ዓለም ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ እሞ ነዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ከጠምቕዎም ኣዚዙዎም ኢዩ። እዚ ናይ ሕጻናት ምጥማቕ ኣይኰነን። ናይቶም ንየሆዋ ከገልግሉ ዝወሰኑ ኣመንቲ ዝዀኑ ሰባት ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 28:​19፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:​12

8. ክትጥመቕ ምስ እትደሊ ኣብታ ጉባኤ ንመን ኢኻ ክትነግር ዘሎካ: ስለምንታይከ፧

8 ንየሆዋ ንኸተገልግል ቘሪጽካ እንተደኣ ኴንካ እሞ ክትጥመቕ ምስ እትደሊ እንታይ ክትገብር ኢዩ ዝግብኣካ፧ እቲ ድሌትካ ንኣቦ መንበር ተዓዛቢ ናይታ እትካፈለላ ዘሎኻ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣፍልጦ። ድሕርዚ ንሱን ካልኦት ሽማግለታት ጉባኤን ኰይኖም ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ከተገልግሎ ነቲ ክትፈልጦ ዝግብኣካ ነገራት ተሓጒሶም ምሳኻ ክመያየጥሉ ኢዮም። ብድሕሪኡ ንኽትጥመቕ ምድላው ክግበረልካ ይከኣል።

ሎሚውን ፍቓድ ኣምላኽ ንኣኻ

9. እንታይ ሎሚ ክትገብሮ ዘሎካ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ: ኖህ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝገበረ፧

9 ቅድሚ ማይ ኣይሂ የሆዋ ኣምላኽ ንኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ጥፍኣት ከጠንቅቕን ሓንቲ ናይ ድሕነት ቦታ ኸኣ እታ መርከብ ከም ዝዀነት ከመለክትን ተጠቕመሉ። (ማቴዎስ 24:​37–39፣ 2 ጴጥሮስ 2:​5፣ እብራውያን 11:​7) ሕጂውን ኣምላኽ ንስኻ ናይ ስብከት ዕዮ ክትገብር ኢዩ ፍቓዱ። የሱስ ብዛዕባ ግዜና ኣቐዲሙ ክዛረብ ከሎ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴዎስ 24:​14) ካልኦትውን ካብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ’ዚ ድሒኖም ምእንቲ ንዘለኣለም ክነብሩ ነዚ ንስኻ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ተማሂርካዮ ዘሎኻ ክፈልጡዎ ይግብኦም። (ዮሃንስ 17:​3) ነዚ ህይወት ዝሓዘ መልእኽቲ እዚ ንኻልኦት ሰባት ንኸተካፍሎ ልብኻ ኣይድረኽንዶ፧

10. (ሀ) ንሰባት ምፍቃር ነየናይ ኣብነት ናይ የሱስ ከም እንስዕብ ኢዩ ዝገብረና፧ (ለ) ዝበዝሐ ስብከትከ ብኸመይ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ፧

10 ናይ ክርስቶስ ኣብነት ስዓብ። ሰባት ክመጽዎ ኣይጽበን ኢዩ ነይሩ: ኣብ ክንድኡ ነቶም ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ክሰምዑ ዝደልዩ ባዕሉ ይደልዮም ነበረ። ነቶም ሰዓብቱውን ኵሎም ከምኡ ክገብሩ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:​19፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:​13፣ ሮሜ 10:​10–15) ናይ ክርስቶስ መምርሕን ኣብነትን ብምስዓብ: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ይበጽሕዎም ነበሩ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ሒዞም ኣብ “በቤት” ይኸዱ ነበሩ። (ሉቃስ 10:​1–6፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:​20) ኣብዚ ግዜናውን እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣገልግሎቶም ዝፍጽምሉ ቀንዲ ኣገባብ እዚ ኢዩ።

11. (ሀ) ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ምስባኽ ትብዓት ዘድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ ግን ስለምንታይ ኢና ክንፈርህ ዘይብልና፧ (ለ) የሆዋ ነቲ እንገብሮ ዕዮ ብኸመይ ይምልከቶ፧

11 ነዚ ዕዮ እዚ ንምግባር ትብዓት የድሊ። ሰይጣንን ዓለሙን ከምቲ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ካብ ስብከቶም ጠጠው ከብልዎም ዝፈተኑ ንኣኻውን ክዓናቕፉኻ ክህቅኑ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:​17–21፣ 5:​27–29, 40–42) እንተዀነ ግን ኣይትፍራሕ! የሆዋ ከምቲ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያን ዝደገፎምን ዘበርትዖምን: ንኣኻውን ሎሚ ከምኡ ክገብረልካ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:​17) ስለዚ ኣጆኻ! ኣብዚ ህይወት ዘድሕን መልእኽቲ ምሉእ እጃምካ ብምብርካት ብሓቂ ንየሆዋን ንደቅሰብን እተፍቅር ምዃንካ ኣርኢ። (1 ቈረንቶስ 9:​16፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:​16) የሆዋ ዕዮኻ ኣይርስዖን ኢዩ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብዚሑ ዓስቢ ክህበካ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 6:​10–12፣ ቲቶስ 1:2

12. ካብቲ ኣብነት ናይ ሰበይቲ ሎጥ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

12 እዚ ኣረጊት ኣገባብ ዝህቦ ክቡር ነገር ዋላ ሓንቲ የሎን: ስለዚ ንዕኡ ሕቖኻ ብምሃብካ ምንም ኣይጐድለካን ኢዩ። የሱስ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” በለ። (ሉቃስ 17:​32) ንሳን ስድራ ቤታን ካብ ሶዶም ምስ ኣምለጡ ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ነገራት ብምንፋቕ ጠመተቶ። ኣምላኽ ከኣ ልባ ኣበይ ከም ዝነበረ ረኣየ እሞ ዓንዲ ጨው ኰነት። (ዘፍጥረት 19:​26) ከም ሰበይቲ ሎጥ ኣይትኹን! ናብቲ ንድሕሪ ሕጂ ክመጽእ ዘለዎ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኣብቲ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ናይ ኣምላኽ ኣገባብ ኣቢልካ ደኣ ጠምት።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:​19

ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ምረጽ

13. የሱስ ነቲ ኵልና ክንመርጾ ዘሎና ምርጫ ኸመይ ገይሩ ኣቕረቦ፧

13 ብሓቂ ክልተ ምርጫ ጥራይ ኢየን ዘለዋ። ክርስቶስውን ካብ ክልተ መገዲ ሓዲአን ምስ ምምራጽ ኢዩ ኣመሳሲልዎ ዘሎ። እታ ሓንቲ መገዲ “ርሕብቲ: ገፋሕ” ኢያ በለ: እቶም ብኣኣ ዝመላለሱውን ንነብሶም ባህ ከም ዝብሎም ክኸዱ ይፍቀደሎም ኢዩ: እታ ኻልኣይቲ መገዲ ግና “ጸባብ: ቀጣን” ኢያ። እወ: እቶም ብኣኣ ዝመላለሱ ድማ ንትእዛዛትን ሕግታትን ኣምላኽ ክእዘዙ ትጽቢት ይግበረሎም። የሱስ መብዛሕትኦም ሰባት ነታ ገፋሕ ኢዮም ዝመርጹ: ነታ ቐጣን ግን ሒደት ኢዮም ዝደልዩዋ በለ። ንስኻኸ ነየነይተን መገዲ ምመረጽካ፧ ክትመርጽ ከሎኻ ግን እታ ገፋሕ መገዲ መወዳእታኣ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ከም ዝዀነ ከተስተውዕል ኣሎካ! በቲ ሓደ ወገን ከኣ እታ ጸባብ መገዲ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ እትመርሓካ ኢያ። ኣብኣውን ንምድሪ ሓንቲ ውቅብቲ ገነት ንኽትገብር ግዴኻ ከተበርክትን ኣብኣውን ንዘለኣለም ብሓጐስ ክትነብርን ኢኻ።​—⁠ማቴዎስ 7:​13, 14

14. ኣብቲ ናይ አምላኽ ሓድሽ አገባብ ምእንቲ ኽትኣቱ ኣባል ናይ መን ኢኻ ክትከውን ዘሎካ፧

14 ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ኣቲኻ ህይወት ምእንቲ ክትረክብ እተፈላለየ ደገ ወይ መገዲ ኣለዎ ኢልካ ኣይትደምድም። ሓንቲ ጥራይ ኢያ ዘላ። ብግዜ ማይ ኣይሂ ሓንቲ ናይ ድሕነት መርከብ ጥራይ ደኣ ኢያ ዝነበረት እምበር ብዙሓት መራኽብ ኣይነበራን። ካብቲ እናቐልጠፈ ዝመጽእ ዘሎ “ብርቱዕ መከራ” እተድሕን ሓንቲ ማሕበር​—⁠እታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ​—⁠ጥራይ ኢያ ዘላ። ብሓጺሩ እቲ ኵለን ሃይማኖታት ናብ ሓደ ዕላማ እየን ዝመርሓ ዝብል ኣዘራርባ ሓቂ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 7:​21–23፣ 24:​21) ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት በረኸቱ ምእንቲ ክትረክብ ክፍሊ ማሕበር የሆዋ ኴንካ ብፍቓዱ ክትመላለስ ይግብኣካ።​—⁠መዝሙር 133:​1–3

15. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንታይ ክንገብር የድልየና፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ተስፋ ኢዩ ሕልሚ ክበሃል ዘይከኣል፧

15 ስለዚ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ናይ ሓድሽ ኣገባብ ህያው ገይርካ ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ቅረጾ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲውን በቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣዳልዩልካ ዘሎ ዓቢ ዓስቢ ዓወት​—⁠ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር​—⁠ሕሰብ። እዚ ሕልሚ ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ኢዩ! ምኽንያቱ ድማ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ጻድቃን [ንምድሪ ትሓዓ ] ኪወርስዋ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም . . . ረሲኣን ኪጸንቱ ኸሎዉ ክትርኢ ኢኻ” ዝብል ተስፋ ብሓቂ ክፍጸም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:29, 34

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 251 ዘሎ ስእሊ]

ህይወትካ ንየሆዋ ወፊ . . . ተጠመቕውን

[ኣብ ገጽ 253 ዘሎ ስእሊ]

“ንሰበይቲ ሎጥ ዘክራ”

[ኣብ ገጽ 254 ዘሎ ስእልታት]

ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ብሩህ ይኹን