ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ መን ኢዩ፧

ኣምላኽ መን ኢዩ፧

ምዕራፍ 4

ኣምላኽ መን ኢዩ፧

1. (ሀ) ኣየኖት ኣማልኽቲ ኢዮም ብሰባት ዝምለኹ ዘለዉ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስከ ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ኣማልኽትን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኢዩ ዝገብር፧

 ኣብ ብዘላ ዓለም ብዙሓት ዝምለኹ ኣማልኽቲ ኣለዉ። ኣብ ሃይማኖት ሺንቶ: ኣብ ቡድሃ: ኣብ ሂንዱን ኣብ ቀቢላዊ ሃይማኖታትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣማልኽቲ ኢዮም ዘለዉ። በቲ ሃዋርያት የሱስ ዝነበሩሉ ግዜውን ከም ድያን ሄርመስን ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ይምለኹ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:​11, 12) ስለዚውን መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሓት ኣማልኽቲ” ከም ዘለዉ ይሰማማዓሉ ኢዩ: እንተዀነ ግን “ንኣናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣቦ አሎና” ኸኣ ይብል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 8:​5, 6) ‘እዚ ኣምላኽ እዚኸ መን ኢዩ፧’ ኢሎም እንተ ዝሓቱኻስ እንታይ ምበልካ፧

2. ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ እተፈላለየ ርእይቶታት ኢዩ ዘለዎም፧

2 ብዙሓት ሰባት ‘ንሱ ጐይታ ኢዩ’ ኢሎም ኢዮም ዝምልሹ። ወይ ድማ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ መንፈስ ኢዩ’ ይብሉ ይዀኑ። ሓደ መዝገበ ቃላት ኣምላኽ “እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ህያው” ኢዩ እናበለ ይገልጾ። ገለ ሰባት ‘ስም ኣምላኽ መን ኢዩ’ ንዝብል ሕቶ ‘የሱስ’ ኢሎም ይምልስዎ። ካልኦት ድማ ኣምላኽ ከም ሓደ ኣካል ዘለዎ ዘይኰነስ: ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከብ ብርቱዕ ሓይሊ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝመስሎም። ገለውን ህላዌ ኣምላኽ ንርእሱ የጠራጥሮም። ንሕናኸ ብህላዌኡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእልዶ፧

ኣምላኽ ብርግጽ ኣሎ

3. ቤት ከመይ ኢላ ኢያ ኣብ ህላዌ እትመጽእ፧

3 ሓንቲ ጽብቕቲ ህንጻ ምስ ርኤኻስ መን ኰን ሰሪሑዋ ይኸውን ኢልካዶ ተገሪምካ ትፈልጥ፧ ሓደ ሰብ ድማ ነታ ህንጻ ሰራሒ ከም ዘይብላ: አረ ባዕላ ከም ዝመጸት እንተ ዝነግረካኸ ምኣመንካዮዶ፧ ፈጺምካ ኣይትኣምንን! ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ” ይብል። እዚውን ኵልና እንፈልጦ ነገር ኢዩ። “እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ ኢዩ” ዝብል ምኽንያታዊ ዝዀነ መደምደምታ ናይቲ ጽሓፍ መጽሓፍ ቅዱስከ ኣይንቕበሎንዶ፧​—⁠እብራውያን 3:⁠4

4. እዞም ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ከዋኽብትስ ከመይ ኢሎም መጹ፧

4 ንኣድማስ ምስ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዘለዉ ብቢልዮናት ግዜ ቢልዮናት ዝቑጸሩ ከዋኽብቲ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ምስዚ ኵሉ ብዝሖም: ኩሎም ኣብ ሰማያት ብፍጹም ዝዀነ መገዲ ኣብ ንሓድሕዶም: እናተሓላለዉ ንኽጕዓዙ ዘኽእሎም ሕጊ ሒዞም ኢዮም ዝዞሩ። ነዊሕ ዘበናት ይገብር “ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧” ዝብል ሕቶ ቀሪቡ ነበረ። እተ⁠ዋህቦ ዘዕግብ መልሲ ድማ “እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዝጽውዖም ኢዩ” ዝብል ነይሩ። (ኢሳይያስ 40:​26) ብርግጽ እምበኣር: እዞም ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ከዋኽብቲ ባዕላቶም ኢዮም መጺኦም: ብዘይ መሪሕነት ድማ ነቲ ዓቢ ናይ ከዋኽብቲ ስርዓት ኣቚሞም: ብዘገርም ኣገባብ ይጐዓዙ ኣለዉ ኢልካ ምሕሳብሲ ዕሽነት ኢዩ!​—⁠መዝሙር 14:⁠1

5. (ሀ) ክፍልታት ናይታ መጥሓን ስጋ ባዕላተን ክጋጣጠማ ከመይ ዝበለ ዕድል ኢዩ ዘለወን፧ (ለ) እዚኸ ብዛዕባ ኣድማስ እንታይ የረድኣና፧

5 እዚ ልዑል ምምሕዳር ዘለዎ ኣድማስ ባዕሉ ዝመጸ ክኸውን ፈጺሙ ዘይክእል ኢዩ። እዚ ንምግባርሲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ዘለዎ ሓደ መስተውዓሊ ፈጣሪ የድሊ ኢዩ። (መዝሙር 19:​1, 2) ሓደ ነጋዳይ ስለምንታይ ብኣምላኽ ከም ዝኣምን ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ: ኣብ ፋብሪካኡ ንሓንቲ ጓል ነቲ 17 ተገጣጣማይ ክፍሊ ዘለዎ መጥሓን ስጋ ምግጥጣም ንኽትማሃር ክልተ መዓልቲ ከም ዝወስደላ ገለጸ። “ኣነ ንመመታተሪ ዝኸውን ኣቕሑ ዝሰርሕ ተራ ሰብ ኢየ” ይብል: “የግዳ ናይ ሓንቲ መጥሓን ስጋ 17 ክፍልታት በታቲንካ ኣብ ጥስቲ እንተ ኣእተኻዮ እሞ ንዝመጽእ 17 ቢልዮን ዓመታት እንተ ትሓቝኖ ባዕሉ ተገጣጢሙ መጥሓን ስጋ ክኸውን ከቶ ከም ዘይክእል እፈልጥ ኢየ።” እዚ ኣድማስ እዝን እቲ እተፈላለየ ናይ ህይወት ዓይነታት ዝሓዘ ምድርን: ካብ ሓንቲ መጥሓኒት ስጋ ንላዕሊ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኢዩ። እታ መጥሓኒት ስጋ ሓደ ብልሓተኛ ሰራሒ ዘድልያ ካብ ኰነ: ንዅሉ ነገራት ንምፍጣር እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዘድሊ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። በቲ ዝገበሮኸ ሞሳዶ ኣይግብኦን፧​—⁠ራእይ 4:​11፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:​15–17፣ 17:​24–26

ኣምላኽ ናይ ሓቂ ኣካል ድዩ፧

6. ኣምላኽ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

6 መብዛሕትኦም ሰባት ብኣምላኽ ንኣምን ኢና እንተበሉ’ኳ: ብዙሓት ከም ናይ ሓቂ ኣካል ገይሮም ኣይሓስብዎን ኢዮም። እሞኸ ከምኡ ድዩ፧ ኣብቲ ምስትውዓል ዘለዎ ኣእምሮ ከም ዘሎ ግሁድ ኢዩ። ንኣብነት ‘ኣእምሮይ ተዛናቢሉኒ’ ንብል። ኣእምሮ ካብ ሃለወ ኸኣ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቅርጺ ዘለዎ ኣካል ዝርከብ ሓንጎል ከም ዝህሉ ንፈልጥ ኢና። እምበኣርከስ እቲ ንዅሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ዓቢ ኣእምሮ: ናይቲ ዝዓበየ ኣካል ማለት ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢዩ። ዋላ’ኳ ሓደ ዝርአን ዝድህሰስን ኣካል እንተ ዘይብሉ መንፈሳዊ ኣካል ኣለዎ። መንፈሳዊ ነገር ኣካልዶ ኣለዎ ኢዩ፧ እወ: መጽሓፍ ቅዱስ “ስጋዊ ኣካል ካብ ዝህሉ መንፈሳዊ ኣካልውን ኣሎ” ኢዩ ዝብል።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:​44 ትሓዓዮሃንስ 4:​24

7. (ሀ) ኣምላኽ ዝነብረሉ ስፍራ ከም ዘለዎ ዘርእየና እንታይ ኣሎ፧ (ለ) ኣካል ከም ዝዀነ ዘርእየናኸ እንታይ ኣሎ፧

7 ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ስለ ዝዀነ: ዝነብረሉ ስፍራ ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሰማያት ኣምላኽ ዝነብረሉ ስፍራ’ ከም ዝዀነ ይነግረና። (1 ነገስት 8:​43 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) “ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክርአየልና ናብኣ ናብታ ሰማይ አተወ” እውን ይብለና ኢዩ። (እብራውያን 9:​24) ገለ ሰባት ዓስቢ ናይ ሰማያዊ ህይወት ምስ ኣምላኽ ክረኽቡ ኢዮም: ኣብቲ ግዜ እቲ መንፈሳዊ ኣካል ክውሃቦም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ሽዑ ንኣምላኽ ክርእይዎ ኢዮም ንዕኡውን ክመስሉ ኢዮም ይብለና። (1 ዮሃንስ 3:​2) እዚውን ኣምላኽ ውሱን ኣካል ከም ዘለዎ የርእየና።

8, 9. (ሀ) ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብነት ናይ ትካል ሓይሊ ኤሌክትሪክ: ሓይሊ ኣምላኽ ክሳዕ ኣበይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዘረድእ፧ (ለ) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ኢዩ: እንታይከ ክገብር ይኽእል፧

8 ገለ ሰባት ‘ኣምላኽ ኣካል እሞ ኣብ ሰማይውን ኣብ ሓደ ስፍራ ዝነብር እንተደኣ ዀይኑ ከመይ ገይሩ ደኣ ንዅሉ እቲ ኣብ ብዘሎ ፍጥረታቱ ዝግበር ነገራት ክርእዮ ዝኽእል፧ ሓይሉ ኣብ ብዘሎ ኣድማስ ክበጽሕ ዝኽእልከ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧’ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ። (2 ዜና መዋእል 16:​9) ኣምላኽ ኣካል ብምዃኑስ ሓይሉን ዕብየቱን ብእኡ ኣይውሰንን ኢዩ። ከምኡውን ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ክብሪ ኣይንክዮን ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:​11–13) እዚ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ድማ እታ ናብ ሩሑቕ ቦታታት ሓይሊ እትሰድድ ትካል ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንመልከት።

9 ሓንቲ ትካል ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ከተማ ወይ ኣብ ከባቢኡ ፍሉይ ቦታ ኣለዋ። እቲ ኻብኣ ዝወጽእ ኤሌክትሪክ ግን ናብ ብዘሎ እቲ ዘላቶ ከባቢ ተዘርጊሑ: ንዅሉ መብራህትን ሓይልን የተሓላልፍ። ናይ ኣምላኽ እውን ከምኡ ኢዩ። ንሱ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዝነብር። (ኢሳይያስ 57:​15፣ መዝሙር 123:​1) ምስናይዚ ግን እቲ ዘይርአ መስለጢ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ: ኣብ ኵሉ እቲ ኣድማስ ኢዩ ዝበጽሕ። ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ኢዩ ሰማያትን ምድርን ንዅሉ ህያው ነገራትን ዝፈጠረ። (መዝሙር 33:​6፣ ዘፍጥረት 1:​2፣ መዝሙር 104:​30) ነዚ ነገራት’ዚ ንኽፈጥር ኣምላኽ ኣብ በቦታኡ ብኣካል ክርከብ ኣየድልዮን ኢዩ። ኣምላኽ ምንም እኳ ኣብ ርሑቕ ስፍራ እንተዀነ ካብቲ ዘለዎ ዀይኑ ነቲ መስለጢ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ልኢኹ ድላዩ ኢዩ ዝፍጽም። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ኣምላኽ ኰን ኢዩ!​—⁠ኤርምያስ 10:​12፣ ዳንኤል 4:​35

ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ባህርያት ኣለዎ፧

10. ሓደ ካብቲ ንኣምላኽ ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ እንታይ ኢዩ፧

10 ኣምላኽሲ ዝያዳ እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን ኣዚና ከነፍቅሮ እንኽእል ዓይነት ኣካል ድዩ፧ ‘ምናልባት ከምኡ ክኸውን ይኽእል: የግዳ ንኣምላኽ ክንርእዮ ስለ ዘይንኽእል ከመይ ጌርና ኢና ብዛዕብኡ ክንፈልጥ እንኽእል፧’ ትብል ትኸውን። (ዮሃንስ 1:​18) መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንፈልጠሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ከምዚ ብምባል ይሕብረልና “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።” (ሮሜ 1:​20) ስለዚ እዚ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ብሓቂ እንተደኣ መርሚርናዮን ኣስተንቲናዮንሲ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ከም ዝዀነ ንኽንፈልጦ ይሕግዘና ኢዩ።

11. ካብቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

11 ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ: ሰማያት ብኸዋኽብቲ ተሰሊሞም ክንምልከት ከሎናስ ብዛዕባ ዕቤትን ብርታዐ ሓይልን ናይ ኣምላኽ ኢና ንርዳእ! (መዝሙር 8:​3, 4፣ ኢሳይያስ 40:​26) ነዛ ምድርናውን እስከ ንርኣያ። ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ኣንቢሩ ዘድልያ ዋዕን ብርሃንን እውን ካብ ጸሓይ ከም እትረክብ ገይሩ ኢዩ ደኲኑዋ። ነቲ ዘየቋርጽ ናይ ማይ ዑደትውን ንመልከቶ። ዝናም ዘኒሙ ንምድሪ የስትያ። እቲ ማይ ድማ ውሒዝ ኰይኑ ናብ ባሕርታት ይክዖ። ጸሓይ ብዋዒኣ ነቲ ማያት ተህፍፎ እሞ: ድሕሪኡውን ዘኒሙ ንምድሪ እንደገና የስትያ። (መክብብ 1:​7) ኣምላኽ ንሰብን እንስሳን መግቢ: መዕቆቢ: ካልእ ዘድልዮም ኵሉ ነገራትን ክቕርብ ኢሉ እተፈላለዩ ዘደንቑ ዑደታት ኣዳልዩ ኢዩ! እሞ እዚ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ነገራትከ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ባህርያት ከም ዘለዎ ኢዩ ዝገልጸልና፧ ካብዝስ ኣምላኽ በዓል ዓቢ ጥበብ: ለጋስን ንፍጡራቱውን ዝሓልን ከም ዝዀነ ኢና እንርዳእ።​—⁠ምሳሌ 3:​19, 20፣ መዝሙር 104:​13–15, 24, 25

12. ኣካላትካ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ክምህረካ ይኽእል፧

12 እስከ ንኣፈጣጥራ ኣካላትካ እሞ ተዓዘቦ። ንኽነብር ጥራይ ከም ዘይተፈጥረ ርዱእ ኢዩ። ህይወት ንምስትምቓር ኢዩ ብዘደንቕ መገዲ ተፈጢሩ። (መዝሙር 139:​14) ኣዒንትና ጸሊምን ጻዕዳን ጥራይ ዘይኰነስ እተፈላለየ ሕብርታትውን ይርእያ ኢየን: ዓለም ከኣ ደስ ከብል ብዝኽእል ውቁብ ሕብርታት ኢያ መሊኣ ዘላ። ክንሽትትን ከነስተማቕርን እውን ንኽእል ኢና። ስለዚውን መግቢ እንበልዕሲ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን: የግዳ ክንበልዕ ከሎና ደስውን ይብለና ኢዩ። ከምዚ ዝበሉ ህዋሳት ንህይወት ግድን ኣድለይቲ ኣይኰኑን: የግዳ ውህበት ናይቲ ፈቃር: ለጋስ: ሓላዪ ዝዀነ ኣምላኽ ኢዮም።​—⁠ዘፍጥረት 2:​9፣ 1 ዮሃንስ 4:​8

13. ካብቲ ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ዝገበሮ ምምልላስ እንታይ ንማሃር፧

13 ኣምላኽ በቲ ንደቅሰብ ዝገበረሎም ርኢናውን ከመይ ዝበለ ባህርያት ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ብፍትሒ ሓበል ዘይበሃል ኣምላኽ ኢዩ። ንገለ ዓሌት ህዝቢ ርእዩውን ኣየዳሉን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:​34, 35) መሓርን ሕያዋይን እውን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም ዝነበሮ ምምልላስ “መሓሪ ዀይኑ . . . ስጋ . . . ምዃኖም ዘከረ” ይብለና። ምስናይዚ ግን ህዝቢ እስራኤል ብዙሕ ሳዕ ኣይተኣዘዝዎን: እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ኣጕሃዮ። መጽሓፍ ቅዱስውን ‘ክንደይ ሳዕ እዮም ዘጕሀይዎ . . . ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ’ ይብል። (መዝሙር 78:​38–41፣ 103:​8, 13, 14 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣገልገልቱ ንሕግታቱ ኣኽቢሮም ክእዘዙዎ ኸለዉ: ይሕጐስ ነበረ። (ምሳሌ 27:​11) ከምኡውን ኣገልገልቱ ጸላእቲ ምስ ዘሳቕዩዎም እንታይ ከም ዝስምዖ ክገልጽ ከሎ: ‘እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ: መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ’ ይብል። (ዘካርያስ 2:​8) ከምዚ ዝበለ ነዞም ካብ ኩሉ ዓሌታትን ኣህዛብን ዝዀኑ ዝተሓቱ: ገለውን ዘይኰኑ: ደቅሰብ ክሳዕ ክንድዚ ዝፈቱ ኣምላኽ ከተፍቅሮዶ ብውሽጥኻ ኣይትድረኽን፧​—⁠ኢሳይያስ 40:​22፣ ዮሃንስ 3:​16

ኣምላኽ የሱስ ድዩ ወይስ ስላሴ፧

14. ትምህርቲ ስላሴ እንታይ ኢዩ፧

14 እዚ ድንቂ ዝዀነ ኣምላኽ እዝስ መን ኢዩ፧ ገለ ሰባት የሱስ ኢዩ ስሙ ይብሉ። ካልኦት ከኣ ዋላ’ኳ እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትሃሉ: ስላሴ ኢዩ ይብሉ። ብመሰረት ትምህርቲ ስላሴ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ኣለዉ: እዚ ኸኣ “ኣቦ: ወዲ: መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ሓደ ኣምላኽ ኣሎ” ማለት ኢዩ። ሽሕ’ኳ “ምስጢር” ኢዩ እንተበልኦ: ብዙሓት ሃይማኖታት ነዚ ትምህርቲ እዚ ይምህራ። ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ክህልወካስ ቅኑዕ ድዩ፧

15. ከመይ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽን የሱስን ክልተ በበይኖም ማዕረውን ዘይኰኑ ኣካላት ምዃኖም ዝገልጽ፧

15 የሱስከ ባዕሉ ኣነ እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢየ ኢሉዶ ይፈልጥ፧ ያእ: ፈጺሙ ኣይበለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ደኣ “ወዲ ኣምላኽ” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ከምዚ እውን በለ:- “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ ኢዩ።” (ዮሃንስ 10:​34–36፣ 14:​28) ብተወሳኺውን የሱስ ንሱ ዀነ መላእኽቲ ዘይፈልጥዎም ኣምላኽ በይኑ ጥራይ ዝፈልጦም ነገራት ከም ዘለዉ ገለጸ። (ማርቆስ 13:​32) ሓደ ግዜውን የሱስ ናብ ኣምላኽ ቀሪቡ ክጽሊ ኸሎ “ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” በለ። (ሉቃስ 22:​42 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) የሱስ ባዕሉ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እንተ ዝኸውንሲ ንገዛእ ርእሱ ምለመና ኢልካዶ ትሓስብ፧ ቅዱሳት ጽሑፋትውን ድሕሪ ሞት የሱስ ከይተረፈ: ከምዚ ኢዩ ዝብል “ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲኡዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:​32) እምበኣር እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽን የሱስን ክልተ እተፈላለዩ ኣካ⁠ላት ከም ዝዀኑ ግሁድ ኢዩ። ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ዕርገቱን እውን ከይተረፈ የሱስ ማዕረ ኣቦኡ ኣይነበረን።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:​3፣ 15:​28

16. ምንም እኳ የሱስ “ኣምላኽ” ተባሂሉ እንተ ተጠቕሰስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ እንታይ የርኢ፧

16 ሓደ ሰብ ‘የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ተባሂሉዶ ኣየሎን፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። እዚ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር ሰይጣንውን ኣምላኽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:​4) ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 1:​1 ኣብቲ የሱስ “ቃል” ተባሂልሉ ዘሎ: ገሊኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ቃል ብመጀመርታ ነበረ: እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ: እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ትሕት ኢልና ኣብ ቍጽሪ 2 እንተ ኣንበብና ድማ እቲ ቓል “ብመጀመርታ ምስ ኣምላኽ ነበረ” ኢሉ ከም ዝነግረና ኣስተውዕል። ሰባት ንየሱስ ርእዮምዎ ኢዮም: ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ኣብ ቍጽሪ 18 እንተ ኣንበብና ግና “ሓደ እኳ ንአምላኽ ዝረኣዮ የልቦን” ይብለና። ኣብ ገሊኡ ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንዮሃንስ 1:​1 ምስቲ በዅሪ ጽሑፍ ብምስምማዕ “እቲ ቓል ምስ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን መለኮት” ወይ ድማ “ሐደ ኣምላኽ ነበረ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ: እዚ ማለት ድማ እቲ ቓል ሓደ ኣምላኽ መሰል ሓያል ኣካል ከም ዝዀነ ዘረድእ ኢዩ። (ኣን ኣመሪካን ትራንስሌሽን ) የሱስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ። የሱስ እኳ ብዛዕባ ኣቦኡ “ኣቦይ” ከምኡውን “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን” እናበለ ኢዩ እተዛረበ።​—⁠ዮሃንስ 20:​17፣ 17:​3

17. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምፍሳሱስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣካል ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ፧

17 ብዛዕባ “መንፈስ ቅዱስ” እቲ ሳልሳይ ኣካል ናይ ስላሴ ዝብሃል ድማ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ደኣ እምበር ኣካል ከም ዘይኰነ ኣቐዲምና ርኢናዮ ኢና። ዮሃንስ መጥምቕ እውን ከምቲ ንሱ ብማይ ዘጠመቐ የሱስ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ከጠምቖም ከም ዝዀነ ገለጸ። ስለዚ ከምቲ ማይ ኣካል ዘይኰነ ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን። (ማቴዎስ 3:​11) እቲ ዮሃንስ ኣቐዲሙ ተዛሪቡዎ ዝነበረ ኸኣ የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ ድሕሪ ዕርገቱ: ነቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣፍሰሰሎም ተፈጸመ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:​4) እሞ እቶም ሰባትሲ ኣካል ድዩ “መሊእዎም”፧ ከምኡ ዘይኰነስ እቲ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ኢዩ ዝመልኦም። እዚ መርትዖታት እዚ እምበኣር ትምህርቲ ስላሴ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ከም ዘይኰነ ግልጺ ይገብሮ። ብጥንቲ ቅድሚ የሱስ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ምምጽኡ: ኣብ ከም በዓል ግብጽን ባቢሎንን ዝኣመሰላ ሃገራት: ሰባት ነናይ ሰለስተ ወይ ከኣ ናይ ስላሴታት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ።

ስም ኣምላኽ

18. (ሀ) እታ “ኣምላኽ” እትብል ቃልሲ ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ስምዶ ኢያ፧ (ለ) ናይ ብሕቲ ስሙ ደኣ መን ኢዩ፧

18 እቶም እትፈልጦም ሰባት ነፍሲ ወከፎም ስም ከም ዘለዎም ዘይከሓድ ኢዩ። ኣምላኽውን ንርእሱ ካብ ካልኦት ኣማልኽቲ ፍልይ ኣቢሉ ዘፍልጦ ናይ ገዛእ ርእሱ መጸውዒ ስም ኣለዎ። ገለ ሰባት ‘ “ኣምላኽ” ስሙዶ ኣይኰነን፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ኣይኰነን: ምኽንያቱ “ኣምላኽ” ማለት ከም “ፕረዚደንት”: “ንጉስ”: “ዳኛ” መዓርግ ደኣ ኢዩ እምበር ስምሲ ኣይኰነን። ስም ኣምላኽ ኣብቲ 7, 000 ግዜ ዝኣክል ተጠቒስሉ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዝርከብ። ንኣብነት ኣብ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:​18 ከምዚ ነንብብ:- “ንስኻ: የሆዋ ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ሰባት ይፍለጡ።” ብዘይዚውን ኣብ ሓያለይ ትርጉም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 19:​1–6 ስም ኣምላኽ ከም “ሃሌሉያ” ወይ “ሃሌሉያህ” ተባሂላ ብምጥቃስ ኣትያ ኣላ። ትርጕሙ ድማ “ምስጋና ንያህ” ማለት ሓጺር ኣጸዋውዓ ናይ የሆዋ ኢዩ።

19. (ሀ) ስለምንታይ ኢዮም ገለ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ስም ኣምላኽ ክርእዩ ኸለዉ ዝግረሙ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽንከ እዛ ስም እዚኣ ኣበይ ኢያ እትርከብ፧

19 ገለ ሰባት ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱሶም ስም ኣምላኽ ክርእዩ ኸለዉ ይግረሙ ኢዮም። ምኽንያቱ ድማ መጽሓፍ ቅዱሶም ስም ኣምላኽ ሳሕቲ ጥራይ ስለ ዝጠቐሶ ኢዩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ስም የሆዋ ኣብ ዘጸኣት 6:​3፣ መዝሙር 83:​18፣ ኢሳይያስ 12:​2፣ 26:​4 ጥራይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ኣብዛ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ስም ኣምላኽ በቲ ናይ መዓርግ ተጸውዖ “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ማለት “Lord” ወይ “God” ተባሂሉ ክጥቀስ ከሎ: እተን “LORD” “GOD” ዝብላ ፊደላት ንስሙ ዘመልክታ ከም ዝዀና ንምርዳእ ብዓቢ ፊደል ኢየን ተጻሒፈን ዘለዋ። እዚ ድማ ካብተን “Lord” ከምኡውን “God” ዝብላ ናይ ሓባር መጸውዒ ይፈልየን። እዚ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 110:​1 ክርአ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስውን ኣብ ዘጸኣት 6:3 (ናይ 1879 ትርጉም) ኣብ ዘፍጥረት 22:14 ኣብ ዘጸኣት 17:15 (ናይ 1954 ትርጉም) ስም ኣምላኽ ንረክብ ኢና።

20. (ሀ) ስለምንታይ ኢዩ ብዙሕ ግዜ ስም ኣምላኽ ዘይዝውተር፧ (ለ) ክዝውተርዶኸ ምተገብኦ፧

20 ‘ስለምንታይ ደኣ ኢዩ ስም ኣምላኽ ከምቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዘይዝውተር፧ ‘ስለምንታይከ ኢዩ ኣብ ክንዲ ስም ኣምላኽሲ “ጐይታ” “ኣምላኽ” ወይ “እግዚኣብሄር” ዝብላ ቃላት ኣትየን ዘለዋ፧’ ኢልካ ትጥይቕ ትኸውን። እታ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን እትበሃል ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብቲ መቅድም ጽሑፍ ስለምንታይ ስም ኣምላኽ ከም እተጠቕሰን ስለምንታይውን እዛ ስም እዚኣ ንሓያለይ ግዜ ከይተዘውተረት ከም ዝጸንሐትን ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል:- “እዞም ነዛ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን እንደገና ኣሪሞም ዘውጽእዋ ተርጐምቲ ድሕሪ ጥንቁቕ ምምርማር: እቲ ስም ኣምላኽ ኣዝዩ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ክንጽውዖ ኣይግብኣናን ኢዩ ዝብል ኣጉል ባህሊ ናይ ኣይሁድ: ድሕሪ ደጊም ኣብ ትርጕም ናይ ቋንቋ እንግሊዝን ካልእ ትርጕማትን ክቕየድ ኣይግብኦን ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም።  . . . እዚ ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ እዝን ኵሉ እቲ ምስኡ እተኣሳሰረ ቅዱስ ነገራትን ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ተመሊሱ ተጻሒፉ ኣሎ።” እወ! እዞም ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተርጐሙ ሰባትሲ እቲ ንስም ኣምላኽ ካብቲ ግቡእ ቦታኡ ዝወጸሉ ምኽንያት ግጉይ ምዃኑ ተሰምዖም። ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ እቲ ግቡእ ቦታኡ መለስዎ።

21. እታ ናይ ካቶሊክ ዱወይ ቨርሽን ብዛዕባ ስም የሆዋ እንታይ ትብል፧

21 ገለ ሰባት ግን እታ “የሆዋ” እትብል ቃል ልክዕ ስም ኣምላኽ ስለ ዘይኰነት ክትዝውተር የብላን ይብሉ። ንኣብነት እታ ስም ኣምላኽ ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ዘይትጠቅስ ናይ ካቶሊክ ዱወይ ቨርሽን : ብዛዕባ ዘጸኣት 6:​3 ጠቒሳ ኣብቲ እግረ–ጽሑፍ ከምዚ ዝብል መግለጺ ትህብ:- “ገሊኦም ዘመናውያን ተርጐምቲ የሆዋ እትብል ስም ባዕላቶም ኣቚሞም . . . እቲ ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ዘሎ ናይ ሓቂ ኣደማምጻስ: ንነዊሕ ግዜ ስለ ዘይተጠቕምሉ ሕጂ ፈጺሙ ኣይፍለጥን ኢዩ።”

22. (ሀ) ስም ኣምላኽ ብቋንቋ እብራይስጢ ተጻሒፉ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ስም ኣምላኽ ቀደም ከመይ ኢላ ትድመጽ ከም ዝነበረት ንምፍላጥ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

22 እወ: እዛ ናይ ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትብሎ: ስም ኣምላኽ ኣብቲ ጽሑፋት ናይ እብራይስጢ ተጻሒፉ ይርከብ: እብራይስጢ እተን ናይ መጀመርታ 39 መጽሓፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፋሉ ቋንቋ ምዃኑ ኢዩ። ኣብኡውን እዛ ስም እዚኣ በርባዕተ “የ–ሀ–ወ–ሀ” እተባህላ ፊደላት እብራይስጢ ኢያ ተጽሒፋ ዘላ። ብጥንቲ ቋንቋ ኣይሁድ ብዘይ መዳመጺ ማለት ከም እኒ ካእብ: ሳልስ: ራብዕ: ሓምስ: ሳድስ: ሳብዕ ክገብርዎ ዝኽእሉ ምልክታት ዘይብሉ: ብግእዝ ጥራይ ኢዩ ዝጸሓፍ ዝነበረ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣይሁድ ከመይ ገይሮም ነዘን ‘የ⁠–⁠ሀ⁠–⁠ወ⁠–⁠ሀ’ ዝብላ ፊደላት የንብብወን ከም ዝነበሩ: ብልክዕ ንምፍላጥ ነዞም ሎሚ ዘሎና ጸገም ኰይኑና ኣሎ።

23. ከመይ ኢላ ኢያ እታ “ህንጻ” እትድመጽ ቃል “ሀነጸ” ብምጽሓፋስ ንስም ኣምላኽ ንኸነድምጽ ዘጋጥመና ጸገም ንምርድኡ ክትሕግዘና እትኽእል፧

23 ነዚ ጸገምዚ ምእንቲ ክንርድኦ ድማ ነዛ “ህንጻ” እትብል ቃል ከም ኣብነት ጌርና ንውሰዳ። እታ ህንጻ እትብል ቃል ኵሉ ግዜ “ሀነጸ” ተባሂላ ክትጽሓፍ ጀሚራስ: ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ድማ እቲ ልክዕ ኣደማምጽኣ ከይተዘውተረ ተሪፉ ንበል። ድሕሪ 1, 000 ዓመት ዝመጸ ሰብ እምበኣር “ሀነጸ” ዝብል ጽሑፍ ምስ ረኸበ ከመይ ገይሩ ከም ዘድምጻ ብኸመይ ይፍለጥ፧ ክትንበብ ሰሚዕዋ ስለ ዘይፈልጥ: መዳመጺ ቃላት ወይ ምልክትታት ድማ ስለ ዘይብላ: ኣረጋጊጹ ክፈልጣ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ስም ኣምላኽውን ከምኡ ኢዩ። ምንም እኳ ገሊኦም ምሁራት ኣዳማምጻኣ “ያህዌህ” ኢዩ ዝብሉ እንተዀኑስ ከመይ ኢላ ከም እትድመጽ ኣርጊጽካ ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ዝዀነ ዀይኑ እታ “ጂሆቫ” እትብል ኣጸዋውዓ ንሓያለይ ዘመናት እተለምደትን ኣብ ኵሉ እተፈልጠትን ኢያ።

24. (ሀ) ሓደ ዓይነት ኣጠቓቕማ ምእንቲ ክህሉ: ስለምንታይ ኢና ስም ኣምላኽ ከነዘውትራ ግቡእ ዝኸውን፧ (ለ) ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 15:​14 ስለምንታይ ኢዩ ስም ኣምላኽ ምዝውታር ዘድሊ፧

24 ይኹን ደኣ እምበር ልክዕ ከምቲ ቐደም ብጥንቲ ዝነበረ ኣደማምጻኣ ጌርና እኳ ከነድምጻ እንተ ዘይከኣልናስ: ስም ኣምላኽ ከነዘውትራዶ ይግብኣና ኢዩ፧ ምንም እኳ ልክዕ ከምቲ ብእብራይስጢ ክድመጽ ዝግብኦ ጌርና ዘይነድምጾ እንተ ዀንናስ ስም ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ግን ንጥቀም ኢና። ንኣብነት ስም የሱስ ብእብራይስጢ “የሽ’ዋ” ኢዩ። ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስም ኣምላኽ “ያህዌህ” ወይ “ጂሆቫ” ወይ ከኣ ብቋንቋና ልሙድ ዝዀነ ካልእ ኣደማምጻ ጌርና ክንጽውዖ ግቡእ ኢዩ። ጌጋ ዀይኑ ዘሎ ስሙ ዘይምጥቃም ጥራይ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ንስሙ ዘይጽውዑስ ምስቶም ኣምላኽ “ንስሙ ህዝቢ” ክዀኑ ዝጽውዖም ግደ የብሎምን። (ግብሪ ሃዋርያት 15:​14) ስለዚ ንስም ኣምላኽ ክንፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ ከምቲ የሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከሎ ዝገብሮ ዝነበረ ንሕናውን ስሙ ኣብ ቅድሚ ሰባት ክንውድሶ ይግብኣና።​—⁠ማቴዎስ 6:​9፣ ዮሃንስ 17:​6, 26

ዕላማ ዘለዎ ኣምላኽ

25. (ሀ) ብዛዕባ ኣምላኽ ንኽንርድኦ ከሸግረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ምፍጣር ንኽጅምር ዝደረኾ እንታይ ኢዩ፧

25 ንኽንርድኦ እኳ ዝሽግረና እንተዀነስ የሆዋ ግን መጀመርታ ዘይብሉ መወዳእታ ኸኣ ዘይህልዎ ኣምላኽ ኢዩ። ንሱ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ኢዩ። (መዝሙር 90:​2፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:​17) የሆዋ ምፍጣር ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ኣድማስ ንበይኑ እኳ እንተነበረ: ምስናይዚ ግን ምሉእን ገለውን ዘይጐድሎ ስለ ዝዀነ ጽምዋ ዝበሃል ኣይሰምዖን ኢዩ ነይሩ። ምፍጣር ንኽጅምርን ንኻልኦትውን ዘሐጕስ ህይወት ንኽህቦም ዝደረኾ ፍቕሪ ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ፍጡራት ናይ ኣምላኽ ድማ ከምኡ መንፈሳውያን ኣካላት ኢዮም ነይሮም። ምድሪ ማሕደር ደቂ ሰብ ክትከውን ኢሉ ገና ከይደኰና ኸሎ: ሓንቲ ዓባይ ብሰማያውያን ደቁ ዝቖመት ማሕበር ነበረቶ። የሆዋ ብህይወትን በቲ ዝሃቦም ዕዮን: ዓቢ ሓጐስ ክረኽቡ ኢዩ ዕላምኡ ዝነበረ።​—⁠እዮብ 38:​4, 7

26. ስለምንታይ ኢና እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ክፍጸም ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

26 ምድሪ ምስ ተደኰነት: የሆዋ ኣብ ሓደ ሸነኽ ናይ ምድሪ ገነት ኣዳልዩ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብኡ ኣንበሮም። ዕላምኡ ድማ ዝእዘዝዎን ዘምልኽዎን ውሉዳት ክወልዱ እሞ: ንገነት እውን ናብ ኵላ ምድሪ ከስፍሕዋ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:​27, 28) ከምቲ ኣቐዲምና እተማሃርናዮ ድማ ነዚ ዓቢ ዕላማ ኣምላኽ ዝዀልፍ ኵነታት ተረኽበ። ኣዳምን ሄዋንን ግና ንኣምላኽ ምእዛዝ ስለ ዝኣበዩ: ዕላምኡ ክሳዕ ሕጂ ኣይተፈጸመን። እንተዀነ ግን ክፍጸም ኢዩ: ምኽንያቱ የሆዋ ዕላምኡ ከይፈጸሞ ምስ ዝተርፍ ከም እተሳዕረ ኢዩ ዘመልክት። “ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ: ኣሚመ ኽገብሮውን እየ” ኢሉ ተዛሪቡ ስለ ዘሎ ዕላምኡ ከይፈጸሞ ኣይተርፍን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 46:​10, 11

27. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ብኣምላኽ ተሓተቲ እንኸውን፧ (ለ) ንኸመይ ዝበለ ሕቶ ኢና ኣርዚና ክንሓስበሉ ዘሎና፧

27 ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትሰማማዕ ተስተውዕሎ ዲኻ፧ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣብ ግምት ከየእቶኻ: ቃሕ ከም ዝበለካ ብምምልላስ ኣይኰነን። እዚ ልክዕ ከምቲ ሰይጣን: ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም ግን ኣይገበርዎን። ስለዚውን ብኣምላኽ ተሓተቲ ዀኑ። ንሕናኸ ብኣምላኽ ተሓተቲ ዲና፧ እወ: ምኽንያቱ ኣምላኽ ምንጪ ናይ ህይወትና ኢዩ። ህይወትና ኣብኡ እተመርኰሰት ኢያ። (መዝሙር 36:​9፣ ማቴዎስ 5:​45) ስለዚኸ ክሳዕ ክንደይ ኢና ብኣነባብራና ምስቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንሰማማዕ፧ ነዚ ኣርዝን ኣቢልና ክንሓስበሉ ይግባኣና ኢዩ ምኽንያቱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዘሎና ኣጋጣሚ ኣብኡ እተመርኰሰ ኢዩ።

ንየሆዋ ብኸመይ ከም እተምልኾ

28. ገለ ሰባት ኣብቲ ንኣምላኽ ዝገብርዎ ኣምልኾ እንታይ ሓገዛት ይጥቀሙ፧

28 ንየሆዋ ብኸመይ ከም እነምልኾ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብቲ ቀደም ተማሂርናዮ ዝነበርና ፍልይ ዝበለ እኳ እንተዀነስ: ከምቲ ንሱ ዝብለና ገይርና ኢና ከነምልኾ ዝግብኣና። ንኣብነት: ገለ ሰባት ኣብ ኣምልኾኦም ምስሊ ምጥቃም ልምዶም ኢዩ። ነቲ ምስሊ ከም ዘየምልኽዎ የግዳስ ንዕኡ ብምርኣይን ብምትንካፍን ንኣምላኽ ከምልኹ ከም ዝሕግዞም ይዛረቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር ኣምላኽዶ ብምስሊ ገይርና ከነምልኾ ይደልየና ኢዩ፧

29. ከመይ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ምጥቃም ጌጋ ከም ዝዀነ ዝገልጾ፧

29 ኣይደልን ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ኣምላኽ ብዝዀነ መልክዕ ከም ዘይተራእዮም ዝነገሮም። (ዘዳግም 4:​15–19) ሓንቲ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እኳ ከምዚ እያ እትንበብ:- “ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።” (ዘጸኣት 20:​4, 5) የሆዋ በይኑ ኢዩ ክምለኽ ዝግብኦ። መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ምስሊ ምስራሕን ኣብ ቅድሚኡ ምስጋድን ወይ ከኣ ብዘይካ ንየሆዋ ንዝዀነ ካልእ ሰብ ወይ ካልእ ነገር ምምላኽ ጌጋ ምዃኑ ይነግረና።​—⁠ኢሳይያስ 44:​14–20፣ 46:​6, 7፣ መዝሙር 115:​4–8

30. (ሀ) የሱስን ሃዋርያቱን ምስሊ ምጥቃም ጌጋ ከም ዝዀነ ንኸረድኡ እንታይ በሉ፧ (ለ) ብመሰረት ዘዳግም 7:​25: ንምስልታት እንታይ ክንገብሮም ኢዩ ዝግበኣና፧

30 ከምቲ እንጽበዮ የሱስ ኣብ ኣምልኾኡ ፈጺሙ ምስሊ ኣይተጠቕመን። “ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ: እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም” ብምባል ገለጸ። (ዮሃንስ 4:​24) ምስ እዚ ምኽሪ እዚ ብምስምማዕ: ሓደ እኳ ካብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብቲ ኣምልኾ ንደገፍ ክዀኖ ኢሉ ምስሊ እተጠቕመ የልቦን። ስለዚ እኳ ደኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝበለ:- “ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና።” (2 ቈረንቶስ 5:​7) ሃዋርያ ዮሃንስውን:- “ካብ ጣኦታት ተሓለዉ” ኢሉ የጠንቅቕ። (1 ዮሃንስ 5:​21) ኣብ ቤትካ ርአ እሞ ንነፍስኻውን ብመሰረት እዚ ሕጊ እዚዶ ኢየ ዝመላለስ ዘለኹ፧ ኢልካ ተወከሳ።​—⁠ዘዳግም 7:25

31. (ሀ) ምንም እኳ ጥቕሚ ናይ ገሊኡ ሕግታት ኣምላኽ ክንርድኦ እንተ ዘይከኣልና: ንኽንእዘዞ ዝድርኸና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢና ክንጽዕት ዝግብኣና: ንኸመይ ዝበለ ጻውዒትከ ኢና ክንቅበል ዘሎና፧

31 ነዚ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ገይርና እንተደኣ ኣምሊኽናዮስ ብርግጽ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከምጽኣልና ኢዩ። (ኤርምያስ 14:​22) መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ንረብሓና: ንዝመጽእ ንናይ ዘልኣለም ድሕንነትና ዝጠቅም ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና። ሓቂ ኢዩ ሓድሓደ ግዜ ፍልጠትናን ተሞክሮናን ውሱን ብምዃኑ ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሕጊ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑን ከመይ ኢሉ ንጥቕምና ከም ዝውዕልን ንምግንዛቡ የሸግረና ይኸውን። እንተዀነ ግን ኣምላኽ ንዅሉ ካባና ኣብሊጹ ከም ዝፈልጦ ዘሎና ጽኑዕ እምነት: ብፍታው ልቢ ክንእዘዞ ኢዩ ክድርኸና ዘለዎ። (መዝሙር 19:​7–11) ሃየ እምበኣር ነቲ “ንዑ: ፍግም ኢልና ንስገድ: ኣብ ቅድሚ [የሆዋ ትሓዓ] ፈጣሪና: ንንበርከኽ። ንሱ ኣምላኽና ኢዩ: ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሲኡ [ኢና]” ዝብል መጸዋዕታ ተቐቢልና ብዛዕባ የሆዋ ክንማሃር ብዝከኣለና ኵሉ ንጽዓር።​—⁠መዝሙር 95:​6, 7

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 42 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ዝርከባለን ኣርባዕተ ቦታታት

ዘጸኣት 6: 3

3 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም: ብስመይ የሆዋ ግና ኣይተፈለጥኩሎምን።

መዝሙር 83:18

18 ንስኻ: የሆዋ ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ።

ኢሳይያስ 12:​2

2 እንሆ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ: እእመን ኣይፈርሕን ድማ እየ። የሆዋ ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዪ እሞ: ንሱ ምድሓነይ ኰነ።

ኢሳይያስ 26:4

Trust ye in the LORD for ever: for in the LORD JEHOVAH is everlasting strength:

[ኣብ ገጽ 34, 35 ዘሎ ስእልታት]

ቤት ዘበለት ሰራሒ ካብ ዝህልዋ . . . እዚ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኣድማስውን ብርግጽ ሰራሒ ክህልዎ ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 39 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ: ፍቓዱ ዘይኰነስ ፍቓድ ኣምላኽ ክዀነሉ ንምሕታት ናብ ኣምላኽ ካብ ጸለየ: ክልቲኦም ሓደ ኣካል ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም

[ኣብ ገጽ 40, 41 ዘሎ ስእሊ]

መንፈስ ቅዱስ ን120 ደቀ መዛሙርቲ ካብ መልኦም ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣካል ክኸውን ዝኽእል፧

[ኣብ ገጽ 45 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምልኾ ኢልና ምስሊ ክንጥቀም ግቡእ ድዩ፧