ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምድሪ ናይ ምንባርና ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ምድሪ ናይ ምንባርና ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

ምዕራፍ 7

ኣብ ምድሪ ናይ ምንባርና ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

1. መስተውዓልቲ ሰባት ኣብ እንታይ ዝብል መደምደምታ ኢዮም በጺሖም፧

 ሰባት ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ብዛዕባ ትርጕም ናይ ህይወት ኣብ ምድሪ ይግረሙ ኢዮም። ነዚ ደረት ዘይብሉ ገፊሕን ብከዋኽብቲውን ዝመልአ ሰማይ ይጥምትዎ። ነዚ ቅሔ–ጽልሚ ዝመስል ውቁብ ዕራርቦ ጸሓይን መልክዕ ገጠርን ብምርኣይ ይድነቑ። መስተውዓልቲ ሰባት ነዚ ዅሉ ሓደ ዓቢ ዕላማ ክህልዎ ኣለዎ ኢሎም ይሓስቡ። እንተዀነ ግን ኣብዚ ዕላማ’ዚ እዚ እንታይ ግደ ከም ዘለዎም ንምፍላጥ ይጽግሞም።​—⁠መዝሙር 8:​3, 4

2. ሰባት እንታይ ዝብል ሕቶታት ኢዮም ሓቲቶም፧

2 መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ገለ እዋን ብዛዕባ ህይወቶም ከምዚ ኢሎም ይሓቱ:- ኣፈጣጥራናስ ንሓጺር ግዜ ኰይኑ: ኣብ ህይወትናውን ክንጥቀመሉ እንኽእል ተጠቒምናስ መወዳእትኡ ንሞት ማለት ድዩ፧ ናበይ ኣቢልና ኢናኸ እንጓዓዝ ዘሎና፧ ካብቲ ሓጺር ዝዀነ ዑደት ናይ ምውላድን ምንባርን ሙማትን ንላዕሊ እንጽበዮ ነገርሲ ኣሎዶ፧ (እዮብ 14:​1, 2) ነዚ ነገርዚ ንኽንርድኦ ዝሕግዘና: መልሲ ናይቲ ከመይ ኢልና ኢና መጺእና፧ ዝብል ሕቶ ኢዩ።

ፍልቀትዶ ወይስ ፍጥረት፧

3. ፍልቀት እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኢዩ ዝምህር፧

3 ኣብ ገሊኡ ቦታታት ኵሉ እቲ እንርእዮ ዘበለ ባዕሉ ብዕድል ወይ ብኣጋጣሚ ኢዩ መጺኡ ኢሎም ኢዮም ከም ልሙድ ገይሮም ዝምህርዎ። ንብዙሕ ሚልዮናት ዓመታት ህይወት ካብ ደቀቕቲ ነገራት በብእዋኑ እናተማሓየሸትን እናማዕበለትን ኢያ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሰብ ዝበሐት ይብሉ። ኣብ ሓያለይ ወገናት ናይዛ ምድሪውን ነዚ ናይ ፍልቀት ክልሰ–ሓሳብ ከም ሓቂ ገይሮም ኢዮም ዝምህርዎ። እሞ ንሕናስ ካብ ሓደ ሚልዮናት ዓመታት ይገብር ይነብር ዝነበረ ህበይ መሰል እንስሳ መጺእና ክብሃልሲ ሓቂ ድዩ፧ እዚ ዓቢ ኣድማስከ ብኣጋጣሚ ድዩ መጺኡ፧

4. ‘ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ምፍጣሩ’ ክንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ይብለና። (ዘፍጥረት 1:​1) ጭብጥታት ናይ ስነ–ፍልጠትውን ሰማያትን እቶም ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ከዋኽብትን ከምኡውን ምድርና መጀመርታ ከም ዘለዎም ይሰማማዕ ኢዩ። ኵሎም ተፈጢሮም ኢዮም። ምንቅስቓስ ናይ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ኣዝዩ ስርዓታዊ ብምዃኑ ዓመታት ኣቐዲምካ ኣበየናይ ቦታ ክርከቡ ከም ዘለዎም ኣርጊጽካ ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ። እቲ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ኣብ ኣድማስ ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት ብመሰረት ሕግን ስርዓታት ሕሳብን ኢዩ ዝፍጸም። ሓደ ፒ. ዲራክ እተባህለ ፕሮፌሰር ናይ ሕሳብ: ካብ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ: ኣብታ ሳይንቲፊክ ኣመሪካን እትበሃል መጽሔት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓደ ሰብ ኣምላኽ ሓደ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ ሕሳብ ሊቅ ኢዩ ብምባል ነቲ ኵነታት ምናልባት ክገልጾ ይኽእል: በቲ ኣዝዩ ምዕቡል ናይ ሕሳብ ፍልጠት ገይሩ ኸኣ: ንዅሉ እዚ ኣድማስ ኣቚምዎ።”

5. ኣካላትና ከም እተፈጠርና ደኣ እምበር ፍረ ናይ ፍልቀት ከም ዘይኰንና ዘርኢ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ: ንሱ ገበረና ባዕላትና ኣይኰንናን።” (መዝሙር 100:​3) ኣሰራርዓ ኣካላትና ዘደንቕ ስለ ዝዀነውን ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ክውድሶ ተደረኸ:- “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ ከማስወካ እየ። . . . ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ . . . ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ ድቂ ከሎኹ ረአያኒ . . . ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።” (መዝሙር 139:​14–16) ሓደ ሕጻን ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ዀይኑ ብዘደንቕ መገዲ ኢዩ ዝዓቢ። እታ ኒውስዊክ እትበሃል መጽሔት ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ከምዚ በለት:- “እዝስ ተኣምራት ኢዩ ጥራይ ኢና ክንብል እንኽእል።” ወሲኻውን “ዝዀነ ይኹን ብልሓት ደቅሰብ ነታ ድቂ እተቘጽረትላ ግዜ ዝፈልጣ የልቦን። ነቲ ክፍሊ ኣካላት ናይቲ ጥንስን ነቲ በእላፋት ዝቑጸር ስርዓት መትንታቱን ንኸማዕብል: ዝቆጻጸሮ ዘገርም ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ክነግር ዝኽእል ዋላ ሓደ ሊቅ የለን።”

6. ካብ ብፍልቀት: ብፍጥረት ክንኣምን ትርጕም ዘለዎ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ብዛዕባ እዚ ዓቢ ኣድማስ ከምኡውን ኣካላትና ምስቲ ዘደንቕ ኣተሃናንጽኡን ንድፉን እሞ ሕሰቦ። ጥዑይ ኣተሓሳስባ እንተደኣ ኣልዩና: እዞም ነገራት እዚኣቶም ተመሓይሾም ወይ ብገዛእ ርእሶም ከም ዘይመጹ ኢዩ ዝነግረና። ብርግጽ ነዳፍን ፈጣርን ክህልዎም ኣለዎ። ኣብ ከባቢና ንርእዮ ካልእ ነገራት እስከ ንሕሰበሉ። ኣብ ቤትካ ምስ ኣቶኻ እስከ ንርእስኻ ከምዚ ኢልካ ተወከሳ:- እዚ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ሰደቓ: መብራህቲ: ዓራት: መንበር: ጣውላ: መንደቕን እታ ቤትውን ንርእሳ እናተመሓየሹ ዝመጹ ድዮም፧ ወይስ ሰራሒ ኣድልዩዎም ኢዩ፧ ብርግጽ ብልህታት ሰባት ሰሪሖሞም ክዀኑ ኣለዎም! ከመይ ኢሉ ደኣ ኢዩ እዚ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኣድማስናን ንሕናውን ገዛእ ርእስና ሰራሒ ኣየድለየናን ክበሃል ዝከኣል፧ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከም እንነብር ዝገበረ ኣምላኽ እንተደኣ ኰይኑ ኸኣ ከምኡ ምግባሩ ብርግጽ ምኽንያት ክህልዎ ኣለዎ።

7. (ሀ) የሱስ ብፍጥረት ከም ዝኣምን ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) ኣዳም ሰብ ኰይኑ ይነብር ከም ዝነበረኸ እንታይ ተወሳኺ መርትዖ ኣሎ፧

7 የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም: ድማ: ምእንትዚ ሰብኣይ ነቡኡን ነዲኡን ይሓድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ።” (ማቴዎስ 19:​4, 5) ኣብዚ የሱስ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:​27 ከምኡ ኸኣ 2:​24 ዘሎ ጸብጻብ ብዛዕባ ፍጥረት ናይ ኣዳምን ሄዋንን ጠቒሱ ይዛረብ ስለ ዝነበረ: እዚ ጸብጻብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሓቂ ከም ዝዀነ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። (ዮሃንስ 17:​17) መጽሓፍ ቅዱስ ንሄኖክውን “ሳብዓይ ካብ ኣዳም” ኢዩ ዝብሎ። (ይሁዳ 14 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ኣዳም ብርግጽ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ገይሩ ፈልዩን ኣነጺሩን ኣይምተዛረበሉን ነይሩ።​—⁠ሉቃስ 3:​37, 38

8. ብዛዕባ ኣጀማምራ ህላዌ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዝብል ርእይቶ ኢዩ ዘይምህር፧

8 ገለ ሰባት ኣምላኽ ንሰብ ናይ ፍልቀት መስርሕ ተጠቒሙ ኢዩ ፈጢርዎ ይብሉ። ኣምላኽ ንሰብ ክምሓየሽ ኣፍቀደሉ እሞ ኣብ ሓደ ውሱን ቅርጺ ምስ በጽሔ ነፍሲ ኣእትይሉ በሃልቲ ኢዮም። እዚ ሓሳብ እዚ ግን ፈጺሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣእዋምን እንስሳታትን ‘ከከም ዓይነቶም’ ከም እተፈጥሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና። (ዘፍጥረት 1:​11, 21, 24) ጭብጥታት ከም ዘመልክቶውን ሓደ ዓይነት ኦም ወይ እንስሳ ግዜ ምስ ሓለፈ ኣብ ካልእ ዓይነት ክልወጥ ከቶ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ብፍልቀት ከም ዘይመጻእና ዘረጋግጽ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብታ “ህይወት​—⁠ብኸመይ መጺኡ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧” እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣምላኽ ንሰብ ብኸመይ ከም ዝፈጠሮ

9. (ሀ) ከመይ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣፈጣጥራ ሰብ ዝገልጾ፧ (ለ) ኣምላኽ ንሰብ “ትንፋስ ህይወት” ኣብ ኣፍንጫኡ ኡፍ ምስ በለሉ እንታይ ኰነ፧

9 ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ምድሪ ክነብር ካብ ሓመድ ምድሪ ከም ዝፈጠሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከዘንቱ ኸሎ ከምዚ ይብለና:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” (ዘፍጥረት 2:​7) ካብዚ ሰብ ብቐጥታ ብኣምላኽ ከም እተፈጥረ ኢና እንርዳእ። ብሓደ ፍልይ ዝበለ ኣፈጣጥራ ገይሩ ድማ: ኣምላኽ ንሰብ ምሉእን ፍጹምን ገበሮ። ኣምላኽ ንኣዳም “ትንፋስ ህይወት” ኡፍ ምስ በለሉ ሳናብኡ ኣየር መልአ። ይኹን እምበር እቲ እተፈጸመ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ንኣካላት ሰብ ህይወት ሃቦ። እዚ ሓይሊ ህይወት እዚ ድማ ክጸንዕ ወይ ከኣ ክቕጽል ዝኽእል ብምስትንፋስ ኢዩ።

10. ነፍሲ ሰብ እንታይ ኢያ: ከመይ ኢላኸ ተፈጥረት፧

10 ይኹን ደኣምበር: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንሰብ ነፍሲ ሃቦ ከም ዘይብል ተመልከት። ኣብ ክንድኡ ግን ኣምላኽ ንሰብ ከም ዘስተንፍስ ምስ ገበሮ “ህያው ነፍሲነ” ኢዩ ዝብል። ስለዚ እምበኣር ልክዕ ከምቲ ሓደ መዓርግ ናይ ሕክምና እተቐበለ ሰብ ሓኪም ዝኸውን እቲ ሰብ ከኣ ነፍሲ ዀነ። (1 ቈረንቶስ 15:​45) እቲ ካብኡ ኣካል ሰብ እተጠፍጠፈሉ “ሓመድ ምድሪ” ነፍሲ ኣይኰነን። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ትንፋስ ህይወት” ነፍሲ ኣይብሎን ኢዩ። የግዳ መጽሓፍ ቅዱስ ብምውህሃድ ናይዚ ክልቲኡ ነገራት እዚ: እቲ ሰብ ‘ህያው ነፍሲ ከም ዝነ’ ይነግረና።

11. እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖታት ኢዩ: ነፍሲ ሰብ ሓንቲ ጽላሎታዊት ነገር ኰይና ካብ ሰብ ተፈልያ እትነብር ከም ዘይኰነት ዘርእየና፧

11 እታ ነፍሲ እትበሃል እቲ ሰብ ባዕሉ ካብ ኰነ እምበኣር: እታ ነፍሲ ተባሂላ ዘላ ሓንቲ ከም ጽላሎታዊት ነገር ኰይና ኣብ ውሽጢ ኣካላት እትነብር ወይ ከኣ ወጺኣ እትኸይድ ኣይኰነትን። ብሓጺሩ መጽሓፍ ቅዱስ ነብስኻ ማለት ንስኻ ከም ዝዀንካ ኢዩ ዝምህር። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ስጋዊ መግቢ ክትበልዕ ከም እትብህግ ከምዚ ብምባል ይዛረብ:- “ነፍስኻውን ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሃገት።” (ዘዳግም 12:​20) ከምኡውን ነፍሳት ብመትንታት ኣቢሉ ዝዘዋወር ደም ከም ዘለዎም ክዛረብ ከሎ “ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት [ነፍሳት ትሓዓ ]” ይብል።​—⁠ኤርምያስ 2:​34

ኣምላኽ ንሰብ ስለምንታይ ኣብ ምድሪ ከም ዘንበሮ

12. ዕላማ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣብ ምድሪ እንታይ ነበረ፧

12 ኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ክሞቱ እሞ ኣብ ካልእ ቦታ ግዒዞም ክነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። ንምድርን ንዅሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ህያው ነገራትን ክኣልዩ ኣብኣ ክነብሩ ነበሮም። መጽሓፍ ቅዱስውን “ኣምላኽ ከኣ ባረዀም። ኣምላኽ ድማ: ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” ከም ዝበሎም ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:​28፣ 2:​15 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ኣዳምን ሄዋንን ከምኡውን ኵሎም እቶም ክፈርዩዎም ዝነበሮም ደቆምን እቲ ኣምላኽ ክገብርዎ ዝኣዘዞም እናገበሩ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ተሓጒሶም ክነብሩ ምኸኣሉ ነይሮም።

13. (ሀ) ክንሕጐስ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧ (ለ) ንህይወትና ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

13 ‘ኣምላኽ ከም ዝባረኾም ’ ኣስተብህለሉ። ብሓቂ ነቶም ምድራውያን ደቁ ይሓልየሎም ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ከም ፈቃር ኣቦ መጠን ንሰናዮም ዝኸውን መምርሒታት ሃቦም። ነዞም መምርሒታት እዚኦም ተኣዚዞም እንተዝዀኑ: ሓጐስ ምረኸቡ ነይሮም። የሱስ ነዚ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ እኳ “ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም” በለ። (ሉቃስ 11:​28) የሱስ ንቓል ኣምላኽ ሓልዩዎ ኢዩ። ስለዚ እኳ ደኣ ኢዩ “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” ዝበለ። (ዮሃንስ 8:​29) ኣብ ምድሪ ናይ ምንባርና ቀንዲ ምኽንያት እዚ ኢዩ። ብፍቓድ ኣምላኽ እናተመላለስና ምሉእን ሕጉስን ህይወት ምሕላፍ ኢዩ። ሎሚ ንየሆዋ ነገልግሎ እንተደኣ ኣሊናስ ህይወትና ትርጕም ዘለዎ ክኸውን ኢዩ። ከምኡ ብምግባርና እውን ኣብ መንጎ እቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንምንባር ተሰሪዖም ዘለዉ ክንከውን ኢና።​—⁠መዝሙር 37:​11, 29

ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧

14. ኣዳምን ሄዋንን ንትእዛዝ ኣምላኽ ብዘይምእዛዞም እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧

14 ሕጂ ግን ኵልና ንኣርግን ንመውትን ኢና ዘሎና። ስለምንታይ ኰን ይኸውን፧ ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም እተገልጸ ብሰንኪ ዕልወት ናይ ኣዳምን ሄዋንን ኢዩ። ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዘድልዮም ንኸርኢ የሆዋ ሓደ ፈተና ኣብ ቅድሚኦም ኣንቢሩሎም ነበረ። ንኣዳም ከምዚ በሎ:- “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ: ኢሉ ኣዘዞ።” (ዘፍጥረት 2:​16, 17) ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ፍረ ኦም ብምብልዖም ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝባኖም ሂቦም ንመሪሕነቱ ነጸግዎ። ኣይተኣዘዙን: ዘይብጽሖምውን ወሰዱ። ተሓጒሶም: ድኽነትን ስቓይን ከይርኣዩ: ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ምኸኣሉ ነይሮም: ሕጂ ግን ኣብ ገዛእ ርእሶም መቕጻዕቲ ሓጢኣት ኣውረዱ። እዚ መቕጻዕቲ እዚ ኸኣ ዘይፍጽምናን ሞትን ኢዩ።​—⁠ሮሜ 6:​23

15. ብኸመይ ኢና ካብ ኣዳም ሓጢኣት ዝወረስና፧

15 ሓጢኣት ካብ ኣዳም ከመይ ኢልና ከም ዝወረስናዮ ትፈልጥዶ፧ ኣዳም ንርእሱ ዘይፍጹም ምስ ኰነ ንዅሎም ደቁውን ዘይፍጽምናን ሞትን ኣተሓላለፈሎም። (እዮብ 14:​4፣ ሮሜ 5:​12) ነዚ ኵነታት እዚ ንኽትርድኦ ሓደ ሰንካቲ ኣብ ጠምቧቕ ባዴላ ቅጫ ምስ ዝስንክት እንታይ ከም ዝኸውን ሕሰብ። ኵሉ እቲ ኣብዛ ባዴላ ዝበሰለ ዘበለ ቅጫ ምልክት ሒዙ ኢዩ ዝወጽእ። ኣዳም ከምቲ ባዴላ ኰነ: ንሕናውን ከምቲ ቅጫ። ሕጊ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ዘይፍጽምና ከኣ ምስ ለበሰ: ሓደ ጠምቧቕ ወይ ሕማቕ ምልክት ከም እተቐበለ ኰነ። ስለዚ ደቂ ምስ ወለደ ኸኣ ኵሎም ከምቲ ናቱ ምልክት ናይ ሓጢኣት ወይ ከኣ ዘይፍጽምና ተቐበሉ።

16, 17. ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓደ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራታት ሕማም ንሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት ከም ዝመጾም ዘርኢ፧

16 ሎሚ ብሰንኪ እቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኵልና ንሓምምን ንኣርግን ኣሎና። ሓደ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራታትውን እዚ ኢዩ ዘርኢ። ሓደ ግዜ የሱስ ኣብታ ዝነበረላ ቤት ኰይኑ ክምህር ከሎ: ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ስለ ዝነበሩ ሓደ እኳ ይኹን ተደፋፊኡ ናብታ ክፍሊ ክኣቱ ዝኽእል ኣይነበረን። ኣርባዕተ ሰብኡት ብቓሬዛ ዝጾርዎ መጻጕዕ ሒዞም ምስ መጹ እሞ ክኣትዉ ከም ዘይክእሉ ምስ ተገንዘቡ: ናብ ናሕሲ እታ ዝነበረላ ቤት ደይቦም: ብላዕሊ ኣፍሪሶም: ነታ እቲ መጻጕዕ ዘለዋ ቃሬዛ ኣብ እግሪ የሱስ ኣውረድዋ።

17 የሱስ ከኣ እምነቶም ርእዩ ነቲ መጻጕዕ:- “ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ” በሎ። ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ግን የሱስ ሓጢኣት ክሓድግ ዝከኣሎ ኣይመሰሎምን። ቀጺሉ እቲ ጽሑፍ “ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ነቲ መጻጕዕ: ንኣኻ እብለካ አሎኹ: ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ: በሎ። ብኡብኡ ተንሲኡ: ዓራቱ ኣልዒሉ: ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ” ይብል።​—⁠ማርቆስ 2:​1–12

18. ንኸመይ ዝበለ መጻኢ ኢዮም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ፧

18 እቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ሓይሊ ንኣና ከመይ ዝበለ ትርጕም ከም ዘለዎ እሞ ኣስተብህለሉ! ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ: ክርስቶስ ናይ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎን ዘገልግልዎን ሰባት ሓጢኣት ክሓድገሎም ክኽእል ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ቃንዛን ስቓይን ሕማምን ዘበለ ዅሉ ክጠፍእ ኢዩ። ሓደ እኳ ዝኣርግን ዝመውትን የልቦን! እዝስ ንመጻኢ ከመይ ዝበለ ዘገርም ተስፋ ኢዩ! እወ: ካብቲ ተወሊድካ ንሓጺር ግዜ ነይርካ ድሕሪኡ ኸኣ ሙማት ዝበልጽ ተስፋ ኢና እንጽበ ዘሎና። ብዛዕባ ኣምላኽ ምምሃር ብምቕጻልናን ንዕኡ ብምግልጋልናን ብሓቂ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ንኽእል ኢና።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 69 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ብዛዕባ ትርጕም ናይ ህይወት ይግረሙ

[ኣብ ገጽ 70 ዘሎ ስእሊ]

እዞም ነገራት እዚኣቶም ፈሊቖም ድዮም: ወይስ ተሰሪሖም፧

[ኣብ ገጽ 75 ዘሎ ስእሊ]

እቲ የሱስ ንሓደ መጻጉዕ ምሕዋዩ ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ብሰንኪ ሓጢ​ኣት ኣዳም ይሓሙ ከም ዘለው ኢዩ ዝሕብር