ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትሕቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዲና፧

ኣብ ትሕቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዲና፧

ምዕራፍ 24

ኣብ ትሕቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዲና፧

1. ሙሴ ነቲ ህዝቢ እንታይ ሕጊ ኢዩ ዘተሓላለፈሉ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ንኸመይ ዝበለ ሕግታት ኢዩ ክንእዘዝ ዝደልየና፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሕጊ ሙሴ” ወይ ከኣ ሓድሓደ ግዜ “ሕጊ” ዝብሎ ክንእዘዝዶ ይግብኣና ኢዩ፧ (1 ነገስት 2:​3፣ ቲቶስ 3:​9) ኣምላኽ ባዕሉ ዝሃቦ ስለ ዝዀነ “ሕጊ እግዚኣብሄር” እውን ይበሃል ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 16:​40) ሙሴ ነቲ ሕጊ ናብ ህዝቢ ኣተሓላሊፍዎ ጥራይ ኢዩ።

2. እዚ ሕጊ እዚ ብምንታይ ዝቘመ ኢዩ፧

2 ሕጊ ሙሴ ነተን ቀንዲ 10 ትእዛዛት እውን ሓዊስካ ልዕሊ 600 ሕግታት ወይ ትእዛዛት ዝሓዘ ኢዩ። ከምቲ ሙሴ “እቲ [የሆዋ] ኽትገብርዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳኑ: ዓሰርተ ቓላት ድማ ገለጸልኩም። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸሓፎ” ዝበሎ ኢዩ። (ዘዳግም 4:​13፣ ዘጸኣት 31:​18) የሆዋ እዚ ሕጊ እዚ: ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት እውን ሓዊስካ: ንመን ኢዩ ዝሃቦ፧ ንዅሎም ደቅሰብዶ ኢዩ ዝሃቦም፧ ዕላማ ናይቲ ሕጊኸ እንታይ ነበረ፧

ንሓደ ፍሉይ ዕላማ ንህዝቢ እስራኤል ተዋህበ

3. እቲ ሕጊ ንህዝቢ እስራኤል ጥራይ ተዋሂቡ ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

3 እቲ ሕጊ ንዅሎም ደቅሰብ እተዋህበ ኣይኰነን። የሆዋ ምስቶም ዘርኢ ያእ⁠ቆብ ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል ኪዳን ወይ ስምምዕ ገይሩ ነበረ። የሆዋ ሕግታቱ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ጥራይ ኢዩ ሂቡዎም ዝነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣብ ዘዳግም 5:​1–3 ከምኡውን ኣብ መዝሙር 147:​19, 20 ብንጹር ይገ⁠ልጾ።

4. እቲ ሕጊ ንህዝቢ እስራኤል እተዋህበ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧” ኢሉ ይሓትት። እወ: ንምንታይ ዕላማ ኢሉ ኢዩ የሆዋ ሕጉ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም፧ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምልሸሉ:- “ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ፣ እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ . . . ተሓገገ . . . ስለዚ ኸኣ . . . ናብ ክርስቶስ ከብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና [ወይ መምህርና] ዀነ።” (ገላትያ 3:​19–24) እቲ ፍሉይ ዕላማ ናይቲ ሕጊ ክርስቶስ ክመጽእ ከሎ ህዝቢ እስራኤል ተዳልዮም ጸኒሖም ምእንቲ ክቕበልዎስ ዑቕባን መራሕን ንኽዀኖም ኢዩ። እቲ ኣብ ሕጊ ዝነበረ ብዙሕ መስዋእትታት እስራኤላውያን ሓጢኣተኛታት ከም ዝነበሩ እሞ ካብ ሓጢኣቶም ዘናግፎም መድሓኒ ከም ዘድልዮም የዘኻኽሮም ነበረ።​—⁠እብራውያን 10:​1–4

“ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ ኢዩ”

5. ክርስቶስ መጺኡ ምእንታናውን ምስ ሞተ እቲ ሕጊ እንታይ ኰነ፧

5 ከምቲ እቲ መልኣኽ ኣብ ግዜ ምውላዱ ዝኣወጆ: የሱስ ክርስቶስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መድሓኒ ኢዩ። (ሉቃስ 2:​8–14) ስለዚ ክርስቶስ ምስ መጸ እሞ: ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ንመስዋእቲ ምስ ሃበኸ እቲ ሕጊ እንታይ ኰነ፧ ኣልጊሱ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ” ኣይኰንናን ኢሉ ገሊጹዎ ኣሎ። (ገላትያ 3:​25) እቲ ሕጊ ብምልጋሱ ንእስራኤላውያን እፎይታ ኢዩ ነይሩ። ኵላቶም ነቲ ሕጊ ብምሉኡ ክሕልውዎ ብዘይምኽኣሎም ሓጢኣተኛታት ከም ዝዀኑ ኣርእይዎ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ክርስቶስ . . . ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና” በለ። (ገላትያ 3:​10–14) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስቶስ “መደምደምታ ሕጊ እዩ” ይብሎ።​—⁠ሮሜ 10:​4፣ 6:​14

6. (ሀ) እቲ ሕጊ ምስ ተሳዕረኸ ነቶም እስራኤላውያንን ዘይእስራኤላውያንን እንታይ ኣምጽኣሎም: ስለምንታይከ፧ (ለ) የሆዋ ኣምላኽከ ኣብቲ ሕጊ እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧

6 እቲ ሕጊ ኣብ ሞንጎ እስራኤላውያንን ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘይነበሩ ካልኦት ኣህዛብን ከም ሓጹር ወይ “ቐጽሪ” ዀይኑ ፈልዩዎም ነበረ። ክርስቶስ ህይወቱ ብምስዋእ “ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ: ካብዞም ክልተ [እስራኤላውያንን ዘይእስራኤላውያንን] ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር: ነቲ . . . ሕጊ ትእዛዝ” ሰዓሮ። (ኤፌሶን 2:​11–18) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ንሕጊ ሙሴ ብዝምልከት ዝገበሮ ድማ ከምዚ ነንብብ:- “ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ . . . ነቲ ብሕግታት [ዓሰርተ ትእዛዛትውን ሓዊስካ] ዚቃወመናን ዚበአሰናን ዝነበረ [ንእስራኤላውያን ብሓጢኣቶም ይዅንኖም ስለ ዝነበረ] ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ: ንእኡ ኣብ [ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ ትሓዓ ] ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።” (ቈሎሴ 2:​13,14) ስለዚ በቲ ፍጹም መስዋእቲ ክርስቶስ እቲ ሕጊ ኣብ መደምደምታ በጽሐ።

7, 8. እቲ ሕጊ ኣብ ክልተ እተኸፍለ ከም ዘይነበረ እንታይ የረጋግጸልና፧

7 ገሊኦም ሰባት ግን እቲ ሕጊ ኣብ ክልተ ኢዩ ዝኽፈል ይብሉ:- ዓሰርተ ትእዛዛትን እቲ ኻልእ ሕግታትን። እቲ እተሳዕረ ሕጊ ኸኣ እቲ ኻልእ ሕግታት ደኣ ኢዩ እምበር እቲ ዓሰርተ ትእዛዛትሲ ጌና ይትግበር ኢዩ ዘሎ ይብሉ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኰነን። የሱስ ኣብቲ ናይ ኸረን ዝርርቡ ካብ ክልቲኡ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛትን እቲ ኻልእ ሕግታትን ብምጥቃስ ከይፈላለየ ኢዩ ዝዛረብ ዝነበረ። በዚ ኸምዚ የሱስ ሕጊ ሙሴ ኣብ ክልተ እተኸፍለ ከም ዘይኰነ ኣርኣየ።​—⁠ማቴዎስ 5:​21–42

8 ሃዋርያ ጳውሎስውን ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ “ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ . . . ተፈታሕና ” ኢሉ ጸሓፈ። እሞ ኣይሁድ ደኣ ካብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዘይኰነስ ካብቲ ካልእ ሕግታት ኢዮም ተፈቲሖም ማለት ድዩ፧ ያእ ኣይፋሎምን። ምኽንያቱ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ቀጺሉ “ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ: ኣይትመነ: እንተ ዘይብልሲ: ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ” ይብል። (ሮሜ 7:​6, 7፣ ዘጸኣት 20:17) እታ “ኣይትመነ” እትብል እታ መወዳእታ ክፍሊ ናይተን ዓሰርተ ትእዛዛት ስለ ዝዀነት እስራኤላውያን ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛትውን ከም እተፈትሑ ግሁድ ኢዩ።

9. እቲ ኣብ ሰሙን ሰሙን ዝኽበር ዝነበረ ሕጊ ናይ ሻብዐይቲ መዓልቲ ከም ዝተረፈ እንታይ የረድኣና፧

9 እታ ኣብ ሰሙን ሰሙን ነታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ቀድሳ ዝብል ኣብ ራብዓይ መስርዕ ናይተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዝርከብ ሕጊ ተሪፉ ማለት ድዩ፧ እወ ተሪፉ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ኣብ ገላትያ 4:​8–11 ከምኡ ኸኣ ኣብ ቈሎሴ 2:​16, 17 ዘሎ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ንደቂ እስራኤል ኣብ ሰሙን ሰሙን ሻብዐይቲ መዓልቲ ከኽብሩ ከምኡውን ኣብ ዓመት–ዓመት ፍሉያት መዓልትታት ከብዕሉ ብኣምላኽ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ሕጊ ከም ዘይኰኑ ይገልጸልና። ክርስትያን ኣብ ሰሙን ሰሙን ሻብዐይቲ መዓልቲ ከኽብሩ ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ኣብ ሮሜ 14:​5 ተገሊጹልና ኣሎ።

ንክርስትያናት ዝምልከት ሕግታት

10. (ሀ) ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ሕጊ ኢዮም ዘለዉ፧ (ለ) ሓያለይ ካብዚ ሕጊ እዚኸ ካበይ እተወስደ ኢዩ: ካብኡ ክውሰድ ምኽንያታዊ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 እዚ ማለትከ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ካብ ዘይኰኑ ንኻልእ ሕግታትውን ከኽብሩ የብሎምን ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። የሱስ ኣብቲ ዝሐሸ መስዋእቲ ናይታ ፍጽምቲ ህይወቱ እተመስረተ “ሓድሽ ኪዳን” ሰሪዑ ኢዩ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እዚ ሓድሽ ኪዳን’ዚ ኢዮም: ብክርስትያናዊ ሕግታት ድማ ይግዝኡ። (እብራውያን 8:​7–13፣ ሉቃስ 22:​20) ሓያለይ ናይዚ ሕጊ እዚ ድማ ካብቲ ሕጊ ሙሴ እተወስደ ኢዩ። እዚ ኸኣ ዘይንጽበዮን ዘይልሙድን ኣይኰነን። ሓደ ሓድሽ መንግስቲ ሃገር ከመሓድር ከሎ ተመሳሳሊ ነገር ይፍጸም። እቲ ናይ ቅድም ቅዋም ተደምሲሱ ሓድሽ ቅዋም ክትካእ ኣለዎ። እቲ ሓድሽ ቅዋም ንርእሱውን ብዙሕ ሕግታት ናይቲ ቀዳማይ ቅዋም ክወስድ ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ እቲ ሕጊ ኪዳን ኣቋሪጹ እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኡ ካብቲ መሰረታዊ ሕግታቱን ስርዓታቱን ኣብ ክርስትና ኣትዩ ኢዩ።

11. እንታይ ንክርስትያናት እተዋህቦም ሕግታት ወይ ትምህርቲ ኢዩ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝመሳሰል፧

11 እዚ ድማ ነተን ኣብ ገጽ 203 ተጠቒሰን ዘለዋ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣንቢብካ ምስቲ ቀጺሉ ዘሎ ክርስትያናዊ ሕግታትን ትምህርትን ብምንጽጻር ከመይ ከም ዝዀነ ኣስተብህለሉ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ።” (ማቴዎስ 4:​10፣ 1 ቈረንቶስ 10:​20–22) “ካብ ጣኦታት ተሓለዉ።” (1 ዮሃንስ 5:​21፣ 1 ቈረንቶስ 10:​14) “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ [ብኸንቱ ኣይለዓል]” (ማቴዎስ 6:​9) “ኣቱም ውሉድ . . . ንወለድኹም . . . ተኣዘዝዎም።” (ኤፌሶን 6:​1, 2) ብዘይዚውን ቅትለት: ዝሙት: ስርቂ: ሓሶትን ክፉእ ትምኒትን ኣንጻር ክርስትያናዊ ሕግታት ምዃኖምውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይገልጸልና።​—⁠ራእይ 21:​8፣ 1 ዮሃንስ 3:​15፣ እብራውያን 13:​4፣ 1 ተሰሎንቄ 4:​3–7፣ ኤፌሶን 4:​25, 28፣ 1 ቈረንቶስ 6:​9–11፣ ሉቃስ 12:​15፣ ቈሎሴ 3:​5

12. ቁም ነገር ሕጊ ናይ ሻብዐይቲ መዓልቲ ብኸመይ ኢዩ ኣብ ክርስትያናዊ ስርዓት ተሳጊሩ ዘሎ፧

12 ምንም እኳ ክርስትያናት ኣብ ሰሰሙን ነታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ከኽብሩ ዝግድዶም ሕጊ ዘይብሎም እንተዀኑ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕጊ ግን እንማሃሮ ነገራት ኣሎ። እስራኤላውያን በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ስጋዊ ድኻሞም የዕርፉላ ነበሩ: ክርስትያናት ግን ብመንፈሳዊ መገዲ የዕርፉ። ከመይ ገይሮም፧ ሓቀኛታት ክርስትያናት እሙናትን ተኣዘዝትን ብምዃኖም ካብ ስሱዕ ዕዮታቶም ይዓርፉ ኢዮም። እዚ ስሱዕ ዕዮታት ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ጽድቂ ንምቛም ዝገብርዎ ጻዕሪ የጠቓልል። (እብራውያን 4:​10) እዚ መንፈሳዊ ዕረፍቲ እዚ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብምሉአን እተን ሾብዓተ መዓልትታት ኢዩ ዝርአ። ቃል ብቓሉ ሕጊ ሰንበት ማለት ሓንቲ መዓልቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ብምፍላይ: እስራኤላውያን ኵሉ ግዜኦም ብስስዐ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ጥራይ ምእንቲ ከየውዕልዎ ሓገዞም። ነዚ ስርዓት’ዚ በየዕለቱ ብመንፈሳዊ መገዲ ትሕልዎ እንተ ደኣ ኴንካ ኸኣ ካብ ፍቕረ–ንዋይ ብዝበለጸ ይከላኸለልካ ኢዩ።

13. (ሀ) ክርስትያናት ነየናይ ሕጊ ክፍጽሙ ኢዮም ተኣዚዞም ዘለዉ: ብኸመይከ ኢዮም ዝፍጽምዎ፧ (ለ) የሱስ ኣጥቢቑ እተዛረበሉ ሕጊ እንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ናይ ብምሉኡ ሕጊ ሙሴ መሰረት ኣየነይቲ ሕጊ ኢያ፧

13 ስለዚ ክርስትያናት ዓሰርተ ትእዛዛት ክሕልዉ ዘይኰነስ “ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ” ኢዩ ተባሂሉሎም። (ገላትያ 6:​2) የሱስ ሓያለይ ትእዛዛትን መምርሒታትን ኢዩ ሂቡ: ብምእዛዝና ኸኣ ሕጉ ንሕሉ ወይ ንፍጽም ኣሎና ማለት ኢዩ። ብሕልፊውን የሱስ ኣድላይነት ናይ ፍቕሪ ኣጥቢቑ ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:​36–40፣ ዮሃንስ 13:​34, 35) እወ: ንኻልኦት ምፍቃር ክርስትያናዊ ሕጊ ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ፍቕሪ መሰረት ናይ ብምሉኡ ሕጊ ሙሴ ኢዩ:- “ኵሉ እቲ ሕጊ: ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር: ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።”​—⁠ገላትያ 5:​13, 14፣ ሮሜ 13:​8–10

14. (ሀ) ንስርዓት ሕጊ ሙሴ መርሚርና ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ንረክብ፧ (ለ) ፍቕሪ እንታይ ንኽንገብር እያ እትድርኸና፧

14 እቲ ብሙሴ ገይሩ እተዋህበ ሕጊ: ምስ ዓሰርተ ትእዛዛቱ ሓዊስካ: ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ጻድቕ ሕግታት ኢዩ ነይሩ። ምንም እኳ ሎሚ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕግታት እቲ እንተ ዘይኰንና: ትሕዝቶ ናይቲ መለኮታዊ ስርዓታቱ ግን ሕጂውን እንተዀነ ዓቢ ጥቕሚ ኢዩ ዝህበና። ነዚ ስርዓታት’ዚ መርሚርና ኣብ ግብሪ እንተደኣ ኣውዒልናዮ እውን ነቲ ወሃብ ሕጊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሞሳና ብዝያዳ ክንገልጸሉ ኢና። ብሕልፊ ግን ነቲ ክርስትያናዊ ሕግታት ኢና ከነጽንዖን ኣብ ናብራና ከነውዕሎን ዝግብኣና። እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ድማ ንዅሉ እቲ ክንሕልዎ ዝደልየና ነገራት ንምእዛዙ ክደርኸና ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:​3

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 203 ዘሎ ሳጹን]

እተን ዓሰርተ ትእዛዛት

1. “ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።

2. “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ: ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። . . .

3. “ስም [የሆዋ ትሓዓ ] ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።

4. “መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሽዱሽተ መዓልቲ ዕየ፣ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን . . . ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ።

5. “ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ: ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

6. “ኣይትቕተል።

7. “ኣይትዘሙ።

8. “ኣይትስረቕ።

9. “ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።

10. “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ [ኣይትቕናእ]። ሰበይቲ ብጻይካ: ግዝኡ: ግዝእቱ: ብዕራዩ: ኣድጉ: ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ [ኣይትቕናእ]።”​— ዘጸኣት 20:2–17

[ኣብ ገጽ 204, 205 ዘሎ ስእልታት]

እቲ ሕጊ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን እቶም ካልኦት ህዝብን ከም ቀጽሪ ኰይኑ ዓየየ።