ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ንሓድሕድና ብፍቕሪ ምምልላስ

ኣብ ንሓድሕድና ብፍቕሪ ምምልላስ

ምዕራፍ 28

ኣብ ንሓድሕድና ብፍቕሪ ምምልላስ

1. (ሀ) ከመይ ገይርካ ኢኻ ኣባል ናይታ ማሕበር ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል፧ (ለ) ድሕሪዚኸ ነየናይ ትእዛዝ ኢኻ ክትእዘዝ ዘሎካ፧

 እቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማኡን ዘሎካ ፍልጠትን ሞሳን እናዓበየ ብዝኸደ መጠን: ምስቶም ከምቲ ናትካ እምነትን ተስፋን ዘለዎም ሰባት ኢኻ ብዘይምቁራጽ ክትሓብር እትፈቱ። ከምኡ ብምግባርካ ድማ ክፍሊ ናይታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ: ብሓቀኛ ክርስትያናዊ ሕውነት ዝቘመት ክትከውን ኢኻ። ድሕር’ዚ ድማ እቲ “ሕውነት ኣፍቅሩ” ዝብል ክትእዘዞ ዝግብኣካ ሕጊ ይኸውን።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:​17፣ 5:​8, 9

2. (ሀ) የሱስ ከመይ ዝበለ ሓድሽ ትእዛዝ ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም፧ (ለ) እተን “ንሓድሕድኩም” ከምኡውን “ኣብ መንጐኹም” ዝብላ ቃላት ብግልጺ እንታይ ኢየን ዘረድኣ፧ (ሐ) ፍቕሪ ክትህልወካስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ ኢዩ፧

2 የሱስ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ኣጕልሐ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: . . . ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። [ኣብ መንጐኹም ትሓዓ] ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” (ዮሃንስ 13:​34, 35) እተን “ንሓድሕድኩም” ከምኡውን “ኣብ መንጐኹም” ዝብላ ቃላት ኵሎም እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ሓደ ጕጅለ ወይ ድማ ኣብ ሓንቲ ማሕበር ክጥርነፉ ከም ዘለዎም ዘመልክት ኢዩ። (ሮሜ 12:​5፣ ኤፌሶን 4:​25) እዛ ማሕበር እዚኣ ኸኣ በቲ ኣባላታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘርእይዎ ፍቕሪ ኢያ እትልለ። ሰብ ፍቕሪ ዘይብሉ እንተደኣ ዀይኑስ ካልእ ኵሉ ከንቱ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:​1–3

3. ከመይ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ኣሕዋትና ከነፍቅሮምን ክንሓልየሎምን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣርዝን ኣቢሉ ዝገልጾ፧

3 በዚ ድማ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያን “ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።” “ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” “ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ” “ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተደናገጽትን [ኵኑ]።” “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ።” “ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም: ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።” “ንሓድሕድኩም ብሰላም ንበሩ።” “ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም” ዝበል መዘኻኸሪታት ወርትግ ይወሃቦም ነበረ።​—⁠ሮሜ 12:​10፣ 15:​7፣ ገላትያ 5:​13፣ ኤፌሶን 4:​32፣ ቈሎሴ 3:​13, 14፣ 1 ተሰሎንቄ 5:​11, 13፣ 1 ጴጥሮስ 4:​8፣ 1 ዮሃንስ 3:23፣ 4:7, 11

4. (ሀ) ክርስትያናት ‘ንሓድሕዶም’ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦትውን ከፍቅሩ ከም ዘለዎም እንታይ የርኢ፧ (ለ) ክርስትያናት ብሕልፊ ንመን ኢዮም ከፍቅሩ ዘለዎም፧

4 እንተዀነ ግን እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቶም ኣብታ ማሕበር ኣምላኽ ዘለዉ ኣመንቲ ብጾቶም ጥራይ ከፍቅሩ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ንኻልኦት ሰባትውን ከፍቅሩ ይግብኦም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንሓድሕድኩምን ንዅሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩም’ ኢሉ ኢዩ ዝላቦ። (1 ተሰሎንቄ 3:​12፣ 5:​15) ሚዛናዊ ዝዀነ ርእይቶ ብምሃብ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።” (ገላትያ 6:​10 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) ስለዚ እምበኣር: ክርስትያናት ንዅሉ ሰብ ንጸላእቶምውን ከይተረፈ ከፍቅሩ እኳ እንተ ኣለዎም: ብሕልፊ ግና ነቶም ኣመንቲ ብጾቶም ኣባላት ናይታ ማሕበር ኣምላኽ ዝዀኑ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ከፍቅርዎም ይግባእ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠44

5. እቶም ቀዳሞት ኰነ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብፍቕሮም ብኸመይ ተፈልጡ፧

5 ቀዳሞት ክርስትያናት በቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ፍቕሪ ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም። ተርቱሊያን እቲ ኣብቲ ኻልኣይ ዘበን ዝነበረ ጸሓፊ: ሰባት ብዛዕባኦም እንታይ ይብሉ ከም ዝነበሩ ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል:- ‘ክሳዕ ክንደይ ንሓድሕዶም ከም ዝፋቐሩ: ከምኡውን ኣብ ክንዲ ሓድሕዶም ክሞቱ ክሳዕ ክንደይ ቅሩባት ምዃኖም እሞ ርኣይዎም!’ ሎሚውን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኣብ ሞንጎ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይርአ ኣሎ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣብ ሞንጎ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግድላት ወይ ጸገማት ከቶ ኣይፍጠርን ኢዩ ማለት ድዩ፧

ዘይፍጽምና ዘምጽኦ ሳዕቤን

6. እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናትውን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ንሓድሕዶም ዝበዳደሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

6 ካብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስካ ኵልና ኻብቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ዘይፍጽምና ከም ዝወረስና ተረዲእካ ኢኻ። (ሮሜ 5:​12) ስለዚውን ጌጋ ንምፍጻም ዝንባሌ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ይብል። (ያእቆብ 3:2፣ ሮሜ 3:23) ስለዚ ኣባላት ናይታ ማሕበር ኣምላኽውን ከይተረፉ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ ሓድሓደ ግዜ ከም ዝጋገዩ ክትፈልጥ ይግባእ። እዚ ኣብ ሞንጎ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ሽግርን ጸገምን ክፈጥር ይኽእል።

7. (ሀ) ኤዎድያን ስንጥኬን “ሓሳበን ሓንቲ ክትከውን” እተነግረን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብመሰረቱ እዚኣተን ደገኛታት ክርስትያናት ከም ዝነበራ እንታይ የረድኣና፧

7 ኣብታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ቀዳመይቲ ጉባኤ ዝነበራ ኤዎድያን ስንጥኬን እተባህላ ኣንስቲ: ኣብ ሞንጎአን ዝነበረ ኵነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን ንኤዎድያ እምዕድ: ንስንጥኬውን እምዕድ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። ስለምንታይ ኰን ይኸውን ጳውሎስ ነዘን ክልተ ኣንስቲ “ሓሳበን ሓንቲ ኽትከውን” ኢሉ ዘተባብዐን፧ ኣብ መንጎአን ገለ ሽግር ከም ዝነበረ ግልጺ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝነበረ ኣይነግረናን ኢዩ። ምናልባት ኣብ ሓድሕደን ተቐናኒአን ነይረን ክዀና ይኽእላ። እንተዀነ ግና: ብመሰረቱ ሕያዎት ኣንስቲ ኢየን ነይረን። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምስ ጳውሎስ መተዓይይቲ ኰይነን ቅድሚ ምክፋለን ንገለ ግዜ ክርስትያናት ነይረን ኢየን። ስለዚ ድማ ኢዩ “መዓይይተይንን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዐራ እየን” እሞ ደግፉወን ኢሉ ዝጸሓፈ።​—⁠ፊልጲ 4:​1-3

8. (ሀ) ኣብ ሞንጎ ጳውሎስን ባርናባስን እተላዕለ ዘይምቅዳው እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብኡ ነይርካ እንተ ትኸውን እሞ እቲ ባእሲ እንተ ትርእዮ እንታይ ኢልካ ምደምደምካ፧

8 ሓደ ግዜውን ኣብ ሞንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን እቲ መጋይሽቱ ዝነበረ ባርናባስን ሽግር ተላዒሉ ነበረ። ኣብቲ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ክብገሱ ኸለዉ ባርናባስ ንማርቆስ ወዲ ሓወቦኡ ኽማልኦ ደለየ። ጳውሎስ ግን ማርቆስ ኣብቲ ቐዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ገዲፍዎም ንቤቱ ስለ እተመልሰ ኣብዛ ኻልኣይቲ መገሻ ከሰንዮም ኣይደለዮን። (ግብሪ ሃዋርያት 13:​13) መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ብዛዕባ’ዚ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፈላለዩ ኣብ ሞንጎኦም ባእሲ ዀነ ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 15:​37–40 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) ነዚ እስከ ሕስብ ኣብሎ! ሽዑ ኣብቲ “ኣብ ሞንጎኦም ባእሲ” ዝዀነሉ ግዜ ኣብኡ ኴንካ ትርእዮም ነይርካ እንተ ትኸውን: ጳውሎስን ባርናባስን ኣባላት ናይታ ማሕበር ኣምላኽ ኣይኰኑን ኢልካዶ ምደም​ደ⁠ምካ፧

9. (ሀ) ከመይ ዝበለ ሓጢኣት ኢዩ ጴጥሮስ ዝፈጸመ: ከምኡ ንኽገብር ዝደፋፍኦኸ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ምስ ረኣየ እንታይ ገበረ፧

9 ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ሓደ ግዜ ጌጋ ፈጺሙ ኢዩ። ጴጥሮስ ገለ ኻብቶም ሽዑ ዝነበሩ እሞ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት ኣሕዋቶምውን ኣትሒቶም ዝርእይዎም ዝነበሩ ክርስትያናት ኣይሁድ ከይነቕፍዎ ኢሉስ: ምስቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት ምሕባር ኣቋረጸ። (ገላትያ 2:​11–14) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ግብዝና ምስ ረኣየ: ኣብ ቅድሚ ኵሎም እቶም ሽዑ ኣብኡ ዝነበሩ ወቐሶ። ጴጥሮስ ነይርካ እንተ ትኸውንሲ ከመይ ኰን ምተሰምዓካ፧​—⁠እብራውያን 12:⁠11

ንዘይምቅዳው ብፍቕሪ ጌርካ ምድቃሱ

10. (ሀ) ጴጥሮስ ምስ ተገሰጸ ብኸመይ መለሸሉ፧ (ለ) ንሕናኸ ካብቲ ናይ ጴጥሮስ ኣብነት እንታይ ኢና እንማሃር፧

10 ጴጥሮስ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ክሓርቕ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ገይሩ ጳውሎስ ስለ ዝኣረሞስ ክቕየምውን ምኸኣለ። ጴጥሮስ ግን ፈጺሙ ኣይተቐየመን። (መክብብ 7:​9) ጴጥሮስ ትሑት ኢዩ ነይሩ። ነቲ መኣረምታ ተቐቢልዎ ኢዩ: እታ ኣብ ጳውሎስ ዝነበረቶ ፍቕሪውን ከም እትዝሕትል ኣይገበራን። (1 ጴጥሮስ 3:​8, 9) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ ንምትብባዕ ክጽሕፈሎም ከሎ ንጳውሎስ ጠቒሱ እንታይ ከም ዝበሎ እሞ ንመልከት:- “ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሓፈልኩም: ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ።” (2 ጴጥሮስ 3:​15 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እወ: ጴጥሮስ ነቲ ብሰንኪ ግብዝናኡ ዘምጽኦ ጸገም ብፍቕሪ ገይሩ ኣዐረዮ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠12

11. (ሀ) ጳውሎስን ባርናባስን ተባኢሶም እኳ እንተ ነበሩስ ሓቀኛታት ክርስትያን ከም ዝነበሩ ብኸመይ ኣርኣዩ፧ (ለ) ካብቲ ኣብነቶም ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

11 እቲ ኣብ ሞንጎ ጳውሎስን ባርናባስን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምቅዳውከ እንታይ ኰነ፧ እዚውን ብፍቕሪ ተዳቐሰ። ኣብታ ጸኒሑ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ንባርናባስ ከም ጥብቂ መዓይይቱ ገይሩ ጠቒሱዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 9:​5, 6) ብዛዕባ ማርቆስውን ሃዋርያ ጳውሎስ ብመጀመርታ እኳ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ከም መጋይሽቱ ገይሩ ንኸይቈጽሮ ምኽንያት እንተነበሮ: ደሓር ግን ብዛዕባ እዚ መንእሰይ’ዚ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ: ተማልኣዮ: ምሳኻ ይምጻእ” ኢሉ ክሳዕ ዝጽሕፍ ናብ ብስለት በጽሐ። (2 ጢሞቴዎስ 4:​11) ንሕናውን ንዘይምቅዳው ከምኡ ጌርና ንኸነደቅሶ ካብዚ ኣብነት እዚ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

12. (ሀ) ኤዎድያን ስንጥኬንሲ ባእሰን ኣደቂሰንኦ ኢየን ኢልና እንግምት ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ብመሰረት ገላትያ 5:​13–15 ክርስትያን ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝለዓል ባእሲ ናይ ግድን ብፍቕሪ ከደቅስዎ ዘለዎምሲ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ኤዎድያን ስንጥኬንከ ደኣ፧ ነቲ ኣብ ንሓድሕደን ፈጺመናኦ ክዀና ዝኽእላ በደላት ብፍቕሪ ገይረን ብምሽፋን ነቲ ዘይምቅዳው ኣደቂሰንኦ ደዀን ይዀና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይነግርን ኢዩ። ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምስ ጳውሎስ መተዓይይቱ ዀይነን ብምግልጋለን ደገኛታት ኣንስቲ ካብ ዝነብራ ነቲ ዝተዋህበን ምኽሪ ብትሕትና ከም እተቐበልኦ ገይርና ኢና እንግምት። እወ: መልእኽቲ ጳውሎስ ኣብታ ጉባኤ ምስ በጽሐት ሓንቲአን ናብታ ሓንቲ ከይዳ ነቲ ዝነበረን ሽግር ብፍቕራዊ መንፈስ ገይረን ኣደቂሰንኦ ክዀና ኣለወን ኢልና ኢና እንሓስብ።​—⁠ገላትያ 5:​13–15

13. ፍቕሪ ብምርኣይ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ኣብነት ኢዩ ሂቡና ዘሎ፧

13 ንስኻውን ኣብታ ጉባኤ ምስ ሓደ ወይ ብዙሓት ሰባት ንኽትቃዶ ይጽግመካ ይኸውን። ሓቀኛ ክርስትያናዊ ባህርያት ክሳዕ ዘጥርዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስደሎም እኳ እንተዀነስ እስከ ከምዚ ኢልካ ሕሰብ:- የሆዋ ኣምላኽ ሰባት ከፍቅሮምሲ ካብቲ ክፉእ ልምድታቶም ክሳዕ ዝነጽሁዶ ይጽበ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: መጽሓፍ ቅዱስ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ኢዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ” ኢዩ ዝብል። (ሮሜ 5:​8 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ንሕናውን ነቲ ኣምላኽ ሂቡና ዘሎ ኣርኣያ ተኸቲልና ነቶም ክፉእን ዓሻን ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ፍቕርና ክንገልጸሎም ኣሎና።​—⁠ኤፌሶን 5:​1, 2፣ 1 ዮሃንስ 4:​9–11፣ መዝሙር 103:10

14. ንኻልኦት እንነቅፍ ምእንቲ ከይንኸውንሲ የሱስ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ሂቡና ዘሎ፧

14 ኵልና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: የሱስ ንኻልኦት ክንነቕፎም ከም ዘይግብኣና መሃረ። ሰባት ጕድለት ከም ዘለዎም ፍሉጥ ኢዩ: እንተዀነ ግን ንሕናውን ጕድለት ኣሎና። የሱስ “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧” ኢሉ ይሓትት። (ማቴዎስ 7:​1–5) ከምዚ ዝበለ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብስምምዕ ክንነብር ንኽእል ኢና።

15. (ሀ) ንኻልኦት ክንወቅስ ምኽንያት ምስ ዝህልወናውን ክንሓድገሎም ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ በቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 18 ሂቡዎ ዘሎ ምሳሌ ኣድላይነት ናይ ምምሓር ብኸመይ መሃረ፧

15 መሓርትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን ናይ ግድን ከድልየና ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ብዛዕባ ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ ዘውቅስ ምኽንያት ክህልወካ ይኽእል። እንተዀነ ግዳ መጽሓፍ ቅዱስ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ ይቕረ ተበሃሀሉ” ኢሉ ከም ዝምዕድ ዘክር። ይኹን እምበር: ዘኽስስ ምኽንያት ረኺብካ ከሎኻስ ስለምንታይ ይቕረ ትብል፧ ነዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ‘የሆዋ ይቕረ ስለ ዝበለልኩም እዩ’ ኢሉ ይምልሸሉ። (ቈሎሴ 3:​13 ትሓዓ ) የሱስ: ኣምላኽ ክሓድገልና እንደሊ እንተደኣ ኴንና ንሕናውን ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም ይግባኣና በለ። (ማቴዎስ 6:​9–12, 14, 15) የሆዋ ንኣና ከምቲ የሱስ ብምስላ ገይሩ ዘቕረቦ ንጉስ ንኣሽሓት ግዜ ኢዩ በደልና ገዲፉልና: ንሕናኸ ነቶም ኣሕዋትና ንሒደት ግዜያት ክንሓድገሎም ኣይግባእንዶ፧​—⁠ማቴዎስ 18:​21–35፣ ምሳሌ 19:11

16. (ሀ) ብመሰረት 1 ዮሃንስ 4:​20, 21 ንኣምላኽ ምፍቃርን ንክርስትያን ብጾትና ምፍቃርን ብኸመይ ኢዩ ተታሓሒዙ ዘሎ፧ (ለ) ሓውካ እንተ በደለካስ እንታይ ክትገብር ኢዩ ዝግብኣካ፧

16 ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍቕርን ምሕረትን ዘይነርእዮም እንተደኣ ኴንና ብመገዲ ሓቂ ንመላለስ ኣሎና ክንብል ከቶ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ዮሃንስ 4:​20, 21፣ 3:​14–16) ስለዚ ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይካ እንተደኣ ዘይተቓዶኻ ምስኡ ካብ ምዝራብ ኣይተቋርጽ። ኣይትቀየም ነቲ ጉዳይ ግን ብመንፈስ ፍቕሪ ገይርካ ኣቕንዓዮ። ንሓውካ በዲልካዮ እንተደኣ ዀይንካ ይቕረታን ምሕረትን ንምሕታት ቁሩብ ኵን።​—⁠ማቴዎስ 5:​23, 24

17. ሓደ ሰብ ምስ ዝብድለናኸ እቲ ክውሰድ ዝግባእ ቅኑዕ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

17 ሓደ ሰብ እንተ ዘለፈካ ወይ ብገለ መገዲ እንተ በደለካኸ እንታይ ምገበርካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ: ንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ: ኣይትበል” ኢሉ ይመኽረና። (ምሳሌ 24:​29፣ ሮሜ 12:​17, 18) የሱስ ክርስቶስውን “የማነይቲ መልትሕካ ንዝወቕዓካ ግና እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ” ኢሉ መኺሩና ኣሎ። (ማቴዎስ 5:​39) ምጽፋዕ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣየምጽእን ኢዩ: የግዳ የጻርፍን ነገር የለዓዕልን። ስለዚ የሱስ ንሰዓብቱ ባእስን ቈየቛን ከርሕቑ ኢዩ ዝማሃሮም። “እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።” ኣብ ክንድኡ ‘ንሰላም ክትደልያን ክትስዕባን’ ይግብኣካ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:​9, 11፣ ሮሜ 12:⁠14

18. ካብቲ ናይ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ናይ ምፍቃር ኣብነት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

18 ‘ንዅሎም ኣሕዋትና ከነፍቅሮም’ ከም ዘሎና ዘክር። (1 ጴጥሮስ 2:​17) የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ኣርኣያ ኰይኑና ኣሎ። ኣብኡ ኣድልዎ የሎን። ኵሎም ዓሌታት ኣብ ቅድሚኡ ማዕረ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:​34, 35፣ 17:​26) እቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ዝድሕኑ ሰባትውን “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ” ኢዮም። (ራእይ 7:​9, 14–17) ስለዚ ንኣምላኽ ብምምሳል እተፈልየ ዓሌትን ዜግነትን ወይ ከኣ ማሕበራዊ ቦታ ወይ ዝተፈልየ ሕብሪ ቘርበት ንዘለዎም ኣትሕት ኣቢልና ከነፍቅሮም ኣይግብኣናን።

19. (ሀ) ንክርስትያናት ብጾትና ብኸመይ ኢና ክንርእዮምን ክንሕግዞምን ዘሎና፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኢዩ ክህልወና ዝኽእል፧

19 ንዅሎም እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ተላለዮም እሞ: ከተፍቅሮምን ከተማስወሎምን ድማ ኢኻ። ነቶም ኣረገውቲ ከም ኣቦታትን ኣዴታትን ነቶም ንኣሽቱውን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ገይርካ ርኣዮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:​1, 2) ክፍሊ ናይዛ ኣባላታ ሓቢሮም ከም ስድራቤት ብፍቕሪ ዝመላለሱ: እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ክትከውንሲ ብሓቂ ሓደ ዓቢ መሰል ኢዩ። ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ምስ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ብፍቕሪ ዝሰመረት ስድራ ቤት ንዘለኣለም ምንባርሲ: ኣየ ክንደይ ሰናይ ኪኸውን ኢዩ!​—⁠1 ቈረንቶስ 13:​4–8

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 233 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ንኤዎድያን ሰንጥኬን ዝገጠመን ነገር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 235 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስን በርናባስን ንሓድሕዶም ብምብኣሶምሲ ኣባላት ናይ ማሕበር ኣምላኽ ኣይነበሩን ማለት ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 236 ዘሎ ስእሊ]

ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ከቀያይም ዝኽእል ምኽንያታት ብፍቕሪ ይሽፍንዎ

[ኣብ ገጽ 237 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ክርስትያናት ብፍቕሪ ማዕረ ኰይኖም ክቕጽሉ ይድረኹ