ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ናይ ሰላም መንግስቲ ኣምላኽ

እታ ናይ ሰላም መንግስቲ ኣምላኽ

ምዕራፍ 13

እታ ናይ ሰላም መንግስቲ ኣምላኽ

1. ሰብኣውያን መንግስታት እንታይ ኢየን ክገብራ ዘይተኻእለን፧

 ሰብኣውያን መንግስታት እተን ሰናይ ዝሓስባ እኳ ከይተረፋ ንድልየት ህዝብታተን ከዕግባ ከም ዘይተኻእለንዶ ኣስተብሂልካለን ኣሎኻ፧ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ናይ ገበንን ናይ ዓሌታት ጽልእን ዝፈትሓ የለዋን: ወይ ንህዝብታተን ዝኣክል መግብን ንመንበሪ ዝዀኖም ኣባይትን ከቕርባሎም ኣይከኣላን። ንዜጋታተን ካብ ሕማም ፈጺመን ከናግፋኦም ኣይኰነለንን። ዋላ ሓንቲ መንግስቲ እኳ ትኹን ንእርጋን ወይ ንሞት ከተጥፍእ ወይ ድማ ነቶም ድሮ ሞይቶም ዘለዉ እንደገና ህያው ክትገብር ዝኸኣለት የላን። ሓንቲ እኳ ትኹን ንዜጋታታ ነባሪ ሰላምን ደሓንን ከተምጽእ ዝኸኣለት የብለንን። ሰብኣውያን መንግስታት ንዅሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘሎ ዓበይቲ ጸገማት ክፈትሓኦ ኣይከኣላን።

2. እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ፧

2 ፈጣሪና ኵሎም ደቅሰብ ብምሉእ ሓጐስ ክነብሩ እተኽኣሎም ቅንዕቲ መንግስቲ ክሳዕ ክንደይ ከም እተድልየና ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ብኣምላኽ እትምራሕ መንግስቲ ዝዛረብ። ቀንዲ መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ብኣምላኽ እተተስፈወት መንግስቲ ኢዩ።

3. ኢሳይያስ 9:​6, 7 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ይብል፧

3 እንተዀነ ግና: ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ ኣበየናይ ወገኑ ኢዩ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዛረብ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ይዛረብ ኢዩ: ንኣብነት ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ 9:​6, 7 ኣሎ። እቲ ጥቕሲ ድማ ከምዚ ይብል:- “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተዋሂቡና እዩ እሞ: እቲ [መንግስቲ “ኪንግ ጀምስ ቨርሽን”] ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን ግሩም: መካር: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። . . . ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።” (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።)

4. እቲ ገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ሕጻን መን ኢዩ፧

4 ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምውላድ ሓደ ሕጻን: ሓደ መስፍን ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። እዚ ‘ወዲ ንጉስ’ ዝዀነ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ሓደ ዓቢ ገዛኢ “መስፍን ሰላም” ክኸውን ኢዩ። ሓንቲ ኣዝያ እተገርም መንግስቲ ንኽመርሕውን ክወሃቦ ኢዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ድማ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለኣለም ነባሪ ዝዀነ ሰላም ከተምጽእ ኢያ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 9:​6, 7 ኣቐዲሙ ክውለድ ከም ዝዀነ ተዘሪቡሉ ዝነበረ ሕጻን ድማ የሱስ ኢዩ። ገብሪኤል መልኣኽ ብዛዕባ ልደት የሱስ ንማርያም ድንግል ከበስራ ኸሎ ከምዚ በላ:- “ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።”​—⁠ሉቃስ 1:​30–33

ንኣድላይነት ናይታ መንግስቲ ምጕላሕ

5. (ሀ) ኣገዳስነት ናይታ መንግስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ: እንታይከ ክትገብር ኢያ፧

5 የሱስ ክርስቶስን ደገፍቱን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸለዉ ቀንዲ ዕዮኦም ብዛዕባ እታ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ምስባኽን ምምሃርን ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 4:​43፣ 8:​1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 140 ግዜ ዝኣክል ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተጠቒሱ ኣሎ። የሱስ ንሰዓብቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:​10) እዛ ክርስትያን ዝጽልዩላ መንግስትስ ናይ ሓቂ መንግስቲ ድያ፧ ምናልባት ናይ ሓቂ ኢያ ኢልካ ኣይትሓስብን ትኸውን: ግን ናይ ሓቂ መንግስቲ ኢያ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ናይዛ መንግስቲ እዚኣ ኢዩ። ኣብ ብዘላ ምድሪውን ክገዝእ ኢዩ። ሰባት ኣብ ብዙሓት ዘይቃደዋ መንግስታት ከይተፈላለዩ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ናይ ሰላም ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓደ ሓቢሮም ክግዝኡስ ኣየ ኽንደይ ኰን ሰናይ ኢዩ!

6. የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እታ መንግስቲ “ቀሪባ” ከምኡውን “ኣብ ማእከልኩም ኣላ” ዝበሃለላ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ዮሃንስ መጥምቕ ንሰባት ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ክሰብኽ ምስ ጀመረ ከምዚ በሎም:- “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ።” (ማቴዎስ 3:​1, 2) ስለምንታይ ኰን ይኸውን ዮሃንስ ከምኡ ዝበለ፧ ምኽንያቱ ድማ እቲ ገዛኢ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን የሱስ ናብኡ መጺኡ ክጥመቕን ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስውን ክቕባእን ቁሩብ ተሪፉዎ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ስለዚ የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን:- “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ ኣብ ማእከልኩም ኣላ” ክብሎም ከሎስ እንታይ ማለቱ ከም ዝነበረ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። (ሉቃስ 17:​21) የሱስ እቲ ንጉስ ክኸውን ብኣምላኽ እተመዘዘ: ኣብ ማእከሎም ስለ ዝነበረ ኢዩ። ኣብተን ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እናሰበኸን እናማሃረን ዘሕለፈን ግዜ ድማ የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክሳዕ ሞት እሙን ኰይኑ ብምርካቡ ንጉስ ንኽኸውን ዘለዎ መሰል ኣመስኪሩ ኢዩ።

7. የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እታ መንግስቲ ቀንዲ ኣገዳሲት ከም ዝነበረት እንታይ የርኢ፧

7 ክርስቶስ ቀንዲ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ምእንቲ ክንፈልጥ: በታ ዝሞተላ መዓልቲ እንታይ ከም እተገብረ እስከ ንመርምር። መጽሓፍ ቅዱስ ሽዑ ሰባት “እዚ: ንህዝብና ኼስሕቶም: ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም: ርእሱ፤ ክርስቶስ ንጉስ እየ: ኢሉውን ኪዛረብ ከሎ ረኺብናዮ” ኢሎም ከም ዝኸሰስዎ ይነግረና። እቲ ሮማዊ ሹም ጰንጢዮስ ጲላጦስ ከኣ ንየሱስ:- “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።​—⁠ሉቃስ 23:​1–3

8. (ሀ) የሱስ ንጉስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምስ ተሓተ እንታይ ኢሉ መለሰ፧ (ለ) የሱስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

8 የሱስ ንናይ ጲላጦስ ሕቶ ትኽ ኢሉ ኣይመለሰሉን: ከምዚ በሎ:- “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ ብኣይሁድ ከይተሓዝ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።” መንግስቱ ምድራዊት ስለ ዘይኰነት ኢዩ የሱስ ከምኡ ኢሉ ዝመለሸ። ክገዝእ ከሎ ከም ሰብ ኣብ ምድራዊ ዝፋን ተቐሚጡ ዘይኰነስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኢዩ ዝገዝእ። እቲ ክርክር ግን የሱስ ንጉስ ኰይኑ ክገዝእ መሰል ኣለዎዶ የብሉን ዝብል ስለ ዝነበረ ጲላጦስ “እምበኣርስከ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧” ኢሉ እንደገና ሓተቶ።

9. (ሀ) ከመይ ዝበለ ድንቂ ዝዀነ ሓቂ ኢዩ የሱስ ዘፍለጠ፧ (ለ) ሎሚኸ ከመይ ዝበሉ ዓበይቲ ሕቶታት ኢዮም ዘለዉና፧

9 የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ ሓዳስ መንግስቲ ይሰብኽን ይምህርን ስለ ዝነበረ ድማ ኢዩ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዝነበረት። ስለዚውን የሱስ ንጲላጦስ ከምዚ ብምባል መለሰሉ:- “ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ።” (ዮሃንስ 18:​36, 37) እወ: የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ህይወት ብዛዕባ እቲ ድንቂ ዝዀነ ሓቂ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣት ንሰባት እናነገረ ኣሕለፎ። ቀንዲ መልእኽቱ ኸኣ ኢዩ ነይሩ። ሎሚውን እንተዀነ እዛ መንግስቲ እዚኣ ጌና ኣዝያ ኣገዳሲት ኰይና ኣላ። እንተዀነ ግን: ንሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ኣዝያ እተገድሶ መንግስቲ ኣየነይቲ ኢያ፧ ብደቅሰብ እትመሓደር መንግስቲዶ ወይስ እታ ብክርስቶስ እትምሓደር መንግስቲ ኣምላኽ፧ ዝብሉ ሕቶታት ተሪፎም ኣለዉ።

ንምድሪ እተመሓድር ሓዳስ መንግስቲ ምድላው

10. (ሀ) መዓስ ኢዩ ኣምላኽ ኣድላይነት ናይ ሓዳስ መንግስቲ እተገንዘበ፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ እታ መንግስቲ ተጠቒሳ እንረኽባ ኣበይ ኢና፧ (ሐ) በቲ ተመን ተመሲሉ ዘሎ መን ኢዩ፧

10 ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ኣብቲ ዕልወቱ ከም ዝሓብርዎ ምስ ገበሮም ኢዩ: የሆዋ ንወድሰብ እተመሓድር ሓዳስ መንግስቲ ከም እተድሊ እተዓዘበ። ስለዚ ብኡንብኡ ኣምላኽ ከምዚኣ ዝበለት መንግስቲ ንምቛም ዘለዎ ዕላማ ኣፍለጠ። ሽዑ ነቲ ተመን ማለት ሰይጣን ድያብሎስ “ኣብ ሞንጎኻን ኣብ ሞንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ ሞንጎ ዘርእኻን ኣብ ሞንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” ኢሉ ክፈርዶ ኸሎ ኢዩ ነታ መንግስቲ ዝጠቐሳ።​—⁠ዘፍጥረት 3:​14, 15

11. እቲ ጽልኢ ኣብ መንጎ መንን መንን ኢዩ ክህሉ ዝነበሮ፧

11 ‘ኣብዚ ደኣ ብዛዕባ መንግስቲ እተዘርበ ነገር ኣበይ ኣሎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እስከ ነቲ ሓሳባት ብጥንቃቐ ንመርምሮ እሞ እንታይ ከም ዝብልውን ክንርዳእ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሞንጎ ሰይጣንን እታ “ሰበይትን” ጽልኢ ከም ዝህሉ ይነግረና። ብተወሳኺውን ኣብ ሞንጎ “ዘርኢ” ሰይጣን ወይ ደቁን ኣብ ሞንጎ “ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ወይ ደቃን ጽልኢ ክህሉ ነበሮ። ቅድሚ ዅሉ ግን እታ “ሰበይቲ” መን ከም ዝዀነት ክንፈልጥ ከድልየና ኢዩ።

12. ብዛዕባ እታ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ዘላ “ሰበይቲ” እንታይ ኢዩ እተባህለ፧

12 ምድራዊት ሰበይቲ ኣይኰነትን። ሰይጣን ምስ ዝዀነት ሰብኣዊት ጓል ኣንስተይቲ ፍሉይ ጽልኢ ኣይነበሮን። ኣብ ክንድኡስ: ምሳልያዊት ሰበይቲ ደኣ ኢያ። ንሓደ ኻልእ ነገር ኢያ እተመልክት። ብዛዕባኣ ኣብታ መወዳእታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ራእይ ከኣ ዝያዳ ሓበሬታ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብኡ እታ “ሰበይቲ” “ጸሓይ ተወንዚፋ: ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ: ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ከዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለዋ” ዀይና ኢያ ተገሊጻ ዘላ። እዛ “ሰበይቲ” እዚኣ ንምንታይ ከም እተመልክት ብዝያዳ ምእንቲ ክንፈልጣውን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ ውላዳ እንታይ ከም ዝብል እስከ ንርአ:- “ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን [ክገዝኦም ትሓዓ] ዘለዎ ወዲ: ተባዕታይ: ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ።”​—⁠ራእይ 12:​1–5 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

13. እቲ ‘ተባዕታይ ወዲ’ ከምኡ ኸኣ እታ “ሰበይቲ” እንታይ ወይ ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧

13 እቲ ‘ተባዕታይ ወዲ’ መን ወይ እንታዋይ ከም ዝዀነ ምስ ፈለጥናውን እታ “ሰበይቲ” መን ወይ ንመን ከም እተመልክት ንኽንፈልጥ ክድግፈና ኢዩ። ከምቲ እታ ሰበይቲ ቃል ብቓሉ ሓንቲ ጓል ሰብ ዘይኰነት ከምኡውን እቲ ተባዕታይ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ “ወዲ: ተባዕታይ” ‘ንዅሎም ኣህዛብ ክገዝእ’ ከም ዝዀነ ይነግረሉ። ስለዚ እቲ “ወዲ” ነታ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣላ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት። እታ “ሰበይቲ” ኸኣ ነታ በቶም ናይ ሰማይ እሙናት መላእኽቲ ዝቘመት ማሕበር ኣምላኽ ተመልክት። ከምቲ እቲ ‘ተባዕታይ ወዲ’ ካብታ “ሰበይቲ” ዝመጸ ከምኡውን የሱስ ክርስቶስ እቲ ንጉስ ካብታ በቶም ኣብ ሰማይ ሓቢሮም ዕላማ ኣምላኽ ዝፍጽሙ እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ሰማያዊት ማሕበር ኢዩ መጺኡ። ገላትያ 4:​26 ነዛ ማሕበር እዚኣ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ኢሉ ይጽውዓ። ስለዚ እምበኣር ኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ግዝኣት ኣምላኽ ምስ ዓለዉ የሆዋ ነቶም ጽድቂ ዝፈትዉ ሰባት ተስፋ እትዀኖም መንግስቲ ኣዳ​ለወ⁠ሎም።

የሆዋ መብጽዓኡ ይዝክር

14. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰይጣን ዝጭፍልቕ “ዘርኢ” እተመባጽዖ ከም ዘይረስዐ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) እቲ ተስፋ እተገብረሉ “ዘርኢ” መን ኢዩ፧

14 የሆዋ ገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን “ዘርኢ” ንኽሰድድ እተመባጽዖ መብጽዓ ኣይረስዖን። እዚ ገዛኢ እዚ ድማ ንሰይጣን ርእሱ ጨፍሊቑ ከጥፍኦ ኢዩ። (ሮሜ 16:​20፣ እብራውያን 2:​14) ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ድማ የሆዋ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ካብ ሕቖ እቲ እሙን ዝዀነ ኣብርሃም ከም ዝወጽእ ገለጸ። የሆዋ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ:- “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም።” (ዘፍጥረት 22:​18 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እዚ ብኣብርሃም ኣቢሉ ክመጽእ ተስፋ እተገብረሉ “ዘርኢ” መን ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶዚ ጸኒሑ ከምዚ ብምባል መልሲ ይህበሉ:- “እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚበሀል: ንዘርእኻ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር: ንብዙሓት ከም ዚበሀል: ነዝርእቲ: ኣይብልን እዩ።” (ገላትያ 3:​16 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) የሆዋ ኣምላኽ ንይስሃቅ ወዲ ኣብርሃምን ከምኡውን ንያእቆብ ወዲ ወዱን “ዘርኢ” ናይታ ናይ ኣምላኽ “ሰበይቲ” ካባታቶም ከም ዝውለድ ነገሮም።​—⁠ዘፍጥረት 26:​1–5፣ 28:​10–14

15, 16. እቲ “ዘርኢ” ተባሂሉ ዘሎ ዝገዝእ ንጉስ ከም ዝኸውን ዘረጋግጸልና እንታይ ኢዩ፧

15 ያእቆብ እውን እዚ “ዘርኢ” እዚ ብሓቂ ንጉስ ክኸውን ከም ዘለዎ ብምእማን ንይሁዳ ወዱ ከምዚ ኢሉ መረቖ:- “ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ ካብ ይሁዳ በትሪ [ናይ ግዝኣት ስልጣን]: ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ።” (ዘፍጥረት 49:​10) የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኢዩ መጺኡ። ንሱውን እቲ ‘ህዝብታት ዝእዘዝዎ’ “ሺሎ” ከም ዝዀነ ኣርኢዩ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 7:​14

16 ካብቲ ይሁዳ እተመረቐሉ ግዜ ድሕሪ 700 ዓመት ድማ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ካብ ዓሌት ይሁዳ ዝዀነ ዳዊት “ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ: . . . ዘርኡ ድማ ንዘለኣለምዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ” ኢሉ ተዛረበ። (መዝሙር 89:​20, 29 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ኣምላኽ “ዘርኢ” ዳዊት “ንዘለኣለም” “ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ” ከንብር ኢየ ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ እቲ ኣብ ኢድ ናይቲ እተሾመ ገዛኢ የሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ መንግስቲ ግዝኣት ንዘለኣለም ክቕጽል ከም ዝዀነ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። ከመይ ጌርና ንፈልጦ፧

17. እቲ ተስፋ እተገብረሉ ገዛኢ: የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

17 ገብሪኤል እቲ መልኣኽ የሆዋ ንማርያም ብዛዕባ እቲ ክትወልዶ ዝነበራ ሕጻን እንታይ ከም ዝበላ ዘክር። ከምዚ በለ:- “ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።” የሱስ ሕጻን ወይውን እኹል ሰብኣይ ኰይኑ ጥራይ ኣብ ምድሪ ክነብር ኣይነበሮን። ቀጺሉውን ገብሪኤል መልኣኽ ከምዚ በለ:- “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪበሀል ኢዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወ⁠ዳእታ የብላን።” (ሉቃስ 1:​31–33 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎን ዝኣምንዎን ሰባት ንዘለኣ⁠ለም ክትጠቕሞም እትኽእል ጻድቕ መንግስቲ ከቝመሎም ከሎስ ዘደንቕዶ ኣይኰነን፧

18. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ ናይዘን ምድራውያን መንግስታት ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ እንታይ ክትገብረሎም ኢያ፧

18 እንሆ እምበኣር እዛ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን መንግስታት ዓለም ንኸተጥፍእ ስጉምቲ እትወስደሉ ግዜ ይቐርብ ኢዩ ዘሎ። ሽዑ የሱስ ክርስቶስ እውን ከም ዕዉት ንጉስ ኰይኑ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ። ነዚ ውግእ እዚ ኽገልጾ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ: . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:​44፣ ራእይ 19:​11–16) ኵለን መንግስታት ምስ ጠፍኣ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ድሌት ሰብ ከተዕግብ ኢያ። የሱስ ክርስቶስ እቲ ገዛኢ ድማ ሓደ እኳ ካብቶም እሙናት ግዙኣቱ ሕማም ኰነ እርጋን ወይ ሞት ከም ዘይትንክፎ ክገብር ኢዩ። ገበንን ሽግር ኣባይትን: ጥሜትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ጸገማትን መፍትሒ ክረኽቡ ኢዮም። ኣብ ብዘላ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ክኸውን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:​13፣ ራእይ 21:​3–5) እንተዀነ ግን ብዛ​ዕባ እቶም ኣብ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ገዛእቲ ዝዀኑ ዝያዳ ክንማሃር የድ​ልየና ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 112, 113 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ለኣኾም

[ኣብ ገጽ 114 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣብቲ ናይ ሞት ፈተና ከሎውን: ምስባኽ መንግስቲ ኣምላኽ ቀጸለ

[ኣብ ገጽ 119 ዘሎ ስእሊ]

ንየሱስ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ ​—⁠ከም ሓደ ዕዉት ንጉስዶ ወይስ ከም ሓደ ዓቕሚ ዘይብሉ ሕጻን፧