ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እትርአ ማሕበር ኣምላኽ

እትርአ ማሕበር ኣምላኽ

ምዕራፍ 23

እትርአ ማሕበር ኣምላኽ

1. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ዘይትረአ ማሕበር ኣምላኽ እንታይ ይብል፧

 ኣምላኽ ሓንቲ እትረአ ማሕበር ከም ዘላቶ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ሓደ ምኽንያት ሓንቲ ዘይትርአ ማሕበር ስለ ዘላቶ ኢዩ። የሆዋ ኣብ ሰማያት ፍቓዱ ዝመልኡ ኪሩቤላትን ሱራፌላትን ማእለያ ዘይብሎም ካልኦት መላእኽትን ፈጠረ። (ዘፍጥረት 3:​24፣ ኢሳይያስ 6:​2, 3፣ መዝሙር 103:​20) የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሊቀ መላእኽቲ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:​16፣ ይሁዳ 9፣ ራእይ 12:​7) መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ ‘ብዝፋናትን ጐይትነትን ሕልቅነትን ስልጣናትን’ እተመሓደሩ ከም ዝዀኑ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾም። (ቈሎሴ 1:​16፣ ኤፌሶን 1:​21) እዚኣቶም ኵሎም ብሓደ ሓቢሮም ነቲ የሆዋ ክዓይዎ ዝእዝዞም ዘበለ ዅሉ እናፈጸሙ የገልግልዎ።​—⁠ዳንኤል 7:​9, 10፣ እዮብ 1:​6፣ 2:​1

2. ኣምላኽ በቲ ነዚ ዝርአ ኣድማስ ዝገበሮ ኣፈጣጥራ ኣብ ምምሕዳር ዘለዎ ተገዳስነት ብኸመይ የረድኣና፧

2 ነቲ ኻልእ ዝርአ ፍጥረታቱ እንተ ርአናውን ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝግደሰሉ ኢና እንርዳእ። ንኣብነት: ኣብዚ ኣድማስ ኣብ ዓበይቲ ጉጅለታት ጋላክሲ እተጠርነፉ ብኣሻሓት ቢልዮናት ዝቑጸሩ ከዋኽብቲ ኣለዉ። እዚ ጋላክሲ እዚ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ እዚ ጋላክሲ እዚ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኮኸብን ፕላኔትን ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ይጓዓዝ። ንኣብነት እዛ ፕላኔትና ዝዀነት ምድሪ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዙርያ ጸሓይ: እታ ንዓና ዝቐረበት ኮኸብ: እትገብሮ ዙረት ልክዕ ብ365 መዓልትን 5 ሰዓትን 48 ደቂቕን 45.51 ካልኢትን ትፍጽሞ። እወ: እዚ እንርእዮ ግዙፍ ሰማያዊ ፍጥረት ኣዝዩ እተመሓደረ ኢዩ!

3. እቲ ኣብቲ ዘይረአ ናይ ኣምላኽ ፍጥረትን ኣብቲ ዝርአ ኣድማስን ዘሎ ምምሕዳር እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧

3 እቲ ኣብ መንጎ እቶም ዘይርኣዩ ፍጥረታት ኣምላኽን ኣብዚ ኣድማስን ዘሎ ምምሕዳር ገለ ነገርዶ ይምህረና ኢዩ፧ እወ: የሆዋ ናይ ምምሕዳር ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኢና እንማሃር። ብርግጽ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብልቢውን ዘፍቅርዎ ሰባት ብዘይ መምርሕን ምምሕዳርን ኣይገድፎ​ምን ኢዩ።

እትረአ ማሕበር ኣምላኽ​—⁠ቀደምን ሎምን

4, 5. ኣምላኽ ብግዜ ኣብርሃምን ህዝቢ እስራኤልን ንህዝቡ ብእተማሓደረ መገዲ ይመርሖም ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ የሆዋ ኵሉ ግዜ ንኣገልገልቱ ብእተመሓደረ መገዲ ኢዩ ዝመርሖም። ንኣብነት: እቶም ከም በዓል ኣብርሃም ዝበሉ ናይ እምነት ሰባት ንስድራ ቤቶምን ኣገልገልቶምን ንየሆዋ ንኸገልግሉ መርሕዎም። የሆዋ ንኣብርሃም ብምዝራብ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ነገሮ። (ዘፍጥረት 12:​1) ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኻልኦት ከተሓላልፈሎም ከኣ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል መምርሒ ሃቦ:- “እግዚኣብሄር ኸኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ: ንሱ ድማ ብድሕሪኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉን ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኺገብሩን ምእንቲ ኺእዝዞም: ፈለጥኩዎ።” (ዘፍጥረት 18:​19) ኣብዚ ኸኣ ጕጅለ ሰባት ንየሆዋ ብግቡእ ንኸምልኽዎ ስርዓት ዘለዎ ምድላው ኢዩ ነይሩ።

5 ጸኒሑውን እስራኤላውያን እናበዝሑ ምስ ከዱ እሞ: ብሚልዮናትውን ምስ ኰኑ ካብ እተመሓደረ ምድላው ብምፍላይ ነፍሲ ወከፍ በብናቱ ከምልኽ የሆዋ ኣይሓደጎምን። እስራኤላውያን እተማሓደረ ኣምልኾ ዘለዋ ሃገር ኰይኖም ቈሙ። ህዝቢ እስራኤል “ማሕበር [የሆዋ ትሓዓ ]” ይበሃሉ ነበሩ። (ዘሁልቊ 20:​4፣ 1 ዜና መዋእል 28:​8) ንስኻውን ኣብቲ ግዜ’ቲ ሓቀኛ ኣምላኺ ናይ የሆዋ እንተ ትነብር ኣካል ናይታ ሽዑ ዝነበረት ማሕበር ደኣ ምዀንካ እምበር ካብኣስ ከቶ ኣይምተፈለኻን።​—⁠መዝሙር 147:​19, 20

6. (ሀ) ኣምላኽ ስምረቱ ኣብቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) ክርስትያናት ንኣምልኾ እተማሓደሩ ከም ዝነበሩ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

6 ኣብቲ ቀዳማይ ዘበንከ ኵነታት ከመይ ነበረ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ስምረት የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰዓብቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝነበረ የርኢ። የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም መንፈስ ቅዱሱ ኣፍሰሰ። ኣብ ክንዲ ህዝቢ እስራኤል ነዛ ሓዳስ ክርስትያናዊት ማሕበር ይጥቀም ከም ዘሎ ንምግላጽ ንገለ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንዝሓመሙ ከሕውዩ: ምውታት ከተንስኡ ከምኡውን ካልእ ተኣምራት ክፍጽሙ ሓይሊ ሃቦም። ኣብ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት ምስ እተንብብ እቶም ክርስትያናት ንኣምልኾ ክሳዕ ክንደይ እተመሓደሩ ከም ዝነበሩ ክትግረም ኢኻ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምፍጻም ብሓንሳብ ክእከቡውን ተኣዚዞም ነበሩ። (እብራውያን 10:​24, 25) ንስኻውን ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን እትነብር ሓቀኛ ኣምላኺ የሆዋ እንተ ትነብር ክፍሊ ናይዛ ክርስትያናዊት ማሕበር ምዀንካ ነይርካ።

7. የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ካብ ሓንቲ ማሕበር ንላዕሊ ከም ዘይተጠቕመ ብኸመይ ንፈልጥ፧

7 የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ካብ ሓንቲ ማሕበር ንላዕሊ ተጠቒሙዶ ይፈልጥ፧ ብግዜ ኖህ: ኖህን እቶም ምስኡ ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ዝነበሩን ጥራይ ኢዮም ዑቕባ ኣምላኽ ረኺቦም ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ። (1 ጴጥሮስ 3:​20) ኣብቲ ቐዳማይ ዘበን እውን ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክርስትያናዊ ማሕበራት ኣይነበራን። ኣምላኽ ምስ ሓንቲ ጥራይ ኢዩ ዝመላለስ ነይሩ። “ሓደ ጐይታ: ሓንቲ እምነት : ሓንቲ ጥምቀት” ጥራይ ኢዩ ነይሩ። (ኤፌሶን 4:​5 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) ብተመሳሳሊ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ዚ ግዜና ክንበ ኸሎ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ሓደ ምንጪ ጥራይ መንፈሳዊ መሪሕነት ክመጾም ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ነበረ።

8. የሱስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ሓንቲ እትረአ ማሕበር ኣምላኽ ጥራይ ከም እትህሉ ዝገለጸ፧

8 የሱስ ብዛዕባ እቲ ናይ መንግስታዊ ስልጣን ህላዌኡ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ [እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ትሓዓ ] መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 24:​45–47) ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ስልጣን መንግስቱ ምስ ተመልሰኸ ሓደ መንፈሳዊ “መግቢ” ዝምግብ ክፍሊ ናይቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ጸኒሑዎዶ ዀን ይኸውን፧ እወ: እዚ “ባርያ” እዚ ድማ በቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ተረፍ ናይቶም 144, 000 “ኣሕዋት” ዝቘመ ኰይኑ ጸኒሕዎ ኢዩ። (ራእይ 12:​10፣ 14:​1, 3) እንሆ ኸኣ ካብ 1914 ኣትሒዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ዘዳለውዎ መንፈሳዊ “መግቢ” ተቐቢሎም በታ ሓቀኛ ሃይማኖትውን ክመላለሱ ጀሚሮም ኣለዉ። እዛ ማሕበር ናይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂላ ትጽዋዕ።

9. (ሀ) ስለምንታይ ኢዮም ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝብል ስም ዝሓዙ፧ (ለ) ነቲ ንኣምልኾ ዝእከብሉ ቦታ “መንግስቲ ኣዳራሽ” ኢሎም ዝጽውዕዎ ስለምንታይ ኢዮም፧

9 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ እቲ ዝገብርዎ መሪሕነት ካብ ኣምላኽን ካብቲ ቃሉን ኢዮም ዝጽበዩ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስሞም ንርእሱ ቀንዲ ተግባራቶም ከምቲ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ መስከርቲ ስም የሆዋ ኣምላኽን መንግስቱን ከም ዝዀኑ ዝገልጽ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:​6፣ ራእይ 1:​5) ቀንዲ ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብዛዕባ እታ በቲ መሲህ ወይ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ነቲ ንኣምልኾ ዝእከብሉ ቦታ “መንግስቲ ኣዳራሽ” ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎ። እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ክርስትና ዝነበሩ ኣመንቲ: ስምረት ኣምላኽ ከም ዝነበሮም ርዱእ ስለ ዝዀነ ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንማሕበሮም በቲ ናታ ኣገባብ ኢዮም ኣቚሞማ። እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ማሕበር ከመይ ከም ዝነበረት ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ እሞ: ብድሕሪኡ ምስ እዛ ሕጂ ዘላ እትረአ ማሕበር ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትመሳሰል ነስተብህል።

ኣገባብ ናይ ቐዳማይ ዘበን

10. ገለ ካብቲ ንጥፈታት ናይታ ኣብ ቐዳማይ ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ማሕበር እንታይ ነበረ፧

10 ኣብቲ ቐዳማይ ዘበን ክርስትያናት ኣብ ዝነበሩሉ ቦታ ብጕጅለታት ንኣምልኾ ብሓደ ሓቢሮም ይእከቡ ነበሩ። እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ንምትህንናጽን ንምጽናዕን ስርዓታውያን ኰይነን ይእከባ ነበራ። (እብራውያን 10:​24, 25) ንሳቶምውን ከምቲ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ ቀንዲ ዕዮኦም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:​17፣ 28:​19, 20) ሓደ ኣባል ናይታ ጉባኤ ናብ ሕማቕ መገዲ እንተ ዘምቢሉ ካብታ ጉባኤ ይውገድ ነበረ።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:​9–13፣ 2 ዮሃንስ 10, 11

11, 12. (ሀ) እተን ቀዳሞት ጉባኤታት ክርስትና ትእዛዝን መሪሕነትን ካብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን “ሽማግሌታትን” ይመጾም ከም ዝነበረ እንታይ የረጋግጸልና፧ (ለ) “ቲኦክራቲካዊ” መሪሕነት እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ሐ) እተን ጉባኤታት ነዚ መሪሕነት እዚ ብምቕባለን እንታይ ኣፍረያ፧

11 እተን ኣብቲ ቐዳማይ ዘበን ዝነበራ ጉባኤታት ክርስትና ኣብ ገለ ጉዳያት ነናይ ገዛእ ርእሰን ውሳኔታት ብምግባር በብርእሰን ዝኸዳ ድየን ነይረን፧ ኣይፋለንን: መጽሓፍ ቅዱስ ብሓደ ክርስትያናዊ እምነት ከም ዝሓበራ ኢዩ ዘርኢ። ኵለን እተን ሽዑ ዝነበራ ጉባኤታት መምርሕን ትእዛዝን ካብ ሓደ ምንጪ ኢየን ዝቕበላ ነይረን። ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ ግዝረት ምስ ተሰሓሓቡ ጉባኤታት ይኹና ወይ ውልቀ ሰባት ባዕላቶም ከም ዝመስሎም ገይሮም ኣይወሰኑን። የግዳስ ሃዋርያ ጳውሎስን ባርናባስን ሓያሎ ኻልኦትን “ብዛዕባ እዚ ባእሲ እዚ: ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ።” ሽዑ እቶም ብሱላት ሰባት ብቓል ኣምላኽን “መንፈስ ቅዱስን” ተመሪሖም ብዛዕባ እቲ ነገር ምስ ወሰኑ ብዛዕባኡ ንዅለን እተን ጉባኤታት ዝነግርወን እሙናት ሰባት ለኣኹ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:​2, 27–29

12 እተን ጉባኤታትከ ነቲ ቲኦክራቲካዊ ወይ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መምርሕን ትእዛዝን ምስ ተቐበላ እንታይ ኣፍረየለን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዘዝአተዉዋ [ሃዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን] ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ አዘዝዎም። ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ: ቍጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:​4, 5) እወ: ኵለን እተን ሽዑ ዝነበራ ጉባኤታት ነቲ በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት እተዋህበን ትእዛዝ ተቐቢለን ኣብ ግብሪ እናውዓላ ኣብ እምነት ጸኒዐን ይመላለሳ ነበራ።

ሎሚ ዘሎ ቲኦክራቲካዊ መምርሒ

13. (ሀ) እዛ ሎሚ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ካበየናይ ቦታን ኣካልን እያ ትእዛዝን መሪሕነትን እትቕበል ዘላ፧ (ለ) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ምስቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ከመይ ዝበለ ዝምድና ኢዩ ዘለዎ፧

13 ሎሚውን እዛ እትረአ ማሕበር ኣምላኽ ቲኦክራቲካዊ መሪሕነትን ትእዛዝን ትቕበል ኣላ። ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብሩክሊን ኒዮርክ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዘቝሙ ካብ እተፈላለየ ክፍሊ ናይ ምድሪ እተኣኻኸቡ ሽማግለታት ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝፍጽምዎ ንጥፈታት ዘድሊ ምዕዛብ ይገብርሉ ኣለዉ። እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል’ዚ ድማ ብኣባላት ናይቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝቘመ ኢዩ። ከም ኣፈኛ ናይቲ እሙን “ባርያ” ኰይኑ ድማ ኢዩ ዘገልግል።

14. እዚ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምንታይ ተመርኲሱ ኢዩ ውሳኔታት ዝገብር፧

14 ኣባላት ናይዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚውን ከምቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመኵሮ ዘለዎም ኢዮም። እንተዀነ ግን ውሳኔታት ንምግባር ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ኣይውከሉን ኢዮም። ኣይፋልን: ብቲኦክራቲካዊ ኣገባብ ዝመሓደሩ ኰይኖም ኣብነት ናይቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ እሞ: ዝውስኖ ዘበለ እውን ብመሰረት ቃል ኣምላኽን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ኢዮም ዝስዕቡ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:​13–17, 28, 29

ንሓንቲ ዓለምለኻዊት ማሕበር ምምራሕ

15. እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:​14 እተዛረቦ: ኣምላኽ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ሓንቲ ዓባይ ማሕበር ከም እትህልዎ ዘመልክት ስለምንታይ ኢዩ፧

15 የሱስ ክርስቶስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ክብል ከሎ ዕብየት ናይዛ ኣብዚ መወዳእታ ግዜ ኣብ ምድሪ ኣምላኽ ዝጥቀመላ ማሕበሩ ኢዩ ሓሳብ ዝሃበ። (ማቴዎስ 24:​14 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) ብዛዕባ እዛ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣሽሓት ሚልዮናት ሰባት ክትነግር ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ብርቱዕ ስራሕ ከም ዝዀነ ሕስብ እሞ ኣብለሉ። እዛ ሎሚ ዘላ መሪሕነትን መምርሕን ካብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እትቕበል ዘመና⁠ዊት ክርስትያና⁠ዊት ማሕበርከ ነዚ ዓቢ ዕዮ እዚ ንኽትፍጽም ዕጥቕቲ ድያ፧

16. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓበይቲ ኣብያተ ማሕተም ከቝሙ ዘድለዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብዚ ኣብያተ ማሕተም እዚ ዝሕተም እንታይ ኢዩ፧

16 ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ምድሪ ካብ 230 ሃገራትን ደሴታት ባሕርን ዝበዝሕ ቦታታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ነዞም ሎሚ ዘሎዉ ካብ 4, 900, 000 (1994) ዝበዝሑ ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዕዮ ስብከቶም ክሕግዞም ዝኽእል ጽሑፋት ዝሓትማ ኣብያተ ማሕተም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቈይመን ኣለዋ። ኣብዚ ድማ ብዙሕ ቅዳሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ብመ⁠ሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ጽሑፋትን ይሕተም ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ ድማ ብገምጋም ኣስታት ክልተ ሚልዮን መጽሔታት ግንቢ ዘብዔኛ ከምኡውን ንቕሑ! ካብዚ ፋብሪካ’ዚ ተሓቲሙ ይለኣኽ።

17. (ሀ) እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እዚ ዝዳሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ክትገብር ኢኻ ተዓዲምካ ዘሎኻ፧

17 ኵሉ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እዚ ድማ ሰባት ነቲ ዓብዪ ዕላማታት ኣምላኽ ንምፍላጥ ምእንቲ ክሕግዞም ኢልካ ኢዩ ዝዳሎ። እተን “ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ” ዝብላ ቃላት እኳ ክፍሊ ናይቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝብል ኣርእስቲ ናይቲ መጽሔት ኢየን። ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጽሑፍ ንሰባት ክትዕድሎም ከምኡውን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ክትገልጸሎም ትዕደም ኣሎኻ። ንኣብነት: ነዚ ህይወት ዝትንክፍ ሓበሬታ ካብዛ “ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ” እትበሃል መጽሓፍ ዝረ⁠ኸብካዮ ትምህርቲ ከተካፍሎ እትኽእል ሰብዶ ኣሎ፧

18. (ሀ) እዛ ሎሚ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ እንታይ ዝዓይነታ ማሕበር ኢያ፧ (ለ) ስለምንታይከ ኢዮም ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ዝያዳ ምትብባዕ ዘድልዮም፧

18 ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን: ሎሚውን ማሕበር ኣምላኽ ማሕበር ናይቶም ህይወቶም ዝወፈዩን እተጠምቁን ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኽቲ ኢያ። ከምኡውን ኵሎም ኣባላታ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ከም ዝሳተፉ ገይራ ንኽትሕግዞም እተዳለወት ኢያ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዙሕ ምትብባዕን መንፈሳዊ ምጽንናዕን የድልዮም ኢዩ። ምኽንያቱ ሰይጣንን እቶም ንሱ ክጸልዎም ዝኸኣለን ነዚ ብስራት መንግስቲ እዚ ይቃወምዎ ስለ ዝዀኑ ኢዩ። እዞም ተጻባእቲ እዚኣቶም ንየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝሰበኸ ቐተልዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰዓብቱውን ክስጐጉ ምዃኖም ኣጠንቀቐ።​—⁠ዮሃንስ 15:​19, 20፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​12

19. (ሀ) መን ኢዮም ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ክሕግዙን ከበራትዑን እተመዘዙ፧ (ለ) እታ ጉባኤ ካብቲ ከበላሽዋ ዝኽእል ሕማቕ ጽልዋታት እትሕሎ ብኸመይ ኢያ፧

19 ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ሎሚውን ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዝሕግዙን ዘጸናንዑን “ሽማግሌታት” ይምዘዙ ኣሎዉ። እተፈላለየ ሽግራት ንኽትዋጽኣሉ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ገይሮም ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ነተን “መጓሰ ኣምላኽ” እውን ዑቕባ ይዀንወን። ስለዚ ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ጉባኤ ኣካይዳኡ እንተዘየጸበቐ ንኽልወጥ ከኣ እንተ ኣበየ እቶም “ሽማግሌታት” ካብታ ጉባኤ ከም ዝወጽእ ወይ ከኣ ከም ዝውገድ ይገብሩ። በዚ ድማ መንፈሳዊ ጥዕናን ንጽህናን ናይታ ጉባኤ ይሕለዉ።​—⁠ቲቶስ 1:​5፣ 1 ጴጥሮስ 5:​1–3፣ ኢሳይያስ 32:​1, 2፣ 1 ቈረንቶስ 5:​13

20. (ሀ) ኣብቲ ቐዳማይ ዘበን በቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝለኣኹ ዝነበሩ መን ኢዮም: መልእኽቶምከ እንታይ ነበረ፧ (ለ) ሎሚ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝለኣኹ ዘለዉ መን ኢዮም፧

20 ብተመሳሳሊውን: ልክዕ ከምቲ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ከም በዓል ጳውሎስን ሲላስን ዘኣመሰሉ ፍሉያት ወኪላት ሰዲዱ ንህዝቢ ኣምላኽ መምርሕን ምትብባዕን ዝህቦም ዝነበረ: ሎሚ ኣብዚ ግዜ መወዳእታውን እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከምኡ ይገብር ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:​24–27, 30–32) ዳርጋ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ሓደ ተመኵሮ ዘለዎ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገልጋሊ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ወረዳኡ ዘላ ጉባኤ ሓደ ሰሙን ይገብር።

21. ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ንጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ዝሕግዘን ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

21 ኣብ ብዘላ ዓለም ካብ 75, 000 ዝበዝሓ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ: እዚኣተን ድማ ኣብ በብ20 ኣቢለን ዝዀና ጉባኤታት ዝቘማ ወረዳታት ይከፋፈላ። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ነተን ኣብ ወረዳኡ ዘለዋ ጉባኤታት ክበጽሐን ከሎ: ነቶም ናይ መንግስቲ መስከርቲ ኣብቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ንጥፈታቶም ምስኦም ብምኻድ ይሃንጾም። በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ምንቕቓሖም ድማ ኣብ ኣገልግሎቶም ክመሓየሽሉ ዝሕግዞም ሓሳባት እውን ይውፍየሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:​20, 21

22. (ሀ) ንህዝቢ ኣምላኽ ንምትብባዕን ንምብርታዕን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እንታይ ተወሳኺ ምድላው ኢዩ ዝግበር፧ (ለ) እንታይ ዕድመ ኢዩ ዝዝርገሓልካ ዘሎ፧

22 እተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳ ዘለዋ ጉባኤታትውን መብዛሕትኡ ክልተ ግዜ ኣብ ዓመት ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ኣሰምብሊ ክእከባ ከለዋውን ተወሳኺ ምትብባዕን ምብርታዕን ይርከብ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ ሚእቲ ክሳዕ 2, 000 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ንስኻውን ኣብቲ ዝመጽእ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ክትሳተፍ ትዕደም ኣሎኻ። እዚ ኣሰምብሊ እዚ ብመንፈስ ዘሐድስን ብብሕትኻውን ጠቓሚ ኰይኑ ከም እትረኽቦን ርግጸኛ​ታት ኢና።

23. (ሀ) ኣብ ዓመት ሓንሳእ እንታይ ካልእ ኣኼባታት ኢዩ ዝግበር፧ (ለ) ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣኼባታት ክንደይ ዝኣኽሉ ተኣከብቲ ነበሩ፧

23 ኣብ ዓመት ሓንሳእ ድማ ዓቢ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዝበሃል ዝዓበየ ኣኼባ ንገለ መዓልትታት ይግበር። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣኼባ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብልን ብመንፈስ ከኣ ዓስቢ ዘለዎን ከም ዝዀነ ምእንቲ ክትርእስ ክትካፈል ናይ ሓቂ ጻዕሪ ስለምንታይ ዘይትገብር፧ ኣብ ገሊኡ ዓመታት ድማ ኣብ ክንዲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ካብኡ ዝዓበየ ሃገራዊ ወይ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ይግበር ነበረ። እቲ ብ1958 ኣብ ከተማ ኒዮርክ ኣብ ‘ያንኪ ስታድዩም ከምኡውን ፖሎ ግራውንድስ’ እተባህለ ንሸሞንተ መዓልታት ዝነበረ ኣኼባ እቲ ዝዓበየ ኣብ ሓደ ቦታ እተገብረ ኢዩ ነይሩ። ኣብኡ ኸኣ 253, 922 ሰባት ነቲ “መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ​—⁠መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ክሰምዑ ተኣኪቦም ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው ግን ንኸምዚ ዝበለ ጭፍራ ክሕዝ ዝኽእል ቦታታት ክርከብ ብዘይምኽኣሉ እቲ ዓቢ ኣኼባታት ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ንምክያድ ምድላዋት ተገብረ።

ኣብተን ጉባኤታት ዝግበር ኣኼባታት

24. ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ሓሙሽተ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኢየን ዝገብራ፧

24 እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵለን ጉባኤታት ናይ ህዝቢ የሆዋ ሕብረት ዘለዎ ፕሮግራም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ እውን የዳሉ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ኣኼባታት ኣለዋ። እዚኣተን ድማ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ: ህዝባዊ ኣኼባ: ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛን ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን ኢየን። ምናልባት ምስ እዚ ኣኼባታት እዚ ዘይተላለኻ ክትከውን ስለ እትኽእል ኣሕጽር ኣቢልና ክንገ​ልጾ ኢና።

25, 26. ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ዕላምኦም እንታይ ኢዩ፧

25 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራብ ዝያዳ ኣስለጥቲ ንክዀኑ ክትሕግዞም ተባሂላ እተዳለወት ኢያ። እቶም እተመዘዙ ድማ በብግዜኡ ንዅላ እታ ጕጅለ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስቲ ሓጺር ዝርርብ ይህቡ። ብድሕሪኡ ሓደ ተመኵሮ ዘለዎ ሽማግለ ንኸማሓይሹ ሓሳባት ይህብ።

26 ዝበዝሕ ግዜ ኣብታ ምሸት እቲኣ ድማ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባውን ይካየድ። እቲ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዝወሃብ መምርሒ ኸኣ ኣብቲ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ እናተሓትመ ዝወጽእ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ገጻት ዘለዎ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝበሃል ጽሑፍ ይርከብ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ንኻልኦት መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንምብጻሕ ተግባራዊ ዝዀነ ሓሳባትን ተዋስኦታትን ይቐርብ። የሱስ ነቶም ሰዓብቱ ብተመሳሳሊ የተባብዖምን ኣገልግሎቶም ከመይ ገይሮም ከም ዝፍጽሙ መምርሒ ይህቦምን ነበረ።​—⁠ዮሃንስ 21:​15–17፣ ማቴዎስ 10:​5–14

27, 28. ህዝባዊ ኣኼባን: ትምህርቲ ግንቢ ዘብዔኛን: ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን እንታይ ዓይነት ኣኼባታት ኢዮም፧

27 ህዝባዊ ኣኼባን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛን ዝበዝሕ ግዜ ብመዓልቲ ሰንበት ኢዩ ዝካየድ። ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ብሓደ ክኢላ ሽማግለ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ዝርርብ ይወሃብ: ኣብዚ ኸኣ ሓደስቲ ተገደስቲ ምእንቲ ክሰምዕዎ ፍሉይ ጸዓት ጌርካ ይዕደሙ። ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ብሕቶን መልስን ዝካየድ ኣብታ ናይ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔት ዝርከብ ዓንቀጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።

28 እታ ጉባኤ ብምልእታ ነዚ ኣብ ‘ላዕሊ ተጸብጺቡ ዘሎ ክፍልታት ንኽትማሃር ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ክትእከብ ከላ: ንጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ግን ብንኣሽቱ ጉጅለታት ዀይኖም ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ። ከምዚ እተንብቦ ዘሎኻ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ መጽሓፍ መሰረት ብምግባር ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ይግበር።

29. (ሀ) ሓቀኛታት ክርስትያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ እንታይ ዝኽሪ ኢዮም ዘኽብሩ፧ (ለ) ካብቲ ቅጫን ወይንን ዝካፈሉ መን ኢዮም፧

29 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተጸብጺቡ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባታት ሓንሳእ ኣብ ዓመትውን ንዝኽሪ ሞት የሱስ ሓደ ፍሉይ ኣኼባ ይገብሩ። የሱስ ነዚ ዝኽሪ ሞቱ መጀመርያ ክሰርዖ ኸሎ ከምዚ በለ:- “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ።” (ሉቃስ 22:​19, 20) የሱስ ሓደ በዓል ከብዕል ከሎ ከም ምልክት ናይታ ምእንቲ ደቅሰብ ክውፍያ ዝነበሮ ህይወቱ ምሳሌ ዝኸውን ወይንን ዘይበዅዐ ቅጫን ተጠቕመ። ስለዚ እቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ተረፍ ናይቶም 144, 000 ሰዓብቲ ክርስቶስ ከኣ ኣብዚ ዓመታዊ ናይ ዝኽሪ ድራር ካብቲ ቅጫን ወይንን ብምክፋል ተስፋኦም ሰማያዊ ከም ዝዀነ የርእዩ ኣለዉ።

30. (ሀ) ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዝሳተፉ መን ኢዮም: ተስፋኦምከ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ ይገልጾም፧

30 እቶም ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዋ መንግስቲ ኣዳራሻት ኣብቲ ዝኽሪ ዝሳተፉ ሚልዮናት ተዓዘብቲ ዀይኖም ብምእካቦም ይሕጐሱ ኢዮም። እቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ክድሕኑ ዝገበሩሎም ኸኣ ይዘኻኸሩ። ኣብ ክንዲ ንሰማይ ክንከይድ ዝብል ተስፋ ዘሕድሩ ግን በቲ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ዘለዎም ተስፋ ይሕጐሱ። እዚኣቶም ከምቲ ንገዛእ ርእሱ ከም ክፍሊ ናይቶም መርዓት ክርስቶስ ዘቝሙ 144, 000 ገይሩ ዘይኰነስ ከም “ዓርኪ መርዓዊ” ገይሩ እተዛረበላ ዮሃንስ መጥምቕ ኢዮም ዝመስሉ። (ዮሃንስ 3:​29) እዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክፍሊ ናይተን የሱስ እተዛረበለን “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢዮም። ኣባላት ናይቲ “ሒደት መጓሰ” ኣይኰኑን። ይኹን እምበር ከምቲ የሱስ ዝበሎ ምስቶም “ሒደት መጓሰ” ብሓደ ሓቢሮም “ሓደ መጓሰ” ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።​—⁠ዮሃንስ 10:​16፣ ሉቃስ 12:​32

ንኣምላኽ ምስ ማሕበሩ ኴንካ ምግልጋል

31. ኣምላኽ ነቶም ካብ ሓሶት ሃይማኖት ከይወጹ ኸለዉ: ክፍሊ ናይ ማሕበሩ ክዀኑ ዝፍትኑ ሰባት ስምረቱ ከም ዘይህቦም እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧

31 ከምቲ ብጥንቲ ሎሚውን የሆዋ ኣምላኽ ሓንቲ እትረአ ማሕበር ከም ዘላቶ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ግሁድ ኢዩ! ብኣኣ ገይሩ ድማ ሰባት ኣብቲ ጻድቕ ሓድሽ ኣገባቡ ክነብሩ የለማምዶም ኣሎ። ዝዀነ ዀይኑ ግን ክፍሊ ናይ ማሕበር ኣምላኽ ኴንና ምስኡ ኸኣ ክፍሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ቃል ኣምላኽ “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺቡዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧ . . . ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣምን እንታይ ግደ ኣለዎ፧” ይብል። ስለዚ ኣምላኽ “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን” ኢሉ ይእዝዘና።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:​14–17

32. (ሀ) ‘ካብ ማእከሎም ክንወጽእ’ እንተደኣ ኴንናስ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግበኣና፧ (ለ) ምስታ እትረአ ቲኦክራቲካዊት ማሕበሩ ኴንና ኣወንታዊ ስጕምቲ ብምውሳድ እንተደኣ ኣገልጊልናዮስ እንታይ በረኸታት ኢና ክንረክብ እንኽእል፧

32 “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን” እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብዘይካ እታ የሆዋ ዝጥቀመላ ዘሎ ማሕበር ንሓንቲ ካልእ ሃይማኖታዊት ማሕበር ኣባላ ወይ ከኣ እትድግፋ እንተደኣ ኴንካ ነዚ ትእዛዝ እዚ ትእዘዞ ኣሎኻ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ስለዚ ዝዀነ ይኹን ካባና ገና ምስ ከምዚአን ዝበላ ሃይማኖታውያን ማሕበራት እንተደኣ ኣሊና: ከም ዝገደፍናየን ብዕሊ ከነፍልጠን የድልየና። ሕጂ ካብዞም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሒዞም ዝመላለሱ ሰባት ወጺእና ምስታ እትረአ ቲኦክራቲካዊት ማሕበሩ ኴንናውን ንኣምላኽ ንምግልጋል ኣወንታዊ ዝዀነ ስጕምቲ እንተደኣ ወሲድና ኣብ መንጎ እቶም ኣምላኽ “ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ። ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበሎም ህዝቢ ክንከውን ኢና።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:​16

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 192 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ማይ ኣይሂ ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ማሕበር ንላዕሊ ድዩ ነይርዎ፧

[ኣብ ገጽ 196 ዘሎ ስእልታት]

ናይ ብዘላ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ናይ ስራሕ መምርሒ ዝወሃበሉ ቤት ጽሕፈታት

ክፍሊ ኮምፒዩተር

ኣብ ብሩክሊን ዘለዋ ሓተምቲ

ናይ ሮታሪ ማሕተም

መጻሕፍቲ ዝጥረዘሉ

ጽሑፋት ዝለኣኸሉ

[ኣብ ገጽ 197 ዘሎ ስእልታት]

ገለ ካብቶም ብዙሓት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሓተምቲ

ብራዚል

ዓዲ እንግሊዝ

ደቡብ ኣፍሪቃ

ዎልኪል: ኒውዮርክ

ካናዳ

[ኣብ ገጽ 198 ዘሎ ስእልታት]

ገለ ካብቶም 253, 922 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም ዝነበሩ

ፖሎ ግራውንድስ

ያንኪ ስታድዩም

[ኣብ ገጽ 201 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሐጕስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዝወሃብ