ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ

ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ

ምዕራፍ 27

ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ

1. ካብ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ረዲኤት ኢዩ ዘድልየና: ብኸመይከ ኢና እንረኽቦ፧

 ካብቲ እኩይ ጽልዋ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሓራ ምእንቲ ክዀኑስ ብፍላይ ክርስትያናት እቲ ብጸሎት ዝርከብ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም።” (ሉቃስ 11:​13) ከምቲ ቃሉ ከነጽንዕን ምስ ማሕበሩ ክንሓብርን ዘድልየና: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ መስለጢ ሓይሊ የድልየና ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል ግን ክንጽልየሉ ኣሎና።

2. (ሀ) ጸሎት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እተፈላለዩ ዓይነት ጸሎትከ እንታይ ኢዮም፧ (ሐ) ጸሎት ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ጸሎት ብኣኽብሮት ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ ኢዩ። እዚውን ንኣምላኽ ሓደ ነገር ምእንቲ ክህበና ክንሓትት ከሎና ብመልክዕ ልመና ክኸውን ይኽእል። ጸሎት ግን ንኣምላኽ ምስጋናን ውዳሴን ምቕራብ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:​10–13) ምስ እዚ ሰማያዊ ኣቦና ወርትግ ጥብቂ ርክብ ምእንቲ ክህልወና ድማ ከየባተኽና ብጸሎት ምስኡ ክንዛራረብ ይግብኣና። (ሮሜ 12:​12፣ ኤፌሶን 6:​18) እቲ ብጸሎት እንረኽቦ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ሰይጣንን እዛ ግዝኣቱ ዝዀነት ዓለምን ጸገም ወይ ፈተናታት እንተ ኣምጽኡልና እኳ ፍቓዱ ክንገብር ከበርትዓና ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:​13፣ ኤፌሶን 3:​20

3. (ሀ) ከመይ ዝበለ ሓይሊ ኢና ካብ ኣምላኽ እንቕበል፧ (ለ) ከመይ ገይርና ጥራይ ኢና ምስ ኣምላኽ ጥዑይ ዝምድና ክንዕቅብ እንኽእል፧

3 ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ልምዲ ወይ ተግባር ንኽትውግዶ ትቃለስ ትህሉ ትኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ ሓገዝ የሆዋ ድለ። ሃዋርያ ጳውሎስ ለሚኑ ኢዩ: ከምዚ ኢሉውን ጸሐፈ:- “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” (ፊልጲ 4:​13፣ መዝሙር 55:​22፣ 121:​1, 2) ሓንቲ ካብ መገዲ ብዕልግና ናጻ ዝወጸት ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ካብቲ ኵነታት እቲ ናጻ ከውጽኣካ ሓይሊ ዘለዎ ንሱ ጥራይ ኢዩ። ብሕታዊ ዝምድና ምስ የሆዋ ክህልወና ኣለዎ: እዚ ብሕታዊ ዝምድና እዚ ክቕጽለሉ ዝኽእል ሓደ መገዲ ኸኣ ጸሎት ኢዩ።”

4. ሓደ ሰብኣይ ካብቲ ዝነበሮ ወልፊ ሽጋራ ክላቐቕ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓይሊ ዝረኸበ፧

4 ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ከምዚ ክብል ይኽእል:- ‘ሓገዝ ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ለሚነ ይኹን እምበር እከይ ካብ ምግባር ኣይተቘጠብኩን’። እዚ ዘረባ’ዚ ብኣትከኽቲ ሽጋራ ይብሃል ኢዩ። ሓደ ካብዞም ሰባት እዚኦም “መኣዝ ኢኻኸ ጸሎት እትገብር፧” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ: ንግሆ ምስ ተባራበርኩን ሓይሊ ስኢነ ሽጋራ ደድሕሪ ምስታየይን ብዝፈጸምኩዎ ጌጋ ምሕረት ኽገብረለይ ንየሆዋ እልምኖ።” ዓርኩ ግን ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “ብሓቂ ሓገዝ የሆዋ ዘድልየካ ዝነበረ ኣብታ ሽጋራ ከተትክኽ ዝደለኻላ እዋን ኢያ ነይራ: ኣይኰነን ድዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢኻ የሆዋ ሓይሊ ክህበካ ክትጽሊ ዝግብኣካ።” እቲ ሰብ ከምቲ እተባህለሉ ምስ ገበረ ወልፉ ንኽገድፍ ረድኤት ተዋህቦ።

5. (ሀ) ንኣምላኽ ብግቡእ ንኸተገልግሎ እንታይ የድሊ፧ (ለ) ካብ ሓጥእ ተግባራት ንምርሓቕ ስቓይ ከም ዝሓትት ዘመልክት እንታይ ኢዩ፧

5 ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ስለ ዝቐረብካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እናገበርካውን ምስታ እትርአ ማሕበሩ ትመላለስ ስለ ዘሎኻ: ነቲ ቅኑዕ ተግባራት ክትፍጽሞ ቀሊል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ጻዕሪ: ብርቱዕ ቃልሲ ምናልባሽውን ስቓይ ይሓትት ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 9:​27) ሕማቕ ልምዲ ኵሉ ግዜ እኩይ ተግባራት ንኽትገብር ይደፋፍእ ኢዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ካብ ሓጥእ ተግባራት ምስ ዝርሕቕ ስቓይ ይስዕቦ ኢዩ። እሞኸ ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ንኽትገብር ኢልካ ስቓይ ንኽትቅበል ፍቓደኛ ዲኻ፧​—⁠1 ጴጥሮስ 2:​20, 21

ኣምላኽ ዝሰምዖ ጸሎት

6. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ጸሎት ምግባር ዝኸብዶም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጸሎትና ምእንቲ ክስማዕ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘድልየና፧

6 ብዙሓት ሰባት ጸሎት ንምግባር ይኸብዶም ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ “ንዘይርእዮ ክጽሊ የሸግረኒ ኢዩ” ትብል። ንኣምላኽ ዝርኣዮ ሰብ ስለ ዘየለ ጸሊና ኣምላኽ ምእንቲ ክሰምዓና እምነት ከድልየና ኢዩ። የሆዋ ከም ዘሎን ዝለመንናዮውን ከም ዝገብረልናን ክንኣምን የድልየና። (እብራውያን 11:​6) ከምዚ ዝበለት እምነት ምስ እትህልወና: ናብ ኣምላኽውን ብቅኑዕ ልቢ እንተደኣ ቐሪብናስ ከም ዝሕግዘና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማርቆስ 9:​23) ቆርኔሌዎስ እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣባል ናይታ ማሕበር ኣምላኽ ዘይነበረ እኳ ክነሱ ብቅኑዕ ልቢ መሪሕነት ክወሃቦ ምስ ለመነ ኣምላኽ ጸሎቱ ሰምዐ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:​30–33

7. (ሀ) እንታይ ዓይነት ጸሎት ኢዩ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ፧ (ለ) ኣምላኽ ዘይሰምዖ ጸሎትከ እንታይ ዓይነት ኢዩ፧

7 ገለ ሰባት ሓሳባቶም ንምግላጽ ይጽግሞም ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ብጸሎት ምስ ኣምላኽ ካብ ምዝራብ ክዓግቶም የብሉን። ድላይና ከም ዝፈልጥን እንታይ ክንብል ከም ዝደለናውን ከም ዝርድኣልናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:​8) እስኪ ሕሰበሉ: ውላድካ ብኣዛራርባኡ ገይሩ ብቕንዕና ካብ ልቡ ዘውስኦ ሞሳዶ ወይስ ካልኦት ብዝቐረብሉ ኣዘራርባ ገይሩ ዘቕረበልካ ምስጋና ኢዩ ዝያዳ ባህ ዘብለካ፧ ከምኡውን እቲ ሰማያዊ ኣቦና እቲ ካብ ልብና ዝወጸ ቅኑዕ ቃላትና ኢዩ ባህ ዝብሎ። (ያእቆብ 4:​6፣ ሉቃስ 18:​9–14) ፍሉይ ቃላትን ሃይማኖታዊ ቛንቋን ኣየድልን ኢዩ። ብዘይዚውን ኣምላኽ ጸሎት ናይቶም ንኻልኦት ክምስጡ ኢሎም ዘይልሙድ ወይ ዓው ብዝበለ ኣዘራርባ ገይሮም ዝጽልዩን ብዘይ ቅንዕናውን ንሓደ ሓሳብ መመሊሶም ዝደጋግሙን ሰባት ኣይሰምዖን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:​5, 7

8. (ሀ) ኣምላኽ ነቲ ብውሽጥና እንገብሮ ጸሎትውን ከም ዝሰምዖ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ብፍሉይ ኣቃውማን ኣብ ፍሉይ ቦታን ክንጽሊ ከም ዘሎናዶ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር ኢዩ፧

8 ብውሽጢ ልብኻ ክትጽሊ ከሎኻውን ኣምላኽ ክሰምዓካ ይኽእል ኢዩ። ነህምያን ከምኡ ድማ ሃና ብቕንዕና ልቢ ብውሽጦም ንኣምላኽ ምስ ለመኑዎ ጸሎቶም ተመለሰሎም። (ነህምያ 2:​4–8፣ 1 ሳሙኤል 1:​11–13, 19, 20) ጸሎት ክትገብር ከሎኻ ብኸመይ ዝበለ ኣቃውማ ከም እትገብሮውን ኣገዳሲ ነገር ኣይኰነን። ብዘድልየካ ኣቃውማን ኣብ ዝዀነ ግዜን ቦታን ኴንካ ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ዀይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትሕትና ኣቃውማ: ርእሲ ምድናን ወይ ምምብርካኽ ግቡእ ከም ዝዀነ ይሕብር። (1 ነገስት 8:​54፣ ነህምያ 8:​6፣ ዳንኤል 6:​10፣ ማርቆስ 11:​25፣ ዮሃንስ 11:​41) የሱስውን ናይ ብሕቲ ጸሎት ክቐርብ ከሎ ሰባት ኣብ ዘይርእይሉ ኣብ ስቱር ቦታ ዀይኑ እንተ ተገብረ ሰናይ ከም ዝዀነ ኣመልኪቱ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠6

9. (ሀ) ኵሉ ጸሎትና ናብ መን ኢዩ ክቐርብ ዘለዎ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣምላኽ ጸሎትና ምእንቲ ክቕበሎኸ ብስም መን ኢና ከነቕርበሉ ዝግብኣና፧

9 ጸሎት ክፍሊ ናይ ኣምልኾና ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ጸሎትና ናብቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ደኣ እምበር ናብ ካልእ ከነቕርብ የብልናን። (ማቴዎስ 4:​10) መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያን ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከሎናስ ብስም እቲ ካብ ሓጢኣትና ከንጽሃና ኢሉ ህይወቱ ዝሃበና የሱስ ገይርና ክንቀርብ ከም ዝግብኣና ይነግረና። እዚ ማለት ድማ ጸሎትና ብስም የሱስ ከነቕርቦ ኣሎና ማለት ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 14:​6, 14፣ 16:​23፣ ኤፌሶን 5:​20፣ 1 ዮሃንስ 2:​1, 2

10. (ሀ) ንኣምላኽ ዘየሐጕሶ ጸሎት ናይ መን ኢዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ጸሎትና ምእንቲ ክሰምዓና እንታይ ኢና ክንገብር ዝግብኣና፧

10 ይኹን እምበር ኵሉ ዝቐርብ ጸሎት ንየሆዋ ባህ ዘብሎ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ: ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።” (ምሳሌ 28:​9፣ 15:​29፣ ኢሳይያስ 1:​15) ስለዚ ኣምላኽ ጸሎትና ኽሰምዓና ንደሊ እንተደኣ ዄንናስ እቲ ካባና ዝድለ መሰረታዊ ነገር ፍቓዱ ክንመልእ ንሕግታቱውን ክንእዘዝ ኢዩ። እንተ ዘይኰነ ግን ከምቲ ሓደ ቅኑዕ ሰብ ነቲ ብዕሉግ ገይሩ ዝወሰዶ ናይ ራድዮ መደባት ዘይሰምዖ ኣምላኽውን ኣይሰምዓናን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስውን “ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል” ይብል።​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠22 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

11. እቲ እንጽልየሉ ክንዓየሉ ኣሎና ማለትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧

11 እዚ ማለት ነቲ እንጽልየሉ ክንዓየሉ ኣሎና ማለት ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ካብ ወልፊ ትምባኾን ማሪዋናን ከላቕቖ እናለመነ ኸብቅዕ መሊሱ ኸኣ ነዚ ነገራት’ዚ ክዕድግ እንተደኣ ከይዱስ ጌጋ ኢዩ። ከምኡውን ካብ ብዕልግና ክእርነብ እናለመነ ብዕሉግ ጽሑፋት ከንብብ: ከምኡውን ፊልምታትን ናይ ተለቪዥን መደባትን ክርኢ ኣይክእልን ኢዩ። ብዘይዚውን እቲ ሰብ ልማዱ ቁማርን ምጥላዕን እንተደኣ ዀይኑ ንኣምላኽውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግናይ ልምዲ ከላቕቖ እንተደኣ ለሚኑ ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ኰነ ወይ ቁማር ዝዝውተረሉ ቦታታት ክርከብ የብሉን። ጸሎትና ኣምላኽ ንኽሰምዖ እቲ እንልምኖ ብሓቂ ከም እንደልዮ ብተግባርና ከነርእዮ ኣሎና።

12. (ሀ) ኣብቲ ጸሎትና ከነእትዎ እንኽእል ነገራት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ጸሎትና ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ምእንቲ ክኸውንከ እንታይ ኢና ክንፈልጥ ዘሎና፧

12 ከመይ ዝበሉ ንብሕትና ዘድልዩና ነገራትከ ኢና ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ጸሎት ከነእትዎ እንኽእል፧ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ዝትንክፍ ዘበለ ዅሉ ከም ጥዕናና: ንኣተዓባብያ ቈልዑ ዝምልከት ክንጽልየሉ ዝግብኣና ኢዩ። (2 ነገስት 20:​1–3፣ መሳፍንቲ 13:​8) ሃዋርያ ዮሃንስ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ይሰምዓና እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:​14) ስለዚ እቲ ኣገዳሲ ነገር ልመናና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ መጀመርታ ፍቓድ አምላኸ እንታይ ከም ዝዀነ ክንፈልጥ የድልየና። (ምሳሌ 3:​5, 6) ብድሕር’ዚ ክንጽሊ ከሎና ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ናይ ብሕትና ጥቕሚ ጥራይ እንግደስ ንፍቓድ ኣምላኽን ዕላምኡን ኣብ ግምት ምስ እነእትዎ ጸሎትና ኣብ የሆዋ ቅቡል ይኸውን። ከምኡ ድማ በቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ንየሆዋ በየዕለቱ ከነመስግኖ ግቡእ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 6:​11, 23፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:​16, 17

13. (ሀ) ኣብ ጸሎትና ኣቐዲምና እንታይ ክንጠቅስ ከም ዝግብኣና ኢዩ የሱስ ዝማሃረና፧ (ለ) ድሕሪኡኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኣብ ጸሎትና ክንልምን እንኽእል፧

13 የሱስ ንሰዓብቱ ሓደ መምርሒ ክዀኖም ዝኽእል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽውን ቅቡል ዝዀነ ዓይነት ጸሎት መሃሮም። (ማቴዎስ 6:​9–13) እዚ ጸሎት እዚ ቅድም ብዛዕባ ስም ኣምላኽን መንግስቱን ከምኡውን ፍቓዱ ኣብዛ ምድርን ክጽለ ከም ዘለዎ የርኢ። ድሕርዚ ድማ ኵሉ እቲ ንኣና ዘድልየና ዘበለ ከም ዕለታዊ መግብና: ሕድገት ሓጢኣት ካብ ፈተናን ካብ ክፉእን ማለት ካብ ሰይጣን ድያብሎስ ክንድሕን ንልምን።

ምእንቲ ኻልኦት እንገብሮ ጸሎት

14. መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኻልኦት ኢልካ ምጽላይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጾ፧

14 የሱስ ምእንቲ ኻልኦት ኢልካ ጸሎት ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ። (ሉቃስ 22:​32፣ 23:​34፣ ዮሃንስ 17:​20) ሃዋርያ ጳውሎስ ቁም ነገር ናይ ከምዚ ዝበለ ጸሎት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ ኵሉ ግዜ ካልኦት ክጽልይሉ ዝሓቶም ዝነበረ። (1 ተሰሎንቄ 5:​25፣ 2 ተሰሎንቄ 3:​1፣ ሮሜ 15:​30) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሀበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ።” (ፊልሞን 22፣ ኤፌሶን 6:​18–20) ጳውሎስ ቀልጢፉ ካብ ማእሰርቲ ምውጻኡስ እቲ ካልኦት ዝጸለይሉ ጸሎት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጠቐሞ የመልክት።

15. ብዛዕባ እቶም እነፍቅሮም ሰባት እንታይ ኢልና ኢና ክንጽልየሎም እንኽእል፧

15 ጳውሎስ ምእንቲ ካልኦት ሰባት እውን ጸልዩ ኢዩ። “ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ክቘጽረኩም . . . ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን ኣሎና” ኢሉውን ጸሓፈ። (2 ተሰሎንቄ 1:​11) ንሓንቲ ኻልእ ጉባኤ እውን ከምዚ በለ:- ‘ሰናይ እምበር ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ: ናብ ኣምላኽ ንልምን ኣሎና።’ (2 ቈረንቶስ 13:​7 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) ኣስኣሰር ጳውሎስ ስዒብና ብዛዕባ እቶም እነፍቅሮም ሰባት ፍሉይ ጸሎት ከነቕርብሲ ብርግጽ ሰናይ ግብሪ ኢዩ። ብሓቂ ኸኣ “ጸሎት ጻድቕ [እቲ ብቕንዕና ዘቕርቦ ልመና] ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።”​—⁠ያእቆብ 5:​13–16

16. (ሀ) እቲ ዘድልየና ሓገዝ ንምርካብ መኣዝ ኢና ክንጽሊ ዝግብኣና፧ (ለ) ጸሎት ዓቢ መሰል ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

16 ሓደ ኣገልጋሊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ከሎ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “ብዘይካ እቲ ኣብ ሰሙን ሰሙን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ከሎኻስ ካልእ ግዜኸ ጸሎትዶ ትገብር ኢኻ፧” እቲ ዘድልየና ረድኤት ካብ ኣምላኽ ምእንቲ ክንረክብ ከየባተኽና ብጸሎት ቀሪብና ክንልምኖ ኣሎና። (1 ተሰሎንቄ 5:​17፣ ሉቃስ 18:​1–8) ንኣምላኽ ከምቲ ምስ ሓደ እተፍቅሮን እትኣምኖን ዓርክኻ ገይርካ ብትሕትና ክትዛረቦ ተማሃር። ናብቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ ክቡር ገዛኢ ናይዚ ኹሉ ኣድማስ ብጸሎት ቀሪብካ ክትልምኖ እሞ: ከም ዝሰማዓካውን ክትፈልጥሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ!​—⁠መዝሙር 65:⁠2

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 227 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ሰብ ሽጋራ ንኸትክኽ ፈተና ምስ ገጠሞ እንታይ ክገብር ይግብኦ⁠—​ሓገዝ ክረክብ ክጽሊዶ ወይስ ኢዱ ክህብ፧

[ኣብ ገጽ 229 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምላኽ ሓገዝ ክህበካ ለሚንካዮ ከተብቅዕሲ ኣብቲ ንጌጋ ዝመርሕ ተግባራትዶ ትካፈል፧

[ኣብ ገጽ 230 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ካልኦት ከሎኻ ጥራይ ዲኻ ወይስ ንብሕትኻውን ትጽሊ ኢኻ፧