ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧

የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧

ምዕራፍ 6

የሱስ ክርስቶስ​—⁠ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧

1, 2. (ሀ) የሱስ ክርስቶስ ህያው ሰብ ኰይኑ ይነብር ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ እንታይ መርትዖታት ኢዩ ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ የሱስ ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢዮም ዝለዓሉ፧

 ሎሚ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሰሚዑ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ከምኡ ገይሩ ዓቢ ጸለውታ ዝገበረ ሰብ ከቶ ኣይርከብን ኢዩ። እቲ ኣብ ብዙሕ ወገናት ዓለም ዝዝውተር ዘሎ ዓውደ ኣዋርሕ እኳ ንርእሱ ብመሰረት እቲ ተወሊድሉ ተባሂሉ ዝሕሰብ ዓመት መበገሲ ኢዩ ዝስርሓሉ ዘሎ! እታ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ከም እትብሎ “ቅድሚ እታ ዓመት እቲኣ ዝነበሩ ዕለታት ቅ.ል.ክ. ወይ ከኣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ይበሃሉ። ድሕሪ እታ ዓመት እቲኣ ዘለዉ ዕለታት ከኣ ዓ.ም. ወይ ከኣ ዓመተ ምሕረት (ጐይታና እተወልደሉ ዓመት)” ይበሃሉ።

2 ስለዚ የሱስ: ናይ ሓሳብ ምህዞ ዝዀነ ሰብ ኣይነበረን። ብሓቂ ከም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ይነብር ነይሩ ኢዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “ብጥንቲ እቶም ጸላእቲ ክርስትናውን ከይተረፉ የሱስ [ይነብር] ከም ዝነበረ ፈጺሞም ተጣራጢሮም ኣይፈልጡን” ትብል። እሞ የሱስ ደኣ መን ኢዩ ነይሩ፧ ብሓቂ ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ ነይሩ፧ ከመይ ኢሉ ኢዩኸ ክሳዕ ክንድዚ ፍሉጥ ክኸውን ዝኸኣለ፧

ቅድምውን ይነብር ነይሩ ኢዩ

3. (ሀ) ብመሰረት ቃላት ናይቲ መልኣኽ ማርያም እተወልደላ ወዲ መን ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ከመይ ኢላ እያኸ ማርያም ብድንግላ ኸላ ንየሱስ ክትጠንሶ ዝኸኣለት፧

3 የሱስ ከምቲ ናይ ካልእ ሰብ ዘይኰነስ ካብ ሓንቲ ድንግል ኢዩ ተወሊዱ። ስማውን ማርያም ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ውሉዳ ኸኣ ሓደ መልኣኽ ከምዚ በለ:- “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪበሀል ኢዩ።” (ሉቃስ 1:​28–33፣ ማቴዎስ 1:​20–25) ከመይ ኢላ እያኸ ሓንቲ ድንግል ሰብኣይ ከይፈለጠት ክትጠንስ እትኽእል፧ እዚ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዀይኑ። የሆዋ ንህይወት ናይቲ ብርቱዕ መንፈሳዊ ወዱ ካብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ናይታ ድንግል ማርያም ኣተሓላለፎ። እዚ​ውን ሓደ ተኣምር ኢዩ ነይሩ! ብርግጽ እቲ ነታ ቀዳ⁠መይቲ ሰበይቲ እቲ ዘገርም ክእለት ናይ ምፍራይ ሂቡ ዝፈ​ጠረስ ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣዊ ኣቦ ከም እትወልድ ክገ⁠ብራውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይገ⁠ልጽ:- “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና . . . ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ . . . ሓደ ወዱ ለአኾ።”​—⁠ገላትያ 4:⁠4

4. (ሀ) የሱስ ህጻን ኰይኑ ቅድሚ ምውላዱ ኣበይ ይነብር ነበረ፧ (ለ) ቅድም ኣብ ሰማይ ይነብር ከም ዝነበረ ንኽገልጽ ኢሉኸ የሱስ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

4 የሱስ ኣብ ምድሪ ከም ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምውላዱ: ኣብ ሰማይ ከም ሓደ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ይነብር ነበረ። ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ዘለዎ: ብዓይኒ ሰብ ክርኤ ዘይክእል መንፈሳዊ ኣካል ነይሩዎ። (ዮሃንስ 4:​24) የሱስ ባዕሉ ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታ ኽብሪ ከም ዝነበረ ብዙሕ ግዜ ተዛሪቡ ኢዩ። ሓደ ግዜውን ክጽሊ ኸሎ “ዎ ኣቦይ: ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ” በለ። (ዮሃንስ 17:​5) ነቶም ሰማዕቱውን ከምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም: ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ።” “ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ: ከመይ ኢዩ፧” “ኣነ: ኣብርሃም ከይተወልደ: ከም ዘሎኹ።”​—⁠ዮሃንስ 8:​23፣ 6:​62፣ 8:​58፣ 3:​13፣ 6:​51

5. (ሀ) ስለምንታይ ኢዩ የሱስ “ቃል:” “በዅሪ:” “ሓደ ወዱ:” ተባሂሉ ዝጽዋዕ፧ (ለ) የሱስ ምስ ኣምላኽ ኣብ ከመይ ዝበለ ዕዮ ተሳተፈ፧

5 የሱስ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጻኡ ቃል ኣምላኽ ይበሃል ነበረ። እዚ መዓርግ እዚውን ኣብ ሰማይ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዀይኑ ይዛረብ ከም ዝነበረ ዘመልክት ኢዩ። ከምኡውን ናይ ኣምላኽ “በዅሪ” ወይ “ሓደ ወዱ” እውን ይበሃል ኢዩ። (ዮሃንስ 1:​14፣ 3:​16፣ እብራውያን 1:​6) ከምኡ እተባህለ ድማ ንሱ ቅድሚ ዅሎም እቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ዝነበረን: ንሱ በይኑ ጥራይ ከኣ ቐጥታ ብኢድ ኣምላኽ እተፈጥረን ስለ ዝዀነ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ: እዚ “በዅሪ” ወዱ እዚ ምስ የሆዋ ኣቦኡ ዀይኑ ካልእ ዅሉ ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር ተኻፊሉ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:​15, 16) ስለዚ ኣምላኽ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ክብል ከሎስ: ምስ ወዱ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እወ: እቲ ደሓር ኣብ ምድሪ ዝመጸ ካብ ሰበይቲውን እተወልደ: ዅሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ተኻፊሉ ኢዩ! ድሮ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡ ንዘይተፈልጠ ዓመታት ኣቐዲሙ ይነብር ነይሩ ኢዩ!​—⁠ዘፍጥረት 1:​26፣ ምሳሌ 8:​22, 30፣ ዮሃንስ 1:​3

ምድራዊ ህይወቱ

6. (ሀ) የሱስ ቀቅድሚ ምውላዱን ብድሕሪኡን እንታይ ተፈጸመ፧ (ለ) የሱስ ኣበይ ተወልደ: ኣበይከ ኢዩ ዝዓበየ፧

6 ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ነበረት። ከም ዝጠነሰት ምስ ተረድአ ግና ምስ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸመት መሲልዎ ክገድፋ ሓሰበ። ይኹን ደኣምበር የሆዋ እቲ ጠኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝዀነ ምስ ነገሮ ዮሴፍ ንማርያም ሰበይቱ ክትኰኖ ወሰዳ። (ማቴዎስ 1:​18–20, 24, 25) ድሕርዚ ድማ ናብ ከተማ ቤትልሄም ምስ ከዱ የሱስ ተወልደ። (ሉቃስ 2:​1–7፣ ሚክያስ 5:​2) የሱስ ገና ህጻን ከሎ ኸኣ ንጉስ ሄሮድስ ክቐትሎ ይደሊ ነበረ። የሆዋ ግን ንዮሴፍ ኣጠንቀቖ እሞ ነቲ ህጻንን ነዲኡን ሒዙ ናብ ግብጺ ሃደመ። ንጉስ ሄሮድስ ምስ ሞተ ኸኣ ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ሒዞሞ ናብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ተመልሱ: ኣብኡውን ዓበየ።​—⁠ማቴዎስ 2:​13–15, 19–23

7.(ሀ) የሱስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ እንታይ ተፈጸመ፧ (ለ) የሱስ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኢዩ እተማህረ፧

7 የሱስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ድማ በዓል ፋስጋ ንኸብዕል ምስ ወለዱ ንየሩሳሌም ከደ። ኣብኡ ድማ ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስቶም መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዅሎምውን በቲ ፍልጠቱ ተገረሙ። (ሉቃስ 2:​41–52) የሱስ ኣብ ናዝሬት ዓበየ: ኣብኡውን ጽርበት ተማህረ። ዮሴፍ እቲ ከም ወላዲኡ ኰይኑ ዘዕበዮ ባዕሉ ጸራባይ ስለ ዝነበረ ንየሱስውን እዚ ጥበብዚ ከም ዝማሃሮ ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 6:​3፣ ማቴዎስ 13:​55

8. የሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኣኸለኸ እንታይ ተፈጸመ፧

8 የሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ህይወቱ ሓደ ዓቢ ለውጢ ተራእየ። ሽዑ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ ከደ እሞ ኬጥምቖ ማለት ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ምሉእ ነብሱ ከጥልቖ ሓተቶ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምቀቱ ከምዚ ይብል:- “የሱስ ምስ ተጠምቀ: ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ: ሰማያት ተኸፍተ: መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ: ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። እንሆ ድማ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።” (ማቴዎስ 3:​16, 17) የሱስ ብኣምላኽ እተላእከ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ዮሃንስ ጥርጥር ኣይነበረን።

9. (ሀ) የሱስ ካብ መዓስ ኢዩ ክርስቶስ ዝዀነ: ስለምንታይ ካብ ሽዑ፧ (ለ) የሱስ ብምጥማቑ እንታይ ንኽገብር ኢዩ ርእሱ ዘቕረበ፧

9 የሆዋ ንየሱስ መንፈስ ቅዱስ ከፍስሰሉ ከሎ ንጉስ ናይታ እትመጽእ መንግስቱ [ናይ የሆዋ] ንክኸውን ኢሉ ይቐብኦ ወይ ይሸሞ ነይሩ ማለት ኢዩ። ብመንፈስ ምስ ተቐብአውን የሱስ “መሲሕ” ወይ “ክርስቶስ” ኰነ: እዘን ቃላት እዚኣተን ከኣ ብእብራይስጥን ግሪኽን “ቅቡእ” ማለት ኢየን። ስለዚውን የሱስ ክርስቶስ ወይ የሱስ እቲ ቅቡእ ተባህለ። ስለዚ ጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም ሃዋርያቱውን ክዛረብ ከሎ:- “ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት: ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:​38) የሱስ ኣብ ማይ ብምጥማቑ ነቲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ክገብሮ ዝለኣኾ ዕዮ ክፍጽም ኢሉ: ገዛእ ርእሱ ናብ ኣምላኽ ኣቕረበ። እዚ ዓቢ ዕዮ እዚኸ እንታይ ነበረ፧

ስለምንታይ ናብ ምድሪ መጸ

10. ከመይ ዝበለ ሓቂ ንኸፍልጥ ኢዩ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ፧

10 የሱስ ስለምንታይ ናብ ምድሪ ከም ዝመጸ ነቲ ሮማዊ ገዛኢ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ክነግሮ ኸሎ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። (ዮሃንስ 18:​37) ከመይ ዝበለ ፍሉይ ዝዀነ ሓቂ ንኸፍልጥ ኢሉ ኢዩ ግን የሱስ ናብ ምድሪ እተላእከ፧ እታ ቐዳመይቲ ከፍልጣ ዝመጸ ሓቂ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ጸሎት ክምህሮም ከሎ ስም ኣቦኡ ‘ክቕድሱ’ ነገሮም። (ማቴዎስ 6:​9) ንሱ ባዕሉውን ክጽሊ ኸሎ “ነዞም . . . ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም” በለ። (ዮሃንስ 17:​6) ከምኡ እውን “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ ኢዩ” በለ።​—⁠ሉቃስ 4:​43 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

11. (ሀ) የሱስ ንዕዮኡ ኣገዳሲ ገይሩ ዝረኣዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ካብ ምግባር ኢዩ የሱስ ድሕር ዘይበለ፧ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧

11 እዚ ንስም ኣቦኡን ብዛዕባ እታ መንግስትን ንሰባት ኸፍልጥ ኢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ዕዮ: ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘገድሶ ነይሩ፧ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም ኢዩ።” (ዮሃንስ 4:​34) ስለምንታይከ ኢዩ የሱስ ነቲ ዕዮ ኣቦኡ ከም መግቢ ገይሩ ኣዕብዩ ዝገመቶ፧ ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣዳልይዎ ዘሎ መስተንክር ዝዀነ ዕላማታቱ በታ መንግስቲ ገይሩ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ስለ ዝዀነ ኢዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ኢያ መጺኣ ንዅሉ እዚ ሕጂ ዘሎ እከይ ኣጥፊኣ ንስም የሆዋ እውን ካብቲ ጠቢቕዎ ዘሎ ወቐሳ ከተንጽሆ እትኽእል። (ዳንኤል 2:​44፣ ራእይ 21:​3, 4) ስለዚ: የሱስ ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ብዛዕባ እታ መንግስትን ንሰባት ካብ ምእዋጅ ፈጺሙ ድሕር ኣይበለን። (ማቴዎስ 4:​17፣ ሉቃስ 8:​1፣ ዮሃንስ 17:​26፣ እብራውያን 2:​12) የሱስ ብሰባት ተቐባልነት ይሃልዎ ወይስ ኣይሃልዎ ከየገደሶ ኵሉ ግዜ ሓቂ ጥራይ ኢዩ ዝዛረብ ዝነበረ። ንሕናውን ንኣምላኽ ባህ ከነብሎ ንደሊ እንተደኣ ኴንናስ ነቲ የሱስ ገዲፉልና ዘሎ ኣርኣያ ክንክተሎ ይግብኣና።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:​21

12. ንኸመይ ዝበለ ካልእ ዓቢ ምኽንያት ኢዩ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ፧

12 ይኹን እምበር ንሕና ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክንረክብ: የሱስ ደሙ ኣፍሲሱ ክመውት ግድን የድሊ ነበረ። ከምቲ ክልተ ኻብቶም ሃዋርያት የሱስ “ሕጂ ብደሙ . . . ጸደቕና:” “ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና” ዝበልዎ ኢዩ። (ሮሜ 5:​9፣ 1 ዮሃንስ 1:​7) ስለዚ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ዓቢ ምኽንያትሲ በጃና ንኽመውት ኢሉ ኢዩ። ከምዚውን በለ:- “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን”። (ማቴዎስ 20:​28 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ግን ክርስቶስ ህይወቱ “በጃ” ሂቡ ማለትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ደሙ ኣፍሲሱ ክመውት: ንድሕነትና ኣድላዪ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

ህይወቱ በጃ ሃበ

13. (ሀ) በጅነት እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) እቲ የሱስ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ከውጽኣና ኢሉ ዝኸፈለልና ዋጋ በጅነት እንታይ ኢዩ፧

13 እታ “በጃ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ምጭዋይ ሰብ ኢያ እትዝውተር። ሓደ ጨዋዪ ንሓደ ሰብ ምስ ሓዞ ከም በጃ ገለ ገንዘብ እንተ ተኸፊሉ ነቲ ሰብ ከም ዝመልሶ ይዛረብ። ስለዚ በጃ ነቲ እተማረኸ ሰብ ድሕነት ዘምጽእ ማለት ኢዩ። ህይወቱ ንኸተድሕን ኢልካ ዝኽፈል ዋጋ ኢዩ። ደቅሰብ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ከውጽኦም ኢሉ ኢዩ የሱስ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ በጃ ብምሕላፍ ዝኸፈላ። (1 ጴጥሮስ 1:​18, 19፣ ኤፌሶን 1:​7) ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝበለ ሓርነት ዘድለየ፧

14. እቲ ብየሱስ እተኸፍለ በጅነት ዘድለየስ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 እዚ ዘድለየሉ ምኽንያት እቲ ኣቦ ዅልና ዝዀነ ኣዳም ኣንጻር ኣምላኽ ብምዕላዉ ኢዩ። እቲ መፍረስ ሕጊ ዝዀነ ተግባሩ ኣብ ሓጢኣት ኣውደቖ: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 3:4፣ 5:17) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይበቕዔን። (ሮሜ 6:​23) ስለዚ ኣዳም ነታ ኣብ ምድራዊት ገነት ዝነበረቶ ፍጽምቲ ህይወት ኣጥፍአ። እዚ ግሩም ዝዀነ ተስፋ እዚ ንዅሎም እቶም ክፈርዮም ዝነበሮ ደቂውን ኣጥፍኣሎም። ‘ሓጢኣት ዝፈጸመ ኣዳም ክነሱ ስለምንታይ ደኣ ኢዮም ኵሎም ደቁ ዝሞቱ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

15. ሓጢኣት ዝፈጸመ ኣዳም ክነሱ: ስለምንታይ ኢዮም ደቁ ዝሳቐዩን ዝሞቱን ዘለዉ፧

15 እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣዳም ምስ ሓጥአ: ሓጢኣትን ሞትን ንዅሎም ደቁ: ነዞም ሎሚ ዘሎናውን ከይተረፈ ስለ ዘሕለፈልና ኢዩ። (እዮብ 14:​4፣ ሮሜ 5:​12) መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ይብል። (ሮሜ 3:​23፣ 1 ነገስት 8:​46) እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ዳዊትውን ከምዚ በለ:- “እንሆ: ብኣበሳ ተወለድኩ: እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።” (መዝሙር 51:​5) እምበኣርከስ ሰብ ዝመውት ዘሎ ብምኽንያት ናይቲ ካብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት ኢዩ። እሞ ከመይ ገይሩ ደኣ ኢዩ: የሱስ ህይወቱ በጃ ብምሕላፍሲ ንዅሎም ደቅሰብ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ከውጽኦም ዝኽእል፧

16. (ሀ) ኣምላኽ ነቲ በጅነት ክህብ ከሎስ ብኸመይ ኢዩ ነቲ ‘ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ’ ዝብል ዝሰርዖ ሕጊ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ፧ (ለ) ነቲ ዋጋ በጅነት ከቕርብ ዝኽእል ሰብ: የሱስ ጥራይ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ኣብቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ዝርከብ ሕጋዊ መትከል: ኣብዚ እትው ኢዩ። ንሱ ኸኣ “ነፍሲ ኣብ ክንዲ: ነፍሲ” ዝብል ኢዩ። (ዘጸኣት 21:23፣ ዘዳግም 19:​21) ኣዳም እቲ ፍጹም ዝነበረ ሰብኣይ ብዘይምእዛዙ ንርእሱን ንደቁን ፍጹም ህይወት ኣብ ምድራዊት ገነት ኣጥፍአ። የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ እንደገና ንኽዕድግ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ሃበ። እወ: የሱስ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ።” (1 ጢሞቴዎስ 2:​5, 6 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) የሱስ ከም ኣዳም ‘ፍጹም ሰብ’ ስለ ዝነበረ ድማ ኢዩ “እቲ ዳሕራይ ኣዳም” እተባህለ። (1 ቈረንቶስ 15:​45) ስለዚ ኸኣ ብዘይካ የሱስ ሓደ እኳ ካብ ደቅሰብ ነዚ በጅነትዚ ከቕርብ ዝከኣሎ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድማ የሱስ በይኑ ኢዩ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሰባት: ፍጹም ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ ብምዃን: ማዕረ ኣዳም ዝነበረ።​—⁠መዝሙር 49:​7፣ ሉቃስ 1:​32፣ 3:​38

17. እቲ በጅነት መዓስ ኢዩ ንኣምላኽ እተኸፍለ፧

17 የሱስ ክመውት ከሎ ወዲ 33 ዓመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ሞት ተንሲኡ ህያው ኰነ። ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ ንሰማይ ዓረገ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:​3, 9–11) ኣብኡ ድማ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና” ነቲ ዋጋ ናይቲ ዝኸፈሎ መስዋእቲ በጅነት ሒዙ ኣተወ። (እብራውያን 9:​12, 24) ኣብቲ ግዜ እቲ በጅነት ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተኸፍለ። በዚ ኸምዚውን ድሕነት ንደቅሰብ ተኸፍተሎም። እሞ ጥቕሙ ደኣ መዓስ ኢዩ ዝርአ፧

18. (ሀ) ከመይ ኢልና ኢና ሕጂውን ከይተረፈ ካብቲ በጅነት ክንጥቀም እንኽእል፧ (ለ) ንዝመጽእከ በቲ በጅነት እቲ እንታይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧

18 ሕጂውን ከይተረፈ በጅነት የሱስ ክጠቕመና ይኽእል ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧ እምነትና ኣብዚ በጅነት እዚ እንተደኣ ገይርና: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኣቃውማ ክህልወና ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍቕሩን ሓልዮቱን ክንዕቈብ ንኽእል ኢና። (ራእይ 7:​9, 10, 13–15) ሓያሎ ኻባና ንኣምላኽ ቅድሚ ምፍላጥና ከቢድ ኣበሳ ዝፈጸምና ክንከውን ንኽእል። ሕጂውን ንብድል ኢና: አረ ሓድሓደ ግዜስ ከቢድ ኣበሳ ንፍጽም ኢና። ነዚውን ብመሰረት እቲ እተገብረልና በጅነት: ኣምላኽ ከም ዝሰምዓና ኣሚንና: ናብኡ ብዘይ ስክፍታ ብምቕራብ: ሕድገት ሓጢኣት ክግበረልና ክንልምን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 2:​1, 2፣ 1 ቈረንቶስ 6:​9–11) እዚ በጅነት እዚ ንድሕሪ ሕጂውን ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጽእ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብቲ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ኣገባብ ኣቲና ምእንቲ ክንረኽቦ ይጠቕመና። (2 ጴጥሮስ 3:​13) ሽዑ ኵሎም እቶም በዚ በጅነት’ዚ ዝኣምኑ ዘበሉ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ፈጺሞም ሓራ ክዀኑ ኢዮም። ንዘለኣለም ብፍጽምና ንኽነብሩውን ኣማዕድዮም ብብሩህ ተስፋ ክጽበዩ ይኽእሉ!

19. (ሀ) እዚ በጅነት’ዚ ስለ እተዋህበካ እንታይ ይስመዓካ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስከ ነዚ በጅነት’ዚ እዚ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ኢዩ ዝነግረና፧

19 ብዛዕባዚ በጅነትዚ ምስ ፈለጥካኸ እንታይ ኢዩ ዝስምዓካ፧ የሆዋ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ዝሓልየልካ ስለ ዝዀነስ ነቲ ሓደ ወዱ ንበጅነትካ ኢሉ ከም ዝሰደዶ ምስ ፈለጥካ ንኸተፍቅሮዶ ኣይትድረኽን፧ (ዮሃንስ 3:​16፣ 1 ዮሃንስ 4:​9, 10) ናይ ክርስቶስ ፍቕሪውን ሕሰበሉ። ምእንታና ንኽመውት ኢሉ ፈትዩ ኣብ ምድሪ መጸ። ነዚኸ ከነማስወሉዶ ኣይግብኣናን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከመይ ገይርና ከነማሱ ከም ዝግብኣና ክገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል:- “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምንእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ኽንዲ [ኵ]ላቶም ሞተ።” (2 ቈረንቶስ 5:​14, 15 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ስለዚ ንህይወትካ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽን እቲ ሰማያዊ ወዱን ብምውዓልዶ ሞሳኻ ምገለጽካሎም፧

የሱስ ስለምንታይ ተኣምራት ገበረ

20. ካብቲ ነቲ ለምጻም ዝገበሮ ምሕዋይ: ብዛዕባ የሱስ እንታይ ንማሃር፧

20 የሱስ በቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ተኣምራት ውሩይ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ሽግር ዝነበሩ ሰባት ይድንግጸሎም ስለ ዝነበረ ድማ በቲ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ ሓይሊ ገይሩ ወርትግ ንኽረድኦም ይብህግ ነበረ። ንኣብነት ሓደ ለምጻም ናብኡ መጺኡ ከምዚ በሎ:- “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ።” የሱስ ከኣ “ደንገጸሉ: ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ: ፈትየ አሎኹ: ንጻህ: በሎ።” እቲ ሰብኣይውን ብኡብኡ ሓወየ።​—⁠ማርቆስ 1:​40–42 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

21. ብኸመይ ኢዩ የሱስ ነቶም እኩባት ሰባት ዝረድኦም፧

21 ካልእ መግለጺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ እሞ: እቲ የሱስ ኣብቶም ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ዝነበሮ ድንጋጸ ኣስተንትኖ:- “ብዙሓት ሰብ ድማ: ሓንካሳት: ዕዉራት: ጸማማት: ቈራያት: ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም: ናብኡ መጹ: ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበሩዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ: ቈራያት ኪሐውዩ: ሓንካሳት ኪኸዱ: ዕውራትውን ኪርእዩ: ርእዮም ተገረሙ እሞ: ንኣምላኽ እስራኤል አመስገንዎ።”​—⁠ማቴዎስ 15:​30, 31

22. የሱስ ነቶም ዝረድኦም ዝነበረ ሰባት ብሓቂ ይድንግጸሎም ከም ዝነበረ እንታይ የርኢ፧

22 የሱስ ነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ሰባት ብርግጽ ይድንግጸሎም ከም ዝነበረ እሞ ንኽረድኦምውን ይፈቱ ከም ዝነበረ ካብቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝበሎም ክንርድኦ ንኽእል:- “እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ: ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም: የደንግጹኒ አለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ: ጾሞም ከሰናብቶም ኣይፈቱን።” ስለዚ የሱስ ብሾብዓተ እንጌራን ሒደት ዓሳን ጌሩ ብተኣ⁠ምራት “ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን: ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣይ” መገበ።​—⁠ማቴዎስ 15:​32–38 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

23. የሱስ ንወዲ እታ መበለት ንኸተንስእ ዝደረዀስ እንታይ ኢዩ፧

23 ሓደ ግዜ ድማ የሱስ ቀባሮ ምዉት ጸይሮም ካብ ከተማ ናይን ክወጹ ረኣየ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ከዘንቱ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “እንሆ: ምዉት ተጾይሩ ወጸ: ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ: ንሳ ኸኣ መበለት እያ። . . . ጐይታ ምስ ረአያ: ደንገጸላ።” እቲ መሪር ሓዘናውን ተሰምዖ: ናብቲ ሬሳ ቐሪቡውን ከምዚ ኢሉ ኣዘዘ:- “ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ።” ኣዝዩ ዘገርም ኢዩ! “እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ: ምዝራብውን ጀመረ: ነዲኡ ድማ ሀባ።” ሽዑስ ኣዲኡ እንታይ ከም እተሰምዓ ሕስብ እሞ ኣብሎ! ንስኻኸ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ወረ ናይዚ ድንቂ ዝዀነ ግብሪ ድማ ኣብ ኵሉ በጽሐ። ስለዚ የሱስ ኣዝዩ ውሩይ ከም ዝዀነ ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 7:​11–17 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።

24. እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ብዛዕባ ዝመጽእ እንታይ የመልክት፧

24 ይኹን እምበር እቲ የሱስ በቲ ግዜ እቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ተኣምራትሲ ጥቕሙ ንግዜኡ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቶም የሱስ ዘሕወዮም ሰባት ግዜ ብዝሓለፈ መጠን እንደገና ሓሚሞም ኢዮም። እቶም ካብ ሞት ዘተንስኦም ድማ ዳሕራይ ሞይቶም ኢዮም። እቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ግን ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከን ብሓቂውን ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። ከምኡውን ኵሉ ጸገማት ደቅሰብ ብሓይሊ ኣምላኽ ክፍታሕ ከም ዝዀነ የረጋግጽ። እወ: እዚ ብውሕዱ እተራእየ ተኣምራታት እዚ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ክፍጸም ዘለዎ ነገራት ዝገልጽ ኢዩ። ሽዑ ጥሙያት ክዕንገሉ: ሕሙማት ክሓውዩ: ምዉታትውን ክትንስኡ ኢዮም! ድሕርቲውን ሕማም ኰነ ሞት ወይ ዝዀነ ኻልእ ጸገማት ንሰባት ከቶ ኣይክደቝሶምን ኢዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኢዩ!​—⁠ራእይ 21:​3, 4፣ ማቴዎስ 11:​4, 5

ገዛኢ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ

25. ህይወት ናይ የሱስ ኣብ እንታይ ሰለስተ ክፍሊ ኢዩ ክኽፈል ዝኽእል፧

25 ህይወት ወዲ ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል። እቲ ቐዳማይ: ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡ ዘሕለፎ ቍጽሩ ዘይፍለጥ ዓመታት። እቲ ኻልኣይ ድማ እተን ኣብ ምድሪ ምስ ተወልደ ዘሕለፈን 33 ዓመትን ፈረቓን ኢየን። ሕጂ ድማ ኣብ ሰማይ ተመሊሱ ከም መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ዝነብሮ ዘሎ ኢዩ። ካብ ዝተንስኣሉ ግዜ ኣትሒዙኸ: ከመይ ዝበለ መዓርግ ኢዩ ኣብ ሰማይ ሒዙ ዘሎ፧

26. የሱስ ኣብ ምድሪ ተኣማንነት ስለ ዘርኣየ እንታይ ንምዃን ኢዩ ዝበቕዐ፧

26 የሱስ ንጉስ ክኸውን ከም ዘለዎ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ መልኣኽውን ንማርያም ከበስራ ኸሎ:- “ንሱ . . . ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” ኢዩ ዝበላ። (ሉቃስ 1:​33) በቲ ኣብ ምድሪ ዘገልገለሉ ዝነበረ ግዜ ድማ ወርትግ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይዛረብ ነበረ። ንሰዓብቱውን ከምዚ ኢሎም ክጽልዩ መሃሮም:- “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” ከምኡውን “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ኢሉ ነገሮም። (ማቴዎስ 6:​10, 33) የሱስ በቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘርኣዮ ተኣማንነት ንጉስ ናይታ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን ብቑዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። እሞ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰኸ ብኡብኡዶ ኢዩ ነጊሱ ክገዝእ ዝጀመረ፧

27. (ሀ) የሱስ ንሰማይ ምስ ዓረገ እንታይ ገበረ፧ (ለ) የሱስ ንጉስ ናይታ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነኸ ቀዳማይ ተግባሩ እንታይ ነበረ፧

27 ኣይፋሉን: ሽዑስ ኣይነገሰን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ መዝሙር 110:​1 ዘሎ ጽሑፍ ጠቒሱ ከምዚ ይብል:- “ንሱ [የሱስ] ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ: እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ: ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” (እብራውያን 10:​12, 13) የሱስ ነቲ “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ [እናሰዓርካ ኪድ ትሓዓ ]” ዝብል ናይ የሆዋ ትእዛዝ ኢዩ ዝጽበ ነይሩ። (መዝሙር 110:​2) እታ እዋን እቲኣ ምስ በጽሐት ድማ ንሰማያት ካብ ሰይጣንን መላእኽቱን ከጽርዮ ጀመረ። እቲ ሽዑ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ ዘኸተሎ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የዘንትዎ:- “እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ: ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዄይኑ: ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ።” (ራእይ 12:​10 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ኣብቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርኢናዮ ከም ዘሎናውን እቲ ውግእ ኣብ ሰማይ ድሮ ተፈጺሙስ እንሆውን የሱስ ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ይገዝእ ኢዩ ዘሎ።

28. (ሀ) ክርስቶስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እንታይ ክገብር ኢዩ፧ (ለ) ዑቕባኡ ክንረክብከ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

28 ክርስቶስን እቶም ሰማያውያን መላእኽቱን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንምድሪ ካብቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ ዓለም መንግስታት ንኸጽርይዋ ስጉምቲ ክወስዱ ኢዮም። (ዳንኤል 2:​44፣ ራእይ 17:​14) መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና “ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።” (ራእይ 19:​11–16) ካብቲ ዝመጽእ ጥፍኣት ዑቝባ ንምርካብ ምእንቲ ክንበቅዕ: ኣብ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ይግብኣና። (ዮሃንስ 3:​36) ደቀ መዛሙርቱ ክንከውን ከምኡውን ንገዛእ ርእስና ኣብ ትሕቲ እዚ ሰማያዊ ንጉስና ከነግዝኣን ይግብኣና። ከምኡስ ምገበርካዶ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 58 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንኽጥመቕን ናይ የሆዋ ቅቡእ ክኸውንን ስራሕ ጽርበት ገደፎ

[ኣብ ገጽ 63 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ ኣዳም ማዕሪኡ ኢዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 64 ዘሎ ስእልታት]

የሱስ ብድንጋጸ ተደሪኹ ጥሙያትን ሕሙማትን ሓገዘ

[ኣብ ገጽ 67 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ምዉታት ብምትንስኡ ኣብ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብዓብዪኡ እንታይ ክገብር ከም ዝዀነ ኣርኣየ