ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ

ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ

ምዕራፍ 19

ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ

1. (ሀ) ብዛዕባ ኣርማጌዶን እንታይ ልሙድ ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧

 “ኣርማጌዶን” ንብዙሓት ሰባት እተፍርህ ቃል ኢያ። መብዛሕትኡ ግዜ መራሕቲ ዓለም ነቲ ይለዓል ይኸውን ዝብልዎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ንኸመልክቱ ኢዮም ዝጥቀሙላ። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ንኣርማጌዶን ከም ቦታ ናይቲ ጻድቕ ብኣምላኽ ዝግበር ውግእ ኢዩ ዝዛረበላ። (ራእይ 16:​14, 16) እዚ ብኣምላኽ ዝግበር ውግእ ድማ ነቲ ጻድቕ ዝዀነ ሓድሽ ኣገባብ መገዲ ዘዳሉ ኢዩ።

2. (ሀ) ኣብ ኣርማጌዶን ዝጠፍኡ መን ኢዮም፧ (ለ) ስለዚ እንታይ ተግባራት ኢና ብጥበብ ክንውግድ ዘሎና፧

2 ከምቲ ናይ ሰባት ውግእ ጥዑያትን እኩያትን ከይፈላለየ ንዅሉ ኣሕቢሩ ዝቐትል ዘይኰነስ: ኣርማጌዶን ነቶም ረሲኣን ጥራይ ኢዩ ዘጥፍእ። (መዝሙር 92:​7) እቲ ፈራዲ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ: ነቶም ፈትዮም ነቲ ቅዱስ ሕግታቱ ዘይእዘዙ ሰባት ከኣ ከጥፍኦም ኢዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንምንዝር ስኽራን ሓሶት ወይ ምድልሓቕ ጌጋ ከም ዘይብሉ ገይሮም ይርእዩዎ። እዚ ነገራት እዚ ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፈጺሙ ጌጋ ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ ነቶም ነዚ እኩይ ተግባራት እዚ ዝፍጽሙ ሰባት ኣብ ኣርማጌዶን ኣይክንሕፎምን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:​9, 10፣ ራእይ 21:​8) እቶም ነዚ ኣበሳ እዚ ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰባት ሕግታት ኣምላኽ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዝብል ፈሊጦም ካብ መገዶም ክምለሱ ኣለዎም።

3. (ሀ) የሱስ ንጥፍኣት ናይዛ ዓለም እዚኣ ምስ እንታይ ኢዩ ዘመሳሰሎ፧ (ለ) ንሰይጣንን ኣጋንንቱንከ እንታይ ክወርዶም ኢዩ፧ (ሐ) ብመሰረት እቲ ኣብዚ ዝቕጽል ገጻት ዘሎ ጥቕስታት ኣብታ ገነታዊት ምድሪ እንታይ ዓይነት ኵነታት ኢዩ ዝህሉ፧

3 ድሕሪ ኣርማጌዶን ገለ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝተርፍ የለን። ሽዑ ብህይወቶም ዝተርፉ እቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ሰባት ጥራይ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:​17) የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኵነታት ምስቲ ግዜ ኖህ ዝዀነ ጥፍኣት ኢዩ ኣመሳሲልዎ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:​37–39፣ 2 ጴጥሮስ 3:​5–7, 13፣ 2:​5) ድሕሪ ኣርማጌዶን በይና መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንምድሪ ክትገዝእ ኢያ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣይክህልዉን ኢዮም። (ራእይ 20:​1–3) እስከ ገለ ካብቲ ነቶም እዙዛት ሰባት ተዳልዩሎም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ በረኸታት ኣብዚ ቀጺሉ ዘሎ ገጻት ንርኣዮ።

ኵሎም ደቅሰብ ብሰላም ክነብሩ ኢዮም

“ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን . . . መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። . . . ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።”​—⁠ኢሳይያስ 9:​6, 7

“ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:​7, 8

ድሕሪ ደጊም ውግእ የልቦን

“ንዑ: ንግብርታት እግዚኣብሄር: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ: ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ:”​—⁠መዝሙር 46:​8, 9

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ቤትን ዘሐጕሶ ስራሕን ኪረክብ ኢዩ

“ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም . . . ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም: ተርፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ: ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:​21–23

ገበንን ዓመጻን ረሲእነትን ካብ ገጽ ምድሪ ኪጠፍእ ኢዩ

“እኩያት ኪጸንቱ እዮም: . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ ኣይኪህሉን ድማ እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:​9, 10

“ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”​—⁠ምሳሌ 2:22

ብዘላ ምድሪ ገነት ኽትከውን ኢያ

የሱስ ከምዚ በለ:- “ምሳይ ኣብ ገነት” ክትከውን ኢኻ።​—⁠ሉቃስ 23:​43

“ጻድቃን [ንምድሪ ትሓዓ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:​29

ንኹሎም ሰባት ብዙሕ ጥዑም ብልዒ ክዳለወሎም ኢዩ

“እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት . . . ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ: ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ: ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:​6

“ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” ኢዩ። “ምድሪ ፍሬኣ ሂባ: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:​16፣ 67:​6

4, 5. (ሀ) ከመይ ዝበለ ነገራት ኢዩ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘይህሉ፧ (ለ) ሽዑኸ ሰባት ከመይ ዝበለ ሎሚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፧

4 ከምታ እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ተፈጢሩላ ዝነበረ ቦታ ኣትክልቲ ኣብ ዝዀነት ምድራዊት ገነት ክትነብር ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:​8፣ ሉቃስ 23:​43) ሕስብ እሞ ኣብሎ​—⁠ውግእ ገበን ወይ ዓመጻ ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ። ሓደጋ ከይረኽበኒ ኢልካ ከይተሰከፍካ ኣብ ዝመሸኣካ ግዜ ቀትሪ ዀነ ለይቲ ክትዛወር ክትክእል ኢኻ። ረሲኣን ኣይክህልዉን ኢዮም።​—⁠መዝሙር 37:​35–38

5 እዚ ክበሃል ከሎ ሽዑ ንህዝቢ ዝጭቁኑ ጠላማት ፖለቲካውያንን ስሱዓት ነጋዶን ኣይክህልዉን ኢዮም ማለት ኢዩ። ከምኡውን ንመዐደጊ ኣጽዋር ውግእ ዝኸውን ከቢድ ግብሪ ካብ ህዝቢ ኣይክውሰድን ኢዩ። ሽዑ ሓደ እኳ ዓቕመይ ኣይፈቕደለይን ኢዩ ኢሉ ካብ ጥዑም ብልዕን ጥጡሕ ቤትን ኣይክጥለን ኢዩ። ስእነት ስራሕን ናይ ገንዘብ ውድቀትን ናይ ዕዳጋ ምኽባርን ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ። እዚ ሎሚ ንስድራቤታት ዘሳቕዮም ዘሎ ሽግራት ኣይክህሉን እዩ። ኵሎም ባህ ዘብሎም ዕዮ ክህልዎም ኢዩ: ፍረ ጻዕሮም ድማ ክርእዩን ክሕጐሱሉን ኢዮም።

6. (ሀ) እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ከመይ ዝበለ ዕዮታት ኢዮም ኪዓዩ፧ (ለ) ከመይ ገይሩ ኢዩኸ ኣምላኽ ነቲ ዕዮ ኣእዳዎም ዝባርኾ፧

6 እቶም ካብ ኣርማጌዶን ብህይወቶም ዝሳገሩ ድማ ቀዳማይ ዕዮኦም ንምድሪ ከጽርዩዋን ነቲ ዑናታት ናይዚ ኣረጊት ኣገባብውን ክጸራርጉላን ኢዮም። ብድሕርዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይታ እትገዝእ መንግስቲ ኰይኖም ንምድሪ ክዓዩዋን ንኽትነብራ እውን ውቅብቲ ኽገብርዋን መሰል ክረኽቡ ኢዮም። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ዘሔጕስ ዕዮ ኰን ክኸውን ኢዩ! ኣምላኽ ድማ ንዅሉ እቲ ዝግበር ዕዮታት ክባርኾ ኢዩ። እኽሊ ክበቑለሉ ዝኽእል ከምኡውን እንስሳታት ክፋረይሉ ዝኽእሉ ጥዑይ ዝዀነ ኵነታት ኣየር ከዳሉ: ሕማምን ገለ ጕድኣትን እውን ከም ዘይትንክፎም ክገብር ኢዩ።

7. (ሀ) ኣየናይ ናይ ኣምላኽ መብጽዓኸ ኢዩ ሽዑ ዝፍጸም፧ (ለ) ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎም ክርስትያናት እንታይ ኢዮም ዝጽበዩ ዘለዉ፧

7 እዚ ፈቃር ፈጣሪና በቲ ጸሓፍ መዝሙር ገይሩ ዝሃበና ተስፋታት ክፍጽሞ ኢዩ:- “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።” (መዝሙር 145:​16) እወ: ድልየት ናይ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ክመልኣሎም ኢዩ። ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ከም ዝኸውን ክንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ንህዝቡ ንኽባርኽ ኢሉ ኣምላኽ ዘዳለዎ ተስፋታት ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: [ናይ ኣምላኽ] ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።”​—⁠2 ጴጥሮስ 3:​13፣ (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና) ኢሳይያስ 65:​17፣ 66:​22

8. (ሀ) ቃል ብቓሉ ሓድሽ ሰማያት ዘየድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) “ሓድሽ ሰማያት” እንታይ ኢዩ፧

8 እዚ “ሓድሽ ሰማያት” ተባሂሉ ዘሎስ እንታይ ምዃኑ ኢዩ፧ ቃል ብቓሉ ሓድሽ ሰማያት ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ንሰማያትና ፍጹም ገይሩ ኢዩ ፈጢሩዎም: ክብሪውን የምጽእሉ ኢዮም። (መዝሙር 8:​3፣ 19:​1, 2) “ሓድሽ ሰማያት” ንምድሪ ዘመሓድር ሓድሽ ግዝኣት ኢዩ ዘመልክት። እቲ ሕጂ ዘሎ “ሰማያት” ብናይ ደቅሰብ መንግስታት ዝቘመ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣርማጌዶን ክጠፍእ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:​7) እቲ ንዓታተን ዝትክእ “ሓድሽ ሰማያት” እቲ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊ ግዝኣት ኢዩ። እቲ ንጉስ ከኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝኸውን። ምስኡውን እቶም 144, 000 እሙናት ሰዓብቱ ክፍሊ ናይዚ “ሓድሽ ሰማያት” ኰይኖም ክገዝኡ ኢዮም።​—⁠ራእይ 5:​9, 10፣ 14:​1, 3

9. (ሀ) “ሓድሽ ምድሪ” እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ዝጠፍእ ምድሪ እንታይ ኢዩ፧

9 እቲ “ሓድሽ ምድሪ” ተባሂሉ ዘሎ ደኣኸ እንታይ ኢዩ፧ ሓንቲ ሓዳስ ፕላኔት ኣይኰነትን። ኣምላኽ ንፕላኔት ምድሪ ሰባት ክነብሩላ እትበቅዕ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዋ: ንዘለኣለም ክትነብር እውን ፍቓዱ ኢዩ። (መዝሙር 104:​5) “ሓድሽ ምድሪ” ማለት እምበኣር ሓድሽ ጉጅለ ወይ ማሕበረሰብ ናይ ሰባት ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስውን መብዛሕትኡ ግዜ ነዛ “ምድሪ” እትብል ቃል በዚ መገዲ እዚ ኢዩ ዝጥቀመላ። ንኣብነት “ምድሪ ብዘላ [ማለት ህዝቢ] ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት” ይብል። (ዘፍጥረት 11:​1) እታ ክትጠፍእ ዘለዋ “ምድሪ” እቶም ንገዛእ ርእሶም ክፍሊ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝገበሩ ሰባት ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:​7) እቲ “ሓድሽ ምድሪ” ድማ በቶም ካብዛ ናይ እኩያት ደቅሰብ ዓለም ርእሶም ዝፈለዩ ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝቘመ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 17:​14፣ 1 ዮሃንስ 2:​17

10. (ሀ) ሎሚ ዝእከቡ ዘለዉ ሰባት መን ኢዮም: ኣብ ምንታይከ ኢዮም ዝእከቡ ዘለዉ፧ (ለ) ብመሰረት እቲ ኣብዚ ዝቐጽል ገጻት ዘሎ ጥቕስታት ከመይ ዝበለ መንግስታት ደቅሰብ ክገብርኦ ዘይከኣላ ኢዩ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝግበር፧

10 ሕጂ ካብ ኵሎም ዓሌታትን ህዝብታትን ነቲ “ሓድሽ ምድሪ” ዘቝሙ ሰባት ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይእከቡ ኣለዉ። እቲ ሕጂ ኣብ ሞንጎኦም ዝርአ ዘሎ ሕብረትን ሰላምን ድማ ድሕሪ ኣርማጌዶን: ኣብ ምድራዊት ገነት ምንባር ባህ ዘብል ዝገብሮ እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ንእሽቶ መርኣያ ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ መንግስቲ ደቅሰብ ክገብርዎ ኢሎም ተስፋ ዘይገብርሉ ነገራት ከተምጽእ ኢያ። ገለ ኻብቲ በረኸታት ኣብዚ ዝስዕብ ገጻት እሞ ተመልከትዎ።

ሕውነታዊ ፍቕሪ ናይ ኵሎም ደቅሰብ

“ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ:” የለን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:​34, 35

“እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል . . . ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም።”​—⁠ራእይ 7:​9, 16

ኣብ ሞንጎ ሰባትን እንስሳታትን ሰላም ክኸውን ኢዩ

“ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ: ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ: ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 11:​6፣ 65:25

ድሕሪ ደጊም ሕማም እርጋን ወይ ሞት የለን

“ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 35:⁠5, 6

“ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:​3, 4

ምውታት ናብ ህይወት ኪምለሱ ኢዮም

“ኣብ [ናይ ዝኽሪ ትሓዓ ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ።”​—⁠ዮሃንስ 5:​28, 29

“ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ።”​—⁠ራእይ 20:13

11. እቲ ሎሚ ሰባት ዝገብርዎ ገነት ዘባላሽዎ እንታይ ኢዩ፧

11 ካብቲ እዚ ኣረጊት ኣገባብ ከምጽኣልና ዝኽእል ነገራት እቲ ኣብታ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትግዛእ ገነት እንረኽቦ ክሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ኢዩ! ሓቂ’ዩ ሎሚ ገለ ሰባት ነቲ ዝነብርሉ ቦታ ገነት ኣምሲሎምዎ ኣለዉ። እንተ ዀነ ግን እቶም ብሓንሳብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ሕሱማትን ስሱዓትን ኣብ ንሓድሕዶም እውን ዝጻልኡ ክዀኑ ይኽእሉ። ብግዜኡውን እቲ ዘይተርፍ ሕማምን እርጋንን ሞትን የርክቦም። ድሕሪ ኣርማጌዶን ግን ምድራዊት ገነት ካብ ጽቡቕ ኣባይትን ኣትክልትን መናፈሻታትን ኣዝዩ ዝበልጽ ካልእ ነገራት ክህልዋ ኢዩ።

12, 13. (ሀ) ድሕሪ ኣርማጌዶን እንታይ ናይ ሰላም ኵነታት ኢዩ ዝህሉ፧ (ለ) ነዚ ኵነታት እዚ ንምምጻእ እንታይ የድሊ፧

12 ሕስብ እሞ ኣብሎ። ካብ ኵሎም ዓሌታትን ህዝብታትን ዝዀኑ ሰባት ከም ካብ ሓንቲ ስድራቤት ዝወጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ብሓባር ንኽነብሩ ክማሃሩ ኢዮም። ንሓድሕዶምውን ብልቢ ክፋቐሩ ኢዮም። ሓደ እኳ ፈታው ርእሱን ሕሱምን ኣይክኸውንን ኢዩ። ሓደ እኳ ንኻልእ ሰብ ብምኽንያት ዓሌቱን ሕብሪ ቈርበቱን ወይ ዓዱን ዝጸልእ ኣይክህሉን ኢዩ። ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይውን ኣይኪህሉን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዝነብር ናይ ነፍሲ ወከፍ ካልእ ናይ ሓቂ ዓርክን ብጻይን ክኸውን ኢዩ። ብርግጽ እታ ምድራዊት ገነት ሽዑ ብመንፈሳዊ መገዲ ገነት ክትከውን እያ። ኣብዛ ኣብ ትሕቲ እቲ “ሓድሽ ሰማያት” እትመሓደር ገነት ክትነብርዶ ምፈቶኻ፧

13 ሎሚ ሰባት ሓቢርካ ብሰላም ብዛዕባ ምንባር ብዙሕ ኢዮም ዝዛረቡ: አረ ውድብ “ሕቡራት ሃገራት” እውን ኣቚሞም ኢዮም። ይኹን እምበር ሰባትን ህዝብታትን ከም ሎሚ ገይሮም ካብ ንሓድሕዶም ተፈላልዮም ኣይፈልጡን። እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧ ልቢ ሰባት ክልወጥ የድሊ። መንግስታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኽገብራ ፈጺመን ኣይክእላን እየን። እቲ ኣብ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ግን ነዚ ተኣምራት እዚ ይፍጽሞ ኣሎ።

14. እዚ ገነታዊ ኵነታት እዚ ክፍጸም ምዃኑ ንምርግጋጽ ሕጂ እንታይ ይፍጸም ኣሎ፧

14 ብዛዕባ እቲ ጽድቃዊ ሓድሽ ኣገባብ ምስ ተማህሩ ኣልባብ ናይ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ከፍቅሩ ይድርኾም ኣሎ። ከምቲ ኣምላኽ ፈቃር ዝዀነ ንሳቶምውን ንብጾቶም ከፍቅሩ ይጅምሩ ኣለዉ። (1 ዮሃንስ 4:​9–11, 20) እዚ ድማ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ኢዩ። ብዙሓት ዘይቅረቡ ሕሱማት ከም ኣራዊት ዝነበሩ: ሕያዎትን ሰላማውያንን ኰይኖም ኣለዉ። ከም እዙዛት ኣባጊዕ ኣብቲ ክርስትያናዊ መጓሰ ይኣትዉ ኣለዉ።

15. (ሀ) ከመይ ዝበሉ ክልተ ጉጅለ ክርስትያን ኢዮም ዘለዉ፧ (ለ) እቶም ቀዳሞት ነቲ “ሓድሽ ምድሪ” ዘቝሙ መን ኢዮም፧

15 ንልዕሊ 1, 900 ዓመታት ምእካብ ናይቶም ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ዝገዝኡ “ሒደት መጓሰ” ናይቶም 144, 000 ክርስትያናት ተኻይዱ ኢዩ። ሒደት ካብዚኣቶም ጥራይ ኢዮም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ: መብዛሕትኦም ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ይገዝኡ ኣለዉ። (ሉቃስ 12:​32፣ ራእይ 20:​6) ብዛዕባ ካልኦት ክርስትያናት ክዛረብ ከሎ የሱስ ከምዚ በለ:- “ካብዚ መጓሰ እዚ [ናይቲ ሒደት መጓሰ] ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን አለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፣ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን፣ ጓስኤንውን ሓደ።” (ዮሃንስ 10:​16) እንሆ ሎሚ “ዓቢ ጭፍራ” ናይዘን “ካልኦት ኣባጊዕ” ይእከቡ ኣለዉ። እዚኣቶም እቶም ቀዳሞት ተቐማጦ ናይቲ “ሓድሽ ምድሪ” ክዀኑ ኢዮም። የሆዋውን ንኣታቶም ካብቲ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዘጥፍእ “ብርቱዕ ጸበባ” ኣድሒኑ ብህይወቶም ናብታ ምድራዊት ገነት ከሳግሮም ኢዩ።​—⁠ራእይ 7:​9, 10, 13–15

16. ከመይ ዝበለ ተኣምራት ኢዩ ምስ እንስሳታት ምንባር ባህ ዘብል ዝገብሮ፧

16 ድሕሪ ኣርማጌዶን ድማ ነቲ ገነታዊ ኵነታት ሓደ ኻልእ ተኣምራት ክውሰኾ ኢዩ። እዞም ሎሚ ዘለዉ ጨካናት ኣራዊት ከም እኒ ኣንበሳ ነብሪ ኣፍሪቃን ነብሪ እስያን ድብታትን ሽዑ ሰላማውያን ክዀኑ ኢዮም። ኣብ ዱር ገጽካ ክትዛወር ምስ እትወጽእ እሞ ንገለ ግዜ ብሓደ ኣንበሳ ጸኒሕካ ኸኣ ብሓደ ዓቢ ድቢ ምስ እትስነስ ኽንደይ ኰን ሰናይ ኢዩ! ድሕሪ ሽዑ ሓደ እኳ ንኻልእ ህያው ፍጡር ክፈርሕ ኣየድልዮን ኢዩ።

17, 18. (ሀ) ኣብ ገነታዊት ምድሪ ከመይ ዝበለ ሓዘን ዘስዕብ ኵነታት ኢዩ ዘይህሉ፧ (ለ) ኵሉ ሰብ ፍጹም ጥዕና ክህልዎ ምዃኑ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

17 ምንም እኳ ኣባይትን ኣትክልትን እንተ ጸበቐ ሰባትውን ሕያዎትን ፈቃራትን እንስሳታት ከኣ ዘይጓድኡ እንተዀኑ: ሕማምን እርጋንን ሞትን እንተሃልዩስ ገና ምሕዛን ክህሉ ኢዩ። እሞ መን ደኣ ኢዩ ንዅልና ፍጹም ጥዕና ከምጽኣልና ዝኽእል፧ መንግስታት ደቅሰብ መንሽሮን ሕማም ልብን ካልእ ሕማማትን ከጥፍኡ ኣይከኣሉን። እንተ ዝኽእሉውን ሓካይም ባዕላቶም ከም ዝእመንሉስ ንሰብ ካብ እርጋን ከናግፍዎ ኣይኰነሎምን ኢዩ። ስለዚ እርጋን ዘይተርፈና ኢዩ። መዓልቱ ቘጺሩ ኣዒንትና ጽልግልግ ክብል ይጅምር: ጭዋዳታትና ይደክም: ቈር​በትና ይዓጥር: ውሽጣዊ ኣካላትና ኸኣ ይባላሾ። ሞት ከኣ ይስዕብ። ክንደይ ዘሕዝን ኢዩ!

18 ድሕሪ ኣርማጌዶን ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ኣምላኽ ብሓደ ዓቢ ተኣምራት ገይሩ ነዚ ዅሉ ክልውጦ ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ የተስፉ:- “ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ ‘ሓሚመ’ ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:​24 ትሓዓ) የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዝወርደና ኵሉ ዓይነት ምጽላእን ምሕማምን ንምሕዋይ ዘለዎ ስልጣን ኣርእዩ ኢዩ። (ማርቆስ 2:​1–12፣ ማቴዎስ 15:​30, 31) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እርጋን እውን ኣይክህሉን ኢዩ። ኣረጊት እውን ኣብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ክምለስ ኢዩ። እወ ‘ስጋኡ ካብ ናይ ሕጻን ክልምልም’ ኢዩ። (እዮብ 33:​25) ንግሆ ንግሆ ካብ ድቃስካ ተባራቢርካ ሽዑ ካብታ ዝሓለፈት መዓልቲ ዝያዳ ጥዕና ክስመዓከ ከሎስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጸጋ ኢዩ!

19. እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር ጸላኢ መን ኢዩ: ብኸመይከ፧

19 ብርግጽ: ሓደ እኳ ይኹን ኣብታ ምድራዊት ገነት ብጕብዝናን ብፍጹም ጥዕናን ዝነብር ክመውት ኣይደልን ኢዩ። ዋላ ሓደ እኳ ክመውት ኣይደልን ኢዩ! ረብሓ ናይቲ እተገብረሎም በጅነት ድማ ነቲ ዓብዪ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ “ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክቕበሉ ኢዮም ማለት ኢዩ። (ሮሜ 6:​23) ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ድማ ክርስቶስ “ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ኣምላኽ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ። . . . እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር ጸላኢውን ሞት እዩ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 15:​25, 26 [ትሓዓ ]፣ ኢሳይያስ 25:​8

20. ብጀካ እዞም ሎሚ ብህይወቶም ዘለዉ መን ካልኦት ኢዮም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝነብሩ: እዚኸ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧

20 እቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ሰባት እውን ነቲ ገነታዊ ምድሪ ክሕጐሱሉ ክነብሩ ኢዮም። ናብ ህይወት ክምለሱ ኢዮም! ስለዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ክንዲ መርድእ ብዛዕባ እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ሰባት: ዘሐጕስ ብስራት ክንገር ኢዩ። ነቶም ካብ መቓብር ዝትንስኡ ኣቦታትን: ኣዴታትን ቈልዑን ካልኦት እተፍቅሮም ሰባትን ሓንጎፋይ ኢልካ ክትቅበሎም ከሎኻስ ኣየ ኽንደይ ኰን ዘገርም ክኸውን ኢዩ! ድሕሪ’ቲ ነታ ውቅብቲ ገነታዊት ምድሪ ዘበላሹ ናይ ቀብሪ ስነ–ስርዓትን መቓብራትን እምኒ መቓብራትን ኣይክህልዉን ኢዮም።

21. (ሀ) ነቲ ካብ “ሓድሽ ሰማያት” ዝውሃብ ሕግታትን መምርሒታትን ይትግበር ምህላዉ ዝዕዘቡ መን ኢዮም፧ (ለ) “ሓድሽ ሰማያትን” “ሓድሽ ምድርን” ብሓቂ ንደልዮ ምዃንናስ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

21 ኣብ ልዕሊ እታ ገነታዊት ምድሪ ዝገዝእን ንጥፈታት ዝመርሕን መን ኢዩ፧ ኵሉ እቲ ሕግታትን መምርሒታትን ካብቲ “ሓድሽ ሰማያት” ኢዩ ዝወሃብ። ኣብ ምድሪ ግን ነዚ ሕግታትን መምርሒታትን ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉ ዝርእዩ እሙናት ሰብኡት ክምዘዙ ኢዮም። እዞም ሰብኡት እዚኦም ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ዝውክልዋ ስለ ዝዀኑ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ “መሳፍንቲ” ኢሉ ኢዩ ዝሰምዮም። (ኢሳይያስ 32:​1, 2፣ መዝሙር 45:​16) ሎሚ እውን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝኣልዩን ነቲ ዝግበር ዕዮ ዝመርሑን ሰብኡት ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይሽየሙ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:​28) ድሕሪ ኣርማጌዶን ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር ዘበለ ክርስቶስ ባዕሉ ክመርሖ ስለ ዝዀነስ ነቶም ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ክውክሉ ዘለዎም ሰባትውን ባዕሉ ከም ዝምዝዞም ርግጸኛታት ኢና። ነቲ ናይ ኣምላኽ “ሓድሽ ሰማያት” ከምኡ ኸኣ “ሓድሽ ምድሪ” ብሃንቀውታ ትጽበዮ ከም ዘሎኻ ከመይ ገይርካ ኢኻ እተርኢ፧ ኣብቲ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ኣገባብ ክትነብር ዘኽእለካ ተግባራት ብምፍጻም ኢኻ ክትገልጾ እትኽእል፧​—⁠2 ጴጥሮስ 3:​14

[ሕቶታት መጽናዕቲ]