ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት

ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት

ምዕራፍ 2

ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት

1. ሓጐስን ሰላምን ብዙሕ ግዜ ስለ ዘይተረኽቡስ እንታይ ዝብል ሕቶ ኢዩ ዝልዓል፧

 ሓጐስ ኣብ ምድሪ​—⁠ዳርጋ ኵሉ ሰብ ይደልዮ ኢዩ። ስለምንታይ ደኣ ኢዮም ብዙሓት ዝጉህዩ ዘለዉ፧ እቲ ሽግር እንታይ ኢዩ፧ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ሰላም ዝደሊ ካብ ኰነኸ መንግስታት ኣብ ንሓድሕደን ዝዋግኣን ሰባትውን ንሓድሕዶም ዝጻልኡ ዘለዉንሲ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ እኩይ ግብርታት እዚ ንኽፍጽሙ ዝደፍኦም ገለ ስዉር ሓይሊዶዀን ኣሎ፧ ሓደ ንዅለን መንግስታት ብሓበራ ዝቈጻጸር ዘይረአ ሓይሊዶ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፧

2. ኣብ ዛንታ ደቅሰብ ከመይ ዝበለ ገበናት ስለ እተፈጸመ ኢዩ ንሰባት ናብ ዓመጻ ዝደፋፍኦም ገለ ዘይርኤ ሓይሊ ይህሉ ዶዀን ይኸውን ከብሎም ዝኽእል፧

2 ብዙሓት ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ጭካኔ ናይ ደቅሰብ​—⁠እቲ ኣብ ውግእ ዝዝውተር ንሰባት ዓቢሱን ኣቃጺሉን ከም ዝሞቱ ዝገብሮም ጋዛት: ከምኡውን ከም ናፓል ቦምብን ኣቶሚክ ቦምብን​—⁠ክሓስቡ ከለው ብዙሕ ኢዩ ዝድንጽዎም። ብተወሳኺ ድማ: እቲ ባርዕ ዝውንጭፍ: መዳጐኒ ደምበታት: ከም በዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ካምቦዲያ እተገብረ: ናይ ሚልዮናት ንጹሃት ሰባት ቅትለት እውን ሕሰብ እሞ ኣብሎ። እዚ ኵሉ እኩይ ግብርታት እዝስ ብወዝቢ ዝዀነ ኢዩ ክትብልዶ ምኸኣልካ፧ ሰብ ባዕሉ ዘሰምብድ እኩይ ተግባራት ክገብር ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ግን ክሳዕ ክንድዚ ዘስካሕክሕ እኩይ ተግባራት ክፍጽም ከሎስ ሓደ እኩይ ዝዀነ ዘይርኤ ሓያል ፍጡር ብድሕሪኡ ዀይኑ እከይ ንኽፍጽም ዝደፍኦ ከም ዘሎዶ አይመስልን፧

3. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገዛዝኣ እዛ ዓለም እዚኣ እንታይ ይብል፧

3 ኣብዚ ነገር’ዚ ምግማት ኣየድልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባትን መንግስታትንሲ ሓደ ብልህን ዘይርአን ኣካል ይቆጻጸሮም ከም ዘሎ ብግልጺ ተዛሪቡሉ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓያል ፍጡርዚ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 12:​31፣ 14:​30፣ 16:​11) መን ኢዩ ንሱ፧

4. ድያብሎስ ንየሱስ እንታይ ኢዩ ዘርኣዮ: እንታይ ወፈያ ኢዩኸ ዝገበረሉ፧

4 እዚ ኣካል’ዚ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ምእንቲ ክሕግዘና: ኣብቲ የሱስ ናብ ምድሪ መጺኡ ዕዮኡ ዝጀመረሉ ግዜ እንታይ ከም እተፈጸመ ንሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና የሱስ ምስ ተጠምቀ ናብ በረኻ ወጸ እሞ: ብሓደ ዘይርአ ሰይጣን ድያብሎስ ዝበሃል ፍጡር ተፈተነ። ገለ ካብቲ ዘቕረበሉ ፈተናታትውን ብኸምዚ ይግለጽ:- “ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ: መንግስታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዮ እሞ: ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ በሎ።”​—⁠ማቴዎስ 4:​8, 9

5. (ሀ) ኩለን መንግስታት ዓለም ናይ ሰይጣን ምዃነን ብምንታይ ንርዳእ፧ (ለ) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስከ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” መን ኢዩ፧

5 እቲ ድያብሎስ ንየሱስ ክርስቶስ ዝወፈየሉ እሞ ሕሰቦ። “መንግስታት ኵላ ዓለም ” እኰ ኢዩ። እሞኸ ኵለን መንግስታት ዓለምዶ ብሓቂ ናይ ድያብሎስ ኢየን፧ እወ: ናቱ እንተዘይኰናዶ ንየሱስ ምወፈየሉ፧ የሱስውን ንሰይጣን መንግስታት ዓለም ናትካ ኣይኰናን ኣይበሎን: ዘይውንነን ነይሩ እንተ ዝኸውንሲ ምበሎ ነይሩ። ብሓቂ እምበኣር ሰይጣን እቲ ዘይርአ ገዛኢ ናይ ኵለን መንግስታት ዓለም ኢዩ! መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ:- “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ።” (1 ዮሃንስ 5:​19) ቃል ኣምላኽ ንሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ እኳ ደኣ ኢዩ ዝጽውዖ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠4

6. (ሀ) እዚ ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ግዝኣት ዝገልጽ ሓበሬታ እንታይ ንኽንርዳእ ይሕግዘና፧ (ለ) ሰይጣን እንታይ ክገብረና ኢዩ ዝደሊ: እንታይ ክንገብርከ ኢዩ ዝግበኣና፧

6 እዚ ሓበሬታ እዚ ድማ ነቲ የሱስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ዝበለሉ ምኽንያት ክንርዳእ ይሕግዘና። (ዮሃንስ 18:​36) ብዘይዚውን ኵሎም ደሓን ዝዀኑ ሰባት ብሰላም ክነብሩ እናደለዩስ መንግስታት ዓለም ግን ኣብ ንሓድሕዶም ዘጻልኦምን ዘዋድኦምን ምኽንያት እንታይ ከም ዝዀነ ከነስተውዕልውን ይሕግዘና ኢዩ። እወ: ‘ሰይጣን ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኢዩ ዘሎ’ (ራእይ 12:​9) ንኣናውን ከይተረፈ ከስሕተና ኢዩ ዝደሊ። እቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብሲ ከቶ ኣይደልን ኢዩ። ስለዚውን እከይ ንኽንገብር ከየስሕተናስ ክንቃለሶ ኣሎና። (ኤፌሶን 6:​12) እቲ ንኸስሕተና ዝገብሮ ጻዕሪ ምእንቲ ክንቃወሞ ብዛዕባ ሰይጣንን ውዲታቱን ክንፈልጥ ከድልየና ኢዩ።

ድያብሎስ መን ኢዩ፧

7. ንድያብሎስ ክንርእዮ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

7 ሰይጣን ድያብሎስ ሓደ ናይ ሓቂ ኣካል ኢዩ። ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዝኣምንዎ ኣብ ኵሎም ደቅሰብ ዘሎ ኽፍኣት ኣይኰነን። ርግጽ ኢዩ: ሰባት ከምቲ ንኣምላኽ ክርእይዎ ዘይክእሉ ንድያብሎስውን ክርእይዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ኣምላኽ ኰነ ድያብሎስ: ካብ ደቅሰብ ንላዕሊ ዝዀኑ: ብኣዒንትና ክርኣዩ ዘይክእሉን መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎምን ህያዋን ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠24

8. ብዙሓት ሰባት: ንድያብሎስ ኣምላኽ ኢዩ ፈጢርዎ ዝብሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

8 ገለ ሰባት ‘ኣምላኽ ፍቕሪ ካብ ኰነ ደኣ ስለምንታይ ኢዩ ንድያብሎስ ዝፈጠሮ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። (1 ዮሃንስ 4:8) ብመሰረቱ ኣምላኽ ድያብሎስ ዝበሃል ፍጡር ኣይፈጠረን። እንተዀነ ግን ሓደ ሰብ ‘ኣምላኽ ንዅሉ ካብ ፈጠረ: ንድያብሎስውን ንሱ ፈጢሩዎ ክኸውን ኣለዎ። ካልእ ክፈጥር ዝኽእል ደኣ መን ኣሎ፧ ድያብሎስ ደኣ ካበይ መጸ፧’ ይብል ይኸውን።

9. (ሀ) መላእኽቲ እንታይ ዓይነት ኣካል ኢዮም፧ (ለ) “ድያብሎስ” ከምኡውን “ሰይጣን” ዝብሉ ቃላትከ እንታይ ትርጕም ኣለዎም፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከምቲ ናቱ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት ፍጡራት ከም ዝፈጠረ ይገልጽ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት መላእኽቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። “ደቂ ኣምላኽ” እውን ይብሃሉ ኢዮም። (እዮብ 38:​7፣ መዝሙር 104:​4፣ እብራውያን 1:​7, 13, 14) ኣምላኽ ንኹሎም ፍጹማት ገይሩ ኢዩ ፈጢሩዎም። ሓደ እኳ ኻባታቶም ድያብሎስ ወይ ሰይጣን ኣይነበረን። እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል መካፍኢ ማለት ክትከውን ከላ እታ “ሰይጣን” እትብል ድማ ተጻራሪ ማለት እያ።

10. (ሀ) ነዚ ሰይጣን ድያብሎስ ዝገበሮስ መን ኢዩ፧ (ለ) ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓደ ጥዑይ ሰብ ንርእሱ ገበነኛ ክገብራ ዝኽእል፧

10 ሓደ ግዜ ግን ሓደ ካብዞም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ንርእሱ ድያብሎስ ገበራ: እዚ ኸኣ ብዛዕባ ካልኦት ሕማቕ ነገራት ዝዛረብ: ጽልኢ ዝመልኦ ሓሳዊ ማለት ኢዩ። ብዘይዚውን ንርእሱ ሰይጣን ገበራ: ማለት ንኣምላኽ ዝጻረር ኰነ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ እኩይ ባህሪ ሒዙ ኣይተፈጥረን: እዝስ ጸኒሑ ባዕሉ ዝለበሶ ደኣ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰራቒ: ሰራቒ ዀይኑ ኣይውለድን ኢዩ። ቅኑዓት ወለዲ: ሕጊ ዘኽብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዉዎ: ካብ ቅኑዓት ዝዀኑ ስድራ እተወልደ ክኸውን ይኽእል። እንተዀነ ግና: ኣብቲ ብገንዘብ ክዕድጎ ዝኽእል ነገራት ናይ ገዛእ ርእሱ ትምኒት ብምሕዳሩ: ሰራቒ ኰይኑ ይኸውን። ከመይ ገይሩ ደኣ ኢዩ ሓደ ካብቶም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ንርእሱ ሰይጣን ድያብሎስ ክገብራ ዝኸኣለ፧

11. (ሀ) ሓደ ዓለወኛ መልኣኽ ንኸመይ ዝበለ ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ ዝፈልጦ ዝነበረ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ትምኒትከ ኢዩ ነዚ መልኣኽ’ዚ ዝሓደሮ: እንታይ ንምግባርከ መርሖ፧

11 ኣምላኽ ንምድሪ ክድኵና ኸሎ: ጸኒሑውን ንኣዳምን ሄዋንን ክፈጥሮም ከሎ እዚ ንርእሱ ዲያብሎስ ዝገበረ መልኣኽ ኣብኡ ነይሩ ኢዩ። (እዮብ 38:​4, 7) ስለዚ ኣም⁠ላኽ ፍረዩን ተባዝሑን ክብሎም ከሎ ሰሚዑ ክኸውን ኣለዎ። (ዘፍጥረት 1:​27, 28) ድሕሪ ገለ ግዜውን ብዘላ ምድሪ ንኣምላኽ ብዘምልኹ ጻድቃን ሰባት ክትመልእ ምዃና ይፈልጥ ነበረ። ዕላማ ኣምላኽ ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ እዚ መልኣኽ እዚ ብመልክዑን ብምስትውዓሉን ብዙሕ ስለ እተመክሐ እቲ ንኣምላኽ ዝግባእ ኣምልኾ ንርእሱ ደለዮ። (ህዝቅኤል 28:​13-15፣ ማቴዎስ 4:​10) ነዚ እኩይ ባህጊ እዚ ካብ ሓሳቡ ኣብ ክንዲ ዘርሕቖ ድማ መመሊሱ ብዛዕባኡ ይሓስብ ነበረ። እዚ ኸኣ ነቲ እተመነዮ ናይ ርእሱ ክብርን ዕብየትን ንምርካብ ስጉምቲ ናብ ምውሳድ መርሖ። እንታይከ ገበረ፧​—⁠ያእቆብ 1:​14, 15

12. (ሀ) እዚ መልኣኽ እዚኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንሄዋን እተዛረባ: እንታይ ኢዩኸ ዝበላ፧ (ለ) እዚ መልኣኽዚ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ሐ) ብዛዕባ ትርኢት ናይ ሰይጣን እንታይ ጌጋ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘሎ፧

12 እዚ ዓለወኛ መልኣኽ እዚ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ሄዋን: በቲ ዝተሓተ ተመን ብምጥቃም ተዛረባ። ከምቲ ሓደ ጥበበኛ ሰብ ኣብ ጥቓኡ ንዘሎ እንስሳ ወይ ንሓንቲ ባምቡላ ትዛረብ ከም ዘላ ዘምስል: ንሱውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ ገይሩ። ብሓቂ ግን እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ዘሎ ዓለወኛ መልኣኽ ኢዩ ንሄዋን እተዛረባ። (ራእይ 12:​9) ኣምላኽ ሓቂ ከም ዘይነገራ: ክትፈልጦ ዝነበራ ነገራትውን ከም ዝሓብኣላ ገይሩ ኣረድኣ። (ዘፍጥረት 3:​1-5) እዚ ጽልኢ ዝመልኦ ሓሶት ኢዩ ነይሩ: ድያብሎስ ከም ዝኸውን ኸኣ ገበሮ። በዚ መገዲ እዚውን ተጻራሪ ኣምላኽ ወይ ድማ ሰይጣን ኰነ። ክትርድኦ ከም እትኽእል: ድያብሎስ ከም ሓደ ቀርኒ ዘለዎ: መስአ ሒዙውን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንዝርከብ መሳቐዪ ቦታ ዝቈጻጸር ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ። ብሓቂ ሓደ ኣዝዩ ሓያል: ግናኸ እኩይ መልኣኽ ኢዩ።

ምንጪ ናይ ዓለም ጸገማት

13. (ሀ) ሄዋን ንናይ ድያብሎስ ሓሶት ብኸመይ መለሰትሉ፧ (ለ) ድያብሎስከ እንታይ ክርክራት ኢዩ ዘልዓለ፧

13 እቲ ድያብሎስ ንሄዋን ዝነገራ ሓሶት ከምቲ ዝወጠኖ ኰነሉ። ንሳውን ዘረባኡ ኣሚና ንኣምላኽ ከሓደት። ንሰብኣያውን ሕጊ ኣምላኽ ንኽጥሕስ ለከመቶ። (ዘፍጥረት 3:​6) ድያብሎስ ሰባትሲ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም በሃሊ ኢዩ ነይሩ። ብዘይ ናይ ኣምላኽ ሓገዝ ሰባት ብዓወት ንገዛእ ርእሶም ከመሓድሩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ተኸራኸረ። ብተወሳኺውን: ድያብሎስ ንኹሎም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ከርሕቖም እኽእል ኢየ በለ።

14. ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ንሰይጣን ብኡንብኡ ዘየጥፍኦ፧

14 ብርግጽ ኣምላኽ ንሰይጣን ብኡንብኡ ከጥፍኦ ምኸኣለ ነይሩ። አዚ ግን ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ሕቶታት ዝምልሽ ተግባር ኣይነበረን: እዚ ሕቶታት እዚ ገና ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ነዚ ነገራትዚ ዝዕዘቡ ዝነበሩ መላእኽቲውን ክተርፍ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ ነቲ ሰይጣን ኢልዎ ዝነበረ ነገራት ከረጋግጽ ክፍትን ግዜ ኣፍቀደሉ። እሞኸ እንታይ ኣፍረየ፧

15, 16. (ሀ) ግዜ በብዝሓለፈሉ መጠንከ እቲ ክርክራት ሰይጣን እንታይ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገሃድ ዘሎ፧ (ለ) እንታይ ኵነታት ኢዩኸ ንኺፍጸም ቐሪቡ ዘሎ፧

15 እንሆ ግዜ በብዝሓለፈሉ መጠን ድማ: ሰባት ብዘይ ናይ ኣምላኽ ሓገዝ ንገዛእ ርእሶም ብዓወት ከመሓድሩ ከም ዘይክእሉ ተረጋገጸ። ኵሉ እቲ ፈተነታቶም ድማ ፈጺሙ ፈሸለ። ሰባት በዘን ድያብሎስ: ብስዉር ዝቆጻጸረን ምዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሕብረና ናይ ሰብ መንግስታት ብዙሕ ተሳቕዮም ኢዮም። ብዘይእዚውን ኣምላኽ ግዜ ብምፍቃዱ ሰይጣን ንኹሎም ሰባት ካብ ንኣምላኽ ምምላኽ ከርሕቖም ከም ዘይክእል ብግልጺ ኣርኣየ። ኵሉ ግዜ ንግዝኣት ኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ዝርከቡ ገለ ሰባት ኣይተሰኣኑን። ንኣብነት: ኣብ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ: ሰይጣን ንእዮብ ካብ ኣምላኽ ከር⁠ሕቖ ከም ዝፈተነ ግን ከም ዘይኰነሉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።​—⁠እዮብ 1:​6-12

16 በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ድያብሎስ ዝበሎ ኵሉ ከንቱ ከም ዝዀነ ተረጋገጸ። ነዚ ኣንጻር ኣምላኽ እተገብረ እኩይ ዕልወት ስለ ዝጀመሮ ብርግጽ ጥፍኣት ይግብኦ ኢዩ። ዘሐጕስ ግን: ሕጂ ኣብቲ ኣምላኽ ንግዝኣት ሰይ⁠ጣን መወዳእታ ዝገብረሉ ግዜ በጺሕና ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ ጥፍኣት እዚ መጀመርታ ስጉምቲ ክገልጽ ከሎ: ሰባት ኣብ ምድሪ ክርእይዎ ወይ ክሰምዕዎ ዘይክእሉ ሓደ ዓቢ ውግእ ኣብ ሰማይ ከም ዝዀነ ይነግረና። ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ በቓልቦ ኣን⁠ብቦ።

17. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ውግእ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧ (ለ) ነቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉን እንታይ ኣፍረየሎም፧

17 “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ ሚካኤልን [እቲ ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ] መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋ⁠ግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዓርዎምን ከኣ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚበሃል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ስለዚ: ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን: ተሓጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ: ወይለኹም።”​—⁠ራእይ 12:​7-9, 12

18. (ሀ) መዓስ ኢዩ ኣብ ሰማይ ውግእ እተገብረ፧ (ለ) ሰይጣን ካብ ዝድርበ ኣትሒዙኸ ኣብ ምድሪ እንታይ ይኸውን ኣሎ፧

18 እዚ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ውግእከ መዓስ ተገብረ፧ እዚ ውግእ’ዚ ኣብ ከባቢ ናይቲ ብ1914 እተጀመረ: ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከም እተፈጸመ መርትዖታት ይሕብረልና። መጽሓፍ ራእይ ከም ዘመልክቶ: ሰይጣን ካብ ሰማያት እተደርብየስ በቲ እዋን እቲ ኢዩ: እዚ ማለት ከኣ ካብ ሽዑ ኣትሒዝና ኣብቲ ተሪፉዎ ዘሎ “ሓጺር ግዜ” ኢና እንነብር ዘሎና። ስለዚ እዚኣተን እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ሰይጣን ዓለም ኢየን። እነሕልፎ ዘሎና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ: ፍርሂ: ውግእ: ዋሕዲ መግብን ሕማምን ካልእ ዘጨንቕ ኵነታትንሲ ናይዚ መረጋገጺ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:​3-12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5

19. (ሀ) ሕጂኸ ሰይጣን እንታይ ንምግባር ኢዩ ኣበርቲዑ ዝጽዕት ዘሎ፧ (ለ) ንሕናኸ እንታይ እንተገበርና ኢና ልቦና ዝኸውን፧

19 ሰይጣን እዚ ተሪፍዎ ዘሎ “ሓጺር ግዜ” ኣብ ምውድኡ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ኸኣ ኢዩ: ንሰባት ካብ ንኣምላኽ ምግልጋል ከርሕቖም ኢሉ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ፋሕተርተር ዝብል ዘሎ። ብእተኻእሎ መጠን ከኣ ንብዙሐት ሰባት ምስኡ ናብ ጥፍአት ክልክም ኢዩ ዝደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን “ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኰይኑ ይዘውር አሎ” ኢሉ ክገልጾስ ምኽንያታዊ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:​8, 9) ብእኡ ክንትሓዝ ዘይንደሊ እንተኴንና እምበኣር ከመይ ገይሩ ከም ዘጥቅዕን ከምኡውን ንሰባት ብኸመይ ዝበለ ብልሓት ከም ዘስሕቶምን ክንፈልጦ ይግበኣና።​—⁠2 ቈረንቶስ 2:⁠11

ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰባት ከም ዘስሕት፧

20. (ሀ) ናይ ሰይጣን መጥቃዕትታት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዕዉት ኰይኑ፧ (ለ) ውዲቱ ብዙሕ ግዜ ቅኑዕን ጠቓሚውን መሲሉ ክርአ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

20 ሰይጣን ንሰባት ከስድዕ: ዝጥቀመሎም ሜላታት ኵሉ ግዜ ብቐሊሉ ዝፍለጡ ኣይምሰልካ። ንሰባት ንምዕሻው ዋና ኢዩ። እቲ ኣብዚ ኣሽሓት ዓመታት እተጠቕመሉ ሜላታት ኣዝዩ ረቂቕ ስለ ዝዀነ ድማ: እንሆ ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ሰይጣን የሎን ኣብ ምባል ኣብጺሑዎም ኣሎ። ንዕኦም ክፍኣትን እከይን ንቡር: ኵሉ ግዜውን ዝቕጸል ኢዩ። ሰይጣን ንርእሱ ነዞም ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ዓመጻ: ኣብ ቅድሚ ሰብ ሕፉራት ኰይኖም ዝረኣዩ: ብስዉር ግን እኩይ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ኢዩ ዝመስል። መጽሓፍ ቅዱስውን “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል ኢዩ” ኢሉ ይገልጾ። (2 ቈረንቶስ 11:​14) ስለዚ እምብኣር እቲ ንሰባት ዘስሕተሉ ውዲት: መብዛሕትኡ ግዜ ክፍኣት ዘይብሉ አረ ጠቓሚውን መሲሉ ከም ዝቐርብ ክንጽበ ንኽእል።

21. ሓደ ካብቲ ሰይጣን ዝተጠቕመሉ ውዲት እንታይ ኢዩ፧

21 ሰይጣን ንሄዋን ፈታዊ ኴይኑ ከም ዝቐረባ ዘክር። ድሕሪ’ዚ ነቲ ንሰናያ ከም ዝዀነ ዝመሰላ ነገር ንኽትገብሮ ኣዐሸዋ። (ዘፍጥረት 3:​4-6) ሎሚውን ከምኡ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ንኣብነት: ሰይጣን ብሰብኣውያን ወኪላቱ ጌሩ ሰባት ካብ ንኣምላኽ ምግልጋልውን ከይተረፈ ቀዳምነት ንረብሓ መንግስታት ዓለም ንኽህቡ ብምድንጋር የተባብዕ። እዚ ድማ ዘስካሕክሕ ውግእ ዘኸተለ መንፈስ ናይ ሃገራውነት ከም ዝውለድ ገበረ። ሰይጣን በዚ ዝሓለፈ ቐረባ ግዜ ሰባት ሰላምን ደሓንን ምእንቲ ክረኽቡስ ብብዙሕ መገድታት ሃሰስ ከም ዝብሉ ገይሩዎም ኢዩ። ሓደ ካብቲ መገዲ ማሕበር ሕቡራት ሃገራት ኢያ። እንተዀነ ግን: ሰላም ዘለዋ ዓለምዶ ኣምጺኣ እያ፧ ፈጺማ አየምጽአትን! ኣብ ክንድኡስ: ሰባት ናብታ ሰላም ንምምጻእ ኣምላኽ ዝመደባ: ማለት ናብታ በቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ: ከም ዘየድህቡ እኳ ደኣ ገይራቶም ኣላ።​—⁠ኢሳይያስ 9:​6፣ ማቴዎስ 6:​9, 10

22. ከመይ ዝበለ ፍልጠት ከነጥሪ ኢዩ ሰይጣን ዘይደልየና፧

22 ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንቅበል ንደሊ እንተደኣ ኴንና ብዛዕባ ኣምላኽን እቲ ንጉስ ዝዀነ ወዱን ከምኡውን ብዛዕባ እታ መንግስቱን ርጡብ ፍልጠት የድልየና። (ዮሃንስ 17:​3) ሰይጣን ድያብሎስ እዚ ፍልጠት’ዚ ከተጥሪ ከም ዘይደልየካ ርጉጽ ኢዩ: ንኸይትረኽቦውን ብዘለዎ ሓይሊ ጠጠው ከብለካ ክጽዕር ኢዩ። ነዚ ከመይ ገይሩ ይገብሮ፧ ሓደ መገዲ ሰባት ከም ዝጻረሩኻ ብምግባር ምናልባሽውን ብመልክዕ ምንሻው ክኸውን ይኽእል። መጽሓፍ ቅዱስውን “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ይብለና።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​12

23. (ሀ) ከመይ ገይሩ ኢዩኸ ሰይጣን ንኽዓናቕፈና ኢሉ ብኣዕሩኽን ኣዝማድን ዝጥቀም፧ (ለ) ስለምንታይ ኢኻ ምጽራር እንተሎውን ትምህርትኻ ፈጺምካ ከተቋርጽ ዘይብልካ፧

23 ናይ መሕርሮ ኣዕሩኽካን ኣዝማድካውን ከይተረፉ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማርካ ከም ዘይፈተዉልካ ይነግሩኻ ይዀኑ። ነዚውን የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ “ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። እቲ ኻባይ ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን ኢዩ” ብምባል ኣጠንቂቑ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:​36, 37) ኣዝማድካ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ድንቂ ዝዀነ ሓቂ ስኣን ምፍላጦም ብቕንዕና ክኽ⁠ልክ⁠ሉኻ ይፍትኑ ይዀኑ። ሰባት ስለ እተጻረ⁠ሩኻ ጽን⁠ዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እተቋ⁠ርጽ ኣምላኽ ብኸመይ ኰን ይርእየካ፧ ከምኡውን ጽንዓት እንተደኣ ኣቋሪጽካ ከመይ ገይሮም ደኣ ኢዮም አዕሩኽካን እቶም እተፍቅሮምን ንጹር ፍልጠት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥራይሲ ዓብን ናይ ህይወትን ሞትን ጉዳይ ከም ዝዀነን ንኽርድኡ ክሕገዙ ዝኽእሉ፧ እንተ⁠ደኣ ኣብቲ እተማሃርካዮ ጸኒዕካ ግን ምና⁠ልባሽ ንሳቶምውን ሓደ ግዜ ከማኻ ቃል ሓቂ ንኽምሃሩ ይድረኹ ይዀኑ።

24. (ሀ) ንሰባት ካብቲ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ምእንቲ ክዓናቕፎም ሰይጣን እንታይ ካልእ መገድታት ኢዩ ዝጥቀም፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ፧

24 ብኻልእ መገዲ ድማ ሰይጣን ኣብቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ዘይጽፉፍ ተግባራት ከም እትወድቕ ንኽገብር እውን ይፍትን ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 6:​9-11) ወይ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንክትማሃር ኣራኽቦ ከም ዘይብልካ ኰይኑ ከም ዝስምዓካ ክገብር ይኽእል ይኸውን። ሕስብ እንተ ኣቢልካዮ ግና: እዚ ፍልጠት እዚ ካብ ምጥራይ ዝበልጽ ካልእ ነገርዶ ክህሉ ይኽእል ኢዩ፧ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከንብረካ ዝኽእል ፍልጠት ንኸይተጥሪ ዝዀነ ይኹን ነገር: ክዕንቅፈካ ኣይተፍቅደሉ!

25. ንድያብሎስ ምቅዋም እንተድኣ ቀጺልናስ እንታይ ክገብረና ኢዩ ዘይኽእል፧

25 መጽሓፍ ቅዱስ:- ‘ንድያብሎስ ተጻረርዎ’ ኢሉ ኢዩ ዝላበወና። እዚ እንተደኣ ጌርኩም “ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።” (ያእቆብ 4:​7) እዚ ማለትከ ምስ ተቓወምካዮስ ሰይጣን ተስፋ ቈሪጹስ እንደገና ንኸሸግረካ ኣይምለሰካን ማለትዶ ኢዩ፧ ኣይኰነን: ድላዩ ኽትገብር ምእንቲ: እናተመላለሰ ኪፍትነካ ኢዩ። ምቅዋሙ እንተደኣ ቀጺልካ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቕ ኣቃውማ ከም እትወስድ ኣይገብረካን ኢዩ። ስለዚ ንዅሉ እቲ ቀንዲ ዝዀነ ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጥርን ኣብ ግብሪውን ከተውዕልን ህርኩት ኵን። እዚ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ: ምኽንያቱ በቲ ኻልእ ሰይጣን ንሰባት ንምስሓት ዝጥቀመሉ መገዲ ማለት ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ምእንቲ ከይትታለልውን ኪድግፈካ ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]

እዘን ኵለን መንግስታት ዓለም ናቱ እንተ ዘይኰናስ ሰይጣን ንክርስቶስ ምወፈየሉዶ ነይሩ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከምቲ እዚ ሰራቒ እዚ ሰራቒ ኰይኑ ዘይተወልደ ድያብሎስ እውን “ድያብሎስ” ኰይኑ ኣይተፈጥረን

[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ብም⁠ድርባይ ተወድኤ። ሕጂ ሳዕቤኑ ንዓኻ ይትንክፈካ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

በቲ እትገብሮ ቀጻሊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽራር የጋጥመካ ይኸውን