ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 8

የሆዋ ንህዝቡ ንጹሃት ኪዀኑ ይደልዮም

የሆዋ ንህዝቡ ንጹሃት ኪዀኑ ይደልዮም

“ምስ ንጹህ፡ ንጹህ ትኸውን።”—መዝሙር 18:26

1-3. (ሀ) ኣደ ንጽሬት ወዳ እትሕሉ ስለምንታይ እያ፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቡ ንጹሃት ኪዀኑ ዚደልዮም ስለምንታይ እዩ፧

 ሓንቲ ኣደ ንንእሽቶ ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ኪኸይድ ተዳልዎ ኸም ዘላ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ነብሱ ሓጺባ፡ ጽሩይ ክዳውንቲ ትኸድኖ። እዚ ኸኣ ንጥዕናኡ ጽቡቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካልኦት እውን ክንክን ወለዱ ኸም ዚረከብ ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም።

2 ኣቦና የሆዋ ጽሩያትን ንጹሃትን ክንከውን ይደልየና እዩ። (መዝሙር 18:26) ንጽህና ንጥቕምና ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ንጹሃት እንተ ዄንና ኸኣ፡ ንዕኡ ኽብሪ ነምጽኣሉ ኢና።—ህዝቅኤል 36:22፣ 1 ጴጥሮስ 2:12 ኣንብብ።

3 ንጽህና እንታይ እዩ፧ ንጹሃት ምዃንና ንጥቕምና ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን ክንምርምር ከለና፡ ንሕና ብብሕትና ኽንገብሮ ዘሎና ለውጥታት ንረክብ ንኸውን።

ንጹሃት ክንከውን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

4, 5. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ንጹሃት ክንከውን ዜድልየና፧ (ለ) ፍጥረት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጽህና ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ይምህረና፧

4 ጽሩይን ንጹህን ብዛዕባ ምዃን ቀንዲ ኣብነት ዚዀነና የሆዋ እዩ። (ዘሌዋውያን 11:44, 45) ስለዚ፡ ንጹሃት እንዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ‘ንኣምላኽ ክንመስሎ’ ስለ እንደሊ እዩ።—ኤፌሶን 5:1

5 ፍጥረት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጽህና ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ብዙሕ ይምህረና እዩ። የሆዋ ንኣየርን ንማይን ዜጽሪ ተፈጥሮኣዊ ዑደት ፈጢሩ እዩ። (ኤርምያስ 10:12) ብዛዕባ እቲ ምድሪ ምስ ተበከለት ገዛእ ርእሳ እተጽርየሉ ሓያሎ መገድታት እሞ ሕሰብ። ንኣብነት፡ የሆዋ፡ ማይክሮብ ዚብሃሉ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርኣዩ ደቀቕቲ ተህዋስያን ፈጢሩ ኣሎ። እዚኣቶም ከኣ ንመርዛም ጐሓፍ ናብ ዘይጐድእ ነገር ኪቕይርዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ሓያል መስርሕ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብገሊኦም ማይክሮብ ገይሮም ተበኪሉ ንዝነበረ ኸባቢ የሕውዩ እዮም።—ሮሜ 1:20

6, 7. ሕጊ ሙሴ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ እውን፡ ንጽህና ዘለዎ ኣገዳስነት ንርኢ ኢና። ንኣብነት፡ ኣምልኾኦም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ እቶም ህዝቢ ንጹሃት ኪዀኑ ነይርዎም። ብመዓልቲ ዕርቂ ድማ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክልተ ሳዕ ይሕጸብ ነይሩ እዩ። (ዘሌዋውያን 16:4, 23, 24) ካልኦት ካህናት ከኣ መስዋእቲ ቕድሚ ምቕራቦም፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይሕጸቡ ነይሮም እዮም። (ዘጸኣት 30:17-21፣ 2 ዜና መዋእል 4:6) ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ነዚ ሕግታት ንጽህና እዚ ዘይምሕላው፡ ሞት እዩ ዜስዕብ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 15:31፣ ዘሁልቍ 19:17-20

7 ሎሚኸ እቲ ስርዓት ከመይ እዩ፧ ብዛዕባ መለክዒታት የሆዋ ኻብ ሕጊ ሙሴ ብዙሕ ንምሃር ኢና። (ሚልክያስ 3:6) እቲ ሕጊ እቲ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም፡ ብንጹር ይሕብር ነይሩ እዩ። ስርዓታት የሆዋ ኣይተለወጠን። ሎሚ እውን፡ ኣምለኽቱ ጽሩያትን ንጹሃትን ኪዀኑ ይደልዮም እዩ።—ያእቆብ 1:27

ንጽህና እንታይ እዩ፧

8. ንጹሃት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ብኣረኣእያ የሆዋ ንጹሃት ንምዃን ሰብነትናን ክዳውንትናን ቤትናን ብጽሬት ኻብ ምሓዝ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ንጽህና ንዅሉ መዳይ ህይወትና እዩ ዚትንኪ። እዚ ድማ ንኣምልኾናን ንኣካይዳናን ንሓሳባትናን የጠቓልል። እወ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ኣሎና።

9, 10. ኣብ ኣምልኾና ንጹሃት ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

9 ንጹህ ኣምልኾ። ብዝዀነ ይኹን መገዲ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኽንሓብር የብልናን። እስራኤላውያን ኣብ ምርኮ ባቢሎን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ጾታዊ ርኽሰት ዝመልኦ ኣረማዊ ሃይማኖት ብዚስዕቡ ሰባት እዮም ተኸቢቦም ነይሮም። ኢሳይያስ፡ እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ንጹህ ኣምልኾ ዳግም ከም ዜቝሙ ተነብዩ ነይሩ እዩ። የሆዋ ድማ፡ “ካብኡ ውጹ፡ ርኹስ ኣይትተንክዩ! . . . ካብ ማእከላ ውጹ፡ ንጹሃት ኩኑ” ኢልዎም እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣምልኾ ምስቲ ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ትምህርትታት፡ ባህልታት፡ ወይ ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪተሓዋወስ ኣይነበሮን።—ኢሳይያስ 52:11

10 ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪርሕቁ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 10:21 ኣንብብ።) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ብዙሕ ልሙድ ባህልታትን ልምድታትን እምነታትን፡ ኣብ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተመስረተ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ብዙሕ ባህልታት፡ ምስ ሞትና ብህይወት እትቕጽል ነገር ኣብ ውሽጥና ኸም ዘላ ይኣምኑ እዮም፣ ኣብዚ እምነት እዚ እተመስረተ ብዙሕ ልምድታት ድማ ኣሎ። (መክብብ 9:5, 6, 10) ክርስትያናት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ኪርሕቁ ኣለዎም። ኣባላት ስድራ ቤትና ኣብ ገሊኡ ልምድታት ክንሳተፍ ጸቕጢ ይገብሩልና ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ክንከውን ስለ እንደሊ፡ ብኸምዚ ዓይነት ጸቕጥታት ኣይንስነፍን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

11. ኣብ ኣካይዳና ንጹሃት ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

11 ንጹህ ኣካይዳ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ንምዃን፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምንዝርና ኽንርሕቕ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:5 ኣንብብ።) የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ኢሉና ኣሎ። ዘይንስሑ ኣመንዝራታት “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” እውን ብንጹር ኣጠንቂቑ እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10, 18ተወሳኺ ሓበሬታ 22 ርአ።

12, 13. ሓሳባትና ንጹህ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ንጹህ ሓሳባት። ሓሳባት ናብ ተግባራት እዩ ዚመርሕ። (ማቴዎስ 5:28፣ 15:18, 19) ንጹህ ሓሳባት ከኣ ተግባርና ብንጽህና ኽንገብር ይድርኸና እዩ። ልክዕ እዩ፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓሓሊፉ ኽፉእ ሓሳባት ይመጸና እዩ። ክፉእ ሓሳባት ኪመጸና ኸሎ፡ ብኡብኡ ንንጸጎ። ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ ውዒሉ ሓዲሩ ልብና ኺረክስ እዩ። ነቲ ብቐጻሊ እንሓስቦ ነገር ክንገብሮ ድሌት ኪሓድረና እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣእምሮና ብንጹህ ሓሳባት ንምልኣዮ። (ፊልጲ 4:8 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ካብ ብዕሉግ ወይ ዓመጻ ኻብ ዝመልኦ መዘናግዒ ንርሕቕ ኢና። እነንብቦን እንርእዮን እንዛረቦን ተጠንቂቕና ንመርጽ ኢና።—መዝሙር 19:8, 9

13 ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ፡ ኣብ ኣምልኾናን ኣብ ኣካይዳናን ኣብ ሓሳባትናን ንጹሃት ክንከውን ኣሎና። ብዘይካዚ ግና፡ የሆዋ፡ ብኣካላዊ መዳይ እውን ንጹሃት ክንከውን ይደልየና እዩ።

ከመይ ጌርና ኢና ኣካላዊ ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል፧

14. ኣካላዊ ንጽህናና ምሕላው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሰብነትናን ከባቢናን ብንጽህና ንሕዝ እንተ ዄንና፡ ንገዛእ ርእስናን ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባትን ንጠቅም ኢና። ጽቡቕ ይስምዓና፡ ካልኦት እውን ባህ ኢልዎም ይቐርቡና። ኰይኑ ግና፡ ኣካላዊ ንጽህናና እንሕልወሉ ዝያዳ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎና። ንጽህናና ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ወትሩ ረሳሕ ዝዀነ ቘልዓ እንተ ርኢኻ፡ ብዛዕባ ወለዱ ሕማቕ ኢኻ እትሓስብ። ብተመሳሳሊ፡ ርእስና ዘይንከናኸንን ንጽህናና ዘይንሕሉን እንተ ዄንና፡ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሕማቕ ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ፡ “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና፣ ግናኸ፡ ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና” ኢሉ እዩ።—2 ቈረንቶስ 6:3, 4

ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ጽሬት ሰብነትናን ከባቢናን ክንሕሉ ኣሎና

15, 16. ንጽህናና ንምሕላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 ሰብነትናን ክዳንናን። ንጽህናና ምሕላው፡ ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትና ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣዘውቲርና ነብስና ኽንሕጸብ፡ እንተ ተኻኢሉ መዓልቲ መዓልቲ ነብስና ኽንሕጸብ ኣሎና። ምግቢ ቕድሚ ምኽሻንና ወይ ቅድሚ ምብላዕና፡ ብሕልፊ ድማ ሽቓቕ ድሕሪ ምጥቃምና ወይ ረሳሕ ነገር ድሕሪ ምትንካይና፡ ኣእዳውና ብሳሙናን ብማይን ክንሕጸብ ኣሎና። ኣእዳውና ምሕጻብ ተራ ነገር ኪመስል ይኽእል እዩ፣ ባክተርያን ሕማምን ከይነላብዕ ግና ይሕግዝ እዩ። ህይወት እውን ኬድሕን ይኽእል እዩ። ዋላ እኳ ሽቓቕ ወይ መትረብ ረሳሕ ፈሳሲ እንተ ዘይብልና፡ ቀልቀልና እነወግደሉ ግቡእ መገዲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ረሳሕ ፈሳሲ ዚውገደሉ መትረብ ኣይነበሮምን፣ ስለዚ፡ ንቐልቀሎም ካብቲ ሰባት ዚነብሩሉን ማይ ዚወርዱሉን ቦታ ርሒቖም ኣብ ጕድጓድ እዮም ዚቐብርዎ ነይሮም።—ዘዳግም 23:12, 13

16 ክዳውንትና ዜብለጭልጭ፡ ክቡር፡ ወይ ሓድሽ ቅዲ ኪኸውን ኣየድልን እዩ። ጽፉፍን ጽሩይን ግና ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ኣንብብ።) ትርኢትና ወትሩ ንየሆዋ ኽብሪ ኼምጽኣሉ ንደሊ ኢና።—ቲቶስ 2:10

17. ጽሬት ቤትናን ከባቢናን ክንሕሉ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

17 ቤትናን ከባቢናን። ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ጽሬት ኣባይትና ኽንሕሉ ኣሎና። ማኪናና፡ ሞተር ብሽክለታና፡ ብሽክለታና፡ ወይ ዝዀነ ይኹን ተሽከርካሪና፡ ምናዳ ናብ ኣኼባታት ወይ ንስብከት እንኸደሉ እንተ ዄንና፡ ብጽሬት ክንሕዝ ኣሎና። ከመይሲ፡ ክንሰብኽ ከለና፡ ብዛዕባ እታ ገነት እትኸውን ንጽህቲ ምድሪ ንነግር ኢና። (ሉቃስ 23:43፣ ራእይ 11:18) ትርኢት ቤትናን ከባቢናን፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ነቲ ኣብታ ንጽህቲ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ህይወት ንዳሎ ኸም ዘለና ኼርኢ ይኽእል እዩ።

18. ጽሬት ቦታ ኣምልኾና ኽንሕሉ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

18 ቦታ ኣምልኾና። ጽሬት ቦታ ኣምልኾና፡ ማለት ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ጽሬት መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታት ብምሕላው፡ ብዛዕባ ንጽህና ኸም እንግደስ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ሰባት ንፈለማኦም ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚመጹሉ እዋን፡ ንጽሬቱ የስተብህሉሉ እዮም። እዚ ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ። ኣባላት ጉባኤ ኸም ምዃንና መጠን፡ ኵላትና ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽራይን ንምክንኻንን ኣጋጣሚ ኣሎና።—2 ዜና መዋእል 34:10

ርኹስ ልማዳት ኣወግድ

19. እንታይ ኢና ኸነወግድ ዘሎና፧

19 መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ ኸነወግዶ ዘሎና ሕማቕ ልማዳት ዘይዝርዝር እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብዛዕባኡ ኸመይ ከም ዚስምዖ ዜረድኣና ስርዓታት ግና ይህበና እዩ። የሆዋ፡ ሽጋራ ኸነትክኽ፡ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኸነብዝሕ፡ ወይ ሓሽሽ ኰነ ዕጸ ፋርስ ክንወስድ ኣይደልየናን እዩ። ፈተውቲ ኣምላኽ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኣይንገብርን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ እተዋህበና ህይወት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልማዳት፡ ንዕምርና ኼሕጽሮ፡ ንጥዕናና ኺሃስዮ፡ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት እውን ኪጐድኦም ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ጥዕናኦም ኢሎም ነዚ ሕማቕ ልማዳት ኪሓድግዎ ይፍትኑ እዮም። ንሕና ግና ከም ፈተውቲ የሆዋ መጠን፡ ነዚ እንሓድገሉ ብሉጽ ምኽንያት ኣሎና፣ እዚ ድማ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እዩ። ሓንቲ መንእሰይ፡ “ብሓገዝ የሆዋ ንዅሉ ህይወተይ ኣንጺሀ እየ፡ ካብ ወልፍታተይ እውን ሓራ ዀይነ እየ። . . . እዚ ለውጥታት እዚ ብርእሰይ ክገብሮ ኣይምኸኣልኩን ነይረ” ትብል። ጐዳኢ ልማዳት ንምሕዳግ ዜኽእል ሓሙሽተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

20, 21. የሆዋ ኻብ እንታይ ልማዳት እዩ ሓራ ኽንከውን ዚደልየና፧

20 “ፍቑራተየ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ሃለወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) የሆዋ ኻብቲ ንኣእምሮና ወይ ንሰብነትና ኺጐድእ ዚኽእል ርኹስ ልማዳት ሓራ ኽንከውን ይደልየና እዩ።

21 “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና እነንጽሃሉ” ሓደ ሓያል ምኽንያት፡ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:17, 18 ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብኡ የሆዋ፡ “ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ” ይብለና እዩ። ድሕሪኡ፡ “ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ። ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። እወ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ዜርክሰና ዘበለ ነገር እንተ ርሒቕና፡ ከምቲ ኣቦ ንውሉዳቱ ዜፍቅሮም ገይሩ ኼፍቅረና እዩ።

22-25. እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እዩ ርኹስ ልማዳት ከነወግድ ዚሕግዘና፧

22 “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:37) እዚኣ ኻብ ኵሉ እትዓቢ ትእዛዝ እያ። (ማቴዎስ 22:38) ንየሆዋ ምሉእ ዘይጕዱል ፍቕሪ ይግብኦ እዩ። ግናኸ፡ ዕምርና ኼሕጽር ወይ ንኣእምሮና ኺጐድእ ዚኽእል ነገር እንተ ጌርና፡ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ምሉእ ዘይጕዱል ፍቕሪ እንህቦ፧ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዝሃበና ህይወት ኣኽብሮት ከም ዘሎና ንምርኣይ፡ ዚከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና።

23 “[የሆዋ] ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ዚህብ [እዩ]።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) ዓርክኻ ፍሉይ ህያብ እንተ ሂቡካ፡ ትድርብዮ ወይ ተበላሽዎ ዲኻ፧ ህይወት ካብ የሆዋ እተዋህበና ዜደንቕ ውህበት እዩ። ነዚ ውህበት እዚ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ስለዚ፡ ህይወትና ንዕኡ ብዜኽብር መገዲ ኢና ኽንጥቀመሉ እንደሊ።—መዝሙር 36:9

24 “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:39) ርኹስ ልማዳት ንዓና ጥራይ ኣይኰነን ዚጐድኣና። ነቶም ኣብሊጽና እንፈትዎም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት እውን ኪጐድኦም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ሽጋራ ምስ ዜትክኽ ሰብ ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ትኪ ስለ ዜስተንፍሶ፡ ከቢድ ጸገማት ጥዕና ኼማዕብል ይኽእል እዩ። ሕማቕ ልማዳት እንተ ሓዲግና ግና፡ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ከም እነፍቅር ነርኢ ኢና።—1 ዮሃንስ 4:20, 21

25 “ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን . . . ኣዘኻኽሮም።” (ቲቶስ 3:1) ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ሓሽሽ ኰነ ዕጸ ፋርስ ምሓዝ ወይ ምውሳድ ብሕጊ ኽልኩል እዩ። የሆዋ ንመንግስትታት ከነኽብር ስለ ዝኣዘዘና፡ ነዚ ሕግታት እዚ ነኽብሮ ኢና።—ሮሜ 13:1

ጽሬትናን ንጽህናናን ምስ እንሕሉ፡ ንየሆዋ ነኽብሮ

26. (ሀ) ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ንጹህ ምዃን ብሉጽ መገዲ ህይወት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

26 ፈተውቲ የሆዋ ኽንከውን እንተ ደሊና፡ ገለ ለውጥታት ክንገብር የድልየና ይኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ውዓል ሕደር ከይበልና ኽንጅምር ኣሎና። ርኹስ ልማዳት ምሕዳግ ቀሊል ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ንኽእሎ ኢና! የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። እወ፡ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ኢሉና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ጽሬትናን ንጽህናናን ንምሕላው ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ምስ እንገብር፡ ንኣምላኽና ኽብሪ ኸም እነምጽኣሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።