ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 10

መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት

መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት

“ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ድማ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።”—መክብብ 4:12

1, 2. (ሀ) ሓደስቲ መርዓውቲ እንታይ እዮም ተስፋ ዚገብሩ፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

 ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ሕጉሳት ዝዀኑ መርዓውን መርዓትን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወቶም ብዙሕ ተስፋን ትምኒትን ኣለዎም። መውስቦኦም ነባርን ሓጐስ ዝዓሰሎን ኪኸውን እዩ ተስፋኦም።

2 ኰይኑ ግና፡ ሓያሎ መውስቦ ኣጀማምራኡ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ፡ መወዳእታኡ ግና ጽቡቕ ኣይኰነን። መውስቦ ነባርን ሓጐስ ዝዓሰሎን ምእንቲ ኪኸውን፡ እቶም መጻምድቲ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ኺረኽቡ የድልዮም እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ንርከበሉ፦ ገለ ኻብቲ መውስቦ ዘለዎ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧ ክትምርዖ እንተ ዄንካ፡ ከመይ ጌርካ ዚዀነካ ሰብ ትሓሪ፧ ከመይ ጌርካ ንፉዕ ሰብኣይ (ንፍዕቲ ሰበይቲ) ትኸውን፧ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን ዚሕግዝከ እንታይ እዩ፧—ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።

ክምርዖዶ፧

3. ሰብ ብሓጐስ ንምንባር ኪምርዖ ዘለዎ ድዩ ዚመስለካ፧ ግለጽ።

3 ገሊኦም ሰባት፡ ሓደ ሰብ እንተ ዘይተመርዕዩ ሓጐስ ዘይረክብ ይመስሎም እዩ። እዚ ግና ቅኑዕ ኣይኰነን። የሱስ ንዘይምምርዓው፡ ከም ሓደ ዚውሃበካ ነገር ወይ ከም ውህበት ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 19:11, 12) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ዘይምምርዓው ብልጫ ኸም ዘለዎ ጠቒሱ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:32-38) ክትምርዖ ወይ ከይትምርዖ ናትካ ምርጫ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኻብ ፈተውትኻ፡ ስድራ ቤትካ፡ ወይ ባህልኻ ዚወርደካ ጸቕጢ ኽትምርዖ የብልካን።

4. ገለ ኻብቲ ጽቡቕ መውስቦ ዘለዎ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

4 መውስቦ እውን ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት ከም ዝዀነን ገለ ጥቕምታት ከም ዘለዎን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ንዕኡ መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት ክገብረሉ እየ” ኢሉ እዩ። (ዘፍጥረት 2:18) ስለዚ፡ የሆዋ ንሄዋን፡ ሰበይቲ ኣዳም ክትከውን እዩ ፈጢርዋ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እታ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊት ስድራ ቤት ቈይማ። ሰብ ሓዳር ውሉዳት እንተ ወሊዶም ድማ፡ ሓዳሮም ቈልዑ ንምዕባይ ዜኽእል ጽቡቕ ሃዋህው ኪህልዎ ይግባእ። መውስቦ እንገብረሉ ዕላማ ግና፡ ቈልዑ ንምውላድ ጥራይ ኪኸውን የብሉን።—መዝሙር 127:3፣ ኤፌሶን 6:1-4

5, 6. ከመይ ገይሩ እዩ መውስቦ “ብሰለስተ [ኸም] ዝኸረረ ገመድ” ዚኸውን፧

5 ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ካብ ጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዚረኽቡ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ። ሓዲኦም እንተ ወደቐስ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ። እቲ ዜተንስኦ ዘይብሉ ምስ ዚወድቕ ግና እንታይ እዩ ዚኸውን፧ . . . ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ድማ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።”—መክብብ 4:9-12

6 ክልተ ሰባት ጽቡቕ መውስቦ እንተ መስሪቶም፡ ሓደ ነቲ ሓደ ዚድገፈሉን ዜጸናንዓሉን ዜዕቍበሉን ናይ ቀረባ ዕርክነት ኬማዕብሉ ይኽእሉ እዮም። ፍቕሪ ንሓዳሮም ከተደልድሎ ትኽእል እያ። ሰብኣይን ሰበይትን ንየሆዋ ዜምልኹ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ሓዳሮም ብዝያዳ እዩ ዚድልድል። ሽዑ፡ እቲ መውስቦ “ብሰለስተ [ኸም] ዝኸረረ ገመድ” ወይ ሰለስተ ብሓደ ኸም እተፋሕሰ ገመድ ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ገመድ ድማ፡ ክልተ ብሓደ ኻብ እተፋሕሰ ገመድ ኣጸቢቑ ይድልድል እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ ኽፋል እቲ መውስቦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መውስቦ ይድልድል እዩ።

7, 8. ጳውሎስ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ምኽሪ ሂቡ፧

7 ክልተ ሰባት ምስ ተመራዓዉ፡ ባህርያዊ ጾታዊ ድሌት ሓድሕዶም ኬርውዩ ይኽእሉ እዮም። (ምሳሌ 5:18) ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ነዚ ድሌቱ ኼርዊ ጥራይ እንተ ተመርዕዩ፡ መጻምድቱ ብጥበብ ከይመርጽ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ‘ብጽሕናኡ ምስ ኣሕለፈ፡’ ማለት ነቲ ጾታዊ ድሌቱ ዚሕይለሉ ዕድመ ምስ ኣሕለፈ ኺምርዖ ዚመክር። (1 ቈረንቶስ 7:36) እምበኣር፡ ሓደ ሰብ፡ እዚ ስምዒታት እዚ ኽሳዕ ዚሃድእ ጸኒሑ እንተ ተመርዓወ ይሓይሽ። ድሕሪኡ፡ ብዝነጸረ ኺሓስብን ዝሓሸ ምርጫ ኺገብርን ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:9፣ ያእቆብ 1:15

8 ክትምርዖ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ኽትሕዝን ኵሉ ሓዳር ጸገማት ከም ዜጓንፎ ኣብ ግምት ከተእቱን ኣሎካ። ጳውሎስ፡ እቶም እተመርዓዉ፡ “ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ” ኢሉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 7:28) ኣብ ብሉጽ ሓዳር እኳ ጸገማት የጓንፍ እዩ። ስለዚ፡ ክትምርዖ እንተ ወሲንካ፡ መጻምድትኻ ብጥበብ ምረጽ።

ንመን ክምርዖ፧

9, 10. ንየሆዋ ዘየምልኽ ሰብ እንተ ተመርዒና እንታይ እዩ ዜጋጥም፧

9 ንሓዳር ዚዀነካ ሰብ ክትሓሪ ኸለኻ፡ ነቲ፡ “ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ዚብል ኣገዳሲ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትዝክር ኣሎካ። (2 ቈረንቶስ 6:14) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምሳሌ፡ ኣብ ናብራ ሕርሻ ዝውቱር እዩ ነይሩ። ክልተ እንስሳታት ብግዝፊ ወይ ብጕልበት ኣመና እተፈላለዩ እንተ ዀይኖም፡ ሓረስታይ ንማሕረስ ኬዕይዮም ኢሉ ኣብ ሓደ ኣይጸምዶምን እዩ። ኣብ ሓደ እንተ ተጸሚዶም፡ ክልቲኦም እዮም ዚጕድኡ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጎ ንየሆዋ ዜምልኽን ንየሆዋ ዘየምልኽን ዚግበር መውስቦ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጸገማት ይበዝሖ እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብጐይታ ጥራይ” ክንምርዖ ይመኽረና እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:39

10 ገሊኦም ክርስትያናት ንበይኖም ካብ ዚዀኑ፡ ንየሆዋ ዘየምልኽ ሰብ እንተ ተመርዓዉ ኸም ዚሓይሽ ይስምዖም እዩ። ግናኸ፡ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ እንተ ኢልና፡ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ስቓይን ጓህን እዩ ዜስዕበልና። ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ንዕኡ ምግልጋል ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር እዩ። መጻምድትኻ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ኽፋል ህይወትካ ምሳኻ ዘይካፈል እንተ ዀይኑ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ብዙሓት ክርስትያናት፡ ንየሆዋ ዘየፍቅርን ዘየገልግልን ሰብ ካብ ምምርዓው፡ ከይተመርዓዉ ኺጸንሑ ወሲኖም ኣለዉ።—መዝሙር 32:8 ኣንብብ።

11. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሓዳር ዚዀነካ ሰብ ተጠንቂቕካ ኽትመርጽ እትኽእል፧

11 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንየሆዋ ዜምልኽ ዘበለ ዅሉ ንሓዳር ይዀነካ ማለት ኣይኰነን። ክትምርዖ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ብሓቂ እትፈትዎን ምሳኻ ዚቃዶን ሰብ ድለ። ኣብ ህይወቱ ኸም ናትካ ዓይነት ሸቶ ዘለዎን ብቐዳምነት ንኣምላኽ ኬገልግል ዚደልን ክሳዕ እትረክብ ተጸበ። ነቲ እቲ እሙን ባርያ ብዛዕባ መውስቦ ዜዳልዎ ሓጋዚ ምኽሪ ግዜ ወሲድካ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን።—መዝሙር 119:105 ኣንብብ።

12. ካብቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብመማጽኢ ዚግበር ዝነበረ መውስቦ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

12 ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ወለዲ ንወዶም ወይ ንጓሎም መጻምድቲ የማጽኡሎም እዮም። ወለዲ ንደቆም ዚዀኖም ንምምራጽ ዝሓሸ ኽእለት ከም ዘለዎም ጌርካ እዩ ዚሕሰብ። እዚ ልምዲ እዚ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ልሙድ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ስድራኻ ነዚ ልምዲ እዚ ኺስዕቡ እንተ ደልዮም፡ እንታይ ባህርያት ኪሓርዩ ኸም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ እትዀኖ ሰበይቲ ኺሓሪ ኸሎ፡ ብቐዳምነት ዘተሓሳሰቦ ነገር፡ ገንዘብ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ንሳ ንየሆዋ እተፍቅር ምዃና እዩ ኣተሓሳሲብዎ።—ዘፍጥረት 24:3, 67ተወሳኺ ሓበሬታ 25 ርአ።

ከመይ ገይረ እየ ንሓዳር ክዳሎ ዝኽእል፧

13-15. (ሀ) ሓደ ሰብኣይ ነቲ ምስ ተመርዓወ ዚህልዎ ሓላፍነት ብኸመይ ኪዳሎ ይኽእል፧ (ለ) ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ምስ ተመርዓወት ዚህልዋ ሓላፍነት ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

13 ክትምርዖ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ኣቐዲምካ ተዳሎ። ድሉው ዝዀንካ ይመስለካ ይኸውን፣ ብሓቂ ንሓዳር ድሉው ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ግና እስከ ንርአ። እዚ ስዒቡ እትረኽቦ ነጥብታት የገርመካ ይኸውን።

ነቲ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዚህቦ ምኽሪ ግዜ ወሲድካ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን

14 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ስድራ ቤት እተፈላለየ ግደ ኸም ዘለዎም ይገልጽ እዩ። ስለዚ፡ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ንሓዳር ዚዳለዉሉ መገዲ እተፈላለየ እዩ። ሰብኣይ ኪምርዖ ይሓስብ እንተ ኣልዩ፡ ‘ርእሲ ስድራ ቤት ንምዃን ድሉው ድየ፧’ ኢሉ ርእሱ ኺሓትት ኣለዎ። የሆዋ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቱን ንደቁን ብስጋውን ብስምዒታውን መዳይ ኪከናኸን ይጽበዮ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ሰብኣይ ኣብቲ ስድራ ቤቱ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣምልኾ ኺመርሕ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። ንስድራ ቤቱ ዘይሓሊ ሰብኣይ ‘ካብ ዘይኣምን ዝገደደ’ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ስለዚ፡ ክትምርዖ እትሓስብ ዘለኻ ሰብኣይ እንተ ዄንካ፡ ነቲ፡ “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ኵሉ ኣዳሉ፣ ድሕሪኡ፡ ቤትካ ህነጽ” ዚብል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትትግብሮ ሕሰብ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ቅድሚ ምምርዓውካ፡ የሆዋ ዚደልዮ ዓይነት ለዋህ ሰብኣይ ምዃንካ ኣረጋግጽ።—ምሳሌ 24:27

15 ክትምርዖ እትሓስብ ሰበይቲ ኸኣ፡ ከም ምርዕውቲ ሰበይትን ከም ኣደን መጠን ዚህልዋ ሓላፍነት ክትስከም ድልውቲ እንተ ዀይና ርእሳ ኽትሓትት ኣለዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ንገለ ኻብቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ንሰብኣያን ንደቃን እትከናኸነሉ ሓያሎ መገድታት ይጠቅስ እዩ። (ምሳሌ 31:10-31) ሎሚ፡ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን፡ መጻምድቶም ብዛዕባ ዚገብረሎም ነገር ጥራይ እዮም ዚሓስቡ። የሆዋ ግና ንመጻምድትና ብዛዕባ እንገብረሉ ነገር ክንሓስብ እዩ ዚደልየና።

16, 17. ክትምርዖ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኸተስተንትን ዘሎካ፧

16 ቅድሚ ምምርዓውካ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ሰብኡትን ኣንስትን ዝበሎ ኣስተንትነሉ። ርእሲ ስድራ ቤት ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ሰብኣይ ብኣካላዊ ወይ ብስምዒታዊ መዳይ ደንዳኒ ኪኸውን ይኽእል ማለት ኣይኰነን። ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ነቲ ወትሩ ፈቃርን ለዋህን ዝዀነ የሱስ ኪመስሎ ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:23) ሰበይቲ ድማ ንውሳነታት ሰብኣያ ብዛዕባ ምድጋፍን ምስኡ ብዛዕባ ምትሕብባርን ክትሓስብ ኣለዋ። (ሮሜ 7:2) ንዘይፍጹም ሰብኣይ ተሓጒሳ ኽትግዛእ ትኽእል እንተ ዀይና ርእሳ ኽትሓትት ኣለዋ። ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዕዋ፡ ንግዜኡ ኸይተመርዓወት ንምጽናሕ ክትውስን ትኽእል እያ።

17 ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ሓጐሶም ንላዕሊ፡ ብዛዕባ ሓጐስ መጻምድቶም ኪግደሱ ኣለዎም። (ፊልጲ 2:4 ኣንብብ።) ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌሶን 5:21-33) ሰብኡትን ኣንስትን ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ጽቡቕ ሓዳር ምእንቲ ኺህሉ፡ ብሕልፊ ሰብኣይ ኣኽብሮት ሰበይቱ እዩ ዚደሊ፡ ብሕልፊ ሰበይቲ ድማ ፍቕሪ ሰብኣያ እያ እትደሊ።

18. ወድን ጓልን ብግዜ ወርዝነት ኪጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

18 እቲ ወርዝነት ዚብሃል ወድን ጓልን ብዝያዳ ኺፋለጡ ኢሎም ዜሕልፍዎ ግዜ፡ ባህ ዜብል ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ብሓቂ ዚዀኖም ሰብ እንተ ረኺቦም ዜመዛዝኑሉን ብቕንዕና ዚውስኑሉን ግዜ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ወድን ጓልን ንሓድሕዶም እሂን ምሂን ኪብሃሃሉን ኣብ ልቢ ሓድሕዶም ዘሎ ኺፈልጡን ኣለዎም። ርክቦም እናዓመቘ ምስ ከደ ድማ፡ ኣብ መንጎኦም ኣካላዊ ስሕበት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቅድሚ ምምርዓዎም ርኹስ ተግባር ምእንቲ ኸይፍጽሙ፡ ነቲ ስምዒታቶም ዚገልጹሉ መገዲ ኺቈጻጸርዎ ኣለዎም። ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንተ ኣልያቶም፡ ርእሶም ስለ ዚገትኡ፡ ኣብ መንጎ ሓድሕዶምን ምስ የሆዋን ዘለዎም ርክብ ዜበላሹ ነገር ኣይገብሩን እዮም።—1 ተሰሎንቄ 4:6

ኣብ እዋን ወርዝነት፡ ወድን ጓልን ንሓድሕዶም እሂን ምሂን ኪብሃሃሉ ኣለዎም

ከመይ ገይረ እየ ንመውስቦይ ነባሪ ዝገብሮ፧

19, 20. ክርስትያናት ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

19 ብዙሕ መጻሕፍትን ፊልምታትን ብዜሐጕስ ዓብዪ መርዓ እዩ ዚዛዘም። ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ግና፡ መርዓ መጀመርታ እምበር፡ መወዳእታ ኣይኰነን። የሆዋ፡ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን እዩ ሓሊኑ።—ዘፍጥረት 2:24

20 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ንመውስቦ ኸም ግዝያዊ ነገር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብቐሊሉ ይምርዓዉ፡ ብቐሊሉ ድማ ይፋትሑ። ገሊኦም ከኣ፡ ጸገማት ኪጅምር ከሎ፡ ዚፋትሑሉ ግዜ ዝኣኸለ ይመስሎም እዩ። ግናኸ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጠቕመሉ ምሳሌ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ከም ዝጠቐሰ ኣይትረስዕ። ከምዚ ዓይነት ገመድ፡ ብቐሊሉ ኣይብተኽን እዩ። ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንረክብ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ መውስቦና ነባሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 19:6

21. ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

21 ኵላትና በብርታዐናን ደድኽመትናን ኣሎና። ኣብ ድኽመት ካልኦት፡ ምናዳ ኸኣ ኣብ ድኽመት መጻምድትና ምትኳር ቀሊል እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና ግና፡ ኣይንሕጐስን ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያት መጻምድትና እንተ ኣተኲርና፡ ኣብ ሓዳርና ሓጐስ ይሰፍን እዩ። እሞኸ፡ ካብ ዘይፍጹም መጻምድትናስ ከምዚ ኽንጽበ ንኽእል ዲና፧ እወ! የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዘይፍጹማት ምዃንና ይፈልጥ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያትና የተኵር እዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ እሞ ሕሰቦ! ሓደ ዘማሪ፡ “ኦ ያህ፡ ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 130:3) ሰብኡትን ኣንስትን እውን ኣብ ጽቡቕ ጐድኒ መጻምድቶም ብምትኳርን ቀልጢፎም ይቕረ ብምባልን ንየሆዋ ኺመስልዎ ይኽእሉ እዮም።—ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።

22, 23. ኣብርሃምን ሳራን ንእተመርዓዉ መጻምድቲ ጽቡቕ ኣብነት ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧

22 ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሓዳር እናደልደለ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ነዊሕ ዝጸንሐ መውስቦ ኣብርሃምን ሳራን ሓጐስ ዝዓሰሎ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንኣብርሃም ካብታ ዓዶም ዝነበረት ከተማ ኡር ኪወጽእ ኣብ ዝኣዘዘሉ እዋን፡ ሳራ ልዕሊ 60 ዓመት ገይራ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ነታ ምሽእቲ ቤታ ሓዲጋ ኣብ ድንኳን ክትነብር ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ እሞ ሕሰቦ። ሳራ ግና ንሰብኣያ ንፍዕቲ መሓዛን ደጋፊትን እያ ነይራ፣ ብሓቂ እውን ተኽብሮ ነይራ እያ። ስለዚ፡ ንኣብርሃም ኣብ ውሳነታቱ ደጊፋቶ፡ ኣሳልጦ ኺረክብ እውን ሓጊዛቶ እያ።—ዘፍጥረት 18:12፣ 1 ጴጥሮስ 3:6

23 ልክዕ እዩ፡ ጽቡቕ ሓዳር ኪብሃል ከሎ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ወትሩ ኣብ ኵሉ ይሰማምዑ ማለት ኣይኰነን። ሓደ እዋን፡ ኣብርሃም ምስ ሳራ ኣብ ዘይተሰማምዓሉ እዋን፡ የሆዋ፡ “ቃላ ስማዕ” ኢልዎ እዩ። ኣብርሃም ከምኡ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ጽቡቕ ፍረ ረኺቡ እዩ። (ዘፍጥረት 21:9-13) ሓድሓደ ግዜ፡ ንስኻን መጻምድትኻን እንተ ዘይተሰማሚዕኩም፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ግናኸ፡ ኣብ ዘይትሰማምዑሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ክትፋቐሩን ክትከባበሩን ኣሎኩም።

ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ፡ ንቓል ኣምላኽ ክፍሊ መውስቦኻ ግበሮ

24. መውስቦ ንየሆዋ ኽብሪ ኼምጽኣሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

24 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ኣሽሓት ሕጉሳት ሰብ ሓዳር ኣለዉ። ክትምርዖ እንተ ደሊኻ፡ መጻምድቲ ምሕራይ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሳነታት ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንምሉእ ህይወትካ ስለ ዚጸልዎ፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ድለ። ሽዑ፡ መጻምድትኻ ብጥበብ ክትመርጽ፡ ንሓዳር ጽቡቕ ጌርካ ኽትዳሎ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ ድልዱልን ፍቕሪ ዝዓሰሎን ርክብ ድማ ክትሃንጽ ኢኻ።