ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 15

ብስራሕካ ተሓጐስ

ብስራሕካ ተሓጐስ

“ኵሉ ሰብ . . . ብዅሉ ጻዕሩ . . . ይተሓጐስ።”—መክብብ 3:13

1-3. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስራሖም ከመይ ይስምዖም፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ንገዛእ ርእሶምን ንስድራኦምን ዜድልዮም ንምምእራር ኣበርቲዖም ይዓይዩ እዮም። ብዙሓት ንስራሖም ኣይፈትዉዎን እዮም፣ ገሊኣቶም ከኣ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ስራሕ ምውፋር ይጽልኦም እዩ። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ብስራሕካ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትሕጐስ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከመይ ኢሉ እዩ ብዛዕባ ስራሕካ ጽቡቕ ኪስምዓካ ዚኽእል፧

2 የሆዋ፡ “ኵሉ ሰብ እውን ይብላዕን ይስተን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ድማ ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ” ይብለና እዩ። (መክብብ 3:13) የሆዋ፡ ንስራሕ ድሌትን ባህግን ከም እነሕድር ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ብእንገብሮ ነገር ጽቡቕ ኪስምዓና እዩ ዚደሊ።—መክብብ 2:24፣ 5:18 ኣንብብ።

3 እሞ ደኣ ብስራሕና ምእንቲ ኽንሕጐስ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ንክርስትያናት ዘይከውን፧ ኣብ መንጎ ስራሕናን ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾን ከመይ ጌርና ሚዛንና ኽንሕሉ ንኽእል፧ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮኸ እንታይ እዩ፧

ክልተ ብሉጻት ሰራሕተኛታት

4, 5. የሆዋ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

4 የሆዋ ስራሕ ይፈቱ እዩ። ዘፍጥረት 1:1፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ” ትብል። ኣምላኽ ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉ ፈጢሩ ምስ ወድአ፡ ፍጥረቱ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (ዘፍጥረት 1:31) ፈጣሪና በቲ ዝገበሮ ዓጊቡ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11

5 የሆዋ ስራሕ ኣየቋረጸን። የሱስ፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 5:17) ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ድንቂ ነገራት ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ ገሊኡ ግና ንፈልጥ ኢና። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ክፍሊ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዚገዝኡ ዘበሉ ኺሓሪ ጸኒሑ እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:17) ብዘይካዚ፡ ንሰባት ይመርሖምን ይሓልየሎምን እዩ። ሳላ እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት፡ ሚልዮናት ሰባት ንየሆዋ ይፈልጥዎን ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ይረኽቡን ኣለዉ።—ዮሃንስ 6:44፣ ሮሜ 6:23

6, 7. የሱስ እንታይ ዓይነት ዓያዪ እዩ ነይሩ፧

6 የሱስ እውን ከም ኣቦኡ ስራሕ ይፈቱ እዩ። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ምስ ኣምላኽ ዚሰርሕ “ክኢላ ሰራሕተኛ” ብምንባሩ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ተሳቲፉ እዩ። (ምሳሌ 8:22-31፣ ቈሎሴ 1:15-17) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ ብትግሃት ይሰርሕ ነይሩ እዩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ብኸመይ ክኢላ ጸራቢ ኸም ዚኸውን ሰልጢኑ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ኣቕሑ ገዛን ኣባይትን እዩ ዚሰርሕ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። የሱስ ብስራሑ ኣዝዩ ንፉዕ ብምንባሩ፡ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እውን ይፍለጥ ነይሩ እዩ።—ማርቆስ 6:3

7 ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ዚዓይዮ ዝነበረ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ምምሃርን እዩ ነይሩ። ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እዩ ነይርዎ፣ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ለይቲ ድማ ብትግሃት ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 21:37, 38፣ ዮሃንስ 3:2) ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምብሳር ከኣ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ደሮና ብዝመልኦ መገዲ ተጓዒዙ እዩ።—ሉቃስ 8:1

8, 9. የሱስ ብዕዮኡ ዚሕጐስ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

8 የሱስ ንዕዮ ኣምላኽ ከም ብልዒ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። እቲ ዕዮ፡ ሓይልን ብርታዐን ይህቦ ነይሩ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዓልትታት፡ ብዙሕ ካብ ምዕያዩ እተላዕለ፡ ንምብላዕ እኳ ግዜ ይስእን ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 4:31-38) ንዝረኸቦ ዅሉ ኣጋጣሚ፡ ንሰባት ብዛዕባ ኣቦኡ ንምምሃር ይጥቀመሉ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ንየሆዋ፡ “ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣለኹ” ኽብሎ ዝኸኣለ።—ዮሃንስ 17:4

9 እምበኣር፡ የሆዋን የሱስን ብትግሃት ይዓይዩ እዮም፣ ብስራሖም ከኣ ይሕጐሱን ይዓግቡን እዮም። ንሕና ድማ ‘ንኣምላኽ ክንመስሎ’ ንደሊ ኢና፣ ‘ኣስኣሰር የሱስ እውን ክንስዕብ’ ንደሊ ኢና። (ኤፌሶን 5:1፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ስለዚ ኸኣ ኢና ብትግሃት እንዓዪ፡ ኣብ እንገብሮ ዅሉ እውን ዚከኣለና እንገብር።

ንስራሕና ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

10, 11. ብዛዕባ ስራሕና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

10 ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ንርእስናን ንስድራናን ዜድሊ ንምምእራር ብትግሃት ንዓዪ ኢና። ብስራሕና ጽቡቕ ኪስምዓና ኢና እንደሊ፣ እዚ ግና ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ንስራሕና ዘይንፈትዎ እንተ ዄንና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ንዝዀነ ስራሕ ብዝያዳ ዜሐጕስ ይገብሮ

11 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ቦታ ስራሕና ወይ ሰዓታት ስራሕና ኽንቅይር ኣይንኽእልን ንኸውን፣ ንኣረኣእያና ግና ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኻባና እንታይ ከም ዚጽበ ምርዳእና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ብእተኻእሎ መጠን ንስድራ ቤቱ ዜድልዮም ኬማልእ ይጽበዮ እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ንስድራ ቤቱ ዜድልዮም ዘየማልእ ሰብ፡ ‘ካብ ዘይኣምን ዝገደደ’ ይብሎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ርእሲ ስድራ ቤት እንተ ዄንካ፡ ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ንምምላእ ብትግሃት ትዓዪ ኢኻ። ነቲ እትሰርሖ ዓይነት ስራሕ ፍተዎ ወይ ኣይትፍተዎ ብዘየገድስ፡ ንስድራ ቤትካ ዜድልዮም ብምምላእካ፡ ንየሆዋ ባህ ከም እተብሎ ትፈልጥ ኢኻ።

12. ኣብ ስራሕና ትጉሃትን ቅኑዓትን ምዃን ብኸመይ ይጠቕመና፧

12 ትጉህን ቅኑዕን ኩን። ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ብቐሊሉ ብስራሕካ ኽትሕጐስ ኢኻ። (ምሳሌ 12:24፣ 22:29) ቅድም ቀዳድም፡ ኣስራሒኻ ኺኣምነካ እዩ። ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰራሕተኛታት፡ ገንዘብ፡ ናውቲ፡ ወይ ግዜ ስለ ዘይሰርቁ፡ ብኣስራሕቲ ኣኽቢርካ ይርኣዩ እዮም። (ኤፌሶን 4:28) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብትግሃትን ብቕንዕናን ምስ እትዓዪ፡ የሆዋ ነዚ ይፈልጦ እዩ። ነቲ እተፍቅሮ ኣምላኽ ባህ ተብሎ ኸም ዘለኻ ስለ እትፈልጥ ከኣ፡ “ቅኑዕ ሕልና” ኺህልወካ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 13:18፣ ቈሎሴ 3:22-24

13. ብቕንዕና ንሰርሕ እንተ ዄንና፡ እንታይ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል፧

13 ኣብ ስራሕ እተርእዮ ኣካይዳ ንየሆዋ ውዳሰ ኸም ዜምጽኣሉ ፍለጥ። እዚ ድማ ብስራሕና ንምሕጓስ ካልእ ምኽንያት ይዀነና እዩ። (ቲቶስ 2:9, 10) ነቲ ሰናይ ኣብነትካ ርእዩ፡ ምናልባት ሓደ ኻብ መሳርሕትኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ይደሊ ይኸውን።—ምሳሌ 27:11፣ 1 ጴጥሮስ 2:12 ኣንብብ።

እንታይ ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ፧

14-16. ስራሕ ክትመርጽ ከለኻ፡ እንታይ ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያን ቅቡል ወይ ዘይቅቡል ዝዀነ ስራሓት ኣይዝርዝርን እዩ። ግናኸ፡ ብዛዕባ ስራሕ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓታት ሒዙ ኣሎ። (ምሳሌ 2:6) ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና፡ ንርእስና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓትታ ንኽእል ኢና።

ምስ ስርዓታት የሆዋ ዘይጋጮ ስራሕ ድለ

15 ነዚ ስራሕ እዚ እንተ ሰሪሐ፡ የሆዋ ዘይፈትዎ ነገር እገብር ድየ፧ ብዛዕባ እቲ ኸም ስርቅን ሓሶትን ዝኣመሰለ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ተማሂርና ኢና። (ዘጸኣት 20:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ ኤፌሶን 4:28፣ ራእይ 21:8) ስለዚ፡ ምስ ስርዓታት የሆዋ ዚጻረር ዝዀነ ይኹን ስራሕ ከይንሰርሕ ንጥንቀቕ ኢና።—1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

16 እዚ ስራሕ እዚ፡ የሆዋ ንዚዅንኖ ነገር ይድግፍ ወይ የተባብዕ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ጥንሲ ኣብ ዚንጽል ክሊኒክ ተቐባል ጋሻ ዄንካ ኽትዓዪ ስራሕ ረኺብካ ንበል። ተቐባል ጋሻ ዄንካ ምዕያይ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። የሆዋ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኸመይ ከም ዚስምዖ ግና ትፈልጥ ኢኻ። ስለዚ፡ ጥንሲ ኣብ ምንጻል ብኣካል እኳ እንተ ዘይተሳተፍካ፡ ብኣረኣእያ የሆዋ ኣብቲ በደል ተኻፋሊዶ ኣይምዀንካን፧—ዘጸኣት 21:22-24

17. ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ንምግባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ብስርዓታት ኣምላኽ ምስ እንመላለስ፡ ከምቲ እቶም ኣብ እብራውያን 5:14 ተጠቒሶም ዘለዉ፡ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ብሱላት” ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ፦ ‘ነዚ ስራሕ እዚ እንተ ሰሪሐ፡ ካልኦት ኪዕንቀፉ ድዮም፧ ብሰንኪ እዚ ስራሕ እዚ ንመጻምድተይን ንደቀይን ሓዲገ ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ ኣሎኒ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ገይረ፡ ብኸመይ ይጽለዉ፧’

‘እቲ ዚሓይሽ መርምር’

18. ኣብ ኣምልኾና ምትኳር ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳምነት ምሃብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስራሕ ምርካብን ስራሕ ሒዝካ ምቕጻልን ብሓቂ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስድራ ቤትና ኽንናቢ ኣሎና፣ ኰይኑ ግና፡ ኣምልኾና ቐዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ እውን ንፈልጥ ኢና። ስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወትና እምብዛ ኣገዳሲ ነገር ኪኸውን ክንፈቅድ የብልናን። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ‘እቲ ዚሓይሽ እናመርመርና’ ንስድራ ቤትና ዜድሊ ኸነማልእ እንኽእል፧—ፊልጲ 1:10

19. ብየሆዋ እንእመን ምዃንና፡ ብዛዕባ ስራሕና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንምሓዝ ብኸመይ ይሕግዘና፧

19 ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣመን። (ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።) ኣምላኽ እንታይ ከም ዜድልየና ብልክዕ ከም ዚፈልጥን ብዛዕባና ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልን ንፈልጥ ኢና። (መዝሙር 37:25፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ኣብ ቃሉ፡ “[ኣምላኽ]፡ ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ” ተባሂሉ ተነጊሩና ኣሎ። (እብራውያን 13:5) የሆዋ ወግሐ ጸብሐ ንስድራ ቤትና ዜድሊ ነገር ብዛዕባ ምምእራር ክንጭነቕ ኣይደልየናን እዩ። ንህዝቡ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልእ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 6:25-32) ኵነታት ስራሕና ብዘየገድስ፡ ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ነጽንዕ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ድማ ንእከብ ኢና።—ማቴዎስ 24:14፣ እብራውያን 10:24, 25

20. ከመይ ጌርና ኢና ንህይወትና ቐሊል እንገብሮ፧

20 ንዓይንኻ ትኵርቲ ግበራ። (ማቴዎስ 6:22, 23 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንምትኳር፡ ንህይወትካ ቐሊል ትገብሮ ማለት እዩ። ገንዘብ፡ ጣዕሚ መነባብሮ፡ ወይ ዘመን ኣምጽኦ ኣቕሑ ኻብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ንላዕሊ ዋጋ እንተ ሂብናዮ፡ እዚ ዕሽነት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እሞ ደኣ ቐዳምነት ንዚግብኦ ቐዳምነት ክንህብ እንታይ ይሕግዘና፧ ብእተኻእለና መጠን ኣብ ዕዳ ኸይንኣቱ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ዕዳ እንተ ኣልዩካ ኸኣ፡ ዕዳኻ ንምንካይ ወይ ንምኽፋል ግብራዊ መደብ ኣውጽእ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ስጋዊ ነገራት ብዙሕ ግዜናን ጕልበትናን ኪወስደልና ይኽእል እዩ፣ ንጸሎት፡ ንመጽናዕቲ፡ ወይ ንስብከት ዚኸውን ግዜ እውን ክንስእን ንኽእል ኢና። ስጋዊ ነገራት ንህይወትና ኺሓላልኾ ኣብ ክንዲ እንፈቅድ፡ ብኸም “ምግብን ክዳንን” ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ዕጉባት ክንከውን ንደሊ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:8) በብግዜኡ ድማ ንየሆዋ ኸመይ ጌርና ብዝያዳ ኸነገልግሎ ኸም እንኽእል ኵነታትና እንተ መርመርና ሰናይ እዩ።

21. ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገር ክንውስን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

21 ንግቡእ ነገራት ቀዳምነት ሃብ። ንግዜናን ንጕልበትናን ንጥሪትናን ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኣሎና። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ከም ትምህርቲ ወይ ገንዘብ ዝኣመሰለ ዝተሓተ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ነቲ ኽቡር ግዜና ኺወስዶ ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ብቐጻሊ ድለዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 6:33) ኵሉ ምርጫታትናን ልማዳትናን መዓልታዊ ንጥፈታትናን ሸቶታትናን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልብና ቐዳማይ ቦታ ዘለዎ ነገር እዩ ዚሕብር።

ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ

22, 23. (ሀ) ንዓና ንክርስትያናት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብስራሕና ኽንሕጐስ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

22 ሕጂ ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ፡ ንየሆዋ ምግልጋልን ነቲ ብስራት ምስባኽን እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ከም የሱስ፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ንደሊ ኢና። ገሊኦም ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ ግዒዞም እዮም። ገሊኦም ድማ ቋንቋ ወጻኢ ንዚዛረቡ ሰባት ኪሰብኩሎም ኢሎም ቋንቋ ወጻኢ ተማሂሮም እዮም። ምስቶም ከምዚ ዝገበሩ ሰባት ተዛራረብ፣ ብዛዕባኡ እውን ሕተቶም። ህይወቶም ዝያዳ ሓጐስን ትርጉምን ከም ዘለዎ ኺነግሩኻ እዮም።—ምሳሌ 10:22 ኣንብብ።

ንየሆዋ ምግልጋል፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እዩ

23 ሎሚ፡ መብዛሕትና ንስድራ ቤትና ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ንምምላእ ኣብ ስራሕ ነዊሕ ሰዓታት ነሕልፍ፡ ወይ እውን ልዕሊ ሓደ ስራሕ ንሰርሕ ኢና። የሆዋ ነዚ ይፈልጦ እዩ፣ ንስድራ ቤትና ኽንናቢ ኢልና ንእንገብሮ ነገር እውን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ስለዚ፡ እንሰርሖ ዓይነት ስራሕ ብዘየገድስ ኵላትና ብትግሃት ብምዕያይ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ንምሰሎም። ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ኸኣ ንየሆዋ ምግልጋልን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምዃኑ ኣይንረስዕ። እዚ ድማ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኬምጽኣልና እዩ።