ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተወሳኺ ሓበሬታ

ተወሳኺ ሓበሬታ

 1 ስርዓታት

ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ እዩ ዚምርኰስ። ስርዓታት ኣምላኽ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ሓቅታት ማለት እዩ። ኣምላኽ ከመይ ከም ዚሓስብን ከመይ ከም ዚስምዖን ክንርዳእ ድማ ይሕግዘና። ብዘይካዚ፡ ስርዓታት ኣብ ህይወትና ጽቡቕ ክንውስንን ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብርን ይድርኸና። ብፍላይ ኣብቲ ሕግታት ኣምላኽ ብዝርዝር ዘይሽፍኖ መዳያት፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ምዕራፍ 1፡ ሕጡብ ጽሑፍ 8

 2 ተኣዛዝነት

ንየሆዋ ንእዘዞ ኺብሃል ከሎ፡ ንሱ ዝበለና ኽንገብር ፍቓደኛታት ንኸውን ማለት እዩ። የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኽንእዘዞ እዩ ዚደሊ። (1 ዮሃንስ 5:3) ንኣምላኽ ነፍቅሮን ንኣምኖን እንተ ዄንና፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት ምኽሩ ንስዕብ ኢና። ኣብ ኣጸጋሚ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ንእዘዞ ኢና። የሆዋ ሕጂ ኸመይ ጌርና ጽቡቕ ህይወት ከም ዚህልወና ስለ ዚምህረና፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ብዙሕ በረኸት ከም እንረክብ ስለ ዘተስፈወና፡ ንዕኡ እንተ ተኣዚዝናዮ ንጥቀም ኢና።—ኢሳይያስ 48:17

ምዕራፍ 1፡ ሕጡብ ጽሑፍ 10

 3 ናይ ምምራጽ ናጽነት

የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ወይ ናይ ምምራጽ ክእለት ሂብዎ እዩ። ከም ሮቦት ገይሩ ኣይኰነን ፈጢሩና። (ዘዳግም 30:19፣ እያሱ 24:15) በዚ ናጽነትና እዚ ጌርና ጽቡቕ ምርጫታት ክንገብር ንኽእል ኢና። እንተ ዘይተጠንቂቕና ግና፡ ሕማቕ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘሎና፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ንደሊ እንተ ዄንናን ንዕኡ ብሓቂ እነፍቅሮ እንተ ዄንናን ብውልቅና ኽንውስን ኣሎና።

ምዕራፍ 1፡ ሕጡብ ጽሑፍ 12

 4 ስነ ምግባራዊ መለክዒታት

የሆዋ ንኣካይዳናን ንተግባራትናን ዚኸውን ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ወይ መምርሒታት ሰሪዑ ኣሎ። እዚ መለክዒታት እዚ እንታይ ምዃኑን ጽቡቕ ህይወት ኪህልወና ብኸመይ ከም ዚሕግዘናን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሃር ኢና። (ምሳሌ 6:16-19፣ 1 ቈረንቶስ 6:9-11) እዚ መምርሒታት እዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ከም ቅኑዕ ወይ ጌጋ ገይሩ ዚርእዮ ነገራት ክንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ ከመይ ጌርና ፈቃራት ከም እንኸውን፡ ከመይ ጌርና ጽቡቕ ውሳነታት ከም እንገብር፡ ከምኡ እውን ከመይ ጌርና ንሓድሕድና ኸም እንለዋዋህ ክንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። መለክዒታት ዓለም እናኣንቈልቈለ ይኸይድ እኳ እንተሎ፡ መለክዒታት የሆዋ ግና ኣይልወጥን እዩ። (ዘዳግም 32:4-6፣ ሚልክያስ 3:6) ብእኡ ምምልላስና፡ ካብ ኣካላውን ስምዒታውን ጕድኣት ይሰትረና እዩ።

ምዕራፍ 1፡ ሕጡብ ጽሑፍ 17

 5 ሕልና

ሕልናና ቕኑዕን ጌጋን ዚነግረና ውሽጣዊ ስምዒት እዩ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ሕልና ሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 2:14, 15) ሕልናና ብልክዕ ምእንቲ ኺዓዪ፡ ብስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ኸነሰልጥኖ ኣሎና። ሽዑ፡ ሕልናና ንኣምላኽ ባህ ዜብል ውሳነታት ንምግባር ኪሕግዘና ይኽእል። (1 ጴጥሮስ 3:16) ሕልናና ናይ ዕሽነት ተግባር ክንገብር ምስ በልና ኼጠንቅቐና፡ ወይ ጌጋ ድሕሪ ምግባርና ኼሳቕየና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኪደክም እውን ይኽእል እዩ፣ ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ዳግም ጽቡቕ ሕልና ኺህልወና ይኽእል እዩ። ሰናይ ሕልና እንተ ኣልዩና፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ንረክብ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እውን ግቡእ ኣኽብሮት ይህልወና።

ምዕራፍ 2፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3

 6 ፍርሃት ኣምላኽ

ንኣምላኽ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ፡ ንኣምላኽ ኣዚና ስለ እነፍቅሮን እነኽብሮን፡ ንዕኡ ዜጕህዮ ዋላ ሓደ ነገር ክንገብር ኣይንደልን ማለት እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ጽቡቕ ክንገብርን ካብ ክፉእ ክንርሕቕን ይሕግዘና። (መዝሙር 111:10) ንዅሉ እቲ የሆዋ ዚብሎ ተጠንቂቕና ኽንሰምዕ ይድርኸና። ብዙሕ ስለ እነኽብሮ እውን፡ ንዕኡ ዝኣቶናዮ መብጽዓታት ክንሕሉ ይሕግዘና። ፍርሃት ኣምላኽ ንኣተሓሳስባናን ነቲ ንሰባት ዘሎና ኣተሓሕዛን ንመዓልታዊ ምርጫታትናን ይጸልዎ እዩ።

ምዕራፍ 2፡ ሕጡብ ጽሑፍ 9

 7 ንስሓ

ንስሓ ነቲ ሓደ ሰብ ጌጋ ብምግባሩ ዚስምዖ ብርቱዕ ጓሂ የጠቓልል። እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ዘበሉ፡ ምስ መለክዒታቱ ዚጋጮ ነገር ከም ዝገበሩ እንተ ፈሊጦም፡ ብዙሕ ይጕህዩ እዮም። ጌጋ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና ኽንልምኖ ኣሎና። (ማቴዎስ 26:28፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) ካብ ልቢ እንተ ተነሲሕናን ክፉእ ምግባር እንተ ሓዲግናን፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕሉፍ እዋን ዝገበርናዮ ነገር ጸጸት ኪስምዓና የብሉን። (መዝሙር 103:10-14፣ 1 ዮሃንስ 1:9፣ 3:19-22) ካብ ጌጋታትና ኽንምሃር፡ ኣተሓሳስባና ኽንቅይር፡ ምስ መለክዒታት የሆዋ ድማ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።

ምዕራፍ 2፡ ሕጡብ ጽሑፍ 18

 8 ውገዳ

ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ዘይንሳሕን ምስ መለክዒታት የሆዋ ተሰማሚዑ ምምልላስ ዚኣብን እንተ ዀይኑ፡ ኣባል ጉባኤ ዀይኑ ኪቕጽል ኣይክእልን እዩ። ኪውገድ ከኣ ኣለዎ። ሓደ ሰብ እንተ ተወጊዱ፡ ምስኡ ዝነበረና ርክብ ይብተኽ እዩ፣ ድሕሪኡ እውን ኣይነዘራርቦን ኢና። (1 ቈረንቶስ 5:11፣ 2 ዮሃንስ 9-11) ውገዳ ንስም የሆዋን ንስም ጉባኤን የዕቍብ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:6) ብዘይካዚ፡ ውገዳ ንሓደ ሰብ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኺምለስ፡ ከም ዚንሳሕ ኪገብሮ ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 15:17

ምዕራፍ 3፡ ሕጡብ ጽሑፍ 19

 9 መምርሕን ምኽርን

የሆዋ የፍቅረናን ኪሕግዘና ይደልን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ብመጽሓፍ ቅዱስን ንኣምላኽ ብዜፍቅሩ ሰባትን ኣቢሉ መምርሕን ምኽርን ዚህበና። ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ እዚ ሓገዝ እዚ ብዙሕ የድልየና እዩ። (ኤርምያስ 17:9) ነቶም የሆዋ ንዓና ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ሰባት ብኣኽብሮት ንሰምዖም እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ኸም እነኽብሮን ክንእዘዞ ኸም እንደልን ነርኢ ኢና።—እብራውያን 13:7

ምዕራፍ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2

 10 ትዕቢትን ትሕትናን

ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ብቐሊሉ ፈተውቲ ርእስናን ዕቡያትን ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ግና ትሑታት ክንከውን እዩ ዚጽበየና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ርእስና ምስ የሆዋ ኣወዳዲርና ኽሳዕ ክንደይ ንኣሽቱ ምዃንና ኸነስተውዕል ከለና ኢና ትሕትና እንምሃር። (እዮብ 38:1-4) ካልእ ኣገዳሲ ኽፋል ትሕትና ድማ፡ ካብ ርእስና ንላዕሊ ብዛዕባ ኻልኦት ምግዳስን ንጽቡቖም ምሕላይን እዩ። ሓደ ሰብ ትዕቢት እንተ ኣልይዎ፡ ካብ ካልኦት ዚበልጽ ኰይኑ እዩ ዚስምዖ። ትሑት ሰብ ግና ንርእሱ ብቕንዕና ይምርምር፡ ብርታዐኡን ድኽመቱን ድማ ይርኣዮ እዩ። ጌጋታቱ ኣሚኑ ንምቕባልን ይቕረታ ንምሕታትን ሓሳብን ምኽርን ንምቕባልን ኣይፈርህን እዩ። ብዘይካዚ፡ ትሑት ሰብ ኣብ የሆዋ ይውከልን መምርሒታቱ ይስዕብን እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:5

ምዕራፍ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4

 11 ስልጣን

ስልጣን ኪብሃል ከሎ፡ ትእዛዛት ንምሃብን ውሳነታት ንምግባርን ዜኽእል መሰል የመልክት። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ካብ ኵሉ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ የሆዋ እዩ። ንዅሉ ስለ ዝፈጠረ፡ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ስልጣን ኣለዎ። ንስልጣኑ ኸኣ ወትሩ ንጥቕሚ ኻልኦት እዩ ዚጥቀመሉ። የሆዋ ንገሊኦም ሰባት ንዓና ኺከናኸኑ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ ወለድን ሽማግለታት ጉባኤን መንግስትታትን እተወሰነ ስልጣን ኣለዎም፣ የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም ክንተሓባበር ይደልየና እዩ። (ሮሜ 13:1-5፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:17) ሕግታት ሰብ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ምስ ዚጋጮ ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና እንእዘዝ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ንስልጣን እቶም ኣምላኽ ዚጥቀመሎም ዘበሉ ምስ እንቕበል፡ ውሳነታቱ ኸም እነኽብር ንየሆዋ ነርእዮ ኢና።

ምዕራፍ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 7

 12 ሽማግለታት

የሆዋ ብሽማግለታት ገይሩ ንጉባኤኡ ይከናኸና እዩ፣ ሽማግለታት ከኣ ምኩራት ኣሕዋት እዮም። (ዘዳግም 1:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እዞም ሰብኡት እዚኦም ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነደልድል፡ ብሰላምን ብእተወደበ መገድን እውን ከነምልኾ ይሕግዙና እዮም። (1 ቈረንቶስ 14:33, 40) ሽማግለታት ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺሽየሙ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝርዝር ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ንውድብ የሆዋ ንኣምናን ንድግፋን ኢና፣ ስለዚ ድማ፡ ምስ ሽማግለታት ተሓጒስና ንተሓባበር ኢና።—መዝሙር 138:6፣ እብራውያን 13:17

ምዕራፍ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 8

 13 ርእሲ ስድራ ቤት

የሆዋ ንወለዲ፡ ንደቆምን ንቤቶምን ናይ ምንባይ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። እንተዀነ ግና፡ ሰብኣይ፡ ርእሲ ስድራ ቤት ኸም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ኣቦ ኣብ ቤት እንተ ዘየልዩ ግና፡ ኣደ፡ ርእሲ ስድራ ቤት ትኸውን እያ። ገለ ኻብቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዘለዎ ሓላፍነታት፡ ንስድራ ቤቱ ምግብን ክዳንን መንበርን ናይ ምምላእ ሓላፍነት እዩ። ርእሲ ስድራ ቤት ኣብቲ ስድራ ቤቱ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣምልኾ እውን ኪመርሕ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኸም ዚእከቡን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸም ዚሳተፉን ብሓባር ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜጽንዑን ኪገብር ኣለዎ። ውሳነታት ኣብ ምግባር እውን መሪሕ ግደ ኣለዎ። ሕሱም ወይ ተሪር ዘይኰነስ፡ ለዋህን ሚዛናውን ብምዃን ወትሩ ንየሱስ ንምምሳል ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ። እዚ ኸኣ ፍቕሪ ዝመልኦ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ስለ ዚገብር፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ከይተሸቝረሩ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኬዕብዩ ይኽእሉ እዮም።

ምዕራፍ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 12

 14 ኣመሓዳሪ ኣካል

ኣመሓዳሪ ኣካል ሰማያዊ ተስፋ ብዘለዎም ጕጅለ ሰብኡት ዝቘመ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ሰባት እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ የሆዋ ብኣመሓዳሪ ኣካል ገይሩ ነታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ኣምልኾን ኣብ ዕዮ ስብከትን መሪሕዋ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2) ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዜገልግሉ ጕጅለ ኣሕዋት፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምእላይን ኣብ ምምራሕን ኣብ ምዕቋብን መሪሕ ግደ ኣለዎም። እዞም ኣሕዋት እዚኦም ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ኣብቲ ኻብ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ዚረኽብዎ መምርሒ እዮም ዚምርኰሱ። የሱስ ነዞም ጕጅለ ቕቡኣት ሰባት እዚኦም፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ።—ማቴዎስ 24:45-47

ምዕራፍ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 15

 15 መጐልበብ ርእሲ

ሓንቲ ሓብቲ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኸም ንቡር ብሓው ዚግበር ዕዮ ኽትዓዪ እትሕተተሉ እዋናት የጋጥም እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ኽትገብር ከላ፡ ርእሳ ብምጕልባብ ንስርዓት የሆዋ ዘለዋ ኣኽብሮት ተርኢ እያ። ኰይኑ ግና፡ ርእሳ ኣብ እተወሰነ ዅነታት ጥራይ እያ ኽትጕልበብ ዘለዋ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ሰብኣያ ወይ ጥሙቕ ሓው ኣብ ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከላ፡ ርእሳ ዚጕልብብ ወይ ዚሽፍን ነገር ክትገብር ኣለዋ።—1 ቈረንቶስ 11:11-15

ምዕራፍ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 17

 16 ገለልትነት

ገለልተኛታት ምስ እንኸውን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኣይንውግንን ኢና። (ዮሃንስ 17:16) ህዝቢ የሆዋ ንመንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዚድግፉ። ከም የሱስ ከኣ፡ ካብ ጕዳያት ዓለም ገለልተኛታት ኢና።

የሆዋ ‘ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ክንእዘዝ’ መምርሒ ሂቡና ኣሎ። (ቲቶስ 3:1, 2፣ ሮሜ 13:1-7) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ፡ ከይንቐትል ዚእዝዝ ትእዛዝ እውን ኣሎ። ስለዚ፡ ሕልና ሓደ ክርስትያን፡ ናብ ውግእ ኪወፍር ኣይፈቕደሉን እዩ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ክንዲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሲቪላዊ ዕዮ ኺዓዪ ኸም ኣማራጺ ምስ ዚቐርበሉ፡ ነዚ ንምግባር ሕልናኡ ዚፈቕደሉ እንተ ዀይኑ ኺሓስበሉ ኣለዎ።

የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ጥራይ ኢና እነምልኽ። ንሃገራዊ ኣርማታት ኣኽብሮት ነርኢ እኳ እንተ ዀንና፡ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኣይንህብን ወይ ሃገራዊ መዝሙር ኣይንዝምርን ኢና። (ኢሳይያስ 43:11፣ ዳንኤል 3:1-30፣ 1 ቈረንቶስ 10:14) ብዘይካዚ፡ ህዝቢ የሆዋ ንዝዀነ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ሕጹይ ተወዳዳሪ ንዘይምድማጽ ብብሕቶም ይውስኑ እዮም። ከመይሲ፡ ድሮ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቘሙ ወሲኖም እዮም።—ማቴዎስ 22:21፣ ዮሃንስ 15:19፣ 18:36

ምዕራፍ 5፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2

 17 መንፈስ ዓለም

ዓለም ናይ ሰይጣን ኣተሓሳስባ እያ እተስፋሕፍሕ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ ኣብቶም ንየሆዋ ዘየፍቅርዎን ዘይመስልዎን ንመለክዒታቱ ዕሽሽ ዚብልዎን ሰባት ልሙድ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እዚ ኣተሓሳስባን ተግባራትን እዚ መንፈስ ዓለም ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (ኤፌሶን 2:2) ህዝቢ የሆዋ ብመንፈስ ዓለም ምእንቲ ኸይስነፉ፡ ይቃለሱ እዮም። (ኤፌሶን 6:10-18) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንመገድታት የሆዋ ንፈትዎ፡ ከም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወና ድማ ንጽዕር ኢና።

ምዕራፍ 5፡ ሕጡብ ጽሑፍ 7

 18 ክሕደት

ክሕደት ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምቅዋም ማለት እዩ። ከሓድቲ ኻብ የሆዋን ካብቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን እተሸመ የሱስን እዮም ዚዓልዉ፣ ካልኦት ምእንቲ ኺሓብርዎም ድማ ጽልዋ የሕድሩሎም እዮም። (ሮሜ 1:25) ኣብ ኣእምሮ እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ኸኣ ጥርጣረታት ኪፈጥሩ ይጽዕሩ እዮም። ገለ ኻብቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት፡ ከሓድቲ ዀይኖም ነይሮም እዮም፣ ኣብዚ ግዜና እውን ገሊኦም ክርስትያናት ከሓድቲ ይዀኑ እዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:3) እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ግና ካብ ከሓድቲ ኺርሕቁ ኣለዎም። ካብቲ ንምፍላጥ ዘሎና ሃንቀውታ ተላዒልና ወይ ካልኦት ብዚገብሩልና ጸቕጢ ተደሪኽና፡ ናይ ክሕደት ሓሳባት ከነንብብ ወይ ክንሰምዕ የብልናን። ንየሆዋ እሙናት ኢና፣ ንዕኡ ጥራይ ኢና ኸኣ እነምልኽ።

ምዕራፍ 5፡ ሕጡብ ጽሑፍ 9

 19 ዕርቂ

ህዝቢ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኸለዉ፡ ካብ የሆዋ ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ ይልምኑ ነይሮም እዮም። ከምኡ ንምግባር፡ ንዕርቂ ዚኸውን መስዋእቲ እኽልን ዘይትን እንስሳታትን ናብ ቤተ መቕደስ የምጽኡ ነይሮም እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ነቲ ብደረጃ ህዝቢ ዀነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዝገበርዎ ሓጢኣት ይቕረ ኺብል ፍቓደኛ ምዃኑ ይዘኻኸሩ ነይሮም እዮም። ጸኒሑ፡ የሱስ ንሓጢኣትና ንምሽፋን ህይወቱ ምስ ሃበ ግና፡ እቲ መስዋእቲ ዕርቂ ደጊም ኣየድለየን። ከመይሲ፡ የሱስ፡ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” ፍጹም መስዋእቲ ኣቕሪቡ እዩ።—እብራውያን 10:1, 4, 10

ምዕራፍ 7፡ ሕጡብ ጽሑፍ 6

 20 ኣኽብሮት ንእንስሳታት

ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሰባት ንእንስሳታት ኪበልዑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ሰባት ንእንስሳታት መስዋእቲ ገይሮም ኬቕርብዎም ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌዋውያን 1:5, 6) የሆዋ ግና ንህዝቡ፡ ንእንስሳታት ኪጭክኑሎም ከቶ ኣይፈቐደሎምን። (ምሳሌ 12:10) መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ንእንስሳታት ካብ ጭካነ ዜዕቍብ ሕግታት ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን ንእንስሳታት ብግቡእ ኪከናኸኑ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ።—ዘዳግም 22:6, 7

ምዕራፍ 7፡ ሕጡብ ጽሑፍ 6

 21 ክፋላት ደምን መስርሕ ሕክምናን

ክፋላት ደም። ደም ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ቀያሕቲ ዋህዮታትን ጸዓዱ ዋህዮታትን ፕላትለትን ፕላዝማን ይብሃል። እቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ድማ ናብ ዝነኣሰ ኽፋላት ይከፋፈል እዩ፣ እዚ ኸኣ ክፋላት ደም ተባሂሉ ይፍለጥ። *

ክርስትያናት ንምምሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታቱ ኣይቅበሉን እዮም። ግናኸ፡ ክፋላት ደም ኪቕበሉ ግቡእ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዝርዝር መምርሒ ኣይህብን እዩ። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተመርኲሱ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ።

ገሊኦም ክርስትያናት፡ ኵሉ ኽፋላት ደም ምቕባል ይኣብዩ እዮም። ናብዚ ውሳነ እዚ ንምብጻሕ፡ ‘ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦ ሕጊ፡ ካብ እንስሳ ዝወጸ ደም “ናብ ምድሪ” ኺፈስስ ይእዝዝ እዩ’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ።—ዘዳግም 12:22-24

ገሊኦም ግና ካብዚ እተፈልየ ውሳነ እዮም ዚገብሩ። ሕልናኦም ንገሊኡ ኽፋላት ደም ኪቕበሉ ይፈቕደሎም እዩ። ንኣሽቱ ኽፋላት ንህይወት እቲ ደሙ እተወስደሉ ፍጡር ዜመልክት ከም ዘይኰነ ይኣምኑ ይዀኑ።

ብዛዕባ ኽፋላት ደም ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ፦

  • ንዅሉ ኽፋላት ደም ከይቅበል ምውሳነይ፡ ሕማማት ንዚቃለስ ወይ መድመይቲ ደው ንዜብል ገሊኡ ኣፋውስ ዘይቅበል ማለት ምዃኑ ተረዲኡኒዶ ኣሎ፧

  • ንገሊኡ ኽፋላት ደም ዘይቅበለሉ ወይ ዝቕበለሉ ምኽንያት ንሓኪም ከመይ ገይረ ኽገልጸሉ እኽእል፧

መስርሓት ሕክምና። ከም ክርስትያናት መጠን፡ ደም ኣይንልግስን ኢና፣ ንመጥባሕቲ ኢልና እውን ሰሙናት ኣቐዲምና ደምና ኣይንኽዝንን ኢና። ግናኸ፡ ብደም ተሓካሚ ጌርካ ዚግበር ካልእ መስርሓት ሕክምና ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ መስርሕ መጥባሕቲ፡ ኣብ ሕክምናዊ መርመራ፡ ወይ ኣብ ሓድሽ ፍወሳ ደሙ ብኸመይ ኪትሓዝ ከም ዘለዎ ኺውስን ኣለዎ። ኣብቲ መስርሕ እቲ፡ ደም እቲ ተሓካሚ ኻብኡ ምሉእ ብምሉእ ኺፍለ ይኽእል እዩ።—ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 30-31 ርአ።

ንኣብነት፡ ሄሞዳይሉሽን ዚብሃል መስርሕ ኣሎ፣ ኣብዚ መስርሕ እዚ፡ ቀቅድሚ መጥባሕቲ፡ እተወሰነ ደም ኻብቲ ተሓካሚ ይውሰድ እሞ ብመወሰኺ መጠን ይትካእ። ጸኒሑ፡ ገና እቲ መጥባሕቲ እናተገብረ ኸሎ ወይ ቍሩብ ጸኒሑ፡ እቲ ደም ነቲ ተሓካሚ ይምለሰሉ።

ካልእ መስርሕ ከኣ፡ ሰል ሳልቨጅ ይብሃል። ኣብዚ መስርሕ እዚ ድማ፡ ኣብ ግዜ መጥባሕቲ ዚፈስስ ደም እቲ ተሓካሚ ተኣኪቡን ተጻርዩን፡ ገና እቲ መጥባሕቲ እናተገብረ ኸሎ ወይ ቍሩብ ጸኒሑ ናብቲ ተሓካሚ ይምለስ።

ነፍሲ ወከፍ ሓኪም ነዚ መስርሓት እዚ፡ ካብ ናይ ካልእ ቍሩብ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኺዓይየሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ዝዀነ ዓይነት መስርሕ መጥባሕቲ፡ መርመራ፡ ወይ ሓድሽ ፍወሳ ቕድሚ ምቕባሉ፡ ደሙ ብኸመይ ኪትሓዝ ከም ዘለዎ ብልክዕ ኺፈልጥ ኣለዎ።

ብደምካ ብዛዕባ ዚግበር መስርሓት ሕክምና ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ፦

  • ገለ ኻብ ደመይ ካብ ሰብነተይ ከም ዚወጽእ እንተ ተገይሩ እሞ ዑደቱ ንእተወሰነ ግዜ ደው ዚብል እንተ ዀይኑ፡ ሕልናይ ነዚ ደም እዚ ኸም ክፍሊ ሰብነተይ ገይሩ ይርእዮ ድዩ፧ ነቲ “ናብ ምድሪ ኣፍስሶ” ዚብል ስርዓትከ ኸም ዘይምልከተኒ ገይሩ ይርእዮ ድዩ፧—ዘዳግም 12:23, 24

  • ኣብ መስርሕ ሕክምና ደመይ ተወሲዱ ገለ ምትዕርራይ ተገይሩሉ ናብ ሰብነተይ ምስ ዚምለስ፡ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ሕርኽርኽ ይብሎ ድዩ፧

  • ብደመይ ንዚግበር ኵሉ መስርሓት ሕክምና ኽኣቢ ኸለኹ፡ ናይ ደም መርመራ፡ ሄሞዳያሊሲስ፡ ወይ ማሽን ልቢ-ሳንቡእ ዚብሃል መስርሕ ሕክምና ምእባይ ማለት እውን ምዃኑ ተረዲአዮዶ ኣለኹ፧

ብዛዕባ ኽፋላት ደምን ብደምና ብዛዕባ ዚግበር ሕክምናን ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ፡ ቀጺልና ድማ ምርምር ክንገብር ኣሎና። (ያእቆብ 1:5, 6) ድሕሪኡ፡ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ጌርና ውሳነ ኽንገብር ኣሎና። ንኻልኦት ሰባት፡ ‘ኣብ ቦታይ እንተ ትኸውን፡ እንታይ ምገበርካ፧’ ኢልና ኽንሓትቶም ኣይግባእን፣ ካልኦት እውን ኣብ ውሳነና ጽልዋ ኺገብሩልና ኣይግባእን።—ሮሜ 14:12፣ ገላትያ 6:5

ምዕራፍ 7፡ ሕጡብ ጽሑፍ 11

 22 ስነ ምግባራዊ ንጽህና

ብስነ ምግባር ንጹህ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ኣካይዳናን ተግባራትናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ይኸውን ማለት እዩ። ስነ ምግባራዊ ንጽህና ንሓሳብናን ንዘረባናን ንግብርናን የጠቓልል እዩ። የሆዋ ንዝዀነ ዓይነት ጾታዊ ርኽሰት ይዅንኖ እዩ። (ምሳሌ 1:10፣ 3:1) ጌጋ ንምግባር ኪፍትነና ኣብ ዚኽእል ኵነታት ቅድሚ ምእታውና፡ ንጹህ መለክዒታት የሆዋ ንምስዓብ ክንውስን ኣሎና። ንጽህና ኣእምሮና ምእንቲ ኽንሕሉን ንዚፍትነና ርኹስ ሓሳባት ብቘራጽነት ምእንቲ ኽንነጽጎን፡ ወትሩ ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ክንጽሊ ኣሎና።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10, 18፣ ኤፌሶን 5:5

ምዕራፍ 8፡ ሕጡብ ጽሑፍ 11

 23 ንውርምናን ርኽሰትን

ንውርምና ኺብሃል ከሎ፡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ኣመና ብዚጥሕስን ሕንኪ ኣልቦ ብዝዀነ መገድን ንዚዝረብ ዘረባ ወይ ንዚግበር ተግባር የመልክት። ከምዚ ዚገብር ሰብ፡ ንሕግታት ኣምላኽ ከም ዘየኽብር እዩ ዜርኢ። ሓደ ሰብ ብንውርምና ተሓታቲ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ጕዳይ ብኮሚተ ፍርዲ ኺትሓዝ ኣለዎ። ርኽሰት በበይኑ ዓይነት ኣበሳ የጠቓልል። ገሊኡ ዓይነት ርኽሰት ከከምቲ ኽብደቱ ብኮሚተ ፍርዲ ጉባኤ ኺትሓዝ የድሊ ይኸውን።—ገላትያ 5:19-21፣ ኤፌሶን 4:19፣ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ናይ 15 ሓምለ 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

ምዕራፍ 9፡ ሕጡብ ጽሑፍ 7፣ ምዕራፍ 12፡ ሕጡብ ጽሑፍ 10

 24 ግብረ ሕቡእ

የሆዋ ንጾታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ንጹህ መግለጺ ፍቕሪ ኪኸውን እዩ ፈጢርዎ። ሓደ ሰብ ግብረ ሕቡእ ምስ ዚገብር፡ ወይ ጾታዊ ባህታ ንምርካብ ንብልዕቱ ምስ ዚደራርዝ ግና፡ ንጾታዊ ርክብ ብርኹስ መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ። እዚ ልማድ እዚ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ዘይባህርያዊ ትምኒት ኬሕድረሉን ንጾታዊ ርክብ ብቔናን መገዲ ኸም ዚርእዮ ኺገብሮን ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 3:5) ሓደ ሰብ ከምዚ ዝበለ ርኹስ ልማድ እንተ ኣልይዎ እሞ ምሕዳጉ እንተ ኣጸጊምዎ፡ ኪሕለል የብሉን። (መዝሙር 86:5፣ 1 ዮሃንስ 3:20) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ልብኻ ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ኪሕግዘካ ድማ ለምኖ። ከም ስእለ ጽዩፍ ዝኣመሰለ ናብ ርኹስ ሓሳብ ዚመርሓካ ነገራት ኣወግድ። ንሓደ ኻብ ክርስትያን ወለድኻ ወይ ንሕግታት የሆዋ ንዜኽብር ብሱል ዓርክኻ ኣዘራርብ። (ምሳሌ 1:8, 9፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14፣ ቲቶስ 2:3-5) የሆዋ ነቲ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኻ ኽትሕሉ እትገብሮ ጻዕሪ ይርእዮን የኽብሮን እዩ።—መዝሙር 51:17፣ ኢሳይያስ 1:18

ምዕራፍ 9፡ ሕጡብ ጽሑፍ 9

 25 ድርብ መውስቦ

ኣብ ሓደ መውስቦ ድርብ መጻምድቲ ምስ ዚግበር፡ እዚ ድርብ መውስቦ ይብሃል። የሆዋ፡ መውስቦ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኪግበር ኢሉ እዩ ኣቚምዎ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ኣምላኽ ንሰብኡት ሓሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ዚዛይዳ ኺምርዓዉ ፈቒዱሎም ነይሩ እዩ፣ ናይ ፈለማ ዕላማኡ ግና ከምኡ ኣይነበረን። ሎሚ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ድርብ መውስቦ ኣይፈቕደሎምን እዩ። ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ እያ ኽትህልዎ ዚግባእ፣ ሰበይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ እዩ ኺህልዋ ዚግባእ።—ማቴዎስ 19:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2

ምዕራፍ 10፡ ሕጡብ ጽሑፍ 12

 26 ፍትሕን ምፍልላይን

የሆዋ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምሉእ ዕድሚኦም ብሓንሳእ ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። (ዘፍጥረት 2:24፣ ሚልክያስ 2:15, 16፣ ማቴዎስ 19:3-6፣ 1 ቈረንቶስ 7:39) ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ምስ ዚዝሙ ጥራይ እዩ ፍትሕ ዚፈቅድ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ የሆዋ ነቲ ንጹህ ዝዀነ መጻምድቲ፡ ንመጻምድቱ ኺፈትሕ ወይ ከይፈትሕ መሰል ይህቦ እዩ።—ማቴዎስ 19:9

ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ዋላ ሓዲኦም እኳ ኸይመንዘሩ፡ ኪፋላለዩ ይውስኑ እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:11) ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት፡ ሓደ ክርስትያን ኪፈላለ ይውስን ይኸውን፦

  • ኰነ ኢልካ ዘይምሕላይ፦ ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ብስጋ ዜድልዮም ዘበለ ዘየማልእ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ እታ ስድራ ብዘይ ገንዘብ ወይ ብዘይ ምግቢ ምስ እትተርፍ።—1 ጢሞቴዎስ 5:8

  • ከቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ፦ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ኣደዳ ኸቢድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኸም ዝኣተወ ምስ ዚስምዖ።—ገላትያ 5:19-21

  • ምስ የሆዋ ዘሎ ርክብ ጠሪሱ ኣብ ሓደጋ ምስ ዚኣቱ፦ ሓደ ሰብ ንመጻምድቱ፡ ንየሆዋ ኼገልግል ከም ዘይክእል ምስ ዚገብሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ምዕራፍ 11፡ ሕጡብ ጽሑፍ 19

 27 ናእዳን መተባብዕን

ንዅላትና ናእዳን መተባብዕን የድልየና እዩ። (ምሳሌ 12:25፣ 16:24) ፍቕርን ለውሃትን ብዝመልኦ ቓላት ጌርና ንሓድሕድና ኽንበራታዕን ክንጸናናዕን ንኽእል ኢና። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምዚ ዝበለ ቓላት ምስ ዚሰምዑ፡ ከበድቲ ጸገማት እኳ እናኣጓነፎም ክነሱ፡ ኪጻወሩን ንየሆዋ ኼገልግሉን ይሕግዞም እዩ። (ምሳሌ 12:18፣ ፊልጲ 2:1-4) ሓደ ሰብ ብዙሕ እንተ ጕህዩ፡ ብኣኽብሮት ክንሰምዖን ስምዒቱ ንምርዳእ ክንጽዕርን ኣሎና። እዚ ኸኣ ንምሕጋዙ እንታይ ከም እንብልን እንታይ ከም እንገብርን ክንፈልጥ የኽእለና እዩ። (ያእቆብ 1:19) እምበኣር፡ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብሓቂ እንታይ ከም ዜድልዮም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ኣጸቢቕካ ፍለጦም። ድሕሪኡ፡ ናይ ሓቂ እፎይታ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብ ምንጪ እቲ ዅሉ ምጽንናዕን ምትብባዕን ኪጽግዑ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ 1 ተሰሎንቄ 5:11

ምዕራፍ 12፡ ሕጡብ ጽሑፍ 16

 28 መርዓ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርዓ ዝርዝር ሕግታት ኣይህብን እዩ። ባህልን ሕጋዊ ብቕዓታትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። (ዘፍጥረት 24:67፣ ማቴዎስ 1:24፣ 25:10፣ ሉቃስ 14:8) ኣብ መርዓ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኽፋል፡ እቲ ተመራዓውቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚኣትውዎ ቓል ኪዳን እዩ። ብዙሓት ተመራዓውቲ፡ ቃል ኪዳን ኣብ ዚተኣታተዉሉ እዋን፡ ቤተ ሰቦምን ናይ ቀረባ ፈተውቶምን ኣብኡ ኺህልዉ፡ ሓደ ሽማግለ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ኬቕርበሎም ይደልዩ እዮም። እቶም ተመራዓውቲ ድሕሪ እቲ መርዓ ኺድግሱ እንተ ሓሲቦም፡ እቲ ዚድግስዎ ዓይነት ድግስ ኣብ ናታቶም ምርጫ እተመርኰሰ እዩ። (ሉቃስ 14:28፣ ዮሃንስ 2:1-11) ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ስነ ስርዓት መርዓኦም ንየሆዋ ዜኽብር ኪገብርዎ ኣለዎም። (ዘፍጥረት 2:18-24፣ ማቴዎስ 19:5, 6) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 2:16, 17) ተመራዓውቲ ኣብ ድግሶም ኣልኮላዊ መስተ ኼሳስዩ እንተ ወሲኖም፡ ነዚ ግቡእ ቍጽጽር ኪግበረሉ ይግባእ። (ምሳሌ 20:1፣ ኤፌሶን 5:18) ሙዚቃ ወይ መዘናግዒ ኺህሉ እንተ ደልዮም፡ እዚ ንየሆዋ ዜኽብር ኪኸውን ይግባእ። ክርስትያን ተመራዓውቲ ኣብታ መዓልቲ መርዓኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕዶምን ዘለዎም ርክብ ኬተኵሩ ኣለዎም።—ምሳሌ 18:22፣ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 18-31 ርአ።

ምዕራፍ 13፡ ሕጡብ ጽሑፍ 18

 29 ጥበባዊ ውሳነታት ምግባር

ኣብ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ንደሊ ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ብዓል ሓዳር ንክርስትያን መጻምድቱ፡ ኣብ እዋን ዓለማዊ በዓላት ምስ ኣዝማዶም ኪምስሑ ዕድመ የቕርበሉ ይኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ናብኡ ኽትኸይድ ሕልናኻ ዚፈቕደልካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ምሳሕ ኣረማዊ ልምድታት ምስ ዚህሉ ኣብኡ ኸም ዘይትካፈል ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ ድማ፡ ናብቲ ምሳሕ ምኻድካ ንኻልኦት ዚዕንቅፍ እንተ ዀይኑ ኽትሓስበሉ ኣሎካ።—1 ቈረንቶስ 8:9፣ 10:23, 24

ወይ ከኣ ኣስራሒኻ ኣብ ቅነ በዓላት መቝሽሽ ይህበካ ይኸውን። እሞኸ ነቲ መቝሽሽ ምቕባል ክትኣብዮ ድዩ ዘሎካ፧ መልሲ እዛ ሕቶ በቲ ዅነታት እዩ ዚጽሎ። ነቲ መቝሽሽ ንምቕባል ወይ ንምእባይ እትገብሮ ውሳነ፡ ብእተወሰነ መዳይ ኣብቲ እቲ ኣስራሒኻ ነቲ መቝሽሽ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ዚምርኰስ። ነቲ መቝሽሽ እንተ ተቐቢልካ፡ ነቲ በዓል ተብዕል ከም ዘለኻ ገይሩ ድዩ ዚርእዮ፡ ወይስ ከም መግለጺ ምስጋናኡ ጥራይ ገይሩ እዩ ዚርእዮ፧ ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ ኻልእን ረቛሒታት ምሕሳብካ፡ ነቲ መቝሽሽ ንምቕባል ወይ ንምእባይ ክትውስን የኽእለካ እዩ።

ኣብ ካልእ ኵነታት ድማ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅነ በዓላት፡ “በዓል ከም ዘይተብዕል እፈልጥ እየ፣ ነዛ ህያብ ክህበካ ግና እደሊ እየ” ይብለካ ይኸውን። ምናልባት ሰናይ ኪገብር ኢሉ ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንእምነትካ ኺፍትኖ ወይ ኣብቲ በዓል ኬሳትፈካ ኢሉ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምሕሳብካ፡ ነቲ ህያብ ምቕባሉ ወይ ምእባዩ ናትካ ውሳነ እዩ። ኣብ ኵሉ ውሳነታት፡ ሰናይ ሕልና ኺህልወናን ንየሆዋ እሙናት ክንከውንን ንደሊ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 23:1

ምዕራፍ 13፡ ሕጡብ ጽሑፍ 22

 30 ንግዳዊ ዋኒንን ሕጋዊ ጕዳያትን

ዘይምርድዳእ ብቕልጡፍን ብሰላማዊ መገድን እንተ ተታሒዙ፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት እቲ ነገር ኣይዓብን እዩ። (ማቴዎስ 5:23-26) ኵሎም ክርስትያናት ብቐዳምነት ንየሆዋ ኬኽብርዎን ሓድነት ጉባኤ ኺሕልዉን ኣለዎም።—ዮሃንስ 13:34, 35፣ 1 ቈረንቶስ 13:4, 5

ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብሰንኪ ንግዳዊ ዋኒን ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጢሩ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኸይከዱ ንምፍታሑ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:1-8፡ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብዛዕባ ዚልዓል ፍርዳዊ ጕዳይ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ንሓውና ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ወሲድናዮ፡ እዚ ንየሆዋን ነታ ጉባኤን ዜንቅፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ማቴዎስ 18:15-17፡ ክርስትያናት ምስ ሕሜት ወይ ምትላል እተተሓሓዘ ኸቢድ ጕዳይ ንምፍታሕ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም፦ (1) ፈለማ ነቲ ጕዳይ ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ኪፈትሕዎ ይጽዕሩ እዮም። (2) ከምኡ ኺገብሩ እንተ ዘይክኢሎም፡ ካብ ሓደ ወይ ክልተ ብሱላት ኣባላት ጉባኤኦም ሓገዝ ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም። (3) ድሕሪኡ፡ እንተ ኣድልዩ፡ እቲ ጕዳይ ናብ ሽማግለታት ጉባኤ ኬቕርብዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ጕዳይ ኣብቲ ደረጃ እቲ እንተ በጺሑ፡ ሽማግለታት ነቶም ዚምልከቶም ሰባት ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ናብ ሰላማዊ ስምምዕ ኪበጽሑ ኺሕግዝዎም ይጽዕሩ እዮም። ገለ ኻባታቶም ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሑ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰይኖም፡ ሽማግለታት ጉባኤ ፍርዳዊ ስጕምቲ ኺወስዱ የድልዮም ይኸውን።

ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ሕጋዊ መዕለቢ ንምርካብ፡ ንሓደ ጕዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ንምውሳድ ዜድልየሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ፣ ንኣብነት፡ ምስ ፍትሕ፡ መጕዚነት ውሉድ፡ ክፍሊት ፍትሕ፡ ካሕሳ፡ ጥፈሻ፡ ለበዋ እተተሓሓዘ ጕዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ኺውሰድ ይከኣል እዩ። ሓደ ክርስትያን ነቲ ነገር ብሰላማዊ መገዲ ኼደቅሶ ኢሉ ሕጋዊ መገዲ እንተ ተጠቒሙ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣይጠሓሰን።

ከም ጾታዊ ዓመጻ፡ ህስያ ቘልዑ፡ መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ስርቂ፡ ወይ ቅትለት ዝኣመሰለ ኸቢድ ገበን ኣብ ዚግበረሉ እዋን፡ ሓደ ክርስትያን ነዚ ገበን እዚ ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን እንተ ሓቢሩ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣይጠሓሰን።

ምዕራፍ 14፡ ሕጡብ ጽሑፍ 14

 31 ሰይጣን ዚጥቀመሉ መታለሊታት

ካብ ግዜ ገነት ኤደን ኣትሒዙ፡ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ኬታልል ይጽዕር ኣሎ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ ራእይ 12:9) ንኣተሓሳስባና ኺጠውዮ እንተ ኽኢሉ፡ ክፉእ ክንገብር ከም ዚጸልወና ይፈልጥ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ ያእቆብ 1:14, 15) ንኣተሓሳስባኡ ንምስፍሕፋሕን ቅቡል ከም ዝዀነ ንምምሳልን፡ ፖለቲካን ሃይማኖትን ንግድን መዘናግዕን ትምህርትን ካልእ ሓያሎ ነገራትን ይጥቀም እዩ።—ዮሃንስ 14:30፣ 1 ዮሃንስ 5:19

ሰይጣን ንሰባት ዜታልለሉ ብዙሕ ግዜ ኸም ዘይተረፎ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ብእተኻእሎ መጠን ብዙሓት ሰባት ንምስሓት ይጽዕር ኣሎ። ምናዳ ኸኣ ነቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ እዩ ኼስሕት ዚደሊ። (ራእይ 12:12) እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ድያብሎስ በብቝሩብ ንኣተሓሳስባና ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:12) ንኣብነት፡ የሆዋ ንመውስቦ ነባሪ ኪኸውን እዩ ዚደልዮ። (ማቴዎስ 19:5, 6, 9) ሎሚ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ንሓዳር ብቐሊሉ ኺፈርስ ዚኽእል ተራ ስምምዕ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ሓያሎ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን እውን ነዚ ሓሳብ እዚ የስፋሕፍሕ እዩ። እምበኣር፡ በቲ ዓለም ብዛዕባ መውስቦ ዘለዋ ኣረኣእያ ምእንቲ ኸይንጽሎ፡ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

ሰይጣን ኬታልለና ዚፍትነሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ብርእስና ኽንምራሕ ከም እንደሊ ብምግባር እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:4) እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ነቶም የሆዋ ዝሸሞም ሰባት ዘሎና ኣኽብሮት ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ነቲ ኻብ ሽማግለታት ጉባኤ ዚውሃቦ መምርሒ ኣይቅበልን ይኸውን። (እብራውያን 12:5) ወይ ድማ ሓንቲ ሓብቲ ነቲ የሆዋ ኣብ ስድራ ቤት ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ኣብ ሕቶ ኸተእትዎ ትጅምር ትኸውን።—1 ቈረንቶስ 11:3

ድያብሎስ ንኣተሓሳስባና ኺጸልዎ ጠሪስና ኽንፈቕደሉ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወናን ወትሩ ‘ሓሳብና ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኼተኵርን’ ኢና እንደሊ።—ቈሎሴ 3:2፣ 2 ቈረንቶስ 2:11

ምዕራፍ 16፡ ሕጡብ ጽሑፍ 9

 32 ሕክምና

ኵላትና ጥዕና ኽንረክብ ንደሊ ኢና፣ ክንሓምም ከለና ድማ ጽቡቕ ሕክምና ኽንረክብ ንደሊ ኢና። (ኢሳይያስ 38:21፣ ማርቆስ 5:25, 26፣ ሉቃስ 10:34) ሎሚ፡ ሓካይምን ካልኦትን ዜቕርብዎ ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነት ሕክምናታት ኣሎ። ዓይነት ሕክምና ኣብ እንመርጸሉ እዋን፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንስዕብ ኣሎና። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ነባሪ ጥዕና እተምጽእ። ስለዚ፡ ኣብ ጥዕናና እምብዛ ኻብ ምትኳርና እተላዕለ፡ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንደልን ኢና።—ኢሳይያስ 33:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16

ምስ ሓይሊ ኣጋንንቲ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኻብ ዚመስል ዝዀነ ይኹን ሕክምና ኽንርሕቕ ኣሎና። (ዘዳግም 18:10-12፣ ኢሳይያስ 1:13) ስለዚ፡ ከምዚ ዝበለ ሕክምና ወይ መድሃኒት ቅድሚ ምቕባልና፡ መሰረቱ እንታይ ምዃኑን እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸም ዜስፋሕፍሕን ክንፈልጥ ኣሎና። (ምሳሌ 14:15) ሰይጣን ኣታሊሉ ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባር ኬእትወና ኸም ዚደሊ ኣይንረስዕ። ሓደ ሕክምና ምስ ኣጋንንታዊ ተግባራት ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ጥርጣረ ጥራይ እኳ እንተ ኣልዩና፡ ካብኡ እንተ ረሓቕና ይሓይሽ።—1 ጴጥሮስ 5:8

ምዕራፍ 16፡ ሕጡብ ጽሑፍ 18

^ ገሊኦም ሓካይም ነቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ከም ክፋላት ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ምሉእ ደም ወይ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታቱ፡ ማለት ቀያሕቲ ዋህዮታትን ጸዓዱ ዋህዮታትን ፕላትለትን ፕላዝማን ከም ዘይትቕበል ዝገበርካዮ ብሕታዊ ውሳነ ኽትገልጽ የድልየካ ይኸውን።