ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 12

“ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ተዛረብ

“ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ተዛረብ

“ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።”—ኤፌሶን 4:29

1-3. (ሀ) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዝሃበና ጽቡቕ ውህበታት እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ብሕማቕ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ (ለ) ነቲ እተዋህበና ኽእለት ዘረባ ኸመይ ጌርና ኽንጥቀመሉ ይግባእ፧

 ሓደ ኣቦ ንዝዀተተ ወዱ ብሽክለታ ሂብዎ። ነታ ፍልይቲ ህያብ እቲኣ ተሓጒሱ እዩ ሂብዎ። ግናኸ፡ እቲ ወዱ ነታ ብሽክለታ ጠገለ ብዘይብሉ ኣዘዋውራ ኺዝውራ ኸሎ፡ ንሰብ እንተ ገጭዩን እንተ ጐዲኡን እቲ ኣቦ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧

2 የሆዋ ወሃቢ “ዅሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” እዩ። (ያእቆብ 1:17) ሓደ ኻብቲ ጽቡቕ ውህበታቱ ድማ ክእለት ዘረባ እዩ። እዚ ኽእለት ዘረባ እዚ፡ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ክንገልጽ የኽእለና እዩ። ንሰባት ዚሕግዝን ዜሐጕስን ነገር ክንዛረብ ከኣ የኽእለና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዘረባና ንሰባት ኪጐድኦምን ኬሳቕዮምን እውን ይኽእል እዩ።

3 ዘረባ ብርቱዕ ሓይሊ ኣለዎ፣ የሆዋ ኸኣ ነቲ ዝሃበና ኽእለት ዘረባ ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ይደልየና እዩ። “ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ድማ ኢሉና እዩ። (ኤፌሶን 4:29) እምበኣር፡ ነዚ ኣምላኽ ዝሃበና ኽእለት ከመይ ጌርና ንዕኡ ባህ ብዜብልን ንኻልኦት ብዜተባብዕን መገዲ ኽንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ንመርምር።

ንዘረባኻ ተጠንቀቐሉ

4, 5. ብዛዕባ እቲ ዘረባ ዘለዎ ሓይሊ፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምስላታት እንታይ ንምሃር፧

4 ቃላት ሓይሊ ኣለዎ፣ ስለዚ፡ ንዘረባናን ንኣዘራርባናን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ምሳሌ 15:4፡ “ህድእቲ ልሳን ኦም ህይወት እያ፣ ጠዋይ ዘረባ ግና ተስፋ የቕብጽ” ትብል። ከምቲ ሓንቲ ጽብቕቲ ኦም መንፈስ እተሐድስን ህይወት እትህብን፡ ብለውሃት ዚዝረብ ቃላት እውን ንመንፈስ ሰማዒኡ የሐድስ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ሕሱም ቃላት ንሰባት ይጐድእ፡ ሕማቕ ከም ዚስምዖም ድማ ይገብር እዩ።—ምሳሌ 18:21

ህዱእ ዘረባ መንፈስ የሐድስ

5 ምሳሌ 12:18፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ” ትብል። ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ቃላት፡ ስምዒታዊ ስቓይ ኬስዕብን ንርክባት ኪበትኽን ይኽእል እዩ። ምናልባት ሓደ ሰብ ብዘይ ሓልዮት ብምዝራቡ ብዙሕ እተጐዳእካሉ እዋን ትዝክር ትኸውን። እታ ምስላ ቐጺላ፡ “ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ” ትብል። ብሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ብዘይምርድዳእ ተሃስዩ ንዝነበረ ልቢ ኺፍውስ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 16:24 ኣንብብ።) ቃላትና ኣብ ካልኦት ጽልዋ ኸም ዘለዎ እንተ ዘኪርና፡ ተጠንቂቕና ኢና እንጥቀመሉ።

6. ዘረባና ምቍጽጻር ቃልሲ ኪዀነና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

6 ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ኻልእ ምኽንያት፡ ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና እዩ። “ዝንባለ ልቢ ሰብ . . . ክፉእ እዩ፣” ቃላትና ኸኣ ኣብ ልብና ዘሎ ነገር እዩ ዚገልጽ። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሉቃስ 6:45) ስለዚ፡ ንዘረባና ምቍጽጻር ከቢድ ቃልሲ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 3:2-4 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ንኣዘራርባና ንምምሕያሽ ወትሩ ኽንጽዕር ኣሎና።

7, 8. ቃላት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

7 ብዘረባናን ብኣዘራርባናን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ ስለ ዝዀንና እውን፡ ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ኣሎና። ያእቆብ 1:26፡ “ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ዘሎ እንተ መሲልዎ፡ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ” ትብል። እታ “ኸንቱ” ተባሂላ እተተርጐመት በዅሪ ቓል፡ ዘይጠቅም ወይ ዘይረብሕ ማለት እያ። ስለዚ፡ ንዘረባና ዘይንጥንቀቐሉ እንተ ዄንና፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነበላሽዎ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ጠሪስና ኽንበትኮ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 3:8-10

8 እምበኣር፡ ንዘረባናን ንኣዘራርባናን ክንጥንቀቐሉ ዚድርኸና ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። ነቲ የሆዋ ዝሃበና ኽእለት ዘረባ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ፡ እንታይ ዓይነት ዘረባ ኸነወግድ ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኣሎና።

ዜፍርስ ቃላት

9, 10. (ሀ) ሎሚ፡ ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧ (ለ) ስለምንታይ ኢና ጽዩፍ ዘረባ ኸነርሕቕ ዘሎና፧

9 ሎሚ፡ ጽዩፍ ወይ ርኹስ ዘረባ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ሓሳባቶም ንምምሕልላፍ ብዕሉግ ወይ ጽዩፍ ቃላት ኬውስኡ ዘለዎም ይመስሎም እዩ። ኮመድየኛታት ወይ ሞያተኛታት ተዋዘይቲ ንሰባት ንምስሓቕ፡ ብዙሕ ግዜ ጽዩፍ ዋዛ ይጥቀሙ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና፡ “እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ” ኢሉ እዩ። (ቈሎሴ 3:8) “ጽዩፍ ዋዛ” ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት “ኣይሰማዕ” እውን ኢሉ እዩ።—ኤፌሶን 5:3, 4

10 ጽዩፍ ዘረባ ንየሆዋን ነቶም ንዕኡ ዜፍቅርዎን የጕህዮም እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ርኹስ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ርኽሰት” ሓደ ኻብቲ “ግብሪ ስጋ” እዩ። (ገላትያ 5:19-21) “ርኽሰት” በበይኑ ዝዓይነቱ ሓጢኣት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ፣ ሓደ ርኹስ ልማድ ድማ ናብ ካልእ ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ኣመና ርኹስን ጽዩፍን ዘረባ ናይ ምዝራብ ልማድ እንተ ኣልይዎ እሞ ምሕዳጉ እንተ ኣብዩ፡ እዚ ነገር እዚ ኣባል እታ ጉባኤ ዀይኑ ኪቕጽል ከም ዘይብሉ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 12:21፣ ኤፌሶን 4:19ተወሳኺ ሓበሬታ 23 ርአ።

11, 12. (ሀ) ጐዳኢ ወረ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሕሜት ከነርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ጐዳኢ ወረ እውን ከነርሕቕ ኣሎና። ብሰባት ክንግደስ፡ ብዛዕባ ፈተውትናን ስድራ ቤትናን ከኣ ክንዛረብ ንቡር እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን እንተ ዀነ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከመይ ከም ዘለዉ፡ ንምሕጋዞም ድማ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ኺፈልጡ ይደልዩ ነይሮም እዮም። (ኤፌሶን 6:21, 22፣ ቈሎሴ 4:8, 9) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ኻልኦት እንዛረቦ ዘረባ ብቐሊሉ ናብ ሃሳዪ ወረ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ንዝሰማዕናዮ ወረ እንተ ደጊምናዮ ኸኣ፡ ሓቂ ዘይኰነ ወይ ውልቃዊ ጕዳይ ሰባት ከነውሪ ንኽእል ኢና። እንተ ዘይተጠንቂቕና ድማ፡ እዚ ኣሉታዊ ዘረባ እዚ ናብ ጠቐነ ወይ ናብ ሕሜት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ፈሪሳውያን ንየሱስ ብዘይገበሮ ጠቂኖምዎ እዮም። (ማቴዎስ 9:32-34፣ 12:22-24) ሕሜት ንስም ሰብ የካፍእ፡ ናብ ቈየቛን ጓህን ይመርሕ፡ ምሕዝነታት እውን የፍርስ እዩ።—ምሳሌ 26:20

12 የሆዋ ብቓላትና ንሰባት ክንሕግዝን ከነተባብዕን ደኣ እምበር፡ ንፈተውትና ናብ ጸላእትና ኽንቅይሮም ኣይኰነን ዚደሊ። የሆዋ ነቶም ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርኡ’ ይጸልኦም እዩ። (ምሳሌ 6:16-19) እቲ ቐዳማይ ሓማዪ፡ እቲ ንኣምላኽ ዘካፍኦ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ራእይ 12:9, 10) ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም፡ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ሓሶት ምውራይ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግና፡ ከምዚ ኪኸውን የብሉን። (ገላትያ 5:19-21) ስለዚ፡ ብዛዕባ ዘረባና ኽንጥንቀቕ፡ ቅድሚ ምዝራብና ድማ ወትሩ ኽንሓስብ ኣሎና። ብዛዕባ ኻልእ ሰብ ንዝሰማዕካዮ ወረ ቕድሚ ምድጋምካ፡ ‘እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ ድዩ፧ ምዝራቡስ ለውሃት ዜርኢ ድዩ፧ ጠቓሚ ድዩ፧ እቲ ዝዛረበሉ ዘለኹ ሰብ ነዚ ኺሰምዖ ምደለኹዶ፧ ካልእ ሰብ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እንተ ዚዛረብ ከመይ ምተሰምዓኒ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።—1 ተሰሎንቄ 4:11 ኣንብብ።

13, 14. (ሀ) ጸርፊ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ (ለ) ተጻራፊ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ክርስትያናት ተጻረፍቲ ኪዀኑ ዘይብሎምከ ስለምንታይ እዮም፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ኵላትና ደሓር እንጠዓሰሉ ዘረባ ንዛረብ ኢና። ግናኸ፡ ንሰብ ዚነቅፍ፡ ዚሃሲ፡ ወይ ዚጐድእ ነገር ናይ ምዝራብ ልማድ ኪህልወና ኣይንደልን ኢና። ጸርፊ ኣብ ህይወትና ቦታ ኺህልዎ የብሉን። ጳውሎስ፡ “ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን . . . ካባኻትኩም ይርሓቕ” ኢሉ እዩ። (ኤፌሶን 4:31) እታ “ጸርፊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ሕማቕ ቃላት ወይ ሃሳዪ ዘረባ ማለት እያ። ጸርፊ ንኽብሪ ሰባት ኪትንክን ኬዋርድን ይኽእል እዩ። ምናዳ ቘልዑ ብቐሊሉ ኺጕድኡ ይኽእሉ እዮም፣ ስለዚ፡ ብቓላትና ጌርና ኸይንደቝሶም ፍሉይ ጥንቃቐ ኽንገብር ኣሎና።—ቈሎሴ 3:21

14 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ልማደኛ ተጻራፊ ሓያል መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። ተጻራፊ ሰብ ንሰባት ንምጕዳእ ኢሉ ወግሐ ጸብሐ ይጻረፍ እዩ። ሓደ ሰብ ንመጻምድቱ ወይ ንደቁ ወትሩ ዚጸርፎም እንተ ዀይኑ፡ እዚ ብሓቂ ዜሕዝን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ንኻልኦት ኣዘውቲሩ ዚጻረፍ እሞ ነዚ ምሕዳጉ ዚኣቢ ሰብ፡ ኣባል ጉባኤ ዀይኑ ኪቕጽል ኣይበቅዕን እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13፣ 6:9, 10) እምበኣር፡ ክሳዕ ሕጂ ኸም እተምሃርናዮ፡ ጽዩፍ፡ ሓቂ ዘይኰነ፡ ወይ ሃሳዪ ዘረባ እንተ ተዛሪብና፡ ምስ የሆዋን ምስ ካልኦትን ዘሎና ርክብ ነበላሹ ኢና።

ዚሃንጽ ቃላት

15. እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ ንርክባትና ዜደልድሎ፧

15 እሞ ደኣ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ኽእለት ዘረባ ኸመይ ጌርና ኢና በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክንብል ከም ዘሎና ወይ ከም ዘይብልና ብዝርዝር ዚገልጽ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ “ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ክንዛረብ ግና ይእዝዘና እዩ። (ኤፌሶን 4:29) ዚሃንጽ ዘረባ፡ ንጹህን ሰናይን ሓቅን እዩ። የሆዋ ብቓላትና ጌርና ንሰባት ከነተባብዕን ክንሕግዝን ይደልየና እዩ። እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብእትብሎ ኸይገደሰካ ጐዳኢ ቓላት ምዝራብ ብዙሕ ጻዕሪ ኣየድልዮን እዩ፣ ሰናይ ዘረባ ምዝራብ ግና ዝያዳ ጻዕሪ የድልዮ እዩ። (ቲቶስ 2:8) እምበኣር፡ ብዘረባና ንሰባት ክንሃንጸሉ እንኽእል ገለ መገድታት እስከ ንርአ።

16, 17. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ንሰባት ክንንእድ ዘሎና፧ (ለ) ንመን ክንንእድ ንኽእል፧

16 የሆዋን የሱስን ብዙሕ ይንእዱ እዮም። ንሕና ድማ ክንመስሎም ንደሊ ኢና። (ማቴዎስ 3:17፣ 25:19-23፣ ዮሃንስ 1:47) ንሰብ ብሓቂ ዜተባብዕ ናእዳ ንምሃብ፡ ነቲ ነገር ክትሓስበሉን ነቲ ሰብ ብውልቂ ኽትግደሰሉን ኣሎካ። ምሳሌ 15:23፡ “ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል . . . ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!” ትብል። ስለ ጻዕርና ልባዊ ናእዳ እንተ ተዋሂቡና ወይ ብዝገበርናዮ ነገር እንተ ተመስጊንና፡ ንተባባዕ ኢና።—ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 27 ርአ።

17 ጽቡቕ ጐድኒ ሰባት ትርኢ እንተ ዄንካ፡ ካብ ልብኻ ንምንኣድ ኪቐልለካ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ሰብ ንመደረኡ ጽቡቕ ከም እተዳለወሉ፡ ወይ ኣብ ጉባኤ ሓሳብ ንምሃብ ከም ዝጸዓረ ተስተብህል ትኸውን። ሓደ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቱ ምእንቲ ሓቂ ኢሉ ኣብ መትከሉ ኸም ዝጸንዐ፡ ወይ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲሩ ኸም ዚካፈል ትፈልጥ ትኸውን። ከም እተድንቖም እንተ ገሊጽካሎም፡ እዚ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ሰብኣይ እውን ንሰበይቱ ፍቕሩን ናእዳኡን ኪገልጸላ ኣለዎ። (ምሳሌ 31:10, 28) ከምቲ ንኣትክልቲ ብርሃንን ማይን ዜድልዮም፡ ንሰባት ከኣ ናእዳ የድልዮም እዩ። ምናዳ ንቘልዑ ናእዳ የድልዮም እዩ። ስለቲ ጽቡቕ ባህርያቶምን ጻዕርታቶምን እትንእደሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ናእዳ ንትብዓቶምን ንምትእምማኖምን ኪሃንጾ፡ ቅኑዕ ንምግባር ከኣ ብዝያዳ ኺጽዕሩ ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ።

ብዘረባናን ብኣዘራርባናን ንሰባት ከነተባብዕን ከነጸናንዕን ንኽእል ኢና

18, 19. ንሰባት ንምትብባዕን ንምጽንናዕን ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

18 ንሰባት ከነተባብዕን ከነጸናንዕን ከለና፡ ኣብነት የሆዋ ኢና እንስዕብ። ንሱ፡ ‘ንትሑታትን ንእተደቝሱን’ ካብ ልቡ እዩ ዚሓልየሎም። (ኢሳይያስ 57:15) የሆዋ፡ ‘ንሓድሕድና ኽንተባባዕን’ ‘ንእተጨነቑ ኸነጸናንዕን’ ይደልየና እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:11, 14) ከምዚ ምስ እንገብር፡ ንጻዕርታትና የስተብህለሉን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ።

19 ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሓደ ሰብ ተስፋ ኸም ዝቘረጸ ወይ ከም እተጨነቐ ተስተብህል ትኸውን። እሞኸ ንምሕጋዙ እንታይ ክትብል ትኽእል፧ ጸገማቱ ኽትፈትሖ ኣይትኽእልን ትኸውን፣ ከም እትግደሰሉ ግና ከተፍልጦ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ብመደብ ምስኡ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ዜተባብዕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉን ምስኡ ሓቢርካ ኽትጽልን ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 34:18፣ ማቴዎስ 10:29-31) ንኸምዚ ዝበለ ሰብ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከም ዚፈትውዎ ኣረጋግጸሉ። (1 ቈረንቶስ 12:12-26፣ ያእቆብ 5:14, 15) እቲ እትብሎ ኻብ ልብኻ ኸም ዝዀነን ከም እትኣምነሉን ብዜርኢ መገዲ እውን ተዛረብ።—ምሳሌ 12:25 ኣንብብ።

20, 21. ሰባት ንዚውሃቦም ምኽሪ ኪቕበሉ ቐሊል ዚገብረሎም እንታይ እዩ፧

20 ጽቡቕ ምኽሪ ብምሃብ እውን፡ ንሰባት ንሃንጽ ኢና። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓሓሊፉ ምኽሪ የድልየና እዩ። ምሳሌ 19:20፡ “ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽ እውን ተቐበል” ትብል። ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰኑን ምዕዶ ወይ ምኽሪ ኺህቡ ዘለዎም። ወለዲ ንደቆም ኪመርሕዎም ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:4) ኣሓት ድማ ንሓድሕደን ጽቡቕ ምኽሪ ኺውሃሃባ ይኽእላ እየን። (ቲቶስ 2:3-5) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ስለ እነፍቅሮም፡ ክንመኽሮም ከለና ሕማቕ ከም ዚስምዖም ክንገብር ኣይንደልን ኢና። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

21 ምናልባት ንምቕባሉ ቐሊል ብዝዀነ መገዲ እተዋህበካ ጽቡቕ ምኽሪ ትዝክር ትኸውን። ነቲ ምኽሪ ውጽኢታዊ ዝገበሮ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ሰብ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልካ ተሰሚዑካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ብለውሃትን ብፍቕርን ተዛሪቡካ ይኸውን። (ቈሎሴ 4:6) እቲ ምኽሪ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ዝዀነ ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንምርኰስ ኣሎና። ዋላ ሓደ ሰብ ናይ ውልቁ ርእይቶ ኣብ ካልኦት ኪጽዕን ወይ ሓሳቡ ንምድጋፍ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠዊ የብሉን። ነቲ ንዓኻ ምኽሪ እተዋህበሉ መገዲ ምዝካርካ፡ ንኻልኦት ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ።

22. ነቲ እተዋህበካ ኽእለት ዘረባ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትደሊ፧

22 ክእለት ዘረባ፡ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዩ። ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ፡ ነቲ ኽእለት ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኺድርኸና ይግባእ። ቃላት ሓያል ብምዃኑ፡ ኬፍርስ ወይ ኪሃንጽ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። እምበኣር፡ ቃላትና ንሰባት ንምብርታዕን ንምትብባዕን ምእንቲ ኽንጥቀመሉ፡ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር።