ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 7

ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧

ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧

“ምንጪ ህይወት ምሳኻ እዩ።”—መዝሙር 36:9

1, 2. የሆዋ እንታይ ክቡር ውህበት እዩ ሂቡና፧

 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ዜደንቕ ውህበት ሂቡና እዩ። እዚ ድማ ውህበት ህይወት እዩ። (ዘፍጥረት 1:27) ብሉጽ ህይወት ኪህልወና ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ከመይ ጌርና ጽቡቕ ውሳነታት ከም እንገብር ዚምህረና መሰረታዊ ስርዓታት ኣዳልዩልና ኣሎ። ነዚ ስርዓታት እዚ፡ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ” ክንጥቀመሉ ኣሎና። (እብራውያን 5:14) ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ንኣተሓሳስባና ኼሰልጥኖ ኢና እንፈቅድ ዘለና። ብስርዓታት ኣምላኽ ምስ እንነብር እሞ እዚ ንህይወትና ብኸመይ ከም ዜመሓይሾ ምስ እንርኢ፡ እቲ ስርዓታት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ይርድኣና እዩ።

2 ህይወት ኣዝዩ እተሓላለኸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀጥታዊ ሕጊ ዘይሽፍኖ ዅነታት ይፍጠር እዩ። ንኣብነት፡ ምስ ደም እተተሓሓዘ ሕክምና ንምግባር ክንውስን የድልየና ይኸውን። እሞኸ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክንገብር እንኽእል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብዛዕባ ህይወትን ደምን ዘለዎ ኣረኣእያ ዚሕብር ስርዓታት ኣሎ። ነዚ ስርዓታት እዚ እንተ ተረዲእናዮ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብርን ሰናይ ሕልና ኺህልወናን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 2:6-11) ሕጂ፡ ገለ ኻብዚ ስርዓታት እስከ ንመርምር።

ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወትን ደምን እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

3, 4. (ሀ) ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ገሊጹ፧ (ለ) ደም ንምንታይ እዩ ዚውክል፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደም ንህይወት ስለ ዚውክል፡ ቅዱስ ምዃኑ ይምህር እዩ። የሆዋ ድማ ንህይወት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ቃየል ንሓዉ ምስ ቀተሎ፡ የሆዋ፡ “ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ” ኢልዎ እዩ። (ዘፍጥረት 4:10) ደም ኣቤል ንህይወቱ እዩ ዚውክል ነይሩ፣ ቃየል ንኣቤል ምስ ቀተሎ፡ ንህይወት ኣቤል እዩ ኣጥፊእዋ።

4 ድሕሪ እቲ ብዘመን ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ስጋ ኺበልዑ ፈቒዱሎም እዩ። ግናኸ፡ ብንጹር፡ “ስጋ ምስ ህይወቱ፡ ማለት ምስ ደሙ፡ ኣይትብልዑ” ኢልዎም እዩ። (ዘፍጥረት 9:4) እዚ ትእዛዝ እዚ ንዅሎም ዘርኢ ኖህ ይምልከቶም እዩ፣ እምበኣር፡ ንዓና እውን ይምልከተና እዩ። ብሓጺሩ፡ የሆዋ ንደም፡ ንህይወት ከም ዚውክል ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ንሕና እውን ብዛዕባ ደም ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ።—መዝሙር 36:9

5, 6. ሕጊ ሙሴ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ህይወትን ደምን ዘለዎ ኣረኣእያ ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ኣብቲ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ፡ “ዝዀነ ሰብ . . . ደም ዘበለ እንተ በሊዑ፡ ነቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ እየ፣ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ። ከመይሲ፡ ህይወት እቲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ” ኢሉ እዩ።—ዘሌዋውያን 17:10, 11

6 ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብ፡ እንስሳ ኺበልዕ እንተ ደልዩ፡ ቅድም ነቲ ደሙ ናብ ምድሪ ኼፍስሶ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ህይወት እቲ እንስሳ ናብ ፈጣሪኡ የሆዋ ኸም እተመልሰ እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ዘዳግም 12:16፣ ህዝቅኤል 18:4) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ እንስሳ ኺሓርዱ ኸለዉ፡ ኵሉ ኣሰር ደሙ ኼፍስሱ ኣይተጸበዮምን። የግዳስ፡ ነቲ ደም ንምፍሳስ፡ እኹል ጻዕሪ ኽሳዕ ዝገበሩ፡ ነቲ ስጋ ብንጹህ ሕልና ኺበልዕዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ በቲ ንደም እንስሳ ዘለዎም ኣኽብሮት ገይሮም ነቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኸም ዜኽብርዎ የርእዩ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ሓጢኣቶም ንምሽፋን መስዋእቲ እንስሳታት ኬቕርቡ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተኣዚዞም ነይሮም እዮም።—ተወሳኺ ሓበሬታ 19ን 20ን ርአ።

7. ዳዊት ንደም ኣኽብሮት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 ካብቲ ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዚዋግኣሉ ዝነበረ እዋን ዝገበሮ ነገር፡ ደም ብዛዕባ ዘለዎ ዋጋ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። ሓደ እዋን፡ ዳዊት ኣመና ምስ ጸምአ፡ ገለ ኻብ ሰቡ ህይወቶም ቀቢጾም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ጸላኢ ናብ ዝነበረ ሓደገኛ ቦታ ኸይዶም ማይ ኣምጽኡሉ። ናብ ዳዊት ምስ ኣምጽእዎ ግና፡ ንሱ ምስታዩ ኣበየ፡ “ንየሆዋ እውን ኣፍሰሶ።” ሽዑ ኸኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ እዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፧” በለ። ዳዊት፡ ህይወትን ደምን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ምዃኑ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ።—2 ሳሙኤል 23:15-17

8, 9. ሎሚ ክርስትያናት ብዛዕባ ደም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧

8 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና ምስ ቈመ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ደጊም መስዋእቲ እንስሳታት ኬቕርቡ ኣየድለዮምን። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ደም ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺሕዙ ነይርዎም። ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንክርስትያናት ኪሕልውዎ ዚጽበዮም ሒደት ክፋላት ሕጊ ሙሴ፡ “ካብ ደም . . . ርሓቑ” ዚብል እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ካብ ምንዝርና ወይ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ምስ ምርሓቕ ብማዕረ ኸም ዚርአ እዩ ተገሊጹ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

ብዛዕባ ኽፋላት ደም ዚምልከት ውሳነይ ብኸመይ ምገለጽኩ፧

9 ሎሚ እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። ከም ክርስትያናት መጠን፡ የሆዋ ምንጪ ህይወት ምዃኑን ኵሉ ህይወት ናቱ ምዃኑን ንፈልጥ ኢና። ደም ቅዱስ ምዃኑን ንህይወት ከም ዚውክልን እውን ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ምስ ደም እተተሓሓዘ ሕክምና ብዛዕባ ምግባር ክንውስን ከለና፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት ነእቱ ኢና።

ደም ንሕክምና ምጥቃም

10, 11. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምምሕልላፍ ምሉእ ደምን እቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደምን ብኸመይ ይርእይዎ፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ ብሕታዊ ውሳነ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ “ኻብ ደም . . . ርሓቑ” ዚብል ትእዛዝ፡ ደም ዘይምብላዕ ወይ ዘይምስታይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ገይሮም እዮም ዚርድእዎ። እዚ ድማ ደም ዘይምውሳድን ደም ዘይምልጋስን ንምምሕልላፍ ኢልካ ደም ዘይምኽዛንን ማለት እዩ። ንምምሕልላፍ እቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም፡ ማለት ቀያሕቲ ዋህዮታትን ጸዓዱ ዋህዮታትን ፕላትለትን ፕላዝማን እውን የጠቓልል እዩ።

11 እዚ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ናብ ዝነኣሰ ኽፋላት ይከፋፈል እዩ፣ እዚ ኸኣ ክፋላት ደም ተባሂሉ ይፍለጥ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ክፋላት ደም ኪቕበል ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ኺውስን ኣለዎ። ብናይ ገዛእ ርእሲ ደም ንዚግበር መስርሕ ሕክምና ኪቕበል እንተ ዀይኑ እውን ኪውስን ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ መስርሕ መጥባሕቲ፡ ኣብ ሕክምናዊ መርመራ፡ ወይ ኣብ ሓድሽ ፍወሳ ደሙ ብኸመይ ኪትሓዝ ከም ዘለዎ ኺውስን አለዎ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 21 ርአ።

12. (ሀ) እቲ ንሕልናና እተሓድገ ውሳነታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ሕክምናዊ መስርሓት ከመይ ጌርና ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል፧

12 እሞኸ እቲ ንሕልናና እተሓድገ ውሳነታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣገዳሲ ድዩ፧ እወ፡ ኣገዳሲ እዩ። የሆዋ ብሓሳባትናን ብውሽጣዊ ድራኸታትናን ይግደስ እዩ። (ምሳሌ 17:3፣ 24:12 ኣንብብ።) ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ንሕክምና ዚምልከት ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ንምርካብ ጸሊና፡ ብዛዕባ እቲ ሕክምና ምርምር ክንገብር ኣሎና። ድሕሪኡ፡ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ጌርና ውሳነ ንገብር። ንኻልኦት ሰባት፡ ‘ኣብ ቦታይ እንተ ትኸውን፡ እንታይ ምገበርካ፧’ ኢልና ኽንሓትቶም ኣይግባእን፣ ካልኦት እውን ኣብ ውሳነና ጽልዋ ኺገብሩልና ኣይግባእን። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ጸጾሩ ኺጸውር” ኣለዎ።—ገላትያ 6:5፣ ሮሜ 14:12

ሕግታት የሆዋ፡ ፍቕሩ የንጸባርቕ

13. ካብቲ የሆዋ ብዛዕባ ደም ዝሃበና ሕግታትን ስርዓታትን፡ ብዛዕባኡ እንታይ ንምሃር፧

13 የሆዋ ኽንገብሮ ዚደልየና ዘበለ ዅሉ ንጥቕምና እዩ፣ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ እውን የርኢ እዩ። (መዝሙር 19:7-11) እንተዀነ ግና፡ ትእዛዛቱ ስለ ዚጠቕመና ጥራይ ኣይኰንናን እንእዘዞ። ስለ እነፍቅሮ ኢና እንእዘዞ። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ፡ ካብ ምምሕልላፍ ደም ክንርሕቕ ይድርኸና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:20) እዚ ኸኣ ንጥዕናና እውን ዕቝባ ይዀነና እዩ። ሎሚ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ምምሕልላፍ ደም ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ይፈልጡ እዮም፣ ብዙሓት ሓካይም ድማ ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና ንጥዕና ሕሙማት ዝሓሸ ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። መገድታት የሆዋ፡ ጥበብን ፍቕርን ዘለዎ ምዃኑ ንጹር እዩ።—ኢሳይያስ 55:9 ኣንብብ፣ ዮሃንስ 14:21, 23

14, 15. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ፡ እንታይ ዜዕቍቦም ሕግታት እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ነቲ ነዚ ሕግታት እዚ ባይታ ዝዀኖ መሰረታዊ ስርዓታት ከመይ ጌርካ ኽትትግብሮ ትኽእል፧

14 ኣምላኽ ሕግታት ኬውጽእ ከሎ፡ ወትሩ ንጥቕሚ ህዝቡ እዩ ዚሓሊ። የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ካብ ከቢድ ሓደጋታት ዜዕቍቦም ሕጊ ሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ ሰብ ካብ ሰጣሕ ናሕሲ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ብዓል ቤት ኣብ ዙርያ ናሕሱ መጋረዲ ኺገብር ዚእዝዝ ሕጊ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 22:8) ምስ እንስሳታት እተተሓሓዘ ኻልእ ሕጊ እውን ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ተዋጋኢ ብዕራይ እንተ ኣልይዎ፡ ብዕራዩ ንሰብ ኸይጐድእ ወይ ከይቀትል ኪሕልዎ ነይርዎ። (ዘጸኣት 21:28, 29) ሓደ እስራኤላዊ ነዚ ሕግታት እዚ እንተ ዘይሓልይዎ እሞ ብሰንኪ እዚ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ በዳሊ እዩ ዚኸውን ነይሩ።

15 ካብዚ ሕግታት እዚ፡ ህይወት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ምዃና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ነዚ ምፍላጥና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧ በቲ ንቤትናን ንማኪናናን ዘሎና ኣተሓሕዛ፡ ብኣዘዋውራ ማኪናና፡ ከምኡ ድማ በቲ ኣብ መዘናግዒ እንገብሮ ምርጫ፡ ንህይወት ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኸነርኢ ኣሎና። ገሊኦም ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ መንእሰያት፡ ሕማቕ ዜጋጥሞም ኣይመስሎምን እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ሓደገኛ ነገር ይገብሩ እዮም። የሆዋ ግና ከምኡ ኽንገብር ኣይደልየናን እዩ። ንዅሉ ህይወት፡ ማለት ንህይወትና ዀነ ንህይወት ካልኦት ኣኽቢርና ኽንርኢ ይደልየና እዩ።—መክብብ 11:9, 10

16. የሆዋ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኸመይ ይስምዖ፧

16 ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኵሉ ህይወት ሰብ ክቡር እዩ። ዘይተወልደ ዕሸል እውን ከይተረፈ ኽቡር እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብ ብድንገት ንጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ጐዲእዋ እሞ፡ ንሳ እንተ ሞይታ ወይ ዕሸላ እንተ ሞይቱ፡ የሆዋ ነቲ ሰብ ብቕትለት ተሓታቲ እዩ ዚገብሮ ነይሩ። ዋላ እውን ድንገት እንተ ዀነ፡ ሰብ ስለ ዝሞተ፡ ዋጋ ህይወት ኪኽፈል ነይርዎ እዩ። (ዘጸኣት 21:22, 23 ኣንብብ።) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ እቲ ዘይተወልደ ዕሸል፡ ህያው ሰብ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ እዚ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ዘይተወልዱ ዕሸላት ኪቕተሉ ኸለዉ ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

17. ንየሆዋ ቕድሚ ምፍላጣ ጥንሲ ንዝነጸለት ሰበይቲ እንታይ ኬጸናንዓ ይኽእል፧

17 ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዘለዎ ኣረኣእያ ቕድሚ ምፍላጣ ጥንሲ እንተ ነጺላኸ፧ የሆዋ ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ይቕረ ኸም ዚብለላ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ሉቃስ 5:32፣ ኤፌሶን 1:7) ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ዝገበረት ሰበይቲ ብሓቂ እንተ ተጣዒሳ፡ ወትሩ እናተጸጸተት ክትድቈስ የብላን። “የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን . . . እዩ። . . . ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ [እዩ]።”—መዝሙር 103:8-14

ጐዳኢ ሓሳባት ኣወግድ

18. ጽልኢ ንምውጋድ ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህይወት ዘሎና ኣኽብሮት ካብ ልብና እዩ ዚጅምር። ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎና ስምዒት ምስዚ ይተኣሳሰር እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ፡ ቀታል ነፍሲ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 3:15) ንሰብ ዘይትፈትዎ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኸይተፈለጠካ ናብ ጽልኢ ኺዓቢ ይኽእል እዩ። ጽልኢ ኸኣ ንሰባት ከም እትንዕቕ፡ ብሓሶት ከም እትኸስስ፡ ወይ ሞቶም ከም እትምነ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዚስምዓና ስምዒት ይፈልጦ እዩ። (ዘሌዋውያን 19:16፣ ዘዳግም 19:18-21፣ ማቴዎስ 5:22) ጽልኢ ኣብ ውሽጥና ኸም ዘሎ እንተ ፈሊጥና፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ንምውጋዱ ኽንጽዕር ኣሎና።—ያእቆብ 1:14, 15፣ 4:1-3

19. የሆዋ ብዛዕባ ዓመጻ ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

19 ንህይወት ዘሎና ኣኽብሮት እነርእየሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። ኣብ መዝሙር 11:5፡ የሆዋ “ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ . . . ይጸልኦ” ዚብል ንረክብ ኢና። ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒ ንርኢ እንተ ዄንና፡ ዓመጻ ንፈቱ ኢና ማለት እዩ። እንታይ ኪዓብሰልና ኢልና ኢና ዓመጻ ዜንጸባርቕ ቃላትን ሓሳባትን ምስልታትን ኣብ ኣእምሮና እነእቱ፧ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣእምሮና ብንጹህን ብሰላማውን ሓሳባት ክንመልኦ ኢና እንደሊ።—ፊልጲ 4:8, 9 ኣንብብ።

ኣባል እተን ንህይወት ኣኽብሮትዘይብለን ውድባት ኣይትኹን

20-22. (ሀ) የሆዋ ንናይ ሰይጣን ዓለም ብኸመይ ይርእያ፧ (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰኑ’ ኸመይ ገይሮም ኬርእዩ ይኽእሉ፧

20 ናይ ሰይጣን ዓለም ንህይወት ኣኽብሮት የብላን፣ የሆዋ ኸኣ ብደም ወይ ብቕትለት ነፍሲ ገበነኛ ኸም ዝዀነት ገይሩ እዩ ዚርእያ። ፖለቲካውያን ሓይልታት ብሞት ሚልዮናት ሰባት፡ እንተላይ ብሞት ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ተሓተትቲ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዞም ሓይልታት ወይ መንግስትታት እዚኦም፡ ብሕሱማት እንስሳታት ወይ ኣራዊት እዮም ተመሲሎም ዘለዉ። (ዳንኤል 8:3, 4, 20-22፣ ራእይ 13:1, 2, 7, 8) ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም፡ መሸጣ ኣጽዋር ዓብዪ ንግዲ ዀይኑ ኣሎ። ብመሸጣ ኣጽዋር ብዙሕ መኽሰብ ይርከብ እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ‘ብዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ እያ ዘላ።’—1 ዮሃንስ 5:19

21 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና “ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” ህዝቢ የሆዋ ኻብ ፖለቲካን ውግእን ገለልተኛታት እዮም። ንሰብ ኣይቀትሉን እዮም፣ ንሰብ ንዚቐትል ዝዀነ ውድብ እውን ኣይድግፉን እዮም። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:16) ንክርስትያናት መስጐጕቲ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ብዓመጻ ምላሽ ኣይህቡን እዮም። የሱስ ንጸላእትና እውን ከነፍቅር እዩ ምሂሩና።—ማቴዎስ 5:44፣ ሮሜ 12:17-21

22 ሃይማኖት እውን ብሞት ሚልዮናት ሰባት ገበነኛ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን፡ “ደም ነብያትን ደም ቅዱሳትን ደም እቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ ዘበሉ ዅሎምን ኣብኣ ተረኺቡ እዩ” ይብል እዩ። እሞኸ፡ የሆዋ ስለምንታይ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ካብኣ ውጹ” ኢሉ ኸም ዝኣዘዘናስ ተረዲኡካዶ፧ እምበኣር፡ እቶም ንየሆዋ ዜምልኽዎ፡ ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣይኰኑን እዮም።—ራእይ 17:6፣ 18:2, 4, 24

23. ካብ ዓባይ ባቢሎን ‘ምውጻእ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

23 ካብ ዓባይ ባቢሎን ‘ምውጻእ’ ኪብሃል ከሎ፡ ክፍሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘይምዃንካ ንጹር ምግባር የጠቓልል። ንኣብነት፡ ስምና ኻብ ኣባልነት እቲ ዝነበርናሉ ሃይማኖት ከም እተሰረዘ ኸነረጋግጽ ኣሎና። ግናኸ፡ ተወሳኺ ነገር እውን ክንገብር ኣሎና። ንዅሉ እቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትገብሮ ኽፉእ ነገራት ክንጸልኦን ከነርሕቖን ኣሎና። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምንዝርናን ንፖለቲካን ንስስዐን ዕሽሽ ትብልን ተተባብዕን እያ። (መዝሙር 97:10 ኣንብብ፣ ራእይ 18:7, 9, 11-17) ብሰንኪ እዚ፡ ህይወት ሚልዮናት ጠፊኡ እዩ።

24, 25. ንየሆዋ ምፍላጥና ሰላምን ሰናይ ሕልናን ዜምጽኣልና ብኸመይ እዩ፧

24 ንየሆዋ ቕድሚ ምፍላጥና፡ ነፍሲ ወከፍና ንናይ ሰይጣን ዓለም ብገለ ንድግፍ ኔርና ኢና። ሕጂ ግና ተቐዪርና ኢና። በቲ እተኸፍለልና በጃ ብምእማን፡ ህይወትና ንኣምላኽ ወፊና ኢና። “ካብ የሆዋ ባዕሉ ኸኣ እዋን ዕረፍቲ” ረኺብና ኢና። ንኣምላኽ ባህ ከም እነብሎ ስለ እንፈልጥ፡ ሰላምን ሰናይ ሕልናን ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19፣ ኢሳይያስ 1:18

25 ኣብ ሓደ እዋን ኣባል ሓደ ንህይወት ዘየኽብር ውድብ እኳ እንተ ነበርና፡ የሆዋ ብመሰረት እቲ በጃ ይቕረ ኢሉልና እዩ። ነቲ የሆዋ ዝሃበና ውህበት ህይወት ናይ ሓቂ ኣድንቖት ኣሎና። ኣድንቖትና ድማ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ተማሂሮም ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ኪወጹን ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርቱን ንምሕጋዝ ዚከኣለና ብምግባር ኢና እነርኢ።—2 ቈረንቶስ 6:1, 2

ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንገር

26-28. (ሀ) የሆዋ ንህዝቅኤል እንታይ ፍሉይ ዕዮ እዩ ሂብዎ፧ (ለ) የሆዋ ሎሚ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

26 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤል፡ የሩሳሌም ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም እትጠፍእ ንሰባት ኬጠንቅቕን ካብኡ ንምድሓን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪምህርን ኣዚዝዎ ነይሩ እዩ። ህዝቅኤል ነቶም ሰባት እንተ ዘየጠንቅቖም ነይሩ፡ የሆዋ ብህይወቶም ተሓታቲ ምገበሮ። (ህዝቅኤል 33:7-9) ህዝቅኤል ነቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ እቲ ንምንጋር ዚከኣሎ ዅሉ ብምግባር፡ ንህይወት ዘለዎ ኣኽብሮት ኣርእዩ እዩ።

27 ሕጂ ኸኣ፡ ናይ ሰይጣን ዓለም ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም እትጠፍእ ንሰባት ከነጠንቅቕ፡ ሰባት ንየሆዋ ፈሊጦም ናብ ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ ድማ ክንሕግዝ፡ የሆዋ ዕዮ ሂቡና ኣሎ። (ኢሳይያስ 61:2፣ ማቴዎስ 24:14) ነዚ መልእኽቲ እዚ ንሰባት ንምንጋር ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር ንደሊ ኢና። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሃየ መስክሩ፣ ከመይሲ፡ ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ንዓኻትኩም ካብ ምንጋር ኣየድሓርሓርኩን” ክንብል ትምኒትና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:26, 27

28 ብዘይካዚ፡ ንጹሃት ክንኰነሉ ዚግባእ ካልእ መዳያት ህይወት ኣሎ። ገለ ኻብዚ ኣብ ዚቕጽል ምዕራፍ ክንርኢ ኢና።