ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 2

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ

“ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 3:16

1, 2. ኣብ ዘይንፈልጦ ኸባቢ ኽንጐዓዝ ከለና፡ ዚመርሓና ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋኸ እንታይ ኪመርሓና ዚኽእል ነገር እዩ ሂቡና፧

 ኣብ ሰፊሕ ምድረ በዳ ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብርቱዕ ንፋስ ነቲ ሑጻ ስለ ዜልዕሎ፡ ትርኢት እቲ ኸባቢ ይቀያየር እዩ። ብቐሊሉ ኽትጠፍእ ትኽእል ኢኻ። ኣንፈትካ ኸመይ ጌርካ ኽትፈልጥ ትኽእል፧ ዚመርሓካ ሰብ ወይ ንዋት የድልየካ እዩ። ብኮምፓስ፡ ብጸሓይ፡ ብኸዋኽብቲ፡ ብካርታ፡ ብጂ.ፒ.ኤስ. ተሓጊዝካ ኽትጕዓዝ፡ ወይ ነቲ ምድረ በዳ ዚፈልጦ ሰብ ኪመርሓካ የድልየካ ይኸውን። ናበይ ከም እትኸይድ ምፍላጥካ፡ ንህይወትካ ኼድሕኖ ስለ ዚኽእል፡ ዚመርሓካ የድልየካ እዩ።

2 ኣብ ህይወትና እውን ኵላትና ብድሆታት የጋጥመና እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ እንገብሮ ይጠፍኣና እዩ። የሆዋ ግና ዚመርሓና ሕልና ሂቡና ኣሎ። (ያእቆብ 1:17) እምበኣር፡ ሕልና እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚዓዪን እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ፡ ከመይ ጌርና ንሕልናና ኸነሰልጥኖ ኸም እንኽእል፡ ንሕልና ኻልኦት ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ከም ዝዀነ፡ ከምኡ እውን ሰናይ ሕልና ንህይወትና ብኸመይ ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል ክንርኢ ኢና።

ሕልና እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚዓዪ፧

3. ሕልና እንታይ እዩ፧

3 ሕልና ዜደንቕ ውህበት የሆዋ እዩ። ቅኑዕን ጌጋን ዚነግረና ውሽጣዊ ስምዒት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ሕልና” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ፍልጠተ ርእሲ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ሕልናና ብልክዕ ምስ ዚዓዪ፡ ንናይ ሓቂ እንታይነትና ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ንውሽጣዊ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ብቕንዕና ኽንምርምር እውን የኽእለና እዩ። ናብ ጽቡቕ ይመርሓና፡ ካብ ሕማቕ ድማ የርሕቐና እዩ። ብጥበብ ክንውስን ከለና የሐጕሰና፡ ሕማቕ ውሳነ ኽንገብር ከለና ድማ ይወቕሰና እዩ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 5 ርአ።

4, 5. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ንሕልናኦም ዕሽሽ ብምባሎም እንታይ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ሕልና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ዜርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧

4 ነፍሲ ወከፍና ንሕልናና ንምስማዕ ወይ ንዘይምስማዕ ክንውስን ንኽእል ኢና። ኣዳምን ሄዋንን ንሕልናኦም ኣይሰምዕዎን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓጢኦም እዮም። ድሕሪኡ፡ ዋላ እኳ በደሎም እንተ ተፈለጦም፡ ነቲ ዅነታት ኪቕይርዎ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ፡ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን። (ዘፍጥረት 3:7, 8) ክልቲኦም ፍጹም ሕልና እኳ እንተ ነበሮም፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምጥሓስ እውን ጌጋ ምዃኑ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሕልናኦም ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም።

5 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብዙሓት ዘይፍጹማት ሰባት ንሕልናኦም ሰሚዖምዎ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እዮብ ጽቡቕ ኣብነት እዩ። ቅኑዕ ውሳነታት ስለ ዝገበረ፡ “ልበይ ኣይኪዅንነንን እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (እዮብ 27:6) ኣብዚ እዮብ፡ “ልበይ” ኪብል ከሎ ብዛዕባ ሕልናኡ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ቕኑዕን ጌጋን ዚነግሮ ውሽጣዊ ስምዒቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ዳዊት ግና ኣብ ገሊኡ እዋን ንሕልናኡ ዕሽሽ ብምባሉ፡ ትእዛዝ የሆዋ ጥሒሱ እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ በዚ ስለ እተጸጸተ፡ ልቡ “ወቕዖ።” (1 ሳሙኤል 24:5) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሕልና ዳዊት ጌጋ ኸም ዝገበረ እዩ ዚነግሮ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ንሕልናኡ ብምስማዕ፡ ነቲ ጌጋ እቲ ኸይደግሞ ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ።

6. ሕልናና ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

6 ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብዙሕ ግዜ ቕኑዕን ጌጋን ከም ዘሎ ይፈልጡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሓሳቦም ከም ዚኸስሶም ወይ ከም ዜመኻንየሎም’ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት፡ ቅትለት ወይ ስርቂ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ዋላ እኳ እንተ ዘይተፈለጦም፡ ነቲ ቕኑዕን ጌጋን ኪፈልዩ የሆዋ ኣብ ውሽጦም ዘንበረሎም ሕልና እዮም ዚሰምዑ ዘለዉ። ብዘይካዚ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ህይወትና ጽቡቕ ምርጫታት ክንገብር ዝሃበና መሰረታዊ ስርዓታት ወይ ሓቅታት እዮም ዚስዕቡ ዘለዉ።

7. ሓድሓደ ግዜ ሕልናና ኺጋገ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

7 ግናኸ፡ ሓድሓደ ግዜ ሕልናና ኺጋገ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዘይፍጹም ሓሳባትና ወይ ብዘይፍጹም ስምዒታትና ኺበላሾ እሞ፡ ናብ ግጉይ ኣንፈት ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ሰናይ ሕልና ብሓንሳእ ዚጥረ ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 39:1, 2, 7-12) ስልጠና የድልዮ እዩ። የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ መንፈስ ቅዱስን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ይህበና እዩ። (ሮሜ 9:1) እምበኣር፡ ከመይ ጌርና ንሕልናና ኸነሰልጥኖ ኸም እንኽእል እስከ ንመርምር።

ከመይ ጌርና ንሕልናና ኸነሰልጥኖ ንኽእል፧

8. (ሀ) ስምዒታትና ንሕልናና ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧ (ለ) ውሳነታት ቅድሚ ምግባርና እንታይ ኢልና ኢና ንርእስና ኽንሓትታ ዘሎና፧

8 ገሊኦም ሰባት ንስምዒታቶም ኪስዕቡ ኸለዉ፡ ንሕልናኦም ዚሰምዑ ዘለዉ ይመስሎም እዩ። ቅኑዕ ኰይኑ ኽሳዕ እተሰምዖም፡ ዝደለይዎ ዘበለ ኺገብሩ ዚኽእሉ ይመስሎም እዩ። ስምዒታትና ግና ዘይፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ኬስሕተና ይኽእል እዩ። ስምዒታትና ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ንሕልናና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን ቀባጽን እዩ። መንከ ኺፈልጦ ይኽእል፧” ይብል። (ኤርምያስ 17:9) ስለዚ፡ ሓደ ነገር ጌጋ ኽነሱ፡ ቅኑዕ ኪመስለና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ይሰጕጎም ነይሩ እዩ፣ ቅኑዕ ዝገበረ እውን ይመስሎ ነይሩ እዩ። ብናቱ ርእይቶ፡ ሰናይ ሕልና እዩ ነይርዎ። ጸኒሑ ግና፡ “እቲ ዚምርምረኒ፡ የሆዋ እዩ” ኢሉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 4:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 23:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:3) ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገር የሆዋ ኸመይ ከም ዚስምዖ ምስ ተማህረ ግና፡ ኪልወጥ ከም ዜድልዮ ፈሊጡ እዩ። እምበኣር፡ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባርና፡ ‘የሆዋ እንታይ ክገብር እዩ ዚደልየኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።

9. ንኣምላኽ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

9 ንሓደ ሰብ እንተ ፈቲኻዮ፡ ከተጕህዮ ኣይትደልን ኢኻ። ንሕና እውን ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ዜጕህዮ ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ብርቱዕ ፍርሃት ከነሕድር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነህምያ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ነቲ ኸም ሹም መጠን ዝነበሮ ስልጣን ንምህብታም ኣይተጠቕመሉን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንኣምላኽ ስለ ዝፈራህኩ” ኢሉ እዩ። (ነህምያ 5:15) ነህምያ ንየሆዋ ዜጕህዮ ዋላ ሓደ ነገር ኪገብር ኣይደለየን። ንሕና እውን ከም ነህምያ፡ ንየሆዋ ዜጕህዮ ሕማቕ ነገር ከይንገብር ንፈርህ ኢና። ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ኸኣ፡ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና።—ተወሳኺ ሓበሬታ 6 ርአ።

10, 11. እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና፧

10 ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ወይ ከይሰቲ ኺውስን የድልዮ ይኸውን። ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር እንታይ ስርዓታት ኪሕግዞ ይኽእል፧ ገለ ኻብቲ ስርዓታት እቲ፡ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣይኵንንን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ወይኒ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ምዃኑ ይነግረና እዩ። (መዝሙር 104:14, 15) ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ምብዛሕ መስተ” ሕማቕ ምዃኑ ሓቢርዎም እዩ። (ሉቃስ 21:34) ጳውሎስ እውን ንክርስትያናት ካብ “ፈንጠዝያን ስኽራንን” ኪርሕቁ ተላብይዎም እዩ። (ሮሜ 13:13) ሰኽራማት “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” እውን ሓቢርዎም እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10

11 ሓደ ክርስትያን ንርእሱ ኸምዚ ኢሉ ኺሓትታ ኣለዎ፦ ‘ክሳዕ ክንደይ እየ ኣልኮላዊ መስተ ዝፈቱ፧ ብዘይ ብእኡ ዘይኰነለይ ወይ ርእሰ ምትእምማን ዘይብለይ ድየ፧ ብዝሒ እቲ ዝሰትዮ መስተ ወይ ክሳዕ ክንደይ ኣዘውቲረ ኸም ዝሰቲ ኽቈጻጸር እኽእል ድየ፧ * ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ፈተውተይ ጽቡቕ ግዜ ኸሕልፍ እኽእል ድየ፧’ ጥበባዊ ምርጫታት ምእንቲ ኽንገብር፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 139:23, 24 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕልናና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሰማማዕ ጌርና ኸነሰልጥኖ ንኽእል ኢና። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ግና፡ ተወሳኺ ነገር እውን ክንገብር ኣሎና።

ንሕልና ኻልኦት ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12, 13. ኣብ መንጎ ሕልናናን ሕልና ኻልኦትን ፍልልይ ዚህሉ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ነዚ ፍልልያትከ ኸመይ ጌርና ኽንሕዞ ኣሎና፧

12 ኵሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ሕልና የብሉን። ሕልናኻ፡ ካልኦት ዘይገብርዎ ነገር ክትገብር ይፈቕደልካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ንስኻ ኣልኮላዊ መስተ ንምስታይ ክትውስን ከለኻ፡ ካልእ ግና ኪሰቲ ኸም ዘይብሉ ይስምዖ ይኸውን። ክልተ ሰባት ብዛዕባ እዚ እተፈላለየ ስምዒት ኪህልዎም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

ዝሰልጠነ ሕልና፡ ኣልኮላዊ መስተ ንምስታይ ወይ ንዘይምስታይ ኣብ እትገብሮ ውሳነ ኺሕግዘካ ይኽእል

13 ሓደ ሰብ ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት ዚስምዖ ስምዒት፡ ብኣተዓባብያኡን ብኣረኣእያ ቤተ ሰቡን ብተመክሮኡን ብኻልእ ረቛሒታትን ይጽሎ እዩ። ምስ ኣልኮላዊ መስተ ብእተተሓሓዘ ኸኣ፡ ብዝሒ ዚሰትዮ መስተ ምቍጽጻር ዜሸግሮ ዝነበረ ሰብ ጠሪሱ ኸይጥዕም ይውስን ይኸውን። (1 ነገስት 8:38, 39) እሞ ደኣ ንሓደ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ኣቕሪብካሉስ ምስታይ እንተ ኣብዩ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ቅር ይብለካ ድዩ፧ ኪሰቲ ግዲ ትብሎ ዲኻ፧ ስለምንታይ ከም ዝኣበየ ኺነግረካ ተዋጥሮ ዲኻ፧ ንሕልናኡ ተኽብሮ እንተ ዄንካ፡ ከምኡ ኣይትገብርን ኢኻ።

14, 15. ብግዜ ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ነይሩ፧ ጳውሎስከ እንታይ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧

14 ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሕልና ሰባት ከም ዚፈላለ ዜርኢ ዅነታት ተላዒሉ ነይሩ እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዝነበረ ስጋ፡ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘገልገለን ንጣኦታት እተሰውአን እዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 10:25) ጳውሎስ ነቲ ስጋ እቲ ዓዲጉ ምብላዕ ጌጋ ኸም ዝዀነ ኣይተሰምዖን። ብናቱ ኣረኣእያ፡ ኵሉ ምግቢ ኻብ የሆዋ እዩ ነይሩ። ኣቐዲሞም ጣኦታት ዜምልኹ ዝነበሩ ገሊኦም ኣሕዋት ግና፡ ካብዚ እተፈልየ ስምዒት እዩ ነይርዎም። ነቲ ስጋ እቲ ምብላዕ ጌጋ ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። እሞኸ ጳውሎስ፡ ‘ንሕልናይ ኣይረበሸንን። ዝደለኽዎ ኽበልዕ መሰለይ እዩ’ ኢሉዶ ይሓስብ ነይሩ እዩ፧

15 ጳውሎስ ከምኡ ኢሉ ኣይሓሰበን። ንስምዒታት ኣሕዋቱ ይጥንቀቕ ስለ ዝነበረ፡ ብሕታዊ መሰሉ ንምሕዳግ ፍቓደኛ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ፡ “ንርእስና ባህ ከነብል” ከም ዘይግብኣና ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ክርስቶስ እኳ ንርእሱ ባህ ኣየበለን” ኢሉ ኣሎ። (ሮሜ 15:1, 3) እወ፡ ጳውሎስ ከም የሱስ፡ ካብ ርእሱ ንላዕሊ ንኻልኦት እዩ ዚሓሊ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 8:13፣ 10:23, 24, 31-33 ኣንብብ።

16. ሓውና ሓደ ነገር ኪገብር ሕልናኡ እንተ ፈቒዱሉ፡ ክንፈርዶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

16 ሓደ ሰብ ጌጋ ዀይኑ ዚስምዓና ነገር ኪገብር ሕልናኡ እንተ ፈቒዱሉ፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ ነቐፍቲ ኸይንኸውን፡ ‘ንሕና ልክዕ ኣለና፡ ንስኻ ግና ተጋጊኻ ኣለኻ’ ኢልና ድማ ከይንማጐት ብዙሕ ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ሮሜ 14:10 ኣንብብ።) የሆዋ ንሕልናና፡ ንርእስና ኽንፈርደሉ ደኣ እምበር፡ ንኻልኦት ክንፈርደሉ ኣይኰነን ሂቡና። (ማቴዎስ 7:1) ብሕታዊ ምርጫና ኣብ ጉባኤ ፍልልያት ኪፈጥር ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍቕርን ሓድነትን ከነስፍን ኢና እንደሊ።—ሮሜ 14:19

ካብ ሰናይ ሕልና ኽንጥቀም ንኽእል

17. ሕልና ገሊኦም ሰባት እንታይ ኰይኑ ኣሎ፧

17 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 3:16) ሰባት ንስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ዚብልዎ እንተ ዀይኖም፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሕልናኦም መጠንቀቕታ ምሃብ የቋርጽ እዩ። ጳውሎስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕልና፡ “ብመዓለም ዝሓረረ” ኢልዎ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) ሓዊ ኣንዲዱካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እቲ ኣብ ቈርበትካ ዚተርፍ በሰላ ዋላ ሓንቲ ዘይስምዖ እዩ ዚኸውን። ሓደ ሰብ ኣዘውቲሩ ግጉይ ነገራት ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ሕልናኡ ስለ “ዚሓርር፡” ውዒሉ ሓዲሩ ዘይዓዪ እዩ ዚኸውን።

ሰናይ ሕልና ኣብ ህይወትና ይመርሓና፡ ሓጐስን ውሽጣዊ ሰላምን ድማ የምጽኣልና

18, 19. (ሀ) ጸጸት ወይ ሕፍረት እንታይ ኬመልክት ይኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ እተነሳሕናሉ ሓጢኣት ጸጸት ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

18 ጸጸት ኪስምዓና ኸሎ፡ ሕልናና ጌጋ ኸም ዝገበርና ይነግረና ይህሉ ይኸውን። እዚ ኸኣ ዝገበርናዮ ፈሊጥና ኽንሓድጎ ይሕግዘና እዩ። ጌጋታትና ምእንቲ ኸይንደግም፡ ካብ ጌጋታትና ኽንምሃር ንደሊ ኢና። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ምስ ሓጥአ፡ ሕልናኡ ኺንሳሕ ደሪኽዎ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዝገበሮ ነገር ጸሊእዎ፡ ኣብ መጻኢ ንየሆዋ ኺእዘዝ ከኣ ቈሪጹ እዩ። ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተበጊሱ ድማ፡ ንየሆዋ፡ “ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ” ኺብሎ ኽኢሉ እዩ።—መዝሙር 51:1-19፣ 86:5ተወሳኺ ሓበሬታ 7 ርአ።

19 ሓደ ሰብ ሓጢኣቱ ድሕሪ ምንሳሑ ነዊሕ ጸኒሑ እኳ፡ ብተግባሩ ጸጸት ይስምዖ ይኸውን። ጸጸት ንሓደ ሰብ ኬሳቕዮን ዋጋ ኣልቦነት ከም ዚስምዖ ኺገብርን ይኽእል እዩ። ንስኻ እውን ከምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ዝሓለፈ ነገር ክትቅይሮ ኸም ዘይትኽእል ኣይትረስዕ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ትፈልጥ ምንባርካ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኢሉልካ እዩ፣ ሓጢኣትካ ድማ ተደምሲሱ እዩ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኢኻ፣ ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ነገር ቅኑዕ እዩ። ምናልባት ልብኻ ሕጂ እውን ይዅንነካ ይኸውን እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ . . . እዩ” ይብል እዩ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20 ኣንብብ።) እዚ ድማ ፍቕሩን ይቕረታኡን ካብ ዝዀነ ይኹን ዚስምዓና ጸጸት ወይ ሕፍረት ይዓቢ ማለት እዩ። የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለልካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝብሎ ምስ ፈለጠ፡ ሕልናኡ ሰላም ይረክብ፡ ተሓጒሱ ድማ ንኣምላኽ የገልግሎ እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:11፣ እብራውያን 10:22

20, 21. (ሀ) እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ንምግባር ክትሕግዘካ እያ ተዳልያ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ናጽነት እዩ ሂቡና ዘሎ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

20 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንሕልናኻ ንምስልጣን ክትሕግዘካ ተባሂላ እያ ተዳልያ፣ በዚ ኸምዚ፡ ሕልናኻ ኣብዚ ጽንኩር ዳሕሮት መዓልትታት ኬጠንቅቐካን ኬዕቍበካን ይኽእል። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወት ክትዓይየሉ እውን ክትሕግዘካ እያ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ዚሕብር ዝርዝር ሕግታት ኣይትህበናን እያ። የግዳስ፡ በቲ ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ እተመስረተ “ሕጊ ክርስቶስ” ኢና ህይወትና እንመርሕ። (ገላትያ 6:2) ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዝርዝራዊ ሕጊ ብዘይምህላዉ፡ ጌጋ ንምግባር ከም መመኽነይታ ጌርና ኣይንጥቀመሉን ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:1, 2፣ እብራውያን 4:13፣ 1 ጴጥሮስ 2:16) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብናጽነትና ጌርና ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንገልጽ ኢና።

21 ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነስተንትነሉን ምስ እንትግብሮን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ‘ልቦናና’ ተመክሮ ነጥሪ ኢና፣ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድማ ይህልወና እዩ። (እብራውያን 5:14) ከም ፍሪኡ ኸኣ፡ ሕልናና ስለ ዚስልጥን፡ ኣብ ህይወትና ይመርሓና፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ እውን ይሕግዘና እዩ።

^ ብዙሓት ሓካይም፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎም ሰባት ነቲ ዚሰትይዎ መጠን ምቍጽጻር ከም ዜጸግሞም ይገልጹ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጠሪሶም ኣልኮላዊ መስተ ኸይጥዕሙ እዮም ዚመኽርዎም።