ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 3

ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ሕረ

ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ሕረ

“ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20

1-3. (ሀ) ካብ ምሳሌ 13:20 እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ኣዕሩኽና ብጥበብ ክንሓሪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 ሕጻን ንወለዱ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚዕዘቦም ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ ዘረባ ቕድሚ ምኽኣሉ እኳ፡ ንዅሉ ዚርእዮን ዚሰምዖን ይዕዘብ እዩ። እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ፡ ከይተፈለጦ ንወለዱ ኺመስሎም ይጅምር። ዓበይቲ ሰባት ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ነቶም መዋዕልቶም ዚመስሉ ምዃኖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

2 ኣብ ምሳሌ 13:20፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን” ዚብል ንረክብ ኢና። ኣብዚ ምስ ሓደ ሰብ “ዚመላለስ” ኪብሃል ከሎ፡ ምስኡ ግዜ ምሕላፍ የመልክት። እዚ ግና ምስ ሓደ ሰብ ምውዓል ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ ምስ ሓደ ሰብ ምምልላስ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ሰብ ምፍታዉን ምቕራቡን የመልክት። ስለዚ፡ በቶም መዋዕልትና፡ ምናዳ ድማ በቶም እንቐርቦም ሰባት ብዙሕ ንጽሎ ኢና።

3 ኣዕሩኽና ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ጽልዋ ኺገብሩልና ይኽእሉ እዮም። ምሳሌ 13:20 ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ” ትብል። ብቛንቋ እብራይስጢ፡ “ዚሓብር” ኪብሃል ከሎ፡ ንምትዕርራኽ እውን የመልክት እዩ። (ምሳሌ 22:24፣ መሳፍንቲ 14:20) ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት፡ ንዕኡ እሙናት ክንከውን የተባብዑና እዮም። ኣዕሩኽና ብጥበብ ምእንቲ ኽንሓሪ፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ሰባት ፈተውቱ ኪዀኑ ኸም ዚሓሪ እስከ ንርአ።

ኣዕሩኽ ኣምላኽ መን እዮም፧

4. ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ዓብዪ ኽብሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንኣብርሃም “ፈታውየይ” ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ እዩ፧

4 እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኣዕሩኹ ኽንከውን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። እዚ ዓብዪ ኽብሪ እዩ። የሆዋ ንኣዕሩኹ ተጠንቂቑ እዩ ዚሓርዮም። ነቶም ዜፍቅርዎን ብእኡ ዚኣምኑን እዩ ፈተውቱ ኪዀኑ ዚመርጾም። ብዛዕባ ኣብርሃም እሞ ሕሰብ። ንኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብረሉ ድሉው እዩ ነይሩ። ኣብርሃም እሙንን እዙዝን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። ንወዱ ይስሃቅ እኳ ኺስውእ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። “ኣምላኽ [ንይስሃቅ] ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል” ይኣምን ነይሩ እዩ። (እብራውያን 11:17-19፣ ዘፍጥረት 22:1, 2, 9-13) ኣብርሃም እሙንን እዙዝን እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ኸኣ “ፈታውየይ” ወይ “ዓርከይ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ።—ኢሳይያስ 41:8፡ እ.ጽ.፣ ያእቆብ 2:21-23

5. የሆዋ ብዛዕባ እቶም እሙናቱ ኸመይ ይስምዖ፧

5 የሆዋ ንኣዕሩኹ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ኣዕሩኹ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ንዕኡ እሙናት ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ። (2 ሳሙኤል 22:26 ኣንብብ።) ንዕኡ እሙናት ዚዀኑ ኸኣ፡ ስለ ዜፍቅርዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ናይ ቀረባ ዕርክነቱ . . . ምስቶም ቅኑዓት፡” ማለት ምስቶም ዚእዘዝዎ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 3:32) የሆዋ ንፈተውቱ፡ ኣብ ‘ድንኳኑ’ ፍሉያት ኣጋይሹ ኪዀኑ ይዕድሞም እዩ። ኬምልኽዎን ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ናብኡ ኺጽልዩን ይዕድሞም እዩ።—መዝሙር 15:1-5

6. ንየሱስ ከም እነፍቅሮ ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

6 የሱስ፡ “ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፣ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:23) ስለዚ፡ ዓርኪ የሆዋ ንምዃን፡ ንየሱስ ከነፍቅሮን ከምቲ ዝመሃረና ኽንገብርን ኣሎና። ንኣብነት፡ ነቲ የሱስ ብስራት ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ዝሃበና መምርሒ ንእዘዝ ኢና። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 14:15, 21) ንየሱስ ስለ እነፍቅሮ፡ ‘ኣስኣሰሩ ንስዕብ’ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:21) ኣብ ኵሉ ዘረባናን ተግባርናን ንወዱ ንምምሳል ዚከኣለና ዘበለ ኽንጽዕር ከለና፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ።

7. ምስ ኣዕሩኽ የሆዋ ጥራይ ክንተዓራረኽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ኣዕሩኽ የሆዋ እሙናትን እዙዛትን እዮም፣ ንወዱ እውን የፍቅርዎ እዮም። እሞኸ ነቶም የሆዋ ዚሓርዮም ዲና ኣዕሩኽና ኪዀኑ እንሓሪ፧ ኣዕሩኽካ ንየሱስ ዚመስልዎን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኣዘውቲሮም ዚምህሩን እንተ ዀይኖም፡ ባህርያትካ ኸተመሓይሽን ንየሆዋ እሙን ክትከውንን ኪሕግዙኻ እዮም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከብ ኣብነታት ተምሃር

8. ካብቲ ኣብ መንጎ ሩትን ናእሚን ዝነበረ ምሕዝነት እንታይ እትፈትዎ ነገር ረኺብካ፧

8 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ሓያሎ ዕርክነት ከነንብብ ንኽእል ኢና፣ ሓደ ኻብኡ ኣብ መንጎ ሩትን ሓማታ ናእሚን ዝነበረ ምሕዝነት ኪጥቀስ ይከኣል። እዘን ኣንስቲ እዚአን፡ እተፈላለየ ዓድን ኣተዓባብያን እዩ ነይርወን፣ ናእሚ ድማ ካብ ሩት ትዓቢ ነይራ እያ። ክልቲአን ንየሆዋ የፍቅራኦ ስለ ዝነበራ ግና፡ ናይ ቀረባ መሓዙት ኰይነን እየን። ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ናብ እስራኤል ክትምለስ ምስ ደለየት፡ ‘ሩት ምስኣ ለጊባ’ እያ። ንናእሚ ኸኣ “ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” ኢላታ እያ። (ሩት 1:14, 16) ሩት ንናእሚ ብዙሕ ትልውሃላ ነይራ እያ። ኣብ እስራኤል ምስ በጽሓ፡ ሩት ንመሓዛኣ ንምድጋፍ ብትግሃት ትዓዪ ነይራ እያ። ናእሚ ድማ ንሩት ብዙሕ እያ እትፈትዋ ነይራ፣ ጽቡቕ ምኽሪ እውን ሂባታ እያ። ሩት ከኣ ንዓኣ ስለ ዝሰምዓታ፡ ክልቲአን ብዙሕ በረኸት ረኺበን እየን።—ሩት 3:6

9. ካብቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት እንታይ መሲጡካ፧

9 እቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ጽቡቕ ዕርክነት እውን ካልእ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ክልቲኦም ንየሆዋ እሙናት እዮም ነይሮም። ዮናታን ንዳዊት ብ30 ዓመት ኣቢሉ ይዓብዮ ነይሩ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ወራሲ ንግስና እስራኤል እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 17:33፣ 31:2፣ 2 ሳሙኤል 5:4) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዳዊት ዚቕጽል ንጉስ ኪኸውን ከም ዝሓረዮ ምስ ፈለጠ፡ ብእኡ ኣይቀንአን ወይ ከም መቐናቕንቱ ገይሩ ኣይረኣዮን። የግዳስ፡ ንዳዊት ንምድጋፍ ዚከኣሎ ዘበለ ዅሉ እዩ ገይሩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ‘ብየሆዋ ኺብርትዕ ዮናታን ሓጊዝዎ እዩ።’ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ። (1 ሳሙኤል 23:16, 17) ዳዊት እውን እሙን ዓርኪ እዩ ነይሩ። ንቤት ዮናታን ኪሓሊ ቓል ኣትዩ ነይሩ እዩ፣ ነቲ ቓሉ ኸኣ ዋላ እውን ድሕሪ ሞት ዮናታን ሓልይዎ እዩ።—1 ሳሙኤል 18:1፣ 20:15-17, 30-34፣ 2 ሳሙኤል 9:1-7

10. ካብቲ እቶም ሰለስተ እብራውያን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ትምሃር፧

10 ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብ ዓዶም ብንእስነቶም እተወስዱ እብራውያን ኣዕሩኽ እዮም ነይሮም። ካብ ቤተ ሰቦም ርሒቖም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከኣ፡ ንየሆዋ እሙናት ንምዃን ንሓድሕዶም ይደጋገፉ ነይሮም እዮም። ዓበይቲ ምስ ኰኑ እሞ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ንምስሊ ወርቂ ኺሰግዱ ምስ ኣዘዞም፡ እምነቶም ተፈቲና እያ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ምስሊ ምስጋድ ኣበዩ፣ ነቲ ንጉስ ድማ፡ “ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነገልግሎም ወይ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂ ኸም ዘይንሰግደሉ ኣባኻ ይፈለጥ” በልዎ። እዞም ሰለስተ ኣዕሩኽ እዚኦም፡ እምነቶም ምስ ተፈተነት፡ ንኣምላኾም እሙናት ኰይኖም እዮም።—ዳንኤል 1:1-17፣ 3:12, 16-28

11. ኣብ መንጎ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ጽቡቕ ዕርክነት ከም ዝነበረ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ምስ ተራኸበ፡ ጢሞቴዎስ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሮን ንጉባኤ ብሓቂ ኸም ዚሓልን ኣስተብሃለ። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪሕግዝ ኣሰልጠኖ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1-8፣ 17:10-14) ጢሞቴዎስ ድማ ብትግሃት ስለ ዝዓየየ፡ ጳውሎስ ብዛዕባኡ፡ ‘ነቲ ብስራት ምስኡ ዀይኑ የገልግል’ ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ሓቢሮም ብትግሃት ንየሆዋ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ዕርክነት መስሪቶም እዮም።—ፊልጲ 2:20-22፣ 1 ቈረንቶስ 4:17

ኣዕሩኽና ኸመይ ጌርና ንሓሪ፧

12, 13. (ሀ) ኣብ ውሽጢ ጉባኤ እውን እንተ ዀነ፡ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:33 ዘሎ መጠንቀቕታ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧

12 ኣብ ውሽጢ ጉባኤ፡ ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንምሃር፡ ብተኣማንነት ንምጽናዕ ድማ ክንደጋገፍ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ እውን እንተ ዀነ፡ ንናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣሎና። በበይኑ ባህልታትን ኣተዓባብያን ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ሓደስቲ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ንየሆዋ ምግልጋል ካብ ዚጅምሩ ብዙሕ ዓመታት ገይሮም እዮም። ከምቲ ፍረ ኺበስል ግዜ ዚወስድ፡ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ንምዕባይ እውን ግዜ የድልዮ እዩ። ስለዚ፡ ንሓድሕድና ኽንተዓጋገስን ክንፋቐርን ኣሎና፣ ወትሩ ኸኣ ብጥበብ ኣዕሩኽ ክንመርጽ ኣሎና።—ሮሜ 14:1፣ 15:1፣ እብራውያን 5:12–6:3

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጉባኤ ኸቢድ ኵነታት ይፍጠር እዩ፣ ስለዚ፡ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። ምናልባት ሓደ ሓው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዅንኖ ነገር ይገብር ይኸውን። ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ንጉባኤ ዚጐድእ ናይ ምንቃፍ ባህርይ ኣማዕቢሉ ይኸውን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ሓድሓደ ግዜ ጸገማት ይቕልቀል ስለ ዝነበረ፡ እዚ ንዓና ኼገርመና የብሉን። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ኢሉ ዘጠንቀቖም። (1 ቈረንቶስ 15:12, 33) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንመን ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ኺገብር ከም ዘለዎ ኣጠንቂቕዎ እዩ። ንሕና እውን ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንሓሪ ኣሎና።—2 ጢሞቴዎስ 2:20-22 ኣንብብ።

14. ኣዕሩኽና ኪዀኑ እንመርጾም ሰባት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ኪጸልውዎ ይኽእሉ፧

14 ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ክንሕልዎ ኣሎና። ከመይሲ፡ እዚ ርክብ እዚ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ እዩ። ስለዚ፡ ንእምነትና ኼዳኽማን ንርክብና ኼበላሽዎን ምስ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት ክንምስርት የብልናን። ከምቲ ሰፍነግ ወይ ስፖንጅ ኣብ ውሽጢ ኣቸቶ ኣሊኽና ማይ ኪመጺ ዘይንጽበዮ፡ ምስቶም ጌጋ ዚገብሩ እናተዓራረኽና ቕኑዕ ምግባር ኪቐልለልና ኣይንጽበን ኢና። እምበኣር፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣሎና።—1 ቈረንቶስ 5:6፣ 2 ተሰሎንቄ 3:6, 7, 14

ንየሆዋ ዜፍቅሩ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

15. ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ዕርክነት ንምምስራት እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

15 ኣብ ጉባኤ፡ ንየሆዋ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ሰባት ንረክብ ኢና። ምሳታቶም ናይ ቀረባ ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ኢና። (መዝሙር 133:1) ምስ መሳቱኻ ወይ ከማኻ ዓይነት ድሕረ ባይታ ምስ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ክትተዓራረኽ ኣይትሕሰብ። ዮናታን ንዳዊት ኣጸቢቑ ይዓብዮ ምንባሩ፡ ሩት እውን ንናእሚ ኣመና ትንእሳ ምንባራ ኣይትረስዕ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ፡ “ልብኹም ጋህ ኣብሉ” ዚብል ምኽሪ ኽንስዕብ ንደሊ ኢና። (2 ቈረንቶስ 6:13፣ 1 ጴጥሮስ 2:17 ኣንብብ።) ንየሆዋ ብዝያዳ ብዝመሰልካዮ መጠን ድማ፡ ብዙሓት ምሳኻ ንምትዕርራኽ ድሌት ኪሓድሮም እዩ።

ጸገማት ኪፍጠር ከሎ

16, 17. ኣብ ጉባኤና ዘሎ ሰብ እንተ ኣጕህዩና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይግባእ፧

16 ኣብ ኵሉ ስድራ ቤት፡ በበይኑ ባህርያትን ርእይቶታትን ኣሎ፣ ሓደ ዕዮ ኸኣ ብእተፈላለየ መገዲ ኺዕየ ይከኣል እዩ። ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዅነታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። እዚ ፍልልያት እዚ ንህይወት የመቅሮ እዩ፣ ካብ ሓድሕድና እውን ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ፍልልያትና ምስ ኣሕዋትና ወይ ምስ ኣሓትና ዘይምርድዳኣት ይፈጥር እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ብኣታቶም ንቝጣዕ ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ቅር ይብለና ወይ ስምዒትና ይጕዳእ ይኸውን። (ምሳሌ 12:18) ከምዚ ዝበለ ጸገማት ተስፋ ኬቝርጸና ወይ ካብ ጉባኤ ኼርሕቐናዶ ይግባእ፧

17 ኣይግባእን። ሓደ ሰብ ብገለ እንተ ኣጕህዩና፡ ካብ ጉባኤ ኽንርሕቕ የብልናን። የሆዋ ኣይኰነን በዲሉና። የሆዋስ ህይወትን ኵሉ ኻልእን ሂቡና እዩ። ስለዚ፡ ፍቕርናን ተኣማንነትናን ይግብኦ እዩ። (ራእይ 4:11) ጉባኤና እውን፡ የሆዋ እምነትና ንምድልዳል ዝሃበና ውህበት እያ። (እብራውያን 13:17) ሓደ ሰብ ስለ ዘጕሃየና ኢልና፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ውህበት ከቶ ኽንነጽጎ የብልናን።—መዝሙር 119:165 ኣንብብ።

18. (ሀ) ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተሳኒና ንምንባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ይቕረ ኽንብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ነፍቅሮም ኢና፣ ምሳታቶም እውን ክንሳነ ንደሊ ኢና። የሆዋ ንዝዀነ ሰብ ፍጹም ኪኸውን ኣይጽበዮን እዩ፣ ንሕና እውን ከምኡ ኽንጽበ የብልናን። (ምሳሌ 17:9፣ 1 ጴጥሮስ 4:8) ኵላትና ንጋገ ኢና፣ ፍቕሪ ግና ‘ብናጻ ይቕረ ኽንብሃሃል’ ትሕግዘና እያ። (ቈሎሴ 3:13) ንእሽቶ ዘይምርድዳእ ናብ ዓብዪ ጸገም ከይነዕቢ እትድርኸና እውን ፍቕሪ እያ። እወ፡ ሓደ ሰብ እንተ ኣጕህዩና፡ ነቲ ነገር ምርሳዑ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብቐሊሉ ኽንቍጣዕን ቂም ክንሕዝን ንኽእል ኢና። እዚ ግና ጓህን ምረትን ጥራይ እዩ ዜፍርየልና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንዝበደለና ሰብ ይቕረ እንተ ኢልናሉ፡ ንሕና ሰላም ንረክብ፡ ኣብ ጉባኤና ሓድነት ይሰፍን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ይህልወና።—ማቴዎስ 6:14, 15፣ ሉቃስ 17:3, 4፣ ሮሜ 14:19

ሓደ ሰብ ምስ ዚውገድ

19. መዓስ ኢና ኣብ ጉባኤና ምስ ዚርከብ ሰብ ሕብረትና ኽንበትኽ ዘሎና፧

19 ፍቕሪ ኣብ ዝዓሰላ ስድራ ቤት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ንኻልኦት ዜሐጕሰሉ እጃም ኣለዎ። ንበል ግና፡ ሓደ ኻባታቶም ዓለወኛ ዀይኑ። ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ንምሕጋዙ ደጋጊሞም እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኣይሰምዖምን። ድሕሪኡ፡ ንሱ ባዕሉ ኻብ ገዛ ኺወጽእ ይውስን፡ ወይ ከኣ ርእሲ እታ ስድራ ቤት ካብ ገዛ ኺወጽእ ይሓትቶ ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጉባኤ ተመሳሳሊ ነገር የጋጥም እዩ። ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብዜጕህዮ ነገር ይመላለስን ንጉባኤ ይጐድእን። ንዚውሃቦ ሓገዝ ኣይቅበልን፡ ብተግባሩ ኸኣ ኣባል ጉባኤ ዀይኑ ኪቕጽል ከም ዘይደሊ የርኢ። ድሕርዚ፡ ባዕሉ ኻብ ጉባኤ ይወጽእ፡ ወይ ካብ ጉባኤ ይውገድ። ከምኡ ምስ ዚኸውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ሰብ እቲ “ደጊም ከይትጽምበሩ” ኢሉ ብንጹር ይሕብረና እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13 ኣንብብ፣ 2 ዮሃንስ 9-11) እቲ ሰብ እቲ ፈታዊና ወይ ኣባል ስድራ ቤትና እንተ ዀይኑ፡ እዚ ብዙሕ ኬጸግመና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ግና፡ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት፡ ካብቲ ንዝዀነ ሰብ ዘሎና ተኣማንነት ኪሕይል ኣለዎ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 8 ርአ።

20, 21. (ሀ) ስርዓት ውገዳ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣዕሩኽና ብጥበብ ኽንሓሪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ስርዓት ውገዳ፡ የሆዋ ዘዳለዎ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ። ንጉባኤ ኻብቶም ብዛዕባ ስርዓታት የሆዋ ግዲ ዘይብሎም ሰባት ይሕልዋ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:7፣ እብራውያን 12:15, 16) ንየሆዋን ነቲ ቕዱስ ስሙን ነቲ ልዑል ስርዓታቱን ፍቕሪ ኸነርኢ የኽእለና እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ብዘይካዚ፡ ስርዓት ውገዳ ነቲ ኻብ ጉባኤ ዚውገድ ሰብ እውን ፍቕሪ የርእዮ እዩ። እዚ ብርቱዕ ተግሳጽ እዚ፡ ተግባሩ ጌጋ ምዃኑ ኼስተውዕልን ኣካይዳኡ ኺልውጥን ይድርኾ ይኸውን። ተወጊዶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ጸኒሖም ናብ የሆዋ ተመሊሶም እዮም፣ ጉባኤ እውን ሓንጐፋይ ኢላ ተቐቢላቶም እያ።—እብራውያን 12:11

21 ኣዕሩኽና እንተ በዚ እንተ በቲ ይጸልዉና እዮም። ስለዚ፡ ተጠንቂቕና ኽንሓርዮም ኣሎና። የሆዋ ንዜፍቅሮም ሰባት ነፍቅር እንተ ዄንና፡ ንዘለኣለም ንዕኡ እሙናት ክንከውን ብዚሕግዙና ሰባት ክንክበብ ኢና።