ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 9

“ካብ ምንዝርና ህደሙ!”

“ካብ ምንዝርና ህደሙ!”

“እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ።”—ቈሎሴ 3:5

1, 2. በላዓም ንህዝቢ የሆዋ ንምጕዳእ ብኸመይ እዩ ውዲት ኣሊሙ፧

 ሓደ ሰብ ዓሳ ኺሕዝ ምስ ደለየ፡ ናብ ሓንቲ ዚደልዮ ዓይነት ዓሳ ዚርከበላ ቦታ ኸደ። ነቲ ዓይነት ዓሳ እትስሕቦ መህረሪ ኣብቲ ዓንቃሪቦ ገይሩ ድማ፡ ነቲ መቝለብ ዓሳ ናብቲ ማይ ደርበዮ። ድሕርዚ፡ ብትዕግስቲ ኺጽበ ጀመረ። ሓደ ዚደልዮ ዓይነት ዓሳ መጺኡ ነቲ መህረሪ ምስ ኰለሶ፡ እቲ ዓንቃሪቦ ኣብ ኣፉ ተሸኽተ። እቲ ገፋፍ ዓሳ ድማ ነቲ እተታሕዘ ዓሳ ስሒቡ ኣውጽኦ።

2 ሰባት እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኺትሓዙ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ቝሩብ እዩ ተሪፍዎም ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሞኣብ ንሓደ በላዓም ዝስሙ ሰብኣይ፡ ንእስራኤላውያን እንተ ረጊምዎም፡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚህቦ ቓል ኣተወሉ። በላዓም ከኣ ንእስራኤላውያን ኣብ ገዛእ ርእሶም መርገም ኬምጽኡሉ ዚኽእሉ መገዲ ረኸበ። ተጠንቂቑ መህረሪ ሓረየ። ኣዋልድ ሞኣብ ንእስራኤላውያን ሰብኡት ምእንቲ ኼስሕታኦም፡ ናብ ሰፈሮም ሰደደን።—ዘሁልቍ 22:1-7፣ 31:15, 16፣ ራእይ 2:14

3. እስራኤላውያን በቲ በላዓም እተጠቕመሉ መህረሪ ዝወደቑ ብኸመይ እዮም፧

3 እሞኸ እቲ በላዓም እተጠቕመሉ መህረሪ ዓዪዩዶ፧ እወ። ኣሽሓት እስራኤላውያን ሰብኡት ምስ ‘ኣዋልድ ሞኣብ መንዚሮም እዮም።’ ብዘይካዚ እውን፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ጀሚሮም እዮም፣ ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ድማ፡ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ጾታዊ ርክብ ዝነበረ በዓል ጴዖር እዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ 24,000 እስራኤላውያን ሞይቶም እዮም።—ዘሁልቍ 25:1-9

4. ኣሽሓት እስራኤላውያን ዝመንዘሩ ስለምንታይ እዮም፧

4 ብዙሓት እስራኤላውያን ብውዲት በላዓም ዝወደቑ ስለምንታይ እዮም፧ ብዛዕባ ተድላኦም ጥራይ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም፣ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም እውን ኣይዘከርዎን። እስራኤላውያን ንኣምላኽ እሙናት ዚዀኑሉ ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎም እዩ። ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺእዎም፡ ኣብ በረኻ መጊብዎም፡ ናብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ እውን ብደሓን ኣብጺሕዎም እዩ። (እብራውያን 3:12) እዚ ዀይኑ ግና፡ ብምንዝርና ስሒቶም እዮም። ስለዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ . . . ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 10:8

5, 6. ካብቲ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝዀነ ነገራት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

5 ሓዳስ ዓለም ኣዝያ ቐሪባ እያ ዘላ። ስለዚ፡ ንሕና ኸምቶም ኣብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኢና ኺብሃል ይከኣል እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:11) እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ካብ ሞኣባውያን ብዚገድድ ብጾታዊ ነገራት ዓበድበድ ትብል ኣላ። እዚ ኸኣ ንህዝቢ የሆዋ ብቐሊሉ ኺጸልዎም ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ድያብሎስ ንመብዛሕትኦም ንምህራር ምንዝርና እዩ ዚጥቀም ዘሎ።—ዘሁልቍ 25:6, 14፣ 2 ቈረንቶስ 2:11፣ ይሁዳ 4

6 እምበኣር፡ ‘ንሓጺር ግዜ ብዝረኽቦ ተድላ ኽሕጐስ ድየ ዝመርጽ፡ ወይስ ኣብ ሓዳስ ዓለም ተሓጒሰ ንዘለኣለም ክነብር፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። እሞኸ፡ ነቲ የሆዋ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ!” ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ንምሕላውሲ ኽንጽዕርዶ ኣይግባእን፧—1 ቈረንቶስ 6:18

ምንዝርና እንታይ እዩ፧

7, 8. ምንዝርና እንታይ እዩ፧ ከቢድ ጕዳይ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

7 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነውራማት እዮም፣ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ዝሃበና ሕግታት ድማ ብግህዶ ይጥሕስዎ ኣለዉ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምንዝርና ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተመርዓዉ ጌርካ ዘይረኣዩ ሰባት ዚገብርዎ ጾታዊ ንጥፈታት የመልክት። ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ንዚገብርዎ ጾታዊ ንጥፈታትን ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ንዚግበር ጾታዊ ርክብን እውን የጠቓልል እዩ። ጾታዊ ንጥፈታት ኪብሃል ከሎ ኸኣ፡ ንንቡር ጾታዊ ርክብ፡ ብኣፍን ብመሃንቱስን ንዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ወይ ንብልዕቲ ኻልእ ሰብ ብጾታዊ መገዲ ምትንካይ የመልክት።—ተወሳኺ ሓበሬታ 23 ርአ።

8 ሓደ ሰብ ዚምንዝር እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጉባኤ ኪቕጽል ከም ዘይክእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9፣ ራእይ 22:15) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ዚምንዝር ሰብ ንርእሱ የዋርድ እዩ፣ ካልኦት እውን ኣይኣምንዎን እዮም። ምንዝርና ወትሩ ጸገማት እዩ ዜስዕብ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሕልና የቝስል እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ኸኣ፡ ናብ ዘይተደልየ ጥንሲ፡ ጸገማት ሓዳር፡ ሕማም፡ ወይ ሞት ይመርሕ እዩ። (ገላትያ 6:7, 8 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ፡ ምንዝርና ናብ ምንታይ ከም ዚመርሖ ሓንሳእ ደው ኢሉ እንተ ሓሲቡ፡ ምናልባት ኪምንዝር ኣይደልን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ናብ ምንዝርና ዚመርሕ ቀዳማይ ስጕምቲ ኺስጕም ከሎ፡ ድሌቱ ኼርዊ ጥራይ እዩ ዚሓስብ። እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ስእለ ጽዩፍ እዩ።

ስእለ ጽዩፍ—ቀዳማይ ስጕምቲ

9. ስእለ ጽዩፍ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ስእለ ጽዩፍ ንጾታዊ ትምኒትና ኼለዓዕል ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። ሎሚ፡ ስእለ ጽዩፍ ፈቐዶኡ እዩ ዚርከብ፣ ኣብ መጽሔታት፡ ኣብ መጻሕፍቲ፡ ኣብ ሙዚቃ፡ ኣብ መደባት ተለቪዥን፡ ኣብ ኢንተርነት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ስእለ ጽዩፍ ዘይጐድእ ይመስሎም እዩ፣ ከም ሓቂ ግና ሓደገኛ እዩ። ንሰብ ብጾታዊ ነገራት ከም ዚውለፍ ኪገብሮን ዘይባህርያዊ ትምኒት ኬሕድረሉን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ እንተ ጀሚሩ፡ እዚ ነገር እዚ ናብ ወልፊ ግብረ ሕቡእ፡ ናብ ጸገማት ሓዳር፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናብ ፍትሕ ኪመርሖ ይኽእል እዩ።—ሮሜ 1:24-27፣ ኤፌሶን 4:19ተወሳኺ ሓበሬታ 24 ርአ።

ኢንተርነት ክንጥቀም ከለና፡ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና

10. እቲ ኣብ ያእቆብ 1:14, 15 ዚርከብ ስርዓት፡ ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

10 ምንዝርና ኺስሕበና ኸም ዚኽእል ክንርዳእ ኣሎና። ኣብ ያእቆብ 1:14, 15፡ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ግጉይ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ እንተ ኣትዩ፡ ብኡብኡ ኣውጽኣዮ። ብሃንደበት ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ምስሊ እንተ ርኢኻ፡ ገጽካ ኻብኡ ምለስ! ንኮምፕዩተርካ ኣጥፍኣያ፡ ወይ ነቲ መደበር ተለቪዥን ቀይሮ። ግጉይ ትምኒት ኣብ ህይወትካ ኺኣቱ ኣይትፍቀድ። እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ግጉይ ትምኒትካ ምስ ሓየለ፡ ምቍጽጻሩ ኼጸግመካ እዩ።ማቴዎስ 5:29, 30 ኣንብብ።

11. ግጉይ ሓሳባት ኪመጸና ኸሎ፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኺሕግዘና ይኽእል፧

11 የሆዋ፡ ካብቲ ንሕና ንርእስና እንፈልጣ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ይፈልጠና እዩ። ስለዚ፡ ክሳዕ ክንደይ ዘይፍጹማት ምዃንና ይፈልጠና እዩ። ግናኸ፡ ግጉይ ትምኒታት ከነሰንፍ ከም እንኽእል እውን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ” ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ። (ቈሎሴ 3:5) እዚ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ የሆዋ ይዕገሰናን ይሕግዘናን እዩ። (መዝሙር 68:19) ሓደ መንእሰይ፡ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይን ግብረ ሕቡእ ናይ ምግባርን ልማድ ነበሮ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ኣዕሩኹ እዚ ንቡር ክፋል ብጽሕና ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ፣ ንሱ ግና፡ “እዚ ንሕልናይ ጐድኦ፡ ናብ ርኹስ ህይወት ድማ መርሓኒ” በለ። ትምኒቱ ኺቈጻጸር ከም ዜድልዮ ኸኣ ኣስተውዓለ፣ ብሓገዝ የሆዋ ድማ ካብዚ ልማዳት እዚ ሓራ ኺወጽእ ከኣለ። ርኹስ ሓሳባት እንተ ኣልዩካ፡ ሓሳባትካ ንጹህ ምእንቲ ኪኸውን፡ የሆዋ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበካ ለምኖ።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ 1 ቈረንቶስ 9:27

12. ‘ንልብና ኽንሕልዎ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ሰሎሞን፡ “ምንጭታት ህይወት ካብኡ እዩ እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ምሳሌ 4:23) “ልቢ” ኺብሃል ከሎ፡ እቲ የሆዋ ዚርእዮ ውሽጣዊ እንታይነትና ማለት እዩ። እንርእዮ ነገራት፡ ሓያል ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታትየ እየ። ከመይ ኢለ እሞ ንድንግል ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽገብረላ፧” ዝበለ። (እዮብ 31:1) ከም እዮብ ንሕና እውን ንእንርእዮን ንእንሓስቦን ነገራት ክንቈጻጸሮ ኣሎና። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝበሎ ድማ፡ “ንኣዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢልና ኽንጽሊ ይግብኣና እዩ።—መዝሙር 119:37

ዲና ዝገበረቶ ናይ ዕሽነት ምርጫ

13. ዲና እንታይ ዓይነት መሓዙት እያ መሪጻ፧

13 ኣዕሩኽና እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ፡ ብዙሕ ይጸልዉና እዮም። ስርዓታት ኣምላኽ ዚስዕቡ ኣዕሩኽ እንተ መሪጽካ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ክትስዕብ ኪሕግዙኻ እዮም። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ።) ካብቲ ንዲና ዘጋጠማ ነገር፡ ናይ ኣዕሩኽ ምርጫና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ዲና ሓንቲ ኻብ ኣዋልድ ያእቆብ እያ ነይራ፣ ስለዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣብ ዜምልኹ ስድራ እያ ዓብያ። ዲና ብዕልግቲ ኣይነበረትን፣ ንየሆዋ ምስ ዘየምልኻ ኣዋልድ ከነኣን ግና ተመሓዝያ ነይራ እያ። ከነኣናውያን ከኣ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፣ ብዕሉጋት እዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 18:6-25) ዲና ምስ መሓዙታ ኸላ፡ ምስ ሓደ ሴኬም ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ተፋለጠት፣ ንሱ ኸኣ ብእኣ ተማረኸ። ሴኬም ‘ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከም ዚኸብር’ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ንየሆዋ ግና ኣየፍቅሮን እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 34:18, 19

14. ዲና እንታይ እዩ ኣጋጢምዋ፧

14 ድሕርዚ፡ ሴኬም ብኣረኣእያኡ ንቡርን ቅቡልን ዚመስሎ ነገር ገበረ። ብዲና ስለ እተማረኸ፡ “ወሲድዋ ምስኣ ደቀሰ፡ ዓመጻ ድማ።” (ዘፍጥረት 34:1-4 ኣንብብ።) ብሰሪ እዚ ተግባር እዚ ዝሰዓበ ነገራት ድማ፡ ንዲናን ንብዘሎ ስድራ ቤታን ጓሂ ኣምጽኣሎም።—ዘፍጥረት 34:7, 25-31፣ ገላትያ 6:7, 8

15, 16. ከመይ ጌርና ኢና ጥበበኛታት ክንከውን እንኽእል፧

15 ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ንጽቡቕና ኸም ዝዀነ ንምፍላጥ፡ በቲ ዲና ዝገበረቶ ጌጋ ኽንሓልፍ የብልናን። “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።” (ምሳሌ 13:20) እምበኣር፡ “መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኽትርዳእ” ሸቶ ግበር፣ ካብ ስቓይን መከራን ድማ ክትስተር ኢኻ።—ምሳሌ 2:6-9፣ መዝሙር 1:1-3

16 ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ቅድሚ ምውሳንና ናብ ኣምላኽ ብምጽላይን ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚህበና ሰናይ ምዕዶ ብምስዓብን ጥበበኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 24:45፣ ያእቆብ 1:5) መሸም፡ ኵላትና ድኹማትን ዘይፍጹማትን ምዃንና ትፈልጥ ኢኻ። (ኤርምያስ 17:9) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ኣብ ምንዝርና ንምውዳቕ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘለኻ እንተ ዚነግረካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ቅር ድዩ ዚብለካ፡ ወይስ ነቲ ሓገዙ ብትሕትና ትቕበሎ ኢኻ፧—2 ነገስት 22:18, 19

17. ካብ ክርስትያን ብጻይና ዚመጽእ ምኽሪ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

17 ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሓብቲ ኣብ ስራሓ ፍሉይ ቈላሕታ ይገብረላ፣ ተራኺቦም ግዜ ኼሕልፉ ድማ ይሓትታ። ንሱ ንየሆዋ ኣየገልግሎን እዩ፣ ግናኸ፡ ኣዝዩ ጥዑይን ለዋህን እዩ ዚመስል። ካልእ ሓብቲ ኸኣ ነዚ ርእያ ኸተጠንቅቓ ትፍትን። እታ ቐዳመይቲ ሓብቲ እንታይ እያ ኽትገብር ዚግባእ፧ ንርእሳ ኽትጣበቕ ድዩ ዚግባእ፡ ወይስ እቲ መጠንቀቕታ ንጥቕማ ምዃኑ ኸተስተውዕል፧ ንየሆዋ ተፍቅሮ፡ ቅኑዕ ዘበለ እውን ክትገብር ትደሊ ትኸውን። እቲ ሰብኣይ ንዘቕረበላ ሕቶ እንተ ተቐቢላ ግና፡ ‘ካብ ምንዝርና ትሃድም ድያ ዘላ፡’ ወይስ ‘ብልባ እያ እትእመን ዘላ’፧—ምሳሌ 22:3፣ 28:26፣ ማቴዎስ 6:13፣ 26:41

ካብ ኣብነት ዮሴፍ ተምሃር

18, 19. ዮሴፍ ካብ ምንዝርና ብኸመይ ከም ዝሃደመ ግለጽ።

18 ዮሴፍ ብንእስነቱ ኣብ ግብጺ ባርያ እዩ ነይሩ። ሰበይቲ ጐይታኡ ኸኣ ምስኣ ኺድቅስ መዓልቲ መዓልቲ ትሓትቶ ነበረት። ንሱ ግና እዚ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንየሆዋ የፍቅሮ፡ ባህ ዜብሎ ኺገብር እውን ይደሊ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እታ ሰበይቲ ኽትሓብሎ ደጋጊማ እኳ እንተ ፈተነት፡ ንሱ ግና ኣበያ። ባርያ ስለ ዝነበረ ግና፡ ንጐይታኡ ሓዲጉ ኪኸይድ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓደ መዓልቲ ሰበይቲ ጐይታኡ ምስኣ ኺድቅስ ከተገድዶ ምስ ፈተነት፡ ንሱ “ናብ ግዳም ሃደመ።”—ዘፍጥረት 39:7-12 ኣንብብ።

19 ዮሴፍ ኣብ ኣእምሮኡ ርኹስ ሓሳባት ኪኣቱ እንተ ዚፈቅድ ወይ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ኺሓልም እንተ ዚውዕል ነይሩ፡ መወዳእታኡ ኻልእ ምዀነ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ፡ ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ኣብሊጹ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ስለዚ፡ ነታ ሰበይቲ፡ “ሰበይቱ ስለ ዝዀንኪ . . .፡ [ጐይታይ] ብዘይካኽስ ገለ እኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በላ።—ዘፍጥረት 39:8, 9

20. የሆዋ ብዮሴፍ ባህ ከም ዝበሎ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

20 ዮሴፍ ካብ ቤተ ሰቡን ካብ ቤቱን ርሒቑ እኳ እንተ ነበረ፡ ወትሩ ግና ንኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ድማ ባሪኽዎ እዩ። (ዘፍጥረት 41:39-49) የሆዋ ብተኣማንነት ዮሴፍ ደስ ኢልዎ እዩ። (ምሳሌ 27:11) ንብዕሉግ ተግባር ምእባይ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ነተን፡ “ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ። ንሱ ህይወት እሙናቱ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ እኩያት የናግፎም” ዚብላ ቃላት ኣይትረስዓየን።—መዝሙር 97:10

21. ሓደ መንእሰይ ሓው ንዮሴፍ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧

21 ህዝቢ የሆዋ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ነቲ፡ “ክፉእ ጽልኡ፡ ጽቡቕ ከኣ ኣፍቅሩ” ዚብል ቃላት ብትብዓት ከም ዚዓይዩሉ የርእዩ ኣለዉ። (ኣሞጽ 5:15) ዕድመኻ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ እሙን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ እምነቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈቲና እያ። ሓንቲ ጓል፡ ኣብ ናይ ሕሳብ ፈተና እንተ ሓጊዝዋ፡ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ከም እትገብር ነገረቶ። እሞኸ እቲ ሓው እንታይ ገይሩ፧ ከምቲ ዮሴፍ ዝገበሮ እዩ ገይሩ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብኡብኡ እየ ንሕቶኣ ነጺገዮ። ንጽህናይ ብምሕላወይ፡ ክብረተይ ሓልየ እየ” ይብል። ብምንዝርና ዚርከብ ‘ግዜያዊ ባህታ፡’ ስቓይን ጓሂ ልብን እዩ ዜስዕብ። (እብራውያን 11:25) ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ግና፡ ወትሩ ነባሪ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ።—ምሳሌ 10:22

ንየሆዋ ኺሕግዘካ ፍቐደሉ

22, 23. ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበርና፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ዚሕግዘና፧

22 ሰይጣን ብምንዝርና ገይሩ ኺሕዘና ይጽዕር እዩ፣ ካብዚ ምምላጥ ድማ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓሓሊፉ ንዅላትና ግጉይ ሓሳባት ይመጸና እዩ። (ሮሜ 7:21-25) የሆዋ ነዚ ይርድኦ፡ “ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:14) እሞ ደኣ ሓደ ክርስትያን እንተ መንዚሩ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ኣኺልዎ ተስፋ ዘይብሉ ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ሰብ ብሓቂ እንተ ተነሲሑ፡ የሆዋ ይሕግዞ እዩ። ኣምላኽ “ንይቕረታ ድልዊ” እዩ።—መዝሙር 86:5፣ ያእቆብ 5:16፣ ምሳሌ 28:13 ኣንብብ።

23 ብተወሳኺ እውን፡ የሆዋ፡ “ውህበት ሰባት፡” ማለት ዚሓልዩልና ፈቃራት ሽማግለታት ሂቡና እዩ። (ኤፌሶን 4:8, 12፣ ያእቆብ 5:14, 15) ነዞም ሽማግለታት ከኣ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንምዕራይ ኪሕግዙና ኢሉ እዩ ሂቡና።—ምሳሌ 15:32

“ልቢ” ግበር

24, 25. “ልቢ” ምግባርና፡ ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

24 ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር፡ ሕግታት የሆዋ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ኺርድኣና ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 7:6-23 ተገሊጹ ዘሎ ጐበዝ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ንሱ “ልቢ” ዘይብሉ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ኼህርሮ ዝቐረበሉ ምንዝርና ተታሒዙ እዩ። “ልቢ” ዘለዎ ሰብ ኪብሃል ከሎ፡ ፈላጥ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ልቢ እንተ ኣልዩና፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተረዲእና ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ንጽዕር ኢና። ነዚ ዚስዕብ ጥበብ ዝሓዘ ቓላት ኣይትረስዕ፦ “ልቢ ዜጥሪ፡ ንርእሱ የፍቅራ። ምስትውዓል ዚዓቍር፡ ኣሳልጦ ይረክብ።”—ምሳሌ 19:8

25 እሞኸ ስርዓታት ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኣሚንካሉ ዲኻ፧ ንዕኡ እንተ ስዒብካ ሕጉስ ከም እትኸውን ብሓቂዶ ትኣምን ኢኻ፧ (መዝሙር 19:7-10፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ጽቡቕ ዘክር። ‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓምን ርአን።’ (መዝሙር 34:8) ብዝያዳ ኸምኡ ብዝገበርካ መጠን፡ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኸተፍቅሮ ኢኻ። ነቲ ንሱ ዚፈትዎ ፍቶ፣ ነቲ ንሱ ዚጸልኦ እውን ጽላእ። ንኣእምሮኻ ብጽቡቕ ሓሳባት፡ ማለት ብሓቂ፡ ብጽድቂ፡ ብንጹህ፡ ብተፈታዊ፡ ብዚንኣድ ነገራት ምልኣዮ። (ፊልጲ 4:8, 9) እወ፡ ከምቲ ኻብ ጥበብ የሆዋ እተጠቕመ ዮሴፍ ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 64:8

26. ኣብ ዚቕጽል እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

26 እተመርዓኻ ኹን ዘይተመርዓኻ፡ የሆዋ ንህይወት ከተስተማቕራን ሕጉስ ክትከውንን ይደልየካ እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ዚቕጽል ክልተ ምዕራፍ፡ ኣብ መውስቦን ኣብ ሓዳርን ዕዉታት ክንከውን ዚሕግዝ ሓበሬታ ኣሎ።